ኣብቲ ዓርቢ 21 መስከረም ምስ ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ አዕሩኽ ኢጣልያውያን ኤርትራውያን ዝተኻየደ ሓባራዊ ዘተ፡ ኤርትራዊት ተጣባቒት ኤርትራውያንና ስደተኛታት ዶክተር ኣልጋነሽ ፍስሓ (ኣልጋነሽ ጋንዲ)፡ ኣብ ሲናይን ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ስደት ኣብ እተቐየድሉ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርትን ብምብጻሕ በዴዌን ብዝተባህሉ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ደቂ-ሰብ (ትራፊከርስ) ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ንኽትርእዮን ኪትስምዖን ዘስካሕክሕ ግፍዕን፡ ምምዝሓቕ ክፋላት ኣካላት ኩሊትን ካልእን ብስእልን ድምጽን ግዳያት እተሰነየ ምስክርነት ኣቕሪባ።

ጋዜጠኛ ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካ-ዓካ) ብወገኑ ህዝቢ ኤርትራ ዓሰርተታት ኣሻሓት ብሉጻት ደቁ ከፊሉ ዘረጋገጾ ሃገራዊ ናጽነት ብስርዓት ህግደፍ ተጨዉዩ ራኢን ባህግን ሓርነት ህዝቢ ተቖጽዩ፡ ህዝብና ኣብ ኣዚዩ ዘሕዝን ጸልማት ሃዋሁው ከምዘሎ፡ እቶም ሰውራ መሪሖም ሃገር ዘውሓሱ ኪሳዕ ሕጂ ን11 ዓመት ዝኣክል ዝተቐየዱ ላዕለዎት መራሕትን ጋዜጠኛታትን ምልክትን ሰንደቕን ኩሎም ብዘይ ፍትሒ ዝተኣስሩ ኣሻሓት ዜጋታት ኤርትራ ሙዃኖምን ብምግላጽ፡  ኣብዛ ሰንደቕ ንቕሎ ናጽነትን ሓርነትን ዝኾነት ወርሒ መስከረም ኬይንና ነቲ ንሳቶም ዝተለምዎ ቓልሲ ፍትሕን ሓርነትን መሳርዕና ወዲብና ኪንቅጽሎ ቃልና ከነሐድስ ከምዝግባእ ብምዝኽኻር ንኹሎም እቶም ትማሊ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ልዑል እጃም ዘበርከቱ ኢጣልያውያን አሕዋት ብምሙጓስ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ኣብቲ ምእንቲ መሰልን ፍትሕን ዝግበር ቓልሲ እጃሞም ከበርክቱ ጸዊዑ።

ዉሩይ ዓርኪ ሰውራ ኤርትራ ኢጣልያዊ ጋዜጠኛ ፔትሮ ቨሮኔሰ ድማ፡ እዚ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቓልሲ መሪሑ ኣብ ኣስመራ መንግስቲ ዝመስረተ ሓይሊ ኪትኣምኖ ብዘጸግም መገዲ ናብ ጎደና ጥፍኣት ይጕዓዝ ብምህላዉ ከም ኣድናቕን ቀረባ ዓርኪን ሰውራ ህዝቢ ኤርትራ መጠን ብልቢ ከምዘሕዝኖ ሓቢሩ።  መግለጺኡ ብምቕጻል ቨሮነሰ፡ ቅድሚ ናጽነት በቲ ኣብ ሜዳ ኣቲና እንዕዘቦ ዝነበርና ዘደንቕ ጀግነትን ተወፋይነትን፡ ምህዞን ተበላሓትነትን፡ ዲሲፕሊንን ጽንዓትን ተጋደልቲን እንነብቦ ዝነበርና ዕላማታትን ቻርተራትን እቲ ግንባር ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ሓንቲ ብኣብነት እትስመ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ኪትምስርት ኢያ ዝብል ልዑል ትጽቢት ከምዝነበሮ እንተኾነ ዘይከምትጽቢት ኩሉ ዜጋን ፈታውን እታ ሃገር ሃገር ምልክን ዓፈናን ብሙዃና ኣዚዩ ከምዘተሓሳሰቦ ብምግላጽ፡ ሕጂ እውን ኢርትራውያን ምእንቲ መሰልንን ሓርነትን ኣብ ዝገብሩዎ ቓልሲ እጃሙ ከበርክት ድሉው ሙዃኑ ኣረጋጊጹ።

ንምሸቱ እቲ ብሕቶን መልስን ብርእይቶን ምኽርን ዝማሞቐ ዘተ ብእንግዶት ድራር ተዛዚሙ።

ንጽባሒቱ ምሸት ቐዳም 22 መስከረም ዶክተር ኣልጋነሽን ፍስሓን ጋዜጠኛ ሳሙኤን ገብረሂወት (ዓካ-ዓካ)ን  ንኤርትራውያን  ደለይቲ ለውጢ ነበርቲ ሚላኖ ተመሳሳሊ ኣኼባ ኣካይዶም። ክልቲኦም ተዛተይቲ ነቲ ብድሮኡ ምስ ኢጣልያውያን አዕሩኽ ኤርትራ ዘካየዱዎ ዘተ ስፍሕ ብዝበለ መልክዑ ኣቕሪቦሙሎም። እቶም ተሳተፍቲ በቲ ብነጋዶ ክፍሊ ኣካላት ወዲ ሰብ በደዌን፡ ኣብ ልዕሊ አሕዋትና ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ዘንጸባርቕ ብዶክተር ኣልጋነሽ ዝቐረበ ስእላዊ መርትዖታት፡ መሪር ሓዘን ከምዝተሰመዖምን ንዕኡ ንምግታእ ኣብ ዝግበር ቓልሲ ዓቲቦም ከምዝዋስኡን ቃል ኣትዮም።

ድሕሪ እቲ ናይ ሓባር ኣኼባ ጋዜጠኛ ሳሙኤል ንኤርትራውያን መንእሰያት ሚላኖ ብዛዕባ ኣኼባ ደብረ ዘይቲ፡ ካብ ውዳበ ኪሳብ ፍጻሜ ንዝነበረ ኩነታት ብዝርዝር ብምሕባር ምስሊ ናይቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ብምቕራብ፡ መንእሰያት ሚላኖ ኮኑ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ዝርከቡ መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝወርድ ዘሎ ሽግርን መከራን ቀዳምነት ብምሃብ ኩሉ ፍልልያቶም ኣጽቢቦም ንናይ ሓባር ዕላማ ውዳበኦም ኣስሚሮም ኪቃለሱ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ። እቶም መንእሰያት ብወገኖም እዚ እዋን ነቲ ትማሊ ኣብ እዋን ቓልሲ  ሎሚ ዘይከተተ ብደዉ ከምዝሞተ ዝበሃለሉ ዝነበረ እዋን ከምዘዘኻኽሮም ብምሕባር ስቓይን መከራን ህዝቦም ንምሕጻር ዓቕሞም ዘፍቅዶ ዘበለ ከምዝገብሩ ቓል ኣትዮም።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...