ኣየ ጋዶ ኣባይና ዋረዶ ቁዋም ንነጋዶ

ከም ዓውደዋርሕ ተሸይጣ ኣብ ፎቖዶ

ዝብላዕ ዘይረኸበ ህዝቢ መዓት ወረዶ

ዓድግ እናለ ኣፈራሪሑ ብሓይሊ ከገድዶ

ውቃቤ ዘይብላ ቁዋም ዓውደዋርሕ

ቅንጣብ ወረቐት ዕሽር ትኳቦ ቅዳሕ

ማእለማ ሕትመታ ምትላል ምፍርራሕ

ኣላግጽኻ ማንኪ ተካል ተንኮለኛ ጎራሕ

ህግደፋዊ ቁዋም መጠበር ኮራኹሩ

ኣለናልካ ዝብልዎ ብቐሊል ዝጥበሩ

ዘይስክሑ ብዝሓለፈ ሽግር ዘይማሃሩ

የደንግጹኻ ወዲ ኣፎም እናበሉ ክዘሩ

መዐሾው በዓል ኣደይ ለቱ በዓል ሳህሉ

ከይ ሃድማ ኣጸቢቐን መታን ክስዕስዓሉ

ኣቕሽሽቲ ሰብ ጸናጽል ደያቁን ክጽልይሉ

ከይሞተ ከተስክርዎ ቋሬጣኡ ክቖርሱሉ

ዕዳጋ ቁዋምኩም ኣብ ባር እንዳስዋ

ዋጋ ዝሳኣነት ሕጻናት ቆልዑ ዝናዓቑዋ

ሳጓኣ ሎቶሪ ተባሂላ ቁዋም ከይብልዋ

ንኸተገልግል ባጽዕ ወይ ንሳዋ ስደድዋ

ኣብ ካልእ ክንደየናይ ቁሊሕ ክብልዋ

በዚ ሎሚ ድኣ እንታይ ቁዋም ኣድልዩ

ካሳኦም ስል ዝነገፈት ናቕፋ ክኣራርኤዩ

ንዝጠመየ ህዝቢ መሊሶም ከሰላኽዩ

ዝብላዕ ዘየለስ ቁዋም ክሕይኻ ጎዛዝዩ

Kkkkkkkkkkkkkkkkk ኪር

ኣንታ ህግደፋዊ ልብባ ግበር ሕፈርርርርርርርር

መስከረም ነት ኣሚንካ ኣይትጠበር

ንሶም ባጀላ ኣለዎም ባጀላ ምድንጋር

ቁዋምና ወጺኣየ ወጺኣየ ባጽዓ በጺሓየ

ቋንጣ ተዘልዚላ ኣብ ስልኪ ተጸጢሓየ

መሰሉ ዝተገፈ ሕጊ ኣልቦ ዓዲ ሽፍታየ

ሽፍታ ባጽዕ መሪቑ ዋንኸተጽንተናየ

ነዚ ድዩ ቁዋም እትብሎ ዕሉም ሓወየ?

ቁዋም ከም ቆሎ ጥጥቖ ፎቖዶ ጎደናታት

ዝሽየጥ ሪኢናን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

 

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ

19/10/2012.Norway

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...