አብ ዝሐለፈ ጸሑፍ ሐደ ካበቶም ህልም ዝበሉ ቁነጮ ፊውዳል፣ ዋናታት ናይ‘ቲ ዝነበረ ሥርዓት፣ ቅድሚኡ ናይ በጌምድር ጠቅለይ ግዛት እንድራሴ ዝነበረ‘ሞ ህዝቢ ደም ዘጉስዔ ክንሱ እናፈለጡ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዘይቀበሎን ናቶም አማኸርቲ መኳንንቶም ንኸማኽሩ ተባሂሎም ዝይተሓተትሉ፣ ሰብኣይ ጓሎም ብሙኻኑ ጥራሕ አብ ኤርትራ አብ ልዕሊ‘ቲ  ብሰፊሑ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያን መሳፍለቱን ብዝበለጸ ብባዕዳዊ ግዝኣት ጣልያን ን50 ዓመታት ጩራ ምዐባሌ ዝረኣየን፣ ን12 ዓመታት ዋግዋጎ ደሞክራሲን ጥቕሚ ሠልፍታትን ዘስተማቐረ ክንሱ፣ ባዕሉ ፈትዩ፡ ማዕጽኡ ኸፊቱ፡ ኢዱ ዘርጊሑ፡ መርሓባ መጻእና ንዝበሎም ህዘቢ፣ እንደራሲኦም ንኽኸውን ዝሐጸይሎም ሰብ ንጻምኦም ዘይበቅዕ ኢዩ ዝነበረ፤ እስከ ነዚ ንዝምልከት ካብ „የኤርትራ ጉዳይ!“ „ብዘውዴ ረታ!“ ብዛዕባ አመራርጽኡ አብ ዝቐመጥዎ ጽሑፍ ብሕጽር ዝበለ ንዳህስስ።

„ሕገ-መንግሥቲ ጸዲቑ አብ ሥራሕ ንኽውዕል ክቃረብ ከሎ፣ ንጉሠ ነገሥት እንድራሲኦም ክሳዕ ዝመርጹ ተሸያሚ መን ሙኻኑ ክሳብ ዝፍለጥ፣ አብ አዲስ አበባን አብ ኤርትራን ብዐቢ ሀንቀውታ ይጽበይዎ ነበሩ። ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሰሚዒትን መንፈስን ትጽቢትን ተመርኵሶም፣ ናይ ንጉሠ ነገሥት እነደራሴ ልዑል አልጋወራሽ መርዕድ አዝማች አስፋወሰን ክኾኑ፣ አቶ ዘውዴ ገብረሒወት ናይ ወጻኢ ጉዳይ ምክትል ሚኒስትር ንጃንሆይ አቀረቡ።“

በዚ ሐሳብ‘ዚ ጸሐፌ ትዕዛዝ ወልደጊዮረጊስን አቶ መኰንን ሀብተወልድን ተሰማሚዖሙሉ። እንተኾነ ግን ቀዳማዊ ሐይለ-ሥላሴ ጓሎም ልዕልት ተናኘወርቅ አብ ሐሳቦም  ስለዘእተውዋ በቲ ግዜ‘ቲ ናይ ጐንደር ጠቕላይ ግዝኣት ገዛኢ ዝነበሩ ቢተወደድ እንዳልካቸው መሣይ ንናይ ኤርትራ እንደራሴ ንኽኾኑ  ከምዘዳለውዎም ሰለዝተሰምዔ፡ እዞም አብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለው ክልተ ዐበይቲ ሰበ ሥልጣን ዘውዴ ገብረሕይወት ከምዝግገበርዎ፡ ብቐጥታ ምስ ጃንሆይ ብምዝርራብ ንአልጋውራሽ ከሽሙዎም አይፈተኑን።

ማለት ጸሐፌ ትእዛዝ ወልደገዮርጊስ፣ ሰብ አይ ጓል ጃንሆይ ብዝኾኑ ብጉዳይ ቢተወደድ አንዳርጌ፣ ንንጉሠ ነገሥት ርእይቶ ክህቡ አይደለዩን። መኰንን ሀብተወልድ ከኣ፣ ካብ ኽልቲኦም ደቂ ጃንሆይ ማልት ካብ ተናኘወርቅን ካብ አስፋወሰን አብ ዝግበር ምርጫ፣ ከይተጠየቕኩ ሐሳብ ወሃቢ አይከውንን ኢየ፤ ኢሎም።

ዘውዴ ገብረሕወት ግን ንናይ ሥራሕ ተሐባባሪኦም ዐንደሚካኤል ደሣለኝ ሒዞም ጣዕሚ ብዘለዎ ብልዙብ አቀራረብ፣ ናይ አልጋውራሽ ናይ ዘውዲ እነደራሴነት ንፖለቲካ ይኹን ንናይ ህዝቢ ኤርትራ ስሚዒት፡ በጣዕሚ ጠቓሚ ሙኻኑ ንጉሠ ነገሥት ክአምንሉ ንምግባር ብሰፊሕ ጸዓሩ። ብዛዕባ አልጋወራሽ ንሽመት መሕጻዮም ተባራሪ ወረ እናነፈስ አሥመራ በጽሔ፤ እዚ እንኳን ነቶም ወገን ማሕበር አንድነትስ ይትረፍ፣ ተቓወምቲ ኢና ዝበሉ ከም በዐል ራእሲ ተሰማ አስመሮም ምሰ ቤተ-ሰቦም ወሲኽካ ናይ ድጋፍ ሪኢቶታቶም ምሀብ ጀሚሮም። መርዕድ አዝማች ማለት አልጋወራሽ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብቐጥታ አይፈልጦምን ኢዩ፣ ኾይኑ ግን ናይ ንጉሠ ነገሥት አልጋ ወራሲኦም፣ እንድራሲኦም ገይሮም እንተደኣ ሸይሞሙሎም፣ አብ ኤርትራ ዘለዉ ናይ ፖለቲካ መራሕትን ብህዝብን ዝወሃቦም አኽብሮት ብጣዕሚ ዐቢ ከምዝኸውን ተፈሊጡ ነበረ።

ዘውዴ ገብረሒወት፡ ንዐነደሚካኤል ደሳለኝ፡ ንአስፍሃ ወልደሚካኤልን ሒዞም፡ ንናይ አልጋወራሽ ሽመት ተፈጻምንት ንኽረክብ ብርቱዕ ጻዕሪ ዘካይድዎ  ዝነበሩ፡ መሠረት ዘለዎ ቑም ነገር ዝተመርኮሰ ሙኻኑ ቀዳማዊ ሐይለ-ሥላሴ በጉቡእ ተረዲእዎም ኢዩ። እነተኾነ ግን ነዚ ዐቢ ቦታ ሐንሳእ እንዳልካቸው መሣይ መሪጾም ስለዝወሰኑ ሐሳቦም ክልውጡ አይደለዩን። ናይ እቶም ብጣዕሚ ቐረብቶም ዝኾኑ ወልደገርጊስን  መኰንን ሀበተወልድ ዝምታ፡ ምኽንያቱ እንታይ ከምዝኾኑ‘ውን ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም።“

„ስለዝኾነ  ንዝሐሰብዎ ኸፈጽሞም ብዘኽእሎም በቲ ልሙድ ረቂቕ ጥበቦም  ተጠቒሞም፣ ንዘውዴ ገብረሒይወት፡ ንዐንደሚካኤልን፡ ንአስፍሃን ብሐንሳብ ብምስብሳብ ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ ነንበይኖም እናጸውዑ ከዛራርብዎም ጀሚሮም። ንነፍሲ ወከፎም ዘቕርብዎ ሕቶ ኸኣ፣ „ንናይ ኤርትራ እንደራሴ ገርና ነሙሻም፣ ብኣ መንጎ ደቅና ተናኘወርቅን አስፍሃወሰን ፍልልዩ እንታይ ኢዩ?“ ዝብል ነበረ።

ዘውዴ ገብረሒይወት ካብቲ ብብጊሓቱ ዝነበረ ሐሳባቶም ንቕንቕ አይበሉን፣ ማለት አብኡ ጸንዑ።

አስፍሃ ወልደሚካኤል፡ ካብ ክልቲኦም ናይ ጃንሆይ ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ፍልልይ አይገብርን ኢዩ፣ በሉ፤ ካብ ኩሎም ናይ ዐንደሚካኤል ርኢቶ ወሳኒ ኢዩ ዝነበረ። ክቡር ቢተወደድ ተግባራት እንደራሴነት ብተኽክል ከምዝፍጽሙ ዝተፈልጠ ኢዩ። ልዕልት ተናኘወርቅ ኸኣ ካብ ህዝቢ ዝተፈልየ አኽብሮት ካልእ፣ ማዕርነት ተነፊግወን አብ ጭቆና ንዝነብራ ናይ  ደቀ-ነስትዮ፣ ከም ኢትዮጵያውያት አሐተን መሰለን ንምኽባር ናይ ልዕልቲ ሐገዝ ንኽረኽባ የኽእልን ብምባል ዐንደሚካኤለ ዝተዛረብዎ ልቢ ዝትንክፍ ቃል፣ ንንጉሠ ነገሥት አበርቲዒዎም ጥራሐ ዘይኮነ ብዝበልጸ ሔጒስዎም።

ናይ ዘውዴ ገብረሒይወት ሐሳበ ነበይኑ ተረፈ፣ ዐንደሚካኤልነ አስፍሃን ናይ ጃንሆይ ሰምዒት ተኸቲሎም ካብ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ምኽትል ሚኒስትር ሰለዝተፈልዩ፤ ናይ አልጋወራሽ ናይ ዘውዲ እንደራሴነት ሙኻን ተሪፉ፤ ናይ ቢትወደድ እንዳርጋቸው መሣይ ሽመት ተወሲኑ ብአዋጅ ተገልጸ።“

እዚ አብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ፍርዱ ንአምበብቲ ገዲፈ፣ ናይ እንደራሴ አብ ውሽጢ ጕዳይ ኤርትራ ኢድ ምትእትታው ምጅማር ካብ አቶ „ዘውዴ ረታ!“ የኤርትራ ጉዳይ!“ ዝብል መጽሓፎም እስኪ ንከታተል።

„መንግሥቲ ተድላ! ናይ ኤርትራ ሕገ-መንግሥቲ ምስ ተዳለወ፣ ብእንግሊዝኛ „GOVERNMENT OF ERITREA!“ ዝብል ቃል አብ ትግርኛ ክትርጎም ከሎ፣ „መንግሥቲ ኤርትራ!“ ተባሂሉ ኢዩ። ኤሪትራውያን ብተድላ ባይሩ ምምሕዳር ግዜ፡ ተቓውምኦም ይኹን ድጋፎም አብ ዝገልጽሉ ዝነበሩ ግዜ፡ „መንግሥቲ ተድላ“ እናበሉ ከምዝነበረ ይዝከር።

ተድላ ባይሩ፡ መስከረም 13/ 1952 ዓ.ም. ካቢነኦም አቑሞም ድሐሪ ማሓላ ምፍጻሞም፣“ ካልእ ከቢድ ሥራሕ ስለ ዝነብሮም፤ „ድሕሪ  ሐደ ወርሒ ኢዮም ወግዓዊ ሥርሖም ዝጀምሩ፤ አብቲ መጀመርያ ወርሓት ዘርአይዎ ምንቅስቓሳት ናይ ወገኖም ናይ ማሕበር አንድነት ፓርቲ ምኽሪ ንምኽታል፣ ልዑል አረኣእያ ዘሕደሩሎም ናይ ቀዳማዊ ሐይለ-ሥላሴ ናይ ልቢ ተምኒት ንምፍጻም ቆሪጾም ዝተላዕሉ መሲሎም ነይሮም ዝተራእዩ። ናይ ኤርትራ መራሒ ብጃንሆይ ጥራሕ ዘይኮነ፣ በቶም ዐቢ በዓል ሥልጣን ብወልደገርጊስ በጣዕሚ ዝተደገፉ ስለዝኾኑ፣ካብ አዲስ አበባ ዝደለይዎ ኹሉ ከም ልቦም ምርካብ ሐሊፎም፣ ዋላ ሐንቲ ዕነቅፋት ከም ዘየጋጥሞም እርግጸኛ ኾኑ። ጸሐፊ ትእዛዝ ወልደጊዮርጊስ ምስ እንዳርጋቸው መሣይ ስለ ዘይጠዓዓሙ፣ ብናይ ኤርትራ ናይ ንጉሠ ነገሥት እንደራሴ፡ ብቺፍ ኤግዜኩቲፍ ሥራሕ እናአተው ከየሸግርዎም፣ አነ አለኹልካ እናበሉ፡ ናይ ተድላ ሞራልን ተስፋን አራጒደሞ። በመሠረቱ ጸሓፊ ትእዛዝ ሐቂ አለዎም፤ ብሕገ-መንግሠቲ ከምዝተገልጸ ናይ ግርማውነቶም እነደራሴ፡ አብ ናይ ቺፍ ኤግዜኩቲፍ አብ ሥልጣን ክልል ንምዕታው ሥልጣን የብሎምን። ተድላ ግን ካብ ቢተወደድ እንዳርጋቸው ንላዕሊ ብጣዕሚ ዝፈርህዎም ንፊተውራሪ አስፍሃ ወልደሚካኤል ኢዮም። ካብ መጀመሪኡ ዝተፈልጡ ናይ ናዚ አዛራራቢ፣ ከመይ ጌሮም አብ ኤርትራ ናይ ዘውዲ እንደራሴ ምኽትል ኮይኖም ይሽዮሙ? ብምባል ተድላ ቀሬቶኦም አይሐብኡን። ካበዚ ንላዕሊ አስፍሃ ወልደሚካኤል፣ አብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ክርስቲያን ይኹኑ ናይ አሰላም ዐበይቲ ዐዲ ፈተውቲን፣ ብፍላይ‘ኣ ንናይ ሽዋ መኳንንቲ ብዐል ጽቡቕ መዓልቲ፣ ብተወሳኺ ታሪኽ ዝፈልጡን፡ ረቂቕ ተንኮል ናይ መጉንጓን፣ ኪኢላ ኢዮም ብምባለ ተድላ ባይሩ በጣዕሚ ይሰግኡ።“

„ብወገኖም ፊተውራሪ አስፍሃ ኸኣ ተድላ ባይሩ ዋላ ሐንቲ እነከን ብዘይብሉ ኢትዮጵያውነት ንሐድነት ዐቢ ተጋድሎ ዝገበሩ ክንሶም፣ እነተኾነ ናይ ፖለቲካ ስልቲን ምስ ደቂ ሰባት ናይ ምቅርራብ ዘዴ ዘይብሎም፣ ናይ ሥልጣን አተሓሕዛን ናይ አመራርሓ ኽእለት ዝሐጽሮም ኢዮም በምባል፣ ብፍረ ሥርሖም ማልት ብውጸት ሥርሖም ይጠራጠሩ። ሰለዚ ምስ ቢተወደድ አንዳርካቸው ኰይና ንሕና ብምኽርን በዘዴን እናአለናዮም፣ ፈደረሽን ከይደንጎየ እናላሕለሔ ፍጹም ዝኾነ ሐድነት፣ አብ ሸትኡ ምብጻሕ አሎና፣ ኢሎም ዕላምኦም መሥረቱ። ፍተውራሪ ንቢተወደድ ሒዞም እዚ ትልሚ‘ዚ ዝተለምዎ፣ ካብ ርእሶም ዝመንጨወ ሐሳብ ድዩ? ወይስ ካብ ንጉሠ ነገሥት ብዝተዋህቦም ሐደራ? ንዝብል ሕቶ፣ መልሲ ዝህብ መረጋገጺ አይተረኽበን። ሰለ ኤርትራ ምምሕዳር፡ ጉዳዩ በቐጥታ ዝምልከቶም ጸሐፊ ትእዛዛ ወልደጊዮርጊስ ይኹኑ አቶ አክሊሉ ሀብተወልድ፣ አብ ሥራሕ ክውዕል ዝጀመረ ናይ ፈደረሽን አመራርሓ ዝፈርሰሉ መገዲ ከጽነዑ ተባሂሎም ካብ ጃንሆይ ከምዘይ ተሐቱ ተረጋጊጹ ኢዩ። ይኹን እምበር ናይ ልዕልቲ ተናኘወርቅ ሐይለ-ሥላሴ በዐል ቤተን፣ ከም አባል ናይ ንጉሣዊ ቤተሰብ መጠን፣ አስፍሃ ወልደሚካኤል ቅድሚ ዐሰርተ ዓመት ጀሚሩ ብዝተመሥረተ ብዐል ጻማ ስለ ዝኾኑ፣ ናይ ፈደረሽን ምፍራስ ወይ‘ኣ ምልሕላሕ ብተሠወረ መገዲ አማኺሮም፣ ካብ አባ ጠቅል መምሪሒ ከይተዋህቡ አይተረፉን ተባሂሉ‘ውን ይዝረብ ኢዩ።

ቀዳማዊ ሐይለ-ሥላሴ ግን፡ በዛዕባ ኤርትራ ጉዳይ ብዕሊ አብ ዝገብርዎ ዲስኩር ኩሉ፣ ብሕቡራት መንግሥታት ተዳልዩ ብእኦም ዝጸደቐ ሕገ-መንግሥቲ ክኽበር ከምዘለዎ ካብ ምተሕስሳብ ዐዲ አይወዓሉን ነበረ።“

ይቕጽል!

„አነ ኸኣ „ኦ አምላኽና፡ ስማዕ፡

ተናዒቕና ኢና እሞ ልገጭኦም ናብ ርእሶም

ምለሰሎም። ምእንቲ ኽብዝበዙ ንማረኽቲ

አሕሊፍካ ሀቦም። ነቶም ነዳቖ ብምጽራፍ

አኾርዮምኻ እዮም እሞ ክፍኣቶም አይትሕደገሎም፤

ሐጢያቶም ድማ አይትደምስሰሎም“ ኢለ ጸለኹ።“

መጽ፡ነህ፤ 4፤4-5፤

ካባ ሻም/ ሐይለ-ሥላሴ ገብሩ

በሔረ ጀርመን፤

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...