ካብ የካቲት መጀመርያ ጀሚሩ ንዕርፍቲ ዝተዓጽወ ናይ ኤርትራ ባይቶ፣  ግዜ ሥርሑ ንኽጅምር ብኽፍላ ወርሒ መጋቢት ክኽፈት ዝግብኦ ዝነበረ፣ ብቺፍ ኤግዜኩቲፍ ሥልጣን ክሳብ ሚያዝያ 27/ ክጸንሕ ተገይሩ። ተድላ ባይሩ ናይ ባይቶ ህንጻ አብ ምሕድሽ ኢዩ ዘሎ ብዝብል ሰበብ ክሳብ ክንድዚ ዘጽንሕዎ፣ ይጥቕኢዮም ኢሎም ብዝሐስብዎ ብዞም ክልተ ምኽንያታት ሙኻኑ፣ ናይ እንደራሴ ቤት ጽሕፈት ንንጉሠ ነገሥት ብዘቕረቦ ሪፖርት አረዲኡ። ንሳቶም’ኣ፣

1ይ. በቲ ተሰረአዘ ምርጫ ናይ ወልደኣብ ወልደማርየምን ከምኡ’ውን በቲ ዝተዓጽወ ናይ „SWAT – ERITREA „ ጋዜጣ ምንያት ካብ መጋቢት 15 ጀሚሩ ብ ከተማ አሥመራ ብጣዕሚ እናተፈሓሓመ ዝነፍስ ወረ፣ ክላ ሚያዝያ አባቢ፣ እዚ ምስ ረስኑ ሀፈጽ እናአበለ ዝነፍስ ዘሎ ንፋስ ክዝሕል ይኽእል ኢዩ ብምባል ተስፋ ብምግባር ኮይኑ፤ 2ይ. ድማ አብ መጨረሻ ሚያዝያ ናይ አስላም  ሮሞዳን ጾም ስለ ዝአቱ፣ አብ ባይቶ ንነዊሕ ስዓታት ብዙሕ ክርክር አይቅጽልን ኢዩ፣ ምኽንያቱ በብዕለቱ ፍርቂ መዓልቲ ክበጽሕ ከሎ አስላም ዝገብርዎ ጽሎት (ስግደት) የቋርጾ ኢዩ ብማለት ነበረ። በዚ ከምዚ ቺፍ ኤክዜጉቲፍ ምስ ፈታዊኦም ምስ አቦ ወንበር ፕረዚደንት ዐሊ ሙሳ ረዳይ ብምትሕብባር ቤት-ምኽሪ ምስ ተኸፍተ ከካብ አቕጣጭኡ ዝትስኦም ውግእ (ጦርነት) ብቖራጽነት ክንገጥሞ ኢና ኢሎም ምድላዋት ክገብሩ ቐኒዮም።

ቤት-ምኽሪ ብወግዒ ዝኽፈት ብንጉሠ ነገሥቱ እንደራሴ ስለዝኾነ፣ ሚያዝያ 27/1953 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት ዐሰርተ ሐደ (ሰዐት ሐሙሽተ)፣  ብዝልዓለ ሥነ-ሥረዓት አብ ዝተዳለወሉ አብ’ቲ ናይ ባይቶ አዳራሽ፣ ቢተወደድ አንዳርጋቸው መሣይ ዝገበርዎ ዲስኩር፣ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ድሌት ናይ ተድላ ባይሩ ዘማልእ ኾይኑ ተረኽበ።

ብሐደ ሐደ ቦታታት መሠረት ዘይብሉ ናይ ፈጠራ ወሬታት ዝነዝሑ ከም ዘለዉ ቢተወደድ አንዳርጌ ድሕሪ ምጥቃሶም፣……ናይ ኤርትራ ምምሕዳር ፈደረሽን አብ ዝኾ ግዜ ዘይትንክፍ፣ ብዘይ ኤርትራውያን ፍቓድ ዝኾነ ሰብ ክነኽኦ ዘይክእል ምኻኑ፤ ብናይ ንጉሠ ነገሥት ስም አረጋጊጾም።….

ናይ ኤርትራ ተቓወምቲ ድርጅታት ኢና ዝብሉ ሐደ ሐደ ሰባት፣ ንሕቡራት መንግሥታት ዘቕረብዎ ስፊሕ ናይ ክሲ አቤቱታ፣ ብቐጥታ ዘይኮነ ብተዛዋዋሪ መገዲ መልሲ ክህቡ ከለው፣….ቀዳማዊ ኃይለ-ሥላሴ ንናይ ኤርትራ ምምሕዳር ዝተዋህቦ ሕገ-መንግሥቲ ተኸቢሩ፣ ንናይ ህዝቢ ድሕነትን ብልጽግናን ፍረ ዘልዎ ውጺኢት ክህብ፣ ጽኑዕ ትምኒቶም ጥራሕ ዘይኮነ፣ ስፊሕ ልግስንኦም’ውን ዝለገሱ ሙኻኖም አፍለጡ። ምስ እዚ አተሓሒዞም፣ ምምሕዳር ፈደረሽን ምስ ተጀመረ ጀሚሩ ክሳብ ለይተ ሎሚ ብዘሎ ሽዱሽተ አዋርሕ ውሽጢ፣ ብግርማውነቶም ፍሉይ ትእዛዝ ንናይ ኤርትራ ህዝቢ ልምዓት ተ ሚልዮን ሐሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ብር (ቅርሺ) (በቲ ግዜ‘ቲ U.S.D. 1.400.000) ሐገዝ ከምዝተዋህበ አፍለጡ።

እዚ ገንዘብ‘ዚ፡ 1ይ. ምድሪ ባቡር ዝበጽሔ ናይ ባጀት ሕጽረት መምልኢ፣ 2ይ. ንቤት ትምህርትታትን ንኦስፒታላትን መሥርሒ፣ ከምኡ‘ውን ንሐደ ሐደ አብያተ ቤተ ክርስቲያናትን መስጊዳትን መጸገኒ ንኽኸውን ምድልዳሉ ዘርዚሮም። በጀካ‘ዚ መንግሥቲ ኤርትራ ብዝብሮ ጻዕሪ ናይ ሀገር ቁጠባ ክሳዕ ዝመሓየሽ፣ ናይ ንጉሠ ነገሥት ናይ ጦር ምኒስትር ሐደ ሽሕ (1000) ኤርትራውያን ንወታደር ሞያ ከም ዝኽተቡ ካብ ጃንሆይ ከም ዝተኣዘዘ ገሊጾም።

ቢተወደድ አንዳርጋቸው ዘረብኦም ብምቕጻል፣ ናይ ወጻኢ ጸላእቲ፣ ሐደ ሐደ ናይ ውሽጢ ተንኮለኛታት ብገንዘብ እናኣታለሉ ዝዝርግሕዎ ወረታት ኩሉ፣ ክሳብ ክንደይ ካብ ሐቂ ዝረሓቐ ሙኻኑ መረጋገጺ ጠቒሶም።

„….ኤርትራ አብ አደ ሀገራ ብምምላሳ፣ አብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብሩ ጣሊያን ብሙልኦም ለቒቖም ክዎጹ ኢዮም ባሂሉ ብሰፊሑ ከም ዝተወርዬ ዝኽሕድ የልቦን። ኮይኑ ግን አብ ዝሐለፉ ሽዱሽተ አዋርሕ ጀሩ ከም ዝረኣናዮ፣ ክሳብ ሎሚ ዋላ ሐደ ጣልያን ሀገር ዝለቐቐ ወይ‘ካ ንኽለቅቕ ሳንጥኡ ዝቐረበ አይረኤናን። ከምኡ’ውን ካብ ጣልያንን ኤርትራውያንን ዝተወልዱ ቁጽሮም ክሳብ ዕስራ ሽሕ ዝበጽሑ (20.000) ሐነፍጽ፣ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ብዝፈጥረሎም ሽግር ምኽንያት፣ ብዜግነቶም ጉዳይ ንመጻኢ መምበሪኦም ብጣዕሚ አተሐሳሳቢ ኢዩ ተብሂሉ፣ ብሰፊሑ ክህየሰሉ ከምዝነበረ ንዝክር ኢና። እንተኾነ ግን ካብ ዝሐለፉ ሽዱሽተ ወርሓት ጀሚሩ እዞም ሐነፍጽ ናይ ጣልያን ወይ‘ኣ ናይ ኢትዮጵያ ዜግነት መሪጾም አብ ዝደለይዎ ሀገር ንኽነብሩ ዕድል ስለዝተዋሂቦም፣ ክሳብ ሕጂ ናብ ጣልያን ዜግነት ዘምርሑ፣ ቁጽሮም ካብ ክልተ ሽሕ ንላዕሊ ክበልጽ አይክኣለን። ዝተረፉ ዐሰርተ ሸሞንተ ሽሕ ግን፣ ኢትዮጵያውነት ስለዝመረጹ፣ ናይ ሠላምን ናጽነትን ናብርኦም ክጅምሩ መንገዲ ኸፊትሎም ኢዩ።

እዞም ሐነፍጽ ብምሎምን ምስኦም’ውን ወታደራት ጣልያን ኮይኖም ዘገልገሉ ጥሮተኛታት፣ ኤርትራ ተመሊሳ ና ጣልያን  ግዝእቲ ንኽትከውን ክሳብ ክንደይ ዝተቓለሱ ከምዝነበሩ፣ ህዝቢ ይኹን ናይ ወጻኢ ዓለም አህዛብ ብልክዕ ይፈልጦ ኢዩ። ቀዳማዊ ኃይለ-ሥላሴ ብሰባኣዊ አረኣእያኦም፣ ቅድሚ ሕጂ ነቶም ትርፍራፍ ናይ ፋሽሽቲ ከም ዝገበርዎ ኩሉ፣ ሎሚ‘ኣ ነዞም ናይ ጸላኢና ወገን ብዝነበሩ ሰባት፣ ዋላ ሐንቲ ናይ ቂም በቐል ስጉምቲ ንኸይፍተነሎም ብዝ ጽኑዕ ትእዛዝ መሠረት፣ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ናይዞም ሰባት መሰል ብግቡእ ከም ዝሕለወሎም ነረጋግጽ አሎና“ ድሕሪ ምባል ቢተወደድ አንዳርጋቸው መሣይ ዘረብኦም ክውድኡ ኸለው፣ ናይ ኤርትረ ፈደረሽን ምምሕዳር ተኸቢሩ ንኽቕጽል ናይ ንጉሠ ነገሥት መሠረታዊ ዕላማ ሙኻኑ ደጊሞም አረጋገጹ „….ነዛ ሀገር ናይ መጻኢ ሒወት ዝጠቕማ ፈልዩ ዝውስንስላ፣

ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ኢዩ….“ ብምባል ዲስኩሮም ዛዘሙ።

ባይቶ ንምኽፋት አርብዓን ሐሙሽተን ደቒቓ ዝወድኤ ናይ ዘውዲ ዲስኩር፣ በቲ ሰዓት‘ቲ መንግሥቲ ተድላ ባይሩ ዝወረዶ ሽግር ንምቅላል ተጸኒዑ ዝተዳለወ ሙኻኑ የርኢ። ናይ ቀዳማዊ ኃይለ-ሥላሴ መንግሥቲ፣ ናይ ኤርትራ ፈደረሽን ዋላ ሐደ‘ኳ ከፍርሶ ከምዘይክእል ምርግጋጽ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ንኤርትራ ልምዓት አብ ውሽቲ ሽዱሽተ አዋርሕ ሰለስተ ሚልዮንን ሐሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ቕርሺ ከም ሐገዝ ከምዝተገብርሉ ምስ ተነግረ፣ ተቓወምቲ ዋላ‘ኳ ሐጎሶም ብጭብጨባ ክገልጹ ኢዮም ተባሂሉ ትጽቢት እንተዘይተገብረሎም፣ ብናይ መንግሥቲ ጃንሆይ ብምምራር ሰፍ ዘይብል ዝዐብየ አቤቱታ ንኸስምዑ ዝሐሰብዎ፣ እዚ ናይ ዘውዲ ዲስኩር ዕድል ከይሃቦም ተሪፉ።

አብ ናይ ባይቶ መኽፈቲ በዓል ተኻፈልቲ ዝኾኑ፣ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ብጣዕሚ ዝከታተሉ ናይ ዐበይቲ መንግሥታት ቆንስላት፣ ናይ ቢተወደድ እንዳርጋቸው መሣይ ናይ ዘውዲ ዲስኩር፣ ንዝተሸገርናሎም ጉዳያት ነቶም ቀንዲ ቀንዲ፣ መልሲ ረኺብናሎም ብምባል ከም ዝተሐጎሱ ገሊጾም። እቶም ናይ አንድነት ወገን አጥብትቕቲ ወግዒ፣ ቀዳማዊ ኃይለ-ሥላሴ ልምዓት ሐገዝ ገንዘብ ምሀቦምን ከምኡ ድማ አብ ናይ ኢትዮጵያ ጦር ሠራዊት ውሽጢ ሐደ ሽሕ ኤርትራውያን ክኽተቡ ምእዞም ክሕጎሱ ኸለው፤ ናይ ኤርትረ ፈደረሽን ተኸቢሩ ንኽጸንሕ ክግበር ኢዩ ዝተባህለ መልእኽቲ ግን ምስ እምነቶም ዝኸይድ ኮይኑ አይተረኽበን።

ተድላ ባይሩን ዐሊ ረዳይን፣ 1ይ/ ብናይ ወልደኣብ ጉዳይ ይኹን ብናይ „SWAT“ ጋዜጣ ምኽንያት፣ ዐቢ ምትርማስ ክፈጥር ይኽእል ኢዩ ኢሎም ዝፈርህዎ ዝነበሩ ዋላ ሐንቲ ከየጋጠመ ምሕላፉ፤ 2ይ/ ናይ ኢትዮጵያ መንግሥቲ ንተድላ መሣርሒ ገይሩ ፈደረሽን ከፍርሶ ኢዩ ንዝተባህ ረ፣ ሕገ-መንግሥቲ ከም ዝኽበር ናይ ዘውዲ ዲስኩር ውሕስነት ብምሀቡ፣ አብ ልዕሊ ፀላእትና ዐቢ ዐወት ተጓናጺፍና ብምባል ብሐጎስ ተጨንዲሖም። እቲ ናይ ዘውዲ ዲስኩር ንናይ ተድላ መንግሥቲ ዝድግፍን ንናይ ቓወቲ መደብ ዘፍሽልን ኮይኑ ጽቡቅ ውጺኢት ዝሀበ፣  ብናይ ጸሐፊ ትእዛዝ ዝለዓለ ሐገዝ ስለ ዝኾነ፣ ካብ ሕጂ ንንዮው „ድመ ንወልደገርጊስ“ ናይ አንዳርጌን ናይ አስፍሃ ተንኮል ንምስባር አቕምና ብርቱዕ ኢዩ፣ ብምባል ድላ ምስ ዐሊ ሞራሎም አዳበሩ (ሐፍ አበሉ)።

ይቕጽል፤

„ካብቲ ኽሩት ጕንዲ እሰይ ከኣ ሐደ ጠጥዒ

ኺጭብጭብ እዩ፡ ሐደ ጨንፈር‘ውን ካብ

ሡሩ ረ ኺፈሪ እዩ። ማለት ሐድሽ ንጉሥ ክነግሥ እዩ።

አብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣቢሔር፡

መንፈስ ጥበብን አእምሮን፡ መንፈስ ምኽርን ይልን፡

መንፈስ ፍልጠት እግዚኣቢሔር ፍርሃትን ክዐርፍ እዩ።

ንእግዚአቢሔር ከኣ ኺፈልጦን

ኬኽብሮን እዩ።   ትን፡ኢሳ፤ 11፤1-2፤

ካብ/ሻም/ ኃይለ-ሥላሴ ገብሩ፤

ዘብሔር ጀርመን፤

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...