አብቲ ቅድሚ‘ዚ ዝነበረ መበል 12ተ ክፋል ናይ‘ዚ ጽሑፈይ፤

„ይኹን‘ምበር ናይ ተድላ ባይሩ ናይ ሥልጣን አጠቓቕማ፣ ጽባሕ ንበዐል ኢብራሂም ሡልጣን ክበጽሕ ስለዝኽእል ኢዩ፡ ብምባል፣ ንቺፍ ኤግዜኩቲፍ ንምውቃስ ኮነ ወይን ንምጥንቃቕ፣ ባይቶ ከይተዛራረበሉ ብምትራፉ ንብዙሕስት ተዐዘብቲ አግሪሙ ኢዩ፤“ ብምባል እየ አውንዚፈዮ እየ ዘዕረፍክዎ ።

ብ1953 ዓ.ም. ናይ ተድላ ባይሩ መንግሥቲ ዝተወልደሉ ናይ መጀመርያ ዓመት ዝፍጸም፣ ብዝተደራረበን ብጣዕሚ አስቸገርቲ ብዝኾኑ ግደላት (ፕሮብለምስ) ምስ ተወጠረ ኢዩ። ብፍላይ ናይ መጋቢትን ምያዝያን ወርሓት ፈጺሞም መተንፈሲ ዝሰኣነሎም ግዝያት ነበሩ።

እቲ እናተደራጀወን እናተጠናኸረን ንኽኸይድ ዝለዓለ ጻዕሪ ዝገብር ናይ ተቓወምቲ ኽፍሊ ምንቅስቓሳቱ እናተራእየ ኸሎ፣ ምስቶም ናይ አንድነት ማሕበር ደገፍቲ ዝኾኑ፣ ናይ ተድላ መንግሥቲ ማይን ጸባን ኮይኑ ክሠርሕ አይከኣለን። „አብ ርእሲ አላታ ተወሰኸታ!“ ከምዝበሃል፤ መንግሥቲ አዲስ አበባ ኸኣ ናይ ፈደረሽን ሕግን መስሉን (ግቡኡን) ፈልዩ ስለ ዘይፈለጦ ይኹን ወይ‘ውን ፈሊጡ፣ አብ ክልል ውሽጢ ሥልጣኑ ኢዱ እናእተወ ዝገብሮ ምዝብራቕ ተወሳኺ ሽግር ኮይንዎ። አብ ከተማ አሥመራ „ብቖንስል ጀነራል“  ስም ባንዴራ ዘውለብልቡ ናይ ዐብይቲ መንግሥታት ወኪላት ኸኣ፣ ናይ ዲክታቶር ተድላ ባይሩ አማሓድራ፣ ናይ ፈድረሽን መንገዲ አፍሪሱ ብቀዳማዊ ኃይለ-ሥላሴ መንግሥቲ ንኽግዛእ ኢዩ ዝሠርሕ ዘሎ፣ እናበሉ ንትቓወምቲ ድጋፍ እናአርኣዩ ተወሳኺ ሽግር ፈጠሩሉ። ቅድም ኢሉ ከም ዝተገልጸ፣ ወገን አንድነት ዝኾኑ እንህቦ ምኽርን መምርሕን መንግሥቲ ተድላ አይተከተለልናን ብምባል ቅሬታ ስለዝሐደሮም፣ ተቓወምቲ ብኹሉ ወገን ዘምበድብድዎ ሐዊ ንምጥፋእ ሐገዝ ምሀብ አይደለዩን። መንግሥቲ ተድላ ሥርሑ ክጅምር ከሎ እዚ ኹሉ ጣጣ ዝበጽሖ፣ መጀመርያ ካብ ወገን አንድነት አድላይ ዝኾነ ምትሕብባርን ድጋፍን ብዘይምርካቡ ክኸውን ከሎ፣ ካልኣይ ካብ አዲስ አበባ ዝጽበዮ ዝነበረ ሐገዝ ከምዝሓስቦ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ኢዩ፤ ኢሎም ዝአምኑ ሐደ ሐደ ሰባት፣ ሪኢትኦም ንንጉሠ ነገሥት አቕሪቦም ኢዮም፤

ካብዚኦም ሐደ ብመንግሥቱ ነዋይ ኩዴታ (ናይ መንግሥቲ ግልበጣ ፈተነ ) ግዜ ዝተቐትሉ ብላታ ዳዊት ዕቑባእግዚእ (ኤርትራዊ ወዲ አሥመራ ገዛ ኸንሻ) ብቲ ግዜ ምክትል ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትር ዝነበሩ ኢዮም። ብላታ ዳዊት ርኢቶኦም ንጃንሆይ ክበጽሖም አብ መጀመርያ ወርሒ ምያዝያ 1953 .. ንአቶ መኮንን ሀብተወልድ ናይ ገንዘብ ሚኒስትር አብ ዘቕረብዎ መዘክር ከምዚ ዝስዕብ ገሊጾም።

“ መንግሥቲ ተድላ ባይሩ እናተዳኸመ ኽኸይድ ከሎ ናይ ተቓወምቲ ወገን እናበርትዔ ከምዝኸይድ፣ ናይ አንድነት ማሕበር ፍቕሪ ሀገር ቀንዲ አባላት፣ ብፍላይ ብዐል ፊተውራሪ አስፍሃ ዝተገንዘብዎ አይምሰለንን። እዚ ጉዳይ አታሓሳሳቢ ስለዝኾነ፣ እቶም ወገን አንድነት አብ ናይ ተድላ ምምሕዳር ውሽጢ እናኣተው ሽግር ከይፈጥሩ፣ ልጅ አክሊሉ ንግርማውነቶምን ንጸሐፈ ትእዛዝ ደጋጊሙ አመልኪቱ ነይሩ። ሕጂ ልጅ አክሊሉ አብ መገሻ አብ ዘለሉ በዚ ሰሙን፣ እዚ ኹነታተ እናኸፍኤ ስለ ዝኸይድ ዘሎ ሪኤ ስለዝተጨነቕኩ፣ ቅድሚ ሕጂ ከምዝገብሮ ኹሉ፣ ዘሎኒ ቕንዑን ናይ ውልቀይ ሪኢቶ ብጎይታይ አቢለ ንግርማዊ ጃንሆይ ክቐርበለይ ብማለት እልምን አለኹ።……. ብናተይ ሪኢቶ ተድላ ባይሩ ወልደኣብ ወልደማርያም አይኮነን።

ካብዚ ንላዕሊ‘ውን አብርሃ ተሰማ ወይ ከኣ ኢብራሂም ሡልጣን አይኮነን። ተድላ ዋላ ሐንሳብ ከይተወላወለ፣ ንሐንቲ ኢትዮጵያ ካብ ልቡ ዝተቓላሰን ዝሠርሔን ሙኻኑ ብዝግባእ ዘመስከረ ኢዩ። ካባይ ጀሚሩ ከምዝኾነ ሰብ ብሐደ ሐደ ነገራት ናይ ክእለት ሕጽረት፣ ወይ ከኣ ናይ አሠራርሓ ጉድለት የብሉን እለ አይከራኸርን እየ። እንተኾነ ግን ንፍጹም ኢትዮጵያውነቱን ንቅንዕና አተሓሳስብኡ ሕቶ የብሉን እለ ደው እብል እየ። ጎይታይ ከምዝፈልጥዎ ዋላ‘ኳ ሐደ አማሓዳሪ ብሥራሕ አጀማመሩ ይኹን ብአመራርሕኡ ብዙሕ ትችት ወይ ህየሳ እንተበጽሖ፣ ካብ ቑሩብ መዐልትታት ተሞክሮ ተበጊሱ፣ አጥፊኡ እዩ ተባሂሉ ፍርዲ ምሀብ ግቡእ አይኮነን። አነ ከምዚ ኢለ ክዛረብ ከለኹ፣ ተድላ ክሳብ ሕጂ ዋላ ሐንቲ ስሕተት አይፈጸመን። ንምጻኢ‘ውን አይጋገን ኢዩ እለ ቃል ክህብ አይኮነን። አነ ከተሓሳስብ ዝደሊ ተድላ በዚ ስዓት‘ዚ ብዙሕ ሽግራት ስለዘለውዎ፣ ንሐደ ሰሙን ሠላም ረኺቡ ካብ ችግሩ ኽወጽእ ንኽኽእል ሐገዝን ዕድልን ንኽውሃቦ እየ።

እቶም ናይ አንድነት ሰባት እናተኣከቡ ክንመራሓካ እናበሉ ካብ ዘሸግርዎ፣ ክንሕግዘካ እንተዝብልዎ ነይሮም፡ በዚ ስዓት እዚ አብ ኤርትራ ብዙሕ ዝሐሸ ኩነታት ምተራእየ ነበረ። ጎይታይ ከም ዝፈልጥዎ፣ ትማሊ ባንዳ ኾይኖም ጸላኢ ብቕንዕና ዘገለግሉ ዝነበሩ ሰባት፣ ሎሚ ካብ ንጹህ ኢትዮጵያዊ፣ በሊጾም ዝለዓለ ኢትዮጵያዊ ኾይኖም ንኽርኣዩ ብዝገብርዎ ጻዕሪ ክእመንን ክድነቕን አይግባእን። ናይ እዚኦም ሰባት አጕል ምጽዓር፣ እቲ ኹሉ ድኻም ዝተገብረሉ ጉዳይ አብ ሐድጋ ከየእትዎ ብዝቐልጠፈ ስጉምቲ ክውሰድ አድላይ ኢዩ። እዚ ኸኣ 1ይ፡ እዞም ፈደረሸን ብታህዋኽ ንኸፍርሱ ዝቃልሱ ዘለው እቶም ቀንዲ ቀንዲ ሰባት ጉዮኦም ደው ከብልዎ ምእጋድ፤ 2ይ፡ ባይቶ በዚ ቐረባ ምዓልትታት ክኽፈት ከሎ ብጃንሆይ ስም አብ ዝግበር  ናይ መኽፈቲ ዲስኩር፣ ናይ ተቓወምቲ ወገን አብ ኩሉ ቦታ ዝነዝሕዎ ዘለው ወረ ፈጺሙ መሠረት ዘይብሉ ምዃኑ ምርግጋጽ።

ክሳብ ሕጂ ልጅ አኽሊሉ መላሊሱ ዘመለከቶ፣ ክቡር ጸሐፈ ትእዛዝ ወልደጊዮርጊስ‘ውን ምስ ምሉእ ድጋፎም ዝገብርዎ ጸዕሪ፣ ብበዓል ቢትወደድ እንዳርጋቸውን ብዓል ፊተውራሪ አስፍሃ ተቐባልነት አይረኸበን ኢለ ደፊረ ንምዝራብ በቒኤ አለኹ። ስለዚ ነዚ ሽግር‘ዚ መድሃኒት ምሀብ ዝኽእሉ ብቐጥታ ጃንሆይ ባዕሎም ጥራሕ ስለዝኾኑ፣ ጎይታይ ብዘለዎም ዘድዬን መንገድን አረዲኦም ከምዘወስንዎ፣ ካብ ልበይን ካብ ንጹህ ኢትዮጵያዊ መንፈስ የመልከት አለኹ።“

እዚ ናይ ብላታ ዳዊት መዘኻኸሪ አቶ መኵንን ምስ በጽሖም ዝወሰድዎ ስጉምቲ እንታይ ከምዝኾነ፡ ዘመልክት መረጋገጺ አይተረኽበን። ኮይኑ ግን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ምኽትል ሚኒስትር፣ ብግዚኡ ዘሎ ኩነታት ኤርትራ ክስብ ክንደይ አስጋኢ ሙኻኑ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ናይ በዐል ፊተውራሪ አስፍሃ መርገጽ (አቑዋም) ሐደግኡ ገሊጾም ርኢቶኦም ሂቦም ከብቅዑ፣ መኵንን ሀብተወልድ‘ውን ብዘለዎም ፍሉይ ዝተዓቀበ ሰዓታት ንጃንሆይ አቕሪቦም ምርድኦምን ሐደ ሐደ ስጉምቲታት ከምዝወስዱ ምግባሮም አየጠራጥርን ኢዩ።

ካብ የካቲት ክሳብ ግንቦት 1953 ዓ.ም. አብ ዘሎ ግዜ፣ ቺፍ ኤግዜኩቲፍ መንግሥቶም ዘበራትዑን ዝሐለው መሲልዎም፣ ሐይሊ ተጠቒሞም ብዝወሰድዎ ስጉምትታት፣ ካብቶም ወግኖም ዝኾኑ ማሕበር አንድነት ዋላ ሐንቲ ድጋፍ ዘይምርካቦም ብጣዕሚ የሕዚንዎልም። አብ‘ቲ ቅድም ዝበለ ክፋል  ከምዝተገልጸ ብሕጊ መንግሥቲ አንቅጽ 46 ከም ዝተደንገገ፣ ናይ ወልደኣብ ናይ ባይቶ ውጺኢት ምርጫ ምስራዝ፣ ካብ ሕጊ ወጻኢ ናይ ዲክታቶር ተግባር ኢዩ እናበሉ ብሰፊሑ ዝህይስዎም ስለዝነቐፍዎምን፣ ካብቶም አባላት ተቓወምቲ ንላዕሊ ደቂ ማሕበሮም ወገን አንድነት ኢዮም ዝነበሩ።

ብተወሳኺ በዚ ወርሒ መጋቢት‘ዚ „AWAT – ERITREA“ ዝተባህለ ብትግርኛን ብዐረብኛን ዝሕተም ጋዜጣ፣ ናይ ብዐል ኢብራሂም ሡልጣን ፕሮፖጋንዳ ብሰፊሕ ብምድጋፍ፣ ናይ ሀገር ሰላም ዘፍርስ ጽሑፍ ሐቲሙ ብምባል ፖሊስ ሊኢኾም ምስ አዕጸውዎ፣ ወገን አንድነት ዝኾኑ አባላት፣ ተድላ ዝሠራኽካዮ ዝግባእ ኢዩ ኢሉ ዋላ ሐደ ሰብ‘ኳ ይኹን ዝደገፎም አይነበረን። „SWAT – ERITREA“ ብአቶ ተድላ ትእዛዝ ቅድሚ ምዕጻዉ፣ ንመጨረሻ ግዜ ሐቲሙ ዘውጽኦ ዝሑፍ፣ ናይ ኢትዮጵያ መንግሥቲ  ብአሠራርሕኡ ፈደረሽን እናአፍረሰ ኢዩ ዘሎ ብምባል፣ ብበዐል ኢብራሂም ሡልጣንን ብዐል ዑመር ቃዲ ንሕቡራት መንግሥታት ዘቕረብዎ አቤቱታ ኢዩ ዝነበረ። ናይ ተድላ ባይሩ መንግሥቲ ምስ ተቛቛመ አብ ሻድሻይ ወርሑ፣ ናይ ትቓወምቲ ወገን ንሕቡራት መንግሥታት፣ ንኢትዮጵያ ብምኽሳስ ካብ ዘቕረብዎ ዋና ዋና ነጥብታት ክሲ እዞም ዝስዕቡ ነበሩ።

„ብሕቡራት መንግሥታት ጻዕርን ምድላዋትን ብመስከረም 11/ 1952 ዓ.ም. ዝጸደቐ  ናይ ኤርትራ ፈደረሽን አክትን ሕገ- መንግሥቲን፣ አብ ግብሪ ክውዕል አይከኣለን  ናይ ኢትዮጵያ መንግሥቲ ንኤርትራ ብሕጊ ዝተዋህቦ ናይ ምምሕዳር መሰል መንጢሉ፣ ብቐጥታ ናይ ርእሱ ሥልጣን አብ ምፍጻም ይርከብ አሎ።ናይ ኤርትራ ናይ ሥልጣን ክልል ውሽጢ ዝርከቡ ሽዱሽተ ቕንዲ ናይ ሥራሕ ቅርንጫፋት፣ ኤርትራውያን ክመርሕዎ (ከመሓድርዎ) ዝግባእ፣ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ብሥልጣኑ ካብ አዲስ አበባ ሽዱሽተ አምሓራ መሪጹ ብሙሻም በብቦትኡ መዲብዎም ይርከብ።

1. ፊናንስ                       አቶ ሠይፉ ገብረዮውሐንስ

2. ፖስታን መራኸብን         አቶ ብፍቃዱ ወልደሚካኤል

3. ወጻኢ ንግዲ                አቶ ፋንታዬ ወልደዮሐንስ
4. ወደብ                       አቶ አበበ ቢተው (ደሓር ፊተውራሪ)

5. ጉሙሩክ                   አቶ ክፍሉ ድልነሣው

6. ምድሪ ባቡር               አቶ ያእቆብ ዛኒዎስ

እዞም ሰበ ሥልጣን እዚኣቶም ቺፍ ኤግዜኩቲፍ ንመንግሥቲ አመራርሓ ካብ ዝሸሙዎም ሰክረተሪታት (ሚኒስትሪታት) ዝበለጸ ሥልጣን ሒዞም ትእዛዝ ብቐጥታ ካብ አዲስ አበባ እናተቐበሉ ዝደለይዎ እናገበሩ ኢዮም።

ብተወሳኺ ናይ አውቶኖሚ ሕጊ ብምጥሓስ፣ ባይቶ ኸይመኸረሉን ዘይፈለጦን፣ አብ ኤርትራ ናይ ፈደራል መንግሥቲ ላዕለዋይ ቤት ፈርዲ ከም ዝቋቛም፣ ንጉሠ ነገሥቱ ብስልጣኖም አውጆም። ንሕና ወከልቲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ንህዝቡ ዝተዋህቦ ናፅነትን ናይ ምምሕዳር መሰላቱን ብዘየግባብ ብምግፋፍ፣ መንግሥቲ ኢትዮጵያ አብ ልዕሌና ዝፍጽሞ ግፍዒ፣ ሕቡራት መንግሥታት መርማሪ ኮምሽን ሊኹ ክሪየልና፣ እዚ ዘይከኣል እንተደኣ ኾይኑ ኸኣ ልኡኻትና ብጉባኤ ተረኺቦም ንኸረድኡ ንኽፍቀደሎም ንልምን አሎና።“ ናይ በዐል ኢብራሂም ሡልጣን ወገን ዘቕረብዎ ነዚ አቤቱታ፣ ሕቡራት መንግሥታት ድርጅት ዋላ ሕንቲ ስጉምቲ አይወሰደሉን። ብወገን ኢትዮጵያ ብስቕታ ካብ ምሕላፍ ሐሊፉ፣ መዘኻኸሪ ንምሀብ አይደለየን።

„ ካብ የኤርትራ ጉዳይ! ብዘውዴ ረታ፤“

ይቕጽል፤

„ንአምላኽ ዘይፈልጡ ዘበሉ ኵሎም፡

ናይ ብሐቂ ዐያሹ ኢዮም።

እዞም ሰባት እዚኣቶም፡

ነቲ አብ ከባቢኦም ዘሎ ጽቡቕ

ነገራት ይርእይዎ።

ነቲ ሕያው አምላኽ ግና ኪርእይዎ

አይክኣሉን።

ነቶም እሱ ዝፈጠሮም ይፈልጥዎም፡

ንፈጣሪኦም ግና አይፈልጥዎን።

መጽ፡ ጥብ፡ ሰል፡ 13፤1፤

ካብ ሻም/ ኃይለ-ሥላሴ ገብሩ፤  ዘበሔረ ጀርመን፤ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...