Leadership, at its core, is about making other people better as a result of your presence – and making sure the impact lasts in your absence.  … Designing good systems is part of this “absentee leadership,” but the most powerful tool you have, by far, is culture. Culture doesn’t tell you what to do – it shows you how to think.”  Frances Frei & Anne Morriss

ኣብ ቀዳመይቲ ክፋል …… ብዓቢኡ ድማ እዚ ካብ ኢትዮጵያ ንምርሓቕ ብዝብል ህቦቡላ ዝተጨውየ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ፍልስፍና’ሲ፡ ብተግባር ናይ ግለ ሰባት ጥራይ፡ ማለት ብሽፍትነት ኢሳያስ ወይ ድማ ሽፍትነት ናይ ዓወተ ጥራይ ዝግለጽ ኣይኮነን።

ጌጋ’ኽለኣለይ’ምበር፡ ኣብ ታሪኽ ናይ’ዚ ኹሉ ጣጣ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል፡

(1) ስምብራት ጥልያን።

(2) ስምብራት ዓረባውነት።

(3) ስምብራት ትግራይ-ትግሪኚ።

(4) ኣፈራርሳ ፈደረሽንን ኣተረጓጉሙኡን።

(5) ነውርነት ባህግታት ሕብረት።    ……..     ዘነጽሩ ምልክታት ክሳብ ሕጂ ኣይሃሰሱን።

ካብ ዝብል መንቀሊ፡ መልክዕ ናይ’ቲ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ብዝያዳ ድማ ኣበ’ስመራ ጎርፋዕፋዕ ዝብል ዝነበረ ናይ ፈረንጂ አኮኖሚ ብመጠኑ ብምንጽብራቕ፡  ጽልውኡ ኣብ ምቕብቃብ ..  ዓፍራ (bubble) ዝናን ባህታን … ዝእምት ታሪኽ ከምዘሎ ከንጸባርቕ ፈቲነ ኔረ።

ምስ’ዚ ናይ ጥልያን አኮኖምያዊ ጽልዋ ተመዓራርዩ ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ኣብ ከተማታት ብዝያዳ ድማ ኣበ’ስመራ፡ ክተኣታቶ ተፈቲኑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምዕባለ፡  ብሕግን ስርዓትን ናይ መንግስቲ፡ ከምኡ’ውን ብጽሕፈትን ዘረባን ሓሳብካ ምግላጽ ብዝመስሉ ናይ ደሞክራሲ ምልክታት ዝልካዕ እንግሊዛዊ ጽልዋ፡ ኣብ ምምልማል እንዳ ዝናን ባህታን እጃሙ ከምዘበርከተ ክዝከር ዝግብኦ ተወሳኺ ናይ ፈረንጂ ጽልዋ ኢዩ።

ክልቲኦም ኣብ ምንጋሶምን ምፍራሶምን ኣዝዩ ሕልኽልኽ ዝበለ ነባሪ ስምብራት ገዲፎም’ዮም ከይዶም።

2) ስምብራት ዓረባውነት።

ናይ ሎሚ ዛዕባይ እምበኣርከስ፡ ኤርትራ ዓረባዊት ሃገር’ያ ዝብል ዝነበረ ናይ ታሪኽ ዝምባለ’ውን ብግዲኡ ኣብ ምቕብቃብ  .. ዝናን ባህታን  … ዓቢ እጃም ከምዘለዎ ንምዝካር’ዩ።

በዚ ምኽንያት’ዚ ኤርትራ ብኸለንትናኣ ዓረባዊት ሃገር’ያ ንምባል፡ ኣብ ጉባኤ ማሕበር ሃገራት ዓለም ድምጾም ካብ ዘስምዑ ናይ ፖለቲካ ኣቦታት፡ ብፍላይ ግራዝማች ኢብራሂም ሱልጣን’ዮም፡ ምስ’ዚ ዝምባለ’ዚ ተኣሳሲሩ ስሞም ኣብ ታሪኽ ብድምቀት ተጠቒሱ ዝርከብ።

ግራዝማች ኢብራሂም ሱልጣን፡  ንጉዕዞ ቓልሲ ምእንቲ ናጽነት፡ ኣንጻር ጸላእን ካብ ኢትዮጵያ ንምርሓቕን ዝተኻየደ መስርሕ ዘምስሎ መልክዕ ዘትሓዘ ሓሳባት ካብ ዝዘርኡ ናይ ገድልን ምግዳልን ኣቦታት ሓደ እዮም።

ምኽንያቱ ድሕሪ ናጽነት ዝርአ ዘሎ ናይ ሃገርን ዜግነትን ምብራስ ከዛርብ እንተኾይኑ፡ እሞ ድማ ካብ’ዚ ህሉው ኩነታት ተበጊሱ፡

ብቐደሙ’ውን ብንግሁኡ’ሲ፡

i) ትርጉምን መቐረትን ናይ ናጽነት ሰኣልቲ፡

ii) ኣንፈትን ኣገባብን ናይ ቃልሲ ኣመምቲ፡

iii) መልክዕ ናይ ዜግነት ሃንደስቲ፡

iv) መጻኢ ዕድል ናይ ህዝቢ ሓንጸጽቲ፡

በዓል መን ከምዝነበሩ ንምፍላጥ ሃሰስ ምባል ምስዝፍተን ቀሊል መልሲ ዝርከበሉ ምስጢር ኣይኮነን።

እቲ ኣዝዩ ዘሰክፍ ድማ፡ እቲ ምስጢር ብጸልማቱ እንከሎ፡ እቲ ዛዕባ በብቑሩብ በበቑሩብ፡ ዕማምን ሕማምን ንኽትፈላልየሉ ናብ ዘይምእምእ፡

ማለት “ሕድሪ ስዉኣት፡ ደም ሰማእታት፡ ዘሕለፍናዮ መሪር ቃልሲ”

ዝዓይነቶም ካብ ተሓታትነት ንምኽዋል ብ’ንዳ ዝናን ባህታን ዝድርደሩ ፡ ምሩጻት ቃላት፡ ናብ ዝለዓልሉ ታሪኽ ምዝዛዩ ኢዩ።

አረ እናሓንሳብ’ሲ፡ ኢሳያስን ህግደፍን እንተተኣልዮም’ሲ ሕድሪ ስዉኣት ዝበሃል ድጉል ዓቕሚ’ለና፡ ክበሃል ዝተደፍረ’ዩ ዝመስል።

ዝኾነ ኾይኑ ስውኣት ዝተነግሮም ብንጹሕ ልቦና ዝተቐበሉ፡ ትእዛዝ መራሕቶም ክፍጽሙ እታ ኡንኮ ሂወቶም ብእምነት ዝኸፈሉ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ ኢዶም ዘይረኸቡ፡ ታሪኽ ዝሰርሑ ባጃ ህዝቢ እንኪንሶም፡ ዘይተገንጸለ መጽሓፍ ሒዞም ከምዝተቐብሩ፡ ስለምንታይ ከም ዑቑር ዓቕሚ፡ ምስ ናይ መጻኢ ፍታሕን ብልሓትን ናይ ህሉው ጸገማት ክለዓሉ ይድፈር፡ ንግዜ ዝግደፍ ዛዕባ ኢዩ። ብዘይምግናን ግን፡ መጠን ብዝሖም ሓባሪ ውድቀትን ሕመቕን ቅዲ ኣመራርሓ ኢዩ።

ናጽነት ድማ ብለውጢ’ምበር ብብዝሒ መስዋዕቲ ኣይዕቀንን’ዩ።

ዝኾነ ኾይኑ ግራዝማች ከም ካልኦት ኣቦታት ናይ ገድልን ምግዳልን ስሞም ብኽብሪ ዝለዓል፡ ታሪኻዊ መራሒ ኮይኖም፡ ብፍላይ ኤርትራ ዓረባዊት ሃገር’ያ ምስ ዝብል ዝምባለ ናይ ገድልን ምግዳልን ዘተኣሳስሮም ታሪኽ ድማ፡ ብዕለት 10/07/1949 (1, 242) ንጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዘስምዕዎ መርገጽን መግለጽን’ዩ ብንጹር ኣብ መዝገብ ሰፊሩ ዘሎ።

ብወገነይ መበቆል ዝናን ባህታን ኣብ ታሪኽ ሃሰስ ንምባል፡ ካብ ዝተወከስኩወን መጻሕፍቲ፡ ክልተ ብኢትዮጵያውያን ተመራመርቲ ዝተጻሕፋ ሓዊሰ’ለኹ።

እዘን መጻሕፍቲ’ዚኣተን ብሚዛን ገለ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ’ቶም ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ምስ’ዛ ዓፍራ እንዳ ዝናን ባህታን ከም ንፋስ ዝህወጽ ሕልሚ ዘለዎም ሰባት፡

ሀ) ኢትዮጵያን ጸላእን ክፈላልዩ ስለዘይደልዩ፡

ለ) ወይ ድማ ስለዝእግሞም ፡

ጻዕረይ ናይ’ቲ ንሳቶም ብኢትዮጵያ’ቢሉ ነባሪ-ጸላኢ’ሎ፡ ዝብልዎ ምትሃት፡ ፕሮፓጋንዳ ምቅላሕ መሲሉ ክስምዖም ይኽእል ይኸውን’ዩ።

ከም ርኢቶይ ግን እዘን መጻሕፍቲ’ዚኣተን ንመብዛሕትኡ ኣንባቢ ዘርብሕ፡ ምስ መስርሕ ምኹስኳስ፡ ዝናን-ባህታን ናጽነትን-ሱቕታን፡ ዝተቛረነ፡ ሓበሬታ ስለዘለወን ተወኪሰየን ኣለኹ።

ካብ ሓድነት ብዓረባውነት ክሳብ ናጽነት።

ሀ) ኢትዮጵያ ወይ ሞት።

ኢትዮጵያ ወይ ሞት ዝብል መርገጺ ዝነበሮ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ልክዕ ንጉስ ሃይለስላሰ ካብ ስደት ተመሊሶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተዉሉ ዕለት 05/05/1941 ኣበ’ስመራ (2, 27) ብወግዒ ዝተመስረተ ማሕበር’ዩ ኔሩ።

ግራዝማች ኢብራሂም ሱልጣን ከኣ ምስ’ቶም ቀዳሞት ኣባላት ተመዝጊቦም ንምድንፋዕ ናይ’ቲ ማሕበር ብንጥፈት ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዝነበሩ (1941፡ 1, 152) ናይ ገድልን ምግዳልን ኣቦታት ሓደ እዮም።

ኣባል ናይ ማሕበር ሓድነት ኮይኖም ንኽንደይ እዋን ከምዘገልገሉ ንምግማት ከኣ፡

ሀ) ጥሪ 6/1946 ደገፍ ምምሕዳር እንግሊዝ ንምንቅስቓስ ናይ’ቶም ንበይንና’ሕሸና ክብሉ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ኣብ ዝቃወም ጥርዓን ከምዝፈረሙ፡

(IES, Negga Haile Sellasie papers) ብምጥቃስ “Ibrahim Sultan is one of the signatories against BMA’s support of the Separatist movement”. (2, 39) ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ይርከብ።

እዚ ምንቅስቓስ’ዚ ጽንሕ ኢሉ ኤርትራ ንኤርትራውያን  ዝተባህለ ኢዩ።

ለ)  “….. ካብ መንጎ እስላም እሓዋትና እዚ ሎሚ ተቓዋሚና ኮይኑ ምስ’ቶም ጸላእትና ጣልያን ተሰሊፉ ዘሎ ኢብራሂም ሱልጣን ካብ 1941 ክሳብ 1946 ዓ.ም ናይ ሓድነት ፓርትና ኣባል ኮይኑ ብዙሕ ጻዕሪ ዝገብር ዝነበረ ሰብ ምዃኑ ከይጠቐስናዮ ኣይንሓልፍን።” (1, 256)  ዝብል ሓበሬታ’ሎ።

ከምኡ’ውን መራሕ መንግስቲ ተድላ ባይሩ ኣዝዮም ብዝተሓላለኹ ኩነታት: ብቐንዱ ግን እዚ ሰብኣይ ፈደረሽ’ና ኣፍሪሱ ምስ ኢትዮጵያ ክሕውሰና’ዩ ብዝብሉ ተቓወምቲ፡ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ከምዘይክእሉ ተረዲእዎም “ስልጣኖም ብፍቓዶም ክለቁ 07/0/29/1955 ምስወሰኑ፡ (1, 470)” ነታ ዝተረፈት ሓንቲ ዕመት ዝምልኣ ሓዲሽ መራሕ መንግስቲ ንምምራጽ ኣብ ዝተገብረ ውድድር፡ ግራዝማች ነቶም፡ ካብ ተድላ ዝገደዱ ኢትዮጵያ ወይ ሞት ዝብል ንጹር መርገጺ ዝነበሮም፡ ናይ ንጉስ ሃይለስላሰ እሙን ተባሂሎም ዝፍለጡ ዝነበሩ፡ ተወዳዳሪ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ከም ዝመረጹ፡

“FO371/113520. BCA to BEAA, 11.8.55.  ብምጥቃስ A striking aspect of the election was that the most implacable enemy of the UP, Ibrahim Sultan, the secretary general of one of the two major Moslem League organizations, voted in favour of Asfaha Woldemikael.” (2, 111)

ተመሳሳሊ ጽሑፍ ብዝዕባ’ዚ ፍጻሜ’ዚ (1, 474) (3, 103) ተመዝጊቡ ይርከብ።

መወዳድርቲ ናየ’ስፍሃ ኮይኖም ዝቐረቡ ኣቶ ሓረጎት’ዮም። ንሶም ኣብ እዋን መንግስቲ ተድላ ናይ አኮኖሚ ጉዳያት ሓላፊ ዝነበሩ፡ ኣብ’ቲ ሽዑ ዝሃጽጽ ዝነበረ ጉዳይ ኣፈራርሳ ፈደረሽን ድማ፡ ርግእ እንተበልና’ሓይሽ ዝብል መርገጺ ዝነበሮም መራሒ’ዮም ዝነበሩ።

በዚ ናይ ኣቶ ሓረጎት መርገጺ ዝሰግኡ ናይ ዘውዲ ወኪል ቢትወደድ እንዳርጋቸው መሳይ ምስ ንጉስ ተማኺሮም፡ ንሓረጎት ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ኣጸውዕዎም’ሞ፡ ናይ ኣስፍሃ ምምራጽ ምእንቲ ከይዕንቀፍ ካብ ውድድር ክወጽኡ ኣተሓሰሰብዎም።

“መፈራርሒ መጠን ቀቕታ ሓዊሶም ከምዝሓተትዎም ይዕለል” (3, 103)

ኣቶ ሓረጎት ግን፡

“….. ኣነ ሓረጎት ኣነ፡ …. መሰለይ ብሕጊ ዝተሓለወ ስለዝኾነ ድማ ብዝጀመርኩዎ ክቕጽል’የ፡ ብምባል ነቲ ቤት ጽሕፈት ጠንጢኖሞ ከዱ።” (1, 474)

ካብኡ ብምቕጻል ኣቶ ሓረጎት ነቶም ምፍራስ ፈደረሽን ዝቃወሙን፡ ክፈርስ እንተኾይኑ ድማ ብዘገምታ ክፍጸም ኣለዎ ዝብሉ ናይ ፓርላማ ኣባላት ኣሚኖም ኣንጻር ምፍራስ ፈደረሽን ወይ ድማ ኣንጻር ኣስፍሃ ብድፍረት ገጠሙ። እንተ ኾነ ግን “ነሓሰ 8 1955 ኣብ ዝተፈጸመ ውድድር ካብ 67 መረጽቲ ኣባላት ብ 48 ድምጺ ፊተውራሪ ኣስፍሃ ወልደማኢካኤል ተመሪጾም ነታ ዝተረፈት ሓንቲ ዓመት ናይ ተድላ  ስልጣን ናይ ምቕጻል ዕድል  ተዓወቱ። ናይ እስላም ሊግ መራሒ ዝበሃሉ ኢብራሂም ሱልጣን ብሃንደበት ካብ ካብ ሓረጎት’ሲ ኣስፍሃ ይሕሹኒ በሉ።” (1, 474)

ሁ) ሙስሊም ሊግ ።

ሙስሊም ሊግ ዝበሃል ፓርቲ  ምስተመስረተ ድማ (1946) ግራዝማች ብናይ እንግሊዝ ደገፍ ካብ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ወጺኦም ዋና ጸሓፊ ናይ ሙስሊም ሊግ ኮኑ (1, 253)። ከመይ’ሲ እንግሊዛውያን ንማሕበር ፍቕሪ ሃገር ንምድኻም ፖለቲካ  ባህሊ ዝተመርኮሰ ፍልልይ ከባርዑ ዘይሕለል ጻዕሪ’ዮም ዝገብሩ ዝነበሩ (2, 39)።

ሂ) ኖላዊ ምምሕዳር።

ኤርትራ ከም ናጻ ሃገር ንርእሳ ተመሓድረሉ ብቕዓት ክሳብ ትድልብ፡ ሕቡራት መንግስታት ዝመዘዞ ኖላዊ ምምሕዳር  (1945) ክምደብ ንሳልሳይ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብስም ራቢጣ ኣልኢስላሚያ ኣቤቱታ ኣቕረቡ።

እዚ ሜላ’ዚ እንተሰሊጡስ ጥልያን(1, 253) እንግሊዝ (2, 23) ንኣይ ክወሃበኒ ይኽእል ይኸውን’ዩ ብዝብል ተስፋ ብጎቦ ዓይነን እናጠመተኦ ክኹስኮስ ዝተፈተነ ኣማራጺ’ዩ ኔሩ ይበሃል። እዚ ኣማራጺ’ዚ ፍሕት ምባል ምስሰኣነ ግን ብሎኮ ኢንደፐንደንተ ብሮማ’ቢሉ ተጠንሰሰ’ሞ ግራዝማች ኣሰሩ ሰዓቡ።

ሄ) ብሎኮ ኢንደፐንደንተ። (1, 253)

ሽማ’ቕሽሽቱ’ውን ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ኖላዊ ምምሕዳር ተስፋ ከምዘይብሉ ምስ ተረድአት ጣልያን’ያ ነዚ ምንቅስቓስ’ዚ መስሪታቶ ዝበሃል፡ ኣቶ ኢብራሂም ሱልጣን ድማ ምስ ጣልያን ብምትሕብባር ናይ’ዚ ፓርቲ’ዚ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ብ1949 ኣብ ራብዓይ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት “ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ናጽነት ካልእ ፍታሕ ከምዘይቅበል”  ዝጣበቕ ድምጾም ኣቃልሑ።

እንተኾነ ግን ኣብ’ዚ ምንቅስቓስ’ዚ ዝነበረ ናይ ጣልያን ኢድ፡

“ውጥኑ ናይ ጣልያን፡ ገንዘቡ ናይ ጣልያን፡ ኣወዳድብኡ ናይ ጣልያን፡ ረብሕኡ ናይ ጣልያን” (1, 242)

ምዃኑ ምስተዓዘቡ ብሸኽ ዓሊ ራዳይ ዝምራሕ ናይ እስላም ማሕበር ብሸነኽ ምዕራብ፡ ከምኡ’ውን ብመሓመድ ዑመር ቃዲ ዝምራሕ ድማ ብሸንኽ ምብራቕ፡ ማለት ብባጽዕ ኣቢሉ፡ ካብ’ዚ ብዋና ጸሓፍነት ግራዝማች ኢብራሂም ሱልጣን ዝምራሕ ምንቅስቓስ ብሎኮ ኢንደፐንደንተ፡ ንረብሓ ጥልያን ዘሳልጥ ኣኻይዳ’ዩ ብምባል ተፈልዮም በብሸነኾም ናይ እስላም ሊግ ፓርቲ መስረቱ።

ግራዝማች ኢብራሂም ሱልጣን ግን እቲ ዝቐረበሎም ተቓውሞ ብዘየገድስ ብስም ብሎኮ ኢንደፐንደንተ ንጉባኤ ናይ’ቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ላዕለዋይ ኮሚሽን፡ ቅድሚ ወኪል ማሕበር ሓድነት (ኣቶ ተድላ ባይሩ) መልእኽቶም ከንብቡ መስርዕ ተመደበሎም።

“ዓርቢ ጥቅምቲ 7 – 1949 ሰዓት 10.15 ቅድሚ ፋዱስ ድማ፡ ነቲ ብናይ ካናዳ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ለስተር ፒርሰን ሊቀመንበርነት ዝተጋብአ ላዕለዋይ ኮሚሽን” እዚ ዝስዕብ ሓሳባት ዘለዎ መደረ ኣስምዑ።

እዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ብናተይ ሚዛን’የ ብቑጽሪ ተር ኣቢለዮ። ምናልባት ብሰንኪ ኣተረጓጉምኡን ኣሰራርዕኡን መሰረታዊ ትሕዝትኡ እነተተጸልዩ፡ ዝእረመሉ ናተይ ጊጋ’ዩ።

“ኤርትራ በ’ረኣእያ ኣቶ ኢብራሂም ሱልጣን (1, 242)

ብምባል ዝጀመረ ጽሑፍ

i) ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ሓንቲ ሃገር ብሕበረት ዘሕለፍኦ ግዜ የለን። ነገስታት ኢትዮጵያ ድማ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዮም ኣይፈልጡን’ዮም።

ii) ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ናይ ቋንቋ ይኹን ናይ ባህሊ፡ ናይ ታሪኽ ከምኡ’ውን ናይ ሃይማኖት፡ ዝመስል ዝምድናታ ዘይብሎም ህዝብታት’ዮም።

iii) ኤርትራ፡ ብጥንቱ ኣብ ግዜ ኣባሲዳውያን’ውን (LES ABASIDES) ብናይ ባግዳድ ከሊፋ ካብ ዝመሓደራ ዝነበራ ሃገራት ሓንቲ’ያ ኔራ። ዘመን ኣባሲዳውያን ሓሊፉ ናይ ከሊፋ ስልጣን ምስ ፈረሰ ድማ፡  ኤርትራ ገሊኡ ክፋላ ብናይ ኣሚር ስልጣን እንኪመሓደር፡ ዝተረፈ ክፋላ ድማ ብኻልእ ኣስላማይ ወዲ ሃገር’ያ ትመሓደር ዝነበረት።

iv) ኤርትራ ብድሕሪ ፖርቱጋልን ቱርክን፡ ክሳብ መግዛእቲ ጥልያን ዝሰፍን፡ ማለት ክሳብ 1885 ብግብጻውያን’ያ ክትመሓደር ጸኒሓ። ኣብ መወዳእታ ድማ መንግስቲ ጣልያን ካብ ኢድ ግብጻውያን’ዩ ንኤርትራ ወሲዱዋ’ምበር ካብ ኢድ ኢትዮጵያ ኣይኮነን።

v) ባሕረ ነጋሽ ዝበሃል ዝነበረ ናይ ኤርትራ ኣመሓዳሪ ድማ ኣቐዲሙ ብቱርካውያን ቀጺሉ ድማ ብግብጻውያን ዝእዘዝ ዝነበረ’ዩ’ምበር፡ ሽመቱን ርክቡን ምስ ነገስታት ናይ ኢትዮጵያ ኣይነበረን።

vi) ስለ’ዚ ጥልያን ግዝኣትና መንጢሎሙና ብምባል ክከራኸሩ ዝግብኦም ግብጻውያን ደኣ’ምበር ኢትዮጵያውያን ከምዘይኮኑ ክፍለጥ ይግባእ።

vii) ኣብ ደጋታት ኤርትራ፡ ሰራየን ሓምሴንን ዝነብሩ ኤርትራውያን ከም ደቂ ምጽዋዕ ኣስላም’ዮም። ኣብ መንጎኦም ክርስትያን እንተለዉ’ውን፡ ክሳብ ዓሰርት ካብ ሚእቲ’ኳ እንተበጺሖም’ዩ።

viii) ብነገስታት ኢትዮጵያ ብሓይሊ ተመንጢሉ ተወሲዱ’ምበር፡ ህዝቢ ትግራይ’ውን ብዘርኡ፡ ብቛንቁኡ፡ ሓደ ዓይነት ምስ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ክሕወስ ይግብኦ።

ix) ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ናጽነት ጥራይ ኢያ ክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።

ካብኡ ቀጺሉ ኣብ መንጎ ናይ ኢትዮጵያ ልኡኻት መራሒ ኣቶ ኣክሊሉ ሃብተወልድን ግራዝማችን ብመልክዕ ሕቶን መልስን ዝተኻየደ ክትዕ ንጉባኤተኛታት ብተደጋጋሚ ዘስሓቐ ናይ ሓበሬታ ዘይምጥዕዓም ከምዝነበሮ፡ ጸሓፋይ ዘውዴ ረታ ይጽብጽቡ።

ሃ) ፈደረሽን ።

ታሕሳስ 1950 ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትጽንበር ብሕቡራት መንግስታት ምስ ተወሰነ’ሞ፡ ሕገ መንግስቲ ናይ ፈደረሽን ክረቅቕ እንከሎ ኣቶ ኢብራሂም፡ ንጣልያንን ብሎኮ ኢንደፐንደንተን ጠንጢኖም ናብ ጻዕርታት እንግሊዝን ጉዕዞ ፈደረሽንን ብምግዓዝ ናይ ኮሚቴ ኣባል ኮኑ።

ዝኾነ ኾይኑ ብዙሓት ዓበይቲ ፖለቲከኛታት ደቂ መታሕት ኤርትራ፡ ብሓበሻ፡ ኣምሓራ፡ ወይ’ውን ክርስትና፡ ብመንጽር ሃይማኖትን  ባህልን ከይዕብለሉ፡ ብዝሰግእ መንፈስ ተጸልዮም፡ ካብ’ዚ ስግኣት’ዚ ንምርሓቕ፡ ኤርትራውያን ካብ ንሓበሻስ ብዝያዳ ዓረብ-ዓረብ ኢና ንመስል ክሳብ ምባል ስለዝበጽሑ ንመስርሕ ገድልን ምግዳልን መዓልቦ ናብ ዘይርከቦ ዓረባዊ ዝምባለ ኣዘዝዮም’ዮም ኣስፊሎሞ። ክሳብ ንኣባልነት ማሕበር ሃገራት ኣዕራብ ሃረር ይብሉ ከምዝነበሩ ምዝካር’ውን ጽውጽዋይ ኣይመስለንን።

ስለ’ዚ መስርሕ ገድልን ምግዳልን፡ በቲ ኣብ እግሪ ተኽሉ ዝሰረጾ ናይ ዓረባውነት ባህጉ እንተተመዚኑ፡ ብዛዕባ መንቀሊኡ ማለት ካብ ኢትዮጵያ ንምርሓቕ፡ እንተዘየኮይኑ ብዛዕባ መዓልብኡ ዘነጸሮ ባይታ ዝነበሮ ኣይመስልን።

ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ዛጊት ዝርአ ዘሎ መልክዕ-መዓልቦ ብባንዴራ፡ ታሴራ፡ ጥረራ፡ ፈኸራ፡ ጭማራ፡ መከራ ዝመስሉ ናይ ዝናን ባህታን ጠራይር ዝተጎብአ’ዩ። ብዘይ ቃልዓለም ድማ ካብኡ ዘናግፎ ሓዲሽ ሓሳብን ሓደስቲ ሰባትን’ዩ ሃንቀው ዝብል ዘሎ።

ስለዝኾነ ድማ እዚ ብዘይምቁራጽ ዝካየድ ዘሎ ምብራስ ኤርትራን ኤርትራውነትን ድሙቕ ሓባሪ’ዩ፡ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን።

ኣብ መወዳእታ ደጋጊመ ክብሎ ዝደሊ ዕላማይ፡ እዚ መጻኢ ዕድል ኤርትራዊ ንእስነት ንጎረባብትና ኣሕሊፉ ሂቡስ፡ ምስ ጠበንጅኡ ብኣፍ ጾሙ ኣብ ድፋዕ ዝኣርግ፡ ናይ ድኽነትን ናይ ተኣዝዞን መብጽዓ ዝኣተወ ዝመስል ንእስነት ዝኾስኮሰ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ፖለቲካ ካበይ ከምዝበቖለን፡ እንተሰሊጡ ድማ፡ ናብ ለውጥን ዕርቅን ዝእንፍት መስተርሆት ሃሰስ ንምባል’የ።

ካብኡ ብምቕጻል ድማ ነተን መጻኢ ዕድልና ከም ሎተርያ በጺሑወን፡ ዝተማቐልኦ ጎረባብትና፡ ጂቡቲ ከንያ ሶማል ሱዳን ተዓዚብና፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ነቲ እንዳ ዝናን ባህታን ኣሕሊፎም ዝሃብዎ ዕድልና ተወዳዲርና ክንማቐል ምእንቲ ክንፍተን’የ’ምበር፡ ናይ ሰባት ታሪኽ ናይ ምጽላም ይኹን፡ ክምዕብለለይ ዝምነዮ ውድባዊ ጽልዋ ይኹን ዝዓለምኩዎ ረብሓ  የብለይን።

ብዘይቃልዓለም ከኣ እቲ ኤርትራውያን ተመራመርትን ተጋደልትን ዝፈንፈኑዎ ወይ ድማ ዝሓፍሩሉ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ክበራበር ይኽእል’ዩ ዝብል ሕልሚ የብለይን።

ምናልባት ንለውጥን ዕርቅን ዘርብሕ ሓበሬታ፡ መሲሉ ዝተራእየኒ መንገዲ ብዓቕመይ ሃሰስ ክብል እንከለኹ፡ እንተተጋግየ ድማ ዝመሃረሉን ዝእረመሉን ጻዕረይ ኢዩ። (ክቕጽል’ዩ)

12/12/12

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

References:

1. የኤርትራ ጉዳይ (1941 - 1963) - ዘውዴ ረታ

2. Eritrea and Ethiopia The Federal Experience – Dr Tekeste Negash

3. ኩርኮራ - የኤርትራ ጉዳይ፡ የልሂቁ ሚና፡ የማንነት ፖለቲካ በዘመናዊት ኢትዮጵያ - ዘሪሁን ተሾመ

4. Anatomy of an African Trajedy – Dr Kidane Mengisteab & Dr Okbazgi Yohannes

5. Uncommo Service – Frances Frei & Anne Morris


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...