ንህጹጽ ስምረት ተቓወምቲ ውድባት ጆባእ!

መስራቲ ጉባኤ ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ክጋባእ ኢዩ። ኩላትና ኣብ ሓደ ደምበ ተጠርኒፍና ናብ ቅርዓት ዓደቦና ንእቶ። ነናብ ዓድና ምስ ኣቶና ድማ ንህዝቢ ኤርትራ “ኦ! ህዝበ-ኤርትራ!” ንበሎ። “…ኦ ህዝቢ ኤርትራ! ብሓለንጊ ውልቀ-ምልካዊ ኢሳይያስ ተገሪፍካ ኢኻ’ሞ ካብ ሎሚ ንደሓር ንዘመሓድሩኻ ሰባት ቆጽሊ ኣውዲቕካ ምረጽ” ኢልና እቲ ንመዋእል ዝጾሞ ሰብኣዊ መሰል ንክንህቦ ብልቢ ንሃቅን።

ንሕና ደምበ ተቓውሞ ሎሚ እንተዘሰሚርና ግን ኣይኮነን’ዶ ብሂወትና ንዓደቦና ክንኣቱ፣ ሬሳና ናብ ዓድና ክቕበር፣ ደቅና ከኣ ናብ መሬት ሃገሮም ክምርዓዉ ዝከኣል ኣይኮነን። ቅድሚ ‘ይኣክል’ ንህግደፍ ምጭራሕና፣ ደምበ ተቓውሞ’ውን ይኣክል ንምፍልላይ ክንብል ይግባእ። ስለ’ቲ ከም ዘርኢ ዳይናሶር ዝጸንት ዘሎ ኤርትራዊ ሰብ፣ ንምፍልላይ ሕጂ ንፈንፍኖ። ኣኽላባት ብሓንቲ ዓጽሚ ክበኣሱ ይጸንሑ’ሞ ድምጺ ዝብኢ ምስ ሰምዑ፣ ጉዳይ ነገሮም ገዲፎም ናይ ሓባር ጸላኢ ንምስጕጉ ይጎዩ። ንሕና’ኸ ካብ ዕስለ ኣኽላባት ብከመይ ኢና ንበልጽ? ነዚ ኣብ ገዛእ መሬት ዓደቦና መንነትና ዝርኩን፣ ህዝብና ዘበሳብስ፣ ንመንእሰያትና ዝበልዕ ዘሎ ዝብኢ ንስጎጎ’ዶ ንሓድሕድና ንበላላዕ?

ጸበባና ናይ ሰሙናት ወይ ናይ ኣዋርሕ ጉዳይ ክኸውን ይኽእል’ዩ! ንግንባር ህግደፍ፣ ብግንባር ዓደቦ ከም እነዕንዎ ግን ንተእእማመን ኢና። ደምበ ኣለና ብደገን ብውሽጢን ንግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ የቕውም ኣሎ። ዓደቦ፣ ምስ ደም ልብና ዝጭንጓዕ ፍንጫሕ መሰንገለና ኢዩ። ደጊም! ዝተረፈና ሓጺር መንገዲ’ኳ እንተሎ፣ ካብ ኩርኳሕ መንገዲ ‘ገበይ ኣለቡ’ ናብ ጽርግያ ሃይወይ ገጽና ንኸይድ ከም ዘለና ንኣምን።

ራእይ ኣሎና’ሞ ጽናዕ ከይትምናዕ ወዲ ኤርትራ! ኣንቲ ዋዕሮ ወላዲት ጀጋኑ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ጽንዒ ከይትምንዒ!! እወ ክሳብ ናይ መወዳእታ ነጠብጣብ ርሃጽናን ደምናን ብዘይ ምሕላል ስለ መሬት ዓደቦና፤ ስለ’ታ ን21 ዓመታት ዝተወለፍናያ ፍትሒ፣ ክንቃለስን ብርግጽ ክንዕወትን ኢና። ደስ ይበልኪ ኣንቲ ወላድ-መኻን፤ ኣንቲ ድርሙን ርእሳ ዘይተደበስኪ ሓዘንተኛ ኣደ ድርብ ስዉኣት! ደስ ይበልኩም ተቓለስቲ ኤርትራውያን። ዮሃና ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ! ደስ ይበልኩም ከኣ ደገፍቲ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾንኩም ህዝቢን መንግስቲን ሃገረ-ኢትዮጵያ!!

ዓወት  ህዝቢና ኣብ ድርኩኺት ወንድ-ወንዶ ኣብ ዘለወሉ ወሳኒ ግዜ፣ ኣብዛ ናይ ጃላ መድረኽ ግደፉ ልቢ ግበሩ ኤርትራውያን ምሁራትን ሃብታማትን! ኣይፋልካን መንእሰይ፤ ብዘይ ተሳታፍነት ኣያታትካን ኣቦታትካን ንበይነይ ጥራይ ተቓሊሰ ንስርዓት ህግደፍ ከውድቖ ክእለት ኣሎኒ ኣይትበል!! ምስ መንእሰያት እዋን ሰውራ ብምምዝዛን ንነብስኻ ብከመይ ኢኻ ትመዝና? መንእሰያት 60ታት፣ 70ታትን 80ታት’ኳ ንበይንና ኣንጻር መግዛእቲ ክንቃለስ ኢና ኣይበሉን። መንእሰይ ምራሕ፤ ስቴርሶ ሒዝካ ተበገስ! ኣብታ መርከብ ሓርነት ግን ንበይነይ ጥራይ እየ ዝሳፈር ኣይትበል። ሕጂ’ውን ኣዛዊርካ ሕሰብ መንእሰይ!

ጸሓይ ኤርትራ ብዘይ ሕጊ ተፈጥሮ ከይትዓርብሲ ደጊፍካ ሓዛ። ብዕዮ ኢሳይያስን ለኣኽቱን ዓደቦና ኤርትራ ናብ ዘይተደልየ መኣዝን ትጥምዘዝ ኣላ። ግደፍ ኤርትራዊ መራግእትኻ ኣይትጀልሕ! ደሓር ኣይሓይሽን ኢዩ ዓደየ…ዓደየ፤ ዋይ ደኣ ሽእ! ምባል። ግደፍ ንብለካ ኣሎና ንሕና እዞም ንኢሳይያስን ጭፍራ ህግደፍን ኣጸቢቕና እንፈልጥ ሰብ ዓደቦ። ግደፍ ኤርትራዊ! ኣይፋልካን ተመለስ ዓዲ የብሎም ዓውዲ! ከም እዋን ሃይለስላሰን መንግስቱን ብዘይ ኤርትራውያን ኢኻ ትግዛእ ዘለኻ’ሞ ነኺስካ ኣስተውዕል!

ቅድም ዓያሹ ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ፤ ብዛዕባ ትውልዲ፣ ዓዲ፣ መበቆል ፈጺምኩም ኣይትዛረቡ ተባሂልና ኢና ኣብ ሜዳ። ኣብ ወጋሕታ ደንጉዩ ምስ በርሃልና ግን፣ እቲ ምስጢር ተረዲኡና ኢዩ። መን’ዩ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ? ካበይ ዓዲ’ኸ ቦቖለ? ሓቀኛ ትውልዱ’ኸ ከመይ ይመስል? ስለምንታይ ካብ ደቂ ኣቶ ኣፈወርቂ ኣብራሃም ንበይኑ ምስ መድህን በራድ ዓበየ?

መን’ዩ ሓጎስ ገብረሂወት (ክሻ) ኣበይ ተወሊዱ ኣበይ’ከ ዓበየ? …መን’ዮም የማነታት? ኣበይ’ከ ዓደቦኦም? የማነ ማንክይ’ከ ብሓቂ ወዲ ኣቶ ገብረኣብ ሽከቲ ድዩ??? መን’ዩ’ኸ ጎይትኦም መቐለ? መን’ዩ ተስፋልደት ሃብተስላሰ? መን ኢዮም’ከ ሎሚ ዘለዉ ምሩጻት ሓለዋ ኢሳይያስ? ስልምንታይ? በዓል መን ኢዮም ናብ ዒራ-ዒሮ ንሓለዋ እሱራት ዝተመደቡ ሓለፍቲ ሰራዊት?

ዝዓበኻ ዝነኣስካ፣ ተበራበር ወዲ ኤርትራ! እቶም ናብ ዕትሮ ከእትዉኻ ዝወጠኑ፣ ከይቀደሙኻ ናብታ ዘዳለዉዋ ጸልማት ዕትሮ ኣእትዎም። ንሳቶም ንኤርትራ ዘኽታም ብታሪኽን ባህሊን፣ ዘኽታም ብቁጠባን ትምህርቲን፣ ዘኽታም ብንግዲን ሕርሻን ንምግባራ ኣማስይኡ ከኣ ንመሬት ዓደቦኻ ናብ ዘይተደልየ ጸድፊ ሸለው ንምባላ፤ እከይ ዕዮታት ኣብ ቅድሜኻ እናተሰርሐ ከመይ ቢልካ ኢኻ ዓዊርካ ኣንታ ኤርትራዊ ሰብ፣ ኣይፋልካን ሕሰብ!!

እስከ ንድሕሪት ናብቲ ዘይነጽፍ ፈለግ ጅግንነት ኤርትራውያን ጋእ ንበል! ወላ’ኳ ታሪኽ ጅግንነት ደቂ ኤርትራ ብህግደፍ ባራኪና ከም ዝኣተዎ ብላይ ጨርቂ ንክኸውን እንተተፈርደ፣ ክብርታትና ንምምላስ ንሕና ዋናታት ሃገር ጠበቓ ኣየድልየናን ኢዩ። እዋን ናጽነት 1991 ከመይ ከም ዝነበረ’ዶ ንዝክር? ንድሕሪት ተመሊስና እንተዘይ ዘኪርና ደኣ፤ ናብ ቅድሚት ንዘሎ መንገድና ክንጓዓዝ ከጸግመና እንድዩ! ሽዑ፣ ኤርትራን ኤርትራውያንን ናይ ደስ-ደስ ከም ገጽን መረጽየንን ፊት-ንፊት ክቆጻጸዩ እንከለዉ፣ ጸሓይን ወርሕን ድማ ስለ ደስታን ሓጎስን ህሉዋት ኤርትራውያን ኳዕ ቢለን ይውዕላን ይሓድራን ነበራ። ስለ ንእስነቶም ከይመነዉ በጃ ህዝቢ ንዝሓለፉ ዕንባባታት ድማ ሰግለለትን ደበናታት ሰማይን እህህታአን ኣይረስዖኦን ነበራ።

ሎሚ ኣብ ዓመተ-2012 ብድሕሪ 21 ዓመታት ኢና ንዛረብ ዘለና። ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን ዝተወልደ ቆልዓ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክመሃር ምተገብኦ፤ ኣብ ክንድኡ ግን ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን፣ 21 መሳምር ናይ ግንባር ህግደፍ ናብ ኣካላትና ተሰሚሩ ኣሎ። ስለዚ ጥዕይቲ ኤርትራን ጥዑያት ደቃን ንምርካብ ምኩር ሓኪም ዝእዝዞ መድሃኒት ክርከብ ኣለዎ። ብዘይካ ስምረት ዝተባህለት ከኒና ከኣ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ካልእ ዝረኣየና ፈውሲ የለን።

ስምረት ግንባር ዓደቦን ኢ.ኤም.ዲ ጀይን እምበኣር ኣብ ምምጻእ ንሓንቲ ኤርትራ ጀማሪ ከኒና ኢዩ። ግንባር ዓደቦ ማለት፣ ቀመም ብዘይተሓወሶ ትርጉም፤ ኤርትራዊ ግንባር፣ ወይ ኤርትራ ንኤርትራውያን ብኤርትራውያን ማለት ኢዩ። ሎሚ መን’ዮም ኤርትርውያን? ሎሚ ኤርትራውያን ኣብ ታኼላ ገረንፊት-ኣውጋሮ ተሸኺሎም ዝነብሩ ዘለዉ፣ ብገዛእ መሬት ዓደቦኦም ከም ካልኣይ ዜጋታት ዝኾኑ ሰባት ኢዮም። ኣብ ዘመነ-ህግደፍ ብሰንኪ ኣዕናዊ ስዉር ተልእኾ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ “ኣነ ኤርትራዊ እየ!” ምባል ኣብ ክንዲ ዘሐብንን ዘኹርዕን ናብ ዘሕፍር ደረጃ እናወረደ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኢዩ።

ንዓና ንኤርትራውያን ግንባር ዓደቦ፣ ክንዲ ቆር ውቅያኖስ ዝኸውን ፖለቲካዊ ዕምቆትን ማይ ዘይጠዓመ ጂኦግራፊያዊ ትርጉምን ዘለዎ ቃል ኢዩ። ንሓቀኛ ትርጉም ዓደቦ፣ ጳጳሳት ህግደፍን ናይ ፖለቲካ ዲያቆናቶምን ፈሊጦሞ ኣለዉ። ‘ነገር ዋጣ ኣምጽእ፣ ንጻልጣ ኣነ እፈልጣ’ ከም ዝበልዎ ኣቦታትና፤ በብውሽጢናስ ተፋሊጥና ኣሎና። ንሕና እዞም ደቂ ሔማ ኤርትራ ካብቲ ዝተበገስናሉ መንገዲ ወይከ ፈልከት! ስለዚ ኤርትራዊ ሰብ፣ ኣብ ማእከል ሃገር ይሃሉ ኣብ ደገ ብዘየገድስ፤ እዚ ግንባር’ዚ ደሙን ኣንጉዑን፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ግንባር ምዃኑ ክኣምን ጽቡቕ ይመስለና። ስለዚ ናብ ጉባኤ ግንባር ዓደቦ ካስል 5-6-7- ጥቅምቲ ተራኺብና ክንመያየጥ ኢና’ሞ ሰናይኩም ንምነ።

ጉባኤ ግንባር ዓደቦ ቦታን ዕለትን፦

October 5-6-7 2012

Jugendherberge Kassel

Schenkendorf Str.18

34119 Kassel – Germany

For more information please contact us@

Kassel:        01639641968 / 017692404072

Frankfurt:     017652611213 / 015211261995

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ንኺድ ናብቲ ብሩህ ደረት-ትርኢት! መንገዲ ሽሕ ኪሎ-ሜተር ብሓደ ስጉምቲ ኢዩ ዝጅመር። ሓመድ ድበ ህግደፍ ንምቅልጣፍ፣ ወፈራ ኢደይ-ኢድካ ንዕድም ኣሎና። ኣብዚ ቦኽሪ ወፈራ’ዚ ከኣ እቶም ስርዓት ኢሳይያስ ንምዕናው ሓባራዊ ኣረኣእያ ዝጸንሓና ናይ ትማሊ ደምበ ኣለና ብደገን ብውሽጢን፤ ናይ ሎሚ ድማ መስረትቲ ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራን (ግዓሓኤ) ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲን ፍትሒን ኤርትራን (ምደፍኤ- EMDJ) ካብ ዕለት 6 ጥቅምቲ 2012 ንደሓር ብሓባር ንክንሰርሕ ብሙሉኣት ኣባላት ተሰማሚዕና ከም ዘለና ንህዝቢ ኤርትራ ነበስር ኣሎና።

ኣዋጅ ስምረት ኣብ ኡባኤ ግንባር ዓደቦ (ካስል-ጀርመን) ክእወጅ ኢዩ። ከም መሰረት ኣዋጅና፣ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ ኮይንና ንምስራሕ ድልዉነትና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንገልጽ ኣሎና። ምስ ኩላተን ግብራውያን ምንቅስቓሳት ከኣ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ብዝበልናዮ ቃል፤ ብድሕሪ ስምረት ግንባር ዓደቦን EMDJ ን ምስ ካልኦት ደለይቲ ፍትሒ ምንቅስቓሳት (ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፣ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ሳግም ወ.ዘ.ተ…) ብህጹጽ ሓባራዊ ግንባር ንምምስራት ድሉዋት ከም ዘለና ነረጋግጽ።

“ንዘይ ኤርትራዊ ግንባር ህግደፍ፣ ብግንባር ዓደቦ ንመክቶ!” ‘ሓባእ ቁስሉ፣ ሓባእ ፈውሱ’ ከይንኸውን ግን ሓደራ ደቂ ኤርትራ! እቲ ብሓዊ ህግደፍ ዝነደደ ኤርትራዊ ቆርበትና ንክሓዊ፣ ደጊም ቁስልና ኣይንሕባእ። ሓቂ ይሓይሽ! ኣብዚ ብሰንኪ ስዉር ተልእኾ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓንከሳ (ክልተ ጨው ሓደ እኽሊ) ኮይኑሉ ዘሎ ከርፋሕ ግዜ፣ ናይ ህግደፍ ከይኣክል፣ ጉራማይለ ዘረባታት ንሰምዕ ኣሎና።

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብትሕቲ ልሳን ዚዝረብ ሕማማት ኣሎ’ዶ? እወ! እሂናይ ደኣ!! ‘ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ በዓል መን’ዮም ዝሃደሙ!’ ይበሃል ከም ዘይነበረ፣ ሎሚ ደኣ ዋጋ ኤርትራዊ ክብሪ እንታይ ምስ ረኸቦ ኢዩ ናብ ዋጋ በለስ ክወርድ ዝኸኣለ? ነዚ ሕበጥ’ዚ ዝፍውስ መትኮሳ’ኸ ኣሎና ድዩ? ኣብ ልኡኽ ዳኛን ኳደረን ዘይብሉ ዓለም ኢና’ኮ ዘለና። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ምህላው ጥራይ፣ ዩኒፎርም ዓደቦ ተኸዲንካ ማለት ኣይኮነን። ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሲናይ እናተጠብሑን ኣብ ባሕሪታት ቀለብ ዓሳታት እናኾኑን፣ ዘዝጎበዙ ደቂ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሰክሕ ኣብያተ-ማእሰርቲን ስርዓትን ኣብ ዘለዉሉ ግዜ፣ ንኤርትራዊ ክብሪታት ዝጨራርም ካርታ ክትጻወት ምፍታን ዓገብ’ዩ።

ነቲ ኣከለ-ጉዛይ፣ ሓማሴን፣ ሰራየ፤ ነቲ ደቂ መታሕትን ደቂ ከበሳን፣ ነቲ ጀብሃን ሻዕብያን፣ ውድባትን ሰልፊታትን፣ እስላምን ክርስትያንን: ዓበይቲን መንእሰያትን ወ.ዘ.ተ…ዝብል ቁሩቁስን ፍልልይን ክሳብ ድሕነት ዓደቦና ኤርትራ ዝገሃድ ናብ ነናተን ቆፎታት ኣእቲና ንከነቐምጠን ብታሪኽን ብሕድሪ ሰማእታትን ንሕተት ኣሎና። ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ፣ ትርግታ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ጽን ይበል! እታ ደም ጥራይ ንክትጭንጉዕ ዝነበራ ልቢ ኤርትራውያን፣ ሎሚ ብሰንኪ ሕሰም፤ ሓዘንን ጓሂን’ውን ትጭንጉዕ ኣላ።

ምስ ሕሱም ኣትቑጸር ስንቅኻ ቅድም ተሰከመን፣ ደሓር ድማ በርኩተን ይብለካ ከም ዝበሃል፤ ናይ ታሪኽ ጽሕፍቶና ንከይተርፍ፣ ንሕና ኤርትራውያን ምስ ኢሳይያስ ልኡኽ ዲያብሎስ ተላፊንና። ሕጂ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሓንቲ ኤርትራ! መዝሙር ኤርትራያን ይኹን። እቶም ውሑዳት ሰብ ጥጅእ ጌሶ “ትግራይ ትግርኚ፤ ዓባይ ኢትዮጵያ” ዝብሉ ሕቡኣን፤ ‘ሓንቲ ኤርትራ፣’ ‘ኤርትራ ንኤርትራውያን፣’ ‘ደቀባት ኤርትራ፣’ ‘ግንባር ዓደቦ’ ወ.ዘ.ተ… ዝብል ሕላገት ኣለርጂ ከም ዝገብረሎምን ቀጨውጨው ከም ዝብሎምን ኣይንስሕቶን ኢና።

“ኣብ ምንታይ’ዩ ሓይሉ እንተበሉኒ፣ ኣብ ቅልጽሙ ኢለዮም መሲሉኒ… ዝበሎ ወዲ ትኳቦ፤ ኣይፋሉን ተጋግዩ ኢዩ። ኣብ ምናታይ’ዩ ሓይሉ ምስ በሉኒ ኣብ ተንኮሉ ኢለዮም መሲሉኒ…መሲሉኒ ኣይኮንኩን ሓቀይ ነይረ…ክፍኣቱ’ንድዩ ልቢ አብ ዘሕረረ…

ኣብ መደምደምታ’ዚ ራብዓይ ክፋል ጽሑፍና እስከ ሕንቅልሕንቅሊተይ!

ሰሰናቢተይ፦

መሰረታዊ መፍትሒ ሽግር ኤርትራውያን እንታይ ኢዩ?

1) ምምስራት ውድብ! ሰልፊ! ግንባር! ብሄራውያን ውድባት?

2) ምቛም ማሕበራት?

3) ምትካል ባይቶ?

4) ምእዋጅ ዋዕላታት?

5) ምድላው ሰሚናራት?

6) ምቛም ኣብያተ- ጽሕፈታት ኣብ ኢትዮጵያ?

ያያያያእ! መልሲ ኣብ ዝቕጽሉ ክፋላት ጽሑፍና

ዓወት ንምስረታ ግንባር ዓደቦ!

ብርግጽ ክንዕወት ኢና

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!

ይቕጽል…

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...