„ደቅና ጌጋታት አቦታትኩም ከይትደግሙ ሐደራ!!“

„ካብኡ ግን ተማሃረሉ ደኣ!!“

መበል 12ተ፤

"አቶ አኽሊሉ „….ግርማውንትኩም ፈደረሽን ክፈርስ እንተደኣ ፈቒዱ፣ ዐበየቲ መንግሥታት ዝተባህሉ ሀገራት ኩሎም፣ ገና ካብ መጀመርያ ዝተዛረብናዮን ዝፈራሕናዮን በጺሑ ብምባል፤ ብብዙሕ መንገዲ ከም ዝጎድኡና ክፍለጥ አልዎ። አብ ውሽጢ ኤርትራ እንተኾነ‘ውን ናይ ወጻኢ ኢድ ስለዝኣትዎ፣ ብዙሕ ብጽብጽ ተፈጢሩ ህዝቢ ተኸፋፊሉ ስላም ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ!....“ ኢሎም ንጃንሆይ በብግዚኡ ሐሳብ ምቕራቦም ምስጢር አይነበረን፤ ብምባል እየ ጽሑፈይ ዝደምደንኩ።

"ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትር ንጃንሆይ ብኸምዚ ዐይነት ከምዝመኸርዎም፡ ዜና አብ አሥመራ ምስ ብጽሔ፣ አኽረርቲ ወገን አንድነት ምስ ሰምዑ፣ ናይ አቶ አኽሊሉ አበሃህላ ብጣዕሚ ገይሩ የሕዚንዎም። ብናይ ጃንሆይ ጽቡቕ ፍቓድ ናይ ራእሲ ወርቂ ዘስርሑን ናይ ደጃዝማችነት ወርቂዘቦ ዘጥልቑ፣ ዐበይቲ ናይ ኤርትራ መኳንንቲ ብኡ ብኡ ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒሰረትር ናብ ጃንሆይ ካብ ዝለኣኸዎ መልእኽቲ፣ ካብ‘ቲ ዝገለጽዎ ሪኢቶኦም እቲ ዋና ዋንኡ ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ።

„… ንሕና ኤርትራውያን እሙናት ዜጋኹም፣ ዕድመ ንግርማውነትኩም እናብልና ብዘይ ገለ ሕቶ ኢትዮጵያነትና ንልበስ፣ ኢትዮጵያውንትና ነትርር ክንብል ከሎና፣ አቶ አኽሊሉ ህብተውልድ ናይ ወጻኢ መንግሥታት ሀገርና ክጎድኡ ኢዮም እናበሉ ከም ዘፈራርሑ ስሚዕና ብጣዕሚ ሐዚና። ፈረንጂ ኩልሳዕ ንኢትዮጵያ ከምዘይድቅሱላ ሙኻኖም እኹል ናይ ታሪኽ ምስክርነት አሎና። አቶ አኽሊሉ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ ኢዩ። እምበርከ ንሕና „ህዝቢ መረብ ምላሽ!“ መሠረትና ዝኾነ ኢትዮጵያውነትና እንተአጥበቕና፣ ናይ ፈረንጂ ጥቕሚ ዝትንክፍ አበየናይ ወገን ከምዝኾነ አቶ አኽሊሉ አየረደኣናን። አቶ አኽሊሉ ናትኩም ናይ ዐቢ ጎይታና መልእኽቲ ሐደራ ሒዙ፣ አብ ዐለም እናዞረ ብዙሕ ከምዝሠርሔ፣ ብዙሕ ከምዝደኸመ፣ ብዙሕ ከምዝተማጎተ ንፍልጥ ኢና። እንተኾነ ግን ንሕና ብኢትዮጵያውነት ሀገራዊ ፍቕሪ ንቃለስ ህዝቢ ኤርትራ፣ ዕላማናን ሐሳብናን እንታይ ከምዝኾነ አቶ አኽሊሉ ብትኽክል አይተረደኣልናን። ናይ‘ዚ ፈደረሽን ዝተባህለ ዋጢጥ፡ ካበ አዴና ካብ ኢትዮጵያ ዝተፈልየና ገይሩ ዘርእየና ዝስምዓናን ዘብጽሓልናን ስቓይ አቶ አኽሊሉ አብዚ መጺኡ ምሳና ብሰፊሑ ብምዝርራብ ክርድኣልና ምእንቲ ናይ ጃንሆይ ፍቓድ ኮይኑ፣ ንኽልእኩልና ብዐቢ ትሕትና ንልምን አሎና። አቶ አኽሊሉ አብዚ እንተደኣ ምጺኡ፣ ከም ናይ ጎይታና መልእኽተኛን ከም ውላድናን ጌርና ብምቕባል ኩሉ ነገር ምስ አረዳእናዮ፣ አብ ልዕሊ እቲ ዐቢ ናይ ፈረንጂ ትምህርቱን ፍልጠቱን፣ ናህና ትምሀርቲ ክውሰኾ ኸሎ፣ ንመጻኢ ንጃንሆይን ንኢትዮጵያን አብ ዝገብሮ አገልግሎት ዝበለጸን ዝተባረኸን ይኸውን።

እቶም ዐበይቲ ዐዲ ዝኾኑ ወገን አንድነት ዋላካ ብአስፍሃ ወልደሚካኤል አቢሎም መልእኽቲ እንተለኣኹ፣ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒሰረተሮም ናብኦም ብምልኣኽ ፊት ንፊት ንምግፋጥ ጃንሆይ አይደለዩን። ብመሠረቱ ካብ ናይ ንጉሠ ነገሥቱ ሚንስተራት ብፍላይ ንጃንሆይ ዘቕርብዎ መዘኻኸሪታት ኩሉ ካብ ገነት ልዑል ቤተ-መንግሥቲ ምውጻእ የብሎምን። እዚ ናይ አቶ አኽሊሉ ርኢቶ ብብልሃት ንአሥመራ ተላኢኹ ናብ እዝኒ አጥበቕቲ አንድነት ከም ዝበጽሕ ዝተገብረ፣ ፈደረሽን ንኽፈርስ ንዝቐርብ ሐሳብ ምኽንያት እናፈጠሩ ዕንቅፋት ዝኾኑ፣ ንጃንሆይ ዘሸግሩ ሰባት አለው፣ እናተባህለ ከምዝውረ ተሐሲቡ ዝተገብረ ብልሓት ኢዩ ይብሃል።

በዚ መንገዲ አብ መንጎ ፈደረሽን ንምፍራስ ሰጉምትና ነቃላጥፍ ኢሎም አብ ዝተበገሱን፣ ረጊእና ንሕሰበሉ ዝበሉ ወገንኒ፤ ዝተፈጥረ ፍልልይ ብምቅርራብ መፍትሒ ክህቡ ዝኽእሉ ንጉሠ ነገሥት ጥራሕ ክኾኑ ኸለው፣ እሶም ከኣ ዋላ ሐንቲ ስጉምቲ ከይወሰዱ ሰነቢቶም።

ኢዩአብ መንጎ‘ዚ፣ ወገን አንድነት ነንሕድሕዶም ክራኾቱ ከለው፣ ንናይ ኤርትራ ፈደረሽን አሰዊድካ ናብ ናፅነት ንምስግጋር ብጣዕሚ ዝጽዕሩ ወልደኣብ ወልደማርያም፣  ፕሮፓጋንድኦም እናአጒሃሃሩ መጋቢት 14/1952 ዓ.ም. ብኸፊል አብ ዝግበር ናይ ባይቶ(ፓርላማ) ምርጫ ተወዳዳሪ ኾይኖም ቀረቡ።

አብ አኣርባዕተ ዓመት አጠቓላሊ ናይ ባይቶ ምርጫ ቅድሚ ምክያዱ፣ ሐደ ሐደ አባላት ንካቢነ ሰክረተሪነት ወይ ንዝልዓለ ሽመት መንግሥቲ እንተደኣ መዲብዎም፣ ወይ ከኣ ብድንገት ብሞት እንተደኣ ተፈልዮም፣ እቲ ናይ ባይቶ መንበሮም ንኻልኦት ሕፁያት ክፉት ይኸውን፣ ስለዚ ብኸፊል ናይ ባይቶ ምርጫ ንኽካየድ ሕገ-መንግሥቲ ይሐትት ።

(ካብ ቢተወደድ አስፍሃን ካብ ፊተውራሪ ኪዳነማርያም ዝተረኽበ።)

ብመጋቢት 1952 ዓ.ም. ናይ ኤርትራ ሕገ-መንግሠቲ ንምድላው ናይ ህዝቢ እንደራሴታት አጠቓላይ ምርጫ አብ ዝተገብረሉ ግዜ፣ ወልደ ኣብ ወልደማርያም ካብ ዝተሸነፉ ተወዳደርቲ ሐደ ከም ዝነብሩ ዝዝከር ኢዩ። በዚ ግዜ‘ዚ ተድላ ባይሩ ምስ ፈተውቶም ብሐገዝ ናይ እንግሊዝ ናይ ኢብራሂም ሥልጣን ምምራጽ ዋላ ሐንቲ ከይተገደስሉ፣ ብናይ ወልደ ኣብ ምሽናፍ ብዙሕ ተሐጕሶም ነበሩ።

ሕጂ ድሕሪ ሐደ ዓምት ብመጋቢት 1953 ዓ.ም. ንተወሰኑ ቦታታት ናይ ከፊል  ናይ ባይቶ ምርጫ ክካየድ ስለ ዝተገብረ፣ ወልደ ኣብ አብ አሥመራ ብግቡእ ተዳልዮም ክወዳደሩ ምቕራቦም ከምዘሸንፉ ተገሚቱ።

ካብ አዲሰ አበባ፣ ካብ ገነት ልዑል ቤተ-መንግሠቲ ከይተረፈ፣ ወልደ አብ ወልደማርያም አብ ባይቶ ተመሪጹ እንተደኣ አትዩ፣ ንመንግሥቲ ተድላ ባይሩን ንወገን አንድነትን፣ ጥዕና ዝኸልኦም ምኻኑ ከሕሰብ ከሎ፣ ብዐል አስፍሃ ወልደሚካኤል ምስ ቺፍ እግዜክቲፍ ኮይኖም አብ ቦታ ናይ ወልደ ኣብ ካብ ናይ ፍቕሪ ሀገር ወገን ዝኾነ ሰብ ከምዝምረጽ፣ ንኽገብሩ ብዙሕ ጻዕሪ ክገብሩ ከምዘለዎም ተሐቲቶም።

(አብ መንጎ ነፍሰ-ሔር ዝኸበሩ ተድላ ባይሩን፣ ነፍሰ-ሔር ዝኸበሩ ወልደ ኣብ ወልደማርያምን ዝነበሮም ዉልቃዊ ቅርሕነቲ ምስ‘ዚ ሒዘዮ ዘለኹ ሐቢሩ ስለዘይከይድ ዘሊለዮ አለኹ።)

መጋቢት 14/1953 ዓ.ም. አብ አሥመራ ኸተማ “CARAVANSERAI!“ አብ ዝተባህለ ቀበሌ አብ ዝተገብረ ውድድር ወልደ ኣብ ወልደማርያም ብዝልዓለ ብልጫ ዘለዎ ድምጺ ብምርካብ ከምዘሸነፉ ምስ ተፈልጠ፣ ብኡ ብኡ ተድላ ባይሩ ናይ ፍርደ ገምድል ስጉመቲ ብምውሳድ፣ እቲ ምርጫ ዝተጭበርበረ ኢዩ ኢሎም አጊደሙዎ። ብሕገ-መንግሥቲ አንቀጽ 46 ከምዝተገልጸ፣ ዝተጭበረበረ ኢዩ ተባሂሉ እንተደኣ ክሲ ቐሪብሉ ምርጫ ክስረዝ ወይ ክድሕን ዝኽእል፣ ንባይቶ ቐሪቡ በኽልተ ስልሲት ናይ ድምጺ ብልጫ እንተደኣ ተፈሪዱ ኢዩ። ተድላ ባይሩ ግን ንጸላኢኦም አብ ፓርላማ ውሽጢ ኾይኑ ወንበር ሒዙ ክማጎቶም ምርኣይ ስለዝዝግንኖም፣ ሕገ- መንግሥቲ ብምጥሓስ፣ ናይ ወልደ ኣብ ምርጫ ዝተጭበርበረ ሙኻኑ እኹል ደኩመንት ተረኺብዎ ብምባል፣ ብገዛእ ሥልጣኖም ውድቂ ገበርዎ። ናይ ተድላ ስጉምቲ በዚ ጥራሕ ደው አይበለን። ወልደ ኣብ ወልደማርያም  ህዝቢ ነንሕድሕዱ ዘጣፍእ፣ ንሀገር ሰላም ዘደፍርስ (ዝዝርግ)  ህውከት ዝፈጥር ሴራ (ተንኮል) ከዳሉውን ወረቐት ክብትኑን ተበጺሕዎም ብምባል፣  ክብድ ዝበለ ክሲ ብምሥራት ቤት ማእሰርቲ ክዳጉንዎም ደለዩ። በቲ ስዓት‘ቲ ባይቶ ዕጽው ሰለ ዝነበረ፣ ቺፍ ኤግዜኩቲፍ ዝደልይዎ ንምግባር ናይ ህጹጽ ግዜ ሕጊ ብትእዛዝ አዋጅ ንምውጻእን ንምፍጻምን ሥልጣን አሎኒ ብምባል ኢዮም ከም‘ዚ ክገብሩ ዝኸኣሉ። እንግሊዛዊ ናይ ሕጊ አማኻሪኦም ግን፣ ወልደ ኣብ ንምጥቃዕ በዚ ክጥቀሙ ከምዘይክእሉ አረድእዎም። ናይ ሕገ-መንግሥቲ ዐንቀጽ 77 ብትኽክል እንተደኣ ተራእዩ፣ ባይቶ ንዕርፍቲ ክዕጾ ኸሎ ቺፍ ኤግዜኩቲፍ፣ ንሐደ ሐደ ህጹጻት ጉዳያት ግዝያዊ ናይ ትእዛዝ አዋጅ አውጺኡ ምስ ተጠቕመሉ፣ አብ ውሽጢ ካብ ክልተ ወርሒ ብዘይበልጽ ግዜ፣ ብፓርላማ ንኸጽድቖ ምቕራብ አለዎ ደኣ ይብል‘ምበር፣ ተድላ ከምዝብልዎ ናይ ፖለቲካ መቃናቕንቶም ብዘድልዮም ዐይነት ንኸጥቅዑ  ዲክታተራዊ ሠልጣን አይህቦምን ኢዩ። መቸም እዚ ኹሉ ብኽልሰ ሐሳብ (ብትዮሪ) እንተተዘርበ፣ በቲ ዘመን‘ቲ በቲ ሰሙን፣ አብ ልዕሊ ወልደ ኣብ ወልደማርያም ዝተፈጸመ ኹሉ፣ ተድላ ከምዝደለይዎ‘ምበር „ናይ ማቲየንሶ“ ሕገ-መንግሥቲ ከምዝበሎ አይኮነን።

እዚ ብወርሒ መጋቢት 1953 ዓ.ም. ብኸፊል ዝግበር ንናይ ህዝቢ እንደራሴታት ምርጫ፣ ምስ ተኻየደ  ድሕሪ አርብዓ (40) ምዓልቲታት ባይቶ ክኽፈት ከሎ፣ ንህዝቢ አሥመራ ክሕምስ ዝሰምበተ ጉዳይ ወልደ ኣብ ወልደማርያም ከመይ ከምዝነበረ፣ ብኸመይ አገባብ ከም ዝተወሰነ፤ ዋላ ሐደ‘ኳ ይኹን ካብቶም ናይ  ህዝቢ እንደራሴ ( ወከልቲ)፣ ንቺፍ ኤግዜኩቲፍ ክሐትትን ክርክር ንምልዓል ዝደለየ አይነበረን። ብመሠረቱ አብ ባይቶ ዘለው፣ ናይ አንድነት ይኹኑ ናይ ተቓወምቲ፣ ወገን ናይ በዐል ኢብራሂም ሥልጣን፣ ናይ ወልደ ኣብ ወልደማርያም ናይ ባይቶ ወንበር ምስኣን፣ ይቑርቁሮም ኢዩ ወይ የሕዝናም ኢዩ ኢልካ ተጽቢት አይግበረሉን ኢዩ። ብዝበለጸ ብወገን እቶም አስላም ዝኾኑ ናይ ተድላን ወልደ ኣብን ብኣሲ  ክርስቲያን ንክረስቲያን ስለዝኾነ፣ አብ ውሽጢ‘ዚ ምእታው አይጠቕመናን ኢዩ ብሃልቲ ኾይኖም። ይኹን‘ምበር ናይ ተድላ ባይሩ አጠቓቕማ ሥልጣን ጽባሕ ብበዓል ኢብራሂም ሥልጣን ክበጽሕ ይኽእል ኢዩ ብምባል፣ ንቺፍ ኤግዜኩቲፍ ንምውቃስ ይኹን ንምጥንቃቕ፣ ባይቶ ከይተዛራረበሉ ብምትራፉ ንብዙሓት ተመልከቲ አገሪሙ ኢዩ።

ይቕጽል፤

„ንሕዝበይ አጸናንዑ“ ይበል

አምላኽና።

„እወ፤ ንሕዝበይ አጸናንዑ!

ንሕዝቢ ኢዮሩሳሌም አተባብዕዎም።

ጸበብኦም ከም ዝተወድኤ፣ አበስኦም

ከም ዝተሓድገ ነገርዎም።

በቲ ዝገበርዎ ሐጢኣት ልክዕ

ቀጺዔዮም እየ።“    ትን፡ ኢሳ፤ 40፤1-2፤

ካብ/ሻም ሐይለ-ሥላሴ ገብሩ፤

ዘብሔረ ጀርመን፤     This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...