ኣብ ከባቢ ማይ ኣባሻውልን ሜዳ ኤርትራን ኣስመራ፤ ሓድሽ ሞት! ሞት ዝዓይነቱ ጨና ሸቲቱ ቀንዩ። ቅድሚ 5 መዓልቲ መበገሲኣን ዕላምኣን ዘይተነጸረ ሓንቲ ውዕይቲ ወረ እናተኸኸት ኣብ ኣስመራ ተተፊኣ ነይራ ኢያ። ንዓኣ ንምዕባስን መኣዝን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ንምጥምዛዝን ድማ መራሕቲ ህግደፍ ብዝሓለፈ ሰንበት ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሃንደባታዊ ኣይሂ ዝኾነ ግፋ ኣካይዶም ኢዮም። ኣብቲ ንሙሉእ ከተማ ኣስመራ ዝሃወኸን ዘጨነቐን ኣልማማ ግፋ፣ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ተገፊፎም ቀንዮም።


ብካልእ ሸነኽ ብጸሓፊ ህግደፍ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ዝምራሕ፣ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፣ የማነ ገብረኣብ፣ ኢብራሂም እድሪስ /ምክትል ዓብደላ ጃብር/ ዝርከቡዎ ሃንደበታዊ መገሻ ላዕለዎት ሰበስልጣናት ህግደፍ ናብ ሱዳን ኣምሪሑ ኣሎ። እዞም ሰበስልጣናት ህግደፍ ዛጊት ምስ ሳድቕ ኣል-ማህዲ፣ ሙላና ዑስማን ኣል-ሙርቓኒ፣ ሙሳ ኣሕመድ /ኣማሓዳሪ ምብራቓዊ ግንባር ሱዳን/ ወ.ዘ.ተ… ተራኺቦም ኣለዉ።


እዚ  ኣብ ማዕከናት ዜና ክልቲኤን ሃገራት ዘይተቓልሐ ሃንደበታዊ መገሻ’ዚ ዕላምኡ ብዛዕባ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን መሸጣ ናውቲ ኣካላት መንእሰያት ኤርትራውያንን ብዝምልከት፤ ተዓዘብቲ ጉጅለ /Monitoring Group/ ናብ ሱዳን ንከይኣትዉ ተጽዕኖ ንምግባር ኢዩ። ተዓዛቢ ጉጅለ እንተደኣ ነቲ ገበናት ህግደፍ ኣቃሊዕዎ፣ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘየዳግም ናይ እገዳ ስጉምቲ ክውሰድ ኢዩ። እዞም ናብ ሱዳን ኣትዮም ዘለዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ገበነኛ ስርዓት፤ ካልእ እንታይ ህጹጽ ጉዳይ ከም ዘለዎም ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የለን።


ጉጅለ ህግደፍ፣ ነቲ ኩሉ ግዜ ካብ መገሻታቶም ዘይተርፍ፣ ኣብ ዕዳጋ መሸጣ ናውቲ ኣካላት ኤርትራውያን ዝለዓለ ግደ ኣለዎ ዝበሃል ንመራሒ ራሻይዳ ሞብሩክ ሙባረክ ሰሊም ናብ ኣስመራ ገዲፎሞ ኢዮም ከይዶም ዘለዉ። ሞብሩክ ኣብ እዋን ሙዓመር ቃዛፊ ኣብ ሊብያ ቆሪሱ ናብ ዱባይ ዝምሳሕ፤ ንምሸቱ ከኣ ናብ ኣስመራ ዝድረር ዝነበረ ሃብታም ነጋዳይ ራሻይዳ ኢኡ።

ስለዚ ምስ’ዚ መገሻ’ዚ ብምግንዛብ፣ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣሎ ድዩ ሞይቱ ኣብ ኣዝዩ ኣጣራጣሪ ጉዳይ ኣእትዩዎ ኣሎ። እዋእ! ካብ ባሕቲ መስከረም ንደሓር ወሪኡ ኣይግድን! ኣብ ቃሬዛ ከም ዝቐነየ፣ ኣምቡላንስ ነፋሪት ካብ ኣስመራ ጽዒና ናብ ዱባይ ከም ዝወሰደቶ ሰሚዕና ኣሎና። መን ይፈልጥ ኣብዘን ሒደት መዓልታት ደበላን ንመግነዚን ቋሬጣ ንቀባሮን ይእዘዝ ይኸውን። ወይ’ውን ከምቲ ዝሓለፈ ባዕላቶም ዘናፈስዎ ወረ፣ ንሒደት መዓልታት ተኸዊሉ ጸኒሑ ካብ ቃሬዛ የተንስእዎ ይኾኑ።


‘ትሉም ዝራእ ቅዱም ብላዕ’ ከም ዝበሃል፣ ናብቲ ተተሊሙ ዘሎ ጉዳይ ደምበ ተቓውሞ ንኺድ። ሞት ኢሳይያስ ብነጋሪት ኣዋጅ መንግስቲ ህግደፍ ክሳብ ዝንገረና ዝግ ኢልና ምጽባይ ይሓይሽ። ምስ ብዙሕ ኩነታት ኢሳይያስ ብምግንዛብ ግን፣ እዚ ኣብ ስእሊ እንርእዮ ዘለና ምስሊ’ዚ ኣብ ኣየናይ ሪጋ ኢና ክንሰርዖ? ሃገርና ኤርትራ ካን’ዶ ኣለኹ ዝብል መራግእቲ የብላን ኢያ? ንሕና’ኸ እዞም ተቓወምቲ እንበሃል ዜጋታት ትንፋስ ኣሎና’ዶ? ትርግታ ልቢታትና ከመይ የድምጽ ኣሎ? እስከ ተትንፋስና ንፈትሽ።


ዕስለ ኣኽላባት ካብ ኤርትራውያን ይልብሙ እንተበልኩስ ዝደፈርኩ ኣይመስለንን። እቲ ምንታይ ንሳቶም ብሓንቲ ዓጽሚ ይበኣሱ’ሞ፣ ድምጺ ዝብኢ እንተሰሚዖም ብቕጽበት ንምብራሩ ተኣኪቦም ብሓባር ይጎዩ። ንሕና ደኣ እንታይ ኢዩ ዓዚሙና እዚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ እናተሰደደ፣ መንእሰይ ኣብ ባሕሪ ብጅምላ እናጠሓለን ኣብ ምድረ-በዳ ሲናይ ኩሊቱ እናተሸጠን፤ ከምኡ’ውን መሬት ዓደቦና እናጠፍአን ኣብ ክንዲ ሓቢርና ንጸላኢና ነሳጉግ ንሓድሕድና ሕኒኒኒን ክንብል እንነብር! ዘሕዝን ኢዩ!!


ጉዳይ ደምበ ተቓውሞ ከበሮን እግሪን ነንበይነን ይዘላ ኢዩ። ‘እንተዘይተኮስና ነጻውድ፣ እንተዘይሓረስና ነዋድድ’ ከም ዝበሃል፤ ኣብዘን ዝሓለፋ ልዕሊ ሓደ ደርዘን ዓመታት ዘረባታት…ኣኼባታት…ዋዕላታት…ሰሚናራት እንታይ ኣፍረየ ኢልና ነንርእስና ንሕተት ደቀባት። ህዝቢ ዓደቡኡ ንምምላስ ክሰርሕ እንተኾይኑ፣ ቅድም ቀዳድም ካብ ድቃስ ከነበራብሮ ኣሎና። ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ መሬት ዓደቦና ምስ ዘሎ ህዝቢን ሰራዊትን ጥቡቕ ሰንሰለታዊ ምትእስሳር እንተዘይጌርና፤ ናይ ቀትሪን ናይ ለይቲን ህግደፍ ኣጸቢቕና እንተዘይኣለሊናዮም፤  ብደገ ሓሕ! ኢልና ጥራይ ኣብ ደጎልና ንዘሎ ህግደፍ ኣራዊት ክንሰጉግ ዚከኣል ኣይኮነን።


ፍርሒ ኣንጻር’ዚ ኣብ ቃሬዛ ዝቐነየ ኢሳይያስ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ፍርሒን ናይ ቀደም ቅርሕንቲን ኣብ ሓድሕድና’ውን ብቶናት መሊኡ’ዩ። ንከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣይትንቀፍዎም። ብሃይማኖትን ብብሄርን ተነቀፍቲ ስለዝኾኑስ ወላ ጉድለታት ይሃልዎም፤ ዓይኒ ትጹም! እዝኒ’ውን ትጹም! ትም ደኣ በሉ። ድኽመት መራሕቲ ባይቶ ይኹን ድኽመት መራሕቲ ውድባትን ሰልፊታትን በጨቕ ኢልኩም ኣይትዛረቡ። ንኪዳን፣ ንኣቶ __ ንብጻይ___ ከምኡ’ውን ነዘን ውድባት እንኮ ቃል ኣይትዛረብወን።


እህምምም! ንሱ ጥራይ ኣይኮነን፦ ኣብ ሓያሎይ ኣብ ተቓወምቲ ውድባት ዘለዉ ሰባት ዘሎ ዕላማ ቃልሲ፣ ብድሕሪ ሞት ኢሳይያስን ስዕረት ህግደፍን ንመራሕቲ ውድባቶም መተካእታ መሪሕነት ኤርትራ ንምግባር ኢዩ። ኣበይ ደኣ ኣሎ እቲ ‘ኣብ መቓብር ህግደፍ ህዝባዊ መንግስቲ ይተኸል!’ ከመይ ደኣ’ዩ ክኸውን ‘ስልጣን ንብረት ህዝቢ ኢዩ’ ዝብል ወትሩ ዝኹምሳዕ ዝነበረ ወርቃዊ ጭርሖ። እዚ ማንዲብል ኣተሓሳስባ’ዚ ምስ ዕላማ ህዝባዊ መንግስቲን ስልጣን ንሓፋሽ ህዝቢን ዝኸይድ ስለዘይኮነስ፤ መጋቦ ናይዚ ዝመጸጸ ሃንዛ’ዚ ካልእ ለቢቶ ንክቕይሩ ከነዘኻኽር ጥራይ ይኣክል ኢዩ።


ብገርሂ ልበይ ኣብ ዝነበርኩኡ እዋናት፣ መብዛሕትኦም መንእሰያት “…ናብ ውድባት ንክንሕወስ ኣይንደሊን ኢና። ምስ ዓበይቲ ክንእከብ’ውን ኣየድልየናን ኢዩ” ክብሉ እሰምዕ ነይረን ብኣካል’ውን ኣብ ኣኼባ መንእሰያት ከተማ ሮተርዳም /ሆላንድ/ ኣጋጢሙኒ ኢዩ። እቲ ግጉይ ወይ ዝተጋነነ ዝመስለኒ ዝነበረ ዘረባ መንእሰያት፣ ሎሚ ደጋጊመ ምስ ሓሰብኩ ኣማን ብኣማን ሓቆም ኢዮም ተቓለስቲ መንእሰያትና ምስ ውድባት ንክሰርሑ ፍቓደኛታት ዘይነበሩ። እሞ’ኸ ደኣ ጉዳይ ክናና ተወዲኡ እንተኾይኑስ መንእሰይ ምስ ዓቢ ብከመይ ዝኣመሰለ ቺሮቶ ኢዩ ክጋጠም?


ብዙሕ ግዜ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማታት ኣሜሪካ ኣብ ዝገብሮ ዝነበርኩ ህዝባዊ ኣኼባታት ኣስሚረ ዚዛረበሉ ዝነበርኩ ጉዳይ እንተነይሩ፤ “…ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕን ህዝባዊ መንግስቲ ንምቛምን ዓበይቲ ብዘይ ንኣሽቱ፣ ንኣሽቱ እውን ብዘይ ዓበይቲ ነንበይንኻ ምኻድ ዚከኣል ኣይኮነን” እናበልኩ እምልስ ነይረ። ስለዚ እዛ ኣብ ከባቢ ማይ ኣባሻውል ዝሸተተት ዜና ሓቂ እንተኾይናስ፣ ጉዳይ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራውያን ከመይ ኢዩ ክኸውን? ናብ ኤርትራ ንምእታው ብደረጃ ውድባት ወይ ሃገራዊ ባይቶ ከመይ ዝኣመሰለ ምድላዋት’ኮን ይግበር ይህሉ? ኣብ ደገ ዘለና ተቓወምቲ ከም ደቂ ሓንቲ መሬት ብሓደ ድምጺ ሰሚርና ናብ ውሽጢ ሃገር ክንኣቱ ምድላው እንተዘይጌርና ክጽግም ኢዩ’ሞ ሕሰብ ኤርትራዊ!


ንሱ እዚ ንጥፍኣት ዓደቦና ብማዕተቡ ዝመሓለ ገበነኛ፣  ብከምዚን ወዲ ከምዚን ዕንኪላሎ፤ ብሰንኪ ንሕና ዘይምህላውና ትልኽ ክብል ጸኒሑ ኣሎ። ከም ብዕራይ ሰነ ካብ ቅድሚ ሓያለይ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ብደገፍ ከም ዝትንስእ ክንሰምዕ ቀኒና ኢና። ሓንሳብ ብምስጢር ብፍልይቲ ነፋሪት ገይሹ ይሕከም፣ ጸኒሑ ከኣ ለይቲ-ለይቲ ብኣመንቱ እናተሓለወ ትልኽ ካብ ዝብል ኣይወሓደን። ሎሚ ከኣ እዛ ሓዳስ ጨና መመሊሳ ትሃግግ ኣላ። ንሕና’ዞም ኣብ ዓደቦና ክንህሉ ዝነበረና ግን የለናን እንተበልኩ ሓሶት ኣይኮነን።


‘እንዳ ኣንጭዋ ቡቕሊ፣ እንዳ ጻጸ እኽሊ ኣይሰኣንን’ ከም ዝበሃል፤ እንዳ ኢሳይያስ ከኣ መራት ጠበንጃን ቦምባ ማኖን ኣይሰኣንን ኢዩ’ሞ እነሆ’ኳ ኣቶ ምራጭ’ውን ማዕረ ቁመቱ ዝኾነት ብረት ሲማኖቭ ተዓዲሉ። ስለምንታይ ግን ምዕዳል ብረት? ኣስተውዕል ወዲ ኤርትራ፦1. “…ብድሕረይ እዛ ሃገር’ዚኣ ናብ ሶማል እንተተተቐየረት፣ ኣስመራ’ውን ዳግማዊት ሞቓድሾ እንተኾነት ኣይግድሰንን ኢዩ።”


2. “…ሎሚ ኣብዛ ሃገር ደው ኢሉ ዝሸይን ሰብኣይ የለን። እቶም ንኸውን ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ከኣ ናብ ጎዳጉዲ ኣእቲናዮም ኢና።” ኢሳይያስ ኣብ ግዜ ስኽራኑ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ኣዘውቲሩ ዚዛረበን ዝነበረ ቃላት ኢየን። እዘን ጥቕስታት እዚኣተን ኣዝየን ግሉጻት ስለዝኾናስ ትርጉም ኣየድልየንን ኢዩ።


ብተደጋጋሚ ግዜ ብደምበ ኣለና ተጻሒፈን ኢየን። ኢሳይያስ መንገዱን ዕላምኡን ደጋጊሙ ነጊሩና ኢዩ’ኮ። እወ! እቶም ዝሰማዕናዮ ድማ ንዘይሰምዑ ነጊርና ኢና። እዝንና ይሰምዕ ኣእምሮና ግን ጸማም ኢዩ ንሕና ኤርትራውያን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ “ኢሳይያስ ሞይቱ” ተባሂሉ ከም ዝነበረ ዚዝከር ኢዩ። እቲ ወረ፣ ከም ወረ ላጻይ ወዓግ ንሽደን ኣንበሳ፣ ሓቂን ሓሶትን ኢዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ሓሶት’ዩ ነይሩ፣ እወ ትልኽ ይብል ስለዘሎ፤ ሓቂ ድማ እወ ከም ከምዚ ንርእዮ ዘለና ንሞት ርብዒ ጎደል ብምህላዉን ሓድሽ ጨና ብምህጋጉን።


ኣንታ ደም ዝነባዕካ ወዲ ሃገር ሎሚ ተንስእ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምቲ ገርሀኛ ኮማንድስ ብድሕሪ ውዕሎ ኲናት፦ “እንተ ብጸሎት ኣቦይ፤ እንተስ ብጸሎት ኣደይ ወላዲተይ ንዓይ ንምቕታል ዝተተኮሰት ጥይት ንቆቢዐይ ሃሪማ ከይዳ ኣላ” ዝበሎ፤ እዚ ዕሉል ገበነኛ ሰብ’ዚ ድማ ብሰንኪ ንሕና ዘይምህላውና ክመውት ዝግበኦ ክነሱ፤ ትልኽ ክብል ጸኒሑ ኣሎ። ኢሳይያስ ንሓምሳ ዓመታት ብምስጢር ዝላዕጠጦ ጥጅእ ከም ዘይሰልጦ ኣይሰሓቶን። ዕላምኡ መጺጹ ጥራይ ዘይኮነስ መጉሓፊ’ውን ተሳኢኑዎ ኣሎ። ሎሚ ነታ ገርሀኛ ልብና ካብ ቦትኣ ወጊንና ብሓንቲ ግዝያዊት ልቢ እንተንመራመር፦ ዕሉል ሽፍታ ኢሳይያስ  ኣፈወርቂ ካብ ግዜ ምጅማር ሰብዓታት ንኣከያይድኡ ኣብ እንምርምረሉ ግዜ፤  ሓቀኛ ምስሉ ብንጹር ይረአ ኣሎ።


ዕሉል ከታሪ ኢሳይያስ ናብ መድረኽ ኣፍ-ኣርክቡ ካብ ዝኣቱ ኣይወሓደን። ድቃስ ደምበ ተቓውሞ ግን ኣይተወደአን። ንከይሰማማዕ ስለዝተሰማምዐን ስርዓት ህግደፍ፤ ሽንፋእ ከም ዝተነጽጎ ድዉይ ካብ ጉዕዞ ንመቓብር ተደናጉዩ ጸኒሑ ኢዩ። እስከ ነዛ ዜና ማይ ኣባሻውል ብህድኣት ንከታተላ።


ኦ! ሓርነትን ሰላምን ንዕስራ ዓመታት ሃረር ዝበልካ ህዝብና ብሓበራ፣ ህዝቢ ቆላን ከበሳን…ብሄራትና ሕመረት መንነትና ደቀባት ኤርትራ…ኣብ ገጠራትን ከተማታትን  ብሓለንጊ ህግደፍ ትግረፍ ዘለኻ ኤርትራዊ ዜጋ…ኣንታ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ተጋድሎ፣ ንማይ ብመኽደን ብራሾ ተኻፊልና ዝተጓዓዝና…ኣብ ውዑይን ዝሑልን ኩነታት ከም ጽሩይ ወርቂ ብሓዊ ተፈቲንና ዝወጻእና፤ ኣንታ ወግሐ-ጸብሐ ብዘይካ ሞትን ኣውያትን ካልእ ቃል ዘይሰማዕካ ህዝቢ ኤርትራ! ኣንታ ብዘይካ ጥሜትን ሓሳረ-መከራ ግፍዕታት ህግደፍን ካልእ ንቡር ህይወት ዘይትፈልጥ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን እትነብር ጅግና ህዝቢ፤ ሞት ክናና፣ ሞት ኢሳይያስ ናይ ጽሕፍቶ ጉዳይ ደኣ’ምበር እንኮ ሰዓት እታ ትንቱላ ዜና ሞቱ ክትንፋሕ ኢያ። ንሕና ወገናትካን ፍንጫሕ መሰንገለኻን ንመጽኣካ ኣለና’ሞ ብባህጊ ተጸበየና!


እቶም ውሑዳት ገፋዕቲ፣ እቶም ንሓርነት ህዝቦምን መጻኢ ዕድል መንነቶምን ብካፕሬቶን ቺፋዝን፣ ጽባሕ ብዘይሰፍርዎ ገዛ መንግስቲ፣ ብላንድ ክሩዘር መኪና፣ ጉንዖ ገንዘብን በናኒ ተስፋታት ኢሳይያስን ዝለወጡ ሰብ ጽሮራን ይርሓሰና በሃልቲን፤ ህዝቢ ኤርትራ ሳንቲም ብሳንቲም ክጸባጸቦም ምዃኑ ይገንዘቡ።  እቲ ምንታይ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንዝጸንሖ ስቕታ ሰይሩ ናብ ደርማስ ለውጢ እጅግኡ ሰብሲቡ ተበጊሱ ስለዘሎ።


እዛ ዘለናያ ግዜ ከኣ ገበነኛ ኢሳይያስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተኾልኲሉዎ ዝወፈረ ናይ ጥንቲ ድጉል ሕልምታቱ ዝቐበጸላ ዓመት ኢያ። “…መበል 21 ዓመት በዓል ናጽነት ብዓጀባ ከነብዕል ኢና! 21 ዓመታት ናጽነት ሓበን…” ዝብል መዝሙር ክስማዕ ወሪሑ ነይሩ ኢዩ። ‘ዘይኩርምትኻ ሑጻ እንተትቑርጥመሉ’ ዝበሃል፤ ከምዚ ኢዩ። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ደባሲ ኣብ ዘይብሉ ብሓዘንን ብኽያትን ይንኖ ኣብ ዘለወሉ ዘመነ-ኣካሒዳ፣ ጭፍራ ህግደፍ ድማ ኣብ ልዕሊ መቓብር ኤርትራውያን፤ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘይነቐጸ ደም መንእሰያትና ኮይኖም ክስዕስዑን ክለሃዩን ርኢናዮም’ኮ ኢና።


እዞም ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብሓለንጊ ጥሜት እናተገርፈ፣ መንእሰያትና ብጅምላ ኣብ ባሕሪን ኣብ ምድረ-በዳ ሲናይን እናሃለቑ፣ ኣዋልድና ብመኮንናት ህግደፍ እናተደፍራን እናተዓመጻን፤ ኤርትራዊ ክብሪ ብሰንኪ ኣዕናዊ ሜላታት ህግደፍ በብመዓልቲ እናተባሕጎጐን ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ መራሕቲ ሃይማኖታትና መሳጊድኩምን ቤተ-ክርስትያንኩምን ዓጺኹም ናብ ሳዋ ተበገሱ ኣብ ዝበሃልሉ ዘለዉ ሒንግድ ግዜ፤ ካብ ሙሉእ ዓለም ምስቲ ኣብ ቃሬዛ ዝቐነየ ሎሚ ከኣ ሓድሽ ሽታ ሞቱ ዝጨንወና ኣብ ዘሎ ግዜ ከኹድዱን ክቆጻጸዩን ዝጸንሑ ናይ ሔሖት ውሻላት ብታሪኽ ክሕተቱ ኢዮም።

 

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

ግንባር ዓደቦ!!

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...