እቲ “ከመይ ሓዲርኩም“? ብዝብል ቃል ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዝተኸፍተ 2ይ ጉባኤ ሃገራዊ ቁጠባዊ ዋዕላ፡ ብምቕጻል ዘስዓቦ ምስጋና ከይደረቐ፡ ተሳተፍቲ ይረድኣዮም ኣይረድኣዮም ንሱ ግን ንእለቱ እናተፈሸኸ “ጽቡቓት ሓሳባት ጽቡቓት ኢዮም።ሓሳባት ግን 5% ጥራይ ኢዮም። ኣብ ሓሳባት ጥራይ ከተኮማስዕ ከተገላብጥ ግዜ ምውሳድ ክሳራ‘ውን ኣለዎ“ ክብል ንወዮ ዋዕላ በታ ደቒቕ‘ቲኣ ከፊቱ ብኣንብኣ ከምዝዓጸዋን ነቲ ኩሉ መዳያዊ ዕጥቂ ሃገራወያን ከኣ ከምቀደሙ ከም ዘበርዓኖን ደርጒሕሎም ኣሎ።

ዝኸበርኩም ደቂ-ኤርትራ! ከምቲ ዝተጠቕሰ ኣብ መዛዘሚ ናይዚ ብሉይን ኣፍደገ ውልዶን ዓመት ኢና ዘለና። ኣብ ሓድሽ ዓመት ኩልና ነናትና ሓደስቲ መደባት ኣለዉና። ኩሉ‘ቲ ነናይ ውልቂ ዋኒናት ከኣ ኣብ ቆፎ ሃግራዊ መደባት ከነእትዎ ም ሕሳብና ናይ ሃውሪ ኣይኮነን። ከመይሲ ኩልና ደቂ ሓንቲ ሃገር ምዃንና ኢዩ። ካብ ፖለቲካዊ ሃልኪ ወጻኢ ብርግጽ ሓን ቲ ኢያ‘ዛ ልብና። ሓንቲ ከኣ ባህግና። ትጽቢት ደርማስ ኤርትራ ምርኣይ ባቃ! ናብኣ ንምብጻሕ ግን ዋላ እንተዘይተጋነነ ከይተፈላለናን ከይተሳነናን ኢና ዘለና። እሞ ብኣጋጣሚ‘ዚ ሓድሽ ዓመት ልብና ኣርጊኡ ጥበብን ስኒትን ክፈጥረልና እና ተመነኹ “ኣንቲ ኢያ ልብናሕርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና፡ ካብ ዕንቅፍቲን ቅቡር መጻወድያ ኮነ ዃዂቶ ምድሪን ሰቲሩ ኣዒንቲ ገዛእቲ ይድፈነልና“ ክብል እመርጽ።፡

ከምቲ ዝብኢስ ስጋ እንተበልዎ ኣበይ ከይበለ ዝነጉድ፡ ክበልዕ ዝበለ‘ውን ገደል ኣፉ ከምተባህለ፡ ብጥምየት ዝተሰነፈን ብጽጋብ ተሸንዲሑ ክንሱ ሰስዐ ዘድሃበሉ ዘበለን ከኣ ብዘይካ‘ታ ዝበልዓ ኩላሶ ትወድቆ ሓኽሊ ከየቕልብ ይኽእል ኢዩ። ሃገራዊ ቁጠባዊ ዋዕላናኸ ምሰ ምስላታትና ይዛመድዶ?

መዛረቢ ዛዕባና እንተድኣ ብሓቂ ነገር ወፍሪ ኮይኑ ብመጀመርታ ዝኾነ ኣብ ሃገርና ኣብ ስልጣን መንግስቲ ዝመጽእ በዓል ግዜ ነቲ ኒሕ ኤርትራዊ ዝበቅዕ ሓቀኛ መምዘኒ ክህልዎን ብሕጊ ዝቖመን ክኽውን ኣለዎ። ከመይሲ ሃገርና ብጉልበት፡ ኣእ ምሮን ንብረትን ህዝባ ኢያ መጺኣ። ብዛዕባ ግደ ሰብ ሃብቲ ካብተላዕለ ከኣ ብስም ሃገር እናተመኽነየ ንዓመጽ ክጋለጽ ዘ ይኮነ ነፍሲወከፍ ዘወፈየ ዘበለ ኣስተዋጽኦኡ ብምንታይ ምንባሩ ክእመነሉ ኣለዎ። ነዚ ሓሳብ ንሰማምዓሉ እንተኾይንናኸ ከምኡ ኣሎ ደዩ ኣብ ሃገርና?

ሓቂ ንምዝራብ ምስዚ ኣብ ዓለም ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካ፡ ሃብታማት ውስንቲ ሃገር የብሎምን ኢዩ ዝበሃል። ኣብ ሃገርናን ኣብዚ እዋንዝን ግን ዝኾነ ብዓል ሃብቲ ንክልተ ምኽንያት ሓያል ሃገራውነትን ኒሕን ኣለዎ። በቲ ሓደ ከምቲ ካልእ ኩሉ ሃገራዊ እጃሙ ክፍጽም፡ በቲ ካልእ ከኣ ሃገርና ንወፍሪ ዝበቅዕ ባይታ ስለዘልዋ። ነዚ ክገብር ግን ንሱ‘ውን ዋሕስነት ይደ ሊ። ብዓበይቶም ድሞክራስን ሰላምን ከምኡ ካኣ ሕጊ ንግዲ ይጠልብ ነጋዳይ። ኩሉ ነጋዳይከ ሕጋዊ ዲዩ?

“ጋቬርኖ ሴንሳ ፋሺኮሎ፡ ይበሃል ነይሩ ግዜ ጥልያን“ ኢሉ ዘዕለለኒ መዋግዕተይ ኩሉሳዕ ኢየ ዝዝክሮ። ኣብ ብዓለሙ ፖ ለቲካ እንትርፎ መሳለጥያ ቁጠባ፡ ንበይኑ ዓላማ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ነጋዳይ ካኣ ንጽድቂ ዘይኮነ ንዕብየቱ ኢሉ ኢዩ ዝወ ፍር። ኣብ መንጎ ድማ እቲ ኣወራ ተጸባይ ፍትሒ ዝኾነ ሓፋሽ ኣሎ። ነዞም ሰለስተ ኣእጋር ጉልሻ ማለት ወናኒ ሃብቲ፡ በዓ ል ጉልበትን ሞንጎኛን /መንግስቲ/ ዝጠምር ንቡር ኩሉ መዳያዊ ኮነ ሕጊ ወፍሪ ርእሰማል እንተዘይሃልዩ ብኹረት ክርኤ  የግዲ ኢዩ።ንኣብነት ስስዐ ከኣ ኣሎ‘ሞ ሸቓጣይ ብክልቲኡ ማለት ብንቡርን ዘይንቡርን /ኮንትሮባንዳ/ ክወሳወስ ክርከብ ባህርያዊ ንበሎ። ስለኡ ኢዩ እንባኣር ዘስርሕን ዝቐጽዕን ሕጊ ክህሉ ግድነት።

ኣብ ሃገርና ቡዙሕ ጭርጭር ዓበደ መንግስትን ነጋዳይን ተራእዩ ኢዩ። ከምቲ ልሙድ ከኣ ቀንዲ ተወንጃሊ ነጋዳይ ክኸ ውን እንከሎ ወንጃሊት‘ውን ህግደፍ ባዕላ ነበረት። እቲ ንዝመጾ ክሲታተ ብሕጊ ክምጉት ዝነቐለ ነጋዳይ ብቐዳምነት መ ንነት ከሳሲቱ ህግደፍን ዓንቀጻት ክስታታን ሓቲቱ ኣይተመለሰሉን። ማልተይ ብመሰነይታ ንምቕራቡ ይዝከረኒ ነፍሱ ይም ሓር ቃል-መሕትት ናይ ሃለቃ ወልደሃይማኖት። ንሱ ጸገማት ነጋዶ ድሕሪ ምዝርዛር መንግስቲ እንተድኣ ተሓጋጊዝዎም “ኤርትራ ድኣ ክንደይ ኮይና“ እናበለ እኹል ቀረብ ሃለኽቲ ነገራት ክገብሩ ከምዝኽእሉ ከይተጠራጠረ ገሊጹ።ከምኡ‘ውን ክርክር ከይሰርሑ ዝተኸልከሉ፡ ዝተሃገሩን ዝተኣሰሩን ርኢና። መወዳእታኡ ካብዝፈርህዎ ኣይወጹን። ህግደፍ ንርእሱ ማ ንም ከይወከሎ ባዕሉ ነጋዳይን ፈራዳይን ኮይኑ ምስጸብለለ ጥፍሽናን ሃዳምነትን ነጋዶ ኣርከበ‘ሞ ሎሚ ብሑት ቁጠባዊ ትልሚ ህግደፍ ጠራይ ኢዩ ዘሎ። ካብዚ እዋናዊ ዋዕላኸ እንታይ ክውለድ ትጽበዩ?

ቁጥባ ሃገር ብመደብ ዝደኰዐ ስርዓት ፈተናዮ ጸላእናዮ መቐጸልታ ናይቲ ኤርትራ ርእሳ ከምዘይትኽእል ንምምሳል ዝተዋ ደየ ሕቡእ ፖለቲካዊ ውዲት ከምዝኾነ መቸም ሎምስ ዘማትእ ኣይመስለንን። እቲ መጻይ ትልሚ ርካሽ-ምካሹ ገፋፊጡ ክሰናበት እናሓለነ ተሓላቒ ሃገር ንከምስል ምእንቲ ኩሉ በዓል ገንዘብ ዜጋ እንተዘይኣትዩ ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ከእቱ ምዃኑ ከምዝወጠነ ተሰሚዑ። ነገር መንግድን ተስፋ ዘይምቑራጽን ሓያለይ ካብቶም ተሳተፍቲ ኣሚኖም እንተኾይኖም ዝበዝሑ ግን ሰብ ማንታ ልቢ ምንባሮም ተስተውዒሎም። ሓያለይ ካብ እኩባት‘ውን ነገራቱ ባህ ዘይበሎም በርጌስ ዝተ ኸድኑ መኮንናትን ከምኡ‘ውን ብዙሓት ገዳይምን ሓደስትን ኣባላት 09 ከምዝነበሩ ተራእዮም።

መንግስቲ ኣብቲ “ልምዓት ህዝቢ፡ ብህዝቢ ንህዝቢ“ ዝተሰምየ ንተበጺሑ ዘሎ  ‘ሓድሽ መድረኽ‘ ዝገልጽ ሓጺር መግለ ጺኡ፡ ኣብ ቁጥባዊ ውጥን 2013ን ኢድ ከምዘይብሉ ዘምስሎ ሓበሬታ ኢዩ ዘርዚሩ። ኣዳለውቲ ዋዕላ ጭቡጥ ፕሮግራማ ት፡ ጭቡጥ ፕሮጀክትታት፡ ጭቡጥ ዋኒናት ኣቕሪቦም ናይታ መጻኢት ዓመት ሓላፍነቶም “እዚኤን ኢየን“ ኢሎም ነዳዲ ይኹኑ‘ምበር ፕረሲደንት ኮነ ምሳርሕቱ ድሉዋት ምህላዎም ድሕሪ ምሕባር፡ ወያ ማኪና ከኣ ሕድሽ ማርሻ ሓድሽ ሓይሊ ገይራ ከምትጋልብ ተመባጽዐ።

ኦይ! ስራሕ ዕንኪላሎ‘ስካ ኩሉ ግዜ ከምኡ ኢዩ። እስከ ነገር ንምሕጻሩስ፡ ሃገር ብዘይ ሰብማል ደቃ መኻን ምዃና ብምር ዳእ፡ እጃሞም ንምግባር ድሕሪ ነጻነት ክንደይ ሰብ ንብረት ዓዶም ዘይኣተዉ? ክንደይከ ርዖኦም ጠቕሊሎም ዳግማይ ዘይ ተሰደዱ? ሎሚኸ ወዮም ሰማንያን ሸሞንተን ዓሽከሮት ካንዶ ብደም ዓፍትዮምሲ ብሕጊ ክዕገቱ ኮይኖም? እንተ‘ቲ ንገርሀ ኛታት ሰላማዊ ኣኼባ ንምምሳል ዝተገብረሉ ጻዕሪ‘ሞ ብነፍሱ ግሁድ ነበረ።ሃጓፍ ተረኺቡ ተባሂሉ ክነግድ ዝወፍር እንተ ኣልዩ፡ ብዓንተቦኡ‘ውን እኮ መንግድ መለሳ የብሉን ብማለት ተሃንጥዩ ምስ ነጋዶ ኩሊተ-ዛንጡይ-መዓንጡይ ዘድረገ ኣሎ ና። ሎሚ‘ውን ናብኡ ክጽንበር ዝመርጸ እንተኣልዩ እንሆ ፈረስ እንሆ ከኣ ጎልጎል። እንተዘየሎ  ሕጂኸ እንታይ ተሪፋ ህግ ደፍ? ኣብ 2013‘ሞ ቁጠባዊ ውጥን ዘይኮነ ከምቲ በኹሪ ወራስ ዓራት ዝተቖጽረ ሕንቑቕ ውላድ ወዲ ፎርቶ ዝገበሮ ዝሓ ዝካ ሒዝካ ባው ከኣ ኣሎ‘ኮ። ሽዑ ባንካ ኤርትራ ኣሚኑ ተሃሚሉ ንብረቱ ዘዝኸዓወ ዘበለ ጽባሕ ኣይክሓፍሶን ኢዩ።

ሀ.......ይ! እታ ጉዋ‘ኮ ከምቀደማ ኢያ ዘላ።“ዓሻ ድየ በራኺ“ ኢሉ ስዉእ ሙሴ ኣስገዶም። ሎሚ ብህይወት እንተዝህሉኽ እንታይ ምበላ ነዛ ናይ ጉርሒ ኲናት? ናይ ሓባር ረብሓ ምቁማት ተመራጺ ኢዩ!

ሰናይ ዓመት ይግበረልና!

ዘመን፡

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...