ምጕጅጃል መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ

ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ካብ መሰረታት ህ.ግ.ሓ.ኤ ብድሕሪ ናይ 73 ምንቅስቓስ ተመሳሳሊ በዳሂ ውሽጣዊ ተቓውሞ ስለ ዘይተቐልቀለ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት መሪሕነቱ ምጕጅጃል ኣስዒቡ ንኣንፈት ጕዕዞ ታሪኹ ዝልውጥ መሪሕነታዊ ቅልውላው ኣየጓነፎን። ይኹን'ምበር፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ውሽጢ መሪሕነቱ ንኣንፈት ጕዕዞ ታሪኹ  ናብ ህጉም ዘእቱ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ተርእዮ ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ንኣባላቱ ኣብ ክልተ ዘይዕረቑ ተጻረርቲ ዕላማታት ዘሎዎም ጕጅለታት ዝጐጃጅል ዕቱብ መሪሕነታዊ ቅልውላው'ዩ ተኸሲቱ። እዚ ዕቱብ መሪሕነታዊ ቅልውላው'ዚ ከመይ ኢሉ'ዩ ማዕቢሉ? ቀንዲ ዘበገሶ ጠንቂ እንታይ ኢዩ? ብምንታይ ዓይነት ኣገባብ'ዩኸ ተፈቲሑ?

ድሕሪ ናጽነት፡ ብፍላይ ከኣ ካብ 1994 ንደሓር፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ንምቛም ደሞግራሲያዊ መንግስቲ ዝምልከት ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ስለ ዝተፈጥረ፡ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ክልተ ተጻረርቲ -- ንደሞክራሲ ዝድግፍን፣ ንደሞክራሲ ዝቃወምን ጉጅለታት'ዩ ተጐጂሉ። እዚ ምጕጅጃል'ዚ፡ ምስ ሕቶ ምስግጋር መንግስታዊ ስልጣን ካብ "ግዝያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ" ናብ "ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ" እኳ እንተተጋህደ፡ ፈልሱ ቅድሚ ናጽነት'ዩ ተተኺሉ።  ንሱ ድማ፥ ኣብቲ ኢሳያስ በቲ ሓደ ወገን፡ ንተሰማዕነት ናይቶም ዝብድህዎ ዝነበሩ ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ብምብልሻው ከም ዝንጸሉ ንምግባር፣ በቲ ኻልእ ወገን ከኣ፡ ኣብ መንጎ ተራ ተጋደልቲ ብናታቶም ክሳራ ንሱ ተፈትዩን ተናኢዱን ብምውጻእ፡ ናቱ ዝና ንምትራፍን ናቱ ሃበባ ንምዝያድን፣ ብ1987 "ቃልሲ ኣንጻር ሰልስተ ሓለፋታት" ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ብመልክዕ ሰሚናራት ኣብ ሓይልታትን ክፍልታትን እናዞረ ጎስጓስ ዘካየደሉ እዋን ኢዩ። እቲ ኢሳያስ ኣብ ትሕቲ'ዚ ጭርሖ'ዚ፡ ምምሕዳራዊ ሰንሰለት ጥሒሱ ነቶም ላዕለዎት መራሕቲ ከየፍለጠን ከይተወከሰን ንመዝነቱ ተጠቒሙ ዘካይዶ ጸረ-ብልሽውናዊ ጎስጓስ (ንስኽራን፣ዝሙት፣ ከምኡ'ውን ብዝረት ዝምልከት)፡ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎቶም ዝነቐፎም ላዕለዎት መራሕትን ናይ ምቅይያም መንፈስ ፈጠሩ ኣብ መሪሕነታዊ ዝምድናታቶም ስንብራት ብምግዳፍ፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ቀስብቐስ ክዓቢ'ዩ ጸኒሑ።

እቲ ኢሳያስ ዘካየዶ ጸረ-ብልሽውናዊ ጎስጓስ፡ ንጽልዋኡን ተሰማዕነቱን ተቐባልነቱን ኣብ መንጎ ኣባላት ሰልፍን ግንባርን ኣዝዩ ክብ ስለ ዘበሎ፡ ኣብቲ ሽዑ (ብ1987) ዝተቓነዐ ጉባኤታት ሰልፍን ግንባርን ካብቲ ቅድሚኡ ሒዝዎ ዝነበረ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝዓበየን ዝሰፍሐን ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ብዝያዳ ዝሓየለን ዝተማእከለን ፖለቲካዊ ስልጣን ሒዙ ንኽወጽእ ሓጊዝዎ ኢዩ። እዚ ተርእዮ'ዚ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ነቶም ዝብድዎን ዝቃወምዎን ላዕልዎት መራሕቲ ንምድኻም ክሕግዞ እንከሎ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ነቶም ዝኣምኖምን ዝምእዘዝዎን ጽኑዓት ሰዓብቱ ኣብ ስልጣን ከም ዝመጽኡ ንምግባር ሓጊዝዎ ኢዩ። ንኣብነት፡ ኣብ  ኣቀማውማ ኣባልነት ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ሰለስተ ሓደስቲ ኣባላት (ካብ መንጎቶም ጽኑዓት ሰዓብቱ ጀነራላት) ኣብ ርእሲ ምውሳኾም፡ ቊጽሪ ኣባላቱ ካብ 13 ናብ 9 ከም ዝጐድል'ዩ ተጌሩ። ካብዚ ዝተላዕለ፡  እቲ ብልሽውና ንምጥፋእ ብዝብል ዕላማ ኣንጻር ኣባላት ላዕለዎት መራሕቲ ብኢሳያስ ዝተኻየደ ጎስጓስ፡ ንውልቃዊ ጉድለታቶም መዝሚዝካ ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ዝዓለመ ድኣ'ምበር ካብ ቅንዕና ዝተበገሰ ስለ ዘይነበረ: ነቲ ኣብ መንጎ ነንሓድሕዶም ክሳዕ ሽዑ ዝጸንሐ ጽኑዕ ሓድነትን ምትእምማን ኣብ ርእሲ ምድኻሙ፡ ነቶም ዘቕሓሮም ላዕለዎት መራሕቲ በብወገኖም ኣብ ልዕሊኡ ዘረሓሕቕ ጥርጣረታትን ትዕዝብትታን ከም ዘሕድሩ ብምግባር፡ ካብ ሽዑ ንደሓር ንቃሉን ግብሩን ብትኲርና ከቋምትሉን ከቕልብሉን'ዩ ደሪኽዎም። ብተወሳኺ፡ እዚ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ኣቀዋውማ ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ዝተራእየ ለውጢ፡ ንኢሳያስ ኣብ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ንሓዋሩ ላዕለዎይ ኢድ ከም ዝሕዝ ስለ ዝገበሮ፡ ኣብቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኸሰተ ምጕጅጃል  መሪሕነት ብመዝነት ፖለቲካዊ ስልጣን ዝመጸ፡ ሕልፊ እቶም ተቓወምቱ መራሕቲ ብልጫ ንኽህልዎ ብዘየማትእ ሓጊዝዎ ኢዩ። ብልጫ ንኽህልዎ ብዘይማትእ ሓጊዝዎ ጥራይ ዘይኰነ፡ ድሕሪ ናጽነት እተን ንኣባላተን ከም መቃለሲ መድረኽ ኰይነን ዘገልግላ ዝነበራ ሰልፍን ግንባርን፡ ቅድሚ ምቛም ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ፡ ደቂቕ ገምጋምን ዕቱብ ነቐፌታን ከይተኻየደለን ከምኡ'ውን ብኸመይ ዝበለ ሓድሽ ሰልፊ ከም ዝትክኣ ከይተዘተየለን፡ ሰልፋውን ግንባራውን ንጥፈታተን ብምዝሕታል ከም ዝፈርሳ ስለ ዝተገበረ፡ ኢሳያስ ንኹሎም ተቓወምቱ (ሓለፍቲ ኰነ ተራ)  በብሓደ እናደስከለን እናኣለየን፡ መዳርግቲ ዘይብሉ ጎብለል ኰይኑ ንዝኽወጽእ እውን ኣኺልዎ ኢዩ።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ብልሽውና ንምጥፋእ ብዝብል ዕላማ  ኣብቲ እዋን'ቲ ብኢሳያስ ዝተኻየደ ጎስጓስ፡ ብዓይኒ ተራ ተጋደልቲ ክርአ እንከሎ ፈጺሙ ዝተፈልየ ውጽኢትን ርድኢትን'ዩ ኔርዎ። ንሱ ድማ፥ ኢሳያስ ነቲ ድሕሪ ምዝላቕ ዝተቐልቀለ ብብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ዝፍጸም ዝነበረ ብልሹው ዘይሰውራዊ ተግባራት (ኣቐድም ኣቢሉ ዝተጠቕሰ ስኽራንን ዝሙትን ብዝረትን)፡ ብጋህዲ ከም ኣርእስቲ ኣልዒሉ ነቶም ዝምልከቶም ብልሹዋት ሓለፍቲ ኣትሪሩ ብምንቃፍ፡ ንምእራሙ ኣድላዪ ዲሲፕሊናውን ምምሕዳራውን ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ምፍላጡ፡ ብምሉእ ልቦ'ዮም ደጊፎሞ። ምኽንያቱ፡ እቲ ብልሽውና ብቐረባ ዝዕዘብዎ ዝነበሩ፡ ግንከ ብንቡር ኣገባብ ነቐፌታን ርእሰ-ነቐፌታን ብቅሉዕ ክብድህዎ ዘይከኣሉ፡ ኣዝዩ ዘተሓሳስቦም ዝነበረ ጕዳይ'ዩ ኔሩ።ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ንመሽገራጕር ፖለቲካ ኢሳያስ ክርድእዎ ግዜ ዘይሓገዞም ተራ ተጋደልቲ፡ ብገርሂ ልቢ፥ " ጽፉፋት መካይድቲ ድኣ ኣይረኸበን እምበር፡ ወድኣፎም ቅጭንሲ ዝወጽኦ የብሉን" ብምባል ይንእድዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኮኾቡ ሰማይ'ያ ተሰቒላ። ድሕሪ ምዝላቕ፡ ተራ ተጋዳልቲ ብዕሩቕ ዝባኖምን ጥሙይ ከብዶምን ስኒ-ነኺሶም ብሓቦ እናተጋደሉ እንከሎዉ፡ ኣብ ክፍልታትን ሓይልታትን ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ሓልፍቲ ግን ኣርኪቦም ገገዲፎሞ ንዝኸዱ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ብእምኒ  ዝተነድቀ ዘጋይጽሉ ኣባይቲ (ኣብያተ- ጽሕፈት) ብናጻ ጉልበት ተጋደልቲ ማእቶታዊ ስራሓት ብምክያድ ይሃንጹን፡ ኣብቲ ከም መሐከሊ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣባይቲ ብኣኣቶም ክፍጸም ኢልካ ዘይትጽበዮ ዘነውር ብልሽው ተግባራት ይፍጹሙን ኔሮም። ኣብዚ ብልሸው ተግባራት'ዚ፡ ማእከሎት ሓለፍቲ ጥራይ ዘይኰኑ፡ እንተላይ ብዙሓት ካብቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ እውን -- ኢሳያስ ምስኦም ሓዊስካ -- ካብ ምጭምላቕ ሓራ ኣይነበሩን። ኣብዚ ጉዳይ'ዚ፡  እቲ  ነቶም ብቐጥታ ዝምልከቶም ማእከሎት ይኹኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘስደመሞም፡ እቲ ጕዳይ ምልዓሉን ንምእራሙ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ምብያኑን ኣይኰነን። እንታይ ድኣ፡ ኢሳያስ ካብቲ ጕዳይ ኢዱ ብምሕጻብ፡ ተመጻዲቑ ክውርዝየሎምን ከጥቀዖምን ምህቃኑ ኢዩ። ብቓልካ ብምውር`ዛይ ግን ንክውንነት ሃለዋት ናብራኻ ክትሽፍኖ ከቶ ዝከኣል ኣይኰነን፤ ምኽንያቱ፡ ክውንነት ኣፍ ከይከፈተ ዓይኒ ብዘይትኽሕዶ መርትዖ ንሓቂ ስለ ዝቐልዓ። ንኣብነት፡ ኣብቲ እዋን'ቲ ሓደ እዚ ሓቂ'ዚ ዝተኸወሎ ተጋዳላይ፡ ካብ ቅድመ-ግንባር ተበጊሱ ብጥምየት ኣብራኹ ረሽሽ እናበሎን ዕሩቕ ዝባኑ ብህሮርማ ጸሓይ ሳሕል እናተለብለበን ብጦፍ ናብ ኣብያተ- ጽሕፈት ኢሳያስን መሰልቱን ዘወር ምስ ዝብል፡ ኣፍደገኦም ካብ ሱዳን ብዝተጓረተ ናይ መስተ ጠራመዝ ተጐቢኡ'ዩ ዝጸንሖ። ነዚ ብዓይኑ ዝረኣዮ መርትዖ ምርኩስ ብምግባር፡ ሓለፍቲ ኣብቲ ጽንኩር ናይ ጸበባ ወቕቲ'ቲ፡ ስኽኽ ከይበሎም ከምቲ ብኣፎም ጸፍ ዝብልዎ ዝነበሩ ዘይኰነ፡ ኣብ ካልእ ናይ ተድላ ዓለም የንደልህቑ ከም ዝንበሩ ንምግንዛብ ፍጹም ኣይስሕቶን ኢዩ።ብነብሱ ህሙል እንተ ዘይኰይኑ!

ዝዀነ-ዀይኑ፡ ኢሳያስ በቲ ቅድሚ ናጽነት ኣንጻሮም ዘካየዶ ጎስጓስ ከይተሓጽረ፡ ድሕሪ ናጽነት እውን ፈልዩ ነቶም ቀንዲ ዝብድህዎ ዝነበሩ ኣባላት  ላዕለዋይ መሪሕነት ብዝያዳ ከም ዝጽልኡን ፍናኖም ከም ዘውድቁን ንምግባር፡  "ኣንፈቶም ዘጥፍኡ'ዮም " ብምባል ምዝላፍ ከይኣኽሎ፡ ደጋጊሙ "ንዓሻ ደርጕሓሉ፡ ንለባም ግን ኣምተሉ" ከም ዝበሃል፡ ንኽውግዶም መድብ ከም ዘሎዎ ዝእምት "መሪሕነት ሓዲሽ ደም የድልዮ ኣሎ" እናበለ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት የጕባዕብዓሎምም ስለ ዝነበረ፡ ንዕኦም ካብ መሪሕነት ኣልዩ ስልጣን ንምብሓት ወልቀ-ምልካዊ ስርዓት ክተክል ይመጣጠር ከም ዘሎ ብቓሉን ግቡሩን  ኣፋፍኖት ይህቦም ብምንባሩ፡ ኣብኡ ዘሎዎም እምነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናንቆልቆለ ይኸይድ ኔሩ። እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኸሰተ መሪሕነታዊ ቅልውላው ግን ጠንቁ ናብቶም  "ኣንፈቶም ዘጥፍኡ'ዮም" ተባሂሎም  ዝተመረሩ  ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ይሰልበጥ ድኣ'ምበር፡ ጕሉሕ መርኣያ ጉድለት ብቕዓት ኣመሓዳድራ ናይቲ ድሕሪ ናጽነት "ግዝያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ"  ብዝብል  ስም ቆይሙ ከብቅዕ፡  ከምቲ ዝተኣመቶ  ክንዲ ናብ "ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ" ዝሰጋገር፡ ቀስብቐስ ብመራሕ ሃገር እናተጨውየ ናብ ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ዝቕየር ዝነበረ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ  ኢዩ። እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝቖመ "ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ"፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ በይኑ መንግስታዊ ስልጣን ብሒቱን ገቢቱን ዘቖሞ መንግስቲ ይኹን ድኣ'ምበር፡ ድሕሪ ናጽነት ብዘይከሓድ፡ እቲ ኣውራ ካብ ህዝቢ ዘነጸሎን ብህዝቢ ዘጽለኦን ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ መሪሕነቱ ቅልውላው ፈጢሩ ዘማህመኖን ጠንቂ፡ እቲ ንመንግስታዊ ስልጣን ንበይኑ ብሒቱን ገቢቱን  ከቕውም ዝወሰዶ ስጉምቲ ጥራይ ኣይኰነን። ብዘይካ'ዚ፡ ካልእ ብቕጥታ ምስዚ ስጉምቲ'ዚ ዝተሳሰር ተደራቢ ጠንቂ ኔርዎ'ዩ። ንሱ ድማ፥  ነቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ምውቕ ተቐባልነትን ምሉእ ደገፍን ልዑል ኣኽብሮትን ህዝቢ ንኽረክብ ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ  ናብ ዓወት ንኸበጽሕ ዘኽኣሎ ካብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተወርሰ  "መሪሕነታዊ ገድላዊ ባህርያት"፡ ከምዛ ብዋዛን ብቐሊሉን ዝተጥረየ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ሓደብሓደ ዘርጠብጠብ እናበለ ስለ ዘጥፍኦ ኢዩ።

ብዝዀነ፡ ድሕሪ ምፍራስን ምውጋድን ተ.ሓ.ኤ፡ ኣብ እዋን ናጽነት እቲ እንኮ "ግዝያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ" ከቕውም ዓቕምን ብቕዓትን ዝነበሮ ጥርኑፍ ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ስለ ዝዀነ፡ "ግዝያዊ ናይ  መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ብእኡ ጥራይ ክቐውም ኣማራጺ ዘይነበሮ ጕዳይ'ዩ ኔሩ። በዚ ምኽይናት'ዚ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ድሕሪ ናጽነት "ግዝያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ" በይኑ ምስ ኣቖመ፡ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣይገጠሞን። ህዝባዊ ተቓውሞ ኣይግጠሞ ድኣ'ምበር፡ እቲ መንግስቲ "ግዝያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ" ከም ምዃኑ መጠን፡  መላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝቐውም ኣትሒዙ መንግስታዊ ስልጣን ብሰላምን ብሕጋዊ ኣገባብን ናብ ብህዝቢ ዝተመርጸ  "ቅዋማዊ  ደሞክራሲያዊ መንግስቲ" ከሰጋገር ሃንቀው ኢሉ'ዩ ብዓቕሊ ክጽበዮ ጸኒሑ። ከም ሃንቀውታኡን ከም ተጽቢቱን ግን ኣይረኸበን።  ህዝብና ድሕሪ ናጽነት ኣብ ልዕሊ'ቲ "ግዝያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ"  ዓቢ እምነት ብምሕዳር፡ "ቅዋማዊ ደምክራሲያዊ መንግስቲ" ሎሚ ከቐም'ዩ፡ ጽባሕ ከቕውም'ዩ፡ እናበለ ንዕስራ ዓመታት መመላእታ ብሃንቀውታ'ኳ እንተተጸበየ፡ ካብ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እንትርፎ ዝኸፍአ ሓሳርን መከራን ሓንቲ ከይረኸበ ሃንቀው ኢሉ'ዩ ተሪፉ። እቲ ንሃንቀታኡን ትጽቢቱን ዘብነኖ ውድዓውን ባዕላውን ኩነታት፡ ብቐጥታ ምስቲ ኣብ መሪሕነት ዝተፈጥረ ቅልውላውን ምስቲ ምጥፋእ መሪሕነታዊ ገድላዊ ባህርያትን ዝተኣሳሰረ ስለ ዝዀነ፡ እስከ ቀጽልና ንኽልቲኡ ረቛሒታት ብዝያዳ ንምርድኡ ቅርብ ኢልና ንዳህስሶ።

እቶም ጸኒሖም ብጉጅለ-15 ዝተፈልጡ ደገፍቲ ደሞክራሲ ዝዀኑ ላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኸሰተ መሪሕነታዊ ቅልውላው፡ ብሰሪ ምጥፋእ ናይቲ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተጠርየ መሪሕነታዊ ገድላዊ ባህርያት ምዃኑ፡ ኣብ ክልቲኡ፥ ኣብቲ ብመጋቢት 20፡ 2001 ምስ  ካልኣይ መጸዋዕታ  ምዱብ ኣኼባ  ኣሰኒዮም ኣብ ትሕቲ "ሽግራትናን ፍታሑን" ዝብል ኣርእስቲ ዘቕረብዎ ጽሑፍን፣ ኣብቲ ብግንቦት 5፡ 2001 ኣብ ትሕቲ "ቅልዕቲ ደብዳቤ" ዝብል ኣርእቲ ዝዘርግሕዎ ጽሑፍን፣ ብዘየሻሙ መንገዲ'ዮም ገሊጾሞ። ንምዃኑ፡ እቲ  ኣብዚ መሪሕነታዊ ገድላዊ ባህርያት ተባሂሉ ተጠቐሱ ዘሎ ባህርያት ከመይ ዝኣመሰለ  ኢዩ? ምስ ምኽሳት መሪሕነታዊ ቅልውላውከ እንታይ ዘተኣሳስር ነገር ኣሎዎ?

ጉጅለ-15 ኣብቶም ኣቐዲሞም ዝተረቝሑ ክልተ ጽሑፋቶም፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝቖመ  "ግዝያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ"፡ ርኡይ ጉድለት ብቕዓት ኣመሓዳድራ ብምርኣዩ፡ ካብ ህዝቢ ኣዝዩ ብዙሕ ብቑዕ  ምኽንያታት  ዘለዎ ጥርዓናት ይቐርቦ ከም ዝነበረ ብምእማን፡ እዚ ሽግር'ዚ ዝተቐልቀለ ብሰንኪ ክልተ ኣበሳታት ኢዩ ይብሉ። ንሳቶም ድማ፥ ምጥፋእ ናይቲ "መሪሕነታዊ  ገድላዊ ባህርያት" ድሕሪ ናጽነት፣ ከምኡ'ውን "ምምህማን ሰስቲኡ መንግስታዊ ምምሕዳራዊ ኣካላት" (ፈጻምን ሓጋግን  ፈራድን ) ብመራሕ ሃገር (ኢሳያስ) ኢዮም። እቲ  "መሪሕነታዊ ገድላዊ ባህርያት" ነቲ ዂሉ ናብ ዓወት ዘብጽሐ ረቛሒታት ዝምልከት ዘይኰነ፡ ብኸፊሉ ነቲ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ሰፊኑ ዝነበረ ንሓድሕዳዊ ዝምድናታት መራሕትን ምምሕዳራዊ ኣገባብ ኣሰራርሓኦምን ዝጥቁም ኢዩ። ንሱ ድማ ነቶም፥ ነንሓድሕድካ ምክብባር፣ ሓድሕዳዊ ምትእምማን፣ተሓጋጊዝካ ምስራሕ፣ ተመያዪጥካ ምውሳን፣ ኣሕሊፍካ ዘይምውህሃብ፣ብጻያዊ ሓልዮት፣ ስነ-ሓሳባዊ ሓድነት፣ ሓባራዊ መሪሕነት፣ ተነቓቒፍካ ምትእርራም፣ተጊህካ ምዕያይ፣ ብተውፋይነት ምምራሕ፣ተብግሶ ምውሳድ፣ብሓልፍነት ምትሕታት፣ ከምኡ'ውን ብግልጺ ምርድዳእ ዝብሉ ሰውራዊ መሪሕነታዊ ጠባያት ዝምልከት ኢዮ። እዚ ዝተዘርዘረ "መሪሕነታዊ ገድላዊ ባህርያት'ዚ"፡ ድሕሪ ናጽነት ቀስብቐስ ክጠፍእ ስለ ዝጀመረ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ሰልፍን መንግስትን ምምሕዳራዊ ድኽመታትን ጉድለታትን ጥራይ ዘይኰነ፡ ብልሽውናን ዘይምቅዳውን ከምኡ'ውን "እንታይ ገደሰኒ በይነይ ዝሓምም" ዝብል ናይ ቅብጸት መንፈስን ከስፋሕፍሕ ጀመረ። ምስ ምፍራስ ስልፍን ግንባርን፡ ኩል'ቲ ብኣግኡ ጉድለታት ንምእላይን ጌጋታት ንምእራምን ድኽመታት ንምፍዋስን ዘገልግል ዝነበረ፡ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ኣስተምህሮታትን ጉባኤታትን፡ ክንዲ ከምቲ ናይ ቀደም ኣብ እዋኑ ዝካየድ፡ ብዝተፈላለዩ ዘይብቑዕ ምኽንያታት ኣናተመጠጠ  ክጐናደብን  ክተርፍን ምስ ጀመረ፡ ነዚ ዝተጠቐሰ ሽግራት መመሊሱ  ከም ዝዛይድን ከም ዝተሓላለኽን ገበሮ። ብደረጃ መሪሕነት ዝመጸ ኸኣ፡ እዚ ሽግራት'ዚ  ብዘይ ገለ ፍታሕ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰ ስለ ዝቐጸለ፡ ነቲ ኢሳይስ "ኣንፈትካ ምጥፋእ" ብምባል ዝገለጾ "መሪሕነታዊ ቅልውላው" ፈጠረ።

ብኣረኣእያ ጉጅለ-15፡ "መሪሕነታዊ ቅልውላው" እተፈጥረ ብሰንኪ ምጥፋእ እቲ ብሓፈሻ "መርሕነታዊ ገድላዊ ባህርያት" ተባሂሉ ዝተገልጸ ረቛሒታት'ኳ እንተዀነ፡ እዚ ረቛሒታት'ዚ ክጠፍእ ዝኸኣለ ድሕሪ ምፍራስ ሰልፍን ግንባርን፡ እቲ ከም መተካእታን መቐጸልታን ህ.ግ.ሓ.ኤ ተሓሊኑ ድሕሪ ናጽነት ብ1974 ዝቖመ ሰልፊ ህ.ግ.ደ.ፍ ኰነ እቲ ብ1991 ዝቖመ "ግዝያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ"፡ ብጣልቃ ኢሳያስ  (ብቐጥታዊ ዘይሕጋዊ ስጕምታትን ብምትሕብባር ማእከላይ ቤት- ጽሕፈቱን) እናተዳኸመ ናብ ስልጣን ዘይብሉ ዘይረብሕ ስማዊ መንግስታዊ ምምሕዳራዊ ትካላት ስለ እተለወጠ ኢዩ።  እቲ ሰልፊ (ህ.ግ.ደ.ፍ) ብምስሉይነት ንዂሉ ዜጋ ክፉት ዝዀነ ሰፊሕ ዝሰረቱ (broad based) ህዝባዊ ሰልፉ'ዩ ተብሂሉ'ኳ እንተቖመ፡ ብፍላጥ ዝዀነ ትርጉም ዘሎዎ ስልጣን  ዘይብሉ ኣገልጋልን መሳርሕን ኢሳይስ ከም ዝኸውን'ዩ ተጌሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ልክዕ ከም ንትርኢት ዝሽራዕ ኣይሰንዕ-ኣይርኢ ባንቡላ ኰይኑ'ዩ ተጠፍጢፉ ተሰሪሑ። በዚ ዝኣክል ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ. "ሰልፊ" ዝብል ስም'ኳ እንተሓዘ፡ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ብግብሪ መዝነትን  ስልጣንን ዘይብሉ "ናይ ርኣዩልና ሰልፊ" (show off party) ኰይኑ'ዩ ተወሊዱ። እቲ "ግዝያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ" እውን እንተዀነ፡ ክቐውም እንከሎ ግዝያውን ናይ መሰጋገርን ተባሂሉ ይቑም ድኣ'ምበር፡ "ብሃጸይ ኢሳይስ" ተጨውዩ ናብ  "ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ" ብምቕያር ቀዋሚ ንብረቱን ርስቱን ካብ ዝኸውን ዕስራ ዓመቱ ኣሕሊፉ ኣሎ።

ድሕሪ ረፈረንደም፡ ብ1993 እቲ "ግዝያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ"  ብኣዋጅ ቊጽሪ 37/1993 (ጸኒሑ ብኣዋጅ ቊጽሪ 52/1994 ዝተጸገነ) መሰረት፡ ሰልስቲኡ መግስታዊ ኣክላቱ (ፈጻምን ሓጋግን ፈራድን) ምእንቲ ነንሓድሕዱ ክቐያያድን ክተሓላሎን፡ ዝተመዛዘነ ግና ናጻ ዝዀነ ስልጣንን መዝነትን ንኽህልዎ ተኣሚቱ'ዩ ቆይሙ።ይኹን'ምበር፡ ስለስቲኡ መንግስታዊ ኣካላት ኣብ እግሪ ተኽሎም ከይደልደሉ እንከሎዉ፡ ብጣልቃን ሽፈጥን ናይቲ "ውልቀ-መላኺ" ("ሃጸይ ኢሳያስ")፡ ስለ ዝለመሱ፡ ከም ምምሕዳራዊ ኣካላት መንግስቲ መጠን ህላወ'ኳ እንተሃለዎም፡ ዝረብሕ ወይ ዝጭበጥ ስልጣን የብሎምን።  በዚ ምኽንያት'ዚ፡  እቲ ብፈጻሚ ኣካልን (ማእከላይ ባይቶ)  ብሓጋጊ ኣካልን (ካቢነ ሚኒስተራት) ከምኡ'ውን  ብፈራዲ ኣካል (ላዕለዋይ ቤት -ፍርዲ) ክተሓዝ ዝነበሮ ዝተመቓረሐ ስልጣን መንግስቲ፡ ተጠቕሊሉ ኣብ ኢድ'ቲ ውልቀ-መላኺ  ስለ ዝኣተወ፡  ብግብሪ ንሱ'ዩ -- ገባርን ሓዳግን፣ ሓጋግን ፈራድን፣ ከምእ'ውን ወካልን ኣፈኛን መግስቲ። ስለዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ ማለት መንግስቲ ሃገር ምዃኑ ተሪፉ፡ ትርጕሙ ኣጥፊኡ  ብጭቡጥ ናብ  ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ተቐይሩ፡ እቲ ክግልገል ዝግበኦ ሓቀኛ ጎይታ ናይታ ሃገርን፡ ዋና ናይቲ መንግስትን (ኣብ ኤርትራን ኣብ ስደትን ዘሎ ህዝባ)፡ ተመልካትን ኣገልጋልን ምዃን ከይኣኽሎ፡ ናብ ተማእዛዝን መሳርሕን ተለዊጡ፡ ተሰካም ኣደራዕ ዓምጻጽን ጓዕጻጽን ስርዓቱ -- ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ  ከይኑ ኣሎ። ኣማስያኡ፡  ንውጹዕ ህዝብና ፈጣሪ ድኣ ባዕሉ መዋጽኦ ይፍጠረሉ እምበር፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ናጽነት ዘይኰነ ኣብ ደልሃመት'ዩ ዝነብር ዘሎ

መሪሕነታዊ ቅልውላው፡ ድሕሪ ናጽነት ኣቐዲሙ ከም ዝተገልጸ፡ ምስ ምጥፋእ "መሪሕነታዊ ገድላዊ ባህርያትን" ምስ ምዕብላልን ምድኻምን "ግዜያዊ መሰጋገሪ መንግስትን"  ተኣሳሲሩ ዝተቐልቀለ ተርእዮ ይኹን ድኣ'ምበር፡ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሐ ምስ ወያነ ኣዕናዊ ናይ ዶብ ኲናት ምስ ተባርዐ ኢዩ።  ብ1998 ብዋንነት ባድመ ተሳቢቡ ናይ ዶብ ግጭት ምስ ተላዕለን፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ ንኡስ ምጒንፋጥ ናብ  ኣዝዩ ሰፊሕ ኲናት ምስ ማዕበለን፡ ኢሳያስ ክንዲ  ነቲ ካብ ዝዀነ ግዜ ንላዕሊ ብዝያዳ  ሽዑ ካብኣቶም ዝድለ ውህሉል ወተሃደራዊ ተሞክሮን መሪሕነታዊ ክእለትን ኣብ ጥቕሚ ሃገር ብምውዓል ዝጥቀመሉ፡ ኣብ ህልኽን ቂምታን ጥሒሉ ንብዙሓት ካብቶም ላዕለዎት ምኩራት ገዳይም መራሕቲ ሓደብሓደ ብምድስካል፡ ዘርምዘሞ ኰይኖም ከም ዝተርፉ'ዩ ጌርዎም። ገለ ካብቶም ኣብቲ ተኣፋፊ ወቕቲ'ቲ ዘደስከሎም ላዕለዎት ምኩራት ገዳይም መራሕቲ ንኣብነት፡ ሃይለ ወልደትንሳኤ፣ ማሕሙድ ሸሪፎ፣ ጵጥሮስ ሰሎሙን፣ ዑቕበ ኣብርሃ፣ መስፍን ሓጐስ፣ብርሃነ ገብረእግዚኣብሄር፣ በራኺ ገብረስላሴ፣ ከምኡ'ውን እስቲፋኖስ ስዩም ይርከብዎም።ኢሳያስ ቅድሚ ምድስካሉ፡ ንዝበድህዎ መራሕቲ ካብ ዝለዓለ መዝነቶም ኣውሪዱ ዝተሓተ መዝነት ዘለዎ ሓልፍነት ብምሃብ ኣብ ዘየድምዕሉ ሚንስተሪ'ዩ ዝምድቦም ኔሩ። ኣብ ሓደ ዓይነት መዝነትን ሚንስትሪን ንነዊሕ እዋን ክጸንሑ ኣይደልን ኢዩ። ካብ ንውሓት ግዜ ዝተላዕለ፡ እንተ ብስራሓቶም እንተ ብጠባዮም እንተ ብኣመሓዳድሮኦም ሰዓብትን ደገፍትን ከይጥርዩ ስለ ዝሰግእ፡ ጸጸኒሑ'ዩ ዝለዋውጦም። ንኣብነት፡ ኣብቲ ድሕሪ ናጽነት ዝሰዓበ ዓሰርተ ዓመት( 1991-2001)፡ ኣርባዕተ ናይ ምክልኻል፣ሓሙሽተ ናይ ወጻኢ ጕዳያት፣ ከምኡ'ውን ሽድሽተ ናይ ፋይናስ ሚልስተሪታት'ዩ ለዋዊጡ። ዘይፍትሓዊ ምድስካልን ምልውዋጥን ናይቶም  ዓበይቲ ምኩራት መራሕቲ፡ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ጎሊሑ እተራእየ ኣብ ሳልሳይ ወራር ኢዩ። ኣብ ሳልሳይ ወራር ወያነ፡ ኢሳይስ ዋና ኣዛዚ ከይኑ ምሉእ ሓላፍነት ብምውሳድ፡ ነቲ ኲናት ብዘይ ናይ ምኩራት ብጾቱ ምኽርን ሓገዝን ባዕሉ'ዩ ዝመርሖን ዝኣልዮን ኔሩ። ውጽኢት ሳልሳይ ወራር ግን ከምቲ ኢሳያስ ዝፈከሮ ዘይኰነ፡ ብፍሽለትን  (ምትሓዝ ኲሉ ዘከራኽር ዝነበረ ናይ ዶብ ቦታታት ብሓይሊ ጸላኢ) ሰፍ ዘይብል ክሳራን (ልዕሊ 600 ሽሕ ምምዝባል ሰለማውያንን ካብ 60 ሽሕ ንላዕሊ ዝኸውን ብዝሒ ስዉኣትን)  ምስ ተደምደመ፡ ኣብ መንጎ  ህዝብን ሰራዊትን ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ መንጎ እቶም ንድኽመታቱ ዝነቕፍዎ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ እውን ኣሉታዊ ስምዒታት'ዩ ኣሕዲሩ።  ኢሳይስ ነቲ ኲናት ብዘይ ናታቶም ተሳትፎን ምኽርን ልቦናን፡ ንዕኦም ኣወጊኑ ንበይኑ ብብድዐ "ጸላኢ ንዕርዲ ባድመ ይጥሕስ ማለት፡ ጸሓይ ብምብራቕ ክትዓርብ'ያ ማለት'ዩ" ብዝብል ናይ ምትህልላኽን ትምክሕትን መንፈስ ይመርሖ ብምንባሩ፡ ብዛዕባ ኣጀማምራ ኰነ  ኣተኣላልያ ናይቲ ኲናት፡ ዳርጋ ኣብ መንጎ ኲሎም ላዕለዎት መራሕቲ (ጉጅለ 15 ኰነ ካልኣት) ብዙሕ ብሓላፍነት ዘሕትት ዓበይቲ ሕቶታት'ዩ ኣልዒሉ።

ብሰሪ'ዚ፡ ገለ ካብኣቶም (ንኣብነት፡ ድሩዕ፡ ዑቕበ፡ ጵጥሮስ፡ ማሕሙድ ( ሸሪፎ) ከምኡ'ውን ብርሃነ) ንኢሳያስ በቲ ዘርእዮ ዝነበረ ሓልፍነትን ብቕዓትን ዝጐደሎ ኣመራርሓ፡ ብወግዓውን (ኣብ ኣኼባ) ዘይወግዓውን (ብውልቂ) ኣገባብ ኣትሪሮም ስለ ዝነቐፍዎ፡ ነቲ ኣብ መንጎኣም ፈኸም እናበለ ክረስን ዝጸንሐ ዘይምቅዳው ናብ ዝለዓለ ደረጃኡ በጺሑ ከም ዝግንፍል'ዩ ጌርዎ። ገለ ካብቲ ዘቕርብሉ ዝነበሩ ንምምሕዳራዊ መምርሒታትን ንወተሃድራዊ  ውሳኔታትን ዝምልከት ነቐፌታታት ንኣብነት፥ (1) ብድርቅናን ህልኽን ገጭግጭን፡ ንሓባራዊ ምምይያጥን ምምኽኻርን ብምንጽግ፡ ብኢደ-ወነንካ ርቡጽ ወተሃድራዊ ውሳኔታት ምሕላፍ፣ (2)  ንሓርነታዊ ቃልስና መሪሖም ናብ ዓወት ዘብጽሕዎ ምኩራትን ብቑዓትን መራሕቲ ብዝተፈላላዩ ምስምሳት ካብ ስልጣኖም ከም ዝወርዱ ብምግባር ኣደስኪልካ ዓዲ-ውዒል ምግባር፣ (3) ጸላኢ ዘጥቃሉ ሃጓፍ ቦታታት ንምንዳይ፡ ናይ ስለያ ኣኣዱታቱ ዘዋፍረሉ ዝነበረ ከባቢታት (ኣብ ሳልሳይ ወራር ሰሊኹ ብእንትልፋፍ ዘጥቃዓሉ) ብዝተፈላለዩ ምንጭታት ብኣግኡ ተሓቢሩ ክነሱ፡ ዕቱብ ግምት ከይተዋህቦ ምትራፉ፣ (4) ጸላኢ ከበድቲ ዘመናዊ ኣጽዋር ይሽምት ከም ዘሎ እናተፈለጠ፡ ክንዲ ንዕኡ ዝዳረግ ኣጽዋር ብምንዳይ ካብኡ ንላዕሊ ዓጢቕካን ተዳሊኻን ምጽናሕ፡ "ኣበይ ከይበጽሕ'ዩሞ ብባምቡላታት (ዘመናዊ ነፈርትን ሄሊኮብተራትን ታንክታትን መዳፍዕን)" እናበልካ፡ ንምሽብሻባቱ ምቊንጻብን ምኲሽማሽን፣(5) እቲ ናይ ዶብ ግጭት ናብ ሰፊሕ ኲናት ከይማዕበለ እንከሎ፡ ተሃንዲድካ ብሓይሊ ንኹሉ ዘከራኽር ዝነበረ ቦታታት ኣብ ክንዲ ምሓዝ፡ ብሰላምን ብሽምግልናን ንምፍታሑ ዘሎካ ቅሩብነት ንዓለም ንምርኣይ ካብ ኩሉ ኣከራኻሪ ቦታታት ብወልንታኻ ብምዝላቕ፡ ጸላኢ ንኽወርር መጣልዒ ዝዀኖ ካርታ ምኽላእ፣ (6) ነቲ ብኣመሪካን ርዋንዳን ዝቐረበ ኣርባዕተ ነጥብታት ዝሓዘለ ናይ ሰላም እማመ፡ ኣብ ኲናት ከይበጻሕካን ዘየድሊ ዓበይቲ ክሳራታት ከይስዓበ እንከሎን ብዓንቶብኡ ዘይምቕባል (ናይ ዶብ ግጭት ነባሪ ፍታሕ ዝረክብ፡ ብሰላምን ብሽምግልናን ጥራይ ስለ ዝዀነ)፣ ከምኡ'ውን (7) ብህዝባዊ ሓልዮት፡ ጸላኢ ምናልባት ንዕርድታትና ጥሒሱ እንተ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከቢድ ክሳራ ከውርድ ይኽእል'ዩ ብዝብል ርትዓዊ ትንባሀ፡  ነቲ ኣብ ከባቢ ዓውደ-ውግእ ዝነብር ዝነበረ ህዝብና ከይተኸላበተ ኣቐድምካ ኣብ እሙን ስፍራ ኣሊኻዮ ዘይምጽናሕ ዝብሉ ይርከብዎም።

ኢሳያስ ነቲ ናይ ዶብ ኲናት ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ጎኒ-ንጎኒ ምስኡ ዝሰላሰል ዝነበረ ናይ ሰላም መስርሕ እውን ከም ቀደሙ ምስቶም ምኩራት መሳርሕቱን ብቕዓት ዘሎዎም ብጾቱን ብግቡእ ከይተወከሰን ከይተማኸረን ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ በይኑ ብድርቅና ይመርሖ ብምንባሩ፡ ካብ ተቓወምቱ ኣባላት ላዕለዋይ መርሕነት ተመሳሳሊ ንድኽመንቱ ዘቃልዕ ነቐፌታት እውን ይቐርቦ ነይሩ። እዚ ኸኣ ብወገኑ፡ መሊሱ  ነቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ተቓወምቱ ኣባላት ላዕለዋይ መርሕነትን ኣቐዲሙ ሻሕኪሩ ዝጸንሐ  ሓድሕዳዊ ዝምድና ነዳዲ ብምውዳኽ  ኣብ ዕጹው መንገዱ'ዩ ኣብጺሕዎ። ኢሳያስ ግን ንኹሉ ዘቕርብሉ ዝነበሩ ነቕፌታት ሃናጺ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ጸማም እዝኒ ብምሃብ ይቕበሎ ኣይነበረን። ንኣብነት፡ ኢሳያስ ነቲ ናይ ኣመሪካን ሩዋንዳን ናይ ሰላም እማመ፡ መጀመሪያ ተቐቢልዎ ከብቅዕ ንጽባሒቱ ተገልቢጡ ስለ ዝነጸጎ፡ ነዚ  ዘርኣዮ ተቐያያሪ መርጋጺ ጠቊሞም፡  "ኣብ ቅድሚ ዓለም  እዚ ስጉምቲ'ዚ፡ ኤርትራ ነቲ ናይ ዶብ ግጭት ብሰላም ንምፍታሕ ምውልዋል ከም ዘሎዋ'ዩ ዘርኢ፤  እዚ ኸኣ፡ ብርግጽ  ነቲ ናይ ሰላም መስርሕ ዝኣክል ቆላሕታ ሂቡ፡ ምስ ብጾቱ እሂም-ምሂን እናበለ ብምምኽኻር፡ ብዕቱብነት ይኣለዮ ከም ዘይነረ'ዩ ዘመስክር" ብምባል፡ ብትሪ  ምንቃፎም ኣይተዋሕጠሉን። ኢሳያስ ብፍላይ ኣብቲ ብነሓሰ 2000 ዝተኻየደ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለን ኣብቲ ብመስከረም 2000 ዝተኻየድ ምዱብ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶን፡ ብብዙሓት ኣባላት ላዕልዋይ መሪሕነት ነቲ ኣብ ሳልሳይ ወራር ዘርኣዮ ጉድለት ኣመራርሓ ኲናትን ብቕዓት ኣተኣላልያ መስርሕ ሰላምን ጥራይ ዝምልከት ዘይኰነ፡ እንተላይ ንመስርሕ ምስግጋር ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዝምልከት ከቢድ ነቐፌታ እውን ወሪድዎ ኔሩ። እቲ ንመስርሕ ምስግጋር ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዝምልከት ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ነቐፌታ፡ "ነቲ 1994 ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝተኣትወ ንምቛም ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዝምልከት መብጽዓታት -- ንኣብነት፡ ምጽዳቕ ሃገራዊ ቅዋም፣ ምምስራት ተወዳደርቲ ሰልፍታት፣ ምክያድ ሃገራዊ ምርጫ …ወዘተ. ብዝተፈላለዩ ምስማሳት ከም ዝደናጐን ዝጐናደብን ትገብር ኣለኻ" ዝብል'ዩ ኔሩ። ኢሳያስ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ሳልሳይ ወራር ዝተራእየ ርኡይ ፍሽለት፡  ፍናኑ ተተንኪፉ ኣብ ምክልኻል ኣቱዩ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ  ኣብዚ ክልቲኡ ኣኼባታት ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ነቐፌታ ክቕበሎ ኣብ ርእሲ ምግዳዱ፡ ነቲ ኣብ ፖለቲካውን ቊጠባውን ዲፕሎማሲያውን መዳያት ንዘጓነፈ ፍሽለታት ንምጽራይን ንምግምጋማን ዝነጥፋ ሰለስተ ሽማግለታት ክቖማ ብዝበዝሐ ድምጺ ዝሓለፈ ውሳነ  እውን ከይፈተወ ንኸምስል ተቐቢልዎ ኢዩ። ቀጺልና ከም እንግንዘቦ ግን ኣብ ግብሪ ኣየውዓሎን።

ኣቐዲሙ ከም ዝተረቝሐ፡ እቲ ኣብ መንጎ ጉጅለ-ኢሳያስን ጉጅለ-15ን ድሕሪ ናጽነት ዝተኸሰተ ስነ- ሓሳባዊ ፍልልያት ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ጕዳያት ዝተመርኰሰ ኢዩ። ንሳቶም ድማ፥ (1) ነቲ ናብ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ንምስግጋር ክውሰድ ዝተበየነ ደሞክራሲያዊ ስጉምታትን መደባትን ውጥናትን ምዕንቃፍ ፣ (2) ነቲ ኣብ ኣመራርሓ ናይ ዶብ ኲናትን ኣተኣላልያ መስርሕ ሰላምን (ብፍላይ ከኣ ሳልሳይ ውራር)  ብኢሳያስ ዝተፈጸመ ጉድለታት ፣ ከምኡ'ውን (3) ነቲ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ተጠቒምካ ንዝነቐፉኻ ላዕለዎት ይኹኑ ታሕተዎት መራሕቲ ካብ ስልጣኖም ብምውራድ ምድስካልን፡ ንመንግስታዊ ምምሕድራዊ ትካላት ኢድካ ኣናመለስካ ብምምህማን መንግስታዊ ስልጣን ምብሓትን ምግባትን ዝብሉ ኢዮም። ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ወገናት፡ ኣብዘን ሰልስተ ዓበይቲ ጕዳያት ነንመርገጽም ዝድግፍ፡ ነናቶም ዘቕርብዎ ዝርዝራት ኣሎዎም። ቅድሚ ናብቲ ዘቕርብዎ ዝርዝራት ምእትውና፡ ምእንቲ ንፍልልያቶም ኣዕሚቕና ክንርዳኦ፡  ኣስዒብና እስከ ነዞም ሰለስተ ዓበይቲ ጕዳያት ከመይ ከም ዝመስሉ ማለት እንታይ ዓይነት ትሕዝቶ ከም ዘሎዎም ቀርብና ንርኣዮም፦

· ብቐዳምነት፡ ንምቛም ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ብዝምልከት፡ እቶም ብስም ጉጅለ-15 ዝተፈልጡ ደገፍቲ ደሞክርሲ ዝዀኑ ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት፡ "ግዝያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ከምቲ ዝኣተዎ መብጽዓ፡  ብመሰረት'ቲ ብ1987 ዝተነድፈ ሓዲሽ ቅዋም፡ ተወዳደርቲ ሰልፍታት ዝተሳተፍኦ ናጻን ፍትሓውን ሃገራዊ ምርጫ ብምክያድ፡ መንግስታዊ ስልጣን ነቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ ሰልፊ ብሰላም ንምርካብ፡ ብዘይምድንጓይን ምትዕንቓፍን ሕጋዊ ዝዀነ ደሞክራያዊ መንግስቲ ንምቛም ዘድሊ ዘበለ ግብራዊ ስጉምቲ ክውስድ ኣሎዎ" ዝብል መርገጺ ክሕዙ እንከሎዉ፡ እቶም ዝተረፉ ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ግን ኣብ ልዕሊኦም ክወርድ ንዝኽእል ሳዕቤናት ገምጊሞም፡ ጸግዒ ኢሳያስ ብምሕዝ "ሕቶ ደሞክራሲ ኣብዚ እዋን'ዚ ምልዓል እዋኑ ኣይኰነን" ዝብል መርግጽ ወሰዱ። ብሕቶ ደሞክራሲ ዝመጸ፡ ኢሳያስ ነቲ ጉጀለ-15 ብዝቐልጠፈ ግዜ ክትግበር ዝቃለስሉ ዝነበሩ ቅዋማዊ ደሞከራሲ  (constitutional democracy) ብምጽራር፡  "ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዘሎዎ ትሑት ማሕበራዊ ደረጃ ምዕባለ፡ ቅዋማዊ ደሞክራሲ ከቕውም ዓቕሚ የብሉን፣ ኣደዳ ድሑር ወገናዊ ዝንባለታት ኰይኑ ከይገማማዕ፡ ክሳዕ ንቕሓቱ ክብ ዝብልን ደሞክራሲያዊ ትካላት ንምምስራት ብቕዓት ዝድልብን ክጸንሕ ኣሎዎ፣ኣብዚ ዘሎዎ ደረጃ ምዕባለ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘድልዮን ኣዕጋቢ ውጽኢት ዝረኽበሉን፡ ቅዋማዊ ደሞክራሲ ዘይኰነ ዝተመርሐ ደሞክራሲ (guided democracy) ኢዩ"  ብምባል፡ ንጠለብ ተቓወምቲ "ግብራውን እዋናውን ኣይኰነን" ኢሉ ብምብጫው'ዩ ነጺግዎ። ኢሳያስ  "ዝተመርሐ ደሞክራሲ" ክብል እንከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ? "ዝተመርሐ ደሞክራሲ" ካብ "ቅዋማዊ ደሞክራሲ"ኸ ብምንታይ'ዩ ዝፍለ?

ቅዋማዊ መንግስቲ፡ ሃገራዊ ቅዋም ኣጽዲቑ ብእኡ ተቐይዱ ዝመሓደር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እቲ ዘቚሞ መንግስቲ በታ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ንዝተወሰነ ዓመታት (ንኣብነት፡ ንኣርባዕተ ዓመታት) ንኸተመሓድር ዝበዝሐ ናይ ህዝቢ ድምጺ ረኺባ ብዝተዓወተት ሰልፊ'ዩ ዝቐወም። ከምኡ'ውን መዝነት ስልጣን ናይ ሰለስቲኡ ምምሕዳራዊ ኣካላቱ፡ ማለት ናይቲ  ፈጻምን ሓጋግን ከምኡ'ውን ፈራድን ጨንፈራት፡ ከምቲ ኣብ "ዝተመርሐ ደሞክራሲ" ዝርከብ  መዝነት ስልጣን፡ ብዘይ ገደብን ቀይድን ተሓታትነትን ኣብ  ኢድ ሓደ ስልጣኑ ካብ ስልጣን ንጉስ ዘይፍለ መራሕ ሃገር ዝተጠቕለለ ዘይኰነ፡ ኣብ ሰለስቲኡ ነንሓድሕዱ እናተሓላለወን እናተቐያየደን ዝተመዛዘነ ስልጣን ሒዙ ዝሰርሕ ምምሕዳራዊ ኣካላት ዝተመቓረሐ ኢዩ። ኣብዚ መንግስታዊ ኣገባብ ኣመሓዳድራ'ዚ፡ መራሕ ሃገር ገባርን ሓዳግን ኰይኑ ዓጋትን ከሳስን ዘይብሉ ዊን ከም ዝበሎ ድላዩ ኣይገብርን ኢዩ። ስልጣኑ፡ ካብቲ ብቅዋም ብንጹር ዝተገደበሉ ገደብ ስልጣን ወጻኢ፡  ከም ሻሙን ከም ቃሕታኡን ዝዀነ ዓይነት ስጉምቲ ከወስድ ኣየፍቅደሉን ኢዩ። ፈጭ ኢሉ ከይጋልብ፡ ጕሲሱ ዝስሕቦ ልጓም ኣሎዎ። ካብ ገድብ ስልጣኑ ወጺኡ ስጉምቲ ክወስድ ተንከስ ክብል እንተ ተረኺቡ፡ ብመሰረት ቅዋም ተገዚዙ ኣብ ሕጊ ብምቕራብ፡ ብጽኑዕ ክቕጻዕን ካብ ስልጣኑ ክወርድን ይኽእል ኢዩ።ብተወሳኺ፡ ናይ ቅዋማዊት መንግስቲ መራሕ ሃገር፡ ከም ውልቀ-ምልካዊ ኢሳያስ ንዝተቓወምዎ ኣባላት መሪሕነት ካብ ስልጣኖም ኣውሪዱ ብምድስካል፡ ዘርምዘርሞ ከይኖም ከም ዝተርፉ ንምግባር ከምኡ'ውን ብዘይ ክሲ ተኣሲሮም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ከይተፈርዱ ከም ዝሽረቡ ( ወይ ከም ዝጸንቱ) ንምግባር ዘኽእሎ ውልቀ-ምልካዊ ስልጣን የብሉን።  እቶም ኣባላት ወይ ሰበ-ስልጣን ናይ ሓጋግን ፈራድን ምምሕዳራዊ ኣካላት መንግስቲ፡ ልክዕ ከምቲ ኣባላት ወይ ሰበ-ስልጣን ናይ ፈጸሚ ኣካል ብህዝቢ ወይ ከኣ ብባይቶ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ ስለ ዝዀኑ፡ መራሕ ሃገር ባህ ከም ዝበሎ ንዮው-ነጀው እናበለ ኣይገማጥሎምን ኢዩ። ዝተመዘዝዎ መዝነት ስልጣን፡ ብመራሕ ሃገር ተደፊሩ ዘይሽረፍ-ዘይጕረፍ፡ ዘይምንዛዕ-ዘይስላዕ ሓቀኛ ስልጣን ኢዩ።

ብምንጽጻር፡ እቲ ኣብ "ዝተመርሐ ደሞክራሲ" ዘሎ መንግስቲ፡ ብደሞራሲያዊ ኣገባብ ብህዝቢ ብዝተመርጸ ሰልፊ  ዝቖመ ዘይኰነ፡ ብጎነጽ መንግስታዊ ስልጣን ዓሚጹ ብዝመንዝዐ ሰልፊ፡ ወይ ከኣ ከም ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ክሳብ ብህዝቢ ዝተመርጸ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ብሕጊ ዝቐውም፡ ንግዜኡ "ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ" ከቕውም ንእተዋህቦ ሕድሪ ጠሊሙ፡  ተሓታትነትን ቀይድን ገደብን ዘይብሉ ስልጣን ብኢደ-ወነኑ ጨውዩ ብምሓዝ፡ ምእንቲ ንዘልኣለም ከም ንጉሳዊ ስርዓት ከይተበደሀ ክገዝእ ክነብር፡ ንኹሉ ምምሕዳራዊ ኣካላት መንግስቲ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ-መላኺ ዝጥቕልል ስርዓት ኢዩ። ኣብዚ ነጥቢ'ዚ፡ "ዝተማሕደረ ደሞክራሲ" ካብ "ቅዋማዊ ደሞክራሲ" ዝፈልዮ ክልተ ጉሉሕ ባህርያት ኣሎዎ። ንሳቶም ድማ፥ ቀዳማይ፡ እቲ መንግስቲ ብሓደ ንዂሉ ምምሕዳራዊ ኣካላት ዝቆጻጸር ሰልፊ ዝተባሕተን ዝተገበተን ምዃኑ፣ ካልኣይ ከኣ፡ እቲ ቊጠባ ሃገር በቲ መንግስቲ ብዝውነና ትካላት ተዓብሊሉ፡ ብሕጊ ናጻ ዕዳጋ ዘይኰነ መንግስቲ ብዘውጽኦ ቍጠባዊ ውጥናት ተማእኪሉ ዝመሓደር'ዩ ንዝብሉ ኣገደስቲ ረቛሒታት ዝምልከቱ ኢዮም። እዚ ዓይነት ደሞክራሲ'ዚ፡ "ዝተማሕደረ" ተባሂሉ ዝተሰምየሉ ምኽንያት ብወዝቢ ዘይኰነ፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ፖለቲካን ቊጠባን ጥራይ ከይተወሰነ፡ ኣብ ኩሉ  ካልእ ዝተረፈ ማሕበራዊ መዳያት እውን ኣብ ምእላይን ምቊጽጻርን ንዘሎዎ ወሳኒ ተራ ንምሕባር ኢዩ። ዝተማሕደረ ደሞክራሲ፡ "እቲ ህዝቢ ከይማዕበለን ከይነቕሐን፡ ኣደዳ ወገናውያን ከፋፈልትን መዝመዝቲ ደርብታትን ሸፈጥቲ ተበለጽትን ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ እቲ መንግቲ ክሳብ ደረጃ ናብራኡ ዝመሓየሽን ንቕሓቱ ክብ ዝብልን ምሉእ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ወሲዱ ክኣልዮን ክከላኸለሉን ክናብዮን ኣሎዎ" ኣብ ዝብል  እምንቶ ዝተመርኰሰ ኢዩ። በዚ እምንቶ'ዚ መሰረት፡  ደሞክራሲ መንግስቲ ቃሕ ኣብ ዝበሎ እዋን ነቲ ህዝቢ ዝልግሶ ሓለፋ እምበር፡ ዘይገሃስ ባህርያዊ መሰል ኣይኰነን። እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ከም ልቢ ዘይሰቖረ፡  ዘጸብቐሉን ዘኽፍኣሉን ዘይፈልጥ ቆልዓ እምበር፡ ከም ልቢ ዘዕበየን ዓይኒ ዘንቈሐን በጽሒ ስለ ዘይቍጸር፡ መንግስቲ ወላዲ ኰይኑ ከይታለልን ከይድለልን ከምኡ'ውን ከይሸሓጥን ከይሽፈጥን፡ ሓሸካ!  -- " ሽርሩ-እርሩ"  እናበለ፡ ክረርዎን  ክኣልዮን ኣሎዎ።

"ሎሚ ኰነ ሓምለ ኰነ" ከም ዝበሃል፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ቅድሚ ብዓመጽ ብሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ ንዝተጨበጠ መግስታዊ ስልጣን፡ ብብድዐ ብምብሓትን ብምግባትን ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት  ኣብ 90ታት (ካብ 1991-2001) ንመብጽዓታት ሰውራ ጠሊሙ ምቛሙ፡ ከምኡ'ውን ቅድሚ ነቶም ዝበድህዎ ደገፍቲ ደሞክራሲ ማለት ንጉጅለ-15 ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ምሕቃቑ፡ ንቅዋማዊ ደሞክራሲ ከም ዝድግፍ ብምግላጽ፡ እቲ ናይ ዶብ ኲናት ደው ኣብ ዝበለሉ እዋን ብዘይውልውል ነቲ ብ1987 ብምሉእ ተሳትፎ ህዝቢ ዝተነድፈ ቅዋም ብምጽዳቕ፡ ተቐናቕነቲ ሰልፍታት ዝተሳተፍኦ ናጻን ፍትሓን ሃገራዊ ምርጫ ከካይድ ምዃኑ ብተደጋጋሚ'ዩ ዝሕብር ኔሩ። ይኹን'ምበር፡ ንተቓወምቱ ጉጅለ-15 ብናይ ዶብ ኲናት ኣሳቢቡ ምስ ኣሕቀቖም፡ "ደሞክራሲ ንኸም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ኣብ ትሕት ደረጃ ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ዝሞልከት ኣይኰነን፣ እንታይ ድኣ፡ ነተን ኣብ ክብ ዝበለ ደረጃ ምዕባለ ዝርከባ ምዕራባውያን ሃገራት ዘገልግልን ዝምልከትን ምዕራባዊ ያታ ኢዩ" ዝብል ሓዲሽ ፈሊጥ ኣምጺኡ፡ ነቲ ቀዲሙ ዝኣተዎ ቃል ብኣንብኡ'ዩ ኣዕቢርዎ። እዚ ኸኣ፡ ብዘየማትእ ነቲ ተዃቲዂ ዘባርዖ ናይ ዶብ ኲናት ከም ጉልባብ ተጠቒሙ፡ ብሓንሳእ ንኽልተ ነገራት ንምድርዓም ብደይ-መደይ ከም ዝተጠቕመሉ'ዩ ዘረጋግጽ። ንሳቶም ከኣ፥ ቀዳማይ፡ ነቲ መስርሕ ደሞክራሲ "ድሕነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ ናይ ሞት ወይ ሕየት ተኣፋፊ ህሞት፡ ሕቶ ደሞክራሲ ምልዓል፡ ግቡእ እዋኑን መድረኹን ኣይኰነን" ብዝብል ምኽኒት ተወንዚፉ፡ ብእኡ ጌሩ ተረሲዑን ቅሂሙን ከም ዝተርፍ ንምግባር፣ ካልኣይ ከኣ፡ ኣብቲ  ናይ ዶብ ኲናት ዝተራእየ ፍሽለት ብሰንኪ ተንበርካኽነትን ክሕደንትን ጸይቅን (ምክፍፋልን ምንዋርን) ናይቶም ካብ ስልጣኖም ብምውራድ ዘደስከሎም ተቓወምቱ'ዩ ብምባል፡  ጠንቂ ናይቲ ኩሉ ሽዑ ዝወረደ ኣበሳታት ናብኦም ኣሰልቢጡ፡ ንነብሱ ካብ ገበን ሓራ ብምውጻእ፡ ኣብ  ልዕሊኦም ናይ ምቕንጻል ስጉምቲ ንምውሳድ ኢዩ።

· ብኻልኣይ ደረጃ፡ ንኣመራርሓ ናይቲ ኲናት ፍሉይ ቆልሕታ ብምሃብ ምስ እንምልከቶ፡ ኣጀማምራን ኣመዓብላን ናይቲ ኲናት ንጹር  ኣብ ርእሲ ዘይምዃኑ፡ ኢሳያስ ንዂሎም ዝተቓወምዎን ዝበደህዎን ገዳይም ላዕለዎት መራሕቲ ሰልፍን  ሰበ-ስልጣን መንግስትን ዝነበሩ፡ ሓድብሓደ ካብ ስልጣኖም ኣውሪዱ እናኣደስከለ ነቲ መስርሕ ደምክራሲ ብጸጥታን ድሕነትን ሃገር ኣመሳሚሱ ብምዕንቃጹ፡ ኣብ መንጎ'ቶም ዝተቓወምዎ መራሕቲ (ጉጅለ-15) ዓበይቲ ኣጠራጠርቲ ሕቶታት'ዩ ኣልዒሉ። ካብዞም ሕቶታት እዚኣቶም እቶም ቀንዲ ፥  (1) እቲ ናይ ዶብ ግጭት ብሰላምን ብልዝብን ዝፍታሕ ጕዳይ ምዃኑ ኣናተፈልጠ፡  ክንዲ ተበግሶ ወሲድካን ልቢ ኣዕቢኻን ተቐላጢፍካ ከም ዝረጋጋእን ዝሃድእን ዝግበር፡ ንምንታይ ብሓጺር ግዜ ክሳብ ናብ  ምብራዕ ሰፊሕ ኲናት ክላባዕ ሱቕ ኢልካ ተራእዩ ? (2) እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ፡ ኣብ ክንዲ ብህጹጹ ከም ዝቋራጽ ዝግበር፡ ንምንታይ'ዩ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ተዋጋእቲ ሃገራት ዝተፈጥረ ዓሚቚ ጽልእን ቅርሕንትን መልሱ ዘዕምቚ ዘየድሊ ኣሕናንን ኣረሳሳንን ጎስጓስ ምክያድ ተመሪጹ? (3) ንምንታይ ብናይ ዶብ ኲናት ኣሳቢብካ፡ ነቲ ተጀሚሩ ዝንበረ ተስፋ ዝተነብረሉ ደሞራሲያዊ መስርሕ፡ (ንኣብነት፥ ምንዳፍ ሃገራዊ ቅዋም፣ ናጻ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፣ ምቛም ኣሰናዳኢት ሃገራዊ ምርጫ  ወዘተ.) ውልዕ ኢሉ ከም ዝቕህም ተጌሩ? (4) ነቲ ሃገራዊ ባይቶ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ ናይ ኲናት ኣዋጅ ንምፍሻል፡ ንምንታይ ንናይ ሰላም መስርሕ መንገዲ ንምጽራግ ካብቲ ዘሰሓሕብ ዝነበረ ኣከራኻሪ ቦታታት ኣቐድምካ ብተቦግሶናን ብወለንታናን ከም ንስሕብ ዘይተገብረ? (5) ግንባራትና ኣብ ሳልሳይ ወራር ፈሪሱ፡ ብሳዕቤኑ ኩሉ'ቲ ዘከራኽር ኣብ ትሕቲ ቊጽጽርና ኣትዩ ዝነበረ ቦታታት ኣብ ኢድ ጸላኢ ምስ ወደቐ፡ ንምንታይ ከም ዝፈሸለ ካብ ጉድልታታካ ንምምሃርን ብሕጂ ከይድገም ንምእራሙን፡ ኣብ ክንዲ ኲሎም ኣባላት ላዕለዎት መሪሕነት (ሰልፍን መንግስትን) ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ብምጽዋዕ ደቀቕ ገምጋምን ዕቱብ ነቐፌታን ዝካየድ፡ ነቶም ንጉድለት ብቕዓት ኣመርሓድራን ኣተኣላልያን መራሕ ሃገር ዝነቐፉ ገዳይምን ምኩራትን ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ምስልባጥ ተመሪጹ? ከምኡ'ውን (6) ንምንታይ እቲ ኲናት ደው ምስ በለ፡ "ከምቲ ናይ 1987  ቃልሲ ኣንጻር ሰልስተ ሓለፋታት" ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዝተኻየደ ጎስጓስ፡ ንስምዓቶም ዘበላሹን ንመርገጾም ዘነውርን ተመሳሳሊ ጎስጓስ፡ ብመንልክዕ ሰሚናራት ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብን ቅጥዕን፡ ንማከላይ ሽማግለ ሰልፊን ሃገራዊ ባይቶን ከይተወከስካን ከየፍቀድካን፡ ስምዒታት ኣጐሃሂሮም ዘሕንኑ ኣጋፈርቲ ብብውፋር፡ ን15 መዓልታት ዝኣክል ንእተስመዖም ማእከሎትን ታሕተዎትን ሓለፍቲን ጥራይ መሚኻ ብምጽዋዕ፡ ኣብ እምባትካላ ዝምልከቶም ወገናት ዘይተሳተፍዎ  ዘይሕጋዊ ሰሚናት ተኻይዱ? ዝብሉ ይርከብዎም።

ኣብ ኲናት ክትደፍእ ክትድፋእ ንቡር ኢዩ።  እንተዀነ፡ ካብቲ ኣብ እዋን ሳልሳይ ወራር ሰፊኑ ዝነበረ መሪሕነታዊ ቅልውላው ክግምገም ከም ዝከኣል፡ ብዘይጥርጥር ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ምጉጅጃል ምፍጣሩ ከምኡ'ውን  ብወገን መራሕ ሃገር (ኢሳያስ) ነቲ ናይ ዶብ ኲናት ኣብ ምምራሕ ኰነ ነቲ ናይ ሰላም መስርሕ ኣብ ምእላይ፡ ርኡይ ዝዀነ ድኽመታትን ጉድለታትን ምንባሩ፡ ጸላኢ ንግንባራትና ኣፍሪሱ ንከግድዓና ዓቢ ዕድልን ዲልን ሂብዎ ኢዩ። ካብዚ ብዘይፍለ፡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ  ፈጺምና ዘይተጸበናዮ ኣዝዩ ከቢድ ክሳራታት ንክንስከም ከምኡ'ውን ዘየድሊ ክውገድ ዝከእል ዝነበረ ከቢድ መስዋእቲ (ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንናይ ሰላሳ ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ዝመዓራረ ልዕሊ 60 ሽሕ ስዉኣት) ክንከፍል ጠንቂ ከይኑና ኢዩ። ብሓላፍነት ናይዚ ክሳራታት'ዚ፡ እቲ መጀመሪያ ክሕተት ዘሎዎ ሓላፊ ባዕሉ ኢሳያስ'ኳ እንተዀነ፡ ንዘሎዎ መዝነት ብዘይ ግቡእ ኣገባብ ተጠቒሙ ነቶም ንደሞክራሲ ዝድግፉ ዝነበሩ ተቓወምቲ፡ ብተንበርካኽነትን ብክሕደትን ብወገንነትን ብምኽሳስ ስለ ዝተሰልበጦም፡ ብሓላፍነት ናይቲ ዘጋጠመ ፍሽለትን ኣበሳን ተሓተትቲ ኰይኖም ናይ መስዋእቲ ገንሽል ዝዀኑ፡ ንሱ ዘይኰነ ንሳቶም ኢዮም። እዚ፡ ብሓቂ ኣዝዩ ዘሕዝን ታሪኻዊ ፍጻመ ኢዩ። ዘተክዝ ተዋስኦ ከይትብሎ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዝተፈጸመ ጋህዲ ስለ ዝዀነ፡ ሓዘኑ  ከም ሓዘን ግዳያት ሲናይ ሓንሳእ ኣብ ውሽጢ ነብስኻ  ምስ ኣተወ፡ ምውጻእ ኣብዩ ክሓቕየካ ዝነብር ኢዩ።  ብዝዀነ፡ እቲ ኣብ መንጎ ጉጅለ ኢሳይስን ተቐወምቲ ጉጅለ-15ን ዝነበረ ምስሕሓብ ከመይ ኢሉ ተባሊሑ ናብ ሞቚሕ ከም ዘብጽሖም መብዛሕቱኡ ዜጋ ስለ ዘይፈልጦ፡ እስከ ቀጺልና ነዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ታሪኻዊ ፍጻመ'ዚ፡ ብዕምቆት ንክንርድኦ ቅርብ ኢልና ንትርኢታቱ ንመልከቶ።

እቲ ኣብ መንጎ ጉጅለ-ኢስያስን ጉጅለ-15ን ምጕጅጃል ንክፍጠር ጠንቂ ዝዀነ ቀንዲ ጕዳይ፡ ምስቲ ላዕለዎት መራሕቲ ኣብ ጕዳይ ኲናትን ሰላምን ዝወስድዎ መርገጺ ተቛሪኑ ይቕረብ ድኣ'ምበር፡ ቀንዱ ጠንቁ ንሱ ኣይኰነን። ቀንዲ ጠንቁ፡ እቲ ኢሳይስ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ንምምስራት ነቲ መስርሕ ደሞክራሲ ንምትዕንቓፍ ዝወስዶ ዝነበረ ዓንቃጺ ስጉምታት ኢዩ። እዚ ሓቂ'ዚ፡ ክከሓደ ዘይከኣል ሓቂ ስለ ዝዀነ ንነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዜጋን ኤርትራዊት ዜጋን ዋሕ ኢሉ ክበርሃሉ ኣሎዎ።እቶም ተቓወምቲ ላዕለዎት መራሕቲ፡ ኣብ መጀመሪያ 90ታት ዕላማ ኢሳያስ እንታይ ምዃኑ'ኳ ብንጹር እንተ ዘይበርሃሎም፡ ነንዝተቓወምዎ ካብ ስልጣኖም ብምውራድ ከደስክሎም ምስ ጀመረ፡ ከምኡ'ውን ምዱብ ኣኼባታት ማእከላይ ሽማግለን ሃገራዊ ባይቶን (ናይ ሰልፍን መግንግስትን) ብዝተፈላለየ ዘየዕግብን ዘይብቑዕን ምስምሳት እናመሓላለፈን እናመጠጠን ኣብ ዕለቱ ምጽዋዕን ምክያድን ምስ ኣበየ፡ ኣንፈት ኣከያይዳኡ ናብ ምምስራት ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት የምርሕ ከም ዘሎ እናሓደረ ኲልዕ'ዩ ተኸሲትሎም። እዞም ዝተረቝሑ ተቓወምቲ ኣባላት መራሕነት፡ ኢሳያስ ምዱብ ኣኼባታት ኣብ ዕለቱ ዘይጽዋሉ ዝነበረ ምኽንያት ብሓቂ ምጥዓም ይስእኖ ስለ ዝነበረ ዘይኰነ፡ እንታይ ድኣ ኰነ ኢሉ ንመስርሕ ደሞክራሲ ንምጕንዳብ ምዃኑ ምስ ተገንዘብዎ፡ ደጋጊሞም ምዱብ ኣኼባታት ኣብ ዕለቱ ክግበር ይጠልቡ ኔሮም። ብመሰረት ቅዋም መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ሽድሽተ ወርሒ፡ ማእከላይ ሽማግለ ኣብ ኣርባዕተ ወርሒ፡ ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ኣብ ክልተ ወርሒ፡  ከምኡ'ውን ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ወርሒ ሓንሳኣ ክእከብ ይግባእ። ካብ 1994- 2001 ንኣብነት፡ ፈጻሚ ሽማግለ  94 ሻዕ ክእከብ ዝግብኦ 11 ሻዕ ጥራይ'ዩ ተኣከቡ። በዚ ጭብጢ'ዚ መሰረት፡ 73 ክካየድ ዝነበሮ ኣኼባታት( 86.9 ካብ ሚእቲ) ኣይተኻየደን። ኣብቲ ምስ ወያነ ዉዕዉዕ ናይ ዶብ ኲናት ዝተኻየደሉ ክልተ ዓመታት ማለት ካብ 1998-2000፡ እቲ ሽዑ ተፈጢሩ ዝነበረ ወተሃደራዊ ኩነታት ንድሕነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን እምብዛ ኣስጋእን'ኳ እንተበረ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክልተ ሳዕ (ንሱ'ውን ክልቲኡ ኣብ 2000) ጥራይ'ዩ ተኣኪቡ። ነቲ ሽዑ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዝነበረ፡ ጹንኩርን ተኣፋፍን ወተሃደራዊ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ይትረፍ ምዱብ ኣኼባታት፡ ከም ኣድላይነቱ ተወሳኺ ህጹጽ ኣኼባታት እውን ክጽዋዕን ከካየድን ምተገብአ። ኢሳይድ ግን ስለ ዝኸነበ ኣይተገብረን። እዚ ድማ፡ ብዘይጥርጥር ፈጻሚ ሽማግለ ከምቲ ተቓወምቲ ኣባላት መሪሕነት ዝሓበርዎ፡  ወርዓዊ  ስራሓቱ ንምስላጥ ኣብ ዕለቱ ይእከብን ግቡኣቱ ይፍጽምን ከም ዘይነበረ'ዩ ኲልዕ ኣቢሉ ዘረድእ።

ብደርጃ መንግስቲ ይኹን ሰልፊ፡ ምዱብ ኣኼባታት ማእከላይ ሽማግለን ሃገራዊ ባይቶን ኣብ ዕለቱ ዘይጽዋዕን ዘይከብን  ብምንባሩ፡ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ኣብ 31 ነሓሰ 2000 ዝተኻየደ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ከም'ውን ኣብ መስከረም 12 ናይቲ ዓመት'ቲ ዝተኻየደ ምዱብ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶን ዝተላዕለን ብዙሕ ዘነሃሃረን ጉዳያት'ዩ ኔሩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ነቲ ኢሳያስ  ምዱብ ኣኼባታት ኣብ ዕለቱ ዘይጽዋዓሉን ዘየካይደሉን ዝነበረ ኩነታት ንምምኽናይ ንዘቕረበሎም ምስምሳት፡ "ኣኼባ ንምጽዋዕን ንምክያድን ዝኽልክሉ ብቑዓት ምኽንያታት ኣይኰኑን" ብምባል ምስ ነጸግዎ፡ ተቖጢዑ "ኣቦ-መንበር ኣነ እየ፣ ኣኼባ ክጽውዕ ኣይጠዓመንን እብለኩም ኣሎኹ፣ ድሕሪ  ሕጂ  ክትፈልጡ፡  ኣኼባ  ክጽውዕ  ዋላ'ውን  እንተ  ጠዓመኒ፡  ክጽውዕ  እንተ  ዘይደልየ፡  ኣይክጽውዕን  እየ!!!" ብምባል፡ ብድሕሪኡ  ኣኼባ ክጽውዕ ከም ዘይኰነ ኣዳዕዲዑ ብብድዐ ኣይፍሊጥዎም። ከም ፈኸርኡ ኸኣ፡ ክሳብ ኣብ ልዕሊኦም (ኣብዚ ኣኼባ'ዚ ብትሪ ከይነሓፉ ዝነቐፍዎን ዝተቓወምዎን ብጾቱ ማለት (ጉጅለ-15)) ናይ መቕጻዕቲ ስጉምቲ ወሲዱ ዘሕቅቖም፡ ዘይወጽእ ኒሕን ህልኽን ሒዝዎ ፈጺሙ ኣኼባ ዝበሃል ኣይጸወዐን።  እቲ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ዝተላዕለ ዓበይቲ ጉዳያት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ጕጅለታት ክባላሕ ዝጸንሐ ግርጭት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ስለ ዘበጽሖ፡ ጕጅለ- 15 በቲ ዝነበሮም ውሱን ዓቕሚ ነዚ ግርጭት'ዚ ንምፍታሕ ክውስድዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ስጉምቲ ንመስርሕ ምስግጋር ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ከም ዝቀላጠፍ ምግባር ክኸውን እንከሎዉ፡ ንሱ (ኢሳያስ) ግን እዚ ናታቶም ዕላማ ነቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ንምትካል ካብ ነዊሕ እውን ኣድብዩ ብሰላሕታ ዝጽዕረሉ ዝነበረ ትልሚ ዘበርዕን ስለ ዝዀነ፡ ንዕላምኡ ዕንቅፋት ኰይኖም ከይዓንቀጽዎ እንከሎው ብቶሉ ኣመኻንዩ ከጥፍኦም ዘኽእሎ መንገዲ ሃሰው ኣብ ምባል ዘድሃበ'ዩ ኔሩ።

· ብሳልሳይ ደረጃ ክጥቀስ ዝከኣል፡ እቲ ኢሳያስ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ተጠቒሙ ንዝነቐፍዎ ላዕለዎት ይኹኑ ታሕተዎት መራሕቲ ካብ ስልጣኖም ንምውራድ ዝወስዶ ዝነበረ ኣዛዪ ናይ ምድስካል ስጉምቲ፡ ከምኡ'ውን እቲ ካብዚ ብዘይፍለ ቅጥዒ ንመንግስታዊ ምምሕድራዊ ትካላት ኢዱ ኣናመለሰ ብምምህማን፡ መንግስታዊ ስልጣን ንምብሓትን ምግባትን ዘሕልፎ ዝነበረ ዊንታዊ ውሳነታትን ኢዩ።ሓደ ነዚ ዘብርህ ኣብነት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ጠዓመ በየነ (ኣቦ- መንበር ላዕለዋይ ቤት- ፍርዲ ዝነበረ)፡ ብኢሳያስ ዝተወስደ ዘፍትሓውን ዘይሕጋውን ናይ ምድስካልን ምሽዓርን (ካብ ስልጣንካ ምውራድ) ስጉምቲ ኢዩ። ኣብቲ ኣብ ግንቦት 2001 ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ጉባኤ መጽናቲ ኤርትራ፡ ኣቶ ጠዓመ ኣብቲ ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣመዓባብላን ህሉው ደርጃን ቤት-ፍርዲ ኤርትራ ዘቕረቦ መጽናዕቲ፡ "ፍርዳዊ ኣካል መንግስቲ ካብ መንግስታዊ ተጽዕኖን ጣልቃን ዓመጽን ናጻ እንተዘይኰኑ፡ ካብ ሕዝቢ ዝተሰከሞ ሓላፍነት ብግቡእ ክፍጽም ኣይክእልን ኢዩ" ብምባል ክገልጽ እንከሎ፡ ኢሳያስ ፍርዳዊ ኣካል መንግስቲ ናጻ ክኽውን እንተዀይኑ ክዕንቅጾን ከቆናጽቦን ከምኡ'ውን ካብ ስልጣኑ ወጻኢ ካልእ ዘይሕጋዊ ፍርዳዊ ኣካል -- ፍሉይ ቤት-ፍርዲ -- ከቕውምን ክጎስዮን የብሉን" ብምባል፡ ብትብዓትን ብጋህድን ምስ ነቐፎ፡ ንጽባሒቱ ብተለፎን ካብ ስልጣኑ ከም ዝተሻዕረ (ዝወረደን ዝተሰናበትን) ከምኡ'ውን ከም ዝደስከለ ተንጊርዎ። ፍሉይ ቤት-ፍርዲ፡ ኢሳያስ ካብ ላዕሎዎት ሓለፍቲ ሰራዊት (ነቶም ሰጊድ-ሰላም ዝብልሉ ምእዙዛት ሰዓብቱን እሙናት ደገፍቱን) መምዪ ዘቖሞ ዘይሕጋዊ ወተሃደራዊ ቤት-ፍርዲ ኢዩ። እዚ ዘይሕጋዊ 'ፍሉይ ቤት-ፍርዲ" ዝተሰምየ ኣካል ካብ ምምሕዳር ቤት-ፍርዲ ኤርትራ ወጻኢ ኰይኑ ብእትእዛዝ ኢሳይስ ዝቖመ፡ ኣመት ሕጋዊ ፍልጠት ኰነ ክእለት ዘይብሎም ሓለፍቲ ሰራዊት፡ ፈራዶ ኰይኖም፡ ብዘይ ሕጊ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ንውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኣስጋእቲ ተባሂሎም ንዝተኸሰሱ ተራን ሓለፍትን ብሕቡእን ብዘይሕግን ዝፈርድሉ ዘይሕጋዊ ድሕሪ ናጽነት ዝቖመ ኣካል ኢዩ። ብዘይካ'ዚ ኣካል'ዚ፡ ኢሳያስ ኣንጻሩ ምንቅስቓስ ንኸይለዓል ስለያዊ ስራሓት ዘካይድ ብትእዛዙ ዘቖሞ ምምሕዳር ቤት-ፍርዲ ኤርትራ ኰነ ምምሕዳር ጸጥታ ኤርትራ ዘይትቆጻጸሮ  ፍሉይ ናይ ስለላ ትካል እውን ኣሎዎ። ዕማም ናይዚ ትካል'ዚ፡ ንዝተጠርጠሩ ዜጋታት ብሃንደበት ኣድቢኻ  ጸኒሕካ ብምእሳር፡ ኣብዚ ኣትዮም ከይተባህሉ ከም ዝሽረቡ ምግባር ኢዩ። ሓደ ካብቲ ዘስደምም ቤት-ማሕቡስ፡ እቲ ቤት-ሕድሪ ዝበሃል ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ኢዩ። ቤት-ሕደሪ ከም ተደራቢ ቤት -ማእሰርቲ ዝቖመ ክሳብ እቶም ናብቲ ኣብ ኲሉ ዞባታት ፋሕ ኢዩ ብምስጢር ዝቖመ ዘስካሕክሕ ኣብያተ-ማሕቡስ (ካብቲ ናይ እዋን ደርግ "ደሓን ኩኒ ዓለም" ማለት "ኣለም በቃኝ" ዝበሃል ዝነበረ ቤት-ማእሰርቲ እንተዘይገዲዱ ዘይፍለ)፡ ንሕልፈቶም ክእሰሩ ዝተፈርዱ ሕዩራት፡ ናብኡ ቅድሚ ምስዳዶም ንግዜኡ እትዳጕነሉ መጻንሒ ኰይኑ ንኸገልግል ኢዩ።  ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተኣስሩ ዜጋታት በደል ይህልዎም ኣይሃልዎም፡ ኣበይ ከም ዝተኣስሩ፡ ንምንታይ ከም ዝተኣስሩ ኣይንገርን'ዩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ሕጊ ከይቀረቡን በደሎምን ከይተንግሮምን'ዮም ንሕልፈቶም ዝሕበሱን ንሞት ዝፍረዱን። ምኽነያቱ፡ ብኣረኣእያ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዝዀነ እዋን ብማንም ክገሃስ ዘይብሉ ባህረያዊ መሰል ደቂ-ሰብ ዘይኰነ፡ እንታይ ድኣ መንግስቲ ቃሕ ክብሎ እንከሎ ዝውፍዮ ቃሕ እንተዘይበሎ ግን ዝነፍጎ ሓለፋ ኢዩ።

ሓደ ካብቲ ኢሳያስ ንሰለስቲኡ መንግስታዊ ትካላት ንምምህማን ዝተጠቕመሉ ስልቲ፡ ብማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ፕረዝደንት ከም ዝምእከሉ ምግባር ኢዩ። ብሕጊ  ቅዋም መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ መሰረት፡  ፈጻምን ሓጋግን ፈራድን ኣካላት መንግስቲ ካብ ቊጽጽር መራሕ ሃገር ናጽ ዝዀነ  ህላወን ምሉእ ስልጣንን ክህልወን ይግባእ። እንተዀነ፡  ኢሳያስ ኢዱ ብምምላስ ስለ ዘዳኸመን ናብ ኣገልገልትን መሳርሕን ውልቃዊ ረብሓኡ ኢየን ተቐይረን። እቲ "ንሓቂ ነገልግል" (serving the truth) ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዝሰርሕ ናይ ኤርትራ ኣገልግሎት ዜና (ሓዳስ ኤርትራ፣ድምጺ ሓፋሽ፣ከምኡ'ውን ቲቪ ኤረ) እውን እንተዀነ፡ ክንዲ ከም ጭርሖኡ ንሓቂ ዘገልግል ናብ ንሓቂ ንምሽፋን ዘገልግል ልሳን መንግስቲ ተለዊጡ ፡ ካብቲ ኣብ እዋን ደርግ ኣብ ሃገርና ዝነበረ ናይ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ናይ ዜና ኣገልግሎት ብዘይፍለ፡ ተርኡ መንግስቲ ንዝበሎ ቃል ኣብ ምድጋምን ምቅላሕን ተወሲኑ ንሓቂ ጐስዩን ከዊሉን ንህዝቢ ኣብ ምድንቋርን ምትላልን ዓቢ እጃም ይጻወት ኣሎ።  ንማለቱ ናጻ ዝበሃላ ብኣባላት ካቢነ ሚንስተራት ዝመሓደራ ዝተፈላለያ ሚንስትርታት እኳ እንተሃለዋ፡ ነዘን ሚንስትርታት ዝቆጻጸራ ዝዓበየ ስልጣን ዘሎወን ተደረብቲ ስለስተ ፍሉያት ትካላት (ናይ ፖለቲካን ናይ ቊጠባን ናይ ዲፕሎማስን)  ኣብ ትሕቲ ጽላል ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ፕረዝደንት ኣሎዋ። እቲ ካብ ኲሉ ኣካላት መንግስቲ ንላዕሊ ዝሓየለን ብዝያዳ ኣገዳስን ዝዀነ ኣካል መንግስቲ ማለት እቲ ሰራዊት እውን ከይተረፈ (ናይ ጸጥታን ስለያን ሓይልታት ምክልኻል ዘጠቓልል)፡ ክንዲ ናጻ ኰይኑ ኣብ ትሕቲ ሚልስትሪ ምክልኻል ዝመሓደር፡ ብቕጥታ ብኢሳያስ'ዩ ዝመሓደር።  እቲ ቊጠባ ናይቲ ሃገር እውን ከምኡ፡ በተን ግብርን ቀረጽን ዘይከፍላ መንግስታዊ ትካላት ዝተዕብለለ ኢዩ። ዓበይቲ ቊጠባዊ ውጥናት ናይተን መንግስታዊ ትካላት፡ ብምልኡ ብግዱድ ዘይተኸፍለ ጉልበት መንእሰያት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት'ዩ ዝሳለጥ። ብተወሳኺ፡ ዕዳጋ ፍትሓውን ናጻን ኣብ ርእሲ ዘይምዃኑ፡ ብሕታዊ ትካላት በተን ዓብለቲ መንግስታዊ ትካላት ተደቚሱ ስለ ዝሰርሕ ኣዝዩ ድኹምን ንኡስን ኢዩ። እዚ ከይኣክል፡ መንግስቲ ይኹን እተን ቊጠባዊ ትካላቱ ብዘይ ሃገራዊ ባጄትን ቊጽጽርን ተሓታትነትን ቀይድን ግሉጽነትን ስለ ዝሰርሑ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት መንግስትን ኣብላት እተን ትካላቱን ብልሽውናን ብዝረትን ከምኡ'ውን ቅጥፈትን ብኽነትን ግኑን ኢዩ። ካብዚ ክዝርዘር ዝጸንሐ ሓቅታት ክግምገም ከም ዝከኣል፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይጥርጥር፡ ኢሳያስ ከም  ናይ ብሕቲ ንብረቱን ርስቱን፡  ገባርን ሓዳግን ኰይኑ  ዝውንኖን ከም ድላዩ ብዊንታኡ ዝዝውሮን ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ኢዩ።

ሽሕ'ኳ፡ ትሕዝቶ ናይቲ ኣብ መንጎ ጉጅለ-ኢሳይስን ጉጅለ-15ን ዝነበረ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተነጸረ እንተዀነ፡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ብዕሊ ኣንጻር ጉጅለ-15 ዘቕረቦ ክስታትን ነቲ ጉጅለ-15 ብወገኖም ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ብጽሑፍ መልክዕ ዘቕረብዎ መልሰ-ግብርን ከምኡ'ውን ነቲ ክልቲኦም ተጻረርቲ ወገናት ሸቶታቶም ንምውቃዕ ዝተጠቕምሉ ኣገባብ ቃልስን ስልትን ከይገለጽካን ከይተንተንካን፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም  ዝነበረ ውዕዉዕ ግርጭትን ሕልኽላኻቱን ብግቡእ ንምርድኡ ዝከኣል ኣይኰነን። ስለዚ፡ ቀጺልና እስከ፥ (1) እቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር ጕጅለ-15 ዘቕረቦ ክስታት እንታይ ኢዩ?  (2)  እቲ ጉጅለ-15 ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ብወገኖም ዘቕርቦዎ ዝነበሩ ነቐፌታት እንታይ ኢዩ?  (3)  እቲ ጉጅለ-15 ነቲ መስርሕ ምስግጋር ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ንምቅልጣፍ ዝተኸተሎ ኣገባብ ቃልስን ስልትን እንታይ ኢዩ?  ከምኡ'ውን (4) እቲ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ መስርሕ ምስግጋር ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንስቲ ንምዕንቃፍን ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ንዓኣቶም ንምጽናትን ዝተኸተሎ ኣገባብ ቃልስን ስልትከ እንታይ ኢዩ? ዝብሉ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ሕቶታት ብምልዓል ሓደብሓደ ንመልከቶም።

እቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር ጕጅለ-15 ዘቕረቦ ክስታት፡ ኣብ ሓሙሽተ  ነሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩ ነጥብታት ዝተመርኰሰ ኢዩ። ንሳቶም ድማ፥ (1)  ኣብ ፈታኒ ኩነታት ናይ ተንበርካኽነት መንፈስ ምርኣይ፣(2) ተራ ሓምሻይ መስርዕ ሒዝካ ክሕደት ምፍጻም፣(3) ዘይእዋናዊ ጉዳያት ብምልዓል ኣንጻር መንግስቲ ህዝባዊ ናዕቢ ንምልዕዓል ምጕስጓስ፣ (4) ብወገናዊ ዝንባለታት ንማሕበራዊ ጉጅለታት ኣረሳሲንካን ኣታሊልካን ኣንጻር መንግስቲ ብምልዕዓል ኣብ ጎንኻ ምስላፍ፣ ከምኡ'ውን (5) ኣብ ክንዲ ብሕጋዊ ኣገባብ ተጠቒምካ ተቓዎሞኻ ተቕርብ፡ መንግስታዊ ምምሕዳራዊ ሰንሰለት ብምጥሓስ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ምጥቃም ዝብሉ ኢዮም። እቲ ኣብ ፈታኒ ኩነታት ናይ ተንበርካኽነት መንፈስ ምርኣይ ዝብል ክሲ፡ ብቐጥታ ምስቲ ኣብ ሳልሳይ ወራር ወያነ ዝተፈጠረ ዘስግእ ኣሉታዊ ወተሃደራዊ ምዕባለ ዝተኣሳሰረ ኢዩ። ጸላኢ ኣብ ሳልሳይ ወራር፡ ብተኸታታሊ ሰብኣዊ ማዕበልን ከይተሸፈነ ብዝጸንሐ ሃጓፍ ቦታን ሞሊቑ ንዕርድታት ግንባር ባድመ ምስ ኣፍረሶ፡ ብቐጥታ ናብ ከተማ ባርንቱ ብምግስጋስ፡ ንዝተወሰነ እዋን ተቖጻጺሩዋ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኢዩ። ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ናይ ምክልኻል ሓይልታትና ካብቲ ክትከላኸለሉ ዘይጥዕም ጎላጉል ባርካ ስሒበን ንጸላኢ ኣብ ዝጥመን ቦታታት ብኣድማዕነት ንምጥቃዕ፡ ዳግመ-ውዳበ ጌረን ኣብ ጎቦታት ከበሳ ሓድሽ ዕርድታት ብምህናጽ ንጸላኢ ብጅግንነት ገጢመን ንግስጋሰኡ ዓጊተን ህንዳደኡ ዘፍ ከም ዝብል ብምግባር፡ ንኣስመራ ንምሓዝ ንዝነበሮ መደብ ኣፍሸለንኦ እየን። ጀጋኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ክሳብ ዳግመ-ውዳበ ጌረንን ሓድሽ ዕርድታት ኣብ ከበሳ ሃኒጸንን ንግስጋሰ ጸላኢ ዝዓግትኦ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ እዋን'ቲ ንህዝቢ ነቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ዝገልጽ ዝኣክል ሓበሬታ ይህብ ስለ ዘይነበረ፡ ኣብ መንጎ ህዝብን ነቲ ኩነታት ብቐረባ ይከታተልዎ ዘይነበሩ ኣባላት መንግስትን ሰራዊትን (ሰበ-ስልጣንን ሓለፍትን)፡ ዘይከሓድ ሻቕላን ስግኣትን ተርባጽን ሰፊኑ ኔሩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይርጉእ ኩነታት፡ እቶም መብዛሕትኦም ደስኪሎም ዝነበሩ ኣባላት ላዕለዎት መረሕነት ብተበግሶኦም ኣብቲ ኲናት እጃሞም ከበርክቱ'ኳ እንተሓተቱን፡ ገሊኦም እውን ብወለንትኦም ናብቲ ቅድመ -ግንባር እንተምርሑን፡ ኣብቲ ፈታኒ እዋን'ቲ ነዞም ዝደስከሉ መራሕቲ "ክንዲ ኣርኣያ ኰንኩም ትመርሑ ናይ ተንበርካኽነት መንፈስ ብምርኣይ፡ ንናይ ጸላኢ ኣጂንዳ ዝሕግዝ መርገጽ ሒዝኩም" ዝብል ክሲ'ዩ ቀሪብዎም። ንሱ ኸኣ፡ "ወያነ ንግንባር ባድመ ኣፍሪሱ፡ ኣስመራ ንኽሕዝ ተሃንዲዱ ንቕድሚት ምስ መረሸ፡ ንግስጋሰሱኡ ክንዓግቶ ዓቕሚ የብልናን ኢልኩም ብምርዓድ፡ ነቲ ወያነ  ኣብቲ እዋን'ቲ "ኢሳያስ ካብ ስልጣኑ እንተዘይወሪዱ ግስጋሰና ክንቅጽሎ ኢና ብምባል ንዘቕረቦ ቅድመ-ኩነት ክንዲ ትነጽግዎ ደጊፍክሞ"፣ ካብዚ ሓሊፍኩም እውን ተራ ሓምሻይ መስርዕ ብምጽዋት፡ " ወያነ በዚ ኣመራርሻኡ ንመላእ ኤርትራ ወሪሩ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቊጽጽሩ ከእትዋ ተኽእሎ ስለ ዘሎ፡ እዚ ተኽእሎ'ዚ ናብ ክውንነት እንተድኣ ተለዊጡ ሓይልታቱ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዓቢ ህልቀት ክፍጽሙ ይኽእሉ ኢዩም። ስለዚ፡ ነዚ ተኽእሎ'ዚ ብኣግኡ ከም ዝፈሽል ንምግባር፡ ብኣማላድነት መንግቲ ኢጣልያን ኣመሪካን ንቅድመ-ኩነት ወያን ንምምላእ ኢሳያስ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወርድ ተጌሩ፡ ሃገር ናብ ሕቡራት ሃገራት ብምርካብ ግስጋሰ ወያነ ናብ ኣስመራ ከም ዝዕገት ይገበር ኢልኩም" እዚ  ኸኣ ብዘየማትእ ብሃገራዊ ክሕደት ዘኽስስ ገበን'ዩ ዝብል ክሲ ኢዩ።

ቅድሚ ናብተን ዝተረፋ ሰልስተ ክስታት ምስጋርና፡  ካብ ባዕላዊ ስምዒታት ሓራ ኰና ነተን ቀዳመይንትን ካልአይትን ክስታት ቅርብ ኢልና ምስ እንምርምረን፡ ማይ ዘየዕቊራ ናይ ፈጠራ ክስታት ምዃነን ንምግንዛበን ዘጸግማ ኣይኰናን። እቶም ብኽድዓት ዝተኸሱ ኣባላት ጕጀለ -15 ምስ ወያነ ኰነ ምስ ካልእ ናይ ወጻኢ ሓይሊ (ንኣብነት፡ መንግስቲ ኢጣልያ ወይ ኣመሪካ)፡ ዝዀነ ግሁድ ይኹን ቅሉዕ ርክባት ኣብ ርእሲ ዘይምንባሮም፡ መብዛሕትኦም ካብ ስልጣኖም ወሪዶምን ደስኪሎምን ስለ ዝነበሩ፡ ዝዀነ ከድምዕ ዝኽእል ስልጣን ይኹን መዝነት ኣይነበሮምን። ብርግጽ፡ እቲ ናይ ዶብ ኲናት ብሰላም ክፍታሕ ኣሎዎ ዝብል መርግጽ ኔርዎም፤ ከምኡ'ውን ነቲ ኣብ ኣመራረሓን ኣተኣላልያን ብሸነኽ ኢሳይስ ይርአ ንዝነበረ ጉድለታትን ድኽመታትን ይነቕፍዎን ይቃወምዎን ኔሮም። ሓደ ካብቶም መራሕቲ ጉጀለ-15 (ሃይለ ወልደትንአ(ድሩዕ)) ንኣብነት፡ ኣብቲ ቅድሚ ምእሳሩ ምስ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ፡ ንኩነታት ናይ ዶብ  ኲናት  ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስቲ  ናይ ግብጽን እስራኤልን ናይ 1967 ኲናት ብምንጽጻር፡ ኣብቲ እዋን'ቲ ናይ ግብጺ መራሒ ዝነበረ ጀማል ዓብድናሰር፡ በቲ ኣብ ኣመራርሓን ኣተኣላልያን ናይቲ ኲናት ዘርኣዮ ገድለትን ድኽመትን ግብጺ ዓቢ ስዕረት ስለ ዘጋጠማ፡ ህዝቢ ምስሪ (ግብጺ) እንተድኣ ድምጺ ሂቡ መብዛሕትኡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጠሊብዎ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ድሉው ምዃኑ'ዩ ገሊጹ። እዚ ኸኣ፡ መራሒ ኣብ ጽንኩር ንድሕነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኲናት፡ ዓበይቲ ናይ ኣመራርሓን ኣተኣላልያን ጉድለታትን ድኽመታትን እንተድኣ ኣርኢዩ፡ ክሳብ ካብ ስልጣኑ ንኽወረድ ክሕተት ከም ዝኽእል ዘረድእ ታረኻዊ ኣብነት'ዩ" ብምባል  ርእይቶኡ ሂቡ ኔሩ። ነዚ ድሩዕ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብቲ ምስ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ነሓሰ 8  2001 ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ( ኣብ ቊጽሪ 211  ዝወጸ)፡    ከም ናይ ክሕደት መረዳእታ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጕጅሊ-15 ብሃገራዊ ክሕደት ዘኽስስ ክድዓት ስለ ዝፈጸሙ፡ ናይ መቕጻዕቲ ስጉምቲ ክውስድ ምዃኑ ንምግላጽ ዝገበሮ ቃል-መጠይቕ  ከም መርትዖ'ዩ  ኣቕሪብዎ። ነዚ ነጥብ'ዚ ብዝምልከት፡ ጉጅለ-15 ኣብቲ ኣብ ጋዜጣ መቓልሕ  ዘውጽእዎ "ኣብ ክንዲ  ምጽላም ብጭብጢ ምጭብባጥ" ኣብ ትሕቲ  ዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ መልሰ-ቃል (ኣብ asmarino.com ብዕለት 8/12/2001 ቅዳሑ ዝወጸ) ከምዚ ይብሉ፦

ኣብ ስላሳይ ወራር ብፍላይ ድማ ምስ ምዝላቕ ካብ ባረንቱን ሃንደበትነቱን፡ ናይቲ ኲናት ተኽእሎ ኣመዓባብላ ዝተፈላለየ ሲናርዮታትን ክውሰድ ናይ ዝሓይሽ ዝበሃል ዝተፈላለየ ስጉምታታን ኣማራጺታታን፡ ዘይተንተነን ዘይዳህሰሰን ሰብ ኔሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ዝበዝሕ ህዝቢ ኣብ ድሮ ሳልሳይ ወራር ጥይት ቶግ እንተይላ ተኣምር ከነርእየን ኢና ዝብል ግምታት ከም ዘሕደር ተጌሩ ስለ ዝነበረ፡ ቅድሚ ምዝላቕ ካብ ባረንቱ'ኳ በተን ቀዳሞት መዓልታት ቅር ኢልዎ ዝነበረ፡ ምዝላቕ ካብ ባረንቱ ምስ መጸ ግን ኣዝዩ ኣቖጢዕዎን ኣመራርሓ ኲናትና ኣብ  ግምት ከእቱ ኣገዲድዎ ኔሩ። ነቲ ኲናት ፕረሲደንት ባዕሉ ይመርሖ ስለ ዝነበረ'ውን ብዛዕብኡ ብዙሕ ክዝረብ ባህርያዊ ኢዩ። ይትረፍ ርእይቶ ምቕራብ፡ ምስ ምዝላቕ ካብ ባረንቱ፡ ደሓር ከይተተግበረ ስለ ዝተረፈ ዓቢ ክሳራ ዘድሓነ ሓደገኛ ውሳነስ ኔሩ እንድዩ?

ፕረሲደንት ብማእከላይን ሃገራውን ባይቶታት ከም እተመርጸ መጠን፡ ኣብ ግዜ ሰላም ኰነ ኣብ ናይ ውግእ ኩነታት፡ ዝምልከቶም ባይቶታት ኣድላዪ ኰይኑ እንተ ረኺቦሞ፡ ካብ ስልጣን ከውርድዎን ክቕይርዎን ይኽእሉ ኢዮም። ዝዀነ ኣባል ባይቶ ከኣ፡ ፕረሲደንት ካብ ስልጣን ክወርድ ኣሎዎ ዝብል ርእይቶ  ክህሎዎን፡ ናይ ክልተ ሲሶ ኣባላት ባይቶ ድምጺ እንተ ረኺቡን ክትግበር ዝኽእል ኢዩ።

ከምቲ ጉጀለ-15 ብልክዕ ዝገለጽዎ፡ "ኣብ ወተሃደራዊ ኩነታት ዓወት ኩሉ'ዩ ዋናኣ፣ መኻልፍ ግን ዝስከማ ዋና'ዩ ዝድለየላ፣ እቲ ርኸባ ዝበሎ ተረካብ ከኣ ይዓድያ!"  በዚ መሰረት'ዚ፡ ነቲ መንግስቲ  ኣንጻር "ጉጅለ-15 ኣብ እዋን ስልሳይ ወራይ ወያነ ናይ ተንበርክኽነት መንፈስ  ኣርኢኹም ብምባል ዘቕረበሎም ክሲ ምስ እንመዝኖ፡ መሰረት ዘይብሉ ዘይእመን ክሲ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብተሓታትነት ፍሽለት ሳይሳይ ወራይ ንምስልባጦም ዝተኣልመ ምንባሩ ኢና እንግንዘብ። እዚ መሰረት ዘይብሉ ክሲ'ዚ፡ ንናይ ፖለቲካ መሃይምነት ዘሎዎ እንተዘይኰይኑ፡ ንማንም  ፖለቲካዊ ንቕሓት ዘሎዎ ዜጋ ዘየጠብርን ዘየታልልን ጻዕዳ ሓሶት ኢዩ።  ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ተወፍዮም፡ ንናጽነት ሃገሮም ብትብዓት ዝተቓለሱን ብውሕልነት መሪሖም ናብ ዓወት ዘብጽሑን ገዳይም መራሕቲ (ኲሎም ድሕሪ ናጽነት እውን እንተዀነ ኣብ ደርጃ ሓላፍነት ዝነበሩ)፡ መሰረት ዘይብሉ ዘይረብሕ ክሲ ብምቕራብ፡ ብውልቃዊ ረብሓታትን ወገናዊ ዝንባለታትን ክትወቕሶም ከምኡ'ውን ብክሕደት ሃገርን ተንበርካኽነት ክትከሶም ምህቃን፡ ንዘይተቐልዐ ዝነበረ ሓቀኛ መንትካ  ዝቐልዕ  እምበር፡ ፈጺሙ ንዝሓለፈ ታሪኾም ዘበላሹን  ኣብ ሕቶ ደሞክራሲ ንዝወሰድዎ ተባዕ ተርኻዊ መርገጺ  ዘዘንብዕን ኣይኰነን።  ታሪኾም ብምብልሻዉ  ክሓፍርን፡  ንመርገጾም ብምዝንባዑ ክቕላዕን ዝግበኦ ንሳቶም ዘይኰነ፡ ንሱ ( ኢሳያስ ምስ ተበልጽቲ ሰዓብቱ) ኢዩ። መንግስታዊ ስልጣን ብዓመጽ ጎቢጥካ ስለ ዝወነንካ፡ ንሓቂ ትውንና ኢኻ ማለት ኣይኰነን። ሓቂ ብዓመጽ ተጐቢጣ እትውነን ኣይኰነትን። ዋናኣ እቲ ዝተበደለ በዓል ሓቂ፡  ፍትሓዊ ፈራዲኣ  ኸኣ እቲ በዓል ዓቕሊ ታሪኽ ኢዩ። ክንዲ ዝዀነ፡ ውዕሉ ሓድሩ ታረኽ ግልጽልጽ ኣቢሉ ሰብ ሓቂ ንሳቶም ምንባሮም ከርእየና ኢዩ።

መንግስቲ ኤርትራ (ወይ ብልክዕ ጉጅለ-ኢሳያስ)፡ ነቶም ጉጅለ-15 ኣብ ርእሲ'ዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ክልተ ክስታት፡ ብህዝባዊ ምልዕዓልን ወገናዊ ምክፍፋልን ምጥሓስ ሕግን እውን ይኸሶም ኢዩ። ኣብቲ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብነሓሰ 12 ሕታም 211 ዝወጸ ወግዓዊ መግልጺ (ብመልክዕ ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ) መንግስቲ ኤርትራ፡ "ጉጀሊ-15 ይቕረ ዘይበሃሎ ገበናት ፈጺሞም፣ ገበናቶም ኣንጻር ድሕነት ሃገር ዝቐንዐ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣንጻር መንግስትን ህዝብን እውን ዝቐንዐ'ዩ" ብምባል፡ ኣብ ርእሲ ብተንበርካኽነትን ክድዓትን ምኽሳሱ፡ "ምንቅስቓሳቶም ኣንጻር መንግስቲ ህዝባዊ ናዕቢ ንምልዕዓልን ንህዝቢ ብድሑር ወገናዊ ዝንባለታት ንምክፍፋን እውን ዝቐንዐ'ዩ ኔሩ" እብል። ምስዚ ብምትእስሳር፡ "እቲ ዘልዕልዎ ጉዳያት ኩሉ ኣብ ምዱብ ኣኼባታት ሃገራዊ ባይቶ (ንኣብነት፡ ኣብቲ  ናይ መስረርም 12 ፡ 2000) ዝተላዕለን መንግስቲ ኣብ እዋኑ ንኽትግበሮ  ዝመደቦን ጉዳያት ኢዩ፤ ንሳቶም ካብዚ ጉዳያት'ዚ ወጻኢ ዘልዓልዎ ሓድሽ ጉዳይ የለን፤ ምስ መንግስቲ ዝዀነ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ይብሎምን፤ ዘቃውሞምን ዘንቅፈሞን ዝነበረ ውልቃዊ ረብሓታትን ዘየቕሰኖም ስምዒታትን ኢዩ፤ ንሱኸኣ፥  እቲ ኣብ ሳልሳይ ወራይ ወያነ ዘርኣይዎ ናይ ተንበርካኽነት መንፈስን ዝወዓልዎ ሃገራዊ ክሕደትን ኢዩ፤ ኣብ ዝለዓለ መንግስታዊ መዝነት ከም ዘይነበሩን ውሳነታት ኣብ ምሕላፍ ኰነ መደባት ኣብ ምውጻእ ብኣካል  ከም ዘይተሳተፉን፡ ሕጂ ገስገስቲ ተመሲሎም ከም ደገፍቲ ደሞክራሲ ከይኖም ዝቐርቡ ዘሎዉ፡ እቲ ኣብ እዋን ሳልስይ ወራር ወያነ ዝወሰድዎ ጸረ-ሃገርን ጸረ-መንግትን ጸረ-ህዝብን ዝዀነ መርገጺኦም ስለ ዘየቕሰኖም ኢዩ።" ብምባል ተወሳኺ ክስታት እናቕረበ ይዘልፎምን ይዂንኖምን።

ኣልኣሚን፡ ንዘቕረቦ ተወሳኺ ክስታት ብመርትዖታት ንምድጋፍ፡ ንጉዳይ ጕጅለ-13ን ናይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣድማን ናይ ስንኩላን ሰላማዊ ሰልፍን ናይ ዝተጣየሱ ተጋደልቲ ጥርዓንን ብምጥቃስ፡ "እቶም ብድሕሪት ኰይኖም ኣንጻር መንግስቲ ዝቐንዐ ህዝባዊ ናዕቢ ንምልዕዓልን ንህዝቢ ብድሑር ወገናዊ ዝንባለታት ንምክምፋልን ንሳቶም'ዮም ዘበጋገስዎን ዝደፋፈእዎን ዝነበሩ" ብምባል ይስልበጦም።  ቀጺሉ ኣልኣሚን፡  ንዘቕረቦ ክሲ ዘራጕድ ጭብጢ ከም ዝሓዘ፡ ንኣብነት  " እቶም ጕጅለ-13 ዘቕረብዎ ጠላባትን እቶም ጕጅለ-15 ዘቕረብዎ ጠላባትን ሓደ ዓይነት ክኸውን ዝኸኣለ፡ ብኣጋጣሚ ኣይኰነን። እንታይ ድኣ፡ ነቲ ንሳቶም  "ሕቶና ሕቶ ደሞክራሲ'ዩ" እናበሉ ዝውርዝይሉ ዝንበሩ ጭቡጥነት ዘይብሉ ዝተማህዘ ሕቶ፡ ሰፊሕ ደገፍ ዘሎዎ ህዝባዊ ሕቶ ከም ዝዀነ ንምምሳል ደፋፊኦም ብምሕናን ዘለዓዓልዎ ተቓውሞ እምበር፡ '"እቶም ምሁራት ኢና በሃልቲ" ብተበግሶኦም ዘልዓልዎ ሕቶ ወይ ተቓውሞ ኣይኰነን" እብል። ኣልኣሚን ኣብ ቃለ-መጠይቑ፡ ኣስዒቡ "እቲ ናይ ዩነቨርስቲ ኣስመራ ኣድማን (ምቅዋም ንናይ ክረምቲ ኣገልግሎት) ናይ ስንኩላን ሰላማዊ ሰልፍን ( ንኡስ ናይ መነባብሮ ጸገማት) ናይ ዝተጣየሱ ተጋደልቲ ጥርዓንን (ብዘይረብሕ ገንዘብ ተጠቢርና ዝብል ምዕዝማዛም) ተቓዎሞታት ወይ  ተርእዮታት እውን እንተዀነ፡ ካብዚ ክግለጽ ዝጸንሐ ብዘይፍለ፡ ንሳቶም ኣተዓባቢዮም ንመንግስቲ ከጠቅኑን ከጽልኡን ብውሽጠ-ውሽጢ ተተናዂሎም ዘንቀልዎ ኢዩ" ብምባል፡ ከም ጠንቃማት ኣላዓልትን ቀስቀስትን ነገር ጌሩ እናቕረበ ይመዓቶምን ይወቕሶምን። ኲሉ ከም ዝፈልጦ ግን እዚ ኣልኣሚን ዝዘርዘሮ ፍጻመታት፡ ናይ ገዛእ-ርእሱ ጠንቅን ኣመዓብላን ዝነበሮ ብዘይሕጋውን ፍትሓውን ኣገባባት ዝተፈትሐ፡ መንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ክሕተተሉ ዘሎዎ ርእሱ ዝኸኣለ ጉዳያት እምበር፡ ጕጅለ-15 ዘበገስዎን ዝደፋፍእዎን ኣይኰነን። ነዚ ዝተፈላለየ ዘይራኸብ ፍጻመታት'ዚ፡ ምስቲ ናይ ጕጅለ-15 ጕዳይ ኣቋሪንካ፡ ከም መጥቅዒ ክትጥቀመሉ ምፍታን፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ንዘለካ  ክቱር ንዕቀት (ንንቕሓቱ ምኲሽማሽ) ምግሃድ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ክሳብ ክንደይ  ናብ ኣዝዩ  ሕሱር ናይ ፖለቲካ ጥፍሽና ከም ዝኣተኻ  ባዕልኻ ብቓልካ ምምስካር ኢዩ።

እቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣንጻር ጕጅለ-15 ሕጊ ጥሒሶም ኢሉ ዘቕረቦ ክሲ፡ ምስቲ ነቐፌታኦምን ተቓዎሞኦምን ንምግልጽ ዝተጠቕምሉ ኣገባብ ዝተኣሳሰረ ኢዩ። ቅድሚ ብዛዕባ'ዚ ኣገባብ'ዚ ምዝታይና፡ ነተ ዘቕረብዎ ዝነበሩ  ነቐፌታታትን ተቓዎሞታታትን ምስ እንድህስሶ፡ ኣብዞም ዝስዕቡ 12 ነጥብታት ተጸሚቑ ክቕርብ ይኽእል ኢዩ፥

· ምዱብ ኣኼባታት ኣብ ዕለቱ ምጽዋዕን ምክያድን ብምእባይ፡ ንመስርሕ ምስግጋር ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ኰነ ኢልካ ምዕንቃፍን ምንዋሕን፣

· ኣብ መንግስታዊ ምምሕዳራት ትካላት ብብድዐ ኢድካ ብምምላስ፡ መንግስታዊ ምምሕዳራት ኣካላት ዝጭበጥ ስልጣን ከም ዘይሕልዎ ምግባር፣

· ንውልቃዊ ገድለታት መራሕቲ መዝሚካ ንተሰማዕነቶምን ተቐባልነቶምን ብምብልሻው፡ ንትካላዊ ሓባራዊ መሪሕነት ወጊድካ ብዓብላሊ ውልቃዊ መሪሕነት ምትካእ፣

· ንዝተቓወሙን ዝነቐፉን መራሕቲ ካብ ስልጣኖም ብምውራድን ምድስካልን፡ ዓበይቲ ሃገራዊ ውሳነታት ንመሳርሕትኻ   ከየማኸርካ ብዊንታኻ ምውሳን፣

· ንመንግስታዊ ምምሕዳራዊ ኣካላትን  ዓበይቲ ቊጠባዊ ትካላትን  ኣብ ትሕቲ ቤት-ጽሕፈት ፕረሲደንት ኣማእኪልካ ኣብ ኢድካ ብምእታው፡  ገድብን ቀይድን ዘይብሉ መንግስታዊ ስልጣ ምብሓትን ምግባትን፣

· ንድሕነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ  ዓንዳሪ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ብኢደ  ወነንካ ብምውሳድ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ግጭት ዘእቱን ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዘነጽልን  ናይ ወጻኢ ሜላ ምኽታል፣

· ፍሉይ ቤት-ፍርድን ናይ ጸጥታ ተካልን ብምቛም፡ ንተራን ሓለፍትን ተቓወምቲ (ካብ ህዝቢ ኰነ ሰራዊት) ሓደ ብሓደ እናለቐምካ ብምእሳርን  ብዘሰቅቕ መቕጻዕቲ ብምብስባስን፡  ከም ዝጸንቱ ምግባር፣

· ንሰራዊት ብመንገዲ ውሑዳት እሙናት ጀነራላት ኣብ ትሕቲ ቊጽጽርካ ብምእታውን መሳርሒኻ ከም ዝኸውን ብምግባርን፡  ካብ ሚንስተራት ንላዕሊ ንእሙናት ኣገልገልትኻ ዝዀኑ ሓለፍቲ (ጀነራላትን ኣማኸርትን)  ደረት ዘይብሉ ስልጣን ምሃብ፣

· ካብ ሓርነታዊ ቃልሲ ንዝተወርሰ መሪሕነታዊ ገድላዊ ባህርያት ብምጥፍእን  ብሳዕቤኑ ዘይምትእምማን  ዘይምርድዳእን  ብምፍጣርን፡ ንየስግኡኒ'ዮም ዝበልካዮም መራሕቲ ጎጃጂልካ  ነንሓድሕዶም ብምንቛት ሓድነቶም ምድኻም፣

· ንመንግስታዊ ቊጠባዊ ትካላት ብምውናንን ቀረጽን ግብርን ከይከፈልካ ንተወዳደርቲ ብሕታዊ ትካላት ብምዕንቃጽን፡ ንውሽጣዊ ዕዳጋ ብምብሓትን ምዕብላልን ናጻን ፍትሓውን ውድድር ንኸይምዕብል ምዕንቃፍ፣

· መንግስታዊ ምምሕዳራት ምእንቲ ብናጽነት ከይሰርሕ ንምጕንዳብ ተደራቢ መንግስታዊ ትካላት ብምቛም፡ ንንብረት መንግስትን ሰልፍን ደባሊቕካ ብዘይተሓትነትን ጸብጻብን ምብኻንን ምብዛርን፣ ከምኡ'ውን

· ንናይ ዜና ኣገልግሎት ብምውናንን  ተቓውምትኻ ድምጾም ንምስማዕ  ንኸይጥቀምሉ ብምእጋድን፡ ፍሉይ ናይ መንግስትኻ ልሳንን መሳርሕን  ምግባር።

ካብዚ ዝተዘርዘረ 12 ነጥብታት ብንጹር ክርዳእ ከም ዝከኣል፡ ጉጅለ-15 ብሓቂ ምስ ጉጅለ-ኢሳያስ ዘየቃዱ ስነ-ሓሳዊ ፍልልያት ኔርዎም። ኣልኣሚን  ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝዀነ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ከም ዘይነበሮም ኣምሲሉ የጸልሞም ድኣ'ምበር፡ ዘይከሓድ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ኔርዎም ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ ምስኡ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ከም ዝነበሮም ዝኸሓደ፡ መንግስታዊ ስልጣን  ነቲ ብሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ብህዝቢ ተመሪጹ  ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘቕውም ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ብሰላም ከረክብ ድሉዉ ስለ ዘይኰነ ኢዩ። ብሓቂ መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስ ጕጀለ-15 ከምቲ ኣልኣሚን ኣዳዕዲዑን ብዕልን  ዘፍለጦ  ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ዘይብሉ እንተዀይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘየቕውም ምኽንያት የብሉን።ንጕጅለ-15 ካብ ዘጽነቶም ድሮ 11 ዓመታት ሓለፉ በመል 12 ዓመቱ ይረግጽ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ'ዚ ዝሓለፈ 11 ዓመታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ይትረፍ ናብ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘሰጋገር ስጉምታት ክውሰድ፡ ደሞክራሲ ዝበሃል ነገር  ብመሰረቱ ንኤርትራ ዘይምልከት ናይ ጓና  ሓሳብ --   ዘይምልከታ ምዕራባዊ ያታ -- ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ ዘሎ። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሒዝዎ ዘሎ ንደሞክራሲ ዝምልከት መርገጺ፡ እቲ ኣቕዲሙ እተገልጸ "ዝተመርሐ ደሞክራሲ" ዝበሃል  ሃበስ-ቀደስ ኢዩ። እዚ ኸኣ ሓቀኛ ደሞክራሲ ዘይኰነ፡ ነቲ ብሓቂ ቆይሙ ዘሎ ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ንእዝኒ ሰማዒ ንክምስጥ ዝቐርብ ዘሎ ብባዶ ቃላት ዝማዕረገ መጠበሪ ኢዩ።

ካብዚ ቀጺልና፡ እስከ ነቲ መንግቲ ኤርትራ ንጕጅለ-15  "ተቓዎሞኦምን ነቐፌታኦምን  ብሕጋዊ ኣገባብ ክገጽሉ ዝኽእልሉ ወግዓዊ ምዱብ ኣኼባታት እንከለዎም፡ ሰንሰለታዊ ምምሕዳራዊ ቅጥዕታት ብምጥሓስ፡  ህጹጽ ኣኼባ ንምጽዋዕ ክታማት ኣብ ምምእራርን ምስ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ቃለ-መጠይቓት ኣብ ምክያድን ካብኡ ሓሊፎም ከኣ ናዕቢ ንምልዕዓል እትጸውዕ  "ቅልዕቲ ደብዳቤ" ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ምዝርጋሕን'ዮም ተሃንዲዶም" ዝብል ኣንጻሮም  ዘቕረቦ መንግስታዊ ክሲ ንመልከቶ። ብኣረኣእያ መንግስቲ ኤርትራ፡ ምዱብ ኣኼባታት ምጽዋዕን ምክያድን ዝኣበዮም መግስታዊ ኣካል ስለ ዘይበረ፡ እቲ ዝተጠቕምሉ ኣገባብን ስልትን ሕጊ ዝጠሓሰ ዘይሕጋዊ ኣገባብን ስልትን ኢዩ። እቲ ዘልዓልዎ "ናይ ደሞክራሲ ሕቶ" እውን እንተዀነ፡ እዋኑ ዘይሓለወ ዘየድሊ ኣሉታዊ ስምዒታት ንምምርስሳን ዘቕርብዎ ዝንበሩ ትርጉም ዘይብሉ ሕቶ ኢዩ። ዝዀነ ሕቶ፡ ብዓይኒ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣድማዒ ውጽኢት ዝህልዎ ኣብ ዊን ዝበለካ እዋን ምስ እተልዕሎ ዘይኰነ፡ ኣብ ግቡእ እዋኑ ምስ እተልዕሎ ኢዩ።  ዘይእዋናዊ ሕቶ ዘልዕል ዜጋ፡ ተራ ይኹን ሓላፊ ብዘየገድስ፡ ሕቶኡ ኣዕናዊ ዝዀነ ሳዕቤን ስለ ዘኸትል፡ ብፋሉልነቱ ተሓታቱ ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ንዝዀነ ኣብ ዘይእዋኑ ዝለዓል ፋሉል ሕቶ ርግእ ኢሉን ዕግስ ኢሉን "ትጋገ ኣሎኻ" ብምባል፡  እንታይ ከም ዝረበጾ ባዕሉ ተገንዚቡ ምእንቲ ናብ ልቡ ክምለስ፡  ዝኣክል ዕድልን ዲልን ዝህብ፡ ካብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ፈልከት ዘይብለሉ መትከል ኣለዎ።በዚ መትከል'ዚ መሰረት፡ እቲ ናይ ጕጀለ-15 ጕዳይ ምስ ተላዕለ፡ "ህዝቢ እንታይ ትጽበዩ ኣሎኹም ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊኦም ስጉምቲ ዘይተወስዱ እናበለ፡ መንግስቲ ግን ብትዕስግቲ ንዓመት መመላእታ ተጸሚምዎም። መንግስቲ ኣብ ልዕሊኦም ዲሲፕሊናዊ ስጉምቲ ክውሰድ ዝተገደደ፡ ነቲ ከይተሓለለ ዝሃቦም መጠንቀቕታን ስምዕታን ጸማም እዝኒ ብምሃብ፡ ካብ ኣዕናዊ ተግባራቶም ምቝጣብ ምስ ኣበዩ ጥራይ ኢዩ"። እዚ ወግዓዊ መግልጺ'ዚ፡ እቲ ብልሳን ኣልኣሚን ዝቐረበ  መንግስቲ ኤርትራ ንናይ ጉጀለ-15 ተቓዎሞ ንምፍሻል ዝተጠቕመሉ ኣገባብን ስልትን ኢዩ። ብሓቂ ግን፡ እቲ ንናይ ጉጀለ-15 ተቓዎሞ ንምፍሻል ዝተጠቕመሉ ኣገባብን ስልትን ከምቲ መንግስቲ ዝገልጾ ድዩ? ወይስ ካልእ እንታ ኣሎዎ? እስከ ኣስዕብና ንመልከቶ።

እቲ መንግስቲ ኤርትራ ንተቐወምቱ ንምጥፋእን ንመስርሕ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምዕንቃጽን ዝተጠቕመሉ ኣገባብ ቃልስን ስልትን ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ዘጠቓለል'ዩ ኔሩ። ንሳቶም ድማ፥ (1) ንመስርሕ ደሞክራሲይዊ ለውጢ ንምዕንቃጽ፡ ምዱብ ኣኼባታት ኣብ ዕለቱ ዘይምጽዋዕን ዘይምክያድን፣ (2) ምዱብ ኣኼባታት ብምምሕልላፍ ዝሓለፉ ውሳነታት ከም ዘይትግበሩ ምግባር፣ (3) መሪሕነትን ኣባላቱን  ምእንቲ ከይቅየሩ፡ ሰልፋዊ ጉባኤ ንዝጋባኣሉ ውሱን ዕለት ኣመኻኒኻ ምምጣጥ፣ (4) ተቓወምቲ ደገፍቲ ከም ዘይረኽቡ ንምግባር መጠንቀቕታ ብምውጻእ ንተደናገጽቲ ምፍርራሕ፣ (5) ንዘቕረብዎ መጸዋዕታት ኣኼባ ከም ዘይሕጋዊ ጠለባት ብምንጻግ፡ ተቓዎሞኦም ከቃርጹ  ምጕብዕባዕ፣ (6) ንተሰማዕነቶምን ተቐባልነቶምን ዘበላሹ  ዘይሕጋዊ ምስጢራዊ ሰሚናራት ብምክያድ፡ ካብ ደገፍቶም ምንጻልን ብኽሳርኦም ደገፍትኻ ምዝያድን ፣ (7) ብውልቃዊ ረብሓታትን ስምዒታትን ዝተደፋፍኡ ዝቡላት ኣምሲልካ  ብምቕራብ፡ ብፍሽለት ሳልሳይ ውራር ንኸይትሕተት ንዓኣቶም ምስልባጥ፣ (8) ብተንበርከኽነትን ክድዓትን ወገንነትን ምልዕዓልን ምክፍፋልን ምጥሓስ ሕግን ብምኽሳስ፡ ኣብ ልዕለኦም ንዝውሰድ ዘይሕጋዊ ናይ ምጽናት ስጕምቲ ሕጋዊ መልክዕ ምልባስ፣ ከምኡ'ውን (9) ንመስርሕ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ሓንሳእ ብዘይርጉእ ናይ ኲናት ኩነታት እመኻኒኻ ብምውንዛፍ፡  ብእኡ ኣቢሉ ንሓዋሩ ተረሲዑ  ከም ዝተርፍ ምግባር ዝብሉ ኢዮም። ካብዞሞ ዝተዘርዘሩ ነጥብታት  ብቐሊሉ ክርዳእ ከም ዝከኣል፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንተቓወምቱ ንምጥፋእ ከምቲ ብዕሊ ብልሳን ኣልኣሚን ዝገለጾ፡ ብትዕግስቲ ኣይተጸበየን። ነቲ ምስ ወያነ ዝተባርዐ ናይ ዶብ ኲናት፡ ብሓንሳእ ንክልተ ሸቶታቱ -- ንመስርሕ ደሞክራሲያዊ ለውጥን ንተቓወምቲ ጕጅለ-15ን -- ንምውቅዕ'ዩ ተጠቐሚሉ። ነቲ መስርሕ ደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ኣብ ዘይርጉእ ናይ ኲናት ኩነታት ክለዓል  ግቡእ እዋኑ ኣይኰነን ብዝብል ምኽኒት ከታረፎ እንከሎ፡ ነቲ ናይ ጕጅለ-15 ተቓውሞ ኸኣ ነቲ ኣብ እዋን ኲናት ዘርኣይዎ ዘይቅቡል ባህርያት (ተንበርካኽነትን ክድዓትን) ንምሽፋን ዘይእውናዊ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ኣልዕሎም ኢሉ'ዩ ኣጽኒትዎም። ንኽልቲኡ ጉዳያት ምስቲ ናይ ዶብ ኩናት ኣቋሪኑ ንግዜኡ ይወግዶ ድኣ'ምበር፡ ክልቲኡ ምንጩ ሓደ ስለ ዝዀነ ማለት ካብቲ ዘይተመለሰ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ዝመንጨወ ብምዃኑ፡ ነዚ ሕቶ'ዚ ክሳብ ዘይመለሶ ክቕስን ኣይኰነን። ሕቶ ደሞክራሲ ምስ ምጽናቶም ዝጸንት ሕቶ ኣይኰነን። ውዕዉዕ ህዝባዊ ሕቶ ስለ ዝዀነ፡ ክሳብ ነባሪ ፍታሕ ዝረክብ ዘይመውት ህያው ሕቶ ኢዩ።

ምስቲ መንግስቲ ኤርትራ ንመስርሕ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምትዕንቓፍን ነቶም ተቓውምቱ ንምጽናትን ዝተጠቕመሉ ኣገባብን ስልትን ብምንጽጻር፡ ነቲ ጉጅለ-15 ጠላባቶም ንምቕራብ ዝተጠቕምሉ ኣገባብን ስልትን ምስ እንዕዘቦ፡ በዞም ዝስዕቡ ሽድሽተ ነጥብታት ተጸሚቑ ክግለጽ ይከኣል ኢዩ። ንሳቶም ድማ፥ (1) ምዱብ ኣኼባታት ኣብ ዕለቱ ክካየድ ብቓልካ ምግላጽን ምሕታትን (ብዕሊ ኣብ ኣኼባታት፣ ብውልቂ ኣብ ውልቃዊ ርክባት)፣(2) ብጽሑፍ ምዱብ ኣኼባታት ኣብ ዕለቱ ክካየድ ደጋጊምካ ምጥላብ፣(3) ኣብ ምዱብ ኣኼባታት ነቐፌታኻ ብምቕራብ፡ ገድለታትን ድኽመታትን ጌጋታትን ከም ዝእረም ምግባር፣ (4) ብወገንካ ዘሎካ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት ብጽሕፍ ብምግላጽ፡ መርገጽካ ምንጻር-- ንኣብነት፡ "ሽግራትናን ፍታሓቱን"፣ (5) ቃለ-መጠየቓት ብምክያድ ፍልልያትካ ምግላጽን ርእይቶኻ ምፍላጥን፣ ከምኡ'ውን (6) ቅልዕቲ ደብዳቤ ብምውጻእ ዕላማታት ናይቲ ኣንጻሮም ክውሰድ ዝተወሰነ መንግስታዊ ስጉምቲ ኣቐዲምካ ምእማትን ምጥንቃቕን ኢዮም።

ተመሊስና፡ ነቲ ጉጅለ-15 ክሳብ ናብ ቅልዕቲ ደብዳቤ ንህዝቢ ምውጻእ ዘብጽሖም ድሕረ-ባይታ ምስ እንድህስስ፡ ናይ ገዛእ-ርእሱ ታሪኻዊ ምዕባለ ከም ዝነበሮ ኢና እንግንዘብ።  ጕጅለ-15 ቅልዕቲ ደብባቤ ክጽሕፉ (ክዝርግሑ) ዝተገደዱ፡ እቲ ንሽመንተ ኣዋርሕ ዝኣክል ምዱብ ኣኼባታት መሪሕነት ሰልፍን መንግስትን ኣብ ዕለቱ ብዘይምክያዱ፡ ብሰሩ ድማ እቲ ኣብ ዝቐደሙ ኣኼባታት ዝሓለፈ ንምቛም ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዝምልከት ውሳነታት (ንኣብነት፡ ምክያድ ሃገራዊ ምርጫ) እናተመሓላለፈ ኣብ ግብሪ ይውዕል ስለ ዘይነበረ ኢዩ። ኢሳያስ መርገጹ ኣንጻር ምቛም ደሞራሲያዊ መንግስቲ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ንምቛም ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዝምልከት ውሳነታት ኣብ ግብሪ  ምእንቲ ከይውዕል ኰነ ኢሉ ብውሳይ፡ ምድብ ኣኼባታት መታን ከይካየድ ዝተፈላለዩ ዘይረብሑ ምስምሳት እናቕረበ የመሓላልፎ ኔሩ። ኣቐዲሙ ዝሓለፈ ውሳነታት ኣብ ግብሪ ምውዓሉን ዘይምውዓሉን ዝግምገምን ዝሕተተን ኣብ  ምዱብ ኣኼባታት ስለ ዝዀነ፡ ምዱብ ኣኼባታት መሪሕነት ንምክያድ ዘእቢ ወይ ዘኽንብ  ዝዀነ ዓይነት ምኽንያት ኣይንበረን -- እንትርፎ ሕልሚ ምቛም ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት።  ኢሳያስ፡ እቲ ኣብ ምዱብ ኣኼባታት ዝሓልፍ ዝነበረ ንመስርሕ ደምክራሲ ዘቀላጥፍ ወሳነታት ብቐጥታ ነቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ንምቛም ዝነበሮ ናይ ነዊሕ እዋን ሕቡእ ሕልሚ ዘፍሽል ስለ ዝዀነ፡ ይወሓጠሉ ኣይነበረን። ስለዚ ኸኣ፡ ንምዕንቃጹ ንምዱብ ኣኼባታት መሪሕነት ሰልፍን ግንባርን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ብምምሕላፍ ክሳብ ነቶም ዝቃወምዎ ዝነበሩ ጕጅለ-15 ዘጽንት ፈጺሙ ኣይጸወዐን።

ጕዳይ ምጽዋዕን ምእባይን ምዱብ ኣኼባታት መሪሕነት ሰልፍን ግንባርን፡ ንኽለቲኦም ተቐናቐንቲ ወገናት ኣዝዩ ዘሰሓሕብን ዘነሃህርን ጉዳይ ኰይኑ ዝተላዕለ፡ ብቐጥታ ምስ ምስግጋር (ምርካብ) መንግስታዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ስለ እተኣሳሰረ ኢዩ። ኢሳያስ ክሳብ ውልቀ- ምልካዊ ስርዓት ኣቚሙ ንሱ ምሉእ-ብምሉእ ዝቆጻጸሮ ኩነታት ዝፍጠር፡ ነቲ መስርሕ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍ ዝጽዋዕ ዝነበረ ምዱብ ኣኼባታት፡ ምእንቲ ከይትግበር ኣብ ዕለቱ ጸዊዑ ከካይዶ ድልየት ኰነ ረብሓ ኣይነበሮን። ጕጅለ-15 ኸኣ ብወገኖም ከጽንቶም ይሸባሸብ ከም ዘሎ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ንመስርሕ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍ ይጽዕሩ ኔሮም። ነዚ ዕላማ'ዚ ኣብ ግብሪ ንውዓል ከኣ ደጋጊሞም ምዱብ ኣኼባታት መሪሕነት ኣብ ምዱብ ዕለቱ ክጽዋዕን ክካይድን ይጠልቡ ኔሮም። ጠለቦም ጸማም እዝኒ ምስ ረኸበ፡ ብጽሑፍ ክሓቱ ብምውሳን መጀመሪያ ብ20 የካቲት 2001 ንኢሳያስ ነቲ ግዜኡ ዝሓለፈ ምዱብ ኣኼባ ጸዊዑ ከካይዶ መጸዋዕታኦም ኣቕረብሉ። ኢሳያስ ንጻውዒቶም "ኲሉኹም ትጋገዩ ኣሎኹም" ዝብል ሓጺር መልሲ ብምሃብ ብመጋቢት 13  ምስ ነጸጎም፡ ካልኣይቲ ናይ መጸዋዕታ ጽሕፍቲ ብ20 መጋቢት ምስቲ "ሽግራትናን ፍታሓቱን" ዝብል ንመርገጸኦም ዘነጽር ሰፊሕ  ሓተታ ኣሰኒዮም ሰደድሉ። ኣብ ሓተታኦም ሃገርና ኣብ ቅልውላው ኣትያ ስለ ዘላ፡ ካብቲ ዝኣተወቶ ቅልውላው ንምውጻእ ይትረፍ ምዱብ ዕለቱ ዝሓለፈ ኣኼባታት፡ ተወሳኺ ህጹጽ ኣኼባታት ከም ዘድልያ፡ ከምኡ'ውን ምዱብ ኣኼባታት ኣብ ዕለቱ ክካየድ ክሓቱ መሰሎምን ሓላፍነቶምን ምዃኑን (ይልምኑ ከም ዘየሎውን) ኣነጺሮም ገለጽሉ። ብድሕሪ'ዚ፡ ኢሳይስ ኣብቲ ብ29 መጋቢት ዝሰደደሎም መልሲ፡ "ሕጂ'ውን ትጋገዩ ኣሎኹም" ብምባል ንጻውዒቶም ደጊሙ ነጸጎ። ካብዚ ክልተ  ዘይተዓወተ ፈተነታት፡ ኢሳያስ ብወለንትኡ ኣኼባ ከም ዘይጽውዕ ብምግንዛብ፡ ብመሰረት ቅዋም መሰጋገሪ መንግስቲ 2/3 ድምጺ  ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኣኼባ ግድነት ከም ዝጽውዕ ንምግባር፡ ናይ ኣባላት ባይቶ ክታም ክምእርሩ ኣንቀዱ። ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ፕረዝደንት፡ ነዚ ንቕዶ'ዚ ምስ ፈለጠት፡ ኣባላት ባይቶ ነቲ  ብጕጅለ-15 ዝተጠልበ ናይ ኣኼባ መጸዋታ ንኸይድግፍዎ ንምምፍርራሕ፡ ብመጋቢት 7 ዝተጻሕፈት ክታም ዘይብላ ብሮሹር ናብ ኣባላት ባይቶ ኣዘረት። ኣብ መጀመሪያ ብዙሓት ካብ ኣባላት ባይቶ ነቲ ናይ ኣኼባ መጸዋዕታ ከም ዝድግፈዎ'ኳ ብቓሎም እንተገለጹ፡ ጸኒሖም ብድሕሪ ምዛር ናይታ ብሮሹር፡ ብዘወስድዎ መርገጺ ኣብ ልዕሊኦም ክወርድ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣፍሪሕዎም፡ ኣብቲ  ናይ ኣኼባ መጸዋዕታ ክታሞም ኣየንበሩን። ካብቶም ዝኸተሙ 19 ኣባላት እውን ጸኒሖም በቲ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣባላት ብማእከላይ ብቤት-ጽሕፈት ዝወርድ ዝነበረ ምጕብዕባዕ ርዒዶም፡  ኣርባተ ካብኣቶም ዘርባዕባዕ ኢሎም ስለ ዝሰሓቡ ፡ ኣብ መወዳእታ እቶም ኣብ መርገጾም ዝጸንዑ ጉጅለ-15 ጥራይ ተረፉ። በቲ ዝወሰድዎ ተባዕ ታሪኻዊ መርገጺ  መሰረት ከኣ ጕጅለ-15 ተሰምዩ።

ቅድሚ ምድምዳምና፡ ነቲ ጕጅለ-15 ዘልዓልዎ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ብውድዓዊ ዓይኒ ብምጥማት ምስ እንግምግሞ፡  ክልተ ብቐዳምነት ዝቕልቀሉ ሕቶታት ኣሎዉ።  ቀዳማይ፡ ነቲ ዝወሰድዎ "ተባዕ ታሪኻዊ መርገጺ" ምስቲ ሒዘሞ ዝንበሩ ሓላፍነትን ዝጻወትዎ ዝነበሩ ተራን ብምዝማድ፡ ዝለዓል ነቐፌታ ኰይኑ፡  ንሱ ድማ፥  እቲ ሽግር ኣብ ነብሶም ክሳዕ ዝወርድ ቀንዲ መሻርኽቱን ጽኑዓት ደገፍቱን  ስለ ዝንበሩ፡ እቲ ዝወሰድዎ "ተባዕ ታሪኻዊ መርገጺ" ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ካብ ሓቀኛ መትከላዊ መርገጺ ተበጊሶም ዝወሰድዎ ዘይኰነ፡ ንነብሶም ካብ መዋጥር ንምውጻእ ክብሉ ዝወሰድዎ ምስሉይ መርገጺ'ዩ" ዝብል ኢዩ። እቶም ነዚ ሕቶ'ዚ ዘልዕሉ ዜጋታት፡ ጕጅለ-15 ንሕቶ ደሞክራሲ ንምዕዋት ናይ መስዋቲ ገንሸል ብምዃን በጃ ዝሓለፉ ክነሶም፡ ክንዲ ኣብ ጎኖም ደው ብምባል ምስኦም ዝደናገጹ፥ "ኣበይ ኔሮም ሕጂ ዝቃወሙ? ክሳብ እቲ ሽግር ኣብ ነብሶም ዝመጾም እንታይ ይዋርዩ ኔሮም? ሓቂ እንተዝነሮም ናይ ስልጣን መሻርኽቱ ኣብ ዝነበርሉ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝወርድ ዝነበረ ግፍዕታት ደው ንምባል፡ ንምንታይ ናይ ተቓዎም ድምጾም ዘየስምዑ? ዘይፍትሓውን ዘይሕጋዊውን ተግባራት ኣብ ቅድሚ ዓይኖም እናተፈጸመ፡ ኣብ እውኑን ብኣግኡን ዓገብ እንተዝብሉ ኔሮም እዚ ሕጂ  ወረድዎም ዘሎ መከራ ምወረዶምዶ? ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ከም ዝበሃል፡ ክሳብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ተሓባበርቱ ስለ ዝነበሩን ኣቐዲሞም ዘይኣከብዋ እከይ ኢዶም'ያ ሓሊፋ ጸኒሓቶም እንተበልናዮም፡ እንታይ'ዩ ኣበሳና?" ብምባል ኣምሪሮም ይነቕፍዎም።ብርግጽ፡ ነቐፌታኦም ክትሃድመሉ ዘይትኽእል ሓቅታት ዝሓዘለ ኢዩ። ይኹን'ምበር፡ ኣብ ወሳኒ ታሪኻዊ ወቕቲ ብትብዓት ቅኑዕ ታረኻዊ መርገጺ ብምውሳዶም፡ ክሳብ ሽዑ ኣብ ጕዕዞ ታሪኾም ዝወሰድዎ መርገጽን ሒዘሞ ዝነበሩ ሓላፍነትን ብመንጽሩ ዝተጻወትዎ ተራን ኣዎንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ብዘየገድስ፡ ክምጐስን ክድገፍን ኣሎዎ። ኣብ ግዕዞ ታሪኽካ ግጉይ መርገጺ ሒዝካ ስለ ዝነበርካ፡ ቅኑዕ መርገጺ ኣብ እተወስደሉ ግዳይ ሕሉፍ መርገጽካ ብምዃን ክትኲነን ልክዕ ኣይኰነን። ምኽነያቱ፡  ሕሉፍ ጌካኻ ንሓዋሩ ብገበን ዘግዝዝ ነውሪ ኣይኰነንነውሪ፡ ግጉይ ምንባርካ እናፈለጥካ ብጌጋኻ ክንዲ ትእመንን ንክትእርሞ ብቕንዕና ትብገስን፡ ብብድዐ ከምዛ ቅኑዕ ዝነበርካን ዘሎኻን ንዝሓለፈ ጌጋኻ ብውዑይ ጌጋ ምድባስ ኢዩ።ንዝሓለፍ ጌጋኻ ብውዑይ ጌጋ ምድባስ ዘነውር ዓቢ ጌጋ ጥራይ ዘይኰነ፡  እንተላይ ብገበን ዘግዝዝ ዓቢ ወንጀል ኢዩ። ሃብታም ተሞክሮ ዝድለብ፡ ንሕሉፍ ጌጋኻ ከም መግናሕትን ትምህርትን ብምውሳድ እምበር፡ ካብ ሕሉፍ ጌጋኻ ብምህዳምን ከም ዘይወዓልካሉ ክትሓብኦ ብምህቃንን ኣይኰነን። ስለዚ፡ ጉጀለ-15 ነቲ መስርሕ ደሞክራሲያዊ ምስግጋር መንግስቲ ብምድጋፎምን፡ ኢዶም ከይሃቡ ኣብ መትከሎም ጸኒዖም ናይ መስዋእቲ ገንሸል ኰይኖም በጃ ብምሕላፎምን፡ ብትብዓቶም ክምጐሱ እምበር ክወቀሱ የብሎምን።

ካልኣይ ሕቶ፡ ነቲ ክሳዕ ኣብ ልዕሊኦም ናይ መቕጻቲ ስጕምቲ ዝብየን ዝወሰድዎ ልኡም መርገጺ ዝምልከት ኢዩ። ንሱ ድማ፡ "ከጽንቶም ምዃኑ እናፈለጡ፡ ንምንታይ ክሳብ ኣብ ልዕሊኦም ስጉምቲ ዝወስድ ተጸበዮም? ነብሶም ንምክልኻል ወይ ንምድሓን ሓደ ዓይነት ስጉምቲ ንምውሳድ እንታይ ኣጊምዎም? ብሓቂ ደገፍቲ እንተነይሮሞምከ፡ ንምታይ እቶም ደገፍቶም (ካብ ሰራዊት ኰነ ካብ ህዝቢ) ብውርደት ካብ ጐደናታት ከይተረፈ እናተለቕሙ ምስ ተኣስሩ፡ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ዘይገበሩ? ንሱ (ኢሳያስ) ነቲ ቅልውላው  ሕጊ ብምጥሓስ ብሓይሊ ክፈትሖ እናተሃንደደ፡ ንምንታይ ንሳቶም ኣብ ልዕሊኡ ክቱር እምነት ብምሕዳር ብሰላምን ብልዝብን ክፈትሕዎ ተማህሊሎም?  ከምኡ'ውን፡ እቲ ምስኡ ብምትሕብባርን ብምሽራኽን ዘቖምዎ ስርዓት፡ ክሱስ ይበድል ኣይበድል ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣቕሪቡ ዝፈርድ ስርዓት ከም ዘይኰነ፡ ከመይ ኢሉ ተኸዊልዎም ወይ ምስ ልቦናኦም ዘንጊዖሞ? ዝብሉ  ሕቶታት ዝሓዘለ ኢዩ። ብዘይጥርጥር፡ ነቲ ቅልውላው ብሰላምን ብልዝብን ንምፍታሕ ልኡም መርገጺ ዝወሰዱ፡ ካልኣዊ ግርጭት ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ'ዩ ዝፍታሕ ካብ ዝብል መትከላዊ መርገጺ ተበጊሶም ኢዮም። ይኹን'ምበር፡ ንልኡም መርገጺኦም ሽዑ ነጊሱ ንዝነበረ ጭቡጥ ሃለዋቶም ማለት ነቲ ሽዑ ሒዘሞ ዝነበሩ ሓላፍነትን ስልጣንን ኣብ ግምት ብምእታው ምስ እትመዝኖ፡ ካብ ስልጣኖም ብምውራድ ደስኪሎም ስለ ዝነበሩ ብግበሪ ክውስድዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ስጕምቲ  ናይ ተቓውሞ ድምጽኻ ካብ ምስማዕ ዝሓልፍ ኣይነበረን። መራሕ ሃገር ንዝደለዮ መራሒ ብቑዕ ምኽንያት ይሃለዎ ኣይሃልዎ ካብ ዝልጣኑ ብምውራድ ከደስክሎ ምሉእ ስልጣን ስለ ዝተዋህቦ፡ ነቲ ኣርሒቕካ ብዘይምጥማትን ኣዚርካ ብዘይምርኣይን ዝተዋቦ ገድብ ዘይብሉ ስልጣን ብዘይ ገለ ተሓታትነት ዊን ከም ዝበሎ ትንዕ ንዝበልዎ ተቓወምቲ ከጽንቶም ክጥቀመሉ ክትርእዮ ፈጺሙ ዘገርም ነገር ኣይኰነን። ነዚ ኣገዳሲ ነጥቢ ብዝምልከት፡ ጉጅለ-15 ኣብቲ ሽግራትናን ፍታሑን ዝብል ጽሑፎም፡ ካብ ክቱር ብጻያዊ እምነት ነቐሎም፡ ደረት ዘይብሉ ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ መራሒ ክጥቕለል ብምፍቃዶምን ኣብ መሪሕነታዊ ስራሓቶም ኣብ ሓድሕዳዊ ምትእምማንን ምስትታርን ዝተመርኰሰ ስድራዊ ኣገባብ ኣመራርሓ ይኽተሉ ብምንባሮምን ጌጋ ከም ዝገበሩ ብምእማን፡ ጌጋታቶም ብዘይቀይዲ ገባርን ሓዳግን ኰይኑ  ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ከቕውም  ከም ዘኽኣሎ ይናዘዙ።በዚ ከይተሓጽሩ፡ ብኣግኡ ዓገብ ብምባል ብዘይምግረሖም እውን ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ድኣ ከይኑ እምበር ጣዕሳኦም ይገልጹ። ብዛዕብዚ ነጥቢ'ዚ፡ ብሰፊሑ ኣብቲ ምቕልቃል ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ዝብል ንኡስ-ኣርእስቲ ስለ እንዝተየሉ፡ ብምድግጋም ቅጭ ከየምጽእ ሽዑ ብኹሉ እንትናኡ ክንመያየጠሉ ንገድፎ።

ደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ብዘየማትእ ብዝቐልጠፈ ግዜን  ብዝወሓደ መስዋእትን  ክረጋገጽ ዝኽእል፡ ብታሕቲ ዘይኰነ ብላዕሊ  ምስ ዝመጽእ ኢዩ። በዚ መሰረት'ዚ፡ ካብ ውሽጢ መሪሕነት መንግስት ሰልፍን ንደሞከስያዊ ለውጢ ዝድግፉ ኣባላት --ጕጅለ-15 -- ምርካቦም፡ ሓንግፋይ ኢልካ እትቕበሎ ኣዎንታዊ ምዕባለ እምበር ዕንቅፋት ኣይኰነን።  ኣቐዲሙ ከም ዝተወስአ፡ ጕጅለ-15፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዝነበሮም ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ ብዘየገድስ፡ ድሕሪ ናጽነት ንመስርሕ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ብምድጋፍ፡ "ግዚያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ" ኣብቂዑ  "ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ" ክቐውም ምቅላሶምን ኣብ መትከሎም ጸኒዖም ናይ መስዋእቲ ገንሸል ክዀኑ ምምራጾምን፡ ብተብዓቶምን ታሪኻዊ መርገጾምን ክምጐሱ ዝግበኦም ጀጋኑ ኢዮም። ምኽንያቱ፡ ናይ ሓደ ተቓላሲ ሰውራዊ መንነት ዝፍረድ በቲ ኣብ ወሳኒ ታሪኻዊ ወቕቲ  ዝወስዶ ወሳኒ ታሪኻዊ መርገጺ ኢዩ። እቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝተኻየደ ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ብዓወት ኣብ ናጽነት ይብጻሕ ድኣ'ምበር፡ ናጽነት ዝተባህገን ዝተደልየን ንባህታ ዘይኰነ መሰልካ ንምርግጋጽ ስለ ዘኽእለካ ኢዩ። ኩሉ ከም ዝፍፈልጦ ድሕሪ ምጕንጻፍ ናጽነት፡  እታ ናጻ ዝወጽአት ሃገር  ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ብምቛም ደሞክስያዊ መሰላት ናይ ህዝባ  ከተኽበር ዓቢ ትጽቢት'ዩ ተነቢሩላ ኔሩ። እንተዀነ፡ እቲ ዝተነብረላ ዓቢ ትጽቢት  ክዉን ኰይኑ ስለ ዘይተረጋገጸ፡  ናጽነታ ትርጕም ዘይብሉ ስም ጥራይ ኰይኑ'ዩ ተሪፉ ። ናጽነታ ትርጕም ዘይብሉ  ስም ጥራይ ኰይኑ  ዝተረፈ፡ እቲ ግዝያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ  ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ ክንዲ ዝሰጋገር፡ ብውልቀ-መላኺ ስለ ዝተጨውየ ኢዩ። እቲ ዝተጀመረ መስርሕ መንግስታዊ ምስግጋር ኣብ ዕሸሉ ብምስምስ ናይ ዶብ ኲናት ተጐናዲቡ፡ ብሳዕቤኑ እቲ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ንዘይተወሰነ እዋን ብምውንዛፉ ናጽነት ምርካቡ ትርጕም'ዩ ተሳኢንዎ። ምኽነያቱ፡ ናጽነት ደሞክራሲ ንኽጥጥዕ ባይታ ዘጣጥሕ እምበር፡ ንባዕሉ ናይ መወዳእቲ ሸቶ ኣይኰነን። ናጽነትን ደሞክራስን ክልተ ዘይነጻጸሉ ተምሳላት ናይ ሓደ ኣካል እኳ እንተዀኑ፡ ናይ ናጽነት ኣምር ነቲ ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ናጻ ዝወጸ መሬት ሃገር ጥራይ ፈልዩ ዝጥቁም ጸቢብ ኣምር  ኣይኰነን። ብዓብኡ ነቲ ናጻ ዘይወጽአ ዘሎ ጐይታ ናይቲ መሬት፡ ናይታ ናጻ ሃገር፡ ማለት ነቲ  ደሞክራሲያዊ መስላቱ ተነፊጉ ብምንብልባል ባንዴራ ተደዓዒሱን ተጠቢሩን ሱቕ ክብል ዝድለ ዘሎ ህዝባ እውን ዝምልከት ሰፊሕ ኣምር ኢዩ። እዚ ሓቂ'ዚ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ሕመረት መልእኽቱ ዋሕ ኢሉ ምእንቲ ክበርሃሉ፡ ከም መቓልሕ ተደጋጊሙ ብዓውታ ክቃላሕ ኣሎዎ። ምኽንያቱ፡ ከም ህዝቢ ኤርትራ ዝኣመሰለ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ብሉጻት መንእሰያት ደቁ ኣብ ሸዊት ዕድመኦም ንናጽነት በጃ ከፊሉ፡  "ብዓለሙ ኤርትራ ሓራ ክትወጽእ ሕልሚ'ዩ"  እናተባህለ፡ ብዘስተንክር ጽንዓቱን ዘይሕለል መንፈሱን ንሕልሚ ናብ ጋህዲ ዝለወጠ ምዑት ህዝቢ፡ ብሓደ ዕቡድ መራሕን ብዕማኾ ዘይኣኽሉ ተበልጽቲ ሰዓብቱን ክጥለምን ክዋረድን፡ ክከላበትን ክጸንትን፡ ዝርንዝሕ ዘንብዕን ልብኻ ዝሕምሽሽን ናይ ሞት-ሞት ኢዩ።

ኣብ መደምደምታ፡ ንጕዳይ ጕጅለ-15 ብዝምለከት ከይተጥቕሰ ክሕለፍ ዘይብሉ ነጥቢ እንተሎ፡ ነቲ ኣብ ናይ ፖለቲካ  ዓለም ዘሎ "ጠገለ ዘይብሉን ሕልና ዝጐደሎን ኣከያይዳ" ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ኣብ መንግስታዊ ኣገባብ ኣመሓዳድራ ዝሰርሕ ፍቱን ሜላ፡ ኣብ ዘየተኣማምን ስድራቢታዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ ተመርኲካ ምስራሕ ዘይኰነ፡ ኣብቲ ብንጹር ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ዝሰፈረ ሕግታትን ደንብታትንን ቅጥዕታትን ተመርኲስካ፡ ብዘይ ንሕስያ ከይተነሓሓፍካ ብጋህዲ ብምንቕቓፍ ክትተኣራረምን ክትተሓሳሰብን ክትቀያየድን ክትተሓላሎን ዝድረኸካን ዘኽእለካን ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ ምዃኑ ኢዩ። ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ይኹን ኣብ ካልእ ዓውድታት፡ ኣብ መንጎኻ ፍትሕን ቅንዕናን ስኒትን ስምረትን ብሓቂ  ክነግስ ዝኽእል፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎኻ ምትእምማንን ምክብባርን ምርድዳእን ምትሕልላይን ክሰፍን ዝኽእል፡ ወትሩ በቲ "ከም ፍቑራት ብልቢ ተፋተዉ፣ ከም ጸላእቲ ኸኣ ብጥብቂ ተጸባጸቡ" ዝብል መትከል ተመሪሕካ  ዕለታዊ ንጥፈታትካ ምስ እተሰላስል ጥራይ ኢዩ። እዚ መትከል'ዚ፡ ከም ዘሎዎ ካብቲ ነቢ መሓመድ (ክብርን ሞጐስን ይብጻሓዮም) መዓስ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ሓቀኛ ፍቕርን እምነትን ከም ዝሰፍን ንምርዳእ ዝሃብዎ ቃል ዝተወስደ ኢዩ። ከም ኣድላይነቱ ካብ ሰፊሕ ልቦናን ረዚን ቃልን ቅዱሳት ንምምሃር፡ ንቅዱስ መጻሕፍቶም ሃሰው ኢልካ ካብ  መሃሪ ጥቕስታቶም ገለ ፈይ ምባል፡ ይጠቅም እምበር ኣይጐድእን ኢዩ። ምኽይያቱ፡ እቲ ካብቶም ቅዱሳት እትቐስሞ ነባሪ ትምህርቲ፡ ነቲ ብሰሪ'ቲ ኣብ ናይ ፖለቲካ ዓለም ዘሎ ሕልኽልኽን  ሕምትኽትኽን፡  ሽርሕን ሸፈጥን፡ ኣብ ኣእምሮና ሰፊሩ ንህሉው ኰነ ሕሉፍ ኩነታትና ብልክዕ ንኸይንርደኦ ዝጋርደና ጽልግል፡ ግልህልህ ኣቢሉ ዝቕንጥጥ ፋና  ኣሎዎ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...