ሀ) ዘይወግዓዊ ኣኼባ ኢሳይያስን ጀነራላትን

እቲ ብጭንቀት ዝተዋሕጠን ናይ ጥዕና ምስንኻል ዘይተፈልዮን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ 2012 “ኩነታትና ንምርግጋእ እንታይ ንግበር?” ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓደ ኣጀንዳ ኣብ ኣስመራ ዝገበሮ ዘይወግዓዊ ኣኼባ ምስ ፍሉያት ጀነራላት፣ ብዘይ ሓደ ፍረ ብምፍኽኻር ከም ዝተበተነ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ካብ ዘለዉ ምስጢራውያን ኣባላት ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ርጡብ ሓበሬታ በጺሑና ኣሎ።

ኣብቲ ርሱን ክትዕ ዝነበሮ ፍሉይ ርክብ፣ ኣብ ምምሕዳር መንግስቲ ኢሳይያስ ገለ-ገለ ለውጢ ክግበር ከም ዘለዎ ሃንደበታዊ ዳርባ ዘረባ ገይሩሎም ኢዩ። ዛጊት በጺሑና ካብ ዘሎ ዓበይቲ ምቅይያራት /ተኽሊጥ/  ላዕለዎት ሓለፍቲ ድማ፦

1.ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ናብ ማ/ቤ/ጽ ህግደፍ

2.ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ /ማንጁስ/ ሚኒስተር ምክልኻል /ኣብ ቦታ ጀነራል ስብሓት/

3.ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል /ቻይና/ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ።

ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል እቲ ምቅይያር ሃንደበት ስለዝኾኖ፣ ብክቱር ሕርቃን ነፍሱ ምቁጽጻር ስኢኑ ከም ዝነበረ እቲ ሓበሬታ የረድእ። “እዚ ክትግበር እንተኾይኑ ከኣ…” ይብሉ ምስጢራውያን ኣባላት ግንባር ዓደቦ፦ “እዚ ምቅይያራት’ዚ ናብ ግብሪ ንክውዕል ትእዛዝ እንተተዋሂቡ፣ ኢሳይያስ ነታ ንነዊሕ ዓመታት ምሽርጣጥ ኣብያ ዝነበረት ክርቢት ከም ዝሸርጠጣ ኢዩ ክቑጸር። ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ ሚኒስተር ምክልኻል እንተደኣ ኾይኑ፣ እቶም ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዞም መቓናቕንቱ ዝነበሩ ጀነራላት ውጩ፣ ተኽላይን ፊሊጶስን ከመይ ኢሎም ኢዮም ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ክሰርሑ?”

ኣብቲ ብሕርያ ኢሳይያስ ዝተጸውዐ ፍሉይ ርክብ፣ ብዘይካ ምስ ኢሳይያስ ቅርበት ዘለዎም፣ ኩላቶም ኣብ ስራሕ ዝርከቡ ጀነራላት ኣይተኣከቡን። ቀዳማይ ንኢሳይያስ ዝቐረበሉ ሕቶ ከኣ፦

1. “እዚ ምቅይያራት እዚ ዘይቅቡል ስለዝኾነ ኣይክሰርሕን ኢዩ። ምስ ፍሉያት ሰባት ክትገብሮ ዝጸናሕካ ጥቡቕ ዝምድና ድማ፣ ውጽኢቱ ርኢናዮ ኣሎና። ስለዚ ዝመስለካ ጌርካ ኣለኻ ዘዝመስለና ከኣ ክንገብር ኢና”

2. “ናይ ጀነራላት ርክብ ምስ ፕረዚደንት እንተኾይኑ፣ ስለምንታይ ኣብዚ ርክብ’ዚ ኩላቶም መዛኑና ሓለፍቲ ዘይተሳተፉ?” ዝብል በዳሂ ሕቶ ቀሪቡሉ።

ቀጺሎም ዝቐረቡ በዳህቲ ርእይቶታት ድማ፦

3. “ሕጂ ኣይኮነን ከም ኣፈርኩቡ ርዳእ-ርዳእ ምባል፤  ከምታ ባዕልኻ ዝኣቶኻያ ከም ተዋጻኣካ ጌርካ ፍትሓያ”

4. “እቲ ኩነታት ንምርግጋእ ጥራይ ዘይኮነስ መሰረታዊ ፍታሕ ንክመጽእ ንሕና ዘይኮንና ምሳኻ ንመክር፤ ቅድም ንስኻ ምስ ነፍስኻ ጥራይ ኢኻ ክትመክር ዝግባኣካ። ሕጂ’ውን ናይ መወዳእታ ዕድል ኣብ ቅድሜኻ ተገቲሩ ኣሎ።”

5. “ንመሰረታዊ ፍታሕ ኤርትራ ክንዘራረብ እንተደኣ ኮይንና፤ ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ትገብሮ ዝነበርካ ስሉሳዊ ኣኼባ ኩላቶም ኣብ መንግስታዊ ሓላፍነት ዘሎዉ ካቢነ ሚኒስተራት፣ ኣማሓደርቲ ዞባታትን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን  ዘለዉዎ ፍሉይ ኣሳታፊ ኣኼባ ክግበር ደኣም’ምበር ብከምዚ መመሪጽካ ንሰባት እናጸዋዕካን ብዝመስለካ እናወዛዕካን መዋጽኦ ንድለ ማለት ፍታሕ ኣይኮነን” ወ.ዘ.ተ…” ብዝብል ርሱን ጫውጫውታ ዝተሓወሶ ክትዕ ክኸይድ ምስ ጀመረ፤ ኢሳይያስ ከምቲ ካብ ኣድማ ተጋደልቲ 1993 መሊቑ ዝወጾ፣  ካብቲ ኣዋጣሪ ኣኼባ ምስ ሓለውቱን ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈቱን ከም ዝወጸ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል፣ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ነናቶም ሰራዊት ወዲቦም ከም ዘለዉን፤ ንእሙናት ሰዓብቶም ድማ ብምስጢር ናይ ተጠንቀቕ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከም ዘለዉን ኣባላት ግንባር ዓደቦ ካብ ኤርትራ ዘመሓላለፍዎ ሓበሬታ የረድእ። እዚ ወረ’ዚ ከኣ  በብመዓልቲ ናብቲ ተስፋ ዝሓርበቶ ብሪጋ ተሰሪዑ ዝውዕል ህዝቢ ይሰሉኽ ስለዘሎ፣ ህዝቢ ከተማታት ኤርትራ በዚ ስግኣት እዚን በቲ ናብ ገዛ-ገዛ ዝዕደል ዘሎ ጠበናጁን ኣብ ከቢድ ራዕዲ ተዋሒጡ ይርከብ።

ኣብቲ ንሒደት ደቓይቕ ዝተኻየደ ፍሉይ ርክብ ኢሳይያስን ጀነራላትን፣ ኮነ ኢሉ ነቶም ካብ ነዊሕ ዓመታት ባእሲን ምስሕሓብን ዝነበሮም ጀነራላት ፈልዩ ኢዩ ጸዊዕዎም ነይሩ። ኣብ መንጎ እቶም ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዞም ብሰንኪ ውዲት ኢሳይያስ ተባኢሶምን ብደም ዝደላለዩ ዝነበሩን ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝተራእየ ምስሕሓብ ግን ኣይነበረን።  ኣብ ሳልስቱ ኢሳይያስ ካብ ዝነበሮ ከቢድ ጭንቀት ንምህዳእ ኣብ መደብ ዘይነበረ ሃንደበታዊ መገሻ ንመንደፈራን ንገርሰትን ኢዩ ኣምሪሑ።

ኣብቲ ብሃታሃታ ኣብ መንደፈራ ዝተገብረ ርክብ ኢሳይያስን ወከልቲ ህዝቢን እውን ንርእሱ ዘሕምም ተወሰኽቲ በዳህቲ ሕቶታት ኢዮም ስዒቦሙሉ። ስለዚ ጉዳይ ስርዓት ህግደፍ ናብ ምብቃዕ ገጹ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ፈታኒ እዋን፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ዕርቂ ንምግባር፣ ናብ ውድብ ኢጋድ ንምእታውን እገዳ ዝለዓለሉ መንገዲን ብጋህዲን ብስዉርን ተኸታተልቲ ዲፕሎማስያዊ ፈተነታት ይግበሩ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ቅድሚ’ዚ ፍሉይ ርክብ’ዚ ሚኒስተር ፋይናንስ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ካብ መዝነቱ ተኣልዩ ኢዩ። እቲ ጠንቂ ምእላይ ካብ ሓላፍነት ብርሃነ ኣብርሀ ከኣ ጉዳይ ፌርማ ብዛዕባ መሸጣ ወርቂ ቢሻ ናብ ሱዳን ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ሽዑ ኣብ መንጎ ኣቶ ብርሃነን ኢሳይያስን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ፣ ኢሳይያስ ነቲ ሽያጥ ፈርመሉ ክብሎ እንከሎ፤ ሚኒስተር ፋይናንስ ድማ፣ ኣነ ዝፈልጦ ጉዳይ ገንዘብን መሸጣን ስለዘየለ ናብ ዘይፈልጦ ጉዳይ ኣይፍርምን እየ ስለዝበሎ ኢዩ።

ብዛዕባ ፋይናንስያዊ ፖሊሲ መንግስቲ ህግደፍን ሸርፊ ባጤራ ናቕፋ ብመንጽር ዶላርን እውን ኣብ መንጎ ሚኒስተር ፋይናንስ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀን ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ብዙሕ ግዜ ኣከራኸርቲ ጉዳያት ይለዓሉ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ። ሽያጥ ናይቲ ናብ ነጋዳይ ቀጠር ኣብ ሱዳን ብሓራጅ ዝተሸጠ ወርቂ፣ 183 ሚልዮን ዶላር ኢዩ ነይሩ። ገና ርጉጽነቱ’ኳ ክመጽኣና ንጽበዮ እንተሎና፤ ደንጉዩ ዝበጽሓና ዜና ከም ዝሓብሮ  ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ከም ዝተኣስረ ይስማዕ ኣሎ። ብሓቂ ናይ ምእሳር  ስጉምቲ ተወሲዱሉ እንተኾይኑ ከኣ፣ ዝርዝር ኩነታቱ ኣብ ቀጻሊ ከነስዕብ ኢና።

ለ) ናይ ሕልና መቕጻዕቲ ንኣብራሃም ኢሳይያስ

መንእሰይ ኣብራሃም ኢሳይያስ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ናይ ኮሎኔል ማዕረግ ተዋሂቡዎ፣ ኣብ ሓይሊ ኣየር ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ ስልጠና ክወስድ ከም ዝጸንሐ ዚዝከር ኢዩ። ኣብራሃም ካብ ቅድሚ 6 ዓመታት ኣትሒዙ ብኣልኮልን ሽጋራን ውሉፍ ኮይኑ ዝጸንሐ መንእሰይ ኢዩ። ‘ኣመል ምስ መግነዝ’ ከም ዝበሃል፤ ናብ ሓይሊ ኣየር ካብ ዝተመደበሉ ግዜ ንደሓር’ውን ብክቱር ስኽራን ብዙሕ ናይ ኣቡኡን መነባብሮ ስድራ ቤቱን ምስጢራት ክዘሩ ጸኒሑ ኢዩ።

ኮሎኔል ኣብራሃም ኢሳይያስ ካብ ቆልዕኡ ኣትሒዙ ከምቲ ኣቡኡ ዝገብሮ ብድዐ ዘረባን ጸርፊን ከዘውትር ጸኒሑ ኢዩ። ንሓይሊ ኣየር ብቀትሪን ለይቲን ብላንድ ክሩዘር ክረጋግጽ ካብ ዝጅምር እውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኢዩ። እቲ ካብ ቅድም ኣትሒዙ ብወዱ ሕጉስ ዘይነበረ ኢሳይያስ ድማ ‘ኣብ ርእሲ ኣላታ ተወሰኸታ’ ኮይኑዎ፣ ዕንደራን ምስጢር ምዝራውን ወዱ ከቢድ ጭንቀት ኣኸቲልሉ ከም ዝጸንሐ በብግዚኡ ክንረኽቦ ዝጸናሕና ሓበሬታ ኣሎ።

ካብቲ ኩሉ ስኽራንን ዕንደራን እንተተኣደበ ካብ ዝብል ሓሳብ ከኣ ናብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ማለት ካብ ሳዋ ክሳብ ገርሰት ጥራይ ንክንቀሳቐስ ብኣቡኡ ብይን ተዋሂቡዎ ኣሎ። ክብረኣብ ዝተባህለ ንኣብራሃም ክምዕድን ስነ-ምግባር ክምህርን፤ ከምኡ ድማ ኮሎኔል ዑስማን በኺት ፍሉይ ሓለዋ ንክገብረሉ ምስኡ ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

ኣብራሃም ኢሳይያስ ካብ ጠባያቱ እንተደኣ ተኣሪሙ ክሳብ ናብ ሓይሊ ኣየር ዝምለስ፣ ኣብ ዓሻ ጎልጎል ምስ ኮሎኔል ወልዱ ባርያ ተመዲቡ ክጸንሕ ከም ዝኾነ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ። ገበነኛ ኢሳይያስ ነቲ ካብ ጥንቲ ተኾልኲልዎ ዝወፈረ ንጥፍኣት ኤርትራውያን ዝብል ሕቡእ ኣጀንዳ ዘተግብር እሙን ወራስ ዓራት ኣይረኸበን። ስለዝኾነ ኢዩ ከኣ ምስ ወዱ ኣብርሃምን ምስ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሳባ ሃይሉን እዚ ጉዳይይ’ዚ ብዘስዓበሉ ጭንቀት በብግዚኡ ጸርፊ በጨቕ ዘብል ዝነበረ።

ሐ) ሆቴል ብ/ጀ ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ) ኣብ ከተማ ተሰነይ

ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ናይ ቀረባ እሙን ዓርኪ ኢሳይይስ ኣፈወርቂ ኢዩ። እቲ ካብ ኩላቶም መዛንኡ ዝሃብተመ ሰብ ከም ዝኾነ ዝንገረሉ ተኽለ ማንጁስ፣ ዘመዱ ብዝኾነ እዝራ ዝተባህለ ዝመሓደር ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዙሕ ወፍሪታት ገይሩ ኢዩ። እዚ ቅድም ሓላፊ ምንቅስቓስ ቢጃ ዝነበረን ደሓር’ውን ምስ መብሩክ ዝተባህለ ሃብታም ራሻይዳ ፍሉይ ዕርክነት ዝገበረን ተኽለ፤ ኣብ ከባቢ ኦምሓጀር ኣይተርፍ ካብ ዝተባህለ ቦታ ዝተኣርየ ወርቂ ንዝርእሰ-ማሉ ክብ ኣቢልዎ ኢዩ። ብ/ጀ ተኽለ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ መሸጣ ኮላሊት መንእሰያት ኤርትራውያን  ሓደ ካብቶም ቀንዲ ዝጥርጠሩ ሰባት ኢዩ።

ኣብ ዘመን ውራ-ውራ ተኽለ ማንጁስ በቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ወፍሪ ኣይዓገበን።  ኣብ ከተማ ተሰነይ እውን መሬት ካብ ዋናታት መንዚዑ ብናጻ ጉልበት ሰራዊ ሆቴል የስርሕ ኣሎ። ዋና መሬት ኣብ ሱዕድያ ዝነብር ኤርትራዊ ኢዩ። ካብ ኣዝማዱ መሬቱ ከም ዝተወስደ ምስ ተለኣኸሉ ከኣ ብህጹጽ ናብ ከተማ ተሰነይ ብድሕሪ ምኻዱ ወረቓቕቱ ኣጻርዩ ናብ ቤት ጽሕፈት ማንጁስ ከደ።

“እዛ መሬት’ዶ ትሕሸካ ወይስ ሂወትካ?” ዝብል ታህዲድ ብተኽለ ማንጁስ ምስ ተዋህቦ ድማ ዝገብሮ ነገር ኣይነበረን። ‘ዝኸርምን ዘይከርምን ማይ ለመነ’ ከም ዝበሃል፤ ገበነኛታት መራሕቲ ህግደፍ ድማ ዕምሮም ዕምሪ ደርሆ ዓርቢ ስቕለት ኮይናትሉ ኣብ ዘላ ግዜ፣ ገና ቅድድም ንዶላራት የርእዩና ኣለዉ።

መ) ብሰንኪ ኣልማማ ምዕዳል ብረት፣ ዝምታ ተጀሚሩ ኣሎ

እቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ግዜ ስኽራኑ፦ “ብድሕረይ እዛ ሃገር ናብ ሶማል እንተተቐየረት፣ ኣስመራ ከኣ ዳግማዊት ሞቓድሾ እንተኾነት ኣይግድሰንን ኢዩ” ዝበሎ ዝኸሓነ ጽልኢን ሓላፍነት-ኣልቦን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዓደቦና፤ እናተጋህደ ይመጽእ ኣሎ። ነዚ ዕላማ’ዚ ንምትግባር ኢዩ’ምበኣር ስርዓት ህግደፍ ብረት ብኣልማማ ምዕጣቕ ዝቕጽል ዘሎ።

እዚ እከይ ዕላማ’ዚ በብመዓልቱ እናኣስፋሕፍሐ ናብ ኣውራጃ ጋሽ-ባርካ ባርካ ምስ ኣተወ ከኣ ከትሪን ዝምታን ተጀሚሩ ከም ዘሎ ምንጭታት ግንባር ዓደቦ ሓቢሮም። ብዕለት 23 ጥቅምቲ  ዛጊት መንነቶም ዘይተፈልጠ ብረት ዝዓጠቑ ክልተ ሰባት ብለይቲ ናብ ሓውሲ ከተማ ቶኾምብያ ብምእታው ካብ ወነንቲ ድኳናትን ናብ ዕዳጋ ሰሉስ ካብ ዝወዓሉ ነጋዶን ዛጊት መጠኑ ዘይተፈልጠ ገንዘብ ዘሚቶም። እቶም ግዳያት ናብ መደበር ፖሊስ ኣመልኪቶም’ኳ እንተነበሩ፤ ዝተገብረ ምክትታልን ፍታሕን ግን የለን።

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...