ኣብዚ እሳተ-ጎመራ ኤርትራውያን መንእሰያት መመሊሱ ዝግንፍለሉ ዘሎ ናይ ተስፋ ግዜ፣ ከምኡ ድማ ንሕና ደምበ ኣለና ኣብ ዱሮ ምምስራት ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዘለናሉ ናይ ምሽብሻብ ህሞት፤ ስርዓት ህግደፍ ነታ ተሪፋቶ ዘሎ ሓጻር ትንፋስ ንምንዋሕ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ሰራዊትን መንግስታዊ ስርርዕን ብወዛ ክገብር ከም ዝጸንሐ ኩሉ ክዕዘቦ ዝጸንሐ ሓቂ ኢዩ።

ኢስይያስ ኣፈወርቂ ንዝጥርጥሮም ሓለፍቲ ካብ መዝንት ብምውራድን ብምድስካልን ንሓያሎይ ዓመታት ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ። እዚ ካብ ሜዳ ኣትሒዙ “ተኽሊጥ” ብዝብል ናይ ብወዛ ሜላ ክስርሓሉ ዝጸንሐ እከይ ኣገባብ፣ ክሳብ ሎሚ እውን ይጥቀመሉ ኣሎ። ‘ኣደስ ትሓብእ’ሞ ሓበላ ዓይኒ ነይትሓብእ’ ከም ዝበሃል፣ ገበነኛታት ከኣ ንድጉል ተቓውሞ ህዝብታት ከቶ ክሓብኡ ዝከኣል ኣይኮነን።

ገበነኛ ኢሳይያስ ተሪፋቶ ንዘላ ዕምሪ ደርሆ ዓርቢ ስቕለት፣ ንሒደት ግዜ ንምንዋሕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ታህዲድን ፈኸራን ዝተሓወሶ ጽዑቕ ኣኼባታት ከካይድ ብድሕሪ ምቕንዩ፣ ዓበይቲ ምቅይያር ገይሩ ኣሎ። በዚ መሰረት ንብሪጋደር ጀነራል ኣማኑኤል ሃንጀማ ኣደስኪሉ ቦትኡ ብሙሳ ራብዓ ተተኪኡ ኣሎ። ሙሳ ራብዓ ኣብ ግዜ ምዕዳል ሽመት ህግደፍ፣ ብሪጋደር ጀነራል ተዋሂቡ ዝነበረ፣ ቀጺሉ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ተባህለ ከኣ ካብ “ብ/ጀነራል” ናብ “ኣቶ” ዝብል መጸውዒ ዝወረደ ሰብ ኢዩ።

ሙሳ ምስ ጉጅለ 15 ፈሪሙ ነይሩስ፣ ተጣዒሰ ኢሉ ዝወስወሰ ሰብ ምንባሩ ይዝከር። ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣማሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ተባሂሉ ኣብ ባረንቱ ከም ዝነበረን ንሒደት ኣዋርሕ ደስኪሉ ብድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ሕጂ ሓድሽ መዝነት ተዋሂቡዎ ዘሎ ሰብ ኢዩ።

ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ድማ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስለያዊ ስራሓት ንጡፍ ልኡኽ ኢሳይያስ ዝነበረ ንኮሎኔል መልኣከ ገብረማርያም (ወዲ ፊተውራሪ) ኣብ ቦታ ብሪጋደር ጀነራል ፍጹም ገብረሂወት (ወዲ መምህር) ከም ምክትል ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ ገይሩ ሸይሙዎ ከም ዘሎ ተረጋጊጹ።

ብካልእ ሸነኽ፣ ተኽሊጥ ህግደፍ ንብሪጋደር ጀነራል ኢዮብ ሓሊባይ ፍሉይ መዝነት ብምሃብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ናይ ሓይልታት ምክልኻል ዋና ተቖጻጻሪ ሓይሊ ሰብ ኮይኑ ኣሎ። ኢዮብ ሓሊባይ ንሰራዊት ኣብ ምክትታልን ምምዳብን፣ ምድስካልን ምብዋዝን ፍሉይ መዝነት ክሕዝ ኢዩ።

እቲ ናይ ጉልሻ ምቅይያር ንተጋዳላይ ጊላይ ፎርኔሎ እውን በጺሕዎ ኢዩ። እቲ “መስሓቕ ንጉስ” ዝብል ሳጓ ዝነበሮ በዓል ቤታ ንወ/ሮ ኣስቴር ባህረ ጊላይ፣ ሓድሽ ማይ ዘይጠዓመ ናይ ኮሎኔል ማዕረግ ተዋሂቡ፣ ኣብ ምክትታል ዶባት ኣብ ትሕቲ ብሪጋደር ተኽለ ክፍላይ /ማንጁስ/ ናይ ሎጂስቲክ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ኣሎ።

ምንጪ፤ ደምበ ኣለና ብውሽጢ

ኣለና ብደገ ኣለና ብውሽጢ!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...