ቅድሚ ኹሉ ንኹሎም አመንቲ ሀይማኖት እስልምና አብ ዐድን ስደትን ዘለኹም! ኤርትራውያን ብሐበራ እንቓዕ ንዒድ አልኣድሓ አብ ጽሓኩም! ብምባል፡ አብ ሐጎስኩም እናተኻፈልኩ! ብዐቢኡ ኸኣ ንዐምታ ናይ ኩልና ሀይማኖታዊ ብዐላትና ብሐባር አብ ሰላምን ምፍቕቓርን ራህዋን ዝነገሰላ አብታ እንፍትዋ ኤርትራ ሀገርና ንምኽባር የብቅዓና! አሜን።

አብ ዘብገሰኒ አርእስቲ ክምለስ፡ 10 ክፋል ናይ መልእኽቲ ብይቕጽል“ ይሕደር ኢለ እየ ዝተፋኖኹ፣ ምኽንያቱ እቲ ምፍራስ ፈደረሽን መንግሥቲ ሐፀይ ሐይለ-ሥላሴ ጎቢጡ ብሐይሉ ብዘይ ድሌት ኤርትራውያን ክፈርስ ከምዝገበርዎዝተነግረና ልቢ ወለድ ጽውጽዋይ ስለዝነበረ ጥራሕ ዘይኮነ ዋላውን እቶም ጸሐፍቲ ኢና በሃልቲ ከይተረፉ እሞ ድሕሪ ኤርትራ አብ ድቕድቕ ፀልማት ባርነታዊ መግዛእቲ!“ ምስ ተቖርነት ዝተጻሕ፣ ሰኸኽ ከይበሉ፣ አብ ዐገብ!“ ብአቶ ምሰማይ ገብረሂወት፣ አብ መዕራፍ 9 ካብ ፈደረሽን ክሳዕ ጎበጣ ኤርትራ ብኢትዮጵያ! (1952 -1962)!“ ዝብል አርእስቲ ሂቦም ዝጸሓፍዎን ካልኦትን፣ ክሳብ ክንደይ ሐቒ ነይሩዎን አለዎን፣ እሰኪ ሕጅውን ካብ አቶ ዘውዴ ረታ!“ ዝጸሓፍዎ፣ ዝነበረ ሐቀኛ ታሪኽ ብማነካ ጨሊፍና ንመርምር።

„ቀዳማዊ ሐይለ-ሥላሴ ግን፡ በዛዕባ ኤርትራ ጉዳይ ዕላዊ ዲስኩር ክዲስኹሩ ኸለው፡ በሕቡራት መንንግሥታት ተዳልዩን ብእኦም ዝጸደቐ ሕገ- መንግሥቲ ክኽበር ከምዛለዎ ካብ መትሕስሳብ አየቋረጹን።“ ብምባል‘ዬ ጸሑፈይ የዐሊበዮ ዝነብርኩ።

„ እቲ ፈደረሽን ሪሒቑ ከይከደ ኸሎ ብሐጺሩ መታን ክቑጸ ውሽጢ ውሸጢ ናይ ዝዳሎ  መደብ (ፕላን)፣ ምሃነዲስ ዝኾኑ አስፍሃ ወልደሚካኤል፣ በቲ ግዜ እቲ ዐቢ ሥግኣቶም እንታይ ከምዝነበረ ከረድኡ ከለው፤“ ( አቶ ዘውዴ ነዚ መጽሓፍ ቅድሚ ምጽሓፎም ነቶም ቢሒወት ዝነበሩ ከም በዐል ኽቡር ነፍሰ-ሔር ቢተወደድ አስፍሃ ወልደሚካኤል፣ ነቶም ዝሐለፉ ኸኣ ዝነበረ መዛግብቶም ቤተ- ሰቦም ሰለዝለገስሎም ብምምርማር ኢዮም ጺሒፎምዎ።)  „እቲ ፈደረሽን እናአዳኸምና ህዝቢ ኤርትራ ምሰ አዲኡ ኢትዮጵያ ዝተፈልየ ምምሕዳር ዘይብሉ ሙኻኑ ከምዝሰምዖ እንተዘይገርና፣ ናይ ማቲየንሶ ኮንስቲትውሽን እናተለምደን እናጠዓመን፣ በመጨረሻ ፍጹም ኢትዮጵያውነት መንፈስ እናዘሓለ ሰለዝኸይድ ኢዩ።“ ኢሎም። በመሠረቱ ናይ ጃንሆይ ምኽትል እንደራሴ ከምዚ ኽብሉ ኸለው፡ ንበይኖም ደው ዝበሉ አይነበሩን። ሕቡራት መንግሥታት እዚ „ፈደረሽን!“ ዝተባህለ ዕንቅፋት ተኺሉልና ብምባል፣ ብጣዐሚ ዝሐዘኑ ናይ ኤርትራ መዃንንቲን ወይዛዝርትን፣ ንነአብንት ዝአክል ከም በዓል ራእሲ ኪዳነማርያም ገብረመስቀል፡ ከም በዓል ራእሲ በየነ በራኺ፡ ከም በዓል ሐይለ ተስፋማርያም፡ ከምበዓል ከንቲባ ዖስማን፡ ከም በዓል ሸኽ አል አሚን ዐብደልቃድር፡ ከም በዓል መላከሰላም ዲሜጥሮስ ገብረማርያም፡ ከም በዓል ወይዘሮ አስካለማርያም የማነን ካልኦትን፤ ምሰ አስፍሃ ወለደሚካኤል ዝተሐባበሩ ዝነበሩ ኢዮም። ኾይኑ ግን በዞም ናይ ማሕብር ፍቕሪ ሀገር አባላት ዝፍተል ወይ ዝሽረብን ናይ ፈደረሽን ምሕደራ ሽግር፣ ብናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ህዝቢ ጥቅሙን ጉድኣቱን ፈልዩ ዝፈልጥ አይነብረን።

ካብ ህዝቢ ሽዋ ተስዓ ካብ ሚእቲ ኤርትራ  ምስ ኢትዮጵያ ከምዝትሓወሰት እምበር ካልእል ብዛዕባ ፈደረሽን ይኹን ፈደራል አክት ወይ ከኣ ቺፍ ኤክዘኵቲፍ ዝባሃሉ ቃላት ዝፈልጦ ዋላ ሐንቲ ነገር አይነበረን፣ „ብታሪኽን ብባህልን ዝራቐቕ ናይ ጎጃምን ጎንደርን ህዝቢ፣ „ሀማሴን አባና መጺኦም፤“ (ሀማሴኖች ወደ እኛ መጥተዋል) እናበለ ዝተለምደ ርኢትኡ ይድርቢ ነበረ‘ምበር፣ ብዛዕባ ሕገ-መንግሥቲ ይኹን በዛዕባ ናይ አመሓዳድራ ዘሎ ዋጢጥጥ አይሰምዔን፤ ብኻልኦት ጠቕላይ ግዝኣት ዘሎ እንተኾነ‘ውን፣ ማለት አብ ከፋ ይኹን ወለጋ፣ አሩሲ ይኹን ኢልባቡር፣ ከምኡ‘ኣ ሲዳማ ወ.ዘ.ተ. ህዝቢ ኤርትራ ምሰ ኢትዮጵያ ከም ዝተሓወሰ‘ምበር ካልእ ዝፈልጦ ጉዳይ አይነበሮን። ካብ ናይ ንጉሠ ነገሥት ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሰበ ሥለጣን እንተኾኑ‘ውን መብዛሕትኦም፣ እዚ አብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ፈደርሽን ዝተባህለ ሕጊ፣ ንሐንቲ ኢትዮጵያ ተባሂሉ ብብዙሕ ሽግር  ዝተቛቛመ ናይ ቀዳማዊ ሐይለ-ሥላሴ ምምሕዳር፣ ሐደገኛ ምሳሌ ዝህብ ኢዩ፣ ኢሎም ይጭነቑ ነበሩ። እቶም ዝወሓዱ ኸኣ፣ ዕድመ ንሕቡራት መንግሥታት ድርጅት፣ እዚ ንኤርትራ ዝተዋህበ ናይ ውሽጢ ምምሕዳር መሰል፣ ንኻልኦት ናይ ኢትዮጵያ አውራጃታት ዕድል ክውሃበን ንቐዳማዊ ሐይለ-ሥላሴ ሰለ ዘገድዶም፣ አብ ሀገርና ንላዕሊ ገጹ እናሰረረ ዝኸይድ ዘሎ ደመና ሥረዓተ ፊውዳል ጸሪጉ ናይ ልምዓት ዕብየት ከቀላጥፍ ኢዩ ብመባል ይሐጎሱ ነበሩ። ዝኾነ ኾይኑ ናይ‘ዚኦም ውሑዳት ሐደስቲ መጻእቲ ምሁራት (ኢንተልክቱዌልስ)፣ ሐሳቦም ናብ ህዝቢ ዝዝርጋሓሉ መንገዲ ሰለዘይብሉ፣ ትምኒቶም ትምኒት ጥራሕ ኾይኑ፣ አብ‘ቲ ዝተሰብሰቡሉ እቴጌ ሆቴል ባር መኺኹ ዝተርፍ ስለ ዝኾነ፡ መንግሠቲ ናታቶም ርኢቶ ከም ቑም ነግር ቆጽሩ መጽናዕቲ ንኸካይደሉ ኢሉ አብ ግምት የእቲዎ አይፈልጥን።

„ተድላ ባይሩ ካቢኔኦም ሠልጣን አብ ዝተረከቡሉ ወርሓት፣ ናይ ኤርትራ ኢትዮጵያ ሐደ ሙኻን አብ ህዝቢ ዘሕደረሉ ሐጎስ ካብ ምጉህሃር፣ ናይ ኢትዮጵያዊ ስሚዒቱ ካብ ምድህሃር ሐሊፎም፣ „ሥርዓት ፈደሽን ካብ አዲስ አበባ ዝተፈልየ ምምሕዳር ሙኻኑ ዋላ ሐደ ነገር ዘመልክት አይሃቡን።“

ኾይኑ ግን ፈደረሽን እናተዳኸመ ናብ ፍጹም ሐድነት በፍጥነት ከምርሕ ተጋደልቲ ማሕበር አንድነት ዝደልይዎ፣ ምሉእ ብምልኡ ንምስዓብ ሐቢሩ ኽጎይ ተድላ ባይሩን ካቢኔኦምን አይተዳለውን።

ርኢቶ ተድላ ፈደረሽን ሰሪዝና አንድነት ንምውህሃድ ብርግኣትን ብዘዴ እንተዘይሠራሕናዮ፣ „ክጎዩ ዝተዓጠቕዎ፣ ኽጎዩ ይፍታሕ!“ ከምዝበሃል፣ ብታህዋኽ እንሠርሖ ድልድል ከየሳገረና፣ አብ ገደል ከድርቤና ይኽእል ኢዩ፤ ዝበል ነበረ። ወገን አስፍሃ ኸኣ እዚ ብዘገምታ ዝበሃል ነግር አይቅበልዎን። ከምዝበልዎ ግዜ ምሃብ ዝጠቅም ጸላእትና አንጻርና ንክዳለው ዕድል መሃብ ኢዩ፣ ጸላእትና ግዜ እንተደኣ ረኺቦም በዚ ሕጂ ረሲኑ ዘሎ ኢትዮጵያዊ ሰሚዒት፣ ብፕሮበጋንድኦም (ነፍሒታቶም) ክፉእ መርዚ ብምብራዝ ቅኑዕ ዕላምኡ ከለውጥዎ ይኽእሉ ኢዮም። ሰለዚ ናይ ተድላ ባይሩ ምምሕዳር ብአሠራርሕኡን ብአፈጻጽምኡን፣ ፈደረሽን ንምድምሳስን ናይ ሐድነት ሰሚዒት ንምውዕዓይ ሰጉመቲ ምውሳድ ዘለዎ ሎሚ ደኣ‘ምብረ ጽባሕ አይኮነን።“

„ፈደረሽን ናይ ኤርትራ ህዝቢ ሕቶ አይነበረን። ንጉሥ ነገሥት ሐይለ-ስላሴ  ብተንኮል ዝተቓመመ ናይ ሕቡራት መንግረሥታት ብይን ዝተቐበልዎ፣ ግድን ኮይንዎም ኢዩ። ሐጂ ግን ንእግዚኣቢሔር ምስግና ይብጽሓዮ፣ ካብ እንግሊዝ ብሰላም ተጋላጊልና ኢና። ናፅነትና ተቐቢልና ኢና ኢትዮጵያዊነትና ተረኪብና ኢና። ድሕሪ ሕጂ ናይ ህዝቢ ድሌት ተኸቲልና ናብ ሸቶና ንምብጻሕ ሥልጣንን መሰልን ናህና ናይ ኤርትራውያን ሰለዝኾን፣ ካብ ወጻኢ ወሰና ጢሒሱ ዝኾነ ይኹን ክሐተና ዝኽእል የልቦን። በምባል  ንቺፍ ኤግዜኩቲፍ ወጢሮም  ሀዝዎም።

አቶ ተድላ ነዚ መልሲ ንምሃብን ብእምነቶም ንምጽናዕ ንምርግጋእን ካብ አዲስ አበባ ስድስት ኪሎ ሰፈር መኻርን ደጋፍን አይሰኣኑን። „ንፍጹም ኢትዮጵያውነት ዕላማና ንምብጻሕ በበደረጅኡ ንጕዓዝ ክበሃል ከሎ፣ ንጸላእትና ንምቾዎም አሎና ማለት አይኮነን። የግዳስ ጸላእትና ካብ ወጻኢ ሀገር መንግሥታት ሐገዝ ረኺቦም ሐይሎም ክትርንዕ ዝኽእል፣ ንሕና ናይ አንድንት ወገን ብዝግባእ ከይተዳለና ተቐዳዲምና ናይ ሕቡራት መንግሥታት ውሳኔ መፍረስቲ ኾይና ምስ እንርከብ ኢዩ። እዚ ጌጋ እንተደኣ ፈጺምና፣ በጣዐሚ እንጎድእ ሀገርና ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ብዐለም ዝለዓለ አኽብሮትን አድናቖትን ዝተዋህቦም ንጉሠ ነገሥትና ክብሪ እንኮላይ ኢዩ፣…>>“ ብዝብል አቀራርባ ፈደረሽን በታህዋኽ ንምፍራስ አይፈተኑን።

ስለዚ መንግሥቲ ኤርትራ!“ ሥርሑ ብዝጅመረ አብ ውሽጢ ቑሩብ አዋርሕ፣አብ መንጎ ናይ አንድነት አጥበቕቲ ወገንኒ ሞደረይት ዝኾኑን፣ ዝተፈጥረ ናይ ሐሳብ ፍልልይ መን አቀራሪቡ መፍትሒ ይሃቦ?

ቀዳማዊ ሐይለ-ሥላሴ፣ ፊተውራሪ አስፈሃን መላከ ሰላም ዲሜጥሮስ፡ ናይ ኤርትራ ቀንዲ ቀንዲ ሽማገለታት ሒዞም ዘቕርቡሎም ሐሳብ፡ በዕሊ ዘይኮነ ውሽጢ ውሽጢ የባራታትዕዎም ኢዮም፣ እናተባህለ ይዝረብ ኢዩ። ጸሀፊ ትእዛዝ ወልደጊዮርጊስ ብወገኖም ምስ አቶ አክሊሉ ሀብተወልድ ብምኻን፡ ተድላ ባይሩ ዘርእዮ አቋም ትኽክል ስለዝኾነ ክድገፍ ዝግብኦ ኢዩ እናበሉ ንነጉሠ ነገሥት በብግዚኡ ምርድኦም አየቋረጹን። ወልደጊዮርጊስ ንተድላ ባይሩ ምድጋፎም፡ ፈደረሽን በቕልጡፍ ክፈርስ አለዎ ዘብል ሐሳብ ደስ ከምዘይብሎም ንማንም ግልጺ ነይሩ። አቶ አክሊሉ ኸኣ „ ፈደረሽን ክፈርስ ግርማውነቶም እንተደኣ ፈቒዶም፣ ዐበይቲ መንግሥታት ዝተባህሉ ሀገራት ኩሎም፡ ገና ካብ መጀመርያ ዝተዛረብናዮን ዝፈራሕናዮን በጺሑ፡ በምባል ብብዙሕ መገዲ ከምዝጎድኡና ክፍልጥ አለዎ። አብ አብ ውሽጢ ኤርትራ እንተኾነ‘ውን ናይ ወጻኢ ኢድ ስለዝኣትዎ፣ ብዙሕ ብጽብጽ ተፈጢሩ ህዝቢ ተኸፋፊሉ ሰላም ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ….“ ኢሎም ንጃንሆይ በብግዚኡ ሐሳብ ምቕራቦም ሚስጢር አይነበረን።

ይቕጽል፡

„አቤት፣ ጥፍኣት ሕዝብናን ዕንውት

ቅድስቲ ኸተማን

ክርኢ ኢየ ዝተወለድኩ፥

ከተማና ንጸላኢ ተዋሂባ፥

ቤት ምቐድስ ንጋና ተዋሂቡ ኸሎኸ፥

አነ ኸምይ ኢለ አብኡ እነብር፥

ቤት መቕደስ ኢየሩሳሌም፥

ክብሪ ከም ዘይብሉ ሰብ ኮነ፥

እቲ ኽቡር አቕሑኡ ተማሪኹ ተወስደ።

ሕጻናተና አብ ጎደናተና ተቐትሉ፥

አግባዛትና ብሴፍ ጸላኢ ተቐትሉ።

 

ቀዳ፡መጽ፡መቃብ፡ 2፡ 7-9፡

ካብ፡ሻም፡ ሐይለ-ስላሴ ገብሩ፡
ዘበሔረ ጀርመን።

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...