ዕግርግር ኮይኑ ሰላም ክጠፍእ

 

ፋጻ ጠያይት ተዅሲ መዳፍዕ

ባህጊ ዘለዎ ወትሩ ክሰምዕ

ዓዲ ጠንጢኑ ህዝቢ ክወጽእ

ሕጻ ተደብዩ ኣብ ምድረበዳ ሞይቱ ክርሳዕ

ኣብ ባሕሪ ኣትዩ ዓሳ ክብላዕ

ጅግና መንእሰይ ዋርሳይ ዝጽዋዕ

ሃውን ተኵሱ ታንኪ ዘባርዕ

ኣብ ማእከል ሲናይ ከብዱ ክትርባዕ፡

ኣብ ሰብ ዘይርእዮ ስዉር ዕዳጋ

ንኹላሊት ዋጋ ዕዳጋ ክግበረሉ ከም ሓደ ጸጋ

ዓለም ክትስክሕ በቲ ሓደጋ፡፡

ዕጅብ ዘይብሎ ፈርዖን መራሒ

እንትርፎ እከይ ዘይፈልጥ ፍትሒ

ቅንጣብ ዘይብሉ ናይ ኣምላኽ ፍርሒ፡

ብስም ወራራት ንዕስራ ዓመት

በጽሒ ኤርትራ ኣቦ ህጻናት

ተበይንዎ ክሕሉ ዶባት

እስከ ዘይብሉ እዋን ወይ ህሞት፡

ኣብ ህንጸት ሃገር እንበለ ደሞዝ

ኣገልግሉ’ሉ ክኣ ይእዝዝ

ጨካን መራሒ ድኻ ዘይሕግዝ፡

ተባዕ መንእሰይ ምድሪ ዘቢጡ ሞራሉ’ውዲቑ

ብናይ ወለዱ ስእነት ሓሪቑ

ገለ ብነፍሱ ገለ ብደቁ፡

ኣደ’ቲ ስዉእ ኣደ’ቲ ህልው ኣብ ቤት ንበይና

ቀለብሲ ይትረፍ ቡን’ውን ስኢና

ጉልባብ ቀሊዓ ለማኒት ኮይና፡

ኣቦ መንእሰይ ጉህዩ ሓሪሩ

ደቁ ኣጥፊኡ ግርሁ ቃዲሩ

እኽሊ ሃጺጹ ጾሙ ሓዲሩ

ሰማይ ዓሪጉ ናብራ ኸቢሩ

ምጽወታ ደልዩ ነዛ ድራሩ፡

ብመብጽዓታት ሰባት ዝጥብር

ደረቕ መልሓሱ ሓሶት ዘዘውትር

ብእብነ-በረድ ንዱቕ መቓብር

በለቕ ትርኢቱ ጋሻ ዘሀርር

ውሽጣዊ ጋህሲ ሬሳ ዝጸውር

ስርዓት ዘይብሉ ሓድሽ ዲክታተር

ተደለ’ቐትል ተደለ’ኣስር

ተደለ’ደስክል ተደለ’ባርር

ሕጊ ዘይገትኦ እንታይ ዘይገብር፡

ደቆም መንዚዑ ካብ ማእኸል ቤቶም

ኣብ ጥራሕ ገዛ ሓዘን ከይኣኽሎም

ጠፊኦም ኢሉ ዕዳ የኽፍሎም

ሓሙሳ ሽሕ’ውን እንተ ዘይብሎም

ኣረገውቲ’ሉ እንከይ ንሓፎም

ብዘይ ርህራሀ ድማ ይኣስሮም።

 


ሃረርታ ፍትሕን ሓቅን ዲሞክራስን ዘለዎ ኤርትራዊ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...