አብ ዝሐለፈ ናይ‘ዚ መልእኽቲ አብ ሐሙሻይ ናይ ሕቡራት መንግሥታት አጠቓላሊ ጉባኤ ብደምጺ ብዝሒ ኤርትራ ብፈደረሽን አብ ትሕቲ ዘውዲ ኢትዮጵያ ክትጽምበር ከም ዝተወሰነን፣ ከም ናይ መንግሥቲ ኢራቕ ይኹኑ፣ ናይ ኤርትራ ናይ አስላም ሊግ መራሒ ዝንብሩን፡ በቲ ነፍሰ-ሔረ ክቡር አኽሊሉ ሐብተወልድ ናይ ኢትዮጵያ ልኡኽ ዝነበሩ፣ ብዘስምዕዎ መደረን ብዝሃብዎ መተኣማመኒ ቓላት ከምዝዓግቡን አንቢብና ሐሊፍና ኢና።

ሕጂ ኸኣ አብ ዐዲ ዝነብረ ህዝቢ ብኸመይ ከም ዝተቐበሎ ናይ ታሪኽ ማህደራት እንታይ አጽኒሖሙልና እስኪ ንርኤ።

ካብ ዝሐለፉ ናዚ ክፋል ጽሑፋተይ እቶም ናይ‘ቲ ግዜ አብቲ ፖለቲካ ተዋሳእቲ ዝበሩ ዋላ ሐደ ሰብ‘ኳ ይኹን ፈደረሽን እንታይ ማልት ከምዝኾነ ዝፈልጥ ከምዘይነብረ ካብ ክሳብ ዘበነ ደርጊ ብሒወት ካባ ዘነበሩ አቦታት ተዛሪቦም ከም ዝሐለፉን፣ ከምኡ‘ውን ካብ „ዛንታ ኤርትራ!“ ብንፍሰ-ሕር  ፊት. ሚኪእል ሐሰማ ራካ!“ ሐድጊ ገዲፎሙልና ካብ ዝሐለፉ ታሪካዊ መጽሓፎም ደግለል ጀላን አልሑሴን ናይ በኒዓምር ጠቕላሊ ሹም ኤርትራ ካብ ሙቐቀራጽ ምሰ አሕዋትና ክርስቲያን ሐቢርና አብ ኢትዮጵያ ምእታው ይሕሸና፣“ ብማለት ምስ ሱሳ ሽሕ (60.000) ሰዓብቶም  አብ ማሕበር ፍቕሪ ሀገር አንድነት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝአተው!“ ነቶም ብ2 ሕዳር1947 ዓ.ም. አብ አሥመራ አትዮም ክሳብ 3 ጥሪ 1948 ዓ.ም. ዝነበረት መርማሪት ኮምሽን ከምዘፍለጡ፤ መዝጊቦምልና ክሐልፉ ኸለው፤ በቲ ሐደ ሸነኽ ከኣ አብ „አይንፈላለ!“ ዝትባህለ መጽሓፍ ብአቶ አለምሰገድ ዝተጻሕፈ፤ „እዚ ግን መሰረት ዘይነበሮ ምዃኑ ሸኽ ኢብራሂም ምሰናይ መረዳእትኡ አቕረቡ።“ ብምባል አሉታዊ አቕሪቦሙሉ አለው።

እዚ ኸኣ „አርሓ አብ ዝጠፍኣሉ ደምበ፣ አረጊት ተስታይ ይዕንደረሉ፣ (ይንቅወሉ)።“ ኢዩ ዝኸውን።

ሰለዚ እዚ ልዕል ኢሉ ዝትጠቕሰ መዘኻኸሪ ከይረሳዕና‘ምበኣር እስከ አብ „አይንፋላለ! 1941-1950፣ ብአለምሰገድ ተስፋይ!“ ብዛዕባ‘ዚ አብ ዝጸሓፍዎ መጽሓፎም ንተዓዘብ፤ „ፈደረሽን ከም ሐሳብ አብ ኤርትራ ሐድሽ አይነበረን። ብ1946 አብ ዋዕላ ቤት ጌርጊስ ንኽዝረበሉ ተሐሲቡ ዝነበረ „ሕብረት ብውዕል“ ፈደረሽን‘ኳ አይበሃል እምበር ሐደ ተምሳሉ ነብረ።“ “ነፍሰ-ሔር ዘውዴ ረታ !“ ብዛኢባ‘ዚ አብቲ አብ ታሕቲ ስም መጽሓፎም ተጻሒፉ ዘሎ ከም ዘቐመጥዎ ከም‘ዚ ዝስዕብ ይብል፤ „ናይ ፈደረሽን ሥርዓትን ትርጉምን ግብሩን ብትኽክል ተብራህሪሁ (ግልጽልጽ) ኢሉ አብ ዘይፍለጠሉ ዐለም፤  ሕቡራት መንግሥታት ዝሀብዎ ውሳኔ ንምኽባር ቃል አቲኻ ካበ መቕባል ሐሊፉ፣ ቐዳማዊ ሐይል-ሥላሴን መንግሥቶምን ካልእ ምርጫ አይነበሮምን።“ ስለዚ አቶ አለምሰገድ እንታይ ታሪኽ ሰኒዶም ክሐልፉ ከም ዘደለዩ እንድዒ! „ውሐጥዮ እነተበልክዋስ ትጎሰመሉ!“ ከምዝባሃል ኢዩ‘ሞ ሕጅስ ብአና ዝሐለፈ ይኣከል እናበልኩ!! ንአንበብቲ ንናይ ሕልና ፍርዲ ገዲፈዮ አለኹ።

ብምቕጻል „ብመነጽር ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ብሙሉኡ ምሰ እንሪእዮ፡ ፈደረሽን ዝሐተተ ሚዛን ዝነበሮ ክፋል አይነበረን። በፍላይ ድሕሪ ፍሽለት ውጥን በቪን ስፎረተሳ፡ ሐይሊ ማሕበር ሕብርት ብሩኡይ ተጓዲሉ ሰለዝነበረ፡ በዝወሓደ ካብ 70-75 ሚእታዊት ሀዝቢ ኤርትራ ናጽንት ከም ዝመርጽ ከም ቅቡል ተወሲዱ ነይሩ ኢዩ።“ ዘገርም ኢዩ! ክንድዚ ዝኣክል ምእታዊት ንናጽንት ዝሐተተ እንተደኣ ኾይኑ? ንአንድንት ምስ ኢትዮጵያ ዝሐተተ ደኣ ክንደይ ሚእታዊት ኢዩ ዝነበረ? ህዝቢ ኤርትራኸ አብቲ ግዜ‘ቲ ክንደይ ነበረ? ጻዕቂ ተቐማጦ ህዝቢ ዝነብሮ አየናይ ክፍሊ ሀገርና ኢዩ? እሱኸ እንታይ ኢዩ ዝሐትት ዝነበረ? እቲ ንዐና ዘዕበደ ዛንታ ጽውጽዋይ አባና የኽትም ሐደራ!! ንደቕናስ እባ ዝወሓጥ ሐቂ ታሪኽ ነታሓላልፈሎም!! ብዝተረፈ ፍርዱ ንአንበብቲ ገዲፈዮ አለኹ።

ካብዚ ንመረዳእታ አብዚ ገቲኤ፣ እስኪ በቲ ሐደ ሸነኽ‘ኣ ንትዕዝበቲ ዝኣክል ንከታተል፤ „ካብ ኩሉ ብዝበለጸ ንንጉሠ ነገሥት ዘተሓሳሰቦም፣ ኤርትራ ናብ አዲኣ ዝኾነት ሀገረ ኢትዮጵያ እትምለስ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኹነት ዘለዎ ውዕል ዘይብሉ ኢዩ፣ ኢሎም ንብዙሕ ዓመታት ዝቃለሱ ዝነበሩ ኤርትራውያን እቶም ማሕበር ፍቕሪ ሀገር ዝኾኑ ማሕበር አንድነት፣ ዝተዋህበ ፍርዲ ዝጠቕመና‘ምበር ዝጎድኣና ከምዘይኮነ ተረዲኦም በጽቡቕ መንፈስ በደስታ ንኽቕበልዎ ናይ ምግባር ኢዩ። ቀዳማዊ ሐይለ-ሥላሴ ብዘለዎም አኽብሮትን ተፈቃርነትን ከምኡ‘ውን ተፈራሕነትን ሐይሊ፣ ናይ ፈደረሽን ውሳኔ ተቐቢልናዮ አክንዲ ምባል፣ አይተቐበልናዮን እንተ ዝበሉ ነይሮም፣ እቶም ናይ ሕብረት ወገን በሕርቃንን በስጭትን ተለዓዒሎም ንህዝቢ ብምልዓል፣ ምስ መን ከምዝዋግኡ ብትኽክል‘ኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ንውግእ ንድሕሪት አይምበሉን ነበሩ።

„ ስለዚ መፍትሒ ፈደረሽን ከምዝጸድቕ ንጉሠ ነገሥት ቀዲሞም ይፈልጡ ስለዝነበሩ፣ ነቶም ናይ ማሕበር ፍቕሪ ሀገር ዘለው ቀንዲ ቀንዲ መሪሒነት በቕድሚያ ክፈልጥዎ ብማለት ካብ ዝአምንዎም ሐደ ዝኾኑ ንአስፍሃ ወልደሚካኤል ንኸረድእዎም ብምባል ንኤርትራ ሊኢኾምዎም ስለዝነበሩ፣ ናይ ኒው ዮርክ ናይ መጨረሻ ውሳኔ አብ አሥመራ ምስ ተሰምዔ ከምዝተፈርሖ አይኮነን። እርግጽ‘ዩ ወገን ሕብርት ዝኾኑ፣ ዝሐተትናዮ ተማሊኡ አይተበየነልናን በማለት ቅሬታ‘ኳ ከምዝተሰምዖም እንተዘይሓብኡዎ፣ ናይ ንጉሠ ነገሥት ዋና መምርሒ ትእዛዝ ብኽብሪ ተቐቢሎም፣ በቲ ዝተወሰነ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ሐጎሱ ኽገልጽ ከምዘለዎ ካብ ምግባር ንድሕሪት አይበሉን። እቶም ዝተፈልጡ ምራሕቲ  አንድነት ማሕበር ፍቕሪ ሀገር፣ ራእሲ ኪዳነማርያም ገብረመስቀል፣ ደጃዛማች በየነ በራኺን፣ አቶ ተድላ ባይሩን፣ ንቐዳማዊ ሐይለ-ሥላሴ ብአስፍሃ አቢሎም ብዘቕረብዎ ፍሉይ መልእኽቲ፣ ዝገለጽዎ አስተያየት ከምዚ ዝስዕብ ነበረ።

„ታሪኽን ትውሊድን ብሐሙሳ ዓመት ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ አይድምሰስን ኢዩ። ንሕና ኤርትራውያን ጥንቲ ኾነ ሕጂ፣ ጽባሕ‘ውን እነተኾነ ንመጻእን  ኢትዮጲውነትና ዝፍሕቆ የለን። እዚ ንናይ ሕቡራት መንግሥታት መርማሪ ኮምሽን፣ ከምኡ‘ውን ቀድሚኡ ነቶም ናይ አርብዕተ ሐያላት መንግሥታተ ልኡኻን አረዲእናዮም ኢና። ነሳቶም‘ውን ንዝገለጽናዮ ሐሳብን ንዘርኣናዮ መንፈስ መሰኻኽርና ኢዮም። እንተኾነ ግን ናይ መጨረሻ ፍርዶም ከም ዝተነግረና፣ ካብቲ ዝገለጽናዮ ሓሳብ ይኹን ምስ ናይ ልባዊ ስምዒትና ምልኡ በምሉኡ አይተደመጸልናን። ናይ ዓለም ዐበይቲ ዝበሃሉን ናይ ዓለም ማሕበር ዳኛታት ኮይኖም ዝተሰየሙን፣ ዝሠርሕዎ ኩሉ ናይ ዳኝነት ነገር ከምዘይኮነ፣ በዝግባእ ተመልኪትናን ተዐዚብናን ከኣ።

„ንሕና ኤርትራውያን ብታርኽና ይኹን፣ ብዘርእናን ብባህልናን ንኢትዮጵያውነትና ሕቶ አየድልዮን ኢዩ ኢልና ከነረጋግጽ ከሎና፣ ኢትዮጵያውነትኩም ካብ ሐንሳብ ክልተሳዕ ከምርመር አለዎ ዝተባህለ ውሳኔ ተቐቢልና፣ ብዝግባእ አረዲእናን ብዝግባእ አረጋጊጽናን ሰምዔትና ገሊጽና ከሎና። ሕጂ ኸኣ ንሕና እንሓቶ አብ ትሕቲ ጽላል አዴና ዝኾነት ሀገርን አብ ትሕቲ ጽላል ንጉሠ ነገሥትና ምጥቕላል ኢዩ፣ ኢልና እንተ አመልከትና፤ አይኮነን ዋላ‘ኳ ምስ አዴኹም እንተኾንኩም በፍልይ ዝበለ ምሐደራ ምሕዳር ከድልየኩም ኢዩ ተባሂልና። እዚ ኹሉ ዝኾነ ኸኣ ብናይ ጸላእትና ተንኮል ሙኻኑ ደሐን ጌርና በጺሕናዮ ኢና። ብአና ብኤርትራውያን ዜጋኹም እምነትን ሐሳብን እንተዝኸውን ነይሩ፣ ንሀገርናን  ንሒወታ ዝጠቕማ ንምምራጽ፣ ካባና ካብ ደቃ ንላዕሊ ናይ ማንም ናይ ባዕዳዊ ሀገር ዳኛ አይንቕበልን ኢልና፣ ኩልና ንዘመቻ መምራሕና ነበርና። እንተኾነ ግን ናይ ግርማውነትኩም ሐላፍነት ንዐና ንእሙናት ዜጋኹም ጥራሕ ከይተወሰነ፣ እንኮላይ ንናይ ዓለም ሠላምን ድሕንነት ጭምር ስለዝኾነ፣ ንሕና እንኽተሎ ካባኹም ካብ እንፈትወኩም ንጉሠ ነገሥትናን ጎይታናን ዝወሃበና ትእዘዛ ደኣ‘ምበር ብናይ ገዛእ ርእስና ሰምዒት ክኸውን የብሉን ኢልና ወሲንና። ሕጂ‘ውን እነተኾነ ብልእኽኩም አቶ አስፍሃ፣ እቲ ጉዳይ ብዝርዝር ክንርድኦን ውሳኔ ከነኸብርን፣ ዝሀቡና ትእዛዝ ብዐቢ ሐጎስ ተቐቢልናዮ፣ ምስ አዴና ኢትዮጵያ ሐደ ኾንና ናይ ቅድም ቦታናን ታሪኽናን ምምላስና፣ ዘበስረልና ዐቢ በዐል ብዝለዓለ ናፍቖት ንጽበ አሎና።“

„የኤርትራ ጉዳይ! 1941-1953/ ብዘውዴ ረታ!“

እግዚኣቢሔር ተዛረበኒ። አታ ወዲ

ሰብ፡ ነዛ ብቐተልቲ ሰብ መሊኣ ዘላ ኸተማ

ክትፋረዳዶ ተዳሊኻ አሎኻ፣ እምበኣርከስ ነቲ

ዝገበረቶ ዜጸይፍ ዘበለ ኹሉ አፍልጣ። ነቲ አነ

ልዑል እግዚኣቢሔር ዝብሎ ዘለኹ ድማ ነታ ኸተማ

አፍልጣ፡“ ኸኣ በለኒ። „ካበ ሕዝብኺ

ብዙሓት ስለ ዝቐተልኪ፡ ነጣኦታት ብምስጋድ

ከኣ ገዛእ ርእስኺ ሰለ ዘርከስኪ፡ መዓልቲ

ጥፍኣትኪ ይመጽእ አሎ።“

ትን. ሕዝ፤ 22፤1-3፤

ካብ ሻም/ሐይለ-ሥላሴ ገብሩ፤

በሔረ ጀርመን፤

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...