ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ኣብ ሓደ ቦታ መርዓ ድሕሪ ምሕላፉ፡ ብጉዳዮም ዝተኣከቡ ሰባት ኣብ ሕሜታ ኣተዉ። ቀንዲ ኣርእስቶም ኣብ ወቓዕቲ ኮቦሮ ዘተኾረ ነበረ። ሓደ ካብ ሓደ ኣንዳተቀባበሉ ከኣ እገለ ኮቦሮ ዝገብራ! እገለ’ኸ ወደይ! እንዳበሉ ኣስማት ብዙሓት ወቓዕቲ  ኮበሮ የሰራሱሩ  ነበሩ። ሓደ ምስቶም ሰብ ዝና ነብሱ ዝሰርዓ ኣብ መንጎኦም ኮፍ ኢሉ ይሰምዕ ነበረ። ንሱ ስመይ’ውን ክትዝከር’ያ ዝብል ተስፋ’ዃ እንተነበሮ ግን ከይተላዕለት ተረፈት። ድሕሪ ቑሩብ ዕላል ኣንፈታ ክትቕይር ኣብ ዝደለየትሉ እዋን “ዝውረየሉን ዘይውረየሉን ደኣ ኮይኑምበር፡ በዓል ኣነውን ንትብትቦ ኢና’ታ” ኢሉ ብድድ በለ ክብል ኣብ መንጎኦም ዝወዓለ መስኪሩ።

ዝውረየን ዘይውረየሉን’ዶ በለ? እቲ ሓቂ እዙይ እዩ ክብል ኣይደፍርን፡ ግን ክሰይ ክፈዂስ ፡ንግዝይኡ ብፍላጥ ይኩን ብዘይፍላጥ፡ ተወሲኑ ወይ ተጓንዩ ክከውን ይክእል ዝብል መርገጽ ክወስድ። ምክንያቱ ኣብ ዕላል ይኩን ኣብ ጽሑፋት ተጎስዮም ዝሓልፉ ሓቅታት ኣሎዉ።

ኣብ’ዚ ግዝያት’ዚ ኣብ ገጽ መርበብ ሓቤረታ ዝጸሓፉ ሓጸርቲ ይኹኑ ነዋሕቲ ጽሑፋት መበቆል ሓሳባት (source) ተባሂሉ ክትሓሓዝ ከሎ ጃክሰን ወይ ጀፈርሰን ከም ዝበሎ፤ ወይ ዝጸሓፎ ተባሂሉ ኣሰር ጽሕፉ/ጽሑፋ ዘመስክር ውሑድ ኣይኮነን። ኣጽበሃ ወይ ወርቅሃኑር ወይ ኑራ ከምዝበሎቶ ዝብሉ ግን ሓደ - ሓደ እዩ። ሓደ ዳርጋ ዘይ’ሎ። የሎን ዝበለ፣ እዚ ኣሎኒ ምባል የድሊ፡ ኢሎም ዝምልሱ ስለ ዘይስኣኑ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ምስ እግረይ-ዝከዶን፡ እዝነይ-ዝሰምዖን፡ ዓይነይ-ዝረኣዮን፡ ሕሉፍ ፍጻሜ ከጻንሓኩም።

ኣቀዲመ ክሕብሮ ዝደሊ ግን ናተይ ተዘክሮ ሓደ ገጽ እዩ። ማለት ናይ’ቲ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ማህደር ተዝክሮ ሓላፍነት የብለይን።

እቱይ ኾይኑ እቲ  ናብ ውዕሎ። እዛ ዛንታ መገዲ ዓርበ-ረቡዕ ኢያ፤ ዝሰዓባ ግን ኣይጠፍእን።

ወርሓቱ ቀውዒ እዩ ። ብትክክል፡ ጥሪ/ ሰብዓን ሾመንተን። ምስ ክንድዚኦም ዘይብሎም ብጾት ኣብ ጎላጉል ሰራየ ካብ ዝርከባ ሓንቲ ዓበይቲ ዓድታት ዓሪፍና ኣሎና። እታ ካብ ድጒል ሓዊ ንላዕሊ ሙቆት ዘይነበራ ጸሓይ ካብ ትበርቕ ሰዓታት ኣቑጺራ ኣላ። ገለ ብርሃና ጥራሕ ይኣክል ዝበልና ኣብ ደገ ወጺእና ኣብ ሸልሸል ጸጉሪናን፣ ጸጉሪ ብጻይናን  ሰፊሮም ዝሓደሩ በላዕተኛ ነራግፍ ኣሎና። ነቲ ጸሓይ ክተባርሮ ዘይከኣለት ኣሰሓይታ ጥሪ ብዕላል ብጾት መሊክናዮ ኣሎና።

ሓንቲ ካብተን ዕላል- ሓደ ብጻይ ኣብ ርእሲ ብጻዩ ንዝረከቦ በላዕተኛ ከጋንን ከሎ፡- ኣቤት! ኣንታ እዝስ ክንዲ በቅሊ! እዚ ክንዲ ብዕራይ! እንዳበለ የመዛዝን ነበረ። ነዚቃል-ኣጋንኖ ዝሰምዑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ክርትም ኢሎም ይስሕቑ ነበሩ። እዚ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ሓንቲ መሓዝኦም ትኾኖም ጓል እግራ እንሰረቀት ትሓልፍ ነበረት። እታ ጓል በቲ ሰሓቅ መሓዙታ ኣይቀሰነትን። ኹነታታ ዝተዓዘብና ከኣ እዛ ቆልዓ ጓል ድያ ወዲ? ዝብል ሕቶ ኣቅረብና። ሰሓቅ እቶም ቆልዑ መሊሱ ገደደ ። ኣብ መንጎ ሰሓቁ ሓደ ካብቶም ቆልዑ እዚኣ ጓል እያ ፤ ኣንተኮነ ካብ ወዲ ትሕረ በለ። ከመይ? ኩዕሶ ትጻወት፡ ኣይትምለክን፡ ትደርፍ፡ ኮታ......... ። ንዓና ዘሕተተና ምክንያት ርእሳ ተለጽያ፡ ስረ ጌራ ስለ ዝነበረት’ዩ። ሽዑ ንሽዑ ከኣ ኣቲ ጓል ንዒ’ሞ ኢልና ጸዋዕና’ያ። ግዜ ከይቀተለት ከኣ ከተፍ በለት። መሓዙትኺ እዝን እዝን ኢሎም ይገልጽዂ፡ ሓቂ ድዩ ኢልና ሓተትና። ንሳ ከም ማንም ቆልዓ ዝገብሮ ርእሳ ኣድኒና፡ ብሓደ እግራ መሬት ብቀስታ ኣንዳጻሕተረት እንታይ? ክትብል ሓተተት። ናይ ደርፊ ክእለት ኣሎዂ ኢሎምኪ፡ መስማዕክና’ዶ? ንሳ ብዘይ ገለ ሰጋእታ--እንታይ ክደርፈልኩም? ኢላ  ሓተት፡ ዝመረጽክዮ በልና። ብተፈጥርኡ ዝተቃነየ ጎሮሮ ጌራ ከኣ-- “ግመለይ ግመለይ”፣ ክትሕጸ ክትምርዖ እንተደኣ ደሊካ ...... ዝብላ መዛሙር ዘመረት። ኩልና ኣጣቂዕና፡ የቀንየልና ኢልና ከኣ ኣፋነናያ።

እተን ኣብዛ ዓድን፡ ከባቢ እዛ ዓድን፡ ዓሪፈን ዝሓደራ ሓይልታት ንምሸቱ ናብቲ ብሃገርዊት ክፍሊ ሙዙቃ ዝተዳለወ ዓቢ ትልሂት ኣተዋ። ቀዳመይቲ ዂዳ ተወዲኣ ኣብ ሞንጎ ካልኤይቲ ዂዳ ጀነረተር ጠፍኤት፡ ከምኣጋጣሚ ቐቅድመይ ተዂድድ ዝነበረት ቆልዓ “ኣጆኩም!  ሳዕስዑ!  ልቺ እንተጠፍኤት ልቢ ኣይትጥፍእ!” ኢላ ክትጭድር ሰማዕኹ። ቀሪበ መን ምዃነ ከረጋግጽ ከኣ  ፈተንኩ። ንሳ እታ ቀትሪ ደርፊ ዘስመዓትና ትሕቲ ዕድመ ጓል ነበረት። ካብ ኣፋ ዝወጸ ቃላት ስለ ዝከበዱኒ ብወዝቢ ከይከውን ኢለ ትብሎ ንዘላ ብርግጽ ናይ ልባ ምዃኑ ከረጋግጽ ሓተትኹ።እወ! ሕጂ’ውን ልቺ እንተጠፍኤት ልቢ ኣይትጥፋእ! ኢላ ዳግማይ ጨርሐት። ንዓይ ድሙቅ መልሲ ስለ ዝነበረ  እንጀራ ዓለም ብልዒ ኢለ ሓለፍኩ። እንተ እታ ጀነረተር ግን ብፍላጥ ስለ ዝዓረፈት  ድሕሪኡ ኣይተበራበረትን። እቲ ዝተሓሰበ ትልሂት ከኣ ሕልሚ ኮይኑ ተረፈ። ንጽባሒቱ ጋሻ ነናብ ውራዩ።

እቲ ውራይ ቀጻሊ ስለዝነበረ-- ከይዱ...... ከይዱ....... ከይዱ....... ከይዱ.......፡ ኣብ ምስማር ሓሳብ ልቡ ግን  ጸሓይ ኣየሰነየቶን። በዚ ዘይተጸበዮ ምክንያት ጾሩ ካብ ዝባኑ ናብ መሪሕ ኣካላቱ (ርእሱ) ኣዛወሩ ግልል ክብል መረጸ። እዚ ኩነት’ዚ ካብ’ቲ እዋንት’ቲ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝፈጠሮ ጸገም ጎሊሁ ዝረኤ ኣካል ፋሕታ’ዩ። ይኹን’ምበር ክሳብ ብሞት ዘይተፈለየ ህሉው ይራከብ እዩ። ኣብነት-  ኣብ ሓደ እዋን ምስ ኩሉ ግዜ ክረክቦ ዝምነ ዝነበርኹ ብጻይ ተራከብኹ። ኣነ ካብኡ ክመሃሮ ዝደሊ ጒዳይ ነይሩኒ፡ ምስ ረከብኹዎ ከኣ ሓሳብ ልበይ ቀንዔ።

መጀመርያ ምሳይ ዝነበሩ ኣሕዋት እዮም በዓል እገለ ኣብታ ጣውላ እቲኣ ኾፍ ኢሎም ኣሎዉ ዝበሉ። ኣበይ! በልኹ? ኣብ’ቲ ማዕዶ። ግዜ ከይወሰድኩ ከኣ ብድድ ኢለ ናብ’ታ ከቢቦምሒዞማ ዝነበሩ ጣውላ ከይደ፡ ነብሰይ ድሕሪ ምልላይ ተቐራቂረ ኾፍ ክብል ሓተትኹ። ሒዞሞ ዝነበሩ  ዕላል ምስ ወድኡ፡ ሓታቲ መን ምዃኑ ብዘይ’የገድስ፡ ብዛዕባ እታ ግዜ ዘይትፈሊ ሓይል ግጥምን ዜማን ድሕረ ባይታ “ኣጋ ወጋሕታ፡ ድድቕ’ዩ  ጸልማት.........” ክገልጸልና ተሓተ።  ብግዜ ምንዋሕ እንተዘይተደናጊረ ንሱ ይብል “እቲ ግዜ ብርግጽ ኣጋ ወጋሕታ ድቅድቅ ጸልማት እዩ ኔሩ፤ ንቦታ ዝምልከት ከባቢ ኣስመራ፤ ምንቅስቃስ ጸላኢ ኣብ ዘቛምተሉ ዝነበርኩ ግዜ፡ ጸልማት እታ ለይት’ኣ ግደፍ ጸልኢ ማዕዶስ ዓይንካ ዘንቑረካ ዘይትርእየሉ ነበረ። እዚ ጸልማት እዚ’ውን በታ ጽባሕ እትበርቕ ጸሓይ ክቕንጠጥ እዩ፤ ቃልስን እዚ ጸልማት’ዝን ዳርጋ ሓደ” ካብ ዝብል ትዕዝብቲ ነቂለ ኢየ ደሪሰያ ክብል ሰማዕኹ። እቲ ዕላል ዝያዳ ንዓይ መሳጢ ነበረ። ምክንያቱ ነዛ ደርፊ እዚኣ ብዘገርም ድምጽን ምንቅስቃስን ከተቃልሓ ዝከኣለት እታ ገና ብዕሸላ በረካ ከይሓደረት “ኣጆኩም ልቺ እንተጠፍኤ ልቢ ኣይትጥፋእ” ኢላ ብልሓ ዘመስከረት ትሕቲ ዕድመ ጓል ብምዃና እዩ። ስም’ዶ የብሎምን እዮም ከይትብሉ እታ ትሕቲ ዕደመ ጓል ኣላምዝ ኣብርሃ ፡ ጸሓፊ ግጥሚ ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)፡

ቀጺለ ነዚ ተዘክሮ’ዚ  ምክንያት መልዓሊ ናብ ዝኮነ ኹነት ኽኣቱ። ሎሚ ኤረትራ ካብኣ ዝወጽእ እምበር ናብኣ ዝኣቱ የብላን። ንሱ’ውን ገለ ኣካል ከይጎደለ ምውጽእ ዕድል እንተ ተረኪቡ እዩ። እዚ ልዕለን ትሕተን ዘየድልዮ ሓቂ እዩ። ንሎሚ ምስ ሓደ ካብ ኤረትራ ጉብኤይ ፈጺመ፤  ምስ ሓሰመኒ ከም ህዝበይ ሃዲመ፤ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ዝሕንዝሕ እናነብዔ ዘዕለሎ ፡--- “ከም ህዝብና ካብ ዓዲ ምስ ወጻእና ድሕሪ ክንደይ ጸገም ኣብ ፓናማ ካናል ምስ ውሑዳት መጓዕዝቲ በጺሕና። ካብኡ ጉዳይና ቅቡል ኾይኑ ስለ ዘይረከብዎ ንዓይ ምስ ካልኣየይ ብነፋሪት ንኤረትራ ክመልሱና ምዃኖም ሓበሩ። ንሕና ናብ ጨንፈር ቤት/ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ከረኹቡና ሓቲትና’ዃ እንተነበርና ተነጽገ። ነፋሪት  ንበረራ ምስ ተቀረበት ከኣ ተበገሱ በሉና። ኣነን ብጻየይን ኡይ ኢልና፡ ክሰምዓና ዝኽእል ሰብ ስለ ዘይ’ሎ፡ ሓንቲ ሰብ ዘይገበራ ተግባር ክንፍጽም ተሰማማዕና። ኾነ ከኣ፡ ካብቲ ቀንዲ ኣዳራሽ (main lobby) ናብ ነፋሪት ክንኣቱ ብግስ ምስ በልና፡ ነዘን ዝነበራና ክዳን ቅንጥ ቕንጥ ኣቢልና፡ ኣዴና ከም ዘወልደትና ጥራሕና ኾይና ኣይንስቀልን ኢልና ኡይ በልና። ሽዑ ገለ ሰብ ንድሕሪት ዝርኢ፣ ገለ ዝስሕቅ፡ ገለ ተገሪሙ ኣፉ ዝዓብስ፡ ገለ ብሞንጎ ኣጻብዕቱ ኣስሊኹ ዝራኢ ኮታ--- ኣብ  ዘይተጸበይዎ  ድራማ ኣእተናዮም። ድሕሪዚ ተጓይዮም ክዳን ደርብዮም፡ በጃኩም ሰብ ኹኑ፤ ተከደኑ ክዳንኩም ኢሎም ለመኑ።  ንሕና ክዳና ክንክደን እንተኮይኑ ጉዳይና ካብዛ ነፈሪት እዚኣ ምስ ዝተርፍ  ጥራሕ እዩ ኢልና ከም ኣብታይ ዓንደራና። ብክንደይ በል ኣይትበል ከኣ፡ በሉ ደሓን ሎሚ ዊዕልኩም ሕደሩ፡ ጉዳይኩም ከኣ ደጊምና ክንሪኦ ኢና ኢሎም መለሱ። ኣነን ብጻየይን ግን ልብና ጨሪሹ ስለ ዘይኣመነ ምሸት ድሕሪ ድራር ካብቲ ግዝያዊ መዕቖቢ መሊቑና ጠፋእና። ድሕሪኡ በቲ ኢልና-በቲ  ዓዲ ሰብ ኣቲና”።

 

እዚ ታሪክ እዚ ምስ ካልኦት ሕማቅ ኣጋጥሚታት ኣመዛዚንክ ክብደቱ ፈኲስ ምዃኑ ይኣምን እየ።    እንተኮነ ግን እዚ ታሪክ እዚ በዓል ክልተ ጎድኒ እዩ። ካብቲ ቀዳምይ ጎድኑ ከኣ እቲ ካልእይ ጎድኑ ይዓቢ። ንሱ እንሆ ፡-

ሕሉፍ ታሪኩ ዘኪሩ ከዕልል እንከሎ ዓይኑስ ይትረፍ ዓይኑ ሰማዒኡ ዝሕንዝሕ ዘንበዔ፡ ድሕሪ መሰሉ ምርግጋጽ ነዚ ዝስዕብ መርገጽ ወሲደ ኣሎኹ ክብል ኾርዔ--- እቲ ርክብ ዓቢ ድምጺ ምስ ዝነበራ ናይ ገዛ ቴሎፍን እዩ፡ ድሕሪ ናይ ናብራ ሕቶን መልስን ባዕሉ “ዓድና ትኾኖ ዘላ ትርእዮ’ዶ ኣሎኻ? እቲ መዳውልቱ ከም ቀደም ዘሎ መሲልዎ እወ ሕማቕ ኣላ በሎ። ደር-ደር ኣነ ኣብኡ የሎኩን ። ግደፎ እንዶ ንሱ፡ እምብበርዶ እዚ ወርቒ ብሻ ትርእዮ ኣሎዃ? ከሕጽሮ--- ኣነ ሎሚ ናይ ጣዕሳ ወረቀት መሊኤ ኣስመራ ክኸይድ ይዳሎ ኣሎኹ። ዋእ! እንታይ ኢካ ትብል ኣንታ? ከምዛ ዝብለኻ። ኣነ ሃገረይ ይፈቱ’የ፡ ምስ እዞም.......ከኣ ኢደይ ክሕውስ ኣይደልን። ክንደይ ክብሎ። ካብቶም ቀንዲ ኣብዚ ዝጸንሑ ዝገድድ መልሓስ ወርወረ። ዝገርመኒ --መዓልቲን ለይትን ዎጮ እንጎተቱ ንዓለም  ኡይ ክብልሉ ዝግብእ ታሪክ ሒዞም፡ ተጣበቅቲ ራህዋ ዝተረፈ ህዝቢ ምኾኖም ተሪፉ፡ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ንዝብል ዘሎ መንግስቲ ኣሚኖም “ናይ ጣዕሳ ምስክር ወረቐት” ሒዞም መሰል እቲ ገና ክርህዎ ዝጽበን ዝቃለስ ዘሎን ክግህሱ ምርኣይን፣ ምስማዕን ምስምንታይ ይቑጸር?  ኣነ ዝብሎ ነይሩኒ፡ ግን ክዓቢ-- የማህልል! ኢለ ክሓልፍ።

ኣቱም ናፈቅቲ ኣስመራ- ገለ “ደቃ” ገለ “ደቂ-ደቃ ኢና ትብሉ ፡ቕድም ቀዳድም  እታ ኣስመራ ኢልኩም  ርእስኩም ተልዕሉላ ሃልያ ኣይሃልያ ናይ ኩሉ ነባሪ እያ። ኣስመራ! ወዲ ኣፎም! ኢሉ ናይ ዝጨደረን፣ ወያነ፡ ወያነ ኢሉ............ናይ ዝተጻረፈን ኣይኮነትን። ካልኣይ ኣስመራ ንባዕላ ከምቲ ዝገደፍኩማ ወይ ኣብቲ ዝገደፍኩማ የላን።

ክዳን ነብስኩም ቀንጢጥኩም፡ ሕፍረትኩም ውሒጥኩም ዝረከብኩሞ መሰል ጌርኩም መሰል ካልኦት ክትቕንጥጡ ምፍታንኩም ናይ ወዲ ሰብ ግናያት ብቚሊ ወይ ጽያፍ ኢኩም። ሰብ ክሓፍር ዝግብኦን ዘቦቕቡቕን እቲ  ሰብ ዘቊጽሮ “ሽክና ርእሱ ጥርሑ” ክከውን ከሎ እዩ። ኣቱም ከምዚ ዓይነት እምንቶ ሒዝኩም እትጓዓዙ ዘሎኹም ደቂ ሃገር ኢና በሃልቲ፡ ነዛ ሃገር ካብ ርእሳ ውረዱላ-- “መርዚ ሃገርን ህዝባን” ኣይትኩኑ። ሽክና ርእስኩም ገለ ተረፍ እንተ ኣልይዎ ከኣ ኣመስኽሩ።

ቕድሚ ደሓን ቅነ ንኩልና -- ድሕሪ ጸልማት ንዘሎ ብርሃን ንሱ እንተ ዘይመጽኣና ንሕና ክንከዶ ይግብኣና ይመስለኒ ። ትምኒት ግብሪ እንተ ኣሰነከዮ እዩ ጽቡቅ። ገለ መሰልቲ ከምዚ ይብሉ፡- ‘Everybody wants to go Heaven, but nobody wants to die” ኹሉ ገነት ክኣቱ ይደሊ፣ ክመውት ግን ዝደሊ የሎን።

ክሳብ እታ ካልኣይቲ ክፋል እዛ ታሪክ ንሎሚ ቀንዔ።

መረጸ ኣስመላሽ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...