ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ካብ ስርዓት ህግደፍ ሃዲሙ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከም ዝሓተተ ተረጋጊጹ ኣሎ። ዓሊ ናብ ካናዳ ድዩ ወይስ ናብ ካልእ ሃገር ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተተ ከኣ ምስ ድሕነቱ ብዝተኣሳሰረ ጉዳይ ደፋእ ኢልካ ዝረአ ኢዩ። ብኣንጻር እዚ ፍጻሜ’ዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ኢሳይያስ እቲ ዝኸበደን ዝለዓለን ክሳራን ስዕረትን ጉዳይ እንተነይሩ ምህዳም ዓሊ ዓብዱ ኢዩ።

ስለዚ ብድሕሪ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዓሊ ዓብዱ፣ ዕምሪ ኢሳይያስ ዝኾነ ይኹን መጻንሒ ኢንፍዩዥን ክረክብ ኣይክኣልን ኢዩ። ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣቶ ዓሊ’ምበኣር መኪና ህግድፍ ብዘይ ፍሪኖ ንቑልቁል ትሽክት ከም ዘላ  ኢዩ ዘርእየና። ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ከም ውሕጅ ተከዘ ብዙሕ ግዛዕ-ምዛዕ ሒዚ ይኸይድ’ኳ እንተነበረ፤ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ጉዕዞ ንመዋእል ዘይሃስስ ጸሊም  ኣሉታዊ ታሪኽ ዘመዝገበስ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ጥራይ ኢዩ ነይሩ።

ብሰንኪ ብመደብ ዝግበር ምድፍፋእ ንገበን  ድማ፣ ብዙሓት ተጋደልቲ ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ክሳብ ሕጂ ብሰንኪ ኢሳይያስ ናብ ከበድቲ ገበናት ኣትዮም ኢዮም። ካብ መፋርቕ ስሳታት ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ታሪኽን ጉዕዞን ኢሳይያስ  ብዘይካ ጥፍኣትን ቅንጸላን ዜጋታት ኤርትራ ካልእ ወረ ከም ዘይነበረ ኩሉ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ኢሳይያስ ናብ ሰባት ወፍሪ ገይሩ እንትኾይኑ፣ ንእንኮ ንዓሊ ዓብዱ ኢዩ ከም ተኽሊ ወይኒ ኮስኲሱ ኣዕብዩዎ።

ዓሊ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ዝተማህሮ ነገር እንተነይሩ፣ ጠባይ፣ ኣከያይዳ፣ ኣዘራርባ ሜላ፣ ዝምድናን ዕለታዊ ኣመራርሓን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኢዩ። ስለዚ ካብዞም ሎሚ ንኢሳይያስን ከበድቲ ምስጢራቱን ዝፈልጡ ብሂወት ካብ ዘለዉ ሰባት ዓሊ ዓብዱ ኢዩ።

ካብ ስንጭሮ ዓንበርቦብን እምባ ኣንጆታይን ኣትሒዝካ ኣብ ትሕቲ ሕቑፊን ሓልዮትን  ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝዓበየ ዓሊ ዓብዱ’ምበኣር  ካብ መንግስቲ ህግደፍ ካብ ዝኹብልል ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ከም ዘሕለፈ ክንሰምዕ ጸኒሕና ኢና። ዓሊ ኤውሮጳ እንከሎ ብስርዓት ህግደፍ ዘይዕጉብ ምዃኑ ገለ ዘረባ በጨቕ ኣቢሉ ነይሩ ኢዩ። ዓሊ ኣብ ጀርመን ኣሎ፣ ናብ ዱባይ ከይዱ ገለ ነገር ይሓስብ ኣሎ፤ እንደገን’ውን ናብ ስዊድን ይሕከም ኣሎ ዝብሉ በብዓይነቶም ወረታት ካብ እንሰምዕ ኣይወሓደን። ዓሊ ዓብዱ እቲ ኣብ ምስፋሕ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ዝለዓለ ወፍሪ ዝገበረ ሰብ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ዓሊ ኣብ ምስፋሕ ፈነወ ኤሪ-ቲቪ ብሳተላይትን ኢንተርነትን፣ ኣብ መደባት ድምጺ ሓፋሽን ረድዮ ዛራን ሓያል ተራ ዝተጻወተ ምኩር ሚኒስተር ኢዩ ነይሩ። ሓደ ካብቶም ንስርዓት ህግደፍ ደው ኣቢሎሞ ዝነበሩ ወሰንቲ ኣዕኑድ ከኣ ዓሊ ዓብዱ ምንባሩ ይፍለጥ። ዓሊ ኣብ 2000 ዓ.ም. ናብ ጀርመን ኣምባሳደር ንክኸውን ተሓጽዩ ዝነበረ ሰብ ኢዩ። ድሒሩ ብዝተገብረ ገምጋም ግን ኣብ ክንዲ ኣምባሳደር፣ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ተመዲቡ ንክሰርሕ ፍሉይ ዕማም ተዋህበ። ዓሊ ብድሕሪ ሚኒስተር ናይዝጊ ክፍሉ ከም ግዝያዊ ሓላፊ ሚኒስትሪ ዜና፣ ቀጺሉ ከኣ ከም ሙሉእ ሚኒስተር ተሸይሙ ንስርዓት ኢሳይያስ ከገልግል ዝጸንሐ ሰብ ኢዩ። ምስ ሓላቕኡ ኢሳይያስ ብሰንኪ እቲ ልዕሊ 960 ሽሕ ዶላር ዝደየበ ዓመታዊ ባጀት ሚኒስትሪ ዜናን ካልኦት ጉዳያትን ካብ ዝሰሓሓብ ግዜ ንደሓር ጥዑም ለይቲ ኣይሓደረን። ኢሳይያስ ኣብ 24 ግንቦት 2012 ብድሕሪ ስኽራኑ “ዘዕበኻዮ ከልቢ ኣይንከስካ!” ክብል ዝደርበያ ዘረባ ንዓሊ ድቃስ ኣይሃበቶን።

ነኻሲ ጠባዩ፣ ኢሳይያስ ንዝሃቀኖ ናይ ምትግባር ባህርያቱ ኣጸቢቑ ስለዝፈልጥ ኢዩ’ምበኣር ዓሊ ብዛዕባ ክፍሊት ሳተላይትን ካልእ ንሚኒስትሪ ዜና ዝምልከት ጉዳያትን ንክውድእ ምስ ተላእከ ንክሃድም ዝወሰነ። ዓሊ እንተዘየምልጥ ብድሕሪ ምምላሱ ናይ ሞት ብይን ተበይኑዎ ከም ዝነበረ’ውን ኣይዘንግዖን። ‘ኣልመርሑም ኸልጣን’ ከም ዝበሃል፣ ኩላቶም እቶም ንምስጢራት ኢሳይያስ ዝፈልጡ ዝነበሩ ዓንደሚካኤል ካሕሳይ፣ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ፣ መሓመድ ስዒድ ባረህ ወ.ዘ.ተ... ብስዉር ኣገባብ ከም ዝተቐትሉ ምስ ግዜ ክበርህ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ታሪኽ ምቅድዳም ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ካብ ዓበይቲ ሰበ-ስልጣናት ንመጀመርያ ግዜ ንኢሳይያስ ዝቐደሞ ዓሊ ዓብዱ ጥራይ ኢዩ።

ኢሳይያስ ብዛዕባ ጉዳይ ዓሊ ዝተላዕለ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ከም ዘሎ፣ ንብዙሓት ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ናበይ ከም ዝኣተወ ምድሪን ሰማይን ሃሪምኩም ፍለጡ ዝዓይነቱ ዓቕሊ ጽበታዊ ዓንገረር የስምዕ ከም ዘሎ ሓበሬታ ይበጽሓና ኣሎ። ካልእ ኣብዚ ዕለት’ዚ ብኣሸበሸብ እንተዘይተኸፊሉ፤ እቲ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ክኽፈል ዝነበሮ ዓመታዊ ባጀት ሳተላይት ስለዘይተኸፍለ፤ ኤሪ-ቲቪ ብዘይካ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝፍኖ መደባት፤ ናብ ዓለም ዚዝርጋሕ ፈነወ ካብ ዕለት 30 ሕዳር ንደሓር ደው ክብል ምዃኑ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረጋግጽ።

ምስ ምቁራጽ ባጀትን ምህዳም ዓሊ ዓብዱን፣ እተን ብመንግስቲ ህግደፍ እናተመወላ ብትግርኛ፣ ዓረብ፣ እንግሊዝን ኣምሓርኛን ድሑርን ፈላላዪን ወፍሪ ዝገብራ ዝነበራ  ወብ ሳይታትን ናይ ኢንተርነት ናይ ዜና ማዕከናትን ካልእ ባጀት እንተዘይተሰሊዑለንን ንዓሊ ዓብዱ ዝትክእ ክኢላ ሰብ እንተዘይተመዲቡለንን ደው ክብላ ኢየን።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ድርብ ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!!


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...