ብዛዕባ ዜናታት ባዶ ተስፋን ሓሶታትን 03።

ሓቂ ኢዩ ካብ ተስፋ ምቑራጽስ ምትስፋው ይበልጽ።ቁርጸት ተስፋ እታ ናይ መወዳእታ ከትሪ ህላወ ኢያ። ተስፋ ሞተር ህላወ ስለዝ ኾነ። ሰብ ሳላ ዘሎ ታሪኽ ይቕጽል። ሳላ እምንቶ ምህላዉ ንዝበለጸ ዓይነት ህላወ ክበሃል ምቅላስ ይርአ።ኣለኹ ዝብለ፡ የለኹን ኣይጥዑምን“….. ዝተባህለ፡ ጌጋ ድኣ ይኽለኣልና‘ምበር ስለቲንሱ ክኸውን ኣለዎ። እንተኾነስ ምህላው ስለህላወ፡ ምትስፋው ከኣ ስለተስፋ ጥራይ ክኸውን ኣይጽቡቕን። ከመይሲ ባዶ ትምኒት ህላወን ተስፋን ንበይኑ እቲ ተመዝማዚ ጎድኒ ሂወት ኢዩ። እንዳማትካ ብዝበልዕዎ ከተጉስዕ ንዝግድደካ መልሲ ክህልወካ ስለዝግባእ።

መንግስታት ነቲ ጽቡቖም ከራጉዱ ይቃለሱ ኢዮም ግና ሕቶ ኣሎ። ኣየናይ ነገር ኢዩ ነየኖት ሰባት ጽቡቕ? ዝብል ሕቶ። ንኣብነት ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተተኽለ ጊላዊ ስርዓት ንሃገርናን ህዝባን ትርፎ ክሳራ ምንም ፋይዳ ከምዘየብሉ ዝኣምን ይበዝሕ።እቲ ክሳራ ግን ፈተናዮ ጸላእናዮ ነቲ ጨዃኒ ስርዓት ሕውየት ኮይንሉ ሓሊፉ ኣሎ። ስለዚ ኣብ ሓንቲ ፍጻመ ክልተ ተጻረድቲ ክፋጠጡ ተራእዮምን ይረኣዩን ኣለዉ።እዚ ክኸውን ኣይነበሮን፡ ክኸውን ነይርዎ እንበር። ንሓዋሩ ክኸውን የብሉን፡ ክኸውን እንበር ኣለዎ“።

ሓሳብ ልቦም ዝሰመረሎም እዋናውያን ተበለጽቲ ብተስፋ ፈጋዕጋዕ ጭንድሕድሕ። እቶም ግዳያት ተረከብቲ ከኣ ብቁርጸተ-ተስፋ ሽምቱኽቱኽ ጭብጥብጥ። ከምውጥን ናይቲ ክፉእ ሕልና‘ሞ ሓፋሽ መኣዝኑ ከጥፍእእ፡ ሕልናኡ ዓሪቡ ፈሳሲ ኣካላት ነጺፉ መገጣጠሚ ኣዕጽምተዩ ደሪቑ ዓጠጥ-መጠጥ ክብልተጨቢጡ ክልምንንን!!“  ሽዑ በቲሓደ ናይ ንማለቱ ተስፋ ለውጢ ክንዛሕ፡ ብኣውራኡ ግን“ ክላእ ህግደፍ ኣይትወድቕን ኢያ ባቃ“! ተባሂሉ ተስፋ ክቑረጽ ተንበርኪኹ ከኣ ክነብር።…….

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ረጽሚ ሓፋሽ ኣብ ኩሉ ስርዓታት ፖለቲካዊ መዘወር ስልጣን ክንቀሳቐስ ምእንቲ ሚ/ሪ ዜናን ፕሮፖጋንዳን ልዑል ተራ ይጻወት።እንተኾነስ ዝገጀፈን ኣድማዕን  ዕዮ ምንዋሕ ዕድመ ዝስራሕ በቲ ናይ ብታሕቲ  ታሕቲ፡ ናይ ብሰላሕታ ዝዕመም ኢዩ። ንዕዑ ዝበቕዓ ትካላት ባዶ-ሰለስተታት‘ውን ይቖማ ኢየን። ንሳተን ኣስማተን ብዘየገድስ ኣቃውማአን ሃገራዊ ዕላማን ቅርጽን ክህልወን ግን ግድን ይኸውን። ኩለን ከኣ ነቲ ግሁድን ስዉርን ሃገራዊ ዕላማታት ንምውቃዕ ይሰርሓ። እተን ኣብ ውሽጢ ሓደ ስርዓት ንስልጣን ዝወዳደራ ሰልፍታት ከኣ ኣብ ትሕቲ ሃገር ኮይነን ብዝበለጸ መልክዑ ንሃገረን ከመሓድራ ከምዝኽእላ ኢዩ‘ቲ ውድድር።

ናይ ገለ ሕሉፋት መራሕቲ ሰልፍታት ብልሓት ግዳ ንበይኑ ኢዩ። ብቀዳምነት መታን ጉዶም ከይግለጽ እቲ ስርዓት ብዝተፈላለየ ሸፈጥ ንተቓወምቲ ሰልፍታት ሕሩምዩ። ሰልፎም ልዕሊ ሃገር ኮዲጮም ብብሕቱው ምልከ-ምልክታት ክጽብልሉ ይረኣዩ። ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ገበን ሕጋውን ቅቡልን ከምስሉ ምእንቲ ገበታ ሓሶታቶም  ብቀጣፊ ዘመተታት ክድብስዎ ይስትውዓሉ። ርሑቕ ከይከድና ናይ ሃገርና ንግበር።

ትማሊ ኢዩ ዝነበረ ኤርትራዊ “ብሕጊ ጫካ ኣይንመሓደርን ኣይንግዛእን“ ኢሉ ሞሮር ዝሓደረ። እንተኾነስ በጃኣ‘ዛ ግርህቲ ልብና‘ሞ ድጉል ነገር ከኣ ወደቐና። ዓመጽ ንዓና ጋሻ‘ዃ እንተዘይኮነ ካብ ፈተውትና መሰል ድቦላ ድጉል ወድቂ ወደቐና። ጸረ ሕጊ ጫካ ‘ዝተ ቓለሰ‘ ተመሊሱ ብምኽሓዱ ድማ “ጥልመት“ ተሰመየ። ጠላም ከኣ እንተኾነ  ከይፍለጥ፡ እንተተፈለጠ ድማ ክስባሕ ምእንቲ ጥበብ ኣድለዮ። ነዚንምግባር ኢያ እንበኣር ሓያል ዝብልሓታ ትካል 03 ዝቖመት። ህግደፋዊት ባዶ-ሰለስተ ቀንዲ ሞያኣ ሕንፍሽፍሽ ዝብል ሓቱ መሓውር ዕንወት ሃገራውነት ብምዃና ከምሕልፍቲ ኣብነት ክንጠቕሳ ንኽእል።

ሓደሓደ ግዜስ ተግባራትን ዘወርትን ናይዛ መስርዕ ሕንፍሽፍሽ እናፈለጥኩዎም ክስወሩኒ ይህቅኑ። እንተኾነስ ወይከምስዋር! እዃ ድኣ ኩሉ‘ቲ ሕንብርጅሉ ዕዮታታ ኣዒንቱ ኣፍጢጡ ብናይ ላግጺ ወኒ ዝቕልጸለይ ኮይኑ ይስመዓኒ‘ሞ “እወ ድኣ፡ ህግደፍ ብዋጋ ኤርትራን ህዝባን ትኣምኖ ረኺባ‘ምበር ቀደሙ ገመል ሰሪቕካዶ ክንድዚ ጉምብሕጉምብሕ“ የብለኒ። ንነገሩ ተፈጥሮ ሰብ ብኣስማቱ ጊንጢ ኮይኑ‘ም በር፡ ከምሓቂ ዝጥዕምዶ ኣልዩ!  ሓቂ ብተዛማድነቱ ዘይኮነስ ብፍጹምነቱ ምርኣይ ከኣ ንጽህና ሕልና ይሓትት። መራሕትና ከኣ ኣብ ከምዚስ  ሰብ ዓቢ ሞያ ኢዮም ይብልዎም።

ሞያ እንተበሉኹምከ ሓያል ሞያ እንበር!! እንታይ ዓይነት ሞያ? ኢልኩም ከይትደናገሩ ሓደራ። ጥልመት ከኣ ብተዛረብቲ ፖለቲካ ኮኑ ቁጠባ “ ቢዝነስ“ ኢዩ ኢሎሞ ደቀይ!! ኣቱም ግሩሃት ነገራቱ ጋን እንተኾይንኩም ፍልልይ ናይ ሓሲኻ ብኡሳት ምትዕራቕን፡ ብሓሶት ሰባት ምንቛትን ጌርኩም ውሰድዎ። ኣብ ሃገርና ዘላ ባዶ ሰለስተ እምበኣር ዕድሎታን ኣቃውማኣን  ኮይኑ ካብቲ ዳሕረዋይን ፍጥረት ህግደፍ ጥራይን  ካብኮነት በሉ ብዙሕ ትንታነ ኣየድልየናን። ብሓጺሩ ግን “ዕዮ ባዶ-ሰለስተ ትሕቲ ሃገራውነት  ኢዩ“። ኢሉ ሓሳባቱ ዝዛዝም ኣይወሓደን። ኮይኑ ከኣ ወዮ መላኺ ሰልፊ ብሰሪ ብኩል ተግባራቱ ጣዕሚ ናጽነት ኣመንጊንዎ እንሀ። ስለቲ ንሱ ብዘይካ ዝጎሓፍ፡ ዝብረዝ ዝብጽበጽን ዝንጸልን እንተዘይኮይኑ፡ ዝእከብ ዝስርት ዝረግእ ዝትከልን ዝጸድቕን ዝኣመሰለ ነገር ኣይተልእኾኣን ምዃኑ ተነጺሩ ኢዩ ።ሕራይ፡ ኣየናይ ኢዩ ክብረዝ ክስረዝ ክንጸል ዘለዎ“? ተባሂላ ክትሕተት ዘይትደሊ ዘራጊቶ እንተኾይንላ ሸቶኣ ክትስውር ምእንቲ “ብዕራይ ምራኽ ኣውጺኡ“ ዝዓይነቱ ተደናግር ጥራይ። ዓላማኣ ግን ንጹር ኢዩ። ውላድ ህግደፍ እንትርፎ ዓላማን ህላወን ወላዲታ ብዛዕባ ብሃገሩ ቅጭጭ ‘ዃ ኣይብላን። ስለዚ ብዘየማትእ ትሕቲ ሃገራውነት አያ!! ሃየንዶ ከምዚ ከማይ እንተኾንኩም እስከ ገለ ካብቲ ሰላብ ልቢ ህዝቢ ዝተሓሰበ ሰንዓ 03 ኣብነት እንሆ‘ሞ ነፍስኹም ፈትኑዋ፡-

1…ኢሳይያስ ዓሪፉ፡ ወተሃደራዊ ጉጅለ ስልጣን ክሕዝ ምእንቲ ድማ ስብሓት ተዳልዩ ኣሎ…..

2…ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ባለኔኪ ዝወጸ ሓበሬታ መሬት ኣይወድቕን ኢዩ። ጥራይ ተተስፈዉ እምበር ኣብሓጺር ግዜ…..

3…ይኣክል፡ ድሕሪ ይኣክል ዝመጽእ ፍታሕ ስለዝኾነ ደጊምሲ መንግስቲ ንጉዳይ መሬት መሰረታዊ ፍታሕ ክገብር ኢዩ።….

4…ቅዋምና ትሽየጥ ኣላ። ርኢኹምዶ መንግስትና ንሃገርና ብመሰረት ቅዋም ክመርሓ ኢዩ….

5…ስብሓት ኤፍሬም ምስ ፕረሲደንት ተሓናኒቑ፡ ደጊምስ ሓንቲኣ ኣላ…….

6…ኣብዚ ዕስራታት ዓመተታት ብመኻልፍ ወያነን ኣመሪካን ዘምጻእናዮ ቁጠባዊ ለውጢ የለን፡ ስለዚ ስኒ ምንካስ ጥራይ …..

7…ዓለም ብዓለማ ኩሉ ነገር እናገበረት/ ብሃይማኖትን ካልእን እናተፋለሰት፡ ጊላዊ ኣገልግሎት እናሃለቐት፡ /ኣካላት ህዝባ ተመዝሒቑ እናተሸጠን/ ኤርትራ ከም ዓለማዶ ኣይኮነትን? ንበይና ትንወረሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ?.....

8…ህዝቢ ላግጺ ገዲፉ ክዓጥቕ ኣለዎ…… ክንደይ ክንደይከ ክንብሎ!……

ንምንታይ እዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ዜናታትን መጺኦም?

ንፈተነ ዝኣክል፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝሓደሮ ሕማም ዓሪፉተባሂሉ።ኣብ ሞንጎ መይቱ፡ ዓሪፋን ተሰዊኡን ዝብላ ቃላ ት ጥይት ተማዚዘን ቀንየን ጉድ ኮይኑ። ንሱ ሬሳ ብጻዩ ወንጂሉ ኣብ ሃገሩ ከይቅበር ከምዝኾነነ መጠን፡ ኢርትራ ከኣ ብፍጹም መቃብ ሩ ከምዘይትኸውን ንዝዕልም ጽባሕ መዋጽኦ ይፍጠረላ ሃገርና! ሰባት ከኣ ነቲ ሞትዶ ዕረፍተ-መስዋእቲ ዝብል ኣገላልጻ ከከም ናብራ ኦምን ጥቕሞምን እንተገለጽዎ ኣይመኽፈአን። ዝኾነ ኮይኑ ዋላ ሽዑ ቅጽበት ኣይቀላዕ፡ ድሒሩ ግን እቲ ሓሳዊ ድራማ ሞት ንምንታ ይ ከምተሰንዐ ተጋለጸ ድኣ። ዕምሪ ፕረሲደንትና ተናዊሑ እንተኾይኑ‘ውን  ምእንቲ ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣይኮነን። እንተኾነስ ሎሚ‘ውን ወረኡ ኣይጠዓመን።ካልኣይ ድዉን ምስሉ ክንቁዝመሉ እንተኾይኑ ኣውጺእዎ ብሓቂ ኣይጠዓየን።ንምሕረት ይበሎጥራይ

ካልእ ከምኣብነት ንቅዋም ዝምልከት፡ ህግደፍ ከምምሩኽ ዶላር መጠን ዜና ሕትመታ ሰሚዑ ከይቅደም ክብል እንበር፡ቅዋማዊ ስርዓት ብሂጉ ኣይኮነን ዝሸጣ ዘሎ።መንግስቲ ቅዋም ከተግብር ስለዝኾነ ግዜ ንሃቦእናተባህለ ዕምሪ ዘናውሕ ህልኪ ምድንጋር ክጥቀመሉ ክብል እንተዘይኮይኑ ቅዋም እንተተተግቢሩ እሱራት ክፍትሑ ኣሰርቲ ክእሰሩ ስለዝኾነ በየናይ መዐቀኒ ህግደፍ ቅዋም ከተግብር ንጽበ? ዶስ ሕጂ‘ውን ናይ ይቕረ-ይቕረ ደበስ ይፍተን ኣልዩ ንትሕዝቶ ቅዋም ከኣ ክሰናንዑዋ ኮይኖም?

በዓል ልማድ ስርሑ ኣይገድፍ ኣመሉከምዝበሃል፡ ህዝብና ኣውራ‘ዃ  መንእሰያት ከይሰምሩን ካብ ምቅላስ ክሰድዑን ምእንቲ ኣብውሽጢ ኮነ ወጻኢ ዝካየድ ዘሎ ምሕቱኽታዅ ከምሎሚ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ንዓበይቲ ድማ መታን ኢሱ ክፈትወሎም‘ሞ ጽባሕ ኣብ ሃገሮም ክቕበሩ ምእንቲ‘ዩ እቲ ክቱር ምሕሹኽሻኹ። ብተወሳኺ ንባዶ ተስፋ ዝተሰንዐ ካልእ ሓድሽ ፈተነ ከኣ ኣብዕዳጋ ወሪዱ ይስማዕ ኣሎ። ሚኒስተር / ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ምስ ፕረሲደንት ተሃላሊኹስ ካብ ኣኼባ ከምዝተሰጎገዘበስርዜና ተዘርጊሑ ቀንዩ ኣሎ። ስለዚ ዕልዋ ክግበር ከነምቧሁቕ ዝተወጠነ ይመስለኒ። እንተዘይኮይኑ 03፡  ንዝመጽእ ገዲፍና ክሳብ ሎሚ ብዘሎ ሓቂ ዝረስዐቶ ከነዘክራ።

“ስብሓት ድኣሞ ረሲዕኪዮ ዲኺ ባዶ ሰለስተ ትማሊ ብዛዕባኡ ዘልሓኹኪዮ ዘረባ። ንሱ ምስ ‘መንካዕን ጉጅለ 15ን ወጊኑ ክንሱ ካብኣቶም ዘልሒጡ ካብ ማእሰርትን ሞትን ከምዝተረፈዶ ከየናፈስኪ? ሎሚኸ ረሲዕኪዮ ዲኺ ያኢዳርጋ ድስኩልዶ ካልእማልእ ዝበልኪዮ። ቅጥፈትኪ ከነሕጽሮስ እንተ‘ቲ ክሳብሎሚ ምህላዉ ኣይንጸልኦን። መወዳእታኡ‘ሞ ንሱ‘ውን እኮ ኣብሪጋ ኢዩ ዘሎ። ህዝቢ ብመኽሓስ ነፍሳቶም እንተዘይኣውጺኦም ኣፍጋህሲ ራብዓይ ዙርያ ንመን ክትገድፍ ኢላ!! መቸም ነገር ዓለም ጉራማለ እንድዩ፡ ምንግስቲ ክወድቕ ጥቓ ገንዘብን ሽመትን ክጸንሑ ዝምነዩ ከኣ ኣለዉና“ ንብለኪ። ጉድዶ ኮይኑ ሓቀይ? እወ ጉድ ‚ኢዩ!!

መዓስ ንሱ ጥራይ። ሃገርና ከኣ ኣብ ሞት ህጻናት ክቱር ምዕባለ ኢያ ያኢ ኣምጺኣ ተባሂሉ። ክሳብ ንዓቕሚ መሸጣ ዝበጽሑስ ብመን ግስቲ ውሃ ዘበለ ክንክን ኢዩ ዝግበረሎም ዘሎ ኢለሞ!! ኣብ መሸጣኦም ግና ኣመሪካ‘ውን ኢድ ስለዘለዋ ኢያ ዓለም ብዓለማ ስለደቂ ኤር ትራ እናኣእወየት መንግስትና ሰጊኣ ሸሪባቶ ጸኒሓ ኢለሞ!! ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ድርቂ ዘይነበረን ከብድና ብሙሉኡ እንከሎን ከጸልሙና ምእንቲ ከምዝጠመና ገይሮም ከምዘነወሩና‘ውን ተገሊጹ።

ሓንሳብ እንዶ ጽንሕ ጥራይ እንበር ጎይቶት ድኣ “ውዲኤርትራ ዝጉርበስ ዘሎ ሎሚ ስለዝሰኣነ ዘይኮነስ ዓሚ ለቕሚ ስለዘይረኸበ ጥራይ ኢዩ“ ክብሉ ኢዮም‘ኮ። ኣህባይ ንርእሳተን ዝሸማጠጥ እንተረኺበን ብዛዕባ ካልኦት ኣህባይን እንስሳን እንታይ ገደሰን!! ሎሚ ኣብ ሃገርና ዘይተኸሰተ ጸገም እስከ እንታይ ኣሎ? ጉድ ክኾነኩም ከኣ ጠለብ ማይን ነዳድን ተመዓራርዩ  ምህላዉ ኢዩ። ባዶ ሰለስተ ግና ጸገምና ከይተረድኣ ትትብትቦ ኣላ።መልእኽቱ ከኣ ነቲ ስድራኡን መንግስቱን ዝጥውር ዘሎ ወጻእተኛ ተወሳኺ ተጽዕን ክኾኖ‘ዩ።

ንምዃኑ ስለምንታይ ሃገርና ንከምዚ ውርደት ተሳጢሓ? እንተበልና ህግደፍ ምእንቲ ዓባይ ኤርትራ ክበሃል ገንዘብ ህዝብን ሽያጥ ኣካላትን ምስበልዐት እናሓደረ ኣብላዕሊዕዋን ኣእዳዋ ድማ መመሊሱ ኣሳሕይዋን። መድሃኒት ደልያ ናብፈለጥቲ ከይትኸይድ ከኣ ንርእሶም ብክቱር ፍቶት ገንዘብ ከንፈርፍሩ ከምዝጸንሕዋ ስለዘረጋገጸት ኢዩ። ብኣውራኡ ድማ ከምቲ ሓደ ድምጻዊ ኣምሲሉ “ይኣኽለካ“ ዝበሎ፡ ስነ-ጥበበኛታትና ዓይኒ ኣባይ ይድፈነሎም ወዮም ተዋዘይቲ‘ውን ሕልና ከምዘይብላ ኣግሂዶሙላ ኣለዉ። ሕልና መቸም ምስ ዝበዝሑ ሰብ ገንዘብ ኣይተፈጥረትን ይብሉዋ ፈላጣት። ዝኾነ ኮይኑ ህግደፍ ኩሉ ሃብቲ ዝዘመተሉ ምኽንያት ህዝብና ርእሱ ከይከኣለ ተመጽዋቲ ድራር እለት ከምዝኸውን ምዕላማ ኣይሕባእን።ስለ‘ቲ ንሱ ሎሚ‘ውን ህዝብና ብናይስደት ገንዘብ እናነበረ ብቅብጥሮሽ ክፍጋዕ ከምዝደለየ ተመሰሉ ክሳብ ንረዲኤት ምሕሳም ተበጺሑ። እሞ ህግደፍ ድኣ እንታይ‘ዩ ሽንና ?

ድላያ ትኹን። ሎሚ መቸም ዓለም ሚሊዮናት ምቑጻር ገዲፋቶ ኢያ። ቢሊዮናት‘ውን ንጋዳ። እሞ ክቡር ፕረሲደንት ብትሪሊዮናት ክትጻፋዕ ይከኣሎ ዶኾን ኮይኑ? “ኣብ ታስኪኑ ዝሸኮሎ ሃብቲ ህዝቢ ገፊጡ ክግሕጋሕ ኢዩ“ ኢልዎ ኣሎ ሓደ ዜጋ፡ ጥራይ ቁሩብ ጽንሕ‘ምበር ፍቕሪ ዶላር ዘይኮነ ትምኒት ብርሰት ሃገር ከምዘሽካዕለለሉስ ንመን ክስወሮ ኢሉ? ጥራይ ከምቀደምና ሃገርና ንርዳእ።

ነገር 03 መወዳእታ የብሉን። “ የምስራቁ ጎማ ተንፍሰዋል፡ የቀረው የሰሜኑ ነው“ ኢሉ ነይሩ ሊቀ-መንበር መንግስቱ ሃይለማሪያም። ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርና ድማ ልጋብያ ትኹን ምህርቲ 03 እንድዒ፡ ከምመውጽኢ ኣፍ ግዲ ኮይናስ “ምቕያር መንግስቲ ዝበሃል የለን እቲ ትጽቢት መኺኑ ኢዩ “ ክብል ተጃሂሩ። ከምዚ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ዝተራእየ ለውጢ ኣብ ሃገርና ክድገም ትጽቢት እንተ ነይሩ ፈሺሉ ስለዝኾነ ከይንጽበ ምዒድና ማለት። ህዝቢ ኤርትራ ኣብማእከል ርእሲ-ከተማኡ ካብ ዓፈንትን ነጋዶ ኣካላትን ሰጊኡ እናበርገገ፡ መንግስቲ እንተድኣ ከምገለ ነቐይ ኢሉ፡ብዝዓጠቖ ጥይት ክቃተል እናተመነየስ ምዕቃቡ ድማ ተራእይዎም!!

ንስኻትኩምከ “ኦይ! የቕልሎ‘ንበር መዓስ ብዘየገድስ መስርሕ ስለዝኾነ እቲ ትምቢት ኣይተርፍን ኢዩ። በቲ ዝተሓተ እቶም ብቢዝነስ ዝተጠናነጉ‘ኮ ክናጎዱ ኢዮም“ ኢልኩሞ ሓቀይ? ሓቅኹም!! እዚ ከይሲ ስርዓት‘ዚ ብእኪት ኣዕኑድ ሓሶታት 03ን ሰልፉን ሩሕ ኣይክሰኩዕን ኢዩ። በቲ ዘይጸዓድ ቅልጽም ደቂ-ኤርትራ ክበታተን ምዃኑ‘ውን ብፍጽም ኣይንጠራጠረሉን። የግዳስ ኣማስያኡ ሃገርና ምስ ከባቢና ኮነ ኣብ ውሽጢ ብይቕረን ሰላምን ኢያ ክትረጋጋእ። ሰላም ዘዝደለየ ኢዱ ዘርጊሑ ኣእዳው ካልኦት ክጭብጥ ክደፍር ኣለዎ። ርግጽ ኢዱ ደም ዝተቐበአት ሰላም እናደለያ ኣይክደፍርን ይኸውን። ንሰላም ዘይደለያ ዘበለ ንሳውን ኣይትደልዮን ኢያ ካብሕጂ ጀሚሩ ምስ መጓዕዝቱ ክምርሽ ይዳሎ። ወሰን ወሰን ከይመስልስ ተፈተወ ተጸልአ ብዘየገድስመሲልኒ ተኣዚዘዘይኮነ ጽባሕ ንጉሆ እታ ንምነያ ሃገርና ናጻ ከምትኸውን ፈጺምና ኣይንጠራጠርን። ድሕሪኡ ሕቶ ኣሎ። ንኣብነት መንፈስ ናይቶም ኣብ ሓደ ከባቢ ዝነበሩ ሽውዓተ ተኽለ ወደያት፡ ነቲ እንኮ በዓል ዝናን ሓንቲ ዓይኑን ተኽለ ማንጁስ ክሓትዎ አዮም። ብዛዕባ‘ቲ ኢዱ ዘጠልቀዮ ደም ማለተይ ኢዩ። ንምጽራይ ዝኣክል “ ንጽል ኩሊት ክንደይ ዶላር ትሸጣ ኔርካ?“ ዝብል ሕቶ። መልስን ፍታሕን ከኣ ኣሎ ሽዑ።

ስምረትን ዓወትን ሃገርና ግድን ኢዩ!

ዓወቴና ሸክኣለቡ!

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን ግንባር ዓደ‘ቦ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...