መጋረጃ ይቀንጠጥ ኣኺሉ መዓልቱ

ኤርትራውያን ንዛረብ መዓጹ ካብ ተኸፍቱ

ክንደይሻዕ ክንሕባእ ኣብ ቀሚሽ ክንኣቱ

ይኣክል ናይ ብርዒ፡ ይገለጽ ኣስማቱ።

እንታዩ ነገሩ

ደቂ ዓዲ ምኸሩ

መርየት ተወሪሩ

እወ ተወሪሩ

ኩሉ ተወሪሩ

ዋና ተወሪሩ

ምስክዳኑ ተቐቢሩ

ሂወቱ ሓሲሩ

መርየትዶ ከቢሩ

ወደባት ተሓይሩ

ብጠጠዉ ተቐቢሩ

ይጥምት ኣንቓዕሪሩ

እንትዩ ነገሩ

ደቐባት ምኸሩ

ጣቓዒት ቕበሩ

መበቐልኩም ዘክሩ

መንነት ሓሲሩ

መርየት ካብ መንከቢሩ።

ሰብ ኣብ ዓዱ እሊ ኣብ ዓውዱ

እንጸይቲ ይነዱ ምስተኣጉዱ

ወዲ መርየት ይነብር ተገዲዱ

ተሓዲጉ ንብረቱ ነጺፉ መኣዱ።

ወዲ መርየት  ንዘለዎ

ወዲ ኣባት መንነት ኣለዎ

ትውልዲ ዘለዎ ወገን ኣለዎ

ዓዲ ዘይብሉ መንነት ነይብሉ

ባርሳ እዩ ወገንውን ዘይብሉ

ተወሪሩ መንነቱ ተነቒሉ

ኣዲኡ ዝፈቱ ኩለን ኣደታቱ

ነቡኡ ዘይፈቱ ኣቦታት ይጸልእ

ንሃዉ ዘይፈቱ ንመንከ ይቐብእ

ዓዱ ዝጸልእ ኣውራጃኡ ይጸልእ

ንህዝቡ ዝንዕቕ ንሃገሩ የጥፍእ

መንነቱ ዘይፈቱ ሃገሩ የኽፍእ።

ወለዱ ዘኽብር ንኹሉ የኽብር

ነብሱ ዘኽብር ንህዝቡ የኽብር

ዓዱ ዝጸልእ ብኻልኦት ይቐንእ

ንሙያ የናእስ ኣስማትውን የኽፍእ

ንነብሱ ዝጸልእ ንሃገር የጥፍእ።

ዓዱ ዝበን መንነቱ ይፈልጥ

ኣን ጊሁ ንፍቕሪ የሳልጥ

ፍርሒን ጥርጣረን የጥፍእ

ክብርን ቅንዕናን የምጽእ

ቅጥፈትን ተንኩልን የጥፍእ።

ዓደይ  መንነተይ

መርየተይ ናተይ

ፍቕረይ ክብረተይ

ዝፈትወኪ ብልበይ

ክዝክር ንዓደይ

ይረግፍ ንብዓተይ።

ጸምዩኒ በይነይ

በዚሑ ስደተይ

ሓለፈ ንእስነተይ

ከይተመለኩ ዓደይ

ክዝክር ንዓደይ

ይበኪ ንበይነይ

ንፊቐ መማህርተይ

ኣለዉዶ መታዓብይተይ

ከይሰምዑ ኣውያተይ

ክምልስ ናብ ዓደይ

ከይኣኸለ ሰዓተይ

ክሓጽር ስደተይ

ግዜየሎዶ ክኸይድ ንዓደይ።

መርየተይ ርስተይ

መንነተይ ኩርዓተይ

መልክዔይ ሓበነይ

ጌጸይ መለልየይ

ዝፈትዋ ብልበይ

ዝሕበነላ ንበይነይ

ኩርዓተይ ናይበይነይ።

ክጅምር ብቤተና

ዘሳፍሓሉ ምድሪና

ቤትና መሰረትና

ገርገራና መንቀናና

ዝውፍሮ ግራትና

ከይሰገርና ሩባና

ኣብማዕዶ ኩርባና

ፈራዪ ግራትና

መርየትና መሰረትና

ከባቢና እንዳና

ወረዳና ኣውራጃና

ተወሪርና ተመንዚዕና

እንታይ ተሪፉና

ጥራሕና ርኤዩና።

ዘለልኩሉ ብህጻንነተይ

ከም ወጠጦ ከም ብተይ

ከም ኣድጊ ጥሪተይ

ዝኾርዓሉ መርየተይ

መጸዊኦየይ ዓደቦይ

እንዳደይ መሰረተይ

ምስ ኩሎም የሕዋተይ

ኩሎም ቤተ ሰበይ

መሳቶይ የዕሩኽተይ

ደቂ ዓደይ ክብረተይ

ዝነብረሉ ንድሕነተይ

ዓደይ ነበረ ቅሳነተይ

ተመንጠለ ካብ ኢደይ

ይነብር ኣብ ስደተይ

ምስቲኹሉ ሃብተይ።

ሓበሻ ከበሳና

ሳሆና ኢሮብና

ቢለን ጀበርትና

ሓደ ዝዓድና

በበይኑ ዝሕብርና

በጃና ትግረና

ኩናማ ባዛና

ብዙሓን ብሄርና

ፍልልይ መልክዕና

መለለዪ መፍለጢና

ንሕበነሉ ኩላትና።

ጥሻና ዑናና

ዘዕበየና መርየትና

ዝተቐብረሉ መዳሕንትና

መርኣዪ መንነትና

ፍርሒ ዘጥፍኣልና

ቑሊሕ ምሊሕ ከይበልና

ንነብር ሓቢርና

ንገይሽ ዝባና ቀሊዕና

ንዛረብ ከይፈራሕና

ጉዳም ዘበን መጸና

ቀናእ ነጊሱ ኣብ ዓድና

ጽቡቕ ዘይምነ ንህዝብና

ንዓና ከጥፍኣና

ነቐለና ከብርሰና

ወሰዶ መርየትና

ጣቓዒት ኣብዛሕና

ኣብ ቅድሜና

ተወሪርና ሃገርና

በብሓደ ተነቕለና

ኣጥፋኣና ወድኣና

መላሲ ኣውያት ነይብልና

መርየት ናተይ በለና

የብልኩምን ኢሉ ኣወጀልና።

ተነቐሉ ጥፍኡ ካብ ቅድሜና

መርየት ዘይንደልዮ ተስምዓና

ክንብል መሰልና ግዴታና።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንማፍያ ህግደፍ

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

15 ጥቅምቲ 2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...