ርእሰ ኣጋንንቲ ኢሳያስ ብዝህቦ መምርሒ ስራሕ መሰረት፣ ኢንጂነር ፓለቲካ ህ.ግ.ደ.ፍ የማነ ገብረኣብ ብዝህንድሶ ሓዲሽ ኣጀንዳ፣ ንኣተሓሳስባ ህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሂዙ ተንከስ ዝኽልእ ብልሓት ካብ ንግሆ ናብ ምሸት ክገላበጥን ዝቐደመ መብጽዓ ተረሲዑ ሓዲሽ ናይ ተወጺዕኩም ዘስምዑ ሓረጋት ተወሪቖም ብኹሉ መራኸቢታት ህግደፍ ተመላኺዖም ክቐርቡ ላሕ ዘበለና ብላይ ሽጣራ ሎሚ ደይ ከም ቀደም ብጃህራን ፈኸራን ዘይኮነ ቃንኦም ቀይሮም ክቑዙሙን ሚኒን ክብሉን ንሰምዖም ኣለና። እዚ ከምቲ ኮራርምቱ ዝወድእ ኣረጊት ከልቢ ብድቁሱ ሒጊግ ዝብልን ንዝቖሰለ ኣካላቱ ጽንጽያ ምስ ኣሸገሩዎ ዓንጾ ዓንጾ ዝምጅርጦ እዩ።

ህግደፍ ቅድሚ ዓርባዕተ ሓሙሽተ ወርሒ ዝጀመሮ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ብኣልማማ ኣብ ከተማን ገጠርን ብዘይ መባእታዊ ታዕሊም ብረት ናይ ምዕጣቕ መደቡ ብምቕጻል ምልእቲ ሃገር ኣበሳቢሱዋ። ብዙሓት የዋሃት እዚ ኹሉ ገልጠምጠም ንምንታይ ኣድለየ? እንታይ ዘስግእ ግዳማውን ውሽጣውን ጸጥታዊ ሽግር ኣሎ እዩ? እንዳበሉ ነቲ ወጥሪ ክፍትሹ ኣብ ጭንቀት ከሪሞም። ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ተወጢሩ ዝወርሐ ሓንጎል ገርህኛታት ነቲ ሰማይ ዝዓረገ ዋጋ ሓለኽቲ ነገራት፣ዝነጸፈ ባስካታት መዕደል ነዳዲ ኮነ ምቁራጽ ኤሌትሪክ ዘድሃበሉ እንተኔሩ ውሑድ እዩ። እዚ እዩ ኸኣ ጉርሕን ጥበብን ፖለቲካ ህግደፍ። ንዘጋጠሞም ቅሉውላው ባዕሎም ካልእ ንዑዑ ዘረስዕ ወጥሪ ብምፍጣር ንሓንጎል ህዝቢ ጅሆ ምሓዝ ፍታሕ ጌሮም ስለዝወስዱዎ።

ናይ ሎሚ ገደደ ብፖለቲካ ዓለም ነዳያን ኮይኖም ተፈንፊኖም። እቲ ልቡ ዝልቡ ኪዒብዎም ዝነበረ ጥራሕ ዝነበረ ህዝቦም ብቓልዕ ኣብ ወጻኢ ሃገሮም ክጭልግሞም ጀሚሩ። ብቑጠባ ለሚሶም ዓዲ ውዕል ኮይኖም። ምኽንያቱ ዝርካቡ ጸጋ ሃገር ንህልኽን ባህ ኣይበሎን ኣብ ምምልማል ኣልሸባብ፣ ቅንጅት፣ ድምህት፣ካልኦት ባዕሉ ዝጠፍጠፈን ተቃወምቲ ጎረባብቲ ሃገራት ፈሲሱ ከም ኣብ ሑጻ ምድረበዳ ዝተካዕወ ማይ ኮይኑ ተሪፍ።

እቲ ኣብ ከብሒ ተደርብዩ ግዳይ ጠቐርን ዓለባ ሰረትን ኮይኑ ዝጸንሕ ኣዋጅ መሬት ሕጂ ንምንታይ ተነጊፍ ክግንጸልን ከም ሓድሽ ብዝጥዕሞም ከንብብዎ ኣድለዮም? መልሱ ሓደ ብሓደ ካብ ጥበብ ፖለቲካዊ ህንድስንኦም ንርኣይ፡-

· ንተጓሕጉሑ ጥራዩ ዝተረፈ ካዝና ሓጎስ ክሻ ንምምላእ

· ኣባይትን መሬትን ወኒኖም ዘለው ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡ ስለዝኾኑ ንብረቶም ከይውረስ ካብ መሳርዕ ተቓውሞ ነብሶምን ደቆምን ከግልሉ፤

· ኣብ ሞንጎ ሸየጥትን ገዛእትን ቂምን ባእስን ንምፍጣር እነተተኻኢሉ ወገናዊ መልክዕ ዝሕዘሉ ምህቃን እዩ።

ኣቶ ኹሉ ባዕሉ ኢሳያስ መጀመርታ ኣብቲ ንሱ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራት ኢሉ ዝሰምዮ እዩ ኣልዒልዋ። መቓልሕ ዝበሃል ምስሰኣነሉ ኸኣ ንኣመሓደርቲ ዞባታት ጸዊዑ ናብ ብርጋዴር ጀነራይ ተኽለ ማንጁስ (ሓላፊ ኦፕሬሽን ኮንትሮባንድ ምንጪ ዶላር ህግደፍ)፣ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ (ኣንጉዑ መጽዩ ደርቢዎ ዝጸንሐ) ኣረኪብዎም። መራሕቲ ኩናት ኣንጻር ብልሽውና ብዝብል ስያመ ተመዚዞም።

እዚ እዋናዊ ኣርእስቲ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ መሸጣ መሬት ሕጂ ዝተጀመረ ሓድሽ ተርእዮ ዘይኮነ፣ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ክቕጽል ዝጸንሐ ኮይኑ ገሊኡ ጤሳ ገሊኡ ከኣ ባዕሉ ህግደፍ ንሰብ ዶላር ካብ ደቒ ዓዲ ኣሕዲጉ ብስም ኣውፈርትን ቦንድን ተተርቲሩ ዝሸጦ እዩ። ጤሳ ዝተዓደሉ ደቀባት ቁጠባዊ ዓቕሚ ስለዝሓጸሮም ከለቕሖም ዝኽእል ፋይናንሳዊ ትካል’ውን ስለዘይረኸቡ ናብቶም መሬት ንመንበሪ ኣባይቲ ሓቲቶም ዘይቀንዖም ኣብ ደገ ዝርከቡ ዜጋታት ፍርቁ ሸይጦም በቲ ዋጋ ሽያጥ መጸጊዒዖም ሰሪሖም። እዞም ክልተ ወገናት ዘራኸቦም ህግደፍ ዝፈጠሮ ጸገም እንበር ገዛኢ ዜግነታዊ ተጠቃምነት መሬት ብሕጊ ስለዘይተተግበረ፣ ሸያጢ’ ውን ሰሪሑ ከየጥርይ ብጉዱድ ደረት ኣልቦ ኣገልግሎትን ገስረጥ ፖሊሲ ቁጠባ ስለዝተቀፈደ፣ ዝወለዶም ቆልዑ ዘዕብየሉ መዕቆቢ ገዛ ስለዝስኣነ፣ ነታ ዝርካባ ጤስኡ ቆርሚሙ ክሸጣ ዝተቐሰበ። መን ይፈልጥ እንተደይሸጣ’ውን ቃዲራ ምስ ረኣያ ባዕሉ ስርዓት ህግደፍ ንኻልኦት ሰብ ጸጋ ንኸይዕድላ ውሕስነት የብሉን።

ጠንቂ ምሻጥን ምግዛእን መሬት ስርዓት ህግደፍ ባዕሉ እዩ። ምኽንያቱ ብሓላኺ ፖሊሲ ቁጠባን ግዱድ ዕስክርናን እንተዘይቅየድ፣ ባንኪ ኣብ ነዊሕ ዝኽፈል ልቓሕ እንተዘፍቅድ፣ እቲ ስርዓት ንለሰታት መጋሃጫን ሕርሻን ካብ ደቀባት መንዚዑ ገገሚዑ ብዘይ መከሓሓሲ ንሰብ ሃብቲ እንተደይዕድል፣ እንታ እንኮ ብጽሒቱ ዝኾነት ጤሳ ቆርሚሙ ናብ ዕዳጋ ዘውርድ ኣይምተረኸበን። ናይ ዜግነት ተጠቃምነት መሬት ከም መሰል ተሓልዩ እንተዝስርሓሉ’ውን ናብ ምግዛእ መሬት ዝመጣጠር ኤርትራዊ ኣይምሃለወን።

እቶም ብስም ኣውፈርቲ መሬት ዝተዋህቦም ምኸመይ ጌሮም በዛ ብሕጊ ዘይትመሓደር ሃገር ኣሚኖም ወፍሪ የካይዱ? ንምዃኑ ክሰርሑ እንተደለዩ’ኸ? ሓምሳን ሓደን ምኢታዊ (51% )ብርኪ ንህግደፍ ከይሃቡ ክሰልጦም ይኽእል ድዩ? መስርሒ ፍቃድ ናይ ህንጻ ተኾናተርቲ ካብ ዝእገድ ሓጺር ኣይገበረን። ናይ ህንጻ መሳርሒ ጥረ ነገራት ኣብ ዕዳጋ ጭሕሚ ሰበይቲ እዩ ኮይኑ። ዓያይ ጉልበት ብሰንኪ ሃድን ግፋ ንስደት ካብ ዘምርሕ ዓመታት ኣቁጺሩ። ዶላር ምሓዝ ከም ዕጸ ፋርስ ነውሪ እዩ። ስለዚ እቶም ኣቐዲሞም ዝሃነጹ መፍትሖም ዓጽዮም ናብ ዝነበሩዎ ዓዲ ስደት ተመሊሶም። እቶም ዝጀመሩ ኣጓጉል ተሪፎም ምሕላው ዑና ከፊእዎም ዒሕ ይብሉ ኣለው።

ነውራም ኢሳያስ ጠንቂ ባዕሉ ክንሱን ኩሉ ክግበር ሱቕ ኢሉ ኢዱ ኣጣሚሩ ክዕዘብ ከምዘይጸንሕ ሓላይ መሬትን ንኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘለውን ንኽመስል ሕጂ “የፍየል ወጠጤ” ታቱላ ክነፍሕ ከምቲ “ባዕላ ጸሚቛቶ መጸጸ ባዕላ ሰንኪታቶ ቀርጸጸ” ዝበሃል እዩ። ብመዳያት ዲፕሎማሲ፣ፖለቲካ፣ቁጠባ ከም ኣፍ ዕንቒ ኣብ ዝጸበበትሉ ጊዜ ካብዚ ንምህዳምን ንምኽዋልን እዩ በቶም ብታሪኽ ዝሕተቱ ክልተ ብርጋዴር ጀነራላት ዝምራሕ ኩናት ንዝምድናታት ህዝቢ ኤርትራ ዘጋዕዝይ ኣዊጁ ዘሎ።

እቲ ዝወሃብ ውሳኔ ከም ውጥን ንካዝና ሓጎስ ክሻ ዝመልእ፣ ንፖለቲካ የማነ ማንኪ ኣብ ወጻኢ ዘተሃዳድእ፣ ንሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት የማነ ቻርሊ ጥርዓናት ንኽቕበል ዘንቀሳቅስ ስለዝኾነ፣ እዞም ብእከይ ተግባራትን ብመንፈሳዊ ቅልውላውን ብጎቦጨረ ኣምሳልነቶም ሓደ ዝኾኑ ሰለስተ ሰያጥን ብናይ ተብተብ ጽዑቕ ርክባት ኣብ ወረቐት ሓንጺጾም ንመራሕቲ ኩናት ግዕዝይና ኣረኪቦሞም እዮም።

“ኣናፍራ ቆቃሕ ዘይፈልጥ ኣይሃዳናይን” እቲ ከይደቀስካ ዝሕለም ዘዋደዱዎ መቕጻዕቲ እነሆ፡-

1. ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኮይኖም ጤሳ ብምግዛእ ኣባይቲ ዝሰርሑ

· 2% መሕወይ ግብሪ ከፊሎም ዋንነት ንብረቶም ክከታተሉ

· ክንዲ’ ቲ መግዝኢ መሬት ዝኸፈልዎ መጠን ገንዘብ ክቕጽዑ

· ካብ ደንበ ተቓውሞ ነብሶምን ደቆምን ነጻ ምዃኖም  መረጋገጺ (ክሊራንስ) ካብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈታትን ኤምባሲታትን ከምጽኡ

· ኣባልነት ህግደፍ ተመዝጊቦም ስሩዕ ወርሓዊ ክፍሊት ክኸፍሉን ኣብ ምዱብ ኣኼባታት ክርከቡ

· እዚ ምስዘማልኡ ዋንነት ንብረቶም መረጋገጺ ፍቓድ ክወሃቦም ናብ ቤት ጽሕፈት ፕሬዚደንት ክቐርቡ።

· ንሓደ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቛሒታት ዘየማልእ ንብረቱ ተወሪሱ ንኣብ ሰራዊትን መሓውራት ህግደፍን ዘለው ሰባት ከከም ኣገዳስነቱ ክዕደል

2. ሸየጥቲ ጤሳ

· ናይ ነብስ ወከፍ ደቆም ካብ ኣገልግሎት ዝሓደሙ ሓምሳ ሽሕ ናቕፋ ከፊሎም ጉዳዮም ክከታተሉ

· ክንድቲ መጠን ዝተኸፈሉዎ ሽያጥ መሬት ክቕጽዑ፣ ክኽፍሉ ዓቅሚ ምስዘይህልዎም ብትሕጃ’ ቲ ዝሰርሑዎ ገዛ ካብ ባንክ ተለቂሖም ክኸፍሉ

· ዝተመደበሎም ጊዜ ስጋዕ ዝኣክል ናይ ተኻራይነት መሰል ሃልይዎም እንዳኽፈሉ ክነብሩ

3. ከም ኣውፈርቲ መሬት ተዓዲሎም ብመሰረት ዘቕረቡዎ ፕሮጀክት ዘይተግበሩ

ሀ) ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘለው

· 2% መሕወይ ግብሪ ከፊሎም ጉዳዮም ክከታተሉ

· ፖለቲካዊ መርገጺ ናቶምን ናይ ደቆምን መረጋገጺ (ክሊራንስ) ካብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈታትን ኤምባሲታትን ከምጽኡ

· ኣባልነት ህግደፍ ተመዝጊቦም ስሩዕ ወርሓዊ ክፍሊት ክኸፍሉን ኣብ ምዱብ ኣኼባታትን ክርከቡ

· ምኽንያት ዘይ መተግበሪኦም ናብ ሰብ መዚ ኣንጻር ብልሽውና ከቕርቡ

· ናይ ቀጻልነት ብቕዓቶም ተራእዩ ብኣመዛዝና ሰብ መዚ ዘይቅቡል እንተኾይኑ ናብ ክፍሊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣታዊ ክኸውን

ለ) ኣብ ኤርትራ ዘለው

· ናይ ነብስ ወከፍ ደቆም ካብ ኣገልግሎት ዝሓደሙ ሓምሳ ሽሕ ናቕፋ ከፊሎም ጉዳዮም ክከታተሉ

· ኣብ ስደት ዘለው ደቆም 2% መሕወይ ግብሪ ከምዝኸፈሉ ቅብሊት ከቕርቡን ካብ ደንበ ተቓውሞ ነጻ ምዃኖም መረጋገጺ ካብ ቤት ጽሕፈት ኤንባሲን ቆንስላትን ከምጽኡ

· ምኽንያት ዘይ መተግበሪኦም ናብ ሰብ መዚ ኣንጻር ብልሽውና ከቕርቡ

· ዝወሃብ ውሳኔ ልክዕ ከምቶም ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኣውፈርቲ ናይ ቀጻልነት ብቕዓቶም ተራእዩ ብኣመዛዝና ሰብ መዚ ዘይቅቡል እንተኾይኑ ናብ ክፍሊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣታዊ ክኸውን

*  ምውራስን ትልተላን ናይ ዘይተሰርሐ ሌጣ መሬት ንኹሉ ብሓደ ይምልከት

በዚ ስጉምቲ’ ዚ ብኣተሓሳስባ ኢሳያስን ሰዓብቱን ካብ ዝሻብብ ዘሎ ህቦብላ ተቓውሞ ንምድሓን፣ ጥራዩ ዝተረፈ ቁርባበሽኦም ንምምላእ፣ ኩነተኣእምሮ ህዝቢ ጸሚድካ ንምሓዝ እዩ። እንተኾነ እዚ ተሃቂኑ ዘሎ ኣካይዳ ዕድመ ስልጣን ህግደፍ ድዩ ከናውሕ ወይስ ዕምሩ እዩ ከሕጽር? “ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን” እቲ ኪሕ ዝበሎ ህዝብና ዓቕሉ መሊኡ ስለዝፈሰሰ፣ ወግሐ ጸብሐ ብመብጽኣ ክታለል፣ ብጉዳይ ዶብ ክሕየር፣ ብድርሳን ኣሜሪካ ዘርያትና፣ወያኔ ቀኒኣትልና፣ ሶማላውያን የሕዋት ተወጺዖምና ኣእዛኑ ስለዝጸመመ ንተታሓሒዝዎ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ዘንህር ድኣ’እምበር ዝዓግት ኣይኮነን።

ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ መግለጺ ኣብ 2004 ዓ.ም ኢሳያስ ባዕሉ ንደቀባት ቁሸትን ከባቢኣን ኣኪቡ መሬትኩም ክውረር ሱቕ ኣይንብልን ኢና፣ ካብ ባንክ ገንዘብ ወሲድኩም ንዓደግቲ ዝኸፈሉዎ ዋጋ መሊስኩም ንብረትኩም ተረከቡ ኢሉ ዝሸርጠጣ ክርቢት ኣዊላ ጥሽ ኢላ ጠፊኣ እያ። ናይ ሕጂ ግን ኣብ ገዛእ ነብሱ ቤንዚን ነስኒሱ እዩ ዝሽርጥጣ ዘሎ’ሞ ድሕሪ ይኣክል ዝመጽእ ፍታሕ’ሲ ምብቓዕ ኣደራዕ ብጹሉል (ማንያክ) ውልቀ መላኺ እዩ።

ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ብሕጊ ዝቖመ ስለዘይኮነ ኩሉ ዝወስዶ ስጉምትን ዘውጽኦ ኣዋጃትን ሕጋዊ ተቐባልነት የብሉን። ሕግታትን ኣዋጃትን ብሓጋጊ ኣካል ሃገራዊ ባይቶ እዩ ዝድንገግን ዝጸድቕን። ኣብ ኤርትራ ንስሙ’ ውን ይኹን ሃገራዊ ባይቶ ዝበሃል ከምዘየልቦ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ስለዚ ካብዚ ወጻኢ ዝመጽእ ሕግታትን ዝስዕብ መቕጻዕትታትን ሎሚ ዋላ ብዓመጸኛ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ይተግበር ጽባሕ ንጉሆ ፈራሲ ምዃኑ ፈሊጥና ክንሰናበድ ኣይግባእን።

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት - ኤርትራ

30 መስከረም 2012

ለንደን

ዓዲ እንግሊዝ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...