ህዝብና ካልእ አማራጺ ሰለዘይነበሮ ጥራሕ፣ ፈትዩ ድዩ ክይፈተወ በብምኽንያቱ ንፈደረሽን ከመይ ከምዝተቐበሎ አንቢበና ኢና፣ እንተኾነ ግን እቲ  ዘዕበየና አበሃህላን  ነዚ ከም ሐቂ ገይሩ ብኤርትራውያን ታሪኻዊ መጻሕፍቲ ተባሂሉ ዝተጻሕፈ ጽሑፋት‘ውን ዘስፈረርዎን ናይ ሐደ ሰልዲ ክልተ ስእሊ እዩ፣ ዋላ‘ኳ ገለ ርፍታታት ሐቅነት ይጀርብሓዮ‘ምብር ከም‘ቲ ክሳብ ሕጂ ዝበሃል ዘሎ፡  ፈደረሽን ንኽፈርስ ዝገበረ ሐይሊ ከም‘ቲ ብሂል ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ ብበዐል መን ተሀንዲሱ ከም ዝፈረሰን‘ውን አብ ቀጻሊ በብግዚኡ ክገልጾ እዬ።

ብመሠረቱ ከም‘ቲ ንሕና ነቦታትና ዘዋረድናዮምን ዘጸለምናዮምን ማለት ዝይናቶም ዝሀብናዮም፣ ክሳብ ብደቂ ደቆም ክጽረፉን ክዋረዱን ዝገበርናዮም ዘይኮንስ፣ „እቲ ንጽህነቶምን ግርህነቶምን፣“ ፈጺሞም ብኢትዮጵያውነቶምን በንጉሠ ነገሥቶምን ዋላ ንቕጽበት‘ኳ ትኹን አብ ልዕሊ እቲ በቲ ግዜ‘ቲ ድቕድቕ ዝብለ ፍውዳል ሥርዓት ሐፀይ ሐይለ-ሥላሴ ከይተጠራጠሩ፣ ብዘይ ቅድመ ዅነት ምሉእ ብምሉእ ምስ ኢትዮጵያ ምጽንባር  ማለቶም ኢዩ እቲ ዝተገብረ ጌጋ!! እዚ ነገር‘ዚ ንዐና‘ውን ለኪሙና ኢዩ‘ሞ፣ ካብ‘ቲ ንሳቶም ዘተሓላለፉልና ግዜ ዘይሓልፎ ቢሂላትም ዘጽንሑልና ሐንቲ ከም‘ዚ ትብል፣ „አይትመካሕ ተነሳሕ!„ ኢዩ‘ሞ፣ ብእኦም ክንምካሕ ክንምካሕ አብ ርእስና ኳሕ! አቢሉና ኢዩ፤ ይኹን‘ምበር እቶም ዘዋረድናዮም አቦታትና፣ ብዝገበርዎ ፖለቲካዊ ጌጋ ንበሎ እሰኪ! ንዐና ንደቆም ንሳቶም በቦታቶም ዘይረኸብዎ ዕድል ክንረክብ፣ እዚ ኸኣ ብትመህረቲ ሀገርና ደቃ ቅድሚኡ ዘይረኸብዎ፣ ንሕና ደቆም ግን ዶክቶራት፡ ፕሮፈሶራት፡ እንጂነራትን፡ ብዩንቨርሲቲ ደረጃ ዝተበጽሔ ጀነራልነትን፡ ሚኒስተራትን፡ ዳይረክተራት፡ ማነጀራትን ወ.ዘ.ተ.፡ ከንበጽሕ አብቂሙና፣ ጥራሕ ዘይኮነ አብ ሀገርና የኹን አብ ምሉእ ኢትዮጵያ አብ ዝመረጽናዮ ዐዲ ኬድና ብሠላም ማዕረ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዘይኮነ ሐደ ሐደ ግዜ‘ውን ልዕሊኦም፣ ከይሰጋእና ቀሲንና ክንሠርሕን ክንመሃርን ወ.ዘ.ተ. ከምእንኽእል ገይሮሙልና ኢዮም፤ ንሐና እቶም መዋረድቲ ወለዶም ዝኾና እታ ናቶም ምሉእ ብምሉእ ማለት „አማኒት ባሐርያቶም!“ ቑርብ‘ኳ ንምናልባት ኢላ ዘይትጥርጥር እምነቶምን ግርህንቶምን አውሪሶሙና ዝሐለፉ፣  „ነዚ ጺእ ዕቡድ ከልቢ መስገደል መንድዓት ህዝበና!“ ስለ ዝመንጠናዮ፣ ልክዕ ብሐፀይ ሐይለ-ሥላሴን ብአናን አቦታትና ከምዝተጠልሙ፣ ንሕና‘ኣ ምስ ሐለፋኡ ተጠሊምና ኢና፣ እዚ ኸኣ ከም‘ቲ ንሕና ዝረኸብናዮ ጽቡቕ ዕድል፣ ማለት ከም‘ቲ አብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ንዐና ጽቡቕ ዕድል ዘጋጠመና ዘይኮነስ፣ ብአንጻሩ አብ ሀገርናስ ይትረፍ አብ ብሙልኣ ዓለም ብታሪኽ ከምዚ አብ አገርና ዝወርድ ዘሎ ፀልማት ባርነታዊ መዋእል ዝተፍጸመ ተሰኒዱ ዘየንበብና፣ ከምኡ‘ውን ብዘለናሉ ዘመን ዋላ‘ውን ናይ „ካምቦድያ ኮመን ሩጅ!“ ፍጻሜታት እንትኾነ‘ውን ዘይወዳደሮ፣ ሀገርና መደበር ድንቁርና ንኽትከዉን አብቂዕናያ ጥራሕ ከይኣክል፣ ደቅና አደዳ ስደት ኮይኖም ከም ውሕጅ በዘይምቁራጽ ንኽውሕዙ ብምግባር፡ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ድራር ዐሳ ነባሪ ንኹኾኑ፡ አዋልድና ንልባውያንን ንናይ ሲናይ በራኻ በደዊን ናይ ስጋዊ ስሚዒቶም መርወይን፣ በልዕቲ ናውቲ ኽብዶም ትርፊ ገንዝብ መነገዲ መኽሰብ ንዕኦምን ነዚ ጭራቕ መንደዓትን፣ እስትራሽኡን!!“ ናይ ዶላራት መኻዕበቲ መኽሰቡ ንኽኾኑ ብምግባር፣ ነቦታትና ሐሊፍናስ ክብሪ ወሰን ጨቢጥና እንሄና።

እስኪ‘ምበኣር አብ‘ቲ ዝተፈጽመ ጌጋ እንብሎ ክመልሰኩም፤ ፈደረሽን ቅድሚ ምፍራሱ አብ‘ቲ ሐድሽ መንግሥቲ ኤርትራ ካብ „ዛንታ ኤርትራ!“ ብነፍሰ-ሔር አቦና ፊተ. ሚካኤል ሐሰማ ራካ!“ ዝተጻሕፈ ታሪኻዊ መጽሓፎም፡ ካብ ዘጽንሑልና እሰኪ ንርኤ፤

„ሕጊ ፈደረሽን፡ ሕገ-መንግሥቲ ኤርትራን ብጉቡእ ተዳልዩ ምስ ተጨረሸ፡ አቦ-ወንበር ባይቶን፡ መራሕ-መንግሥትን ተመርጹ። አቦ-ወንበር ባይቶ ኤርትራ ዐሊ ራዳይ፡  መራሕ-መንግሥቲ ድማ ተድላ ባይሩ ኮኑ። መራሕ-መንግሥቲ ተድላ ባይሩ መሣርሕቱ ምኒሥተራት ሸይሙ መንግሥቲ አቖመ። ካብ‘ቲ ባይቶ-ኤርትራ ዝፈጸሞ ብዙሕ ጌጋታት፡ እቲ ዝዐበየ ንናይ ኢትዮጵያ ንጉሠ-ነገሥት እንድራሴ አብ ኤርትራ ንኽቕመጥ ብሕጊ ምፍቃዱ ኢዩ። ምኽንያቱ ኸኣ ናቱ ህላዌ ንናይ መንግሥቲ ኤርትራ ምምሕዳር ዕንወት ዘምጽእ ሙኻኑ ዘይጥርጠር ሐቂ ምንባሩ ኢዩ። እዚ እቲ ዝዐበየ ይኹን‘ምበር ካልዕ ዝተፈጸመ ጌጋታት‘ውን አሎ። ንሱ ኸኣ፡ ወደባት ባጽዕን ዐሰብን ፡ መዓርፎ ነፈርቲ አሥመራን፡ ቡስጣን ተሌፎንን፡ ናይ ሀገር ውሽጢ እንቅስቃሴን (ትራንስፖርት)፡ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ንኽትውንኖ ከምኡ‘ውን ናይ ኢትዮጵያ ወታደራት (ጦር-ሠራዊት) አብ ከተማ አሥመራ ንኽሰፍር ምፍቃዱ ኢዩ።“

„እንድራሴ ካብ መጀመርያ አትሒዙ፡ ሕጊ ፈደራል ዋጋ ከምዘይብሉ ብሙቕጻር፡ አብ ኢትዮጵያ ውሸጣውን ወጻእን ዝበሃል የልቦን፡ ሥልጣን ኩሉ ናይ ጃንሆይ ኢዩ፡ ከም ናይ ጃንሆይ መጠን ከኣ ሥልጣነይ አብ ኤርትራ ወሰን የብሉን ብማለት ብሐይሉ ላዕለዋይ በዐል ሥልጣን ኮይኑ ሠርሔ። አብ ውሽጢ ጉዳይ ኤርትራ ጣልቓ እናአተወ፡ ናብ‘ቲ ምምሕዳር ብዙሕ ዕነቅፋት ፈጠረ። በብአውራጅኡ እናዞረ ምሰ ሰብ-መዚ መንግሥትን ሹመኛታትን ተራ ህዝብን ቀጥታ ርክብ ጀመረ። ናይ ገዛእ-ርእሶም ጥቕሚ ዝርእዩ ናይ ህዝቢ ጉዳይ ዝዘንግዑ ኤርትራውያን  ፖለቲካኡ ተቐቢሎም፡ „ፈደረሽን ይፍረስ ኤርትራ  ኢትዮጵያዊት ጠቕላይ ግዝኣት ኢያ!“ እናብሉ ሰበኹ።“

መቸም ነፍሰ-ሔር አቦና ፍተ. ከመይ ከምዝሰሓትዎ እንድዒምብር እዚ አብ ላዕሊ ዝጠቐስዎ ናይ ኤርትራ ደም ሱር ዝኾነ ናይ ቁጠባዊ ምንጪ ዐቢሶምን ጅማውታ በቲኾም ንቑጠባ ኢትዮጵያ መታሓፍስቲ ክኸውን ዝገበሮ እቲ ብወርሒ ታሕሣሥ 2/ 1950.. ንሀገርና ክፈርድ ዝተቐመጠ ሐሙሻይ ናይ ሐቡራት መንግሥታት ዐለም አብ ዝወዓሎ ችሎት፣ አብቲ ውሳኔ ብካልኣይ ሕጣብ ተገሊጹ ከምዘሎ፡ ዝተዋህበ መሰልምበር፣ ብባይቶ ኤርትራ ዝተዋህበ አይኮነን፣ ከምኡውን ነቲ ናይ ጦር-ሠራዊት አብ አሥመራ ምቐማጥ እንተኾንውን ከምኡ ኢዩ፤ ነዚ ንምርግጋጽ አብ ናይ ዝሐለፈ ጽሑፍ ሐሙሻይ ክፋል ምወካስ ከድሊ ኢዩ።

እቲ ቀንድን ዋናን ጌጋ ናይ ጃንሆይ ንኤርትራ ዝኽውን እናደራሴ አመራርጽኦም እዩ ዝነበረ፤ እሰኪ ካብ መጽሐፍ ዘውዴ ረታ!ኤርትራ ጉዳይ!“ ዝጸሓፍዎ አብ ቀጻሊ ክንሪኢ ኢና፣ ቅድሚኡ ግን ብዛዕባ ናቱ ሥልጣን ዝነበሮ ከቐድም ኢየ፤ አብ ኤርትራ ናይ ነጉሠ-ነገሥት ናይ ዘውዲ እንድራሴ! ናይ ማቴንሶ ሕገ-መንግሠቲ ከዳሎ ኸሎ፡ ናብ ኤርትራ ዝሽየም ናይ ንጉሠ-ነገሥት ናይ ዘውዲ እንደራሴ ብዛዕባ ዝህልዎ ሥልጣን ብዙሕ ክርክር ተፈጢሩ ከምዝነበረ ዝዝክር ኢዩ። ናይ ማሕብር አንድነት ድሌት፣ ናይ ኤርትራ ናይ ውሽጢ መንግሥቲ መራሒ ንጉሠ ነገሥት ኽሾምዎ፣ ብዘድለየ ግዜ ኸኣ ናይ ምስዓር ሥልጣን ክህልዎም ሰለዝኾነ አብቲ ናይ መጀመርያ ሰሙን ናይ ዘውዲ እንድራሴ ብዛዕባ ዝህልዎ ሥልጣን አይተጨነቕሉን ነይሮም። አብ መጨረሻ ዝሓሰብዎ ከምዘይሳኻዕ ምስ ፈለጡ፡ ናይ ዘውዲ እንድራሴ ሥልጣን ክንጸር ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ ኢሎም ተስኡ፡፡ ናይ ማቴንሶ ሐሳብ ናይ ንጉሠ ነገሥት ናይ ዘውዲ እንድራሴ፡ ካብ ናይ ፕሮቶኮል ሥነ-ሥርዓት አድማቒ ካብ ሙኻን ሐሊፉ ካልእ ሚና ክህልዎ አይገባእን ኢዩ ዝበል ኢዩ ዝነብረ። ድሕሪ ብዙሕ ክርክር ብሕገ-መንግሥቲ ካብ 10 ክሳብ 15 ዘለው ዐንቀጻት ተጠቒሱ ከምዘሎ፡ እቲ ናይ ዘውዲ እንድራሴ ዝተወሰኑ ሥልጣን ከምዝህልዎ ተገይሩ።

1. ናይ ህዝቢ ቤት-ምኽሪ ዝተዛራረበሎም ሕግታት፡ ናይ ፈደረሽን ሥልጣን ዘይትንክፉ ምዃኖም መርሚሩ ምስ አጻረዬ ከምዝእወጅ ይገብር። ዝተዳለወ ናይ ሕጊ ረቂቕ ምስ ናይ ፈደረሽን  መንግሥቲ ሥልጣን ዝጋጮ እንተደኣ ኾይኑ ኸኣ ንኸይእወጅ ክእግድ ይኽእል።

2. ሐደሽ ንዝሽየም መራሕ-መንግሥቲ (ቺፍ ኤግዜኩቲፍ) ብፓርላማ ዝትገብረ አገባብ አመራርጻ ብግቡእ ሥርዓት ከምዝኾነ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ሽመቱ ብንጉሠ ነገሥቱ ስም ተቐቢሉ ማሕላ የፈጽም። ብጠቕላላ ናይ ኤርትራ ናይ ውሸጢ መንግሥቲ፣ ብምምሕዳርን በሸነኽ ልምዓትን ዘጋጥሞ ሽግር እናመዘነ፣ ምስ ርኢቱኡ ንፈደራል መንግሥቲ ይቕርብ።

3. ብዐመት ክልተ ግዜ ፓርላማ ንሥራሕ ክኽፈት ከሎ ብስም ንጉሠ ነገሥት፡ ብናይ ዘውዲ ዲስኩር ብምግባር ይኸፍት።“ ዝብሉ ነበሩ።

„ልኡም ምላሽ ንቑጥዓ የህድኦ፡

ተሪር ቃላ ግና ንዅራ የልዕሎ።

ጠቢባን ፍልጠት ይዛረቡ፡

ዐያሱ ግና ዕሽነት ይፍልፍሉ

አዕይንቲ እግዚኣቢሔር አብ ኩሉ ስፍራ ይርእያ፡

ንእኩያትን ንሕያዎትን ከኣ ይቋመትኦም።

ልዙብ ዘረባ ሕይወት ይህበካ፡

ቄናን ዘረባ ግና መንፈስካ ይሰብረካ፡

ዐሻ ንተግሳጽ አቡኡ ይንዕቆ፡

ለባም ግና ንተግሳጽ አቡኡ ይቕበሎ።

መጽ፡ ምሳ፤ 15፤ 1-5፤

ካብ ሻም/ ሐይለ-ሥላሴ ገብሩ፤

በሔረ ጀርመን፤ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...