ኮረሻ!

ኣብ’ዛ ዓለም ጉልሻ

ዓድን ባሕርን ጠሓሒሳ

ነውርን ቀይድን በጣጢሳ

መሬት ዘዕረበት ኮረሻ

ናይ ሓበሻ፡

እንታይኮን’ኸውን ብልሓታ

ከም’ዚ’ቢሉ ዘከላብታ።

ተዓዲላ ኔራ ብዕሸላ

ሳዕሪ’ርጊሀ ዝመስል ቅጭን ተኸዲና፡

ተሰሊማ ጎባጉብ ምስ ኩትሻ

ምስ ዓበይትን መኳንንትን ነጊሳ፡

ኣብ ንእዲ ተሓሪሳ ኣብ እንግድዓ ደቂሳ

ዋሕስ ልጓምን ርኻብን ተተርኢሳ

ቡቕቡቕን ሓሰር ጣፍን ተሰሪሳ፡

ብሰብኣይ ሰበይቲ ተቐዲሳ

ትስቀል ከምዝነበረት ከም ታቦት ተወዲሳ፡

እንተዘይዘንጊዓቶ ልቢ’ንኢሳ

ካብ ዝባን ኣይምወደቐትን ሕቖኣ ተመሲሳ።

ወይ’ዛ ኮረሻ ጠፊኡዋዶ’ኸውን ዝሕሻ፡

ምስ መርዓት ክትድብል: ምስ ሰጋር ክትዘልል

ጠጥዑሙ ክትስኹልል፡

ብባህልን ወግዕን ከምዘይሓንቀቐት

ብሴፍን ዋልታን ከምዘይማዕረገት፡

ኣብ ዕብየታ!

ከም ብተይ ከም ዒሉ

ፍንጥርያዕ ኣብዚሓ ከየ’ቕለበትሉ

ጓዶ’ዶ ወሪዱዋ ኣጥበልቢሉ’ጥበልቢሉ

ከይመሰለት ንእዋኑ፡ እናበለት የርክበሉ

ነዚ መዋእል ዳጌት ስኢናትሉ።

እዋን ወገግ ክብል ካብ ድቃሳ እንታይ ከምዘህጸጻ

ክንዲ ትመምዮ በበቊጻ፡

ብሱልን ጥረን

ኣዳዊሳ ሓዋዊሳ ትጸጽዎ በበጽቢጻ

ትስሕቕ ተገይጻ።

አረ እንታ’ዩ ዘቕበጥብጣ

ከም’ዛ ዘይፍለጣ

ካብዝን ካብትን ኣንቀላዊጣ፡

መባቑሎ ክትልውጥ’ሲ ከም ሕሱም ተረቢጻ

ካብ ሱራ ተበቊሳ

ደንበ ዘሊላ ካብ እንዳኣ ነፊጻ

ምግራሕ ምሰ’ቕበጸት ነቒጻ፡

ሽዑ’ያ ዝሃለለት ምስንፋስ ዝፈለለት

ምስ ወርጠበ ከተውግዕ፡ ዓሪቡዋ መሬት ግዳም ዝሓደረት

ምስ ፈረንጅን ዓረብን ፈዂሳ ምስቀለለት፡

ዝሰረራ ዕብድብድ

ዘይግራታ ክትኮልል ዘይዓውዳ ክትምድምድ

ዘይዘርአቶ ክትዓጽድ ደቒላ ክትወልድ

ዝጀመረቶ ዕግርግር ዝፈጠሮ ሽግር

ስኢኑ ዝሰትር ዝእብድ።

ዋይ’ዛ ኮረሻ ተዘጊሓ ብምምቡሃቕ

ጸሓይ ብራቕ ብዝተራእያ ነጸብራቕ

ካብ ጽላሎታ ንምርሓቕ፡

ምስበለት ጽውንውን

ከም’ዛ ዕንክሊል ተሰሪሓ ጽንግሊል፡

እነሆ

ናብ ድቕድቕ ጸልማት ኣቢሉዋ ጥቕልል

ኣብ መባልዖ ማል ኣቢሉዋ ዑኽልል።

አረ ንሓዋሩ’ውን ይመሰለላ ጥራይ

ኣብ ገበላ እንዳ ኣቶ ዮሴፍ ጸራባይ

ኣብ እግሪ’ቲ ወዶም ሰባኻይ፡

ብህሮሩማ ጸሓይ

ምስ ሕሱም ጽምኢ ማይ

ትቛምት’ያ ትመስል መዓልቦ፡ ኣንቃዕሪራ ናብ ሰማይ

እናበለት ዋይ! ነዊሑዋ ምጽባይ፡

ይስማዓ’ሎ ድምጻ ካበ’ስመራ ክሳብ ሲናይ

ብመግረፍቲ በደዊን መሪሩዋ ስቓይ።

ፈጢሩሎም’ወ!

ተዓዲሎም በደዊን፡ ከይሓፈሩ ሰብ እናጠብሑ ይጀሃሩ

ልብን ኩላሊትን ናይ ኤርትራዊ ኣንጠልጢሎም ዕዳጋ’ውዕሉ

ግደፍ ዝብል ዋና ስኢኖሙሉ

‘ሓውል’ ንምባል’ሲ

ከይፈርሑ ንዓድን ንወጻእን ተለፎን ይድውሉ።

እዛ ኮረሻ

ብሃሰስ ሃሲሳ ልቢ ብዙሓት ጠባቢሳ ከይተጓሕፈት ተጎሲሳ

ንፋስ ይኹን ጣዕሳ ናብ እንዳኣ እንተዝመልሳ፡

ካብ ጸበል ይኹን ካብ መትኮሳ

እንተዝፈጥረላ ፈውሳ

ደምበ እንዳ መዓለ’ቦኣ ምኸሓሳ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...