ኣብ ጽባሕ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘበሰረን ንስርዓት ህግደፍ ዘጃጀወን ፈርከሽከሽ ዘበለን ውዕሎ ጀጋኑ መንእሰያትና ኣብ ጀነቭ፣ ካልእ ክዛረብን ክጽሕፍን ምተገብኣኒ። ግና ጽሩይ ማይ ንምስታይ ኩሉ ደምበ ተቓውሞን መንእሰይ ወለዶን ‘ሳቮያ’ ህግደፍ ንምቕባር ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ርሱን ወፈራ፣ ጽውጽዋይ ዛይድ ሃይለ ስለዝረኸብኩስ ንገለ ግዜ ጋእ ንከብለኩም ተገዲደ ደቂ ኤርትራ።

እቲ ኣብ ኣንቶረ ዝነብር በዓል መጋርያ ከብቲ፤ ኣብቲ ጥሪቱ ጥምዮ ውዒለን ንሩባ ዝወርዳሉ ግዜ ብዘይ ምቁራጽ ማይ እናገለለ ክመልኣለን ኣለዎ። ከምቲ ወራዙት ኣዴታትና ኣብ እዋን ዓጺድ “ሆይ ማርያም ሓግዝና!” እናበላ ግራተን ዝዓማ፤ ዋና መጋርያ ጥሪት ጸባ ጸገብ በዓል ኣንቶረ ከኣ፤ ማይ ኣብ ዝግልለሉ ግዜ (ንጹር ትርጉም ብዘይብሉ ቃል) ዎሮ-ቶን-ኣባ-ሄማ! እናበለ ኢዩ ጋብላታቱ ማይ ዝመልእ። ሽዑ ኣምላኽ ብተኣምር ካብ ሰማያት ወሪዱ ሰላም እንተዝብሎ’ውን ኣይምመለሰሉን። እቲ ምንታይ እተን ጥምዮ ዝወዓላ ሓሽከት ኣሓ ማይ እንተዘመሊኡለን ክጥሕርኦ ስለዝኽእላ።

እቲ ኣዝዩ ንእሽቶ ዓቕመይ ብዘፍቅዶ መጠን ምስ ኩላቶም ደለይቲ ፍትሒ ከም ጓሳ በዓል ኣንቶረ ‘ውድቀት ንህግደፍ! ሞት ክናና ንኢሳይያስ!’ እናበልኩ ምስ ህዝበይ ኣብ ጽዑቕ ቃልሲ ኣብ ዘለኹሉ ግዜ ዝግ ዘብለኒ ጉዳይ ጽውጽዋይ ብምርካበይ ኣየገርመንን ኢዩ።

መአረምታ፣ ነቐፌታን ርእይቶን ሃናጺ ምዃኑ ኣዝየ እየ ዝኣምነሉ። ‘መንገዲ እንተ ስኢንካ ጓል መንገዲ ድለ’ ይብሉ ቀዳሞት። ትም ምባል ጽቡቕ ኢዩ። ግን ከኣ ብዙሓት መቓልስተይ ደለይቲ ሓርነት ኣብ ዛዕባ ዛይድ ሃይለ ገለ ንእሽቶ ነገር ንክምልስ ብዙሕ ግዜ ስለዝደወሉለይ እነኹ ተገዲደ ላብሸይ ኣልዒለ እሕንጥጥ ኣለኹ’ሞ ኣይተስተዋሕድዎ እንዳባ! ጽሑፍና ቋንቋ ትግርኛ ኢዩ’ሞ፤ ቃል-ብቓል እዋሕስ አግብእ ቅድሚ ምባለይ ንሓቂን ሓሶትን ብህድኣት ንከተመዛዝኑ ብትሕትና ክሕብር እደሊ።

ናብ ዳግማይ ቃልሲ ንሓርነት ቅድሚ ምብጋሰይ ኣብ ቅድመይ ንዝጸንሑኒ መሰናኽላት ብከመይ ኣገባብ ክሰግሮም ከም ዝግበኣኒ ንብዙሕ መዓልታት ብዓቕመይ ተመራሚረ እየ። ካብ ስደት ናብ ዓዶቦና ዘእቱ ስንቂ ከይጎድለኒ፣ ሞራለይ ከይሰናኸል፣ ንድሕሪት ከይጥምትን ኣብ መንገደይ ነግ-ፈረግ ንከይብልን ከምኡ’ውን ካብ ምጽሓፍ ታሪኽን ስነ-ጽሑፍን ዝግ ንከይብል ምስ ነብሰይ ሱባኤ ኣትየ እየ ተበጊሰ’ሞ ንብድሕሪ ሎሚ ዝመጽእ እሾኽ ቀንጠብ እውን፤ ከም  ቀደመይ ክሓልፎ ምዃነይ ኣይጠራጠርን እየ።

ቅድሚ ክልተ ዓመታት ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ብዝብል ኣርእስቲ ክጽሕፍ ምስ ጀመርኩ። ኣያይ (ስም ኣይክጠቅስን እየ) ስራሕ ከም ዝሰኣነ ሰይጣን ደድሕረይ ልዕሊ 10 ክፋላት ጽሑፋት ዘርጊሑ ከም ዝነበረ ንዝክር ኢና። እቲ ብውሕልነት ዝተሓነነ ጽሑፉ ግን ንሕብረይ፤ ንጠባየይ፤ ወይ ንዕላማይ ክቕይር ኣይከኣለን።

‘ኣብ ጥቓ ትኪ ንዘሎ ዓይኒ ኣይተብኪ’ ከም ዝበሃል፤ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ቀረባ ንዘለዉ ሰባት ከነእምን ንኽእል ኢና ካብ ዝብል ናይ ኮን’ዶ’ኾን ፈተነ ካብ ዝነቕዐ ሳርማ ገለ ሓሶት ክነዝሑ ፈቲኖም ነይሮም። ጸሓፍቲ “ንሕና’ውን ኣለና’ኮ” ንምፍላጦም ሕሩድን ዕጣንን ዘድሊ ኣይኮነን። ግን እስከ ብስም ዛይድ ሃይለ ንኺድ።  ከምቲ ኣብ ኣስማት ትግርኛ ሓያሎ ናይ ወዲን ጓልን ተመሳሳሊ ኣስማት ዘሎ፤ ዛይድ’ውን ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ክትከውን ትኽእል ኢያ ክብል እመርጽ።

ምህላው ማሕረ ኢዩ’ሞ፤ እንቋዕ ከኣ ሃሎኺ ዛይድ ሃይለ! ከማኺ ኣለና ዝብሉ ደቂ ኤርትራ ይሰስኑ። “ንሕና’ውን ኣለናኮ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈ ሓሶት ኣብ ራብዓይ ሕጡበ-ጽሑፍ “…ረድኢ መሓሪ ኣለና ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ብዝብል ኣርእስቲ ግርም ዝኾነ መጽሓፍ ንንባብ ኣቕሪቡ ህዝቢ ኣብ ምንባብን ምዕዳግን ነዛ መጽሓፍ ልዑል ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ። 1.) ኣብታ ብግላዊ ህርኩትንኡ ጥራይ ዝተጻሕፈት 2.) ብዙሕ ምንጪን መወከሲን ዘይብላ መጽሓፉ…” ኣብዚ ንክልተ ጉዳያት ጥራይ ከብርህ ኣፍቅዱለይ። ንጠቐነ ቁጽሪ 1.) ብዝምልከት ኣብ መጽሓፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ገጽ ገጽ 23 ራብዓይ መስመር ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ፦ “…ብዓቕምና ውህሉል ተመኩሮ ገድሊ ብዘለና ብኣባላት ምንቅስቓስ ኣለና ብዝተኣከበ ፍልጠት ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብቀረባን ብውልቂን ብእንፈልጦ ዜጋታት ኤርትራ ኢያ ተጻሒፋ ዘላ” ይብል።

ንሓሶት ቁጽሪ 2.) ኣብቲ ‘ሰብ ብዓቕሙ እኽሊ ከም ቀሪሙ’ ዝብል ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ቅድመ-ጽሑፍ፤ ኣነ ብዓቕመይ እጽሕፍን እዝርግሕን ከም ዘለኹ ኢዩ ዘስምዕ እቲ ምስላ ትግርኛ። ክብርቲ ዛይድ ብዙሕ መወከሲ የብላን ኢልኪ ኣቐዲምኪ ትንታነ እንተትህቢ፤ ዓጀብ ክንደይ’ኮን ምጸበቐ! እቶም መጽሓፍ ኣብ ምንባብን ርእይቶ ምሃብን ብዙሕ ተመኩሮ ዘለዎም ኢለ ዝኣምነሎም ተቓለስቲ ምሁራት ኤርትራውያን፣ መምህር ኣማኑኤል ሳህለን ኣቶ ሳልሕ ጆውሃር ቃዲን ብዛዕባ መጽሓፍ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ብትግርኛን እንግሊዝኛን ገይሮም ርእይቶኦም ስለዝጸሓፉ፤ ሎሚ ብድሕሪ ሓደ ዓመት ‘ምንጪን መወከሲን ዘይብላ’ ምባል፤ ኣብ ልዕሊ ጸብሒ ዝግኒ ጸብሒ ሓምሊ ጊደበሉ ምግምጣል ጥራይ ኢዩ ክብል ምደለኹ።

ኣብ ዘመነ-ኢሳይያስ ካብ ዝተሰለፈሉ እዋን ስሳታት ክሳብ ሎሚ እንኮ ዶኩመንት ወይ ስእሊ ኣይተረኽበን። ስለዚ ክሳብ ሞት ኢሳይያስ እንርኢን እቲ ኣብ ከብሒ ዝሓብኦ ዶኩመንታት ክሳብ እንግንጽልን እንፈልጦ ካብ ምጽሓፍ ትም’ዶ ንበል ዛይድ ሃይለ? ወይ ጥበብን ክእለትን እንተለኪ ሃየ ከብሒ ኢሳይያስ እተውያ! ወይ’ውን ንእሽቶ ምንጪን መወከሲን ዘለዎ ታሪኽ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣቕርብልና።

ኣብ ሻድሻይ ሕጡበ-ጽሑፍ ድማ መስደምም ኣሎ ዛይድ ሃይለ፦ “ረድኢ ዝሰምዖን ዝኣከቦን ታሪኽ ኣቕሪቡልና” ኢልኪ። ወሪዱኒ’ምበር ብዛዕባ ነፍሰይ ክዛረብ ድሌት ኣይነበረንን። ስለዚ ረድኢ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 1974 ክሳብ ዕለት 24 ግንቦት 1991 ኣበይ ኢዩ ነይሩ ኢለ ተመሊሰ ክሓተኪ ኣፍቅድለይ! ረድኢ ዝሰምዖ ጥራይ ድዩ ጽሒፉ ወይስ ብኣካል ኣብ ገድሊ ነይሩ’ዩ? ንዝወዓሉ ሕተቲ ዛይድ ሃይለ። ረድኢ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ሓይልታት “ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ ዓወት ወይ ሞት” ኣብ ዝበሃለሉ ዝነበረ ዘመን እኒ-እኒ፤ ከምቶም ብሃገራዊ ወኒ ዝተጸለዉ መንእሰያት ሰብዓታት፤ ሃንዛን ፍቕሪን ኣደይ ወላዲተይ ከይጸገብኩ እየ ስለ ናጽነት ህዝበይን ሃገረይን ን6001 ለይቲታት ቃርዒዶን ሓምሊ ርጅላን እናበላዕኩ ምስ ተመነ-ገበል ዝነበርኩ። ሎሚ ተመሊሰ ንጉዳይ ሃገረይ ክርእዮ እንከለኹ፤ ከምቶም ዝሓለፉ እንተዝስዋእ ምሓሸኒ ነይሩ እብል እየ። ግን ኣይተሰዋእኩን! ስለዚ ናይ ዛይድ’ኳ እንተዘይፈለጥኩ፤ ገለ ደቂ ሃገር ኣብ ወርሒ 6001 ዶላር ክኽፈሉ እንከለዉ፤ ኣነ ግን ምስቲ ከም ሓጓዳይ ሓጻውን ሩስያ ዝእክብ ዝነበረ ተጋዳሊ እየ ዝነበርኩ።

ንኺድ ደኣ ዝጎደለ የለን! እቲ መስደምም ኣይወሓደን፦ “…ረድኢ ኣብ ባረንቱ እንዳ ስእሊ ከም ዝነበሮን ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዓንዩ ብምባል ሓያል ካሕሳ ከም ዝረኸበ ዝፍለጥ እንተነበረ’ኳ…” ኣብዚ’ውን ሕብሪ ዘለዎ ሓሶት ኢኺ ጽሒፍኪ ዛይድ ሃይለ። ‘ከልቢ ጽላለ’ ይብሉ ሰብ ደቂ-ዳሽም! ኣብ ከባቢ ሽላሎ ጽላለ ዝበሃል ዓዲ ኣሎ። ሓደ ዓመት ደርቂ ነይሩስ እቶም ጓሶት ጽላለ ንኣኽላባቶም ኣብ ገበራ ወይ ድማ ኣብ ሩባ ሽያኽ ፍሒሮም ማይ ይመልኡሎም። ደሓር ኣብቲ ማይ ሒደት ጸባ ጥብ ምስ ኣበሉሎም ኣኽላባት ጽላለ ነቲ ጻዕዳ ሕብሪ ጥራይ ርእዮም ይነብሩ ነበሩ ይበሃል።

ሓሰውቲ ድማ ካብቲ ሓቂ 5% ፈንጪሎም ናብ 95% ሓሶት ይለውስዎ’ሞ ምስ በኹዐ ኣብ ቀረባ ንዝርከቡ ሰባት የብልዑዎም። ልክዕ’ዩ ኣብ ባረንቱ እንዳ ስእሊ ነይሩኒ። ኣብቲ ብዓርቢ ወጋሕታ ዕለት 12 ግንቦት 2000 ዓ.ም. ዝተኸፍተ ኣስካሕካሒ ኲናት ድማ ዓንዩ ኢዩ። መንግስቲ ኣሜሪካ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ኣሃዱ ገጠራዊ ልምዓት /Rural Development Unit/ ኣብ ኲናት ንብረቶም ንዝዓነዎም ዜጋታት ካሕሳ ዝኸውን 13 ሚልዮን ዶላር ከም ዝለገሰ እፈልጥ እየ። ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ከኣ /ኣቶ የማነ ተስፋይ/ ካብ ኣማሓዳሪ ባንክ ኤርትራ /ኣቶ ክብረኣብ ወልደማርያም/ 126 ሚልዮን ናቕፋ ከም ዝተረከበ ኣረጋጊጸ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።

እንተኾነ እቲ ገንዘብ’ቲ ናብ ካሕሳ ንዜጋታት ኣይወዓለን። ኣብቲ ከቢድ ኲናት 2000 ዓ.ም. ኣብ ክልተ ከባቢታት ዓበይቲ ዕንወታት ወሪዱና ኢዩ። ሓደ ኣነ ምስ ተጣየስቲ ብጾተይ ኣብ ከባቢ ኦምሓጀር፤ ጀበል መራፍዒን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝነበረና ንብረት ሕርሻን ሓንቲ ማስ ፌርጉሰን ዝተባህለት ትራክተርን ክጠፍኣና እንከለዋ፤ ከም ንብረት ተጣየስቲ ይኹን ከም ዋና  ኣብ ከተማ ባረንቱ ዝዓነወኒ ትካል ፎቶ ስቱድዮ፤ ካሕሳ ይኹን ልቓሕ ወላ ሓንቲ ናቕፋ እውን ኣይወሰድኩን። ዛይድ ሃይለ ትፈልጥዮ እንተሎኪ ከኣ ግርም! ብዝሒ ገንዘብን ዝተወስደሉ ዕለትን ሃየ ጭብጢ ኣቕርቢ።

ኣብ ቀዳማይ ገጽ ኣብ መወዳእታ ዘሎ ጽሑፍ ከምዚ ይብል፦ “…ካብ ጸሓፊ ናብ መራሕ ውድብ ተሰጋጊረ ኣለኹ ምስ በለና፤ ኣንታ እዚ’ከ ደኣ እንታይ ኮይኑ እንዳጸሓፈ ግዳ ነተን ዘለዋና ብዙሓት ውድባት ናብ ሓደ ንክመጻ ጻዕርታቱ ዘይገብር…” ወይ ጉድ ዛይድ ሃይለ!!! እስከ በሊ መዓስ መዓልቲ እየ ከምኡ ዝበልኩ? ስምረት ውድባት ናይ መድረኽን ግዜን ጉዳይ ደኣም’በር ስለ ዝተጻሕፈን ዝተነበበን ኣይመጽእን ኢዩ። ምምስራት ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ከኣ ታሪኻዊ ፍረ ቃልሲ ደኣ’ምበር ምጭጫሕ ድሕሪት ናይ ዝተረፈ እንቋቑሖ ኣይኮነን።

“…ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም” ከኣ በልኪ ዛይድ ሃይለ፤ “ዓደቦ ጭርሖ ናዚ ጀርመን ብሊቃውንቲ ፖለቲካ ኣድሓርሓሪ ጭርሖ ኢዩ ብምባል ተገምጊሙን ተወሲዱን።” ንሕና ተቓለስቲ ንሓርነት ኤርትራ ደኣ’ምበር ብዛዕባ ዓደቦ ጀርመናውያን ንዓና ዝምልከት ኣይኮነን። ዓደቦ ማለት ከኣ ንናዚ ወይ ንጀርመናውያን ጥራይ ዝተዋህበ ስም ኣይኮነን። ንሕና እቶም ኣብ ኤርትራ ዓደቦ ዘይብሎም ኢሳይያስን የማነታትን ፋሕ ብትን ኣቢሎሙና ኣለዉ’ሞ፤ ስለ ዓደቦና ግንባር መስሪትና ንምቅላስ ኢና ኣሃዱ ንብል ዘሎና። ዓደቦ ማለት ከኣ እታ ኣቦታትኪን ኣቦሓጎታትኪን ዝተቐበሩላ፤ ዕትብትኺ ዝተቐበረላ ቅድስቲ መሬት ማለት ኢዩ። ኣይፋልካን ንሳሕልን ባርካን፤ ንሰምሃርን ደንካልያን፤ ንኣከለ-ጉዛይን ሰራየን…ንሓማሴንን ሰንሒትን ዓደቦ ኣይትበሎ እንተኾይኑ እቲ ጽውጥዋይ ግን እንድዒ!

ኣብ ካልኣይ ገጽ ጽሑፍ ዛይድ ሃይለ፦ “…መልሓሱ እውን ከትርር ጀሚሩ” “ንባይቶ ምንእኣስ ሕሉፍ ሓሊፉ ምስ ህግደፍ ዝራኸቡ ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ከም ዘለዉን…” “…ምስ ሰበይቶምን ስድራኦምን ውድብ ኢና ዝብሉ…ወ.ዘ.ተ” ዝብላ ተጠመትቲ ቃላት ኣቐሚጣ ኣላ ዛይድ።  ‘ኣብ ክንዲ ብጹሕ ውላድካ ኣይትምሓል’ ወይ ከምቲ ‘ኣቦይ ቀሺ ዝበልዕዎ ሕምቶስ ነደይ ኢታይ ኣጉስዐን’ ዝበሃል፤  ንስኺ ጥራይ ጥዓዪ’ምበር ወይ  ውድብኪ ጥራይ ጥዕይቲ ትኹን’ምበር ብዘይ ሕማምኪ  ምርሳንሲ ኣየምሕረልኪን ኢዩ።

“…ኣብ ፓል-ቶክ ተሓቲቱ ክምልስ ኣይከኣለን” ድማ ወሲኽኪ። ከምቲ ‘ንለባም ኣምተሉ ክንደይ ከይስሕቶ’ ዝበሃል፤ ኣነ ዘለኒ መረዳእታ ወስ ኣቢለ ኣለኹ። ካብ ሎሚ ንደሓር ከምቲ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ‘ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ’ ዝዓይነቱ ዕጹው መንገዲ ኣይክህሉን ኢዩ። ዓለም ኣብ ሓደ ኣጉዶ እናነኣሰት ኣብ እትኸደሉ ዘላ እዋን ሓበሬታ /ሸበካ/ ደጊም ሕብእብእ የለን። ብዛዕባ ምስ ህግደፍ ዚዛተዩን ዝደናገጹን ዝበልኩዎ ከኣ፤ ኣብ ፓል-ቶክ ኣይዝርዝሮን እየ። ካብ መሪሕነት ደምበ ተቓውሞ ወግዓዊ ሕቶ እንተመጺኡኒ ጥራይ እየ 100% ብወግዓዊ መንገዲ ክሕብር ዝደሊ ዛይድ።

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ርክብና ኣብ ዓደቦ!!

ይ ቕ ጽ ል ...

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...