ኩነታት ስደተኛታት ኤርትራ ብሓፈሽኡ ድማ ኩነታት ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳገደዶ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ  ኤርትራ ዘሎ ጸገማት እቲ ስርዓት ኣልቦ ዝኾነ መንግስቲ ንጎሓላሉ ካብ ደምበ ናብ ውሻጠ ኣስፊሩ ከይአኽሎ፡ ወገሔ ጸብሔ መንእሰያት ካብ ምድጓን ኣይተቆጠበን ዘሎ። ነዚ  ዘሎ ገፍጠጥ ምሕደራ ምክንያት ብምግባር ድማ መንእሰይ ንሃገር ራሕሪሑ ኣደዳ ስቃይን መከራን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።  ክሳብ እዚ እዋን’ዚ እቲ ብሰብ ምጭዋይን ምቕታልን ዝፍለጥ በረኻ ሲና ብመጠኑ ድማ በርኻታት ሱዳን ምዃኑ ኣይከሓድን ኢዩ። ካብ መፋርቕ እዚ ዓመት’ዚ ጀሚሩ ድማ ኣብ የመን ብዕምቆቱ ምስ ኣብ ሲና ዘሎ ግፍዕታት’ኳ ዘይዳረግ እንተኾነ ብጠባያቱ ግን ካብኡ ዘይፍለ ተርእዮታት ይፍጸም ምህላዉ ኣብ የመን ዝርከቡ ሓበርትና ይገልጹ። ኣብ ግብጺ ብቐጻሊ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ከይአክልሲ ‘ሓጺሩኒ እንተበልኩስ ተኾዲሙ ይስዕስዕ’ ከም ዝብሃል ኣብ የመንን ብመጠኑ’ውን ኣብ ሊብያን ሱዳንን ብጠባዩ ዘይፍለ ገበን  ምፍጻሙ ፡ሓጥያት መንእሰያት ኤርትራ ኣይተወደኤን ክብሃል ይከአል።

እዘን ካብ 15 ዘይንእሳ ብሸፋቱ የመናውያን ዝመሓደራ ናይ ዓመጽቲ መዓስከራት ገሊኤን ኣብ ከባቢ ዓበይቲ ከተማታት ከም እኒ ሞካ እተን ካልኦት ከአ ኣብ ጥቓ ዶብ ስዑዲ ዓረብ እትርከብ ንእሽቶይ ከተማ ሃራድ ከም ዝርከባ ይፍለጥ። ሓበርትና ከምዘመልከትዎ ኣብ ጸምጸም በረኻ’ውን መዓስከራት ከም ዝተመስረተ ኢዩ ዝንገር። እቶም ኣብዚ ስራሕ’ዚ ተዋፊሮም ዝርከቡ ብብዝሒ የመናውያን’ኳ እንተኾኑ ተሓባበርቶም ደቂ እቲ ዞባ/ክፍለሃገር ከምዘለውዎም ዘይተረጋገጸ ሓበሬታት ኣሎ። እምበአርከስ ተሓባበርቲ ሸፋቱ ኮይኖም ዘግልግሎ ዘለዉ ሓድሓድ ሽማግለታት እቲ ሃገር’ኳ እንተኾኑ፡ እቶም ብሳንቡቕ ዘሳግሩ ኮንትሮባንዲስት’ውን ግደ ከምዘለዎም ጽንጽንታ ይስማዕ። እቶም ሸፋቱ ዕጡቓት ኣብ ርእሲ ምዃኖም ብሎጂስቲክ ውን ኣዝዮም ድልዋት፣ ኣብ ዝደለይዎ እዋን ድማ ብዘይሽግር ክንቀሳቐሱ ዝኽእሉ ምዃኖም ይንገር።

ነፍሲ ወከፍ ጅሆ ነቲ ዝተነፍጎ ነጻነቱ መሊሱ ንምርካብ 1500 ናይ የመን ርያል ክኸፍል ይግደድ። እዚ ናይ ደም ገንዘብ ብዝተቐላጠፈ መንገዲ ንምርካብ ወንጀለኛታት ዝኽተልዎ ሜላ ካብቶም ኣብ ሲናይ ዝርከቡ ሸፋቱ ዝፍለ ኣይኮነን።  ኣብ ሱዑዲ ዓረብ፡ የመን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝረከቡ ቤት ሰቦም፡ ደቂ ዓዶም፡ ደቂ ኣውራጆም፡  ደቂ ዓሌቶም፡ ደቂ ሃይማኖቶም ኮታ ደም ቆጺርካ ዘመድ ኣዝማድ ኣብቲ መከራ ክካፈልሉ ዘኽእል ናይ ተለፎን ጻውዒት ከም ዝግበር ኢና ዝተረዳእና። እቲ ዘይተአደነ ገንዘብ ከፊሉ ጅሆ ዘውጽእ፡ እቲ ጅሆ ድማ ተመሊሱ ኣብ ሽመልባ ዝዕነድ፡ወይ ከአ ዕድለኛ ኮይኑ ዘርኡ ብዝጸይፍ መልክዕ ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት እስራኤል ኣይምዉት ኣይሑውይ (zombie) ሰንፈላል ናብራ ዝነብር፡ ገሊኡ ድማ ኣብ ሻሮን ቤት ማእሰርቲ ተዳጉኑ ንዓመታት ሓመድ ዝስሕን ካብ ኤርትራ ዝነቐለ ፉጡር ጥራይ ኢዩ እንተበልና ኣየጋነናን። ካብ ተመክሮና ዝቐሰምናዮ ትምህርቲ እንተሃለወ ኣዚ ብ 1500 SR ተጀሚሮ ዘሎ መሕወይ ግብሪ ( ካብ ህዝባዊ ግንባር መንግስቲ ቃል ክንልቃሕ) ንዓመታ ኣብ 150,000 ናይ የመን ርያል ንኽድይብ ዘሸግሮ ነገር የሎን። ዕድመ ንዘመድ ኣዝማድ፡ ደቂ ዓሌት፡ ደቂ ሃይማኖት፡ ደቂ አውራጃ ዝተሳእነ የሎን። ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ሃርዳህ እትብሃል ንእሽቶይ ከተማ የመን ብ’ኣሰንዳቕ’ ስም እትፍለጥ ናይ ሓዋላ መደበር ከም መንሃርያ ኮይና ኣብ ምግልጋላ ከምእትርከብ ብተወሳኺ ሓበረታ ኣሎ።

ኣብዚ ታሕቲ ሰፊሩ ዝርከብ ስም ጨወይትን ተለፎንን ብጽሞና ተመልኪትካ ኣድላይ ግን ከስ ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ተሸባሸብ።

1)  734529834  - ብዓብደልመሊክ ዝፍለጥ ወንጀለኛ ጨዋይ እትውነን

2)  736233322  - ብዓብዱ የሕያ ዝፍለጥ ወንጀለኛ ጨዋይ እትውነን
3)  713938043  - ብየሕያ ዝፍለጥ ወንጀለኛ ጨዋይ እትውነን

ኣስማቱ ዝተዓቀበ ናይ ጨወይቲ ተለፎናት

1)  736352534 2) 734153500 3)736328919 4) 715166006 5) 713803011 6) 734284151

· እቶም ንልዕሊ ዓመት ዝአክል ኣብ የመን ‘ሑዴዳ’ ቤት ማእሰርቲ ተዳጉኖም ዝጸንሑ ኤርታራውያን ንመጀመርያ ጊዜ ዑቕባ ዘድልዮም ስደተኛታት ምዃኖም ብሑቡራት መንግስታት ናይ ስደተኛታት ጉዳይ ኮሚሺን (UNHCR) ተረጋጊጹሎም። መብዛሕተኦም ካብ ብሄረ ዓፋር ዝኾኑ 228 ተዳጎንቲ 81 ናይ UNHCR ወረቐት ክወሃቦም ምዃኑ ተተስፍዮም ኣለዉ፡፡  እቶም ዝተረፉ137  ድማ ድሕሪ ዒድ ቃለ ምሕታት ክግበረሎም ምዃኑ ተረጋጊጹ ኣሎ። እቲ ካብ ኩሉ ዘጉሂ ግን ሕጅውን እንተኾነ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምህላዎም፡ ክፍትሑ ወይ ክቕየዱ ውሳኔ መንግስቲ የመን ይጽበዩ ምህላዎም ተነጊሩና ኣሎ።

· 10 ዝኾኑ፡ ካብአቶም 2 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብዎም መንእሰያት ኤርትራ፡ ንኤውሮጳ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንኽሰግሩ ዝገበርዎ ፈተና ኣብ ሓደጋ ኣብጺሕዎም ምህላው ሜሮን እስቲፋኖስ ገሊጻ። እዞም ካብ ካርቱም ዝነቐሉ መንእሰያት ነፍሲ ወከፎም 25,000 ዶላር ንተመስገን ኪዳነ ዝተባህለ ጨዋይን/መስገር  ደቂ ሰባት ከፊሎም ከብቅዑ ኣብ ሲራ ለዮን ዝተባህለት ሃገር ራሕሪሕዎም ምሽራቡ ይዛረቡ። ቀጺሉም ከም  ዘዘንትዉ ተመስገን ኪዳነ ንምዕራብ ኣፍሪቃ ጨወይቲ አሕሊፉ ከምዝሃቦም፡ እቶም በዚ ስራሕ’ዚ ተመክሮን አኽእሎን ዘለዎም ሸፋቱ ድማ የፈራርህዎም ምህላዎም ሜሮን ትገልጽ።

ዓለምለኻዊ ኮምሽን ንስደተኛታት ኤርትራ (ICER) ደጊሙ ደጋጊሙ እዚ ውጥን ዘይብሉ ዕንደራ መንእሰያት ካብ ጥቕሙ ጉድአቱ ስለ ዘምዝን፡ ኣብ ዘዘለኻዮ ረጊእካ፣ ኣከባቢኻ ብዑቱብ ምሕላው፡ ናይ ብጻይካ ምጭዋይ ናትካ ምዃኑ ምግንዛብ፡ በዚ ስራሕ ዝተዋፈሩ ምግላፅ ክኸውን ይግባእ። መንእሰይ ካብ ሃገር ወጺእካ ንሽግራትካ መፍትሒ ከምዘይትርኽበሉ ብዓንተብኡ ተገንዚብካ ፍሕትሕ በል። ሓያል ምዃንካ  ታሪኽ ክምስክሮ ኢዩ’ሞ ኣተሓሕዛኻ ኣትርር፡ ኣረጋግፃካ ኣደልድል። ስደት ንየው በሎ።

Once again the International Commission on Eritrean Refugees (ICER) warn Eritreans and other refugees from the region to avoid leaving their countries without the assurance that their well being is assured. We urge the Eritrean youth to create space at home for the well being of him and those who are left behind.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...