ሃገርና ብኢድና እናጥፋእና፡ ካልእ ክርሕርሓልና ምጽባይ፡ ናይ ለባማት ኣተሓሳስባ ኣይኮነን። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝጎድአ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘሎ ጽልእን ምንዕዓቕን ኢዩ። ነዚ ከነሸንፍ ካብዘይንኽእል ግን ሕመቕና ነመስክር ኣሎና ማለት ኢዩ።”

ዛንታ ኤርትራ ብፊተ. ሚካኤል ሓሳማ ራካ ገጽ 193.

እዛ ዓመት 2012 ኣብ ምውዳኣ’ሲ፡ መዓጹ ሰማያት ተራሕዮም፡ ላዕለዎት ነገስታት ናብ ኣመሪካ ገጾም ተቐላቒሎም ዝቐነዩ’መስሉ ዝብል ወረ ዘይሰምዐ እንተ’ሎ፡

ሀ) ረፓብሊካን ፓርቲ ኣብ ታምፓ ፍሎሪዳ ንጉባኤ ክቀራረቡ እንከለዉ፡ ካብ ሕምብርቲ ባሕሪ ዝነቐለ፡  ይስሓቕ ዝብሃል ማዕበል ብርቱዕ ንፋስን ዝናምን ተሰኪሙ ይሃምማ’ሎ ዝብል ወረ ኣስጊእዎም፡ መዓልቲ ኣኼባ ክሳብ ምቕያር ከምዝበጽሑ፡ ተሰሚዑ።

ሁ) ቅንይ ኢሉ ድማ ኦባማ ክባርኾ ዝሸባሸብ ዝነበረ ጉባኤ ናይ ደሞክራትስ (ኣብ ቻርሎት ሰሜን ካሮሊና) ኣብ ስታድየም ክካየድ ዘውጽእዎ መደቦም፡ ብርቱዕ ንፋስን ዝናምን ክመጽእ’ዩ ዝብል ወረ ኣስጊእዎም፡ ናብ ዓቢ ኣደራሽ ከምዝገዓዙ ዝዝከር’ዩ።

ስለ’ዚ ገለ ተዓዘብቲ ኣባዥጎ  ሻራ’ብሉን (bipartisan) ክሳብ ምባል ዝበጽሑ’ለዉ።

ሂ) ንሱ ከይኣክል ድማ ኣብ መንጎ ኦባማን ራምንን፡ ናይ ኣመሪካ ፕረሲዳንት ንሙዃን ሕረዩና ንምባል ኣብ ዝሓለፈ ምዱብ ክትዕ ወያ ዓለም ሙሉእ ዝተሃንጠየላ ቀዳመይቲ ውዕሎ ብተለቭዥን ምስተራእየት፡ ዋ! ዋ! ከምኡ’ይኮነን፡ ንኦባማ’ሲ ሰይጣን’ዩ ኣፍዚዙዎ’ምበር፡ እዚ ዝተራእየ ኩነታት: ባህርይ ናይ’ቲ ዓለም ሙሉእ ዝድነቐሉ ኦባማ’ይኮነን። ሽዓ ምሸት ናይ ቀደም ኦባማ ኣብ መድረኽ ኣይነበረን፡ ክሳብ ምባል ንሰይጣን ዘማርሩ’ለዉ።

ሃ) ቀጺሉ ድማ ሳንዲ ትበሃል ማዕበል ብውቅያኖስ ኣቢላ፡ ኣይሂ ዝኾነ ንፋስን ማይን ተሰኪማ፡ ካበ’ስመራ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ንዝግመት ጽፍሒ መሬት ብደቓይቕ ዓንዲራትሉ። ሳንዲ ናይ መወዳእታ’ግበራ’ምበር ዝገደፈት የብላን። ካልእስ ይትረፍ መዓት ኣሽሓት ዓበይቲ ኣእዋም’ያ ብቕጽበት  ዘፍ ኣቢላቶ ሓሊፋ። ሕጂ ድማ ዝዓነወ ዓንዩ፡ ይረኣዩ’ለዉ ኣመሪካውያን ንህንጸቱ ክጓየዩ።

ሄ) ኣብ መወዳእታ 2012 ዝኽሰት ዘሎ ዘደንጹ ኩነታት፡ ምንቅስቓስ ነገስታት ሰማያት ጥራይ ኣይኣኸሎን። ናይ ምድሪ ሰበስልጣን’ውን ኣቤት ጉድ! ኣቤት ጉድ! ምባል ዘይኣኽሎ ጉድ  ሒዞም ክቀላቐሉ ቀንዮማ’ለዉ። ማለት’ሲ ዝዓበየን ዝለዓለን ናይ ሲ.ኣይ.አ መዓርግ ዝተሰከሙ፡ ንዓለም ሙሉእ ብምስጢር ዝቆጻጸሩ፡ ወተሃደራዊ መዓርጎም በዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ጀነራል ፓትረያስ፡ መሬት ኣጸልሚቶም ከም ወርጠበ ምስ ዘይሰበይቶም ሓዲሮም ተባሂሉ ምስጢሮም ቃልዕ ምስወጽአ፡ ብሕፍረት ባህሪሮም፡ ካብ ስልጣኖም ብፍቓዶም ሃዲሞም።

ኣብ’ዛ ፍጻሜ’ዚኣ ሰይጣን ወይ ድማ ኣባ ዥጎ ኣይተላዕሉን፡ ዳሕራዩን ቀዳማዩን፡ ጀነራል ብፍቓዶም ዝወሰንዎ’ዩ ዝመስል። እቲ ቁም ነገር፡ እዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ኣብ ስራሕ ዘይኮነስ ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ብዝተፈጸመ ቀንጠብጠብ ሓፊሮም’ሲ ካብ ስልጣኖም ብፍቓዶም ዝሰናበቱ ጀነራል ሒዛ’ያ ናይ ምዕባለ ምስክርነታ ትህብ ዘላ ንምባል’የ። …… ጉድ’ዩ! እንዳ ዝናን ባህታን ኣይስምዑ።

ዝገርም’ዩ ቅድሚ ኲናት ናይ ባድመ፡ ተመሳሳሊ ዜና ኣብ ዝተሰምዓሉ እዋን፡ ናይ ሽዋ ኣዝማሪ ዝበሎ፡

“ምና’ለ ክሊንተን ባያባልጉ ሞኒካ

ካላን’ተ ፈጣሪ ጨዋ የለም ለካ።”  ዝብል ብሂል፡

እንተተዘኪሩ እዛ ዓለም ዕዳጋ ናይ ውድቀትን ትንሳአን ምቅርቲ መድረኽ ምዃና’ዩ ዘነጽር።

ኣብ’ቲ ካልእ ጥርዚ ናይ ዓለምና ድማ፡ ዓሚ ምንቅጥቃጥ መሬትን ንኣኡ ተኸቲሉ ዝሰዓበ ማዕበል ሱናምን ኣብ ጃፓን ዘውረድዎ ቅጽበታዊ ዕንወት ቀሊል ከምዘይነበረ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ጃፓናውያን ግን እዚ’ኮ ትምህርቲ’ዩ ብምባል፡ ንዳግማይ ልደት ናይ ሃገሮም ይሸባሸቡ’ለዉ። ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ንኻልኦት ምዕቡላት ሃገራት ከይተረፈ ኣርኣያ ዝኸውን ምንቅስቓስ ይገብሩ’ለው ይበሃላ’ሎ፡ ይመልኣሎም ጥራይ።

ቶዮታን ኒሳንን፡ ሚትሱቢሺን ሆንዳን፡ ዳትሱንን ማዝዳን፡ ባቡር ምድርን ባቡር ባሕርን፡ ነፋሪትን ኮምፕዩተርን፡ ራድዮን ተለቭዥንን፡ ካመራን ተለፎንን፡ ባምቡላን ሮቦትን፡ ሚሂዞም ወይ ድማ ኣመሓይሾም፡ ንንጉስ ዕዳጋ ዘሐጉስን ዘዕግብን ዓቕሚ’ለዎም ዝብል ጸብጻብ ረኺበ ዘይኮነ’ሲ፡ እቲ ብድሕሪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ማዕበል-ሱናምን ንዳግማይ ልደት ዝህንጦ ሓዲሽ ሓሳቦም ገሪሙኒ’የ፡ ከልዕሎም ዝደፈርኩ።

ከም እንዳ ዝናን ባህታን፡ ጉንፋዕ-ጨራሩ (ስዋይን-ፍሉ)  ዝመስል ናይ ሲንጋፖር ረስኒ’ይኮነን ሃጠው ቀጠው ዘብለኒ ዘሎ። እወ ዘይሓልፍ የለን’ሞ፡ ኣብ ኤርትራ’ውን፡ እዚ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ሱናሚ ትምህርቲ ኮይኑ ክሓልፍ’ዩ፡ ስለ’ዚ ሓደ መዓልትስ ክወግሕ’ዩ።

ነዚ ንምስላጥ ግን ሕምባሻ ናይ ናጽነት ምስ ንጉስ ዕዳጋ ዘቃዱ መባኹዕቲ ትደሊ’ላ ንምባል’የ።

ካብ’ቲ ሓዲሽ ሓሳብ ናይ ጃፓናውያን ኣብነት ምጥቅስ እንተተደፊሩ ግን፡ ብናይ ባቡር ምድሪ ጥበቦም ጥራይ፡ ካብ ምስ ጎረባብቶም ሓሊፎም፡ ምስ ዓዲ እንግሊዝ ቻይና ህንዲ ፊሊፒንስ ግብጺ ቬትናም ተዋሲኦም ንግድን ዕዳጋን ከሰስኑ ይጓየዩ’ለዉ።

ኣብ’ቲ ሓደጋ ወሪዱዎ ብኑክለየር ዝተበከለ መሬቶም ድማ ንግዜኡ ነቲ ልሙድ ኣገልግሎት-ዓድን ዓውዲ-እኽልን ክውዕል ስለዘይክእል፡ ካብ ንፋስን ጸሓይን ሓይሊ ኤለክትሪክ ዘመንጩ ተክኖሎጂ ክተኽሉሉ ይጓየዩ’ለዉ።

Bloom Berg Businessweek, October/ 22-28/ 2012,

i) The goal of the Japanese government is not to restore what was there before, but to produce new communities that are more resilient in every way.

ii) The nation has a knack, as Ono points out, of “turning crises into opportunities,” and emerging from the other side stronger than before.

iii) Future city initiative – to build people-centric cities to create new values ..

iv) Japanese customers are trend setters in both that they enjoy new products and ideas, and are fussy about the quality of goods and services they receive. This is the Asian equivalent of “Will it play in Peoria?” If a company’s offering is accepted by Japanese customers, it is likely to be wholeheartedly accepted by other Asian markets.

v) Each week sees over 860 flights from Japan to China, and 700 to Korea.

ስለ’ዚ ኣብ’ዛ ኤርትራና ድማ ድሕሪ’ቲ ኩሉ ህልቂት ዘስዓበ ኲናት ባድመን፡ ምስ ጉዕዞ ትርቡልን-ሲናይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውነት ዝወርድ ዘሎ ውርደት እንተተደሚሩ፡ ከም ጃፓናውያን ንለውጢ ዝህንጦ ናይ ሓሳባት ዳግማይ ልደት ሃረር ዘየብል ኣይኮነን።

ነብሱ ይምሓር ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፡ ንውድቀት እንዳ ዝናን ባህታን ኣመልኪቱ  “ንህዝቢ ምስ ጎረባብቱ ኣባኢሶም መላምንቲ ሓዊ ዘይብሉ ጌሮሞ’ለዉ” ዝበሎ ከይኣክል’ሲ፡ እንዳ ዝናን ባህታን ሕጂ ድማ ኣብ ዓድን ዓውድን ብብረት ምእንቲ ክሕሰብ፡ ፈቐዶ ዝተራሕወ ማዕጾን፡ ሓዊ ዝተኣጉደላ መጋርያን፡ ጠበንጃን ጠያይትን ብግዲ ይዕድሉ’ለዉ።

ፖለቲካ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን እምበኣርከስ በዚ ዝምባለ’ዚ እንተተለኪዑ፡ ብንግሁኡ፡ ደድሕሪ’ታ ባሕቲ መስከረም ብዝተተኮሰት ጥይት ካብ ኢትዮጵያ ንምርሓቕ ዝተጀመረ ዘብዘብ ዓሪቡዎ፡ ኣማስይኡ ድማ፡  ውጽኢቱ ጠያይቲ ንኹሉ ምዕዳልን ካብ ኢትዮጵያ ንምርሓቕን ዝግበር ቃልሲ ምቕጻል ጥራይ’ምበር፡ ካልእ ኣማራጺ ሓሳብ ዝነበሮን ዘለዎን ኣይመስልን ዘሎ።  ኣየውርድ’ዩ ቃልስን ጥይትን’ሲ ርስቲ ኾይኑ፡ ካብ ቃልሲ ናብ ቃልሲ ዕንክሊል ተኣዊጁ።

ማለት’ሲ ወላ ሕጂ’ውን ድሕሪ’ዚ ኹሉ ዕንወት፡ ብዓቕሚ ናይ’ታ ብባሕቲ መስከረም ዓወተ ተኲሱዋ ዝበሃለላ ጥይት ከምዝሓስቡ ተግባሮም’ዩ ምስክሮም። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ምናልባት ንነብሶም ንዘውዶምን ንህዝቦምን ዘናብር ኣማራጺ ጥበብ ዝኹስኩስ ካልእ ሓሳብ እንተዝህልዎም ኔሩስ፡ ንሎሚ ዘይኮነ ንመኣስ ክኾኖም ኢሉ፡ ዘየብል ኣይኮነን። እታ ዝርካቦም ንሳ ኮይና’ምበር።

ዝኾነ ኾይኑ ዓወተ እንታይ ዓይነት ሓሳባት ኣንጺፉ ወይ ድማ ሓንጺጹ’ዩ ጥይት ዝተኮሰ? ንዝብል ሕቶ ሓንጻጺ መን’ዩ ብዘየገድስ፡ ናጽነት ትብል ቃል’ያ፡ ንብዙሓት ተዕግብ ገዛኢት መልሲ ኮይና ክሳብ ሎሚ ዝጸንሐት። ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ምስ ስራሕ ምስ መሃያ ምስ ውሕስነት ናይ ናብራ ምስ ተስፋን መጻኢ ዕድል ናይ ኤርትራውነትን ተዛኒቑ፡ ምስ እዋን ተበላሒቱ ዝተዓጻጸፍ፡ ናይ ምዕባለ ይኹን ናይ ለውጥን ዕርቅን ሕንጻጽ፡ ምስ’ቲ ምትኳስ ጥይት ኔሩዶ ኣይነበረን ምባል ነውሪ ኣይመስለንን።

ዝኾነ ኾይኑ እቲ ሕንጻጽ ኔሩ እንተኾይኑ፡ ዓወተ ድዩ ሓንጻጺ ካልኦት ዝብል ዛዕባ ብምስጋር፡ እዛ ነጻነት ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ንርብዒ ዘመን ከምዝተራእየት፡ ካብ ኢትዮጵያ ንምርሓቕ ብዝብል ህቦቡላ ተደፊኣ ምስተበገሰት፡ ክሳብ ሕጂ እቲ ህቦቡላ ኣይዘሓለላን። እነሆ ኣብ መወዳእታ ድማ ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብምፍላይ ኢያ ቀው ኢላ ከም ሓወልቲ ነቒጻ ትርአ ዘላ። ሂወት ዘይብላ።

ሓዲሽ ትንፋስ ኡፍ ብምባል ናብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዝጽምብራ ሓሳብ’ያ ትጽበ ዘላ።

ህሉው ኩነታት ናይ ናብራ ኣብ ሃገርና ከምዝሕብሮ ድማ ዓዲብዓዳ ካብ ገጠር ክሳብ ከተማ ብሸፋቱ’ያ ተጎቢኣ ዘላ። ስለ’ዚ እዚ ብዙሕ ሰብ ዝሰማምዓሉ ኢሳያስ ሽፍታ’ዩ ዝብል መደምደምታ ኣገሪሙዎም’ሲ ኣብ ታሪኽ ንድሕርቲ ተመሊሶም መጻሕፍቲ ዝገንጸሉ ግዱሳት፡ ዋይ ኣንቱም ሰባት ዓዋተ’ውን ሽፍታ’ዩ ኔሩ ዝብል ታሪኽ፡ ኣብ’ዚ መጽሓፍ’ዚ ተጻሒፉ እነሀለ እናበሉ ትዕዝብቶም ከንጸባርቑ ፈቲኖም። ካብኡ ሕልፍ ኢሎም ድማ ዓውድኻ ከም ዘርእኻ ስለዝኾነስ ሽፍታ - ሽፍታ ወሊዱ ማለት’ዩ ዝመስል ዘሎ እዚ ዕድልና ዝብል መደምደምታ ክውሱኹሉ ዝፈተኑ ይመስሉ።

በዚ ነጸብራቕ’ዚ ዝተገረሙ ካልኦት ግዱሳት ድማ እዛ ኢሳያስ ጥራይ ኣይኮነን ዓወተ’ውን ሽፍታ ኔሩ’ዩ ትብል ዘረባስ ከመይ’ላ’ያ ካብ ኣፍ ኤርትራዊ ትወጽእ ዘላ፡ እዚ ዘረባ’ዚ ቀደም ንጉስ ዘውድን ፈቲኖም ዝገደፍዎ ብላይ ሜላ’ዩ ክሳብ ምባል ይበጽሑ’ሞ፡ ብንጽጽር ንተራ ኢሳያስን ዓወተን ከኣ “ንፉዕ ሕማቕ እንተወለደ ተዘምተ……” ዝብል ምስላ ክምርኮሱ ይፍትኑ። ገለ ገለ ድማ እዛ ሽፍታ ትብል ቃል ናይ ሎምን ናይ ቀደምን ትርጉማ ነንበይኑ’ዩ ክሳብ ምባል ዝበጽሑ’ለዉ።

ዝኾነ ኾይኑ ዝተባህለ እንተተባህለ ጉድ ተረኺቡ’ሎ’ሞ እንታይ ይሓይሽ ንምባል ስለዝኾነ፡ ኩሉ ብሂላት፡ ነናቱ ስምብራት ገገዲፉ ትምህርቲ ኮይኑ ምሕላፉ ኣይተርፍን’ዩ። ብመንጽር’ዚ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ሕማም መድሓኒት ሃሰስ ንምባል ዝብገስ ጻዕሪ ግን፡ ዓወተ ጥይት ክትኩስ ክውስን እንከሎ ዘንጸፎ ናይ ቃልስን ዓወትን፡ ናይ ለውጥን ዕርቅን ሓሳባት ኔሩዶ ኣይነበረን ኢልካ ምውካስ ነውሪ’ብሉን። ብዛዕብኡ ምውሳእ ከኣ ሓላል’ዩ። ንሎምን ንጽባሕን ዘርብሕ መስተርሆት እንተተረኽበ።

ብዘይቃልዓለም ግን ብዛዕባ ታሪኽ ሂወት ናይ ውልቀ ሰብ ንምትንታን ኣይኮነን ዓወተ ሽፍታ’ዩ ኔሩ ክሳብ ምባል ዝተበጽሐ።

ብዓቢኡ መስርሕ ገድልን ምግዳልን ስለምንታይ’ዩ ኣብ ከም’ዚ ሕጂ ዝረኣየሉ ዘሎ ናይ ሽፍትነት ኩነታት ዓሊቡ?

ሕልምታት ቃልሲ ኤርትራውነት ምሰ’ማራጺኡ እንታይ’ዩ ኔሩ?

ሕጂኸ ኣበሎ ኣሰሩ?

ብኻልእ ኣዘራርባ ሕሙም መድሓኒት ክወስድ እንከሎ፡ ካብ ሕማሙ ሓውዩ ጥዕና ምእንቲ ክረክብ’ሞ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዕድምኡ ምእንቲ ከንውሕ፡ ንርእሱን ንተጸበይቱን ዘረብሕ ውዕሎ ክውዕል’ዩ ተስፍኡን እምነቱን።

ናይ ብሓቂ ድማ መብዛሕትኡ ተጠቃማይ መድሓኒት ብዛዕባ’ቲ ዝወስዶ ፈውስን ሕማሙን ኡኹል ፍልጠት የብሉን። እቶም ሓኻይም’ውን እንተኾነ ናይ ምሁር ግምት ተመርኲሶም’ዮም ኢዶም ዝሕውሱ’ምበር ናይ’ቲ መድሓኒት ይኹን ናይ’ቲ ሕማም ባህርያት ብዝምልከት፡ ፍጹም ዝኾነ፡ ፍልጠት የብሎምን። ስለ’ዚ ኣብ’ዚ መስርሕ’ዚ እቲ ብናይ ምሁር ግምት ዝውሰድ ፈተነ መንውሕ ዕድመ ዘይኮነስ፡  ብኣንጻሩ መሕጸር ዕምሪ’ውን ክኸውን ዝኽእለሉ ተኽእሎ ክህሉ ይኽእል’ዩ። ኣየውርድ!

ማለት’ሲ ነቲ ሕሙም ሳዕቤን ናይ’ቲ ዝፈተኖ ፈውሱ ክገድድ ይኽእል’ዩ ካብ ሳዕቤን ናይ ረኽሱ። ሓኻይም ድማ ካብ’ታ ስጉምቲ’ቲኣ ለቢሞም ንመጻኢ ግምቶም የመሓይሹ። ዓወት ብለውጢ ስለዝዕቀን።

ስለ’ዚ እዛ ፍርቂ ብርጭቆ ማይ፡ ፍርቃ ጥራሓ፡ ኣይፋል ፍርቃ’ባ መሊኣ፡ ዝዓይነቱ ፍልልይ ከማትእ እንተዘይተደልዩ፡ እቲ ዛዕባ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ብሰንኪ ፍልስፍና ናይ እንዳ ዝናን ባህታን፡ ኤርትራ፡ ብኹሉ መዳያት ማለት ብአኮኖሚ ብፖለቲካ ብማሕበራዊ ናብራ ምስ ጎረባብታ ብፍላይ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ምውሳእ ኣጊሙዋ ኣብ’ዚ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ በጺሓ’ላ’ሞ፡ ብቐደሙ’ውን ስለምንታይ’ዩ ክሳብ ክንድ’ዚ ካብ ኢትዮጵያ ንምርሓቕ ዓይኒ’ብለይ ስኒ’ብለይ ተባሂሉ ተናሂሩ፡ ዝብል ሕቶ ንግደ ናይ ዓወተ ኣብ ታሪኽ ጥራይ ዘይኮነ’ሲ ንተራ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዘሕትት’ዩ። እንተ እዚ ሽፍትነት ናይ ሽባኻ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ግን ብዘይጥርጥር፡ መሰረቱ ናይ በረኻ ሽፍትነት’ዩ። ንባህልን ወግዕን ስለዘይርዕም።

ብዓቢኡ ድማ እዚ ካብ ኢትዮጵያ ንምርሓቕ ብዝብል ህቦቡላ ዝተጨውየ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ፍልስፍና’ሲ፡ ብተግባር ናይ ግለ ሰባት ጥራይ፡ ማለት ብሽፍትነት ኢሳያስ ወይ ድማ ሽፍትነት ናይ ዓወተ ጥራይ ዝግለጽ ኣይኮነን።

ጌጋ’ኽለኣለይ’ምበር፡ ኣብ ታሪኽ ናይ’ዚ ኹሉ ጣጣ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል፡ (1) ስምብራት ጥልያን (2) ስምብራት ዓረብ    (3) ስምብራት ትግራይ-ትግሪኚ    (4) ኣፈራርሳ ፈደረሽንን ኣተረጓጉሙኡን   (5) ነውርነት - ባህግታት ሕብረት፡ …. ንጹር ምልክታት ክሳብ ሕጂ ኣይሃሰሰን።

1. ስምብራት ጥልያን።

በ’ረኣእያ ብዙሓት ከተመኛታት ኤርትራውያን፡ ንሕና ኤርትራውያን ምስ ኢትዮጵያውያን ወይ ድማ ካልኦት ኣፍሪቃውያን ኣወዳዲርካ ፍሉያት ኢና ክሳብ ምባል ዝተበጽሐ፡

ምናልባት ብዝሕን ምዕባለን ናይ’ቶም፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ናይ ፈረንጂ ፋብሪካታት፡ ብንጽጽር ምስ ተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ካልኦት ከተማታት ናይ ኢትዮጵያ ኣወዳዲርካ፡ እንተተዘኪሮም፡ ኣብ ከተማታት ኤርትራ (ብፍላይ ድማ ኣ’በስመራ) ኣብ እዋኑ፡ ጥልያን ጥልያን ዝመስል (ኣዝማሪኖ) መልክዕ ዘለዎ ኤርትራውነት ኣንጸባሪቖም’ዮም።

ምናልባት ነዛ ናይ ፈረንጅነት ስምብራት ንምዝካር፡ እስኪ እዘን ዝስዕባ ናይ ታሪኽ ጽሑፋት ክሕውሰን፡

ሀ) ዛንታ ኤርትራ ብክቡር ፊተ. ሚካኤል ሓሳማ ራካ “ኩለን ዓበይቲ ፋብሪካታት ናይ ወጻእተኛታት ስለዝነበራ ናይ ሃገር ኤኮኖሚ ብሙሉኡ ኣብ ኢዶም ኣእትዮም ድላዮም ክገብሩ ከኣሉ።” ገጽ 225

ለ) Asmara Expo Exhibition Catalogue

February 1-23, 1969   pages 59 -73.

“የኤርትራ የንግድ የኢንዱስትሪና የእርሻ ማህበር መምርያ ምክርቤት ….. የስራ ኣስኪያጅ ኮሚቴ መረጡ።

1. ክቡር ደጃዝማች ተስፋዮሓንስ በርሄ ም/እንደራሴ  …… ፕረሲደንት

2. ክቡር ደጃዝማች ሓረጎት ኣባይ የኣስመራ ከንቲባ  … ኣንደኛ ም/ፕረሲደንት

3. ራጂኔር ኤርኮለ ደ ፓወሊ  ……..  ሁለተኛ ም/ፕረሲደንት

4. ዶክቶር ኣልበርቶ ፋለታ …………….. ዋና ጸሓፊ

5. ሲኞር ኤንሪኮ ማኒያ  ……………. የእትሞች ስራ ኣዘጋጅ

6. ኣባሎች - ሲኞራ ኤማ መሎቲ የስራ ካባሌር፡ ዶክቶር ሮቤርቶ ባራቶሎ፡ ካባሌር ኡፊቻለ ጉዊዶ ደ ናዳይ፡ የተከበሩ ኣቶ በየነ ካሳ ም/ኣፈ ንጉስ፡ ኣቶ እምባዬ ይፍጠር፡ ኣቶ ሱናባራ ማህሙድ ዳማና፡ ኢንጂኔር ማሲሞ ፎንታና፡ ካባሌር ኡፊቻለ ቱልዮ ካሜሪኖ፡ ሲኞር ሶክራተ ቡርቡሊስ፡ ሲኞር ሳልም ዑቤድ ባሔበሺ፡ ኢንጂኔር ካርሎ ታባኪ፡ ዶክቶር ኤድዋርዶ ፖላስትሪ፡ ኣበካቶ ጋይታኖ ላቲላ፡ ኢንጂኔር ኒኮ ማደርኒ፡ ዶክቶር ሩጀሮ ራባሲኒ፡ ራጂኔር ኣጋቶነ ቺማልያ፡ ቀኛዝማች ዓለማየሁ ኪዳኑ፡ ኣበካቶ ቪቶርዮ ቨርቸሊኖ።

7. የቱሪዝምና ስነ በዓል ኮሚቴ ሰብሳቢ ……… ኣበካቶ ቪቶርዮ ቨርቸሊኖ

8. የእርሻና የኣዞተክኒክ ኮሜቴ  ሰብሳቢ ………. ኣበካቶ ጋይታኖ ላቲላ

9. የኢንዱስትሪ ኮሚቴ  ሰብሳቢ …………………  ኢንጂኔር ኒኮ ማደርኒ

10. የእደ ጥበብ ኮሚቴ ኣባሎች ሰብሳቢ …………….. ዶክቶር ሩጀሮ ራባሲኒ

11. የንግድ ኮሚቴ ሰብሳቢ …………………………………   ራጂኔር ኣጋቶነ ቺማልያ

12. የማህበራዊ ኑሮ እድገት ሰብሳቢ ……………….   ቀኛዝማች ኣለማየሁ ኪዳነ”

መብዛሕትኦም ኣባላት ናይ ነፍሲ ወከፍ ኮሚቴ ድማ ፈረንጂ ከም ዝነበሩ ኣስማቶም ኣብ’ቲ መጽሓፍ ተዘርዚሩ’ሎ።

ምስ’ዚ መልክዕ’ዚ ተኣሳሲሩ ኣብ ከተማታት (ብፍላይ ኣ’በስመራ) ዝማዕበለ ኣነነት እምበኣርከስ፡ ብመንፈስ ዝናን ባህታን ዝተቐብቀበ ጽልዋ ዝዓብለሎ፡ ናይ ከተመኛታት ኣጉል-ፈረንጅነት’ዩ ዝመስል። እዚ ዝምባለ’ዚ ንሕና ኤርትራውያን ፍሉያት ኢና፡ ካብ ምስ ኣፍሪቃውያን/ኢትዮጵያውያን ብዝያዳ ምስ ፈረንጂ ንቀራረብ ዝብል ኣንፈት ኣዕጢቑ፡ ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ንምርሓቕ ዝብል ዝምባለ ብዘይንሕስያ’ዩ መድሚዱዎ።

ሐ) ከምኡ’ውን ምናልባት እዚ ኣበሃህላ’ዚ ሓቂ ተባሂሉ እንተኾይኑ፡ ፕሮፈሶር ኣስመሮም ለገሰ ኢሎሞ ተባሂሉ ተመዝጊቡ ዘሎ’ሞ ንርኣዮ፡

“In John Hopkins University, at the School of Advanced International Studies (Sais) in 1988, a distinguished Eritrean anthropologist, Professor Asmerom Legesse gave a talk on Eritrea’s potential for economic self-reliance and viability. As in Soccer, he asserted, Eritreans have internalized technology, and their country would have little difficulty developing an industrial economy. Illustrating his point, he said, when he left Asmara as a young man for education in Addis Ababa, he had a screwdriver with him. Not knowing what it was, his Amhara schoolmates called it tabanja mafcha (a tool for dismantling guns). For the professor, this was as indication of how much more Eritreans had internalized Western technology than the Ethiopians. And, thus, come independence, Eritrea could build a viable economy based on the industrial infrastructure.

A participant in the conference, Professor James McCann, asked the panelist what the Tigrinya word for a screwdriver was. Smiling in embarrassment, Professor Asmerom said there was no word for it in Tigrinya, without mentioning cacciavite, the Italian word used in the language.”

Red of the Sea: Playing a strange game.  By Alem Teferi

እዚ ሕማም’ዚ ናይ ቀደም ጽውጽዋይ ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ’ዛ ሓዳስ ኤርትራ’ውን፡ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺቦም ኣብ ዩኒቨርሲታት ናይ ኢትዮጵያ ክመሃሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ተመሃሮ፡ ብሰንኪ ኲናት ናይ ባድመ ናብ ኤርትራ ምስተሰጉ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብሓባር ጠጠው ኢሎም እናተራእዩ፡ ከንብብዋ ዝተዋህበቶም ወረቐት፡

“ፍሉያት ኢና ኢኹም ትብሉ እንድዮም ዝብሉና፡ ….. ይፍተውዋ ይጽልእዋ እወ ፍሉያት ኢና..” ዝብል ድምጺ ኔሩዋ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ መበገሲኡን ዕላምኡን ብቐሊሉ ዝግለጽ ኣይኮነን።

ሓቂ ንምዝራብ ግን፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ቀደምን ሕጅን በዚ ዝምባለ’ዚ ዝጽሎ ኣይኮነን። እንዳ ዝናን ባህታን ዕድል ከሊኦሞ’ምበር፡ ብባህሉ ብእምነቱ ብታሪኹ ምስ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘለዎ ዝምድና ባዕሉ ምመስከረ ኔሩ። ብዘይቃል ዓለም እዚ ተመሳሳልነት’ዚ ምእንቲ ለውጥን ዕርቅን ክኹስኮስ ዝግብኦ ዑቑር ርስቲ ኢዩ።

ክቡር ፊተ. ሚካኤል ሓሳማ ራካ፡ ኣብ ገጽ 195 ናይ መጽሓፎም “ቀዳማይ ተግባር ዓበይትን ምሁራትን፡ ነቲ ህዝቢ መንነቱ ክፈልጥ ምሕጋዙ ኢዩ። ኩሎም ምሁራትን ዓበይትን ኩሉ ነገር ረሲዖም ንህዝቢ ታሪኹን ባህሉን ናይ ቀዳሞት መራሕትን ጀጋኑን ሊቃውንቲ ሃገር ሓቂ ታሪኽን ከየጋነኑ ይምሃሩ። ናይ ሃገርና ጀኦግራፊካዊ ኣቐማምጣን ምስ ናይ ኣብ ኣከባቢኡ ዝርከብ ህዝብን ሃገራትን ዛንታ ከምዝፋለጥ ይግበሩ። እዚ ስራሕ እዚ ብግቡእ ንምፍጻም ኣውራ ክእለት ዘለዎም ለባማት ዓበይቲ ሃገረ-ሰብ ስለ ዝኾኑ፡ ገድልታት ብኦም ተጠቒሞም ህዝቢ ንምሕባር ይኽእሉ።”   ይብሉ።

ክቕጽል’ዩ።

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...