እዚ ሎሚ ሎምስ፣ ወረ ሃተውተው በዚሑስ ከሰልችወና ቀሪቡ? ናበይ እዩ እቲ ኣንፈቱ? በዚ እዋን እዚ ካልእ እዋናዊ ዛዕባ ዓድና ዓዚዝሉ ኣብ ዘሎ ግዝየ ገለ ጸሓፍቲ ደቂ ዓድና እሞ ኽኣ ናይ ታሪኽ ፈላጣት ኢና ብዝብሉ ብእልቢ ኣልቦ ቃላት ገሊኡ መጽናዕታዊ ፣ገሊኡ ክኣ በሃማዊ ክትብሎ ብእትደፍር ጹሑፋት ብዛዕባ ጀማሪ ሰውራ ኤርትራ ዝኾነ ስውእ ዓዋተ ክሕንጥጡልና ቀንዮም ኣለው።እዚ ጽውዮ እዚ ዳርጋ ኣብ ነብሲ ወከፍ ገጻት ወብሳይታት ናይ ኤርትራውያን ኣብ ደገ፣ ዓብሊልሉ ዘሎ መኽንያት ከትሓትት ከኣ ይደፋፋካ። ዋላ ኣገዳስነቱ ብዓቢኡ እንተኣጣራጠረካ።

ከምቲ ዝበሃል እኮ ያኣይ ብሓደ ናይ ንህዝቢ ኩናማ መሰል ይቃልስ ኣላኹ ምስ ዉድበይ ብዝብል(ንክንደይ ካብ ተወላዶ ብሄረ ኩናማ ይውክል እንድዒ) መራሕ እዚ ዉድብ እየ ኢሉ ብዛዕባ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ኣልዒሉ ኣብ ዘውጾ መግለጺ ንዓዋተ ከም ጅግና ኣምሲልካ ዝቐርብ ታሪኽ ብስሩ ከምዘይቕበሎ በንጻሩ ዓዋተ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኩናማ ብዝፈጸሞ ናይ ሽፍትነት ዕዮ ከምዝኸሶ ካብ ዘውጽኦ መግለጺ እዩ ዝብገስ ይብሉና ኣለው። የግዳስ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዋላኳ ድኣ ሕጂ ብምኽንያት እዚ መግለጺ ይባርዕ እምበር፣ ፈኸም ምባል ውን ኣይገደፈን ዝነበረ። ሎሚ ሽም ርኸብ ኢልዎ ኣቶ መራሕ ውዱብ ብሄረ ኩናማ እምበር።

እቲ ገለ ወገናት እንተስ ካብ ፍርሒ፣እንተስ ካብ ወኒ ምስኣን ብውሽጦም ቀቢሮሞ ዝነበሩ ስምዒታቶም ካብ ተጀመረ ኢሎም ተሃኖም ከውጹ ንርኢ ኣለና። እንተስ ንደገፍ ታሪኽ ዓዋተ እንተስ ኣንጻር ጅግንነት ዓዋተ። ብዝተፈላለዩ ዘቕጸልጽሉ ኣርእስትታትን ሓረጋትን ወረ ንሓንሳብሲ ታሪኽ ከምዝተፈጸሞ ዳኣ እምበር ከም ዝመረጽካዮ ዝጽሓፈሉ ዓውዲ ኣይኮነን ንዝብል መባእታዊ ኣምር ታሪኽ፣ ብዝረስዐ ዝመሰል ህውተታ። ካብ ብዝሕ ግና ሓንቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ዘንበብክወን ጽሑፋት ብቓንቃ እንግሊዝ ዓዋተ ከም ሓደ ናይ ቃታ ምስሓብ ህርፋን ወይ ወኒ ዝነበሮ ሽፍታን ናይ ምሶሊኒ እሙን ኣገልጋሊ ወይ ተቓላሰን ከምዝነበረ እትገልጽ ጽሕፍቲ መስ ነበብኩ፣ እሞ ስዒቡ ዝቐረበ ርእይቶታት፣ ኮነኔን ሞሳን ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ብዝተዓዘብኩ ፣ንዓይ ውን ገለ ክብል ደፋፊኣትኒ።

ብመሰረቱ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ኣብዚ እዋን እዚ ብዝርድኦን ተሰዊጥዎ ብዘሎን ጭፍለቓን ርገጻን ሕሰም መነባብሮን ብእዋናዊ ገዛኢ ስርዓት ኣብ ዘማርረሉን ዝሕንሕነሉን ዘሎ ግዜ፣ ፤እሞ ክኣ ነዚ ሕሱም ገዛኢ ከመይ ኣቢሉ ይእርሞ ኣብ ዝመያየጠሉ ኣብ ዘሎ ህሞት ብፍላይ እኳ ድኣ መንእሰያት ካብ ፍርሕን ራዕድን ካብ እንታይ ኣእተወንን ተገላጊሎም ሓላፍነት ክስከሙ ተቐሪቦምሉ ኣብ ዘሎውሉ ወቕቲ፣ ናይ 60ታት ነበርያ ነበረ ኣምጺእካ መኣዝን ከተስሕት ምፍታን ይመሰል ኣብዚ እዋን አዚ ምልብዑ

የኣይ ተሓላቒ ብሄረ ኩናማ ከረድኣና ብዝፍትን ዘሎ እሞ ክኣ ብምኽንያት ሓደ መስከረም መግለጺኡ ስለዝዘርግሖ፡ እቶም ንዓዋተ ትዝክሩ ዘለኹም ልክዕ ከም ንገበናት ዓዋተ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኩናማ ከም ቅኑዕ ተቐቢልኩም ነቲ ተግባራት እቲ ክትቅጽሉ ከምእትቃለሱ ዘለኹም እዩ እሞ ንዓኹም እውን ካቡኡ ፈሊና ኣይንርእየኩምን ኢና እዩ ዘስምዕ እቲ መግለጺ። ተበጊስሉ ዘሎ ዕላማ ነቲ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብሄረ ኩናማ ይኹን ካልእ ብሄር ዝፍጸም ዘሎ ድህካ ንምብዳህ ድዩ ወይስ ነቲ ብዓዋተ ተፈጺሙ ዝብሎ ዘሎ ናይ ታሪኽ ገበን ሕነ ንፍዳይ ሕውስውስ ክሳብ ዝብለና ብመግለጺኡ ኣገሪሙና ኣሎ። ኣብ ሎሚ ስለዘሎ ነዚ ናይ ሎሚ ድህካ፡ወይ ርገጻ ደው ንምባል እዩ ከይንበል ሎሚ ነዚ ብህየት ዘሎ ሽፍታ፡ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ኩናማ ከይበለ ዓፋር ሳሆ ከይበለ ትግረ ሓሊኹን ሓኒቑን ዝረግጽ ዘሎ ናይ እዋንና ዕሉል መራሒ ሸፋቱ ንምእላይ ምስ ካልኦት ምስ ምስዕላማታቱ ዝሳነዩ ወይ ካኣ ምስ ነዚ ዕላማ ምስ ዝቃለሱ ወገናት ወጊኑ ምቅላስ ኣይምቐለሎንዶ ክኣ ንብል። ዶስ ብኣግኡ ምስ ዓዋተ ትደናገጹ ከይትኾኑ እሞ ብኣግኡ ፈሊጠኩም ክጸንሕ ኣለኒ ጽባሕ ንግሆ ከም ዓዋተ ከይትኾንዎ ንህዝቢ ኩናማ እዩ እቲ ጣቋ፧ ከምኡ እንተኾይኑኸ ከም ኤርትራዊ ድዩ ብመላእ ኤርትራ ጉህዩን ተሰሚዕውን ዉድብ ፈጢረ እየ እሞ፡ ሓገዝ ወይ ኣፍልጦ ናይ ካልእ ክፋል ኤርትራ ወይ ወገን ኤርትራ ወይውን ዉድባት ኤርትራ ኣየድልየንን እዩ ዝእንፍት ዘሎ፧

ክም እንርድኦ እንተኾይኑ ሎሚ ናይ እዚ ብህየቱ ዝዘምት ዘሎ ሽፍታ ብኸመይ፧ ነቲ ዘስዕቦ ዘሎ በሰላ ዋላኳ ዓብዩ እንተሎ ከመይ ኣቢልና ከይተጋነንን ከይለከመን ከሎ ንውግኖ እሞ ፡ናብ ግዝኣተ ሕጊ ንመልሳ ነዛ ዓዲ እዩ ዘሎ እቲ ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ካብ እዚ ወሪድዎ ዘሎ መዓትን ኣደራዕን እንታይ ዓስቢ ወይ ክኣ ዝሓሸ ለውጢ ተቐሪብሉ ኣሎ ንምፍላጥ ሃንቀው ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ዘሎ ህሞት፡ ንሽግርካን ንሓዘንካን ክንዛዝመን ከንድብስን ንሃገርና ዳግም ካብ ሸፋቱን ዓዋሉ ፖለቲካን መራሕቲ ኣናጊፍና ናብ ግዝኣተ ሕግን ብባይቶ እትመሓደር ዓድን ከንገብራ ኢና ኢህን ምህን ንበሃሃል ዘለና ክንብሎ ድዩ ዝጠልበና እዚ መድረኽ ወይስ ኣብ ሓሸውየ ምጽራይ ታሪኽ ክንታረኽ፧ ጫለዳ ሓሳብን ጓል መንገድን እናፈጠርካ ብተተይ ነዚ ዘሎ ምልኪ ከተሳጉም ምፍታን፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ነቲ ዓዲ ኣይምውት ኣይስሩር ኮይኑ ተንጠልጢሉ ክነበር ከምትምናይ እዩ ዘመሰል ዘሎ እዚ ናይ ሎምቅነ ትረኻኹም ኣብ ክንዲ ሃየ ንናይ ሓባር ጸላኢ ብኸመይ መንገዲ እትዝትዩ ኣብ ነበረ ተገብረ ትፈናጨሉ ከምዝነበርኩም ምስክር እዩ ከምውጲኢቱ ክኣ እዚ ኣፍሪና ኢልኩም ከትንየቱ ውን ተሰሚዕኩም ኣይትፈልጡን።

ምዃን ክኣ እንቋዕ እዚ ሎሚ ተበጊሱ ዘሎ መንእሰይ ናብ ናታትኩም ሓሸውየ ክቃማጣዕ ኣይመረጸ። ናይ መንእሰይ ምንቅስቓስ ምስተን ናትኩም ዉድባት ኣይንጽንበርን ምባለን ቅኑዕዩ ዝበሃለሉ ዘሎ ምኽንያት እውን እዝን ወዲዝን ታሪኽ ስለዝጸንሓኩም ይኸውን፧ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ንስመር ኣብ ዘድምጻሉ ዘለዋ እዋን ንስምረት ተበጊሰናሉ ጥራይ ዘይኮነ ጀሚረን ይሰርሓሉ ኣብ ዘለዋ ግዝየ፡ መንእሰያት መስ መንእሰያት ምውጋኖም እምብኣር ከም ትዕድልቲ ክንቆጽሮ፧ ኣነስ ከምኡ ምበልኩ። ምኽንያቱ መንእሰያትና ዓዋተ እንታይ ነበረ ህዝባዊ ግንባር እንታይ ገበረ ዘይኮነ ዓዚዝዎም ዘሎ ኤርትራ እንታይ ትኹን ስለዘሎ ጭርሖኦም። ግደ ሓቂ ክኣ ኣብ ክንዲ ነዚ እናረኣናዮን እናሰማዕናዩን ዝደሃኸና ሽፍታ ኣብ ክንዲ ነዚ ኣንጻር ኩለን ቢሄራትና ዝሞገተ ሽፍታ ነቃምት እሞ ንሃድን፡ ዓቢ ሽፍታ ብህየት ኣብ ዘለወሉ፡ ናይ ካልኦት እሞ ኽኣ ኣብ ውዒለዩ እየ ወይ መስኪረዮ እየ ናብ ዘይብሉ ምጉት ታሪኽ ናይ ኣብ ዘላለማዊት ቤቶም ንዘለው ምሽማምን ምግንጻል ኣየድልየናን ጥራይ ዘይኮነ ንምንታይ ዕላማ እሞ፧ምበልኩ።ብእንፈልጦን ብእተሞከርናሉን ብዝሓለፍናዮን ምኽንያት ምቅላስዶ ኣይምቐለለናን፧

ስለዚ ልቦና እሞ ነዕቢ ነቲ መዓት ህዝብና ብኸማይ ብሓደ ወጊና ንቃልሎ ድኣ ንመኻኸር። እንተዘየለ ንሕና እውን ብህዝቢ ልክዕ ከምቲ ወነንቲ እዚ ስርዓት ኣብ አዋኑ ንስምዕታ ህዝብና ኣቓልቦ ብዘይምሃብና ተሓተትቲ ከይንኸውን ኣብ ግምት ነእቱ ፡፡ በኣጉኡ ክኣ ናብ እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ተደልይሉ ዘሎ ዛዕባ ነተኩር። እንተዘየለ ታሪኽ ናቱ መዝገብ ኣለዎ። ስለዚ ንታሪኽ ክትወራዘዩ እንተፈቲንኩም ኣብ ናይ ታርኽ መዝገብ ከም መመላእታ ደኣ እምበር ከም ሰብ ውቕይ ኣይክትምዝገቡን ኢኹም ታሪኽ ናቱ ፈርዲ ስለዘለዎ ከምዚ እባ ከምዚ ስለዝበልካ፡ ንመኣዝን ታርኽ ዘይናቱ መልክዕ ክሕዝ እዩ ኢልካ ምጽባይ ንኾንቱ ምንባርካ ንዓለም ምእዋጅ ጥራይ እዩ ክኸውን።

ዘካምፓላ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...