ኣይሓረሰ ኣይጓሰ

በበሊዑ እናደቀሰ፡

እዋን ወገግ ክብል ንቐዳሞት ዘጣቖሰ

ቀዳመይቲ ቃል ኪዳን ኣደናጊሩ ዘፍረሰ፡

ዓለም ምስተፈጥረት

ኣብ ማእከል ገነት እቶን ዝደርጎሰ

ሃገር ከምዘብረሰ

ረሲዖሞዶ ስላሰ።

እንታይ ከምዝነበረ ናቱ ዕላማ

ንኸምስል ምስ በዓል ሚኪኤል እናዘመረ ዜማ

ዓጢኑ ወዲሱ ከምዘይቀደሰ ፈለማ፡

ኣብ’ታ ለምለም ገነት

ደብተር ሕጊ ረጊጹ ምስከሓደ እምነት፡

ድያብሎስ ብኢዱ

ከምዘብረሰ ዘውዱ

ኣይሰምዑን ድዮም ስላሰ፡ ሕድሪ ሂቦም ምስከዱ።

እቲ ዓሚ-ዓሚ

ዘመን እኒ እኒ ሕምባሻ’ኸሎ እምኒ፡

ባህጉ ከይቀለሰ፡ ዘዕግቦ ከይኮለሰ

ነገር ምሰ’ካወሰ

መጻኢ ዕድል ደቂ ኣዳም ከምዘራኸሰ

ረሲዖሞዶ ስላሰ።

ምናልባት፡

ክልተ ሽሕ ዓመት በዚሑ ዝሓለፈ እንተዘይነዊሑ

መስቀሉ ዘኪሩ ወለ’ዝጊ እንተዘይሰኪሑ፡

ካብ ሽዑ ኣትሒዙ

ክሳብ ሕጂ ዘይቀሰነ’ሎ መሊኡ

ናትና’ኳ ንበይኑ’ዩ።

ይኽደነና ደኣ’ምበር

ዳግማይ ምጽኣት’ዩ ዝመስል መፍትሒኡ

ንገለገሊኡ።

ምኽንያቱ፡

ኩላሊት ተዘልዚሉ ከም ቋንጣ ተሰቒሉ

ልቢ ደሪቑ ብድዐ ሰፊኑ

ሕልና ተደፊኑ

ኣብ ዕዳጋ ካብ ወዓለ ብፕላስቲክ ተጠቕሊሉ፡

ባህልን ወግዕን ድዩ በሪሱ

ሽፍትነት’ዩ ነጊሱ።

ብጎዲብ መላጸ

ዓድን ዓውድን እናተሃወጸ

በትሪ መንግስቲ እንተዘይተንቀሳቐሰ

ወለ’ዝጊ ዳግም እንተዘይተበገሰ፡

ጎርዞ-ጎምበለ እናልቀሰ

ማይ ኣይሂዶ ዘይፈሰሰ

መሬት እናመሰ

ኣለኹምዶ ስላሰ።

መን ይፈልጥ ግን፡

ገሃነም ዝሒሉ ድያብሎስ ቆሪሩ

መሓድሮ ስኢኑ፡ ካብ ሰፈሩ ተፈናቒሉ፡

ካብ ሽፍትነት ናይ በረኻ

ናብ ሽፍትነት ናይ ሽባኻ፡

ተሳጊሩ ዓዲ ኣትዩ ከይህሉ

ስላሰ በጃኹም ደሃይ’ባ ግበሩሉ።

ናይ ምድርስ ተፈቲኑ፡ ካብ ሰማይ’ዩ ዝመስል ጸበሉ።

Daniel Tesfayohannes Teclegiorgis (10/17/12)

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...