ሃገሩ ገዲፉ ተሰዲዱ ምስ ጸገሞ

ናነብዐ ከይፈተወ ደም እናጠዓሞ

እግሩ ዝመርሖ ዘይብሉ ዝዓደሞ

ሃጽ ኢሉ ከደ መሬት ዓዱ ናሰዓሞ

ዕድሉ ክርኢ ከም የሕዋቱ

ስደት ኮይና ዕጫ ብጽሒቱ

ብህግደፍ ካብ ዝሳቐ ብሂወቱ

ዘብሎ ጠፊኡዎ ኣበይሞ ክኣቱ

ዓዲ ጓና መሪጹ ዋላ ንሕልፈቱ

ብመናእሰይና መናሎ ዘይሓዘነ

ብዘይካ ህግደፋዊ ዒባታት ዕነ

ከም ስታላ ዘጥረዮም ናሸፋፈነ

ተስፋ ዝቖረጹ ድኹማት ዓጢኔ

ህግደፋውያን ብዓል ጎባይ ጨላይ

ኣይትሓምብሱ ማይ ዘይብሉ ቀላይ

ብሳምቡኦም ዝሓስቡ ባዓል ቃፍላይ

ሽሉማት መዳልያ ናይ ዕሽነት ሃለልይ

ኣብ ዘመነ ሕግደፍ ኣብ ኤርትራ

ዓድና ናብ ሓዘን ሉቑሶን ተቐይራ

ዘይሓፍሩ ድማ ጉያ ናብ ዳንከራ

ጥሪት ህግደፍ ንዑባ ውጽኡ ሓራ

ልቐቑ ካብ ህግደፍ ከይተሞሖ ሱራ

ክሳብ መዓስ ኢኹም ክትደናገሩ?

ቆልዓኳ ዝፈልጦ ንህግደፍ መጋብሩ

ሰብ ተ ጸላእኩም ካብ ግዜ ተመሃሩ

ጸሚምኩም ደንቍርኩም ከይትነብሩ

ዕዳጋ ኲሊት ገይሩዋ ኤሪትራና

ታይ ዝገበረ ህዝቢዩ ታዩ ኣበሳና

ዎትሩ ሓዘን ጥዑም ከይሰማዕና

ተቐቲሉ ታኣሲሩ ዕለታዊ ወረና

ብሰሪዚኦም ካብ ምዕባለ ሪሒቑና

ኣቦሓጎታቶም ብረት እናተዓደሉ

ጓይላ መሪጾም ናይ ህግደፍ ቶኳሉ

ከይሓፈሩ ድማ ይጓዩ ቪደዮ ክሳኣሉ

ጌና ኣይተረደኦምን ከም ዝተጸለሉ

ህዝቢ ንዒቡ ፎእ ዝበሎም

ዘይረብሑ ዘይውንኑ ነብሶም

ብጠጠዎም ጸሓይ ዝዓረቦም

ዘይሽግር ታይ ንጽበ ካብዚኦም

ኩላ ነጋዳይ ከሲራ ድኳና ዓጽያ

ተሪፋ ዘላ ጥራይ ፋብሪካ ኩሊትያ

ማናጀራ ማንጁስ ምክትሉ ራሻይድያ

ኣለዉ ኻኣ ንኣሽቱ ጭሎ መካፋፈልያ

መኳንንቲ ህግደፍ ጀሚሮም

እግረይ ኣውጽእኒ ከም ሰቦም

ህዝቢ ዘሳቐዩ ዝሕተቱ ብደም

ገፋዕቲ ነበር ህግደፍ ዘዕበዮም

ብብርኩ ዘተንፍስ ሰብ ገዲፎም

ዓሊ ይውጻእ ወልዳይ ይውጻእ

ተስፌየ ይውጻእ ሲዒድ ይውጻእ

ታዩጥቕሙ ምስ ምስጢሩ ዝሕባእ

ይትረፍ በዚኣቶም ግዜኻ ምጥፋእ

ስልጣን ዝነበረ እንተድኣ ሃዲሙ

ሓልዩ ዘይኮነስ ምእንተ ጥቕሙ

ኩሉ ክሃድምዩ በዚ ኣይትገረሙ

ጉድ ክስማዕዩ ቁሩብ ተጸመሙ

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...