ስርዓት ደርግ፣ ያእ! ስርዓት ህግደፍ ዝብል ኣፍ’ዩ። ግን ከኣ ከምቲ ‘ኣይንሕሾ ኣይንሓምቆ’ ዝበሃል ተረካብ ዘረባ፤ መንግስቲ ህግደፍ እውን ካብ ስርዓት ደርግ ኣይሓይሽ፣ ኣይሓምቕ፤ እንተበልኩ ዘይጠዓሰሉ ቃለይ ኢዩ። በቲ ዝኸፈልናዮ ረዚን ዋጋ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሉኣላዊት ሃገር ብምፍጣራ እቲ እንሕበነሉ ሓቂ ክኸውን እንከሎ፤ ዝተበላሸወን ኣዕናዊን ስርዓት ኣብ ኤርትራ ብምትካሉ ግን ኣዚና ንሓዝን።

ኣብ ኣስመራ ሓንቲ ኣደ ኣብ ምዕዳል ረድኤት እኽሊ “ጓልኪ ኣብ ወጻኢ ሃገር ስለዘላትኪስ ረድኤት ኣይትወሃቢን ኢኺ” ምስ ተባህለት፤ “…ካባኹም ስርዓት ደርግ ይሓይሽ። ባጽዕ ተታሒዛ መሬት ቀውጢ ምስ ኮነት፣ መንግስቱ ሃይለማርያም ላምባን ረድኤትን ብነፈርቲ ገይሩ ካብ ዓሰብን ካብ ኣዲስ ኣበባን የምጽኣልና ነይሩ። ከምዚ ናትኩም  ስርናይን ዕስትኽ መሸላ ወዲ ዓከርን ዘይኮነስ፤ ፊኖን ፋፋን ተተጻዒኑ ይመጸና ነይሩ’ዩ። እወ  ደርግ ዘዕበዮም ደቅና ከኣ ከም ኣድጊ ጎዱፍ ናብ ሓመድ ሳዋ ተንገርግርዎም ኣለኹም። ብሓቂ ካባኹም ደርግ ይሓይሽ!” ኢላቶም ነበረት።

ሓደ ሓደ ግዜ ሓቂ ካብቶም ኳዕናናት ክራቫታ ዝወደዩ ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ካብቶም/ካብተን ልቕብቃብ ድርዕቶ ዝተኸድናን ዝተኸድኑን’ውን ትረኽባ ኢኻ። ዕድልና ኮይኑ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ንግዲን ወፍሪን፣ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ተክኖሎጂን ኮምፕዩተርን፤ ኣብ ክንዲ ትምህርቲን ምርምርን፣ ኣብ ክንዲ ታሪኽን ወለዶን ወግሐ ጸብሐ ኢሳይያስን ህግደፍን ንክንብል ተቐሲብና ኢና። ናብ ጉዳይ ጽሑፍና ደኣ ንኺድ ያ ኣኽዋንና፦

ክልተ ሕቶታት ኢየን። 1) ግንባር ዓደቦ ስለምንታይ? 2) ስም ዓደቦ’ኸ ስለምንታይ? መርዓ ቅድሚ ሕጸ ምኾነ’ዶ’ኾን? እንተዘጋጥም’ከ ከመይ’ኮን ምተኾማስዐ? ናብዚ መደምደምታ ጽሑፍ ከምጽኣኩም ስለዝደለኹ እየ’ሞ እስከ ንኺድ በሉ። ቅድሚ መእተዊን መዓልኩምን ናብ ጉዳይ ፖለቲካ ክኣቱ እየ’ሞ ኣይትሓዙለይ። ግን ከኣ ማይ ኣይሓለፎን’ሞ ሰላም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ደቂ ዓበይቲ! ‘ግንባር ዓደቦ ስለምንታይ?’ ‘ውድባት በዚሐን እናበልናስ ሎሚ ከኣ ካልእ ግንባር?’ ‘ስለምንታይ ምትእኽኻብ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር?’ ‘ዝምድናኹም ምስ ባይቶ ከመይ ክኸውን ኢዩ?’ ‘ምስ ውድባትን ሰልፊታትን’ከ?’ ወ.ዘ.ተ… ካብቶም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ክዝረቡ ዝቐነዩ ቃላት ኢዮም።

ሕቶታት መታን ከይርሳዕ ቅድሚ ዝርዝር ትንታኔ ናብኣተን ጋእ ክብል መሪጸ። ካልእ ምስጢር የለን! ምምስራት ግንባር ዓደቦ ምስ ብዙሕ መሸከላቱ ዘይስገር እዋናዊ ውራይ ደቂ ኤርትራ ስለዝኾነ ጥራይ ኢዩ ቆይሙ። ውድባት በዚሐን’ዶ! እሂናይ ደኣ’ኸ ሓሽከት’ምበር። ከም ብዝሐን’ከ ሰሪሐን’ዶ ክብል ምደፈርኩ። ምምስራት ግንባር ዓደቦ ምትእኽኻብ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ኣይኮነን። ግንባር ዓደቦ ክቡር ንብረት ኤርትራዊ ወለዶ ስለዝኾነ፤ ንዝኾነ ኤርትራዊ ሰብ ብዘይ ኣፈላላይ ክፉት ዝኾነ ግንባር ኢዩ። ዝምድና ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ምስ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከኣ ጨለ ዝምድና ክንገብር ክንጽዕር ኢና። እዚ ግንባር’ዚ ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2012 ንደሓር ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ባይቶ ኣጽሊሉ ብመምርሒታት ባይቶ ንክሰርሕ ድሉው ኣሎ። ኣቐዲመ ግን ነቶም/ ነተን ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝተቓለሱን ዝተቓለሳን ጀጋኑ ኤርትራውያን አመስግን። ሞጎስን ክብሪን ከኣ ይብጽሓዮም።

ኣብዚ ዝምድና ውድባት ኤርትራ ከም ኣሳትያ ኣኽላባት ጨርባሕባሕ ኮይኑሉ ዘሎ ግዜ፤ ምስ ካልኦት ውድባት ብሓባር ምስራሕ’ውን ካብ ቀንዲ ፖሊሲ ግንባር ዓደቦ ኢዩ። ከም ዝፍለጥ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብዘይካ ማሕበራት ሲቪክ፤ ኣስታት እንተበልናየን ይሓይሽ! ኣስታት 34 ፖለቲካውያን ውድባት ኣለዋ ይበሃል። ብዘይካ ገለ 4 ግብራውያን ተቓለስቲ ውድባት፣ ካልኦት ዳርጋ የለዋን። እዚ እቲ ፈቲና ጸሊእና ጎርዳዕ ከነብሎ ዝግበኣና ሓቂ’ዩ! ከምዚ ዝኣመሰለ ሓቂ ኣብ ዚዝረበሉ ግዜ ኣለርጂ /ቁጥዐ/ ዝገብረሎም ዜጋታትና ከም ዝህልዉ ንኣምን ኢና’ሞ፣ ምሕረት የውርድ። ምምስራት ግንባር ዓደቦ ካብ ጉዕዞ ተቓወምቲ ውድባት እኹል ተመኩሮ ኣጥርዩ ናብ ዝተወደበ ቃልሲ ዝብገስ ዘሎ ዲናሞ ኢዩ። ቀንዲ ሓጋዚን መሻርኽቲን ደምበ ተቓውሞ ደኣ’ምበር ፈላላዪ ወይ ጎዛዛዪ ግንባር ከኣ ኣይኮነን።

እዘን ፖለቲካውያን ውድባት ኣበይን ብከመይን ቆይመን? ኣባላተን በዓል መን’ዮም? መራሕተን’ከ? ቅርጺን ዕላማን እተን ውድባት ከመይ ይመስል? ቤት ጽሕፈተን፣ ኣድራሸአን፣ ተለፎነን ኣበይ ይርከብ? ከክንደይ ኣባላት’ከ ኣለዉወን? ኣስማተን መነመን ይበሃላ? ብሓቂ’ኸ ኣብ ባይታ ኣለዋ ዲየን? ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ እንታይ ኣበርክቶ ነበረን? ንህዝቢ ዝገበርኦ ጎስጓስ’ከ ኣሎ’ዶ? ዘመሓላልፍኦ መልእኽቲ’ኸ? ሰዓብተን’ከ ኣበይ-ኣበይ ይርከቡ? ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ’ከ ብከመይ ይልለዩ? ወ.ዘ.ተ…

እህምምም! ስጋቦ’ይ ኢለ!! ኣነ ብወገነይ ኣይኮነን’ዶ ናይ 34 ውድባት፣ ናይ 10 ፖለቲካውያን ውድባት ዝርዝር ኣፍልጦ’ውን የብለይን። ብዙሓት ከምዚ ናተይ ኣፍልጦ ክህልዎም ከም ዝኽእል ከኣ እዋሓስ አግብእ ምበልኩ። ናይ ገለ ውሑዳት ውድባት ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣሎኒ። ሓንቲ ውድብ ብ5 ኣባላት ዝቖመት ከም ዘላ እፈልጥ’የ። ሰብኣይን ሰበይቲን ምስ 3 ደቆም ውድብ ተባሂሎም ተጸዊዖም ያኢ፤ ክሳብ ናብ ኢትዮጵያ’ውን ገይሾም ኢዮም። ካልኦት ሃሰስ እንተበልና’ውን ተመሳሳሊ ቅርጺን ብዝሕን ከም ዝህልወን ኣይጠራጠርን እየ።

እዚ ምስ ምንታይ ኢዩ ክቑጸር? ህዝቢ ኤርትራ ጉልሓይ ከም ዝኣተወን መጓሰ እናሃለቐ ከምዚ ዓይነት ጸወታ’ኸ እንታይ ስም ኢዩ ክወጾ? ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ጉዚ፣ ንሕና እቶም ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ብንእሽቶ ዓቕምና ህዝቢ ንምብርባር ክንነጥፍ ዝጸናሕና ደምበ ኣለና ብደገን ብውሽጢን፤ ብዘይ ውሻል ኣበየነይተን ውድብ ክንኣቱ ንኽእል? ግንባር ከነቕውም ኢና ኢልና ኣብ ንጉስጉሰሉ ዝነበርና እዋን እውን “ኣይፋልኩምን፣ ንዑ ደኣ ብርኩታኹም ምሳና ጸንብሩ፤ ምሳና እተዉ! ተፈደሉ እነሆ ውድብ እነሆ ቃልሲ” ዝበለና ሰብ ወይ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይነበረን።

ሓደ ሓደ ግዜ ከምቲ ናይ ቀደም ደረፍቲ “ሓደው ሕማቕ ኮንካ ሰንቃር ሓምሊ፣ ሓደው ቀሺ ኮንካ ዓጣን ደብሪ፣ ሓደው ጅግና ኮንካ ተሳባሪ” ዝብልዎ ዝነበሩ ሰለስተ ምርጫታት’ኳ እንተሎ፤ ኣብ ቅድሜና ዝተገተራ ግን ክልተ ምርጫታት ጥራይ ኢየን ዝነበራ። ግብራዊ፣ ዝሰርሕን ህዝቢ ወዲቡ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝምክት ግንባር ምምስራት ወይ ከኣ ጸግዕኻ ሒዝካ ካብ ርሱን መጋርያ ቃልሲ ምእላይ። ስለ ዘለና ሕድሪ ሰማእታት፣ ስለ’ዚ ዝሃልቕ ዘሎ ህዝቢ፣ ስለ’ዚ ዝሕረድ ዘሎ መንእሰይ ግንባር ዓደቦ ምምስራት ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ ኢዩ ኮይኑና። ግንባር ዓደቦ ኣብ መስራቲ ጉባኤ ካስል-ጀርመን፣ 19 ማእከላይ ሽማግለ፣ ካብ ውሽጦም ከኣ 11 ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ፤ 9 ኣገደስቲ ናይ ስራሕ ሽማግለታት መሪጹ ግቡእ ቅርጺን መልክዕን ሒዙ ዝወጸ ግንባር ኢዩ።

እዚ ግንባር’ዚ ናይ ስምረት ኣርኣያ ንክኸውን ብሙሉእ ዓቕምና ክንቃለሰሉ ኢና። ዱሮ’ኳ ምስ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲን ፍትሒን ኤርትራ /EMDJ/ ኣፈናዊ ናይ ስምረት ኣዋጅ ወጺኡ ኣሎ። ራእይ ዘለዎ መሪሕ ኣካል እንተሎ ድማ ሃየ ተፈደል ነዛ ተዳልያ ዘላ ባቡር መሪሕካ ናብ ወደብ ሓርነት ኣብጻሓና ንብል ኣሎና።

ኣብ ዘመናዊት ኤርትራ፣ ኤርትራዊ ዜግነት ብትውልዲን ብፍቓድን ቅቡል ኢዩ። ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ምስ እነንብብ፣ ኣብዛ ሎሚ ኤርትራ ተባሂላ ትጽዋዕ ዘላ ሃገርና ዘሎ ህዝቢ መበቆል ኣመጻጽእኡ ብንጹር ተተሪኹ ኣሎ። እዚ ታሪኽ’ዚ ከኣ ንዓና ነዞም ሎሚ ዘለና ወለዶ ዓቢ ሓበንን ሃብቲን ኢዩ። ስለዚ ኤርትራ ንኩላቶም ብትውልዲን ፍቓድን ኤርትራዊ መንነት ዝሃበቶም ሰባት፣ ዓደቦኦም ኢያ።

ዓደቦ፣ ነቶም ጎቦ-ጨረ ገዛእቲ ኤርትራ ኢሳይያስን የማነ ማንከይን ግን ዕረ መልእኽቲ ኢያ። ብልክዕ ንምዝራብ፣ ኣብቶም ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ላዕልዎት መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ንጹር እንዳቦን እንዳኖን ዘለዎ እንኮ ሰብ ሓጎስ ገብረሂወት /ክሻ/ ጥራይ ኢዩ። ብመንነቱ ክሕበን ድማ ይግበኦ። ጸገም ኢሳይያስ ኣፈወርቂን የማነ ገብረኣብን ድማ ተመሳሳሊ ኢዩ። ስለዚ ሓቆም ኢዮም ካብ ምጅማር 80ታት ብዓቢ ምስጢር ተኣሳሲሮም ክጻብኡና። ሕጂ ግን ናይ ምሕጓም ሰዓቶም ኣኺሉ ስለዘሎ፣ ክሕጎሙ ኢዮም። ‘ተሓጓማይ እንከሎስ ተሓዝ ቀርኒ ይጠርጥ’ ከም ዝበሃል፤ ወይልኹም ኣንቱም ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ንምንዋሕ ዘጣቓዕኩምን ኣብ ዳስ ዲያብሎስ ዘኹደድኩምን፣ ተሓዝቲ ቀርኒ ንምዃን ተዳለዉ።

ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ዓዓደቡኡ ጤሳ ኣለዎ። ይሕመቕ ይንፋዕ ከኣ ኣግነት፣ ኣጉዶ፣ ህድሞ ወይ መረባዓት ዘይሰርሐ ዳርጋ የለን። ኢሳይይስ ኣፈወርቂ ኣብ ጸሎት እንዳ ኣቡኡ ዝነበረ ዑና ኣሎ። ኣብ ቀሓውታ ድማ 500 ትርብዒት ሜተር መሬት ተዓዲሉ ኢዩ። ብዙሓት ሰባት “ዑናኹም ስርሕዎ፣ መሬትኩም ህነጽዎ” ኢሎሞም ኢዮም። ክሳብ ሎሚ ግን ሓደ ቪያጆ እምኒ’ውን ኣየውደቑሉን። እቲ ምንታይ ኣብ ልቢ ኢሳይያስ ዝጭንጓዕ  ደም ጉራምይለ ስለ ዝኾነ።

ሓንቲ ተጋዳሊት ኣብ ጸሎት ናይ ህዝቢ ኣኼባ ብድሕሪ ምውዳኣ ንሓደ ነባሪ’ቲ ዓዲ “ኣንቱም ኣቦ! ኣይመግቢ ኣይማይ ብጥሜት ወዲእኩምና’ኮ ውዒልኩም። እዚ ዓዲ’ዚ ዓዲ ኢሳይያስ’ዶ ኣይኮነን?” ምስ በለቶም ብዘይካ “ትብሊ’ለኺ!” ካልእ ኣይተዛረቡን። ስለዚ ተንስእ ወዲ ኤርትራ፣ ዝተሓጎምካዮ ዓመታት ይኣክል! ንጸላእትኻ ሕጎም!!

ካብ ሎሚ ንደሓር ቀጨውጨው ዝበሎ ቀጨውጨው ይበሎ’ምበር  ብዛዕባ ዓደቦናን መንነት እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ቁንጣሮ ጎቦ-ጨረን ክንዛረብ ኢና። ጉዳይ ዓደቦ ምእንቲ ከይለዓል ንነዊሕ ዓመታት “…ትውልዲ ዓዲ ኣይትጥቀሱ” ይብሉና ነይሮም ኢዮም። ‘ዓሻ በጊዕ ምስ ተኹል ዕርክነት!’ ክንደይ ግዜ’ሎ ዕሽነት! ንሕና’ዞም ትማሊ ብስም ደምበ ኣለና እንፍለጥ ዜጋታት ሎሚ ሓደ መድረኽ ተሳጊርና ኣሎና። ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ዝብል ምንቅስቓስ ከኣ መስሪትና። ስለምንታይ ናብ ዳግማይ መጋርያ ቃልሲ? ስለምንታይ ከቢድ ድኻምን ክሳራ ገንዘን? ዕረፍቲ’ዶ መድለየና፣ ዑደት ናብቲ ብተለቪዥን ጥራይ እንርእዮ ለምለም ቦታን ምፍሳህ ናብ ፈለግ ኒያጋራን እንታይ’ኮን ምበለና! ምስ ደቂናን ኣንስቲናን ምዝንጋዕ’ዶ ኣይምሓሸናን ኣንቱም ህዝቢ?

ግን ከም ሰኸምኩም ረዚን ሰኸም፣ ከም ጉዳይኩም’ውን ዓቢ ጉዳይ ኣሎና። ጉዳይና ከኣ ከም ጉዳይኩም ጉዳይ ህዝቢን ሃገርን ኢዩ። ጉዳይና ጉዳይ ሕድሪ እቶም ‘ኣነ ክስዋእ ንስኻ ጽናሕ’ ኢሎም ስሌና ዝሓለፉ፣ ብቁንጣሮ ሓመድ ዝቐበርናዮምን ጀጋኑ ደቂ ኤርትራ ኢዩ። ከምቲ ‘ኣልስኩት ደሃብ’ ዝበሃል ምስላ ዓረብ፣ ትም ወርቂ ኢዩ’ሞ ትም ንምባል እውን ኣይምጸገመናን። ብዝያዳ’ኳ ደኣ ምኸኣልናዮ።

ሕልናና ንዝፈርዶ ውሳኔ ክሒድና ከም ብዙሓት ዜጋታት ናብ ትምህርቲን ምእራይ ዶላራትን ምኻድ’ውን ምቐለለና። ከም ኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይ 70ታት ኣብ ውልዶ ዕድመና ኣብ ታሪኽና ስለ ህዝቢ ን20ን ን25ን ዓመታት ኣብ በረኻታት ከርቲትና’ምበር ባንዴራ ሃገር ኣየውረድናን። ኣቦናን ኣቦ-ሓጎናን ድማ ቀሺን ሸኽን ኣይቀተሉን። እንታይ ምስ ገደሰና ደኣ ኢና ብደገን ብውሽጢን ንሂወትና ፈታኒ ዝኾነ ርሱን ቃልሲ ከነካይድ ዝመረጽና? እቲ መልሲ ዓደቦና ስለዝተዘምተ፣ ክሳብ ንጣብ ረሃጽናን ደምናን ዓደቦና ንምምላስ ክንቃለስ ሰናይ ፍቓድና ስለዝኾነ ጥራይ ኢይ።

ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዘዘለናዮ ሃገር’ውን ኣብ እምነትን ሕድሪን ዋጋ ዕዳጋ የለን። ንሕና እቶም ሰብ ሕድሪ “ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ” ብዝብል መጸውዒ፣ ንዘይኤርትራዊ ግንባር ህግደፍ ንምዕናው ኣሃዱ ኢልና ንብገስ ኣሎና። ጉዕዞና ይንዋሕ ይሕጸር፣ ይጥዓም ይምረር ብዘየገድስ  ክሳብ ሞት ክናና ሞት ኢሳይያስ፤ ህግደፍ ድማ ከምታ ብጸድፊ ‘ኣደይ ቅበጽኒ’ ዝጸደፈት መኪና ጥልያን ከረውረው ኢላ ክሳብ ትጸድፍ፤ ካብ ጽኑዕ ህዝባዊ ዕላማና ድሕር ምባል የለን።

ደምበ ኣለና ካብቲ መጻኢ ዕድል ወለዶታት ንምጽልማት ስርዓት ህግደፍ ዝዘርግሖ ስዉር ደበንገረ፤ ካብቲ ንሃገርና ኤርትራ ንምብትታን ብድሕሪ መጋረጃ ዝተጻወደ ምቁር መርዚ፤ ካብ ዓመተ 2003 ንደሓር ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዓቢ ምስጢራዊ ኣገባብ ተወዲቡ ዝሰርሕ ዝነበረን ዘሎን ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ብዝብል መጸውዒ ድማ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ንምውዳብ ተበጊሱ ኣሎ

ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘርኢ ክርዳድ ቋጺሩን ብምኽሪ ባዕዳውያን ሰልጢኑን ኤርትራውያን ንምጽናት ኣንጊሁ ዝተበገሰ ሰብ መሰል ተኹላ ኢዩእዚ ሓቂ እዚ ብዙሕ ግዜ ብተደጋጋሚ ተጻሒፉን ተባሂሉን ኢዩወላ’ኳ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እቲ ሓቂ ካብ ተደጒሉዎ ዝነበረ ሓሙኽሽቲ እናወጸ ይገሃድ እንተነበረ: ገና ዘይኣመኑን ፈሊጦም ዝጸመሙን እውን ኣይተሳእኑንቁርዲድሲ ኣለኹ እናበለ ምስ ቆርበት ይሽየጥ ከም ዝበሃል፤ እቶም ንሓቀኛ መንነት ኢሳይያስ ኣይንሰምዕ ኣይንርኢ ኢሎም ንሓንጎሎም ብመፍትሕ ዓጽዮም ኣእጋር ጥራይ ሒዞም ዘወን ዝብሉ ኤርትራውያን: ተንስኡ ተበራበሩ ማሕጎማ ሓዙ ክንብሎም ንደሊሕጂ እዋን ደርሆ-ነቆ: እዋን ከብዲ ኣድጊን ወጋሕታን ኮይኑ ኢዩእታ ዝተቐልቀለት ጸሓይ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ እነሃ በሪኻ ትረአ ኣላሞ፤ ኩሉ ኤርትራዊ ኣዒንቲ ናብዛ ተበሃጊት ቂሐ-ጽልሚ ጸሓይ ብራቕ የማዕዱ

እቶም ክሰምዑ ዝኽእሉ: ዕድል እንተረኺቦም ከኣ ኣድማዒ ተቓውሞ ክገብሩ ዝኽእሉ ኤርትራውያን ኣጥፊአዮም እየ ኢሉ ምስ ነብሱ ኣብ ዕጹው ገዛ ኮይኑ’ኳ እንተመሓለ፤ ህዝቢ ኣይጸንትን ኢዩእነና ድማ ሕነ እቶም ኣብ በረኻታት ሳሕል ዝተቐንጸሉ: ብድሕሪ ናጽነት እውን ካብ ምርሻን ስንኩላን ማይ-ሓባር ክሳብ 2001 .. በብሓደ እናተሳሕቡ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራ-ዒሮ ዝሓቐቑ ሕነ ንክንፈዲ ቀላጽምና ገቲርና ናብ ዳግማይ ቃልሲ ተበጊስና ኣሎና።

እነና ሕነ እቶም ኣብ ፈቐዶ ናይ ትሕቲ መሬት ኣብያተ ማእሰርቲን ኮንተይነራትን ብሰንኪ ሃገራውነቶ: ሃይማኖታዊ እምነቶምን ዘይክማህ ተቓውሞኦምን ዝሳቐዩ ዘለዉ፤ ብዘይካ ኤርትራውነት ካልእ ገበን ዘይብሎም በብመዓልቱ ዝርሸኑን ኣብ ዘይፈልጥዎ ባሕሪ ቀለብ ዓሳታት: ኣብ ምድረ-በዳ ሲናይ ከኣ መጻወቲ በደው ዝኾኑ ንጹሃት ደቀባት ኣብ ክንዲ ዘኾለሰ ኢዱ ዝተነኽሰ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ ሕነ ንክንፈዲ ገጽና ኣዕቲብና ተበጊስና ኣሎናምስታ ሓርነት ንከተምጽእ ናብ ሰናይ ጉዕዞ ነቒላ ዘላ መርከብ ህዝቢ ኤርትራ ደይብና ከኣ: ምስ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ብሓበራ ምስ ኣቦ ኣንበሳን ኣደ ዋዕሮን ገዓት ጠስሚ ከም እንድረር ምንም ጥርጥር የብልናን። መሰረታዊ ዕላማ ግንባር ዓደቦ፣ ሓርነትን ዲሞክራሲን ኣብ ናሕሲታት ኤርትራ ንምንብልባልን ንምንጋስን ኢዩ

ዓውቴና ሸክ ኣለቡ!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!

ተፈጸመ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...