አብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ንህዝብና አብ ዝኸፍአ ናይ መነባብሮ ሕሰምን ድንቁርናን ኣውዲዎ ከይኣክል ኤሪትራውያን ዜጋታት ናብ ገላዩ ቀይሩ አደዳ ማእሰርትን ስደትን ጌርዎም ይርከብ:: መንእሰያት ኤሪትራ መፍቶ ዓዲ ጓና ብምኳን አብ በረኻታት ሲና ኣካላቶም ብርእዮ እናተተልተለ ኣደዳ ስቃይን ሕሰምን ክኾኑ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ተዓዛቢ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብኡ ተዋሳኢን ተረባሒን ኮይኑ ኣሎ:: ስርዓት ህግደፍ ምስቶም ብዓለም ዝተኾነኑ ግብረ-ሽበራውያን ምሕዝነት ብምፍጣሩን ብምድጋፉን ንህዝብና ብፍላይ ከአ ነታ ብልጽቲ ሃገርና ኣብ ጸሊም መዝገብ ኣስፊሩዋን ኣዳዳ እገዳ ጌር ኣሎ። እዚ ራይ’ኮ ኣይኮነን ነቶም ንናጽነት ኤርትራ ዘድግፉ ቅንጅት ኣብ ሕምርቲ ሓገርና ኣስፊሩ ሕልሙ እንተ ኮይኑሉ ናጽነትና ጽባሕ ኣብ ዋጋ እዳጋ ከቱ ህዝቢ ኣብ ዘይተጽበዮ ናት ክሽምም ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ናበለ ኣብ ክንዲ ዕንባባ ጽገሬዳ  እሾኽ ዳንዴር ተኺሉላ ክጠፍእ ዘይመሃዞ የለን።

እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ኤሪትራውያን መልቀቂኦም ገንዘብ ኣብ ማእከል ከተማ አስመራ ብጉሁድ ይኽፈል ምህላዉ ሎሚ ምስጢር ኣይኮነን::ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ሕሰም ጥራሕ ከይኣክል ሃገርና ንክትበታተን ንኣረጋውያን ከይተረፈ ብረት ብምዕዳል ዘይሓላፍነታዊ ተግባር  ይፍጽም ምህላዉ እናረኣና ትም ኢልና ክንሓልፎ ዝከኣል ኣይኮነን:: እሞ ዝኸበርካ ኤርትራዊ እዛ ብደም ብሉጻት ደቂ ኤሪትራ ዝተረኽበት ናጽነት ጽባሕ ትህሉዶ ኣይትህሉን ኣጠራጣሪ ኮይንሉ ዘሎ እዋን ንሕና ኣብ ኣየርላንድ ንርከብ ኤሪትራውያን ህዝብናን ሃገርናን እናተዘምተ ስቅ ኢልና ነዚ በደል ክንዕዘብ ዘሓላፍነታውን ብታሪኽ ተወቀስቲ ከይንከውን እጃምና ከነበርክት ንሕተት::

ብመሰረት ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተግናታት፥ ኣብ ናይ1950 ዓ ም ዋዕሉኡን በብእዋኑ እናተመሃየሸ ዝጸደቀ ሕግታት ብንጹር ተቀሚጡ  ከምዘሎ ሓደ ዑቅባ ዝሓተተ ሰብ ብመሰረት ዝሓተቶ መትከል ንሓቅታት ኣኽቢሩን ተማእዚዙን  ክነብር ይሕብር። ሰብኣዊ መሰላቱን፥  ክብርታቱን ተገፊፉ ዚተሰደደን ዑቅባ ዝሓተተን  ሰብ  ብፍትሕን ስርዓተ ሕግን ናይ ምንባር መሰሉ ዚገፈፎ ስርዓት እናጣቅዐ፤ንዑቅባ ሓተትቲ ክጻባእ መሰረታዊ  ሕግታትን መትከላትን ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተግናታት ዝጥሕስ ጥራሕ ዘይኮነ ብሕጊ ዘሕትት ኢዩ።

ንሕና አብ ኣየርላንድ ንርከብ ዜጋታት ኣባላት ኤሪትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ኣካል ናይቲ ኣብ ኩሉ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ምድሓን ሃገር ኣባላት ምዃንና እናሓበርና ህዝብናን ሃገርናን ካብ እዚ ወሪድ ዘሎ መዓትን ግፍዕን ንምድሓን እጃምና ነበርክት ዘለናን ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤሪትራዊ ነዚ ሰናይ ሃገር ናይ ምድሓን ጻዊዒት ተቀቢሉ ምሳና ክጽንበር ነቶም ኣብ ኣየርላንድ ካብ ኤምባሲ ህግደፍ ተላኢኾም  ህዝቢ ብወገን ክኸፋፍሉ  ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ ጸረ ህዝቢ ክቃለስን እንተ ተኻኢሉ ናብ ሕጋዊ መስርሕ ንምቅራቦም ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክሳተፉ ንጽውዕ::

እዞም ሓተቲ ዕቅባ ምዃን ተገፊዕና ብምባል ኣብ ኣየርላንድ ዘለዉ እንተኾነ ተገምጢሎም ተለኣኽቲ ነዚ ንህዝብና ዝገፍዕ ዘሎ  ጨካን ስርዓት ብምዃን ንዝገብርዎ ውዲታውን ዘሓላፍነታውን ተግባራት ምሳና ሓቢርኩም ክትቃለስዎ በዚ ኣጋጣሚ ንጽውዕ::ነዚ ኣዕናን ጸረ ህዝብን ካብ ለንደን ባይ ብሪጣንያ ካወኪል ህግደፍ ዝመጽእ ትእዛዝ ንምብዳህ ምሳና ክትሓብሩ ብኡ ኣቢልና ከአ መሓውር እዚ ጠላም ስርዓት ንምስባር ኣብ ዝካየድ ሃገር ናይ ምድሓን ቃልሲ ክትሳተፉ ንጽውዕ::

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

ስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገ

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...