ደሓንዶ ከሪምኩምን ቀዊዕኩምን ኩሉኹም ደቂ‘ዛ እዝውቲ ሃገር ኤርትራ ብሓበራ? እሞ እንሆ ከኣ ሎሚ ብዓለማ ናብ ሓድሽዓመት ትሰጋገር ኣላ። ከምርዱእ ኣቀማምራ ክፍላተ-ወቕትን ምስግጋር ናብ ሓድሽ ዓመትን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝፈላለ‘ዃ እንተኾነ፡ ድሕሪ ኣቀማምጣ መሬት ዝስራዕ ባህልን እምነታትንውን ዓቢ ግደ ኣለዎ። ኣብ ከበሳዊ ክፋል ሃገርና እንተረኣና ኣብ ውሽጢ ዓመት ኣርባ ዕተ ወቕቲ ካብሃልዋ ኣየነይተን ኢያ ምጅማር ሓድሽ ዓመት እተበስር? እታ ክራማት ኣሕሊፋ ንዝሰልከየት ነፍሲ ከተሐድስ ወጅሃ ብባህሪያዊ ዕንባባኣ እተወቅብን ንሕና ደቂ ምድሪ ድማ ሆየናሆየ... እናበልና ግዜ ቁራዕ ሓምሊ ኣሕሊፍና ኣብ ወቕቲ መኣዲ ጋዓት ጠስሚ ንቐርበላ መስከረምዶ ወይስ እታ ምህርትና ካብ ጸያቒ ማዕጺድን ካለእ በላዕተኛን ኣናጊፍና ቆፎና ብምዝዛም ዋንጫና ዓቲር ና ኮነ ነቲ እዋን ብዝገልጽ ብዝተፈላለየ ባህላዊ መልክዑ ኣብ እንዛነየሉን መንእሰያትና ዝደምቅሉን ዝመስሉሉን እዋን ዓይነት ‘ጥሪ-ዕብዲ‘?

መቸም ወነንቲ ክልተ ወቕቲ ዘራእቲ ኢና። ካብ መስከረም ናብ ጥሪ ድማ ኣይረሓቐን ጥራይ ዘይኮነ ናብ ዳግማይ ቀውዒ ንኣቱ ብም ህላውና በቲ ኩሉ ትርኢት ቆጽለ-ዕንባባን ምህርትን ገሪምና ንጸግበሉን ንሕደሰሉን ካብኮነ ኩሉ ወቕትና ኢዩ‘ሞ ንሕንሕና‘ውን ከም ዓለምና “እንዃዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ኣሰጋገረና፡ ገጽና ዝበርሃሉ፡ ልብና ዝሕጎሰሉ እዋን ሃበና“ እናበልና ክንምነ እንከለና ንክፉእ ዝገበ ሩና ጸላእቲ ድማ ፈጣሪ ብስልጣኑ ክፈድየልና ንለምን፡ ክብል ኢለ ኢየ።

ግዜ ይሸብብ ኣሎ። 2012‘ዓ.ም.‘ዃ ዓበይቲ ፍጻመታታ ሰኒዳ ትሓልፍ ኣላ። ንሕና ደቂ ኤርትራ‘ውን መለበሚ ከይንስእን ምእንቲ ድ ሮ ከኣ ተኣዚዝልና ግዲ ኮይኑስ መለበሚ ካብኮንናን ረኸብናን፡ ኩሉ ነገራትና እንክጽብጸብ፡ እምነትናን መንነት ረኻቢናን ክልተ ዘይ ራኸባ ጫፋት ናይ ሓደ ቁኑዕ መስመር ኮይነንሲ ኣብ ብዓለሙ ኤርትራውነት ማለት ርእስኻ ዘድንን ኣርማ ኮይኑ እንሆ። ብናጽነት ከምዘይጨደርናን ተተስፈናን ዳሕራዩ እንክርኤ ኮር ተገምጠል ድሕሪ ምሻጥ ናውቲ ውሽጣዊ ኣካላትናን ጥልመት ናይቲ ገዛእ ‘ምር ኡይ‘ ገዛኢናንሞ እንታይ ክመጽእ ትብሉ ዶ ንሱ ከኣ ተለማዲ ኢዩ? ኣነዋርን ዘይንቡርን ዘይትጽቢትናን እንተኾይኑኸ ካብዚኣ ንም ንጋፍ ብዝኾነ ዋጋ /ከምቲ ዝስማዕ ክሳብ ኮንፈደረሽንዶ ምጭራም ኣካልና/ ዲና ክንጣላዕ ዋላስ ከምቀደምና ክንምክትን ክንዕወትን ኢዩ ዘለና?

በሉ ደሓን! እንዃዕ ቀላሲ‘ዛ ዓለም ላዕላይ ሰማይ ሃለወ። ንሱ ከኣ ኣብ 2013 ዓ.ም ናህና ሒዝልና ኣሎ። ብወገንና ክፋእ ሰባት ኣይን ምነን። ከምቲናይ ዘመነ-ኦሪት ሓደ ፈተና መሰጋገሪ መድረኽ ክንሰግር ተኣዚዙ እንተኾይኑ ንሕና ከኣ ብትሕዝቶ ቁራዕ ሓምሊ ክንዲ ንማረር፡ ኣብ ገድሊ ቁራዕ ጠስሚና ምጽናዕ ይሓይሽ። ማለተይሲ ከምቲ ከይተቐለዐ ዝምቅር ሳግላ፡ ቁራዕ ሓምሊ‘ውን ብዱብዱቡ ኣሰጋጊራ ኢያ‘ሞ ኣምላኽ ክኣ ሎምስ ይኣክል ክብለናን መዓቱ ከቑርረልናን ንጸሊ። ወትሩ ከኣ ብተናጸል ዝርከብ ጽቡቕ ስለዘየለ፡ ሓሳብ ልብና ክሰምረልና እንተኾይኑ እታ ንኩሉ ጉሩህ ትጸምኦ ‘ሓድነት‘ ለጊሱ ከርውየናን ነታ ሓንቲ ድልየትና ብገመድ ማእዶ ኣሲ ሩ ከስምረናን ምእንቲ፡ ከምኡ‘ውን ነዞም ንኣሸቱ ዝኽውን እዋን ክመጸና ብልቢ ንማህለል።  ንዝሓለፍናዮ ሕሰምን መከራን ከኣ ብ ቃላት ግዳያት “ እዚ‘ውን ይሓልፍ“ ከምሕሱም ክንዝክሮን ክንስንዶን ይግባእ። ሸዑ ገባር ክፉእ ከምትርኢቱ ክንደይ ከይጥዕሞ። ቁራዕ ሓምሊ ድማ ግድን ብመኣድታትን ቁራዓትን ጠስሚ ክትካእ ኢዩ።

ሰናይ ዓመት ይግበረልና!

ኣሜን!!

ዘመን፡

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...