ኩሉ ደናጉላና ግንባር ህግደፍ ንምስባር ይወርወር! ዓደቦ ሱር ይተኽሉ፣ ሱር ይነቕሉ ከም ዝበሃል ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ኣብቲ ካብ ዕለት 5 ክሳብ 7 ጥቅምቲ 2012 ኣብ ካስል-ጀርመን ዘካየዶ መስራቲ ጉባኤኡ ሰራም ሱር ህግደፍ ንምንቃልን ናይ ሓርነት ሱር ንምትካልን ኣሃዱ ኢሉ ተበጊሱ ኣሎ። ወርሒ ጥቅምቲ፡  መሰጋገሪ ወቕቲ ብምዃኑ ኣብ ከተማ ካስል ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ብሃገሩ ሃገረ-ጀርመን እዋን ሙቐት ሓሊፉ ዛሕሊ ከይጸንሓና ተዳሊናሉ ነበርና። ካብቲ ባቡር ምስ ወረድና ግን  ኣይከምዝመሰለናን። እዃድኣ ኣብ ድሕሪ‘ታ ፍርቂ መዓልቲ እቲኣ ሰ ዝሓሸ ኩነታት ኣየር ስለዝነበረ መብዛሕትአን ደቂ-ኣንስትዮ ሰብ ፈዂስ ክዳውንቲ ክወዛዝሓ ተራእየና።

ክሳብ ምስቲ ዝቕበለና ሰብ ንራኸብ፡ ኣብቲ ካፈተርያ ኣቲና ቡን ክንሰቲ ኣዘዝና። ኣይደንጎየን ድማ ንሱ ደበኽ በለ‘ሞ ተሓናኒቕና ክንሰዓዓም እንከለና ዘስተብሃልናሉ ነገር ከኣ ነይሩ። ዳርጋ ኩሎም ዝረኣዩና ሰባት ከተኩሩልና ስለዘቕለብና ንምንታይነቱ ክሓስብ ጀመርኩ። ለካ ብቕንያቱ ንዓና ዝመስሉ ሰባት ክተኣኻኸቡ ከምዝቐነዩ ዘስተብሃሉ ኢዮም። ሰባት ብሰባቶም ከኣ ገለ ዝሕንክሱ፡ ገለ‘ውን ሰብ መረዃኹስ። ኣብቲ መቐነይና ክኸውን ዝተታሕዘ መዕረፍ ኣጋይሽ ምስበጻ ሕና ምስኩሎም ዕዱማት ተራኸብና‘ሞ  ኩሉ ነገር ከኣ ከምቲ ዝተባህለ ኮይኑ ጸንሓና። ዳርጋ ምስኩሉ ዕዱም ከራኽበና ዝኽእል ታሪኽ ስለዝጸንሓና‘ውን ኣይተጋየሽናን።

ሃገረ-ጀርመን፡ ከተማ ካስል። ንጽባሒቱ ረፋድ ባህ ዝብል ሙቐት ጸሓይ ነበረ‘ሞ፡ ብኣእጋርና ክሳብ ክንዲ ንኽእሎ እና ተዛወርናን፡ ኣብዝበረኸ እናወጻእናን ከቢቦማ ንዘለዉ ጎቦታትን ሌጣ ጎላጉላን ተዓዘብናያ። ባህታ ኣቀማምጣኣ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን ከምቀንዲ መዋፈሪት ደምበ ተቓውሞ ከምዝኾነት ንሰምዖ ዝነበርና ዛንታ ኢና ሽዑ ዝተሓወስናዮ። እዛ ኣቐዲማ ብወነንታ  “ከሰላ“ ትበሃል ምንባራ ድሒርና ብዝሰነቕናዮ ትረኻ ዝፈለጥናያ ከተማ እምበኣር ከምቲ ዝሓለፈ ሽዑ‘ውን ሓድሽ ጉባኤ ተቓወምቲ ከተተኣናግድ ድልውቲ ነበረት። እቲ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልትታት ክካየድ ዝተወጠነ ጉባኤ ግምባር ዓደ‘ቦ እምበኣር ብመሰረት ዝተታሕዘሉ መደብ ምእንቲ ብጉቡእ ክዛዘም እኹል ምድላዋት ተገብረ።

መደብ ዓርቢ ዕለት 05-10-12፡ ኣብ ምቕባል ኣጋይሽን ካልእ ከም ምስ ትሕዝቶ መጽሓፍ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳደ ዘላሊ ስእላዊ ምርኢትን ካልእ ተመኩሮታትን ብምልውዋጥ እኹል ምድላዋትን ገይሩ ሓደረ።

ንጽባሒቱ ቀዳም ዕለት 06-10-12፡ ከኣ እቲ ኣውራ መዓልቲ ኮነ። በዚ ዕለት‘ዚ ዋላ‘ዃ ብንጉሁኡ ተኣኻኺብና መደብና ብንጉህኡ ሰዓት 09.30፡ ክንጅምር እንተተታሕዘ፡ ብምኽንያት መጎዓዝያ፣ ከምኡ‘ውን ብምኽንያት ‘‘ቆጸራ ሓበሻ‘‘ ሰዓታትና ኣዝዩ ስለዝተጓተተ፡ ሰዓት 13.30 ኢዩ ብዝኽረ-ሰማእታት ዝተጀመረ።  በቲ መደብ መሰረት ነፍሲ ወከፍ ኣኬበኛ ብዛዕባ መደባት ጉባኤ ንዝምልከት ሓበሬታ ዝሓዘት ሰታሪት እናተዋህበቶ/ ገሊኡ ከኣ ኣብ ውሽጢ/ ኣዳራሽ ኣተወ። መብዛሕትኦም እቶም ካብ ኖርወይ፣ ስዊድን፣ ስዊስ፣ ሆላንድ፣ ዓዲ እንግሊዝ ዝመጹ ኣጋይሽ ብዱሮ ዓርቢ ምሸት ኢዮም ናብ ከተማ ካስል ኣትዮም።

መደብ ብኣሰናዳእቲ ጉባኤ ተኸፍተ። ነተን ኣብጣውላ ኣብ ጎድኒ ናይቲ ብኾፉ ሙሉእ መሰል ዝተጸግዓ መረዃዅስ ዝረኣየ ዘበለ “ንሳተን ከድኣ ንምንታይ መጺአን“? ኢሉ ንነፍሱ ከይሓተወከሰ ዝሓለፈ ኣይመሰለንን። ንሳተን ኣእጋር ናይቲ ዋናአን ምዃነን ዘዝተረድአ ዘበለ ንስንክልናኡ ገለጽቲ ኮይነናሉስ ቡኡ ንቡኡ‘ውን ንብሙሉኦም ኣኼበኛታት ከስተብህል ተገደደ። ግዚኡ ኮይኑ ከኣ ተወሰኽቲ መራኩስን ስንኩላንን ዝረኣየ ዘበለ ንኩሉ ኣኼበኛ ብኣዒንቲ ስንኩላን ምጥማቱ ኣይገድፍን። ንነገሩ ሓቑ ኢዩ። ክዳውንቲ ናይቶም እኩባት እንተዝወጽእ‘ኮ ክንደይ ዝተሓረሰ ኣካላት ርእዩ ምስረታ ማሕበር ስንኩላን ምመሰሎ።

ኣብዚ ክቡር ወግዓዊ ጽምብል ምስረታ ግምባር ዓደ‘ቦ መዓልቲ‘ዚ ድሕሪ‘ቲ ብኣሰናዳእቲ ዝቐረበ ቃል ወግዓዊ መኽፈቲ ጉባኤ፡ ዕዱማት ድማ በቲ ዝተታሕዘሎም መደብ መሰረት ነናይ ውድቦም ኮነ ናይ ውልቆም ናይ ድጋፍ መልእኽቲ ብኸምዚ ዝስዕብ ተርታ ኣቕረቡ።

1፣ ቃል ወኪል ሃገራዊ ባይቶ፡ ብኣቶ ዓብደልዓዚዝ ሳልሕ።

2፣ ቃል ወኪል ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ።

3፣ ቃል ማሕበር መንእሰያት ኤርትራዊያን ንድሕነት ሃገር፡ ብመንእሰይ መድሃኔ።

4፣ ቃል ምደፍኤ፡/EMDJ/ ካብ ኣብ ኢቲዮጲያ ዘለዉ ኣባላት ብስካይፕ።

5፣ ቃል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት፡ ብዶክተር ሳህለ ተስፋይ።

6፣ ቃል ወኪል ተ.ሓ.ኤ፡ ብኣቶ እድሪስ ዳፊ።

7፣ ቃል ወኪል ሲቪክ ማሕበራት ኣቶ ምሕረትኣብ ኣፈወርቂ

8፣ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ - ስትራተጂ ዓዲ፡ ብሓው ግርማይ ሃይለ።

9፣ ከምኡ ከኣ ወከልቲ፡ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ብሄን፣ ዲ.ግ.ሓ.ኤን /ሳግም/ ክመጹ‘ዃ እንተዘይከኣሉ ናይ ድጋፍ መልእኽቶም ብኢመይል  ሰዲዶሙልና ኢዮም።

ውልቃዊ  ናይ ድጋፍ መልእኽታት፡-

10፣ ትርጉምን ስለምንታይነትን ግንባር ዓደ‘ቦ፡ ብፕሮፌሶር ተስፋጽዮን መድሃኔ።

11፣ ሓፈሻዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡  ብዶክተር ኣብራሃም ጳውሎስ።

12፣ ንምምሕዳር ከተማ ካስል ወኪሉ ናይ “እንዃዕ ድሓን መጻእኩም“ መግለጺ ዝሃበ ድማ ዶክተር ሳህለ ተስፋይ።

ካብ ኣባላት ከኣ እዞም ዝስዕቡ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ቀሪቦም፡-

13፣ ታሪኽ ህዝባዊ ሓይልታትን ህዝባዊ ግንባርን።

14፣ ተራ መንእሰያት ኣብ ቃልሲ፡ ክሳብ ዕለተ-ናጻነት።

15፣ ስለያዊ ሽርሕታት ህግደፍ።

ከምኡ ከኣ ካልእ ናይ ብኣካል ክቐርቡ ዘይከኣሉ ናይ ተሌፎን ናይ ድጋፍ መልእኽቲ ከም፡-

16፣ ኤርትራዊያን መንእሰያት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካ፡ ሱዳንን ማእከላይ ምብራቕን።

ኣብዚ ደጊምና ከነብርሆ እንደሊ ነገር፡ ብዙሓት ካብ ነባራት ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ህዝባዊ ግንባርን ዳሕረዎት ተቓለስትን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከም ስራሕ፣ ራሕቂ ቦታን ሕጽረት ገንዘብን ዝኣመሰሉ መሰናኽላት ክሳተፉ ኣይተኻእለን። እቲ ሕሉፍ ታሪኽና ተቐቢሩ ምእንቲ ከይተርፍ ኣብ ራዲዮ ወጋሕታ ሳሊና ብትግሃት ቀጻሊ ዝገልጽ ዘሎ ገዲም ተጋዳላይ ተስፋይ ተምነዎ ንኣብነት ብምኽንያት ጥዕናኡ ክሳተፍ ከምዘይከኣለ ክንገልጽ ንፈቱ።

ድሕሪ‘ዚ ናብ ዘተ ተኣተወ። ከምቲ ንቡር መቸም ግዜያት መግቢ ክኽበር‘ዃ እንተነበሮ ዘዛኒ ግዜ ብዘይምንባሩ አኼባ ብምቕጻል በቲ ሓደ ብዛዕባ ህሉዊ ኩነታት ሃገርናን ደምበ ተቃውሞን ፡ በቲ ካልእ ከኣ ኩነታት ከባቢናን ዓለምን ተዘተየሉ። ስዒቡ ኣብቲ ብዛዕባና ዝምልከት ብኣባላትና ብፍላይ ንስለምንታይ ሓድሽ ውድብ ኣድልዩን ዝብል ሕቶ ምስበርሀ ፡ ተሳተፍቲ በቢውልቆም ብወለንታኦም ከብርሁ ጀመሩ።  ንግንባር ዓደቦ ዝምልከቱ ሕቶታት ቀሪቦምን ግቡእን ዘዕግብን መልሲ ከኣ ተዋህበ።

ዶክተር ሳህለ ንርእሱ ከም ውኩል ናይቲ ምምሕዳር ብቕንያቱ ኣብ ምድላው ናይቲ ጉባኤ ክተሓባበር ከምዝቐነየ መጠን፡ ብውልቁ ካብዘቕረቦ መደብ‘ውን ጽቡቕ ምልውዋጥ ተመኩሮ ታሪኽ ካስልን ካልእ ተመሳሳሊ ተመኩሮን ከቕርብ ክኢሉ። ንእግረ-መገድና ምሁራትና ሰልኪና ከይንህሉ ብዋዛ-ቅዉም ነገር እናኣዛነዩ መልእኽቶም ከምዝርደኣና ንዘጥረይዎ ሞያ ከይነኣድናዮ ኣይንሓልፍን። ምኽንያቱ እቲ ጥበብ‘ቲ ንርኢቶ፡ ሓበሬታን ለበዋን ተሳተፍትን ኣተባቢዕዎም ኢዩ።

ንድፊ ፕሮግራም ሓደ ካብቲ ብተጋባእቲ ክዝተየሉ ዝተሓስበ ኢዩ ነይሩ። እንተኾነስ ኣኬባ ካብቲ ክጅመረሉ ዝነበሮ ስለዝተጎተተ፡ እዋን ብምምሳዩ ክሰልጥ ኣይከኣለን። ከባቢ ሰዓት 23.00 ኣቢሉ ናይታ መዓልቲ ንጥፈታት ጉባኤተኛ  ብንባብ ደምዳሚ ኣዋጅ ተዛዘመ። ወዮም ኣባላት ግን ተወሳኺ ዕማም ስለዝነበሮም፣ ከምቲ ኣብ ዘመን ተጋድሎ “ድቃስ ንእውድ ኢና“ ዝበሎ ተጋዳላይ ኦፐረተር፣ ንሕና‘ውን  “ድቃስ ዕዳኺ ፍለጢ“ ኢልና ቀበጽናያ።

ኣብቲ ሕላፍ ለይቲ ኣባላት ግንባር ዓደቦ ምርጫ ሓለፍቶም ኣካየዱ። ምናልባሽ ምርጫ ክበሃል እንከሎ፡ ሰባት ነቲ ዘዝፈልጡዎ ናይ ህልኽን ሽርሕን ኩነት ይዝክሩ ይኾኑ። ኣብዛ ምሸት እዚኣ ግን እትርፎ ጠመተ ኣሳልጦ ስራሕ ብፍጹም ከምኡ ኣይነበረን። ኩሉ ኣባል ኣርሒቑ ብዝጥምት ራእይን ስምምዕን ኢዩ ምርጫኡ ኣካይዱ። ብኡ መሰረት 19 ዝኣባላታ ማእከላይ ሽማግለ ምስ ሕዙእ መናብር ተመረጸት። ኣቦ-መንበር ግንባር ዓደ‘ቦ ተጋ/ ረድኢ መሓሪ፡ ምኽትል ግንባር ዓደቦ ከኣ ተጋ/ ኣሮን  ገብረ ኢየሱስ ኮይኖም ተመሪጾም። ብተወሳኺ ንትሸዓቲአን ኣዝየን ኣገደስቲ ናይ ስራሕ ቦታታት 1) ሽማግለ ፖለቲካን ውደባን 2) ሽማግለ ወተሃደራዊ ክተት 3) ሽማግለ ዜናን ባህሊን 4) ሽማግለ ጉዳይ መንእሰያት 5) ሽማግለ ጉዳያት ወጻኢ 6) ሽማግለ ጸጥታን ሓበሬታን 7) ሽማግለ ማሕበራዊ ጉዳያት 8) ሽማግለ ጉዳያት ደቀንስትዮ 9) ሽማግለ ፋይናንስ ተመስረታ። ክንድአን መራሕቲ ተመሪጾም ብድምር ዓሰርተው ሓደ ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለ ቆይማ ኣላ። ኩላተን ሽማግለታት ምክትላት ክህልወን ኢዩ። ብመሰረት ቅዋም ግንባር ዓደቦ ዕድመ ፈጻሚት ሽማግለ ከኣ ክልተ ዓመታት ኢዩ። ድሕሪ‘ዚ ቀዳም ብንጉሁኡ ዝጀመረ ኣኼባ ብዘይዕረፍቲ ድሮ ጽባሕ ሰንበት ንጉሆ ሰዓት 06.00 ስለዝኾነ ኣባላት ሰነዳቶም ኣብዘለዎ ገዲፎም ናብ ቁርሲ ኣምርሑ።

ኣብዚ ጉባኤ‘ዚ ዝነበረ ፍሉይ ጉዳይ ክንነግር ጽቡቕ ይመስለና። ንሱ ከኣ ብዘይ ድቃስ ዝተኻየደ ንውሓት ሰዓታት ኢዩ። ዋእ! መን ይኣምን ኩላቶም ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ግንባር ዓደቦ ኣብ ቀዳም ንግሆ ንዝበረቐት ጸሓት ተቛዲሶም ዝጀመርዎ ወኒ ዝነበሮ ሃገራዊ ጉዳይ ብዘይ ምቁራጽ፤ እታ ኣጋ ምሸት ቀዳም ንዝተሸርበት ጸሓይ ክሳብ ሰንበት ንግሆ ደሓን‘ዶ ሓዲርኩም እትብል ብዘይ ድቃስ ቀጺልና እንተበልና! ሰንበት ሙሉእ መዓልቲ ዝወዓለ ጉባኤ፣ ክሳብ ንምሸቱ ሰዓት 10 ምሸት ብድምር ነፍስ-ወከፍ ኣባል መሪሕነት ግንባር ዓደቦ ን40 ሰዓታት ብዘይ ድቃስ ሰሪሖም። ኣብ መንጎ ገለ ድኻም ከይከብድን ትኻስ ከየኸትልን “እሂ ደቀባት ዓደቦ ንደቅስ‘ዶ ንቐጽል?“ ኣብ ዝበሃለሉ ዝነበረ ግዜ፣ ብሓደ ድምጺ “ንቐጽል“ ዝብል መልሲ ይወሃብ ነበረ።

ሰንበት ዕለት 07-10-12፡ ኣኼባ ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን ተጀመረ። ኩሎም ኣባላት መሪሕነት ከይባዕገጉን ድቃስ ከይሰለቦምን ኣብ ስራሕ ብምእታዎም መቸም ገለ ካብ ፍጻመታት ዘዘኪርካ ወጃዕጃዕ በል ይመጸካ። ሓንሳእ ሓንሳእ ንግዜ ዕርዳዊት ተጠንቀቕ ክትዝክር ትኽእል። ኣብታ ረፋድ ሰንበት፡ ኩልና ተጋባእቲ ብሓባር መግለጺ ውጽኢት ፍሉይ ኣኼባ ኣባላትን ንባብ ደምዳሚ ኣዋጅን ቀልጢፉ ተሳሊጡስ ብርኢቶ፤ ሓበሬታን ለበዋን ተሳተፍቲ ክውዳእ ነበረ መደብ። ኣብ ባሕሪ ዝኽርታት ቃልስናን ዓለማዊ ኩነታትን ዝሰጠምና ክፋል ተጋባእቲ ዝኽርታትና፤ ድሕሪ ናጽነት ዝነበረ ትጽቢታትናን ዘጓነፈ መወዳእታ ኣልቦ ጥልመት ስርዓት ህግደፍን እናጠቓቐስናን፡ ንድሕሪ ሽዑ ዘሎ ከቢድ ሸኸምን ዕማማትን እናዘተናን አሻባ ጸሓይ ገዲፋትና ስለዝተጨለጠት ንተወሳኺ ለይቲ ምሕዳር ኮነ።

ኣብቲ ገፊሕ ናይ መመገቢ ቦታ ከከም‘ቲ ዝጥዕም ማለት በቢጉጅለ ተዛኒቕና ተመኩሮታት ክንለዋወጥ ብምሕዳር ከኣ ወዮ ዓርቢ ዝጀመረ ውዕሎ ምስረታ ግምባር ዓደ‘ቦ  ሰንበት ፍርቂ ለይቲ ብሰላም ተዛዚሙስ  እቲ ካብ ወርሒ ጥሪ 1977 ኣትሒዙ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ከም ብዕሪር ተሓይኹ ዝኣረገ፣  ብፍላይ ከኣ መላገጺ ህግደፍ ዝኾነ “ዓወት ንሓፋሸ!“ ዝብል ዝነበረ ጭርሖ፤ ኣብ ቅዋም ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ በቲ ኣዝዩ ገላጺ ዝኾነ ቋንቋ ብሄረ ትግረ “ዓውቴና ሸክ ኣለቡ“ /ዓወትና ጥርጥር የብሉን/ ብዝብል ሓድሸ ወርቃዊ ጭርሖ ንክትካእ ብሙሉኣት ኣባላት ጸዲቑ ኣሎ። ጉባኤና ዓውቴና ሸክ ኣለቡ ብዝብል በኹሪ ጭርሖ ዛዚምና ሰኑይ ረፋድ ቁርስና ለኪምና ነናብ ቦታና ንቕሎ ኮነ። እተን ሓንሳብ ዝተወሃሃዳ ልብታት ከኣ ኣይክነጻጸላን ኢየን።

“ኣይትብዝሑስ ነይመርገም ነይትንፍዑ‘ምበር“ ክበሃል ሰሚዕናዮ ኣለና። ትርጉሙን ሓቅነቱን‘ውን ሳላ‘ቲ ወረጃ ባህልና ፈሊጥናዮ እንዲና፡ ሎሚ ከኣ ኩሎም እዞም ካብ ኩሉ ብሄራት፡ ክልቲኡ ጾታን ኩለን ውድባትን፡ ብምህሮን ተመኩሮን ዝበሰሉ፡ ብኣካል ኮነ ዕድመ እንክረኣዩ ክሳብ ክንዲ ከምኡ ዓቕምን ትብዓትን ከምዘለዎም ንምእማኑ ብዘሸግር ከም ሽርባ ዝባልዑ መንእሰያትን ካልኦት ተቓለስትን ተኸቢብካ ምቕናይስ “እንታይ ተረፈ“ ዘብል ኣይነበረን።

ከምኡ ከኣ ብኩሉ መዐቀኒ ወከልቲ ይኹኑ ብውልቆም ኣብ ዘቕረብዎ ብሱል ዓለማዊ ትንተናን ማዕዳን ሙቐት ፈጢርልና ቑረ ከምዝስገር ካብሽዑ ዘተስፉ ምዉቕ ቅንያት ኮነ። ንወጻኢታት ዝምልከት ግድል፡ መበገሲ ቦታ ይቕረብ ይርሓቕ ብዘየገድስ ተሳተፍቲ ጉባኤ ወጻኢታቶም ባዕሎም ምሽፋኖም ብሓቂ ናይ ተበግሶኦም መርኣያ ነበረ። ባዕሉ ዝቖመ ብቐሊሉ ስለዘይወድቕ፡ ነብስኻ ምኽኣል ብተግባር ብምጅማራ የኹርዕ ነይሩ።

እዚ ታሪኻዊ ጉባኤ‘ዚ ኣብቲ ክምስረተሉ ዝግብኦ እዋን ስለዝተተኽለ ከምቀደምና ንውሽጣዊ ኮነ ግዳማዊ ጸላእትና ክንረትዕ ዋሕድና ብዝድብስ ሕቡር ቅልጽምናን ጽሬት መስመርናን፣ ንቀጻልነትን ተዓዋትነትን  ግንባርና ኣይንጠራጠረሉን። ውህደት ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲን ፍትሒን ኤርትራ /EMDJ/፡ ግንባር ዓደቦን ንርእሱ መርኣያ ናይዚ ሰናይ ትልሚ ኢዩ።

ኣብዚ ንእግረ-መገድና ከነስምረሉ ንደሊ ነገር  እንተኣልዩ ብዛዕባ‘ዚ ግንባር‘ዚ ሓያለይ ከምዝተባህለ ምስማዕና ኢዩ። ተበግሶ ክትቅህም ብግህዶ ካብ ተፈተነ ሓቂ ኢዩ ከምኡ ክበሃል። ግደፍ ፖለቲካዊ ውድብስ ዝኾነ ሓድሽ ነገር‘ውን እኮ ተፈታዊ ኢዩ። እንተኾነስ ብሓድሾም ዝጽልኡ ነገራት ድማ ኣለዉ ኢዮም። ክሳብ ክዉንነት ዝፍለጥ ከክፉኡ እንተተወ ርየልና ድማ ኣይንጸልኦን። ኩሉ‘ቲ ንበሃሎ መማዕረጊና መጸበቒና ከምዝኸውን ከኣ ንተኣማመን ኢና።

ብዛዕባ ናይተን ተሳተፍቲ  መረዃኹስ ዝምልከት ዝተዘርበ‘ውን ኣሎ። ካብ በሃሊኡስ ደጋሚኡ ከይከውን ምእንቲ ገለ ነገር ካብ ምባል ክንቁጠብ ተመራጺ ኢዩ። ስርዓት ኢሰያስ ግደፍ ንስንኩላንሲ፡ ንጥዑያት ሰብ ውዕሎ‘ውን እንተኾነ ንዘይግባእ ጣልማይ ናይ ምጥያስ መደባት ስለዝተቓወሙ፡ “ስንኩላን ሓንቂቖም፡ ጠለባት ኣብዚሖም“……….፡ ብማለት ተዘሊፎም ኢዮም። ክንዲ ብንጉሆኡ ናብ ስደት ምምራሕ፡ ኣብ ግንባር ዝተወፈዩ ተቃለስቲ ኣካላቶም ደኺሙ ኣብ ዘንቀጥቅጠሉ እዋን ፍትሒ ብምጥያቖም ጥራይ በታ ዘላሊት ብርኮምን ጨማቲት ዓይኖምን ጸላእቶም ዝሓምሸሹላ ገዛእ ካላሽኖምን ብብጾቶምን  ከም ዝርሸኑ ኮይኑ፡

ኣብ ሞንጎ ቀተልትን መወትን ደም ከምዝትከል ዝገብር ኣዝዩ ተንኮለኛ ስራሕ ርኢና ኢና። በቲ ግዜ‘ቲ ነቲ ትንግርቲ ብዓይኖም ዝረኣዩ ስንኩላን ካብታ ኣካላት ዝኸፈሉላ ሃገር ተስፋ ስኢኖም ሎሚ ኣብ ብዓለሙ ተበቲኖም ኣለዉ።፡ ክልተ ኣብ ጉባኤ ግንባር ዓደቦ ካብ ዝነበሩ መስረትቲ ኣባላት ንሂወቶም ምስ ሰግኡ ንእለት ሱዳን ተሰዲዶምሲ፤ ብምኽንያት ስግኣት ንሂወቶም ኣይ ወርሒ ኣይ ክልተ ወርሒ ብመራኹሶም ንምድረ በዳ ሰሃራ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ኣትዮም እንተበልናስ ንእመን‘ዶ‘ኾን? አረ ገና! እቲ ሓደ ስንኩል በዓል ምርኩስ ንርእሱ እሩሩ ክበሃል ዝግበኦ፤ ጓል ክልተ ወርሒ ሕጻን ሓዚሉ እሩሩ-እሩሩ! እናበለ ኢዩ ተሰዲዱ ኢልና እንተነገርና‘ኸ ጽውጽዋይ‘ዶ ይመስል ሓቂ? እሞ ኣብዚ ዕድመ‘ዝን ምስ ስንክልናን ንምንታይ ስደት? ክንዲ ምባል፡ ብዛዕባኦም ከክንድኡ ዘረባኸ እንታይ ኣምጸኦ? መስዋእትን ስንክልናን ግንባር ሲና እናረኣና ምጽቃጥከ ዘይስንኻዶኾን ሑጻ ይቑርጠመሉ ኮይኑ?

ምስጢር'ተን መረዃዅስ እምበኣር ከምቲ “ስራሕ ስኢኖም“ ኢሎም ዝሓምዩ ‘ህጣራታት‘ ዘይኮነስ ኣዝዩ ንጹር መልእኽቲ ኢዩ ዘለወን። ካብ ነብሰ-ምንፍፋሕ ኮነ ምንእኣስ ሓራ ብዝኾነ መልክዑ ምስኩሎም ተቓለስቲ ስምረት ዓሊመን፡ ኣብ ክንዲ ታሪኽ ጥራይ ምትራኽ፡ ክንዲ “እነሀልኩም ዛንታ ጽሒፈልኩም ኣንብቡኒ“ ጥራይ ምባል፡“ ኣጆኹም መንእሰያትን ኩሉኹም ተቓለስትን! ኣነ ከኣ ምሳኹም እነኹ‘ሞ ውረሱኒ። ውረሱ ታሪኽ፡ ውረሱ ሃገራውነትን ጀግንትን። “ ንምባል ዝዓለመ ተሳትፎ ኢዩ።

ውርሻ ስለ ቅርሲ ጥራይ ኣይኮነን። ክንደይ ውሃ ዘበሉ ተጋዸልቲ ነበር ምዕሩጋት መዃንንቲ ብሓቂ ምስ‘ቲ ኩሉ ግዳይ ከምዘይወዓሉ ክሸማቶኹን ክሽማቐቚን ተራእዮም ኢዮም‘ሞ ከምቲ ቀደም ሕጂ‘ውን መንፊት ከምተድሊ ኩልና ዘቲናላ ኣለና። መን ይፈልጥ፡ ካላሽን ዓጢቑ ዝሃድም ዓርኪ ስዉእ ቆራጽ እግሪ እንተኣልዩስ ብዓንተቦኡ ምንፋዩ እንታይ ከይብል!

መንእሰይ ኤርትራ መቸም ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ከይተሰማምዐን ከይተፈላለየን ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ከምዘቑጸረ ንፈልጥ ኢና። ሎሚ ሎሚ ግና ሳላ ግዜን ተረኽትን ምስጢር ዝበሃል ነገር የለን። እዛ ኩነታት ሃገርና እምበኣር ኩልና ነስተውዕለላ ኣለና። በሉ ምስረታ‘ዚ ግምባር‘ዚ ግድነታዊ ከምዝኾነ ጥራይ ምብራህ ይኣክል። ብዝኾነ ተኣምር ከኣ ከም መራግእቲ ደምበ ተቓውሞ መጠን ምስኩሉ ወዲ ሃገር ሓቢሩ ክሰርሕ እንተዘይኮይኑ መተካእታ ናይ ውድባት ኮነ መንእሰያት ክኸውን  ዝዓለመ ኣይኮነን።

ንሱስ ንመንእሰያት ኮነ ንኩሎም ንያቶም ዘየዕረቡ ተቓለስቲ ከምመሰጋገሪ ድልድል ኮይኑ ክምርሽ፡ ኩሉ ዘዘርከበ ድማ ብረትን ቅርስን ዓበይቲ ከልዕልን ክወርስን ኢዩ ምንዮትና። እንቛቑሖ ቀስ ብቀስ ብእግሩ ከምዝኸይድ መጠን፡ ናይ ሎሚ ጀማሪ ናይ ጽባሕ ሰጋሪ ግንባር ሃገርና ከኣ ጽባሕ እቲ ዝብጻሕ ክበጽሖ ምዃኑ እናተኣማመነ፡ ከምቲ እዚ ጉባኤ ካብ ዝሕሰብ ክሳብ ብዓወት ዝዛዘም ዓቢ ተወፋይነት ኩሉ ዜጋ ዝነበረ፤ ሎሚ‘ውን ንፍጹም ዓወት ኩሉ ኤርትራዊ ክስዕቦን ክዓስሎን ንላቦ። በዚ ኣጋጣሚ‘ዚ ታሪኻዊ ጉባኤ ግንባር ዓደቦ ንምምዕራግ ብኣካል ዝተሳተፉን ብተለፎን ዘተባብዑናን ኩሉ ዓይነት ኣበርክቶ ዝገበሩን ኣሕዋትን ኣሓትን ብልቢ ነመስግኖም።

ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ነቲ ብደምበ ኣለና ኪካየድ ዝጸንሐ ትልሚ ንሓርነት፣ ግብራዊ ቅናት ንምትሓዝ ናብ ስራሕ ተበጊሱ ኣሎ። ካብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ናብ ባይታ ወሪዱ ዓቕሙ ብዘፍቅደሉ መሰረት ምስ ግብሪ ክጠማጠም ኢዩ። ሓገዝኩምን ሞራልኩምን ኣይፈለየና።

ኣብ መደምደምታ ከይገለጽናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ፣ ነዚ ጉባኤ‘ዚ ንምዕንቃፍ ብወገን ናይ ቀትሪን ናይ ለይቲን ህግደፍ ክግበር ዝጸንሐ ዕንቅፋት ኢዩ። ኩሉ ነዚ ጉባኤ እዚ ንምስንኻል ዝተተኽለ ግሁድን ስዉርን ኳዂቶታት፣ በቲ ክምህ ዘይብል ባህጊ ንሓርነት መኺኑ ተሪፉ ኣሎ።

ስዉኣትና ብመብጽዓና ንሓርነት ይደበሱ!

ዓውቴና ሸክ ኣለቡ!

ሽማግለ ዜናን ባህልን ግንባር ዓደ‘ቦ።

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...