መእተዊ፡-

ናጻ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ንሰምን ዲሞክራስን- ዞባ ኤውሮጳ  በተን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳ ቝይመን ዘለዋ ማሕበራትን ከምኡ‘ውን ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ዛጌት ዘይርከበን ሃገራት ዝርከባ ንጡፋት ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ዝቍመ ነጻ ማሕበር ኰይኑ፡ ንመሰላት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይተን ዝጣበቕን ንጌደኣ ኣብ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ዘዕዝዝን ኢዩ። ማሕበርና ኣብ ሓባራውን ውልቃውን ሓላፍነት ዝኣምንን ብተመሳሳሊ መልክዑ ድማ ሓባራውን ውልቃውን ተሓታትነት ዝመሰረቱ ኰይኑ፣ ኣብ መንጎ መሪሕነት ማሕበርን መሰረታትን ዘሎ ቃልሳዊ ዕማማትን ዝምድናታትን ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ንምስራዕ፡ ብዕለት 23/03/2012 ኣብ ዝተኻየደ መስራቲ ጉባኤ ዝጸደቐ ሕገ-ህንጻ ይቕየድ[1]ሕገ-ህንጻ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ተሳትፎ ናይ ኣባላት ዘንጸባርቕን ውሽጣዊ ዲሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ ዘስርጽ፣ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘዕዝዝ መሳርሒ እዩ።

ዕላማታትን ኣቕዋምን ማሕበር፡-

1. ማሕበርና ካብ ኩሉ ፖሎቲካውን ሃይማኖታውን ዓሌታውን ጸጊዕነት ነጻ ዝዀነት ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኰይና፣ ኩሉ መልክዓት ኣድማሳዊ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ንምርግጋጽን ንምሕላውን ትቃለስ። ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወታ ብማዕረ ክትሳተፍ ከም ዘለዋ ብምእማን ብዝለዓለ ትጣበቕ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ንምቕያር ኣብ ዝካየድ ናይ ቃልሲ ርብርብ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ክትሳተፍ ዕዙዝ ተደላይነት ከም ዘለዎ ብምእማን ማሕበርና፡ ኣብቲ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ባይቶን ኩሎም ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ሓይልታትን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ግዴኣ ንከተበርክት ክትጽዕት ኢያ።

2. ናጻ ማሕበር ኤ.ደ.ኣ.ሰ.ዲ.ዞ.ኦ፡  ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሳያዊ ለውጢ እቲ ዝላዓለ ሕጋዊ ፖሎቲካዊ ስልጣን ናይ ተቓውሞና ምዃኑ ትኣምን። መደባቱ ኣብ ምዕዋት፡ ማሕበርና ዝከኣላ ጻዕሪ ከተካይድ ምዃና ተረጋግጽ።

3. ኣብ እዋን ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኾነ ኩነታት ኣትዮም ይርከቡ። ብዚ ኣንጠጥ ዘሎ ሓደጋ ንምድሓን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ምቕያር ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ ዕላማታት ...ሰ.ዲ... ስለ ኾነ ኣንጻር ስርዓት ማሕበርና ብትሪ ክትቃለስ ኢያ። ኣምስሳዩ ከኣ ሰልፋዊ ብዙሕነት ዘማእከሎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ይኸውን። ማሕበርና ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ተቛውሞ ኣድማዒ እጃማ ከተበርክት ምዃኑ ተረጋግጽ።

4. ዓረብኛን ትግርኛን ዕላውያን ቋንቋታት ማሕበርና ኮይነን፡ ኣብ ኤውሮጳ ብምህላውናን፥ ንመንእሰያትና ኣብ ግምት ዘእተወን ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ዘራኽብናን ዕማማትና ንምስላጥ ዝሕግዝን ቦታዊ ቋንቋታት ክንጥቀምውን ኣድላይነት ኣለዎ።

ቀዳማይ ምዕራፍ

ዓንቀጽ 1፣ ስም ማሕበር

ናጻ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ንሰላምን ዲሞክራስን - ዞባ ኤውሮጳ

ዓንቀጽ 2፣ ኣርማ ማሕበር

እርትራዊት ኣደ ውላዳ ሓዚላ ኣብ ልምዓት ሃገር ብትግሃ ትጽዕት

ዓንቀጽ 3፣ ትርጉም ኣርማ

ንሰላምን ዲሞክራስያዊ ፈልስን

ካልኣይ ምዕራፍ

ዓንቀጽ 1

1- ምሉእ ኣባልነት:

ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳ ዝቝማን፡ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ነጥብታት ዘማልኣን ማሕበራት ደቂ-ኣንስትዮ ኣባላት (ናጻ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ንሰላምን ዲሞክራስን - ዞባ ኤውሮጳ) ክዅና መሰል ኣለወን።

ሀ. ብኤርትራውያን ዜጋታት ደቂ-ኣንስትዮ ዝቝመ ማሕበር ክኸውን

ለ. ኣባላቱ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድምአን፡

ሐ. ብነጻ ድልየታ ኣባልነት ዝሓተተት ናጻ ማሕበር

መ. ዕላማን ሕገ-ህንጻ ማሕበር ዝኣመነት፣

ሰ. ናይ ኣባልነት ቀጥዒ መሊኣ ብሽማግለ ዞባ ቅብልቲ ዝዀነት

ተ. ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ተቓዋሚ መርገጽ እትውንን

2- ውልቀ ኣባላት፡ ኣብ ትነብረሉ ሃገር ማሕበር ናይ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ዘይህሉ፡ ኤርትራዊት ጓል ኣንስትይቲ፡ ዕላማታት ማሕበር ምስ ትኣምንን፡ ብህንጻ ሕጊ ምስ እትቕየድን ቀጥታዊ ኣባል ክትከውን መሰል ኣለዋ።

3- ተደጋጋፊ ኣባልነት፡

ተደጋጋፊት ዝብል ኣባልነት ንማሕበርና ብሞራልን ብገንዘብን ዝደጋገፋ ኤርትራውያን ይኹና ወጻእተኛታት ዝወሃብ ናይ ክብሪ ኣባልነት እዩ። ናይ ክብሪ ኣባላት ክመርጻ ይኹና ክምረጻ መሰል የብለንን። ንጡፋት

ዓንቀጽ 2፣ መሰል ኣባል፡- ሓንቲ ኣባል እዞም ዝስዕቡ መሰላት ኣለዉዋ

ሀ. ኣባል ኣብ ጉባኤታትን ካልእ ንጥፈታትን ማሕበር ክትሳተፍ

ለ. ንመሪሕነታዊ ሓላፍነት ክትመርጽን ክትምረጽን

ሐ. ርእይቶኣ ብጽሑፍ ይኹን ብቓል ከተቕርብ

መ. ጌጋታት ንምእራም ነቐፈታ ወይ ኣራሚ ሓሳብ ከተቕርብ

ሰ. ከሳሲት ክትከስስ ተኸሳሲት ከኣ ክሳ ክትፈልጥን ክትከላኸልን

ረ. ካብ ኣባልነታ ክትስሕብ

ቀ. ንዝሓተተቶ ሕቶ መልሲ ክትረክብ

ተ. ኣብ ዝመረጸቶ ፖለቲካዊ ውድብ ይኹን ካልእ ማሕበር ክትውደብ ነጻነታ ሕልው         ምዃኑ።

ዓንቀጽ 3፣ ግቡኣት ኣባል፡- እዞም ዝስዕቡ ግቡኣት ኣለዋ

ሀ. ንዕላማታትን መትከላትን ማሕበር ኣብ ግብሪ ምትርጓምን ምክልኻልን

ለ. ሃገራውን ዲሞክራሲዊ ባህልታት ምስራጽ

ሐ. ኩሉ ሸነኻዊ ፍልጠት ምድላብ

መ. ምስጢራት ማሕበር ምዕቃብ

ሰ. ንሕግታት ማሕበር ምምእዛዝ

ሸ. ሓድነት ኣባላትን ማሕበርን ንኸይዝረግ ምክልኻል

ረ. ወርሓዊ ውጽኢት ምኽፋል

ዓንቀጽ 4፣ ምውዳቕ ኣባልነት ኣብ ዞባ ይኹን ኣብ ጨናፍር በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ይወድቕ

ሀ. ብወለንታ ኣባልነት ምስሓብ

ለ. ብምስጓጒ

ሐ. ብሞት

ዓንቀጽ 5፣ መሰል ይግባይ

ኣባልነታ ብውሳኔ ዝወደቐ ኣባል፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ናይ ይግባይ ደብዳቤ ናብ ላዕለዋይ ኣካል ከተቕርብ መሰል ኣለዋ

ዓንቀጽ 6፣ ስርዒታዊ ስጉምቲ፡- ስርዒታዊ ስጉምትታት ከከም ዝፍጸሙ ጌጋታት ዝፈላለ እንተዀነ፡ እቲ ስጉምቲታት ከከም ደርጅኡ ዝውሰድ ይኸውን።

ሀ. መተሓሳሰቢ

ለ. መጠንቀቕታ

ሐ. ምድስካል ኣባልነት

መ. ምስጓጒ

ዓንቀጽ 7፣ ምስጓጒ ኣባል፡- ሓንቲ ኣባል እትስጐጐሉ ምኽንያታት

ሀ. ሕግን ስርዓትን ማሕበር ምስ ዘይተኽብር

ለ. ንረብሓ ማሕበር ዝጐድእ ምስ እትፍጽም

ሐ. መምርሕታትን ውሳኔታትን ማሕበር ምስ እትጻረር

መ. ግቡኣታ ምስ ዘይተማልእ

ሳልሳይ ምዕራፍ

ዓንቀጽ 1፣ ማሕበራዊ ቅርጻ

ዝለዓለ ስልጣን ናይ’ዛ ማሕበር ጉባኤ ኰይኑ ዝተሓተ መሰረታዊ ኣሃዱ ከኣ ጉጅለ ይኸውን። (ብሓፈሽኡ ግን ስምምዕ ምስተን ኣብ ካልእ ዓለም ምዝጉባት ዝኾና ማሕበራት ደቂ-ኣንስትዮ ዝሳማማዕ ክኸውን እዩ።)

ዓንቀጽ 2፣ ጉጅለ፡- ዝተሓተት መሰረታዊት ኣሃዱ ማሕበርና ጉጅለ እያ። ጉጅለ ካብ ሓደ ክሳብ ዓሰርተ (1-10) ኣባላት ትቐውም። መሪሕነታ ድማ ብሰለስተ ተቐውም፥-

ሀ. ኣደ-መንበር

ለ. ሓላፊት ውደባ

ሐ. ተሓዚት ገንዘብ

ዓንቀጽ 3፣ ጉባኤ ጉጅለን ዕማማቱን

ሀ. ጉባኤ ጉጅለ ዝለዓለ ስልጣን ጉጅለ እዩ። ብኣፍልጦ ሽማግለ ጨንፈር ኣብ ነፍስ-ወከፍ ሓደ ዓመት ይካየድ።

ለ. ብምሉኣት ኣባላትን ብተሳትፎ ተዓዛቢት ካብ ሽማግለ ጨንፈርን ይግበር።

ሐ. ድሕሪ ክትዕ ጸብጻባት መሪሕነት ጉጅለ የጽድቕ

መ. ካብ ኣባላቱ ጉባኤ ሰለስተ ኣባላት ከም መሪሕነት ጉጅለ ይመርጽ

ሰ. ውሳኔታት ጉባኤ ጉጅለ ብተራ ብዝሒ ድምጺ ይጸድቕ

ረ. ህጹጽ ጉባኤ ጉጅለ ብጸዋዒት መሪሕነት ጉጅለ ወይ ከኣ ብጻውዒት ተራ ብዝሒ ኣባላት ጉጅለ ወይ ከኣ ብጸዋዒት መሪሕነት ጨንፈር ይካየድ

ዓንቀጽ 4፣ ኣኼባታት ሽማግለ ጉጅለ

ሀ. ስሩዕ ኣኼባ ጉጅለ ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ይካየድ

ለ. ህጹጽ ኣኼባ ጉጅለ ብጻውዓኢ ኣደ-መንበር ወይ ብጠለብ ሓደ-ሲሶ (1/3) ካብ ኣባላት ሽማግለ

ሐ. ብሽማግለ ጨንፈር ክጽዋዕ ይከኣል

ዓንቀጽ 5፣ ዕማማት መሪሕነት ጉጅለ

ሀ. ዕላማታት ናጻ ማሕበር ኣብ ህዝቢ ንምስራጽ ትጽዕር

ለ. ንኣባላት ከም ኣድላይነቱ ናብ ናይ ስራሕ ጉጅለታት ትመቓቕል

ሐ. ርእይቶታትን፡ ትዕዝብትታትን ከምኡ’ውን ሕቶታት ኣባላት ይኹን ህዝቢ ናብ ልዕላኣ ዘሎ ኣካል ተመሓላልፍ

መ. ማሕበራዊ መትከላት ኣብ ግብሪ ምውዓልን ሓድነት ማሕበርን ትሕሉ

ሰ. ማሕበርና ሰፊሕ ህዝባዊ ደገፍ ንኽትረክብን ሓደስቲ ኣባላት ከተሳትፍን ትቃለስ

ረ. ካብ ሽማግለ ጨንፈር ንዝመጽኣ መምርሕታት ትፍጽም

ቀ. ወርሓዊ ጸብጻባታ ብስሩዕ ኣገባብ ናብ መሪሕነት ጨንፈር ተመሓላልፍ

ተ. ኣብ መንጎ ኣባላት ስጡም ምትሕግጋዝን ብጻያዊ ዝምድናን ንምፍጣር ትጽዕር። ትህኪትን ስንፍናን ንምውጋድን መንፈስ ተወፋይነትን ጻዕራምነትን ንምዕዛዝ ትቃለስ

ቐ. ምስ ጨንፈር ብምስምማዕ ገንዘባዊ እቶት ማሕበር ክብ ንምባል ዝተፈላለየ ብልሓታት ምንጭታት እቶት ተኻዕብት

ሸ. ሰነዳትን ንብረትን ጉጅለ ትዕቅብ

ፐ. ውሳኔታት ብተራ ብዝሒ ድምጺ ይሓልፍ

ዓንቀጽ 6 ጨንፈር፣ ጨንፈር ንኣባላት ዝጥርንፍ ልዕሊ ጉጅለ ዘሎ ማሕበራዊ ቕርጻዩ። ሓንቲ ጨንፈር ብጅኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ተገዚኣ ጉጅለታት ከተቕውም ትኽእልያ። ካብ ሓንቲ ጉጅለ ኣብ ዝቖማሉ ድማ ጨንፈር ክትቀውም ትኽእል እያ።

ዓንቀጽ 7 ጉባኤ ጨንፈር

. ጉባኤ ጨንፈር፡ ብኣፍልጦ ሽማግለ ዞባ ኣብ ዓመት ሓድ ግዜ ይጋባእ።

. ጉባኤ ጨንፈር ዝላዓለ ስልጣን ናይ ጨንፈርዩ።

. ኣባላት ጉባኤ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ካብ መሰረታት ወይ ካብ ጉጅለታት

ዝተመርጻ ይኾና።

. ካብ ሽማግለ ጨንፈር ናብ ጉባኤ ዝቐርብ ጸብጻብ ይመያየጣሉን የጽድቐኦን፡ መጻኢ መደባተን ድማ ይትልማ።

. ሽማግለ ጨናፍር ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ይመርጻ።

. ህጹጽ ኣኼባ ብመምርሒ መሪሕነት ማሕበር ወይ ሽማግለ ጨንፈር ወይ ብጻውዒት 1/3 ሲሶ ኣባላት ይጋባእ።

. ውሳኔታት ብኣብዝሓ ድምጺ ይጸድቕ።

. ድሕሪ ጉባኤ ምዝዛሙ እታ ዝተመርጸት ሓዳስ ጨንፈራዊት ሽማግለ ካብታ ቅድሚኣ ዝነበረት፡ ንበረት ጨንፈር ትርከብ።

ዓንቀጽ 8 ስልጣንን ዕማማትን ሽማግለ ጨንፍር፡

. ሽማግለ ጨንፈር ኣብ መንጎ ክልተ ጉባኤታት ጨንፈር ዝላዓለት ስልጣንዩ።

. ውሳኔታት ጉባኤ ጨንፈርን መምርሒታት መሪሕነት ማሕበርን ትፍጽም

. ንስራሓት መሰረታት ወይ ጉጅለታት ትከታተል።

. ካብ ጉጅለታት ጸብጻባት ትቕበልን መልስታት ካኣ ብቕልጡፍ ትልእኽን።

. ኣባልነት ንዝሓታ ሓደስቲ ትመዝንን መልሲ ድማ ብቑልጡፍ ትህብን።

. ሰነዳትን ንብረትን ማሕበር ትዕቅብ።

. ኣብ ክልተ ኣዋርሕ ጸብጻባታ ናብ መሪሕነት ማሕብር ትልእኽ።

. ውሳኔታት ብብዝሒ ድምጺ ተጽድቕ።

ዓንቀጽ 9 ሽማግለ ጨንፈር፡ ሽማግለ ጨንፈር 5 ምሉኣት ኣባላትን 1 ሓንቲ ተጠባባቒትን ትቐውም። ንሳተን ክኣ፦

. ኣደ-መምበር፡

. ናይ ስርርዕ ሓላፊት፡

. ናይ ገንዘብ ሓላፊት፡

. ናይ መዝገብን ምምሕዳርን ሓላፊት

. ናይ ዜናን ባህልን ሓላፊት

. ተጠባባቒት ይኾና።

ዓንቀጽ 10 ኣኼባታት ሽማግለ ጨንፈር፡

. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ኣዋርሕ ስሩዕ ኣኼባኣ ተካይድ።

. ብጻውዒት ኣደ መምበር ወይ ½ ካብ ኣባላታ ህጹጽ ኣኼባ ተካይድ።

. ብጻውዒት መሪሕነት ማሕበር ተካይድ።

. ኣኼባ ሽማግለ ጨንፈር ንኽካየድ ኣደ መምበር ወይ ዝወከለታ እትርከበን ሰለስተ ካብ ኣባላታ ክርከባ ይግባእ።

. ውሳኔታት ብኣብዝሓ ድምጺ ይጸድቕ።

ዓንቀጽ 11፣ ጉባኤ ማሕበር

ሀ. ጉባኤ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ናይ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ዞባ ኤውሮጳ እዩ።

ለ. ኩለን ኣባላት ማሕበር ብዲሞራሲያዊ ኣገባብ ዝውከልኦ መጋባእያ እዩ።

ሐ. ኣብ ነፍስ-ወከፍ ክልተ-ዓመታት ጉባኤ ይግበር።

ዓንቀጽ 12፣ ኣቋቚማ፣ ጉባኤ በዘን ዝስዕባ ኣባላት ይቐውም

ሀ. ኣባላት ኣከያዲት ሽማግለ

ለ. ኣሰናዳኢት ሽማግለ

ሐ.ካብ ኣባላት ማሕበር ብዲሞክራስያዊ ምርጫ ዝተወከላ ዝሳተፍኦ ወይ (ኩለን ኣባላት ዝሳተፍኦ)

ዓንቀጽ 13፣ ጉባኤ ዝግበረሉ ግዜ፣

ሀ. ኣብ ነፍስ-ወከፍ ክልተ-ዓመታት ይካየድ

ለ. ብጠለብ ክልተ-ሲሶ (2/3) ኣባላት ማሕበር ህጹጽ ጉባኤ ከካይድ ይኽእል

ሐ. ብጠለብ ክልተ-ሲሶ (2/3) ኣባላት ኣካያዲት ሽማግለ ማሕበር

መ. ጉባኤ ዝግበረሉ ቦታን ግዜን ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ይውሰን

ዓንቀጽ 14፣ ምልኣተጉባኤ

ሀ. ሕጋዊ ምልኣተ-ጉባኤ ክልተ-ሲሶ (2/3) ካብ ተሳተፍቲ ኣባላት ኣብ ጉባኤ

ለ. ሕጋዊ ምልኣተ-ጉባኤ ምስ ዘይኣክል ንኽልተ መዓልታት ይመሓላለፍ

ሐ. ድሕሪ ክልተ መዓልታት ምጽባይ ብተራ ብዝሒ ኣባላት ጉባኤ ይግበር

ዓንቀጽ 15፣ ኣገባብ ምጽዳቕ ውሳኔታት

ሀ. ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ማሕበር ውሳኔታት  ማሕበር ብተራ ብዝሒ (50+1) ድምጺ ህልዋት   ኣባላት ይውሰን

ለ. ማዕረ ድምጺ ኣብ ዝርከበሉ ግዜ ድማ ኣደ-መንበር ዘድመጸትሉ ሸነኽ ውሳኔ ይሓልፍ

ሐ. ኣብ ጉባኤ ዝሓለፈ ውሳኔ ንምቕያር ዝዓለመ ብጠለብ ሓደ-ሲሶ (1/3) ካብ ኣባላት ጉባኤ ንዳግመ ክትዕ ክወርድ ይኽእል፣ ክጸድቕ ግን ድምጺ ክልተ-ሲሶ (2/3) ህልዋት ኣባላት ጉባኤ ድምጺ ይሓትት

ዓንቅጽ 16፣ ዕማማት ጉባኤ

ሀ. ስራሓት ጉባኤ ትከታተልን ትመርሕን ሰክረታሪያ ጉባኤ ካብ ኣባላት ጉባኤ ትምረጽ።

ለ. ጉባኤ ንጸብጻባት ኣካያዲት ሽማግለን ተቘጻጻሪትን ተመያይጡ ድሕሪ ምምዛን የጽድቕ።

ሐ. ጉባኤ መትከላት ናጻ ማሕበርን መደብ-ዕዮን ሕገ-ህንጻን፡ መድረኻዊ ውሳኔታትን ብተራ ብዝሒ (50+1) ድምጺ ህልዋት ኣባላት ጉባኤ የጽድቕ።

መ. ብዲሞክራስያውን ስቱርን ኣገባብ 5 ቀወምትን (ምሉኣት) ኣባላት ኣካያዲት ሽማግለን ሓንቲ ተጠባባቒትን ይመርጽ።

ዓንቀጽ 17፣ ኣከያዲት ሽማግለ ማሕበር፣ ሕጊ ማሕበር ተኸቲላ ንማሕበር ትመርሕ። ብሓሙሽተ ቀወምትን ሓንቲ ተጠባባቒትን ትቐውም ንሳተን ድማ፥

ሀ. ኣደ-መንበር፣

ለ. ምክትል ኣደ-መንበር

ሐ. ዋና ጽሓፊት

መ. ተሓዚት ገንዘብ

ሰ. ናይ ዜና ሓላፊት

ረ. ተጠባባቒት እየን።

ዓንቀጽ 18፣ ዕማማት ኣከያዲት ሽማግለ

ሀ. እተን ብንኡስ ረብሓታትን ካልእን ተገዚአን ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ሓደጋ ንምእታው ቀንዲ መሳርሒ ሓይሊ ኰይነን ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ዘመዝግብኦ ዘለዋ ጸሊም ታሪኽ ተቘጢበን ነቲ ምልካዊ ስርዓት ክኹንናን ኣብ ጐድኒ’ቲ ህዝቢ ንምድሓን ዝቃለስ ዘሎ ተቓውሞ ደው ከብላ ዘይ ሕለል ቃልስን ጻዕርን ክንገብር ኢና።

ለ. ነጻ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ ንኹለን ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣባላት ናይ’ዚ ማሕበር ክዀናን ኣብ’ቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክሳተፋ ንጉስጉስ።

ሐ. ምስ’ተን ድሮ ናይ ተቛውሞ ማሕበራት ኣቑመን ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ርክባትን ልዝባትን ንምግባር ጻዕርታት ምክያድ።

መ. ማሕበርና ኣብ ስደት ንዘሎ ውጹዕ ህዝብና ሓገዝ ንምርካብ ብዝከኣል መገዲ    ምጽዓት።

. ኣብ ሲናይ ይኹን ኣብ ካልእ ዝጠፍኡ ዘለዉ መንእሰያትና ንምርዳእ፡ ዓለም ድማ ኣድማዒ ቆላሕታ ክገብረሎም ምስቶም ኩሎም በዚ ጉዳይ ዝግደሱ ሸነኻት ማሕበርና ሓቢራ ዝከኣላ ክትጽዕር እያ።

ረ. እቶም ብዘይቀጥታዊ ኣእዳው’ቲ ስርዓት ኣብ ናይ ደገ ቤት ማእሰርትታት ዝምሽሙሹ ዘለዉ ኤርትራውያን ፍታሕ ንምርካብ መገድታት ሃሰስ ምባል።

. ምስ ናይ መንእሰያት ማሕበራትን ስቪክ ማሕበራትን ኢድ-ንኢድ ትታሓሒዝና እንተሰሪሕና ከነድምዕ ምዃና ስለ ንኣምን ሓቢርና ክንሰርሕ ልዑል ባህግናዩ።

. ምስ ዘይኤርትራውያን ነጻ ማሕበራት ንሰላምን ዲሞክራሲን፡ ንሰብኣዊ መሰላንትን፡ ዝጣበቓ ተዛሚድናን ተኣሳሲርናን ክንሰርሕ ክንጽዕር።

. ነጻ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ዞባ ኤውሮጳ ንኹለን ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ ኣባላት ናይ ማሕበር ክኾናን ኣብ ኣንጻር ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ተቛውሞ ክሳተፋ ምጉስጓስ

. ምስ ኤርትራውያን ነጻ ማሕበራት ንሰላምን ዲሞክራስን ንሰብኣዊ መሰላትን ዝጣበቓ ተዛሚድናን ተኣሳሲርናን ክንሰርሕ ክንጽዕት።

ኸ. ንሕና ደቂ ኣንስትዮ ሓይልና ኣብ ሓድነትናን ንቕሓትናን ስጡም ውዳቤና እዩ፥ ሰለ ዝኾነ ነዚ ንምትግባር ብዘይ ምስልካይ ከነዕውቶ ክንጽዕር ኣሎና፥

ጸ. ተቓውሞ ሓይልታት ንኽሕይል ፍልልያትና ኣጽቢብና ኣብዚ ተመስሪቱ ዘሎ (ባይቶ ኤርትራ ንደሞክራስያዊ ለውጢ) ብሓባር ክንሰርሕ ምኻንና፥  (? ? ?)

ፈ. ቊጠባዊ ዓቕሚ ማሕበር ንምዕባይ ማሕበር ዝተፈላለየ ናይ እቶት ምንጭታት ሃሰስ ይብልን ሜላታት ይበላሓትን። ንመበገሲ ንዝኸውን ግን ብቐዳምነት ካብ ነፍስ-ወከፍ ይኸውን

ሸ. እዚ ማሕበር’ዚ ንውልቀ ረብሓ ምኽዕባት ኣየገልግልን፥ ገንዘብ/ ንብረት/ ቀጥዒ ወጺእዎ ቅዋም ብዝፈቅዶ መሰረት ጥራሕ ኣብ መዓላ ይውዕል።

የ. ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ማሕበራት ደቂ-ኣንስትዮ ሓደ ናይ ሓባር ጽላል ንምፍጣር ንምፍጣር ዘይሕለለ ጻዕሪ ምክያድ። ብዝተፈላለየ ኣገባብ ናይ ርክብ እንዳገበርና ዘሎ ዘይምርድዳእ፡ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት፡ ክርከብ ንዝኽእል ግርጭታት ብሰላማዊ እንዳተረዳዳእካ ምፍትሑን ቀንዲ ዕላማ ሓድነት ምርግጋጽ

አ. ኣብ ሕገ-ህንጻ ሰፊሩ ከም ዘሎ ኣብ ኩሉ ቦታታት ጨናፍር ክንሰርዕ ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ዕማማት ኣካያዲት ሽማግለ እዩ

ዓንቀጽ 19፣ ዕማማት ኣካያዲት ሽማግለ ማሕበር

ሀ. ኣደ-መንበር

1. ስሩዕን ህጹጽን ኣኼባ ሽማግለን ኣኼባ ማሕበርን ትጽውዕን ትመርሕን

2. ስራሓት ኣባላት ኣካያዲት ሽማግለ ተወሃህድ

3. ጸብጻባት ነፍስ-ወከፍ ኣባል ሽማግለ ትቕበል

4. ኣብ መንጎ ኣኼባታት ኣካያዲት ሽማግለ ዝለዓለት ሓላፊት እያ

5. ዕላዊት ኣፈኛ ማሕበር እያ

6. ናይ ወጻኢ ጉዳይ ንጥፈታት ትውክልን ትከታተልን

ለ. ምክትል ኣደ-መንበር

1. ንኣደ-መንበር ትተሓጋገዝ

2. ኣብ ዘይህላወኣ ቦታ ኣደ-መንበር ተኪኣ ትሰርሕ

3. ዝምድናታትን ማሕበራዊ ጉዳያትን ትከታተል

ሐ. ዋና ጽሓፊት

1. ሰነዳት ኣካያዲት ሽማግለ ትሕዝን ትዕቅብን

2. ቃል ኣኼባ ኣካያዲት ሽማግለ ትምዝግብን ኣብ መዝገብ ተስፍር

3. ብትእዛዝ ኣደ-መንበር መጸዋዕታ ኣኼባ ኣባላት ሽማግለ ትገብር

4. ስሩዕ ጸብጻባታ ናብ ኣደ-መንበር ኣካያዲት ኣካል ተቕርብ

5. ብኩራትን ተሳትፎን ኣባላት ሽማግለ ትምዝግብ

6. ውሳኔታት ሽማግለ ንነፍስ-ወከፍ ኣባል ዘዝምልከተን ብዕላዊ ኣገባብ ተረክብ

መ. ተሓዚት ገንዘብ

1. ወርሓዊ ገንዘባዊ ኣታዊ ማሕበር ትምዝግብን ትሰርዕን፣ ብዕላዊ ሰነድ-ቅብሊት ከኣ ተሰንዮ

2. ንብረት ማሕበር ብዝርዝር ኣብ ፍሉይ መዝገብ ብምስፋር ትዕቅብ

3. ገንዘባዊ እቶት ማሕበር ክብ ንምባል ምንጪ እቶት ንምርካብ ተባልሕ

4. ወርሓዊ ጸብጻባታ ናብ ኣደ-መንበር ተቕርብ

ሰ. ሓላፊት ዜናን ባህልን

1. ዜናዊ ንጥፈታት ማሕበር ተካይድ

2. ብዛዕባ ንጥፈታት ማሕበር ንኣባላት ተስንቕ

3. ኩሉ ዜናዊ መሳለጢታት ማሕበር ተመሓድር

4. ስሩዕ ጸብጻባታ ናብ ኣደ-መንበር ተቕርብ

ረ. ተጠባባቒት

1. ኣብ ኩሉ ኣኼባታት ኣካያዲት ሽማግለ ትሳተፍ

2. ዝዀነ ሓገዝ ዝድልዮ ሽነኽ ቤት ጽሕፈት ትተሓጋገዝ

3. ሓንቲ ኣባል ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ቦታ ምስ እትገድፍ ተኪኣ ትሰርሕ

ዓንቀጽ 20፣ ስሩዕን ህጹጽን ኣኼባታት ኣከያዲት ሽማግለ ማሕበር

1. ኣካያዲት ሽማግለ ማሕበር ኣብ ሰለስተ (3) ኣዋርሕ ሓደ ግዜ ስሩዕ ኣኼባ ተካይድ

2. ህጹጽ ኣኼባ ብጸዋዒት ኣደ-መንበር ወይ ብጠለብ ሓደ-ሲሶ (1/3) ካብ ኣባላት ሽማግል ይግበር

3. ህጹጽ ኣኼባ ዝጸወዐት ወገን ምኽንያት ናይ’ቲ ጠለብ ብንጹር ናብ ኣደ-መንበር ተቕርብ

4. ውሳኔታት ኣካያዲት ኣካል ብተራ ብዝሒ (50+1) ድምጺ ህልዋት ኣባላት ይጸድቕ

5. ማዕረ ድምጺ ምስ ዝርከብ ኣደ-መንበር ዘድመጸትሉ ሸነኽ ከም ውሳኔ ይሓልፍ

ራብዓይ ምዕራፍ

ዓንቀጽ 1፣ ምፍራስ ማሕበር

ሀ. ማሕበር ንኽፈርስ ቅድሚ ወርሒ ዕድመ ንኣባላት ይላኣኽ፥

ለ. ምፍራስ ማሕበር በቶም ኣብ ኣኼባ ዝተረኽቡ ¾ ኣባላት ክኸውን ይኽእል፥

ሐ. ማሕበር ምስ ዝፈርስ ሃብቲ ማሕበር ንመን?

መ. ምቅያር/ ምምሕያሽ /ቅዋም ማሕበር

ሰ. ምቕያር/ ምምሕያሽ/ ቅዋም ማሕበር ብ3/4 ካብ ዝተዋህበ ዝተማሓላለፈ

ድምጺ ኣባላት ይውስን፥

ሓሙሻይ ምዕራፍ

ዓንቀጽ 1

ሀ. እዚ ሕገ-ህንጻ’ዚ ኣብ ጉባኤ ማሕበር ዞባ ካብ ዝጸደቐሉ ግዜ ኣብ ተግባር ይውዕል፣

. ነዚ ሰነድ ዝቕይርን ዘመሓይሽን ጉባኤ ማሕበር ጥራሕ እዩ።

እዚ ህንጻ ሕግ’ዚ ኣብቲ ዕለት 23 3 2012 ተጀሚሩ ፓልt ዝተዛዘ ጉባኤ ዝጸደቕ ናጻ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንሰላምን ዲሞክራስን-ዞባ ኤውሮጳ  ናይ መጀመርታ ግዜ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ህንጻ ሕጊ እዩ።




Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...