ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) - ደቡብ ኣፍሪቃ- ንእሱራት ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራትን ኣባላት መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ከምኡውን ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ኤርትራውያን ንክፍቱሑ ንኣባላት ባይቶ ደቡብ ኣፍርቃ ምሕጽንቱኡ ኣቅርቡ።

ኣብቲ ብዕለት 28 መስከረም 2012 ንኣቦ ወንበር ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታትን ምትሕግጋዛትን ኣብ  ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ፡  ክቡር ኣቶ ማጋማ ሃርግሪቭስ ቲሰጾ፤ ንክሎም ኣባላት እቲ ኮሚተን፤ ኤምድሰመ ኣብ ዘቅረቦ ምሕጽንታ፤ “ኩሉ ዘለዎም መዝነትን ሓላፍነትን ተጠቂሞም፤ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም እሱራት  ክፈትሖም ወይ ከኣ ናብ ፍትሓዊ ዝኾነ ቤት ፍርዲ ከቅርቦም’’ ኩሉ ዝካኣሎም ጸቅትታት ክገብሩ ሓቲቱ። ኤምዲሰመ ንክቡር ኣቶ ማጋማን መሳርሕቱን ኣብ ዝሃቦ ጥርዓን ፤ እቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ መቁሕ ተሓይሮም ዝርከቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ኣባላት ባይቶን፤ ካብቲ ብዕሊ ዝተኣሰሩሉ ግዜ 18 መስከረም 2001 ኣትሒዙ ክሳብ እዚ ሕጂ ሃላዋቶም ከምዘይ ፍለጥ፤ ኣብ ቅድሚ ፍትሕ ከምዘይቀረቡን ኣብሪሁ። ብተወሳኺ፤ ክቡር ኣቦ ወንበርን ኩሎም መሳርሕቱ  ኣባላት እታ ኮሚተን፤ ኩሉ ዓቅምታቶምን  መንገዲታትን ተጠቂሞም፤ ክብርን መሰላትን እቶም እሱራት (ምርኻብ ምስ ቤተሰቦምን ወሲኽካ) ከምዝኽበር ክገብሩ መሕጽንቱኡ ኣቅሪቡ። ኣብ መወዳእታ ኤምድሰመ፡ ክቡር ኣቦ ወንበር ኣቶ ማጋማ፤ ንኩነታትን ሃለዋትን እቶም እሱራት እተጻሪ ሓንቲ ጉጅለ ኣባላት ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኤርትራ ክትለኣኽ ጠለብ ናብቲ ባይቶ ከቅርብ  ሓቲቱ። ዝርዝር ኣስማት ኣሽሓት እሱራት ናይ ሕልና ዝሓዘ ዶኩመንትን፤ እቲ ብ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራትን ኣባላት ግዝያዊ ባይቶ ኤርትራ  ዝነበሩ ዝተጻሕፈ ንዲሞክራሳዊ ለውጢን ግዛተ ሒግን ኣብ ኤርትራ ዝጠልብ ቅሉዕ ደብዳበ ንክቡር ኣቶ ማጋማ ሃርግሪቭስ፡ ኤምድሰመ ኣረኪቡ።

ኣሽሓት ንጹሃን ኤረትራውያን ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣራኣእዮኦም፤ ዘምልኽዎ ሃይማኖትን ሓደ ሓደ እዋናትውን ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት፤ ኣብ ፎቆዶ ምስጢራዊ ጎዳጉዲ ዝተዶኮኑ ቤት ማእሰርቲታት ስርዓት ህግደፍ ይማስኑ ከምዘለዉ፤ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እቲ ዋላ በቶም ኣዝዮም ጨቆንቲ ዝባህሉ ስርዓታትውን እንተኾነ ዘይንፈግ መሰረታዊ  ዝኾነ ሰብኣዊ መሰላት ተሓሪምዎም ኣብ ዝኽፈአ ኩነታት ከምዝርከቡን፤ እዚ ከኣ ኣብታ ዘፍቅርዋን ብዙሕ ዝወፈዩላን ሃገሮም ምኾኑ፤ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...