ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኢዩ ዝነበረ፡ ብኣጋጣሚ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ሃገረ-ኣመሪካ ኦባማ ከምዝተዓወተ ኣብ ዝተሰ ምዓሉ ግዜ ክቡር መራሒና ከኣ ናብታ ዘይመባልዕቱ ቃለ-መሕትት ምስቀረበ ተኣንቲሩ “ኦባማ እንታይ ከምዝገብር ክን ሪኦ ኢና “። ክብል ተነይቱ ነበረ። ይዝከረኒ ሽዑ ናይቶም ብዘይጠቅም ቃላት መራሕ ሃገርና ምጥቓዕ ዝለመዱ ግሩሃትን ከንቱነቱን ገዲፍና፡ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ድምር ስራሓት ኦባማ ብሃገራዊ መዐቀኒኦም ገና ብጋናኡ ነዚ ናይ ሎሚ ዳግማይ ዓወታቱ ከምዝመጽእ ኣጸቢቑ ተረዲእዎም ነበረ። እሞ ደጊመ ክሓተካ ክቡር ገዛኢና ሕጂኸ ኦባማ ዳግማይ ከምዝተመረ ጸ ወ/ሮ ሳባ ሃይሉ ብጋሕጋሑ ካብ ድቃስካ ነቓኒቓ ገሊጻትልካዶ?

ክቡር ገዛኢ ሃገረ-ኤርትራ፡ ምኽንያት ወቐሳና ብኣውራኡ ብዘለና ጸቢብ ኣጠማምታ፡ ግዜ ፈጢርዎ ንዝርአ ገለገለ ጉድለ ታት ነተዓባብን ንቐራርምን ከምዘለና ከተምስሎ ተጋዲልካ ኢኻ ። ብወገነይ ካብ ከምኡስ ህግደፍ ገለ ዝርካቡ ቅዉም ነገ ር እንተኣልይዎ ምፍታሽዶ ኣይመሓሸን?

ብዛዕባ ቅዉም ነገር ናይቲ ኣመሪካዊ ፕረሲደንት ዝምልከት ንኣመሪካውያን ስለዝግደፍ  ኣብ ዘይጉዳይና ክንጠባሎቕ ኣየ ምሕረልናን። ኣመሪካ ማለት ዓለም ማለት እንተኾይኑ ግና ከምቲ ሕዩር ሚኒስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ /ድሩዕ/ ዝበሎ ንሕና ከኣ ኣሰሮም ክንስዕብን ብቀትሩ‘ውን ምስኦምን ካልእ ዓለምን ክንህሉ ዝደለና ንዓና ክጥዕመና ኢዩ‘ሞ ብዛዕባ‘ታ ኣጸልሚትካ ብሒትካያ ዘለኻ ሃገረ-ኣመሪካ ክንዛረብ ግቡእ ኢዩ። ዝኾነ ኮይኑ ኣገዳስነት ፕረሲደንት ኦባማስ ብዳግማይ ምርጫ ህዝቢ ኣመሪካ ተጋሂዱ ኣሎ። ቅዉም- ነገርካ ኸ?

ምልከት እከይካ ገና ተሓቢኡ ዘሎ እናጠዓመካ ተግባራትካን ሕቡእ ኣጀንዳኻን ከምጸሓይ ቀትሪ በጣዕጣዕ ከምዝበለ ተጋሂድልካ ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና። እቲ ግናይ ሕልና እንተሰሪጹ ግናይ ኮይኑ ማለት እንተዘይኮይኑ ንርእስኻ ኩሉ ነገር ጥንጥን ከተብሎ ከምዝደለኻ ከምቲ ዝበልካዮ ኣብዚ ዕስራ ዓመታት ንምንታይ ክንድዚ ሸንኮለል?

ክቡር ፕረሲደንት፡ “ ሃገር ከምታ ዝነጸልካያ ረፋቲትካ ምለሳ“፡ ብዝብል ናይ ስረኻ ብርእስኻ ኣውጸኣይ መስገደል ከምዝተቀርቀርካ ልዕሊ‘ቲ ንናጽነት ዝደኸምካዮ ሃላኽ  ኣብምፍራስ ሃገርናን ምጽናት ህዝብናን ተዓጢቕካ። እንተተበ ላሽኻስ ካን ተበላሽኻ ማለት ስለዝኾነ ከኣ ኣብነት ተረኺብለይ ከምቲ ቀደምካ ትዛረቦ ቆልመጽመጽ ዝመስል ክሳብ “ቆል ዓ ካብ ቤት-ትምህርቱ እንተተሰጒጉ ብሰንኪ ህግደፍ ክበሃል ኢዩ“ ክትብ ተሰሚዕካ። እወ ብሰንኪ ህግደፍ!! መቸም እቲ እኪት ከለፋልፈካ ክነብር ኢዩ እንበር፡ ናጻነት ተረኺቡ እንከሎ ካባ ባርነት ስለዝተኸናነብካ ካልእ ኩሉ ንኣኻን ሃገራውያ ን ደገፍትኻን /እንተኣልዮም/ ንዓኹም ጥራይ ኢያ ናጻነት እንተዘይኮይኑ ኤርትራውስ ኩሉ ናይ ዘመነ-ጥንቲ ጊላዊ ዓዛባት ይርኢ ኣሎ። እሞ ኩሉ እኪት ብኣኻ!!ሃገር ዝደኽደኸት ብኣኻ!!  ህዝባ ዝተበተነ ብኣኻ!!.......... እንታይከ ክትብል ደሊኻ?

ሓያለይ ሰባት መራሒና ሕሙም ርእሲ ከምዝኾንካ  ክትንትኑ ይፍትኑ።ገለ ግሩሃት‘ውንጸገም መንነት ከምዘለካ ይዛረቡ። ንመብዛሕትኡ ሰብና ግን ተብላጽ ኢሳይያስ ከምቲ ዓሻ መሲልካ ድራሮም ምህንዃት ወይከኣ ጽሉል፡ ስሑው ተመሲልካ ዓላማኻ ምግባር ኢዩ። ከመይ እንተተባህለ ከምዛ ዘለናያ ጎይታ ኮንካ  እንተኸድካ ጽቡቕ። ሃገር ተረፋቲታ ናብ መግዛእ ታ እንተተመልሰት‘ውን ድሮ ብኮንፈደረሽ ክትጸናበር፡ድሒርካ ብዋጋ ዓሰብ ክትገላገል እንተኾይንልካ ድማ ኤርትራ ምስ ‘ወላዲት ኣዲኣ‘ ዳግማይ እንተተጸንበረት ጽቡቕ። ንዓኻ ኩሉ ጽቡቕ!! ኢሉ እንተሓሰበ ገበነኛዶ? እንተኾነስ ልቢ ዝበልካ ሉ ነገር ድማ ኣሎ። ንስኻ መቸም ብዘይስልጣን ክትነብር ኣይከኣልን። እቲ በሓቲ መንፈስካ ከኣ ኣብ ቅድሚ ውድድር  መስቀል ከምዝረኣየ ጋኔን ኢዩ። ንነገሩ ሓቂ ኢዩ፡ ንውድድር ትወርድ‘ኮ እንተኣልይካ ጥራይ ኢዩ። እንተዘይኣልይካ ግና ብኣግኡ በዂርካ ማለት እንድዩ፡ ኣብጥራይ ኢድካ እንታይ ኣጋለጸካ። ወዮ ፈራህ ውቃበ ለካ ብጸገሙ ኢዩ!! ኮይኑ ግን ማንም ንዓኻ ዝደሊ ካብዘይሃለወ ኣብዛ ሃገር ብኸመይ ኢዩ ህላወኻ? እናተፈለጠ ንግዜ ንግደፎ።

አነ ብወገነይ ከምቲ መንነት ተግባር ምኻኑ ዝኣምን ህዝብና ብምዃነይ፡ ንሰለስተ ካብቶም ብቅልውላዉ  ዝሕመዩ መራ ሕቲ ሃገራት ኣብ ቁራዕ መንነት ኣእትየ ከብስሎም ምስፈተንኩ ብዘይጥርጥር እቲ ዝገርዘመ ገዛኢና ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝኾነ ኢዩ በሪህለይ። ማለተይ ህዝቢ ኣመሪካ ነቲ ቅዉምነገሩ ብተግባር ዘመስከረ ወዲጓሎም ኣስተማቒሮም ዳግማይ መሪጸሞ ኣለዉ። ሓቂ ኢዩ ንዝበዝሐ ስብ ሓልዮትን ውሕልነትን ፕረሲደንት ኦባማ ግሉጽ ኮይኑ ኢዩ ተመሪጹ። ንእዋኑ ንእንዳኣቦኡ ሓንቲ ከምዘይገበረ ዝሕሰብ እንተኾይኑ ዳግመ-ግምት ዘድልዮ ዘረባ ከይኮነ ኣይተርፍን። ህዝቢ ኢቲዮጲያ ድማ ንተወፋይነት ክቡር ነፍሲ-ሄር ጠቕላሊ ሚኒስተር ለገሰ ዜናዊ ክዝክር ከምዝነብር ናይ ትማሊ ዜና ኢዩ። ሓቂ ኢዩ ንሱ‘ውን ንእንዳቦኡ ከምተወፈየ። ኢቲዮጲያ ከኣ ብርግጽ ሞሶብ ሞሶብ ኣጭንይዋ። ከምኡ ክኸውን ዘኽኣለ ከኣ ትምህር ቲ ክዕንብበሉ ዝኽእል ኩነት ብምፍጣሩ ነበረ። ከምኡ‘ውን ምሕደራ ሰረተ-ርግኣት ሃገር  ብምዃኑ ኣብ ውሽጢ ሃገሩን ከባቢ ዓለምን ዝከኣሎ ከምዝገበረ ኩልና ንዝክር። ንሱ ብኣውራኡ ንቁጠባዊ ምዕባለ ብዝምልከት  ክስዕቦ ንዝኽእል ሳዕቤን እናተረድአ ኣንጻር መወልቱ ብምኻድ ንሃገሩ ጽቡቕ ሰረተ-ቁጠባን ምሕደራን ብምቕማጡ ሐረስታይ ክሓርስ ነጋዳይ ክነግድ.....ክኢሉ ኢዩ‘ሞ ዘልኣለም ክዝከር ክነብር ኢዩ። ወዲምንታያ ኢዩ ንኤርትራ ከይገደሰ ኣብዚ ዕስራን ክልተን ዓመታት ተራ ኣያኸ?

ወዲኣፎም ብሪ፡ ሕጂ‘ውን ኣብታ ገርሂ ዓለም ኢና ዘለና‘ሞ ብትውልዲ ዝኾንካ ኩን። ኣንበሳነትካ ንኣናብር ሰራዊትካ ምስተሳህሎም እንታይ ሰዓበ? ሳላኦም፡ ሳላ‘ቲ ዘይክማህ ህዝብን ሓመድ ዝተነጽፉ ሕሉፋትን ኣብዝብጻሕ ምስበጻሕካ፡ ሓቀኛ ኣብነት ማይጠላምነትካ ስለዝተጋህደ ሕጂ ነዚ ፍጹም ሓቂ‘ዚ ናበይ ነብሎ? መድሃኒት መሲልካ ዘዝፈተንካዮ ናይ ምብታን ጥበብ ካብፈሸለካ ሕጂ ብዘይካ ተኾርሚኻ ምቑርምራም እንታይ ተረፈካ? ኣስመራ ማለት ርእሲ ከተማ ምጽዋ ዕን ተሰነይን ካብገበርካያ ዝርካቡ ፍስቶታት ከተማታትካ ብጽምኢ ማይ ከምዝደረቐ ተነጊርካዶ ገና ብዕጉግ ኣለኻ?

ክቡራት ደቂ‘ዛ ፈቃር ሃገር ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ንግሩሃት ከም ፓይሎት ልኡል ክብረኣብ፡ ቀዳምነት ስለ‘ቲ ቅንዕናን ተበግሶን እናኣመስገንኩ፡ ደጊመ ዝብሎ ነገር ኣብርእሲ ህዝብናን ሃገርናን ዘሎ ተጻብኦ ገዛኢና “ድኽመታት ድዩ ሕቡእ ተልእኾ“? ንዝብል ከተመጻርዩ ኣይትሸገሩ። እንተኣድልዩ ግና “እንታይ ተጻብኦ ስለዘርኣየ ኢዩ ህዝብና ክበርስ ተፈሪዱ? እንታይ ስለዝተሳእነከ ክንድኽድኽ ተደልዩ? ዝብላ ሕቶታትን መሰላተንን  ንመንነት ገዛኢናን ሰልፉን ከምዘቃልዓ ርጉጽ።

ዝያዳ ክፍለጥ ዘለዎ ከኣ ኣሎ። ነገር ኢደበይዛነት። ንሱ ንንጹሃት ኣገሪሁ ኣእዳዎም ኣብደም ከምዝጠምዑ ኢያ ኣውራ ሰለሞናዊት ጥበቡ። ስለዚ ዓገበኛ ምእንቲ ነብሱ ክብል ኢዩ ዝዕቅብ። እሞ ንገዛኢኡ ከመኽንየሉ ይርአ። ክሳብ ዓይኑ ዝተገሰመ ግዳይ ክንዲ “ወዲኣይተ“!! ምባል፡ ተገልቢጡ “እንዃዕ ኣስናነይ ኣይደርቀመኒ“ ክብል። ኣእዳዉ እንተሓምሸሾ ከኣ ተገላቢጦሽ “እንዃዕ ሸኾናይ ኣየምለቖኒ“ ኮይና ኤርትራውነት!! ኣያ ከኣ ኤርትራዊ ክዝበጥ ከምዘለዎ ኣጽዲቑ። ብዝኾ ነ ንነብሱ ከምንጉስ ሰለሞን ጥበበኛ እንተወሰዳ ንጉስ ዝሓጠዮ ሓጢያት ከኣ ከምተሰከመ ክርድኦ ይግባእ። ኤርትራውያን ድማ ንሎሚስኒ ከምቶም ካብሃገሮም ተባሪሮም ብነጸላ ጫማ ይሽየጡ ከምዝነበሩ‘ሞ ድሓር ብመሪሕነት ሙሴ ሬሳኦም ከይተረፈ  ጠራኒፎም ሃገሮም ከምዝተመለሱ ዝንገረሎም እስራኤላውያን፡ ጽባሕ ንጉሆ ብመሪሕነት መንእሰያት ሃገሮም ክምለሱ ኢዮም። ኣያ ከኣ ምናልባሽ ንሱ ስለዝፈልጥ ገለ መዋጽኦ እንተኾኖ ይኸውን ንበኹሪ ወዱ መዝነት ሓይሊ ኣየር ዘረከቦ። በኹሪ ወዱ መንእሰይ ኣብረሃም እንበኣር እንተኾነ ህዝቡ ዝኽሕስ ይግበሮ። እንተዘይኮነሉ ግና ገዛእ ወላዲኡ ከምትምኒቱ ስንቁ ቆጻጺሩ በተን ንብረት ሃገረ-ኤርትራ ዝኾና ንህበ-ጽንብላሊዕ ከፋንዎ እምነ።

እዚ ኩሉ ዘረባ ዘምጽኦ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ኢዩ። ኦባማ ዳግማይ ስለዝተመረጸ ንኣርባዕተ ዓመታት ታሪኽ ክሰርሕ ኢዩ። እዚ ‘ሰብኣይ‘ ዕድመ እንተረኺቡኸ ኣብዚ ኣርባዕተ ዓመታት ክንደይ ዶላራት ሽያጥ ዛንጡይ መዓንጡይ ኮን ክእክብ ይኸውን? ክንደይ..........?  ትንግርቲ ኤርትራዊ መንእሰይከ እንታይ ኢዩ ምላሹ? መልሱ ንቅድሜና!!

ገስረጥ ሕልና ተሳዓሪ ኢዩ!!                                                                                             ዓወትህዝብና ከኣ ግድነት ኢዩ።                                                                                             ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን ግንባር ዓደ‘ቦ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...