ስርዓት ህግደፍ በቲ ኣብ ውሽጡ በብግዚኡ ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ዘይጠፍእ ሓዊ፤ ሎሚ ናብ ዕራርቦ ከም ዝበጽሐ በብእዋኑ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝበጽሑና ዘለዉ ጭቡጣት ሓበሬታታት የረጋግጽዎ ኣለዉ። ብድሕሪ ህድማ ሚኒስተር ዜና ህግደፍ ነበር ዓሊ ዓብዱ፤ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብረሂወት /ክሻ/ ንኩላተን ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ክነጥፋ ዝጸንሓ ቁጠባዊ ትካላት ብህጹጽ ሕሳባተን ንከረክባ ትእዛዝ ተዋሂቡወን ኣሎ።

ኣብ ስርዓት ኢሳይያስ ኦዲትን ጸብጻብ ገንዘብን ትካላት ተገይሩ ኣይፈልጥን ኢዩ። ብመሰረት እዚ ሕጂ ተመሓለሊፉ ዘሎ ህጹጽ መምርሒ፤ ኣብ ትሕቲ ኮሎኔል ወልዱ ባርያ ዝርከባ ትካላት፤ ብተስፋይ ጉራጌ እትመሓደር ኩባንያ ህንጻ ሰገን፤ ብወዲ ማኢል እትመሓደር ኩባንያ ህንጻ ገደም፤ ብሳሙኤል መሓሪ እትካየድ ትካል ሸርፊ ሂምቦል፤ ብኮሎኔል ወዲ ባህረ ዝመሓደር ሎጂስቲክስ ሚኒስትሪ ምክልኻል፤ ከምኡውን ትካል ንግዳዊ ኮርፖሬሽን ቀይሕ ባሕሪን (09) ካብተን ተቐበልቲ ትእዛዛት ኢየን።

ብዘይካዘን ትካላት እዚኣተን ኩሉ ኣብ ደገ፤ ክሳብ ኣብ ደብብ ሱዳንን ኣንጎላን ዝርከብ ትካላት ንግዲን ሸርፊን ህግደፍ እውን ጸብጻባተን ብህጹጽ ንከረክባ ተነጊሩወን ኣሎ። በቲ ፋሉላዊ ኣከያይዳ ስርዓት ኢሳይያስ፤ኣብ እዋን ውራ-ውራ ነብስኻ ኣይተዕብራከም ዝበሃል፤ ክሳብ ሎሚ ከም ዝፍለጥ ኮሎኔል ወልዱ ባርያ፣ ማሞ ምስ ዝተባህለ ኣብ ሮማ ቤት መግቢ ከፊቱ ዘሎ ሓዉ 11 ሚልዮን ዶላር፤ ከምኡውን እቲ ንዓዲ ጥልያን ብዙሕ ግዜ ዝመላለስ ተስፋይ ጉራጌ ምስ መሻርኽቶም 25 ሚልዮን ዶላር መንዚዖም ኢዮም። ምህርቲ ወርቂ ቢሻ ካብ ዝጅምር ክሳብ ወርሒ ሕዳር 2012 ጥራይ ኣስታት 270 ሚልዮን ዶላር መእተዊኡ ኣይተፈልጠን።

ገንዘብ ናይ ምእካብ ዕማም ብዝለዓለ መልክዑ ተተሓሒዙሉ ኣብ ዘሎ ኣዋጣሪ እዋን፤ ኣብ ኩላተን ኣውራጃታት ግብሪ መሬት ብህጹጽ ንክኽፈል ትእዛዝ ተመሓለሊፉ ኣሎ። ብካልእ ዜና፤ ብሰንኪ እቲ በብመዓልቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብኣልማማ ናይ ምዕጣቕ ተግባራት፤ ዜጋታት ብጥይቶም ይሞቱ ኣለዉ። በዚ መሰረት ሰለሞን እምባየ ዝተባህለ ኣብ መንደፈራ ዝተባህለት ዓዲ ወረዳ ዓረት ከባቢ ዓዲ ቀይሕ ዝነብር ዝነበረ ጥይት ተባሪቓቶ ሞይቱ። ኣብ ሓውሲ ከተማ ሓጋዝውን ዑመር መሓመድ ኣደም ዝተባህለ ብረቱ ኣብ ዝውልውለሉ ዝነበረ ግዜ ብረቱ ተባሪቓ ሰበይቱ ሞይታ ኢያ።

እዚ ኣዕናዊ ስጉምቲ ስርዓት ህግደፍ በብግዚኡ ሓያል ተቓውሞ ይገጥሞ ከም ዘሎ ንመጸና ዘሎ ሓበሬታ የረድእ። እቶም ምንጭታት ከም ዝብልዎ፤ ኢሳይያስ ብድሕሪ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2012 ኣብ ሳዋን ፍልፍልን ንመራሕቲ ብርጌታትን ቦጦሎኒታትን ፈልዩ ዝገበሮ ኣኼባታት፤ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝነበሮ ተስፋ ከም ዝበነነ ኢዩ ተረዲኡ። ኣብቲ ኣኼባታትላዕለዎት ሓለፍትና ዘይብሉ ስለምንታይ ንዓና ንበይንና ኣኪብካና? ንምምሕያሽ መነባብሮ ሰራዊት እንታይ ዝተወስደ ግብራዊ ስጉምቲ ኣሎ? ስለምንታይ ጉዳይ ባድመ መዕለቢ ዘይረኸበ? መዓስ ኢዩ’ኸ ዝፍታሕ?” ዝብሉ ሕቶታት ቀሪብሉ ነይሩ ኢዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ስርዓት ህግደፍ ዘሎ ቅልውላው መመሊሱ ኣብ ዝዓብየሉ ዘሎ ግዜ፤ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬምን ሜጀር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስን ካብ ምዱብ ስራሓቶም ብወግዒ ደስኪሎም ኣለዉ። መበገሲ ናይቲ ምድስካል ድማ ጀነራል ስብሓት ምስ ኮሎኔል ወልዱ ባርያ ብዛዕባ ጉዳይ መካይን ብዝገበሮ ምስሕሓብ ክኸውን እንከሎ፤ ምድስካል / ፊሊጶስ ከኣ ምስ ሓጎስ ክሻ ብዝጀመሮ ህልኽ ምዃኑ ምንጭታትና ይሕብሩ።

እቲ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ናብ ኣዝዩ ኣዋጣሪ መንገዲ ገጹ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ መንገዲ ሰላዕ ዳዕሮ ብወልዱ ባርያ ዝመሓደራ 6 ታንክታትን እሙን ሓለዋ ጋንታን ተዳልየን ኣለዋ። ኣብ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ፤ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ዘለዋ ትካላትን ከባቢ ሚኒስሪ ዜናን ንነዊሕ ግዜ ዝነበረ ሓለዋታት፤ ብሓደስቲን እሙናት ንኢሳይያስን ዝኾና ኣሃዱታት ይትክኡ ኣለዉ።

ሓለዋ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብኣዝዮም እሙናት ኣባላት ደምሒት እናተዓብለለ ይኸይድ ኣሎ። ካብቶም ንነዊሕ ዓመታት ከም ሓለዋ ኮይኖም ዘገልገሉዎ ዜጋታት ድማ ብዙሓት ደስኪሎም ኢዮም። ኣብ ግፋን ካልእ ምቁጽጻር ብሎኮታትን፤ ኣብ ምእሳር ዜጋታትን መርመራ እሱራትን እቶም ብዝለዓለ ተኣማንነት ዝሰርሑ ዘለዉ ኣባላት ደምሒት ምዃኖም ሙሉእ ህዝቢ ኣስመራ ዚዛረበሉ ዘሎ ሓቂ ኢዩ።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ድርብ ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!!

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...