መለበምን ኣይግበርካ፡ መለበምን ኣይኽላእካ! ክበሃል ብዘይምኽንያት ኣይነበረን። ኤሪትራዊ ከኣ ሳላ ህግደፍ ዝሰኣ ኖ የለን። ኣኺሉ ዝጎሓፍ ኣብነታት ዘይሃገራዊ ዕላማ ከም ህልም ዝበለ ጥልመት፡ ጃምላዊ ህልቂት፡ ጭርጭር ዓበደ ፖለቲካ፡ ኣብነታት ደው በለለይ ክብለጸልካ፡ ኩሉ ዝዓይነቱ ብልሽውናዊ ጸወታታት ከም ዃኹያ ዃኽ፡ ኮታ ኣጠቓ

ሊልካ እንክርአ ኢሳይያስ ምእንቲ’ታ ሕብእቲ ዓላማ ትግራይ ትግርኝን ልዕልና ትግራይን ከተግብር፡ንብርሰት ኤርት ራን ኤርትራውያንን ናይ ዋዛ ተኻኣሊ መሲልዎ’ዃ ይእተዎ እምበር፡ እቲ ዋና መሬት ከኣ ግባሩ ስለዘለዎ ወጮ እን ተተገልበጠት’ውን ወጮ ኢያሞ  ደጊም ህዝብና ክታለል ማለት ዘበት!

ቅድሚ ቁሩብ እዋን፡ ብኣቕራብነት ኣስመላሽ ኣብርሃ“ መሰል ኣዳም ቴማ ለኹሞይናታት“ ዝብል ሓተታ ቲቪ ኤር ትራ ሰሚዕናስ ከይገረመና ድማ ኣይሓለፈን። ከመይሲ ሽዑ እታ ካብ ብዓለሙ ናብ ሃገራ ገላዩ ትእክብ ዝነበረት ለ ኹመይና ኣመሪካ ኢያ ብጉልባብ መሰል ኣዳም  ንኤርትራ ከምዝሓጨጨትላ ክንኣምን ዝተፈተነ። ንሕና ከኣ ከምቲ ካልእ ሰሚዕናያስ ከመይኣቢላኸ ህግደፍ ካብታ ናይቲ ግዜ ኮነ ናይ ሎሚ ኣመሪካ ከምትሓይሽ ኢዩ ደኒቕና።

ልቢ’ሞ በሉ፡ እቶም ገዛእቲ ኣመሪካዊያን ሓደስቲ ዜጋታት ዝኾኑዎም ገፋፊጦም ክሕይሉ እንከለዉ፡ ህግደፍ ከኣ

ዜጋታት ኤርትራ ኢዩ ዘባርር ዘባድም ዘሎ። እሞ ከመይኣቢሎም ስለዝተርጎሙዎ ኮን ይኸውን ኣመሪካ መሰል ትገ ፍፍ እንተኾይና ነፍሶም ሕጹባት ከም ጲላጦስ ናጻ ክብሉዋ ደፊሮም? ወዮድኣ “ሓባል በሊያ ከይትቕድመኪ“ ኮይኑ ምበር፡ ሓቂ ንምዝራብ ህግደፍ ከምስላቢያ ፖሊሲ ኣመሪካ መጠን ካብ ዝፈላልዮም ዘራኽቦም’ኮ ይበዝሕ። “ ከመ ይ “ እንተ በልኩም፡ ገዛእቲ ኣመሪካዊያን ንርእሳቶም ስደተኛታት ኢዮም። ኮዋኽብቲ ህግደፍ ድማ በቲ ባዕላቶም ዘምጽእዎ እኩይ ብሂል ክጽረፉ ካብ ኣምሓረሎም ንርእሳቶም ጎበጨረ ኢዮም ይብልዎም።

እስከ ናብዚ ዘምጻኣና ቴማ ንመለስ። ሎሚ ከኣ ነቲ ካብ ቅድሚ ናጽነትን 1994ን  ዝተኣወጀ ኣዋጅ ከምሓድሽ ቃኒ ዮም “ መሬት ናይ መንግስቲ ኢዩ“ ዝብል ሓተታ ከጋውሁ ቀኒዮም። እንታይ ሓድሽ ነገር ስለዝተረኽበ ምእንቲ ከይ በሃል ከኣ ካብ መዓሙቕ ልቦም ዝነቐለ ሓልዮት ውጹዕ ህዝቢ ከምዘለፋለፎም ዝመስል በዛሕዛሕ ተሰሚዑ። እቲ ብዓንቀጽ 58/94 ዝተኣወጀ መሬት መንግስቲ ዓሰርተው-ሸሞንተ ዓመታት ኣቑጺሩ ክንሱስ ካብሽዑ ኣትሒዙ ደም ኣናቢዑ ህዝቢ ከኣ ከምቲ ካልእ ጉድለት ፍትሒ ሰማዒ ስኢኑ ዝገደፎ ኣርእስቲ ኢዩ። ከም ኣቀራርባ ኣንባቢ፡ መሬ ት ንሓደ ኤርትራዊ ቀጻልነት መንነትን ህላወን ምዃኑ ተቓሊሑ። እንኮላይ ስትራተጂ ነባሪ ልምዓትን ነባሪ ዕብየትን ኣብ መሬት ከም ዝምርኮስ ተገልጸ።

መቸም ውሃ ዘበለ መግለጺ ክመስል ምሒር’ዩ ተጠቢቡ። እንተኾነስ  እተን ሽምዓታት ተንኮል ነጢቘን ኮይነን’ም

በር ኣብወረቐት ከምሓተታ ጥራይ ዘይኮነ እንኮላይ ከምመትከል ኢዩ’ኮ ኤርትራዊ ተቓሊስሉ። እቲ ዝተባህለ ኣብ

ትግባረኡ ግና ልኽዕ ኪምቲ ካልእ ጓሳን መሰዓብን ስለዝበዝሖ፡ ዝበሃል እንተዘይኮይኑ ክትግበር ኣይተራእየን።ስለ

ምንታይ ኣይተተግበረን? ክበሃል ግቡእ ኢዩ። ምኽንያቱ ከኣ ልዕሊ ዓሰርተ ናይ ቀምሽ ኣደይ ሓንዂልኒ ዝዓይነቱ

ምኽንያታት ቀሪቦም ኣለዉ።

ብቐዳምነት ህግደፍ “መሬት ናይ መንግስቲ ኢዩ’ ማለቱሲ እንታይ ማለት ኮን ይኸውን“ ኣብዝብል ውጥረት ዘይ ምእታው። ምኽንያቱ ምስቲ ዝተዘባረቐ ትርጉም፡ ውነና መሬት ዜግነታዊ መሰል ዜጋታት ምዃኑ ዝእመነሉ እንተ

ኾይኑ፡ ውሉድከ ከመይገይሩ ኢዩ ንመሬት ዓደ’ቦኡ ክጥቀመሉ ዝኽእል ሎሚ ሓድሽ ሕጊ ህግደፍ ዝተፈለየ ሃናጺ ኣጠቓቕማ ክፈጥር ኣይኮነን። ብመሰረቱ መሬት ጤሳ፡ መሬት ዓዲ መሬት ዴሳን ጽልምን ነይሩ እንድዩ። መንግስቲ ንልምዓት ዝሕጸዮ መሬትከኣ ብመልክዕ ካሕሳ ሕሳቡ ይገብር ከምዝነበረ ፍሉጥ ነይሩ እንድዩ። እዚ ህግደፋዊ ኣዋ ጅ ሎሚ ዝሕደሰሉ ዘሎ ምኽንያትድኣ እንታይኮን ይኸውን?

ብመሰረቱ ዋንነት መሬት ዋሕስነት ህላወን ቀጻልነት ጅርን ምዃኑ ካብ ኣፍ ኣቕረብቱን ኣንበብትን ንጽበዮ ሓቂ ዘይ ኮነስ ብነፍሱ ርቱዕ ኢዩ። ኤርትራዊ ከኣ ብሓቂ ወናኒ መሬቱ ብምዃኑ ኢዩ’ቲ ሕመረት ጽንዓቱ። ኣብ ዝኸደ ከይዱ ድማ እንተኾነ ብሂወቱ፡ እንተዘይኮነ ከኣ ዋላ ኣብሳንዱቕ ኣትዩ ሓንቲ መዓልቲ ናብሃገሩ ከምዝምለስ ጽኑዕ እምነት ኣለዎ። ነዚ ሓያል ናይዋንነት እምነት ንምቕታል ኢዮም’ውን ገዛእቲ፡ መሬት ነጋውስ ‚’ዶሚናለ’ እናተባህለ መሬቱ ከሕድግዎ ዝሃቀኑ። ገዛኢ ወዲ ሃገርከ እንታይ እንዳገበረ ዲዩ?

ድሕሪ ’ይኣክል’ ዝመጽእ ፍታሕ ምዃኑ ከኣ ተገሊጽልና ኣሎ። ስለዚ ብስራት ምጅማር ኲናት ጸረ-ብልሽውና ይእ ወጅ እንሀለ። እወ፡ “ ካብ ሳዕሳዕካስ ተቖጻጸ“ ከኣ ኣሎ እንድዩ፡ ንከተምስል ዝግበር በዛሕዛሕ ብልክዕ መንነት በሃ ልቱ ከምዘነጽር ከኣ ዘይምርሳዕ። እምበር ህግደፍ ድኣ ከመይ ገይሩ ንሕቶ መሬት ብዘይሃገራዊ ሕጊ፡ ሕጊ ወፍሪ ፈራዲ ኣካል፡ ቅዋምን መሰላቱን ከጽንዕን? ብዘይ ንጹር ሕግታት ክብጻሕ ዝከኣል እንተዝነብር፡ ክንድቲ ዓመታት

ከምቲ ዝገለጾ ገበናት እናተገብረ ኣበይ ነይሩ?

እቲ ኣውራ ተሓላቕነቱ ብዛዕባ’ቶም ንሃገር ዘበርከቱ፡ ሃገርን ህዝብን ከይውጻዕ ኢሎም ሕሰም ዝተቐበሉ ዜጋታት መምበሪን ካልእ ንደቖም ዝኸውን ኣገልግሎት ክቕርብ ተበጊሱ ከምዘሎ ክምድር ሰሚዕና። ልክዕ ከኣ ከምቲ ኣብ

ምጅማር ኩዕታ ወርቂ ዝነበረ ፕረፖጋንዳ ህርፍርፎት ከክንዲ መሽረፈት ዝኸውን ስልማት ኣብጉንዲ ኣእዛንን ኣፍ

ልብን ደቂኣንስትዮና እናተጸበና ተገይሩ ዘይፈልጥ ምዕጻው ትካላት ወርቅን ምእሳር ወነንተንን ዝተራእየ፡ ሕጂኸ ካብ ሓድሽ ኣዋጅ መሬት እንታይ ክንጽበ?

መልሱ ድሮ ባዕሉ ደርጒሕዎ ኣሎ።  እቲ ባዕሉ ዝዘርኦ ብልሽውና ሳዕሪርሉ ስለዘሎ ንከምስል ኩሉ ዝተዓደለ መሬ ት ክሳብ እኹል ምጽራይ ዝግበረሉ ውንዙፍ ኩነት ኮይኑ ክጸንሕ ኢዩ ተኣዊጁ። ስለምንታ ከምኡ ዝኣመሰለ ሓፈሻ ዊ ውዱእ ውሳነ ኢልካ ነፍስኻ ዘይምዕባር ተመራጺ ኢዩ። ከመይሲ እዚ’ሞ ዓይነት ምህጋር ኮይኑ መቐጸልታናይቲ ብመልክዕ ቦንድን ብሸፈጥ ንግዳዊ ወፍሪ ክበሓት ተወጢኑ ዘሎን ዝተራሰየ ዝምታ ሃብትን ኢዩ። እምበር ሃገራዊ ግቡእ ሚኢታዊት ዝኸፈለ፡ ንሃገር ዘገልገለ ዝብል ምስምስሲ ክሓፍረሉ ኢዩ ነይርዎ። ምኽንያት ብሕልና’ቶም ነዛ መሬት፡ መሬት ኩሉ ዜጋ ክትከውን ዝወደቑ ልዕሊ ምኢቲ ሽሕ ሰማእቲ ኮራዂሕዎ እንተዀይኑ፡ ገለ ካብኣቶም ድኣ’ሞ ኣብ ቤትማእሰርትታት እንድዮም ዘለዉ። መርኣያኦም ድኣ’ሞ ብጥይትዶ ከይተሳሃሎም? ከክንድኡ ኣምስሉ ቃላት ኣብክንዲ ምንዳይ ንጹህ ሕልናን ቀሊል ግብራዊ ወስታን እንድዩ ዘድሊ ነይሩ።

ህግደፍ ብሓቂ ብዘለዎ ሕዱር ጥሙሕ ግዝኣት ከቢድ ፕሮጀክት ምምንዛዕ መሬት ዓደ’ቦ ኣውጺኡ ኣሎ። እዚ ከኣ ኣውራ ነቶም ካብስግር ባሕሪ ኣብማእከል ሃገሮም ዘጥረይወን መንበሪ ኣባይቲ ክራሲ መቐጸልታ ናይቲ ብዓንተቦ ዝዘርገሖ መጻወድያ ምዃኑ ንመን የደናግር? ከምዝፍለጥ እቶም ነገራቱ ከየጣለሉ ነፍሶም ንህግደፍ ዝሃቡ ሰብዓቕ

ሚ፡ ምእንቲ ከይዝመቱ ክብሉ ሓቂ ብምጉሳይ ኣንጻር ሕልናኦምን ኤርትራውነቶምን ናብህልም ዝበለ ጥልመት ዝኣ ተዉ ኣይወሓዱን። እናሓደረ ከኣ ክዉን ነገር ካብ ክዉንነቱ ስለዘይሓልፍ፡ እታ ቆላፊት ሓቂ ዋንነቶም ክትረግኣሎ ም ዝያዳ ክውፈዩ ይሕተቱ እነዉለ። ብላሽ ትጽቢት! ክሳብሎሚ ከኣ ናይዋንነት ምስክር ዝተዓደለት ገዛ ኣይተራእ የትን። ስለዚ መን ኢዩ ዋና ገዛውትና ግራውትና? መንኢዩኸ ዋና ባሕርናን ዓድናን ወደባት?

ኣስተውዐኢል ኤርትራዊ፡ ኢሳይያስ ብተግባራቱ ብምንም ተኣምር ኤርትራዊ መበቆል ይኹን ኤርትራዊ ስምዒት የብሉን። ሃገርና እንተደኽደኸት፡ እንተኣንቆልቆለት፡ ህዝብና እንተደንቆረ፡ እንተተሰደደን እንተተጠብሐን ምንም ዝትንክፎ ኣይኮነን። ስለ’ቲ ንሱ ብኣፍ ለጎግ ዝብል ወለላ ዘረባ እናኸዓወ፡ ብተግባር ገና ንቅብረት ኤርትራና ዝዓለ መ ኮይኑ እንሆ። ንሱ እናኾነ ድማ ካብ ህዝብና ክጽበዮ ዘይግብኦ ሞሳ ከኣ ይጽበ። ጉድ ኢዩ፡ ንብሕትውቲ ሰልፉ ህግደፍ ዘሐጉስ ናይ መጨረሽታ ክፍሊት መቸም ማል ኣይኮነ ኣዋርቕ። ናይ መወዳእታ ክፍሊት’ሞ ኤርትራውነትካ ምድስካል፡ ኣሸበሸብ ከምገለ ዳግማይ ምርጫ እንተመጸ ከኣ ብዘይውልውል ኣብ ሳንዱቕ ትግራይ ትግርኚ ምጉንባ ሕ ዝዓለመ ምድላው ምዃኑ ከይተተንተነ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ነዚኣ ንፈልጣ እንተኾይንና ጸላእትናን ፈተውትናን’ው ን ንፈልጥ ኢና። ቀዳሞት ሓርበኛታት ነዚኣ ፈሊጦም ኢዮም ንሓድነት ዝተቓለሱ። ንሃይማኖታዊ ምዝመዛ ዝፈወ ሱ። ንኣውራጃውን ወገናውን ጸወታታት ፖለቲካ ዝመከቱ። ንከፋፋሊ ምቕልታት ዝፈወሱ:………። ንስኻ ሓድሽ ወለ ዶኸ ዞባዊ፡ ብሄራዊ ዝኣመሰለ ጥሙሕ ድዩ ባህግኻ? መዓስ ከምተዕርፈለን ዘይፈለጥካየን ኣባይቲ ድየን ክሓልካኻ ወይስ ሓቀኛ ሃገራዊ ወኒ?..........

እዋኑ እዋን መሬት ዓደ’ቦን ኣለናታትን። ደጊምና ስለምንታይ ህግደፍ ነዚ ድምብልብል ዝዓይነቱ ርቡጽ ኣዋጅ ከም ዝኣወጀ እስከ ንሕሰበሉ። መቸም ሎሚ ኩሉ ዜጋ “ኣለና“ ብማለት ብሓባር ከምዝተንስአ ተረዲእዎ ኣሎ። እዚ ተበ ግሶ’ዚ ኣቓልቦ ዓለም ከይተረፈ ረኺቡ ምህላዉ’ውን ድሮ ተሰቝርዎ ኣሎ። መንእሰይ ኤርትራ ሓንሳብ እንተነዲሩ ከኣ እታ ትስዕቦ ተጋኒና ትረኣዮ ከምዘላ ተጋሂዳ ኣላ። እሞ ከምቲ ክብረት ጠ/ሚኒስተር መለስ ዜናዊስ’ዃ በየናይ ቅ ንዕናን ዜጋነትን! ዝኾነ ኮይኑ ኣብታ ናይ ኮነ መዓልቲ ነቲ ስሱዕ ሽውሃቱ ከርዊ ዘኽእሎ ማል ሰፍሲፉ ናብ ዘብሎ የ ብሉን’ሞ ድሮ ሂወቱ መኸወሊ ስኢንላስ ሓንሳብ ከም ሳዳም ካብጉድጓድ ክዝቆቕ፡ ከም ቃዛፊ ኣብ እንዳፋራ ክሸጓ ጎጥ እናሕለውለዎ ከምዝሽገር ሓቂ ኢዩ። ብወገነይ ምንዮተይ ከምዘይኮነ እናገለጽኩ፡ ነገር ሰብ ከኣ ተስፋ ኣይቁረጽ ን እንድዩ፡ ከምመንጌ ከኣ ሓጹር ክጥሕስ’ውን ይረኣዮ ይኸውን። እንተኾነስ ብዘይካ ናብ ትግራይ ናበይ ከየብል!!

እንተ’ታ “ይኣክል“ እትብል ቃል’ሞ ወዮድኣ ሰረቕቲ  ኮይኖም’ምበር፡ ሓርበኛታት ኢዮም ንህግደፍ “ይኣክል“ እናበ ሉ ዝጭርሕሉ ዘለዉ። ንሳቶም ግን ዝዋውዕ ሓልዮት ተኸዲኖም ብልሽውናኦም ብኣምሳል ሰለስተ ዝእግራ ጉልሻ ብከላ ብማለት ከይተረድኦም “ዝቕበል፡ዘቐብል፡ ብስቕታ ዝርኢ“ ክብሉ ሰለስቲኡ ተምሳላት መንነቶም ኣጋሊጸሞ።

ምኽንያቱ ብዘይኣገባብ መሬትን ኣባይትን ዝራሰየ፡ ንዝራሰዩ ዝለኣኸ፡ ብስዉር መልክዕ ገንዘብ ስርቂ ሒዞም ክኹ

ብሉሉ ዝገበረ፡ ፍትሒ ኣጥፊኡ ብልሽውና ኣተኣታትዩ ክንሱ ብስቕታ ዝረኣየን ሰለስቲኡ ኣእጋር ጉልሻ ብከላ ህግደ ፍ ባዕሉ ስለዝኾነ፡ ክሳብ ኤርትራዊ መንእሰይ መሰረታዊ ፍታሕ ዘምጽእ ከኣ ጋና ካልእ ጉድ ክርአ ኢዩ።

ሓደነትን ሓይልን ንመንእሰያትና!

ጎደፋ፡

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...