እዚ ዘለናዮ ዘመን፣ ናይ ተክኖሎጂ ዘመን ብምዃኑ ብዙሓት ንወዲ ሰብ ዘገድሱ ስራሓት ይስርሑ ከም ዘለዉ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ብካልእ መልክዑ ግን ኣብ መርበባት ኢንተርነት እዋሓስ አግብእ ዘይትበሃለሉ፣ ብትኽክል ዋናታቶም ዘይፍለጡ ጽሑፋት ይዝግሑ ኢዮም። ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳያት፣ ቅድሚ ቁሩብ ግዜ ግንባር ዓደቦ ከም ዝፈረሰን ብስም ...ጀይ. /EMDJ/ ክጽዋዕ ምዃኑን ዝገልጽ መስደምም ዝኾነ ጽሑፍ ተዘርጊሑ ነይሩ። ብዓንደ-ርእሱ ምምስራት ግንባር ዓደቦ ከምቲ ኣብ ኣዋጁ ዝተገልጸ፣ መቐጸልታ ቃልሲ ደምበ ኣለና ብሽጢን ብደገን ደኣምበር ካብ ሰማይ ዝነጠበ ማና ኣይኮነን።

ቅድሚ ናብቲ ዝርዝር ጉዳይ ምእታውና ግን፣ ኣባልነት ኣብ ግንባር ዓደቦ ብጋህዲን ብስዉርን ስለዝኾነ፤ ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ዘለኹም ስዉራት ኣባላት እዚ ግንባር እዚን ኣባላት ደምበ ኣለናን፤ በዚ ህንጡያት ዝወሰድዎ ፈንተኽሽ ውሳኔ ዝቕላዕ ምስጢር ከም ዘየለ ብምሉእ ርእሰ-ምትእምማን ንገልጽ። ፎርም መሊእኩም ዝሰደድኩም ደለይቲ ሓርነት ከኣ፣ ንቕበሎ ከም ዘለና ክንሕብር ንፈቱ።

ኣቦ መንበር ግንባር ብምኽንያት ተኸታታሊ ድኻም ኣብ ጥዕናይ ንዝተራእየ ሓላፍ-ዘላፍምክትታል ክሳብ ዕለት 31 ታሕሳስ 2012 ኣብ ዕረፍቲ ንክጸንሕ፤ ጉዳይ ጥዕናይ ክገብር ምዃነይ ብዘዋሪ መልእኽቲ ንኩላቶም ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ግንባር ዓደቦ ብጽሑፍ ሓቢረዮም ነይረ እየ። ገለ ሰባት ናብ ጉባኤ ተዓዲሞም ናብ ከተማ ካስል ድሕሪ ምእታዎም፣ ብሓላፍነት ንክሰርሑ ዝተመርጹ ድማ ኮር ተገልበጥ፤ ኣብ ክንዲ ሃነጽቲ ፈንጣሕቲ ኮይኖም ተረኺቦም ኣለዉ። ኣበጋሲ ናይዚ ፍሬኖ ዝተበትኮ ኣከያይዳ’ዚ ሓደ ሰብ ጥራይ ኢዩ። ከም ለበዳ ሕማም ድማ ኣብ ሓጺር መዓልታት ንገለ ሰባት ከሕምም ክኢሉ።

ናይ ጥልመት ኮርስ ንምልምማድ ክሳብ ዕለት 11-12-12 ጥራይ ልዕሊ ሸሞንተ ግዜ ኣኼባታት፤ ምስ ሓለፍቲ ኢ.ኤም.ዲ.ጀይ ድማ ሓሙሽተ ግዜ ኣብ ስካይፕን ኣብ ዕጹው ፓልቶክን ኣኼባታት ቀንዮም ኢዮም። እዚ መለሳ ቆሎስ ጥጥቖ ‘ዝዓይነቱ ግምጥልሽ ኣከያይዳ፤ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ግንባር፣ ተራ ኣባላት ግንባርን ኣቦ መንበር ግንባርን ዘይፈልጥዎ ድቓላ ጽሑፍ ብሰላሕታ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ጀርመን ከተማ ካስል፤ ወኪል ሃገራዊ ባይቶ፣ ወኪል ማሕበር መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር፣ ወኪል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ወኪል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ወኪላት ሲቪክ ማሕራት፣ ወኪላት ካልኦት ውድባትን ወኪል ፈ.ደ.መንግስቲ ኢትዮጵያን ..... ፈተውቲ፣ ተቓለስቲን ምሁራትን ዜጋታት ዝተሳተፍሉ ውልዶ ግንባር ኢዩ።

ንህንጻ እዚ ውልዶ ግንባር’ዚ ግዜ፣ ድኻምን ዋጋን ተኸፊልዎ ኢዩ። እቶም ንዕድሜና ኣኽቢሮም ካብ ቀረባን ርሑቕን ዝመጹ ክቡራት ኣጋይሽ፣ ኣብ ምህናጽ እዚ ግንባር’ዚ ብገንዘብ፣ ብሞራልን ብጽሑፍን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ዜጋታትን ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን እውን ረዚን ዋጋ ከፊሎም ኢዮም። ነቲ ኩሉ ብገንዘብን ወርቂን ዘይሽነን ክብሪ ብሓደ ገጽ ጽሑፍ ናብ ጎዱፍ ክትድርብዮ ምፍታን ድማ፤ ፍሬኖ ዝተበትኮ ህላላ ኣከያይዳ ጥራይ ኢዩ ዘነጽር። እዚ ግንባር’ዚ ብድሕሪ ምምስራቱ ከም ኣካል ደምበ ተቓውሞ ኤርትራውያን ብሕጊ ዝተመዝገበ ግንባር ኢዩ። ርእሲ ግንባር ዓደቦ ኣብ ክልተ ወርሒ ላጺኻ! ኣሸበሸብ’ውን እቲ ጸጉሪ ናብ ውድብ ምደፍኤ ተኾሚሩ ጎተና ዓሊ-ባበ ንክኸውን ክሕለም ቀንዩ ያኢ! ስለዚ እቲ ኣብ ኢንተርነት ዝወጸ ጽሑፍ፤ ዋንነቱ ናይ ግንባር ዓደቦ ከም ዘይኮነ ንኩሉ ተቓላሳይ ንሕብር ግንባር ዓደቦ ብዋናታቱ ብኣባላት ደምበ ኣለና ዝተሃንጸ ግንባር ስለዝኾነ፣ ብዕዱማት ኣጋይሽ ዝፈርስ ኣብ ሑጻ ዝተሰረተ ኳና ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሐ ዘይበሰለ ሃምባሃምቦ ጽሑፍ፣ እቶም ንነዊሕ ግዜ ኣባላት EMDJ ዝነበሩ ክልተ ሰባት፤ ምስቲ ኣብቲ ውድብ ብዝነበረ ናይ መሪሕነት ቅልውላው ኣብ ቀራና መንገዲ ዝነበሩ፣ ናብ ጉባኤ ካስል ተሳቲፎም ኣብ ምምስራት ግንባር ዓደቦ ኣባላት ዝኾኑ ሰባት ኢዮም። እቲ ካብ ሕጊ ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ፣ ጸሓፍቱ ዝሕተትሉ እንተኾኑ፤ ንተቓለስቲ ሓርነት፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን፣ፈተውቲ ሃገራትን እቲ ሓቀኛ ኩነታት ንምግላጽ እዚ ጽሑፍ ንዝግሕ ምህላውና ንገልጽ። ካብዚ ዕለት /14/12/12/ ንደሓር ንግንባር ዓደቦ ዝምልከት ጽሑፍ፣ዜጣዊ መግለጺ ወይ ኣዋጅ ድማ ሕጋዊ ኣርማን /Logo/ ርእሰ-ወረቐትን /Headed Paper/ ግንባር ዘይብሉ ዋንነቱ ናይ ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ኣይኮነን

እዚ ጋዜጣዊ መግለጺ ነቲ ብዕለት 07 ታሕሳስ 2012 ኣብ መርበባት ኢንተርነት ንጉዳይ ስምረት ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራን ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲን ፍትሒን ኤርትራን /EMDJ/ ዝምልከት ዝተጻሕፈ ናይ ሃታ-ሃታ ኣገራሚ ጽሑፍ መልሲ ንምሃብ ኢዩ። ኣብቲ መግለጺ እንሆ ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ናብ ምንቓስቓስ ንዲምክራስን ፍትሕን ኤርትራ (ምደፍኤ) ከም ዝተጸንበርና፡ ብምደፍኤ፡ (EMDJ) ክንጽዋዕ ምዃና ድምጽና ኣጕሊሕና ነበስር።” ይብል። እቲ ኣገራሚ ፖለቲካዊ ጸወታ ከም ኩዕሶ ቮልይ-ቦል ምቅብባል ብምቕጻል፣ ግንባር ዓደቦ ናብ ምደፍኤ ኣትዩ ዝብል ናይ /EMDJ/ መግለጺ ድማ ብዕለት 8 ታሕሳስ 2012 ኣብ ወብ ሳይት ወጺኡ ኢዩ። ብቃላት /EMDJ/፦

ምደፍኤ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ጀርመን መስራቲ ጉባኤኡ ምስ ዘቃነዐ ግንባር ዓደቦ ዝተሰምየ ምንቅስቓስ ሓቢሩ ክሰርሕ ምኳኑ ንህዝቢ ምግላጹ ዝዝከር እዩ፡፡ ካብዚ ብምብጋስ እውን ኣባላት ግንባር ዓደቦ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲ ንውድብና ብግብሪ ክድግፉን ንቓልስና ተወሳኺ ሞራላዊ ዓወታት ከጎናጽፍዎን ጸኒሖም ኣለዉ፡፡ ጎኒ ንጎኒ እዚ ድማ ብደረጃ መሪሕነታት ክልቲኡ ምንቅስቓሳት ሃናጺ ዘተታትን ምይይጣትን ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ኣባላት ግንባር ዓደቦ ብፖለቲካዊ ውሳኔታትን መርገጻትን ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ምደፍኤ ክቃልሱ ብምውሳኖምን ምሉእ ብምሉእ ከኣ ቃልስታቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ምዳፍኤ ኮይኖም ከሰላስሉ ፖለቲካዊ ትብዓትን ናይ ቃልሲ ቆራጽነትን ብዝዓሰሎ መንፈስ ብምቅልሖምን ኣብ ምሉእ ምትዕግጋብ ድማ ስለዝተበጽሐን፡ ኣባላት ግንባር ዓደቦ እዚ ኣዋጅ እዚ ካብ ዝተቓላሓሉ እዋን ጀሚሩ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣባላት ምደፍኤ ኮይኖም ክዋስኡ ማእከላይ ሽማግለ ውድብና ምደፍኤ ብምሉእ ናይ ቃልሲ ፍናን ተቐቢሉ ጸምቢርዎም ምህላዉ ንህዝብና ነበስር፡፡

‘ክኢላ ጓልሲ ብሓተላ እንዳማታ ትምርዖ’ ከም ዝበሃል፤ ምደፍኤ ከኣ ብስም ደምበ ኣለናን ግንባር ዓደቦን ፖለቲካዊ ድጋፍ ንክረኽቡ ዝተምህዘ ጥበብ ምንባሩ ደጊም ተማሂርናሉ ኣለና። ከመይ ገይሩ ኢዩ ሓደ ምንቅስቓስ ብዘይ ጉባኤን ብዘይ ኣፍልጦ ኣቦ-መንበርን ብዘይ ድምጺ ምሉኣት ኣባላት ግንባርን ከም ዝደኸመ ዕቁብ ናብ ሓደ ካልእ ውድብ “ተጸንቢርናን ስምና ቀይርናን” ዝብል ንተዓዛቢ ዝግደፍ ጉዳይ ኢዩ። ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ብጉባኤ ኢዩ ዝምስረት። መሰረታዊ ወይ ስትራተጂካዊ ለውጢ ንክገብር፣ ክፈርስ፣ ወይ ናብ ካልእ ውድብ ክጽንበር እንተኾይኑ ድማ ብጉባኤ ሙሉኣት ኣባላት ኢዩ ዝውሰን። እዚ ሕጊ ኢዩ። እዚ ሕጊ እዚ ድማ ዝኾነ ህንጡይ ዘይሰግሮ ደርማስ ቢንቶ ኢዩ። ኣይኮነን’ዶ ፖለቲካዊ ውድብ፣ ሓደ ናይ ንግዲ ኩባንያ’ውን ዘቑሞን ዘፍርሶን ዓንቀጻትን መመሓደሪ ሕግታትን /Memorandum and Articles of Association/ ኣለዎ።

እቲ ዘይሕጋዊ መግለጺ ንሞራል ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝትንክፍ’ኳ እንተኾነ፤ ኣብ ገለ ኤርትራውያን ብዝረአ ዘሎ ሓበጀርዋይ ሕብሪ ብምዃኑ ዘገርም ኣይኮነን። እዚ ዘይተደላዪ ስጉምቲ ኣብ እግሪ ተኽሊ ጉዕዞ ግንባርና ዝተራእየ ጉልሒንጣ ኢዩ። ከም ተቓለስቲ ንሓርነት መጠን እቲ ኣብ ገሊአን ተቓወምቲ ውድባት ዝተራእየ ጸበል ኢዩ ለኽዩና ክብሃል ይከኣል። ቅድሚ’ዚ ኣዋጃት እዚ ብዛዕባ ጉዳይ ኣባል ግንባር ዓደቦ ኣቶ ሃይለ ተኪኤ ኣብ መርበባት ኢንተርነት ዝተጻሕፈ ጽሑፍ እውን ነይሩ ኢዩ። ከም ሕጋዊ ኣሰራርሓ ጉድለት ኣብ መሪሕነት ወይ ኣብ ኣባላት ግንባር ኣብ ዝረኣየሉ ግዜ፣ ደርጃ ብደረጃ፤ ብማዕዳ፣ ነቐፌታን መጠንቀቕታን ዝተሰነየ ኣከያይዳን ኣወጻጽኣን  ክኽየድ ኣይተኻእለን።

ሃይለ ተኪኤ ከም ኩሉ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ድኻምን ብልጫን ኣለዎ። ካብ እዋን ጉባኤ ንዝተራእዩና ጌጋታት ኣብ ምእራም ምስ’ዞም ሰባት ፈጺሙ ዘይራኸብ ነንበይኑ ኣረኣእያ ኢዩ ነይሩና። ብዛዕባ ምስ ህግደፍ ርክብ ኣለዎ ዝበሃል ጉዳይ ከኣ፣ ‘ኣብ ክንዲ ብጹሕ ውላድካ’ውን ኣይትምሓል’ ክም ዝበሃል፤ ኣነ ዝውስኾን ዝሽፍኖን ጉድይ የለን። ኣብ ክንዲ ብሕሜታ ግን ብመርትዖ ክረጋገጽ ኢዩ ዝግባእ። ንውሽጣዊ ሕማማት’ምበር ንዕላማ ሰባት ዝርኢ ላቦራቶሪ ወይ ኤክስረይ  የለን። ስለዚ ብዛዕባ ሰባት ቅልጡፍን ዘይጭቡጥን ውሳኔ ምሃብ ተወሳኺ ታህዋኽ ኢዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝተጀመረ ቅንጽላ ድማ ቀስ-ብቐስ ንሙሉእ ግንባር ዓደቦ ቀጭ-ሕርሙ ከነጻጽሩሉ ምፍታን፣ ዘገርም ናይ ገዛ-ገዛ ጸወታ ተርእዮ ሰዓበ። ንሕና ኤርትራውያን ዘሐብነና ሃብታም ዝኾነ ባህሊ ኣሎና። ኣብ ባህሊና ንዝበላዕካሉ ጻሕሊ ኣይትሰብርን ኢኻ። ብባህሊን ብስነ-ምግባርን ብኩሉ ዒብ ስለዝኾነ! ኣበጋሲ ናይዚ ህንጡይ ኣዋጅ ከኣ ንዝበልዓሉ ኢደ-በይዛ ጥራይ ኢዩ ሰይሩ ዘሎ።

እዚ ዘይሕጋዊን ካብ ቅዋም ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ /ዓንቀጽ 7. ንኡስ ዓንቀጽ 1 ዓንቀጽ 7. ንኡስ ዓንቀጽ 6 ዓንቀጽ 9. ንኡስ ዓንቀጽ 2 ዓንቀጽ 8.ንኡስ ዓንቀጽ 1 ዓንቀጽ 9. ንኡስ ዓንቀጽ 5/ ወጻኢን ዝተገብረ መግለጺ ንግንባር ዓደቦ ዝውክል ኣይኮንን። እቶም መርዓ ቅድሚ ሕጸ መሪጾም መንገዱ ብዝሰሓት ኣገባብ ናብ ውድብ ምደፍኤ /EMDJ/ ንምኻድ ዝወሰኑ ኣባላት ግንባር ዓደቦ ነበር፤ጻዕዳ ይጽናሕኩም፣ እሾኽ ኣይውጋእኩም!ኢልና ጥራይ ኢና ከነፋንዎም እንኽእል። ምርጭኦም ስለዝኾነ ውሳኔኦም ከነኽብሮ ግዴታ ኣሎና። ብንብረት ይኹን ብገንዘብ፤ ብማሕላ ይኹን ብመብጽዓ ንተኣዋወዶ ዘይተዓጽወ ፋይል ከኣ የብልናን። ስለዚ ኣብ ህልኽ፣ ቂምታን ምስሕሓብን ዘእቱ ጉዳይ የብልናን።

ዕላማ ግንባር ዓደቦ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኮይኑ ንክሰርሕ፤ ወግዓዊ መልእኽቲ ንክቡር ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ ኣቶ ጸጋይ ዮሃንስ ሰዲዱ ኢዩ። ቅድም ምስ ምንቅስቓስ ውድብ ምደፍኤ /EMDJ/ ወግዓዊ ናይ ምስማር ኣገብብ ተኸቲልና ሓደ ግንባር ክንምስርት ኣብ ኣፈናዊ ዝርርብ ኢና ጸኒሕና። ኣብቲ ግንባር ዓደቦን ኢ.ኤም.ዲ.ጀይን ንዘራረበሉ ዝነበርና ኣፈናዊ ርክብ፣ እቲ ውድብ ምስ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ  ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ሳሆ ኤርትራ ንክሰምር ናብ ጉባኤ ገጹ ኢዩ ዝብገስ ዝነበረ። “ነዚ ወሳኒ ጉባኤ’ዚ ንምዕዋት ብዘይካኹም ዝሕግዘና ኣካል ስለዘየለ፣ ሕጂ 45 ሽሕ ብር ስደዱልና” ክብሉ ተሓሕጺኖምና ኢዮም መሪሕነት ምደፍኤ።

ንሕና መስረትቲ ግንባር ዓደቦ፣  ስምረት ክልተ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓሳት ዓቢ ሃፈራዊ ጉዳይ ምዃኑ ብምግንዛብ፤ ካብ ኣባላት ግንባር ዓደቦ ንመካየዲ ጉባኤ ኢ.ኤም.ዲ.ጀይ ዝኸውን 65 ሽሕ ብር ሰዲድናሎም ኢና። ‘ኣብ ክንዲ ዘኾለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ’ ከም ዝበሃል፣ ኣብቲ ጉባኤ፣ ንዝሰደድናሎም ናይ ድጋፍ መልእኽቲ ኣየንበብዎን። ኣብቲ እዋን ጉባኤ “ግንባር ዓደቦ” እትብል እንኮ ቃል ከየምሎቑ ከኣ ጉባኤ ወዲኦም። ስለዚ እዞም ኣብ ውሽጥና ዝኣተዉ ክልተ ኣባላት ኢ.ኤምዲ.ጀይ ዝነበሩ ሰባት፣ ንስምረት ምስ ግንባር ዓደቦ ከም ስትራተጂ ዘይኮነስ፤ ከም መሰጋገሪን ከም ገዓት ሓራሳት መደልደሊን ጥራይ ኢዮም ክሰርሕሉ ሃቂኖም።

ብዚ ግዜ እዚ ስምረት ይጽንሓለይ ዘይበሃል ወሳኒ ዕዮ-ገዛ ደለይቲ ፍትሒ ኢዩ። እቲ ምንታይ ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህጓጉያ ዘራእቲ ዝጠፍኣሉ ዘሎ መሰክሕ እዋን፤ ብዘይካ ስምረት ካልእ ምርጫ ስለዘየለ።

ኣብ መደምደምታ፣ እቶም ብስም ግንባር ዓደቦ ብዘይ ሊቸንሳ ንምንጋድ ዝፈተንኩም ውልቀ-ሰባት፣ ሕጊ ጥሒስኩም ስለዘለኹም ናይ ገዛእ ርእስኹም ሊቸንሳ ኣውጺእኩም ንክትንቀሳቐሱ ከነዘኻኽረኩም ንደሊ። ሎሚ’ውን ነቲ ዘይተኸፍለ ኣሽሓት ዕዳኹም ኣብ ክንዲ ትኸፍሉ፣ ከም መገሻ ወዲ እምበይተይ ኢለኒ፤ ናብ ኢ.ኤም.ዲ ጀይ. ወሪድኩም ሓላፍነት ክትወሃቡን ክትቅብኡን ንምብጋስ  ካብ ግሩህት መንእሰያት ደለይቲ ሓርነት ካልእ ገንዘብ ትሓቱ ኣለኹም።  ደጊምና ኪዱ እሾኽ ኣይጋእኩም ኢልና ምርቓና ንልግሰልኩም ኣለና።

ብወገን ውድብ ኢ.ኤ.ዲ.ጀይ እውን  እቲ ናብ ምሉእ ስምረት ዘብጽሕ መንገዲ ስሒትኩሞ ከም ዘለኹም ከነዘኻኽረኩም ንደሊ። ንግንባር ዓደቦ ዝምልከት ኣዋጅ ቅድሚ ምውጻእኩም፣ ኣዛዊርኩም ምሕሳብ መድለየ ነይሩ ንብል። ንክልተ ሰባት ኢኹም ናባኹም ከተእትዉ ትኽእሉ’ምበር፣ ንግንባር ዓደቦ ከም ትኳዕ ማሕስእ ናባኹም ኣእቲኹም ክትዕንግልዎ ዝከኣል ኣይኮነን። መንገዲ ሓቀኛ ስምረት ተሳሒቱ ኣሎ። ጓል-መንገዲ ብዝኾነ ኣቋራጭ ብኮንራባንድ ንግንባር ዓደቦ ከም ስልቲ ተጠቒምካ፣ ከም ዲስፖሳብል ስሪንጋ ንምድርባዩ ዝተገብረ ፈተነ’ምበኣር እዚ ኢዩ እቲ ሓቀኛ መንገለጺ። እቲ ህንጡይን ግጉይን ኣዋጅ ካብ ዝወጽእ ክሳብ ሎሚ ኣይወሓደን።

ቀልጢፍና ኣብ ክንዲ መልሲ ምሃብ፣ ንሞራል ተቓለስቲ መታን ከይንትንክፍ ትዕግስቲ መሪጽና። ብህድኣት ክንዘራረብ፣ ጌጋታትና ክንተኣራረምን ቃልስና ክንቅጽልን ካብ ዝብል ሕልና፣ ብወገን ኣቦ-መንበር ግንባር ዓደቦ መጸዋዕታ ኣኼባ ንጽባሕ ቀዳም 15 ታሕሳስ 2012 ንክግበር ክልተ ግዜ ዘዋሪ መልእኽቲ ተላኢኹዎም ኢዩ። ‘ባዕላ ዝሰበረቶ ጻሕሊ፣ ዳርጋ ሓጺባ ዘንበረቶ’ ከም ዝበሃል፤ ነቲ ዝሰበርዎ እምነት ናብ ንቡር ንምምላሱ ስለዘሕፈሮም ንኣኼባ ኣብዮም ኢዮም። ብሓቂ ብዙሕ ክንብል ምደለና። ካልእ ኣቑሳል ከይጉዳእ ግን ኣብዚ ይኣክል!

እንተ ንሕና ኣባላት ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ግን ከም ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ክሳብ ሞት ክናና፣ ሞት ገበነኛ ኢሳይያስን ውድቀት ስርዓት ህግደፍን  ሎሚ’ውን ቁልፍና ሸጥ ኣቢልና ክሳብ ናይ መወዳእታ ንጣብ ደምና ቃልስና ዓቕምና ብዝፈቕዶ ብኩሉ መልክዓት ክንቅጽል ኢና። ንስኹም’ውን ኣንቱም ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ንምፍራስ ዘንባሃቑኩም ብሸነኽ ኢ.ኤም.ዲ.ጀይ. ኣይትመቑ፣ ርክብና ኣብ ዓደቦ ይኹን!

ዓውቴና ሸክ ኣለቡ!

ረድኢመሓሪ /ኣለና/

ኣቦ-መንበር

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...