ግዜ ክቡር ስለዝኾነስ ኣነ’ውን ንዘለኒ ግዜ ኣብ ክንዲ ምስ ዛይድ ሃይለ ቀዳማይ፣ ካልኣይ…ክፋላት እናበልኩ የላኻ-የላኻ! ዝብል፣ ናብ ካልእ መዓላ ክጥቀመሉ ምተገብኣኒ ነይሩ። መሃዝቲ ሓሶት ጸጸኒሖም ብዝተፈላለየ ናይ ብርዒ ኣስማት ከም ጉልሒንጣ ስለዝቕልቀሉ ግን ብኣግኡ ምምሓው ዘድልዮም ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እዚ መልሲ እዚ ከኣ ከምቲ “መፍለስ ናብ ገረብ ከይድይብሲ ምሳር ደኣ ተማላእ” ዝበሃል፤ ንዛይድ ጥራይ ዘይኮነስ ምናልባት ቀጺሎም ጸለሎ ሒዞም ንዝቕልቀሉ ዛይዳት’ውን ከጠቓልል ኢዩ።

ከምቲ ሓሳዊን ቆርበትን እናሓደሩ ዝፈኹሱ፣ ጽውጽዋይ ዛይድ’ውን ምስ ግዜስ ምፈኾሰ ነይሩ። ግን ሓሰውቲ ምስ ግዜን ፍጻሜታትን ሓደስቲ ምህዞታት ስለዘይስእኑ፣ ዛይድ’ውን ክሳብ ካልእ ሓሶት ተቡኩዕን ትላፉን ብዛዕባ እቲ ዝጸሓፈቶ ወቀጥ ጽሑፍ ብጭብጢ ዝተሰነየ ሓቂታት ንተቓላስይ ህዝበይ ከብርህ እየ መሪጸ። ብድሕሪ ዛይድ ብናይ ብርዒ ኣስማት ንዝጸሓፍ ጸለመ ግን ኣይክምልሰሉን እየ።

“ሕደራ…ሕደራ ክንላለ…ሕደራ!” ኢየን ዝበላ ክቡራት ኣዴታትና ንምልላይ ስለዘለወን ባህጊ። ምሕዳርን ምቕናይን ጽቡቕ ስለዝኾነስ፣ እነኹ’ኳ ነታ ጽውጽዋይ ዝጸሓፈት  ዛይድ’ውን ክፈልጣ ክኢለ። ብስም “ዛይድ ሃይለ” ግን ንኺድ እስከ…!

ሐራይ’ዶ ቀኒኹም ክቡራት ተኸታተልቲ ኤርትራውያን ኣሓትን ኣሕዋትን! ጽቡቕ ሌላ ከኣ ይግበረልና! ቀጺሉ ኣብ ዘሎ ሕጡበ-ጽሑፍ ዛይድ፦ ብዛዕባ ረድኢ ንውድባት ከም ዘነኣእስን ዘስተናዕቕን ዝብል ቃላት ኣሎ። ነየኖት ውድባት? ነየናይ ቃልሲ? ነየኖት መራሕቲ? ከም ዘነኣእስ ብዝርዝር ክበርሃለይ ምደለኹ። ኣብ ሃገራዊ ባይቶና ዘለኒ ኣኽብሮት ብተደጋጋሚ ብጽሑፍንቃላትን ክገልጽ ጸኒሐ እየ።

ንሕና ትማሊ ደምበ ኣለና ብውሽጢን ብደገን፤ ሎሚ ድማ ኣባላት ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ነቲ ሃገራዊ ባይቶ ጀሚርዎ ዘሎ ናብ ኤርትራ ዘእቱ መሰጋገሪ ቢንቶ፤ ስሚንቶን ተንዲኖን ወሲኽና ከነደልድሎ ኢና። ምስ መራሕቲ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክቡራት ኣቦ መንበራት ኣቶ ጸጋይ ዮሃንስን ዶክተር ዩሱፍ ብርሃኑን፤ ከምኡውን ምስ ብዙሓት ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ዝርከቡ መሪሕነትን ኣባላትን ሃገራዊ ባይቶ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝኾነ፣ ዝሕበነሉ ናይ ቃልሲን ሕውነትን ርክብ ኣሎኒ። ሓሶት እንተኾይኑ ባዕላቶም ይመስክሩ።

ነታ ዘይፈትዋ ቃል፣ኣነንክብል እንዲኺ ደፋፊእክኒ ዛይድ! እወ ኣነ ረድኢ መሓሪ ተመኩሮይ፤ ብፍላይ ድማ መበቆል፣ ስለያዊ ተልእኾን ዕላማን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ሎሚ’ኸ ናበይ ገጹ ኢዩ ዝጓዓዝ ዘሎ ንህዝበይ ብሓፈሻ፣ ንመንእሰይ ወለዶ ድማ ብፍላይ ንምክፋል ስድራ ቤተይን ሓገዘይ ዝጽበዩ ሓሽከት ቤተ ሰበይን ረሲዐ ኣብ ከተማታት ኤውሮጳ ንልዕሊ 800 ህዝቢ፤ ኣብ ትሽዓተ ከተማታት ኣሜሪካ እውን ልዕሊ 1000 ዜጋታት ዝተሳተፍዎ ኣኼባታት ኣካይደ እየ። ኣብ ክልቲኡ ክፍላተ-ዓለማት ዝዓደሙኒ፣ ዝተቐበሉኑ፣ ዘኽበሩኒ፣ ዘፋነዉኒ ..ኣብ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ጅጋኑ ኤርትራውያን ታቓለስቲ ኢዮም። ንዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ ከም ዝበሃል፣ ወላ ብሰንኪ ቀዳድ  ጁባይ ከምቲ ዝገበሩለይ ንክገብረሎም ዓቕሚ ዝሓጽረኒ እንተኾነ፤ እነግረሎም ግን ኣለኹ። እዚኣቶም ኢዮምምበኣር እቶም ውድባት ዝበሃሉ ብጾት ተቓለስቲ።

ኣብተን ፍሉጣት ውድባትን ሰልፊታትን ብዘይካ ምስ መራሕቲ ሰልፊ ህዝቢ /EPDP/ ብፍላይ ከኣ ምስ ልኡኽ ኢሳይያስ ዝኾነ ኣቶ መስፍን ሓጎስ፤ ምስ መብዛሕትኦም መራሕቲ ካልኦት ውድባት ጽቡቕ ዝምድና ኣሎኒ። ንናይ ቃልሲ ዝምድና ብዝምልከት ከኣ ምስ ሓለፍቲ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክቡራት ኣቶ ኢብራሂም ዓብደላ፤ ኣቶ እድሪስ ዳፊን ኣቶ ሃይለ ፍረዝጊን፤ ምስ መራሕቲን ካድረታትን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ከኣ ካብ ኣቦ መንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ክቡር ኣቶ ኣሕመድ ናስር፤ ክሳብ ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ዘለዉ መሪሕነት እቲ ግንባር ይመስክሩ።

ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ምስ ዘለዉ መራሕቲ ሰልፊ ናህዳን ካልኦት መራሕቲ ውድባትን እውን ግሩም ዝኾነ ናይ ቃልሲን ሕውነትን ዝምድና ኣሎኒ። ካብ መስራቲ ጉባኤ ግንባር ዓደቦ ንደሓር ድማ ምስ ዕጡቓት ሓይሊታት ውድብ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲን ፍትሒን ኤርትራ /EMDJ/ ብኣዋጅ ዝተገልጸ ናብ ስምረት ገጹ ዝኸይድ ዘሎ ዝምድና ኣሎና። ናይ ስምረት እማመና ምስ ካልኦት ውድባት’ውን ቀጻሊ ኢዩ።

ዛይድ ካብ ክሻ ሓሰር፣ ዕማኾ ስርናይ እንተትጭብጢ ምበለጸኪ እብል። ከምቲጤል የብለይ ምስ ወዲ ነብሪ ጽልኢ የብለይዝበሃል፤ ምስተን ካልኦት ውድባትን መራሕተንንውን ፍቕሪምበር ጽልኢ የብለይን። ምስ ካድረታትን ሓለፍቲን ውድብ ሳግም ኣብ ኣሜሪካ፤ ምስ ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ፤ ምስ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም እውን ካብ ብተኸታታሊ ምሕታት ጥዕንኡ ክሳብ እሂ-ምሂን ብዛዕባ ጉዳይና ኣቋሪጽና ኣይንፈልጥን ኢና። ኩላቶም ብሂወት ስለዘለዉ ድማ ሃየ ይመስክሩ! ንሕና ከም ደምበ ኣለና ተቓወምቲ ውድባት ንምስማርን መንእሰያት ንምትብባዕን ዝከኣለና ሃገራዊ ኣበርክቶ ጌርና ንብል። ግን ኩሉ ግዜ ባዕላውነት ግጉይ መስትያት ናይ ሓቅነት ስለዝኾነ፤ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ናይ ቃልሲ ዓመታት ንሕናን ኣነን እንታይ ጌርና ህዝቢ ኤርትራ ይፍረደና።

ኣብ ካልኣይ ገጽ ኣብ ራብዓይ ሕጡበ-ጽሑፍ “…ጽጹይ መጽናዕቲነየናይ ከባቢ ይጸሉ ተሓይኹን ተኾምሲዑንስለዝኾነ ድማ ኣብ ካናዳ ተጻሒፉ ኣብኡ ናብ ዕዳጋ ከይቀረበ ናብ ኤውሮጳ ኢዩ ተጓዒዙ። ይብል። ከምቲመርሑም ገድረክዝበሃል ክዳን ሓራጅ፤ እቲ ጽሑፍኪ ነቲ ክዉንነት ከም ክዳን ዕዳጋ ሓራጅ “ሚልዮን በሊድ” ኣዝዩ ዘለቕለቕ ኢሉዎ ኣሎ ብክብረትኪ ኣስተውዒልኪ ጸሓፊ።

ከይነውሓና እስከ ገለ ንእሽቶ ነገር ጥራይ ከብርህ። ንስለ ጸለመ ተባሂሉ ዝተፈብረከ ጽሑፍ ዛይድ ሃይለ መሰኻኽርና ኤርትራውያን ኢዮም። ቀዳማይ ሕታም መጽሓፍ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ኣብ ካናዳ ምስ ተሓትመ ብቀዳም ዕለት 3 መጋቢት 2012 ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ኣብ ጎደና ዳቨርኮርት . ገዛ 347 ብወግዒ ተመሪቓ። ሰኑይ ዕለት 5 መጋቢት ድማ ናብ ከተማ ቶሮንቶን ካልኦት ከተማታት ካናዳን ተዘርጊሓ። እቲ መጽሓፍቲ ካብ ካናዳ ናብ ኤውሮጳ ምስዳዱ ኣዝዩ ከቢድ ወጻኢ ስለዝነበሮ፤ እቲ ናብ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ዝተዘርግሐ መጻሕፍቲ ሰለስተ ግዜ ኣብ ጀርመን ኢዩ ተሓቲሙ። ኣብቲ ብዕለት 24 መጋቢት 2012 ኣብ ከተማ ፍራንክ ፈርት ዝተገብረ በዓል ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ከኣ ቦኽሪ ምዝርጋሕ መጽሓፍትልሚ ንዘርኢ ክርዳድኮነ።

‘ሕደራ…ሕደራ ክንላለ!” ካብ ናይ ብርዒ ስም ወጺእኪ ብጋህዲ’ሞ ተቐልቀሊ፣ ሓቂን ሓሶትን ክጠማጠማ ኢየን። ናብ ልብኺ ክትምለሲ ግን እትስፎ ዛይድ ሃይለ። ኣብቲ ካልኣይ ገጽ ዘሎ ሕብራዊ ሓሶትውን ከምዚ ይብል፦ “…ንሱ ድማ ካብ ኣስመራ ተበጊሱ ቶሮንቶ ካናዳ ምስ በጽሐ ሓደ ኤርትራዊ መጽሔት ብምድላው ዶላር ንምእካብ ኢዩ ተሃቂኑ። ከምኡ ኣይኮነ ዛይድ! ጉዳይ ሓርነት ህዝበይ ኮይኑኒምበር ኣብ ኤርትራ ናይ ዶላር እንተሊ ገዲፈ እየ ኣብቲ ከዕርፈሉ ዝግበኣኒ ግዜ ተሰዲደ ዘለኹ።

ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተገልጸ፣ ብሰንኪ እቲ ኢሳይያስ ንዕላምኡ ክብል ዝወልዖ ኲናት ባድመ ከም ኩላቶም ንብረቶም ዝዓነዎም ዜጋታት፤ እቲ ኣብ ከተማ ባረንቱ ዝነበረ ትካለይ ፎቶ ስቱድዮ 100% ዓንዩን ተዘሚቱን ኢዩ። ሽዑ ናይ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ናቕፋ ክሳራ ከኣ ኣጋጢሙኒ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ዝተገልጸ፣ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ንብረቶም ንዝዓነዎም ዝኸውን ገንዘብ ለጊሱ ነይሩ ኢዩ። እቲ ንዜጋታት መከሓሓሲ ንክኸውን ዝተለገሰ ገንዘብ ግን ብድሕሪ ሞት ክናና፣ ኣብ ካዝና ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክንረኽቦ ኢና።

ኩላትና ንብረትና ዝዓነወ ዜጋታት ከኣ ብዘይካ ምስክርነት ደብዳቤ ዝወሰድናዮ ካሕሳ ኣይነበረን። ቤተሰበይ ዳግማይ ብዝገበሩለይ ናይ ገንዘብ ሓገዝን ፈተውተይ ብዘለቅሑኒ ንብረትን ግን ኣብ ከተማ ባረንቱ /Konika Film Developer and Printer/ ማሽናት ፎቶ ስቱድዮ ምስ ምሉእ ንብረቱ፤ ዳግማይ ተኺለዮ።

ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣረኣእያይ ኣብ ሃገረይ  ምስ ህግደፍ ክነብር ስለዘይከኣልኩ ከኣ እነኹ ደድሕሪ ቀዳሞት ኣርኪበ። ምሉእ ፎቶ ስቱድዮ ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ባረንቱን ሓውሲ ከተማታት ሞጎሎ፣ ጎኘ፣ ሻምብቆን ከባቢአንን ንዝነበረኒ ምክፍፋል ቢራን ኣልኮላዊ መስተን፤ ገዲፈ ከም ዝወጻእኩ ክነግረኪ።

ናተይ ምውጻእን ናብ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ምእታውን ንካልኦት ዜጋታት እውን ከም ዝለከምኩ እርደኣኒ ኢዩ። ዓስበይ ከም ዓስቢ ኩላቶም ተቓለስቲ ኤርትራውያን፣ ሓርነት ህዝበይን ሃገረይን ስለዝኾነ ግን እቲ ዝወሰድክዎ ምርጫ መመሊሱ ደኣ የሐጉሰኒምበር ተጣዒሰሉ ኣይፈልጥን እየ። ስርዓት ህግደፍ ዓንዩ ኣብ መቓብሩ ተኽሊ ሓርነት ከም ዝጥጥዕ ታሪኻዊ ግድነት ምዃኑ ድማ ከም መዝሙር ዳዊት ዝደጋግሞ እምነተይ ኢዩ።

ኣነ ናብ ካናዳ ምስ መጻእኩ ክሳብ ናብ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ዝኣቱ ህዝቢ ብዛዕባ ሃገሩን ታሪኹን ንክፈልጥ ትንቢት ዝተባህለት ወርሓዊት ጋዜጣ 11 ኣዋርሕ ብተኸታታሊ ኣሕቲመ ናብ ህዝቢ ብናጻ ዘርጊሐያ። እታ 3000 ቅዳሓትትሕተም፣ ናብ ብዙሓት ከተማታት ካናዳን ኣሜሪካን ትዝርጋሕ ዝነበረት ጋዜጣ፤ ናይ ሓደ ግዜ መሕተሚኣ $716.55 ዶላር ካናዳ ኢዩ ነይሩ። ብዘይካ ብገንዘበይ ድማ ዝምውለኒ ኣካል ኣይነበረን። ብዛዕባ ጋዜጣትንቢትንህዝቢ ቶሮንቶ ሕተቲ ዛይድ ሃይለ።

ኣብቲ ዝቕጽል ጽሑፍኪ ከምዚ ዝብል ውቃጦ ኣሎ፦ “…ሓያሎ ናይ ጥርሑ ወከልቲ ገርሀኛታትን ብቕንዕና ዘሳልጡን ተረኺቦም ሸይጦም ኣረኪቦምን ገና ገንዘቡ እንተዝወስደልና ዝብሉን…” (ዝርዝር ኣከፋፈልቲን ኮሚሽን ካብ ሓደ መጽሓፍን ኣብ ዝቕጽል ክፋል) ምሕታምን ምዝርጋሕን እታ 622 ገጻት ዘለዋ መጽሓፍ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድንፖለቲካዊ ወፍሪምበር ንንግዳዊ መኽሰብ ኣይኮነን።

ኣብ ካናዳ ዶላር ክእክብ እንተዝደሊውን ኣይምጠፍኣንን ዛይድ ሃይለ። ከምቶም ቅድመይ ዝነበሩ ተቓለስቲ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ናብ ቃልሲ ኣንጻር ኢሳይያስ ንክጠማጠም ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ጎደና ብሉር /810 Bloor Street West/ ዝነበረኒ ናይ ማልቲ ሚድያ ትካል ዓጽየ እየ ተበጊሰ። ካብ ቶሮንቶ ናብ ከተማ ወተርሉ ምስ ገዓዝኩ እውን ዓሰርተ ሰዓታት ንመዓልቲ ስራሕ ጀሚረ ነይረ እየ። ፍልልይ ዶላርን ቃልሲን ስለዝርደኣኒ ግን ንኩሉ ጉዳይ ባጤራ ጠንጢነ ብዓቕመይ ንክቃለስ እየ ወሲነ።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ርክብና ኣብ ዓደቦ!!

ይ ቕ ጽ ል…


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...