ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ህጹጻት ጉዳያት ኣለውዎ ንሳቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥

1. ባይቶ ኤርትራ ንደሞራስያዊ ልወጢ ብባይቶታ ሰንዓ ፎሩም ሕጋዊ ተፈላጥነት ክህልውዎ

2. ምስ ባይቶታት ዓለም ስለ ክፋለጥ ማእከላይ መደበር ባይቶ ኣብ ውጻኢ ክኸውን

3. መደበር ፈጻሚት ሽማግለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኸውን

4. ንነጋዶ ህዋሳት ኤርትራውያን ብኹሉ ኣገባብ ዝቃለስ ትካል ምቕዋም

5. ሰራዊት ባይቶ ብባይቶ እምበር ብሰራዊት ዘለወን ውድባት ከይቀውም፡ እዚ ድማ ብኢድ-ኣዙር ወተሃደራዊ ኪዳንን ናይ ጽባሕ ዲክታተራዊ ሰራዊትን ስለ ከይቀውም እዩ

6. ባይቶ ብምሉእ ዓቕሙ ንጉባኤ መንእሰያት ከዐውት ክነጠፍ፣ ድሕሪ ጉባኤኦም ድማ ኣባልነቶም ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ከረጋግጽ

7. Think Tank ንኤርትራዊ ዓቕምታት ስትራተጅን ሞያን (expertise) ተኸሱስን (specialization) ዝጥርንፍ ትካል ኣብ ባይቶ ክምስረት

8. ንስራሕ ባይቶ ዝምልከት፥

ሀ. ንኣኼባ ተካይድ ሰክረታርያ ክትቀውም

ለ. ኣብ መንጎ ፈጻሚትን መሪሕነት ባይቶ ምትእትታው ክይህሉ

ሐ. ፈጻሚት ብኰታ ዘይኰነ ብቐጥታ ክትምረጽ፡ ቊጽራ ድማ ካብ 11 ክይሓልፍ

መ. ብፈጻሚት ዝምደቡ ካድራት ብዝተኻእለ መጠን ኣባላት ባይቶ ክዀኑ፡ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ብፈጻሚት እምበር ብጨናፍር ከይምደቡ

ሰ. ኣባላት ፈጻሚት ምሉእ ግዜኦም ዘገልግሉ ክዀኑ

9. ጉዳይ ቀርነልዮስ ኣብ ኣጀንዳ ስለምንታይ ከምዝኣተወ ንጹር ኣይኰነን

ባይቶ ንጉዳይ dicipline ኣብ ፖለቲካዊ ሸንኰለል ምእንቲ ከይኣቱ ነዞም ዝስዕቡ መትከላት ኣብ ግምት ከእቱ ይግደድ፥

· ሃገራዊ ባይቶ ከም ሽሙ ባይቶ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ባይቶ ኪዳን ኣይኰነን

· ብሄር ኩናማ ድማ መስራቲ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ እዩ

· ቀርነልዮስ ወኪል ብሄር ኩናማ ኣብ ባይቶ ኤርትራ ስለ ዝዀነ ኣባልነቱ ኣብ ባይቶ ቅዉም እዩ፣ ከውርዶ ዝኽእል ዝመረጾ ውድቡ ጥራይ እዩ

· ቀርነልዮስ ኣብ ጸፍሕታት መሪሕነት ባይቶ ይኹን ወይ ፈጻሚት ክምረጽ መሰል ኣለዎ፡ ብደሞክራስያዊ ምርጻ ይምረጽ ወይ ይወርድ

· ካብ ቀርነልዮስ ዝጥለብ፡ ጀግና እድሪስ ዓዋተ መስራቲ ሰራዊት ኤርትራን ኣቦ ስውራን ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ምርግጋጽ እዩ

ዓወት ንሃገራዊ ባይቶ!

ውድቀት ዲክታተራዊ ስርዓት ኢሳይስ!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!

ሕሩይ ተድላ ባይሩ

ኣቦ መንበር ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...