AND in the end, it is NOT the years in your life that count. It’s the LIFE in your years.

 

Abraham Lincoln (1809 – 1865)

እንዳ ዝናን-ባህታን ኣብ ቀዳማይ እግሮም፡ ሽሕ’ኳ ንኾምብሽታቶ ካብ ለመንቲ ናጻ ኣውጺኦም ክሓዝእዋ እንተፈተኑ፡ ብውጽኢት ስጉምቶምስ ከምትጽቢቶም ኣይዓገቡን። ኣብ ሓጺር ግዜ  ኣብ ጽርግያን ባራትን ናየ’ስመራ ክሃምም ዝጀመረ ንፋስ ……ንእስነትን ስራሕ-ኣልቦነትን …… ምስ ጃህራ ናይ ዝናን-ባህታን ከምዘይቃዶ፡ ቀልጢፎም’ዮም ቆብ ኣቢሎሞ።

ሽዑ፡ ወዮ ቐደም መንእሰያት እንከለዉ:  ንእስነትን ስራሕ-ኣልቦነትን ኣብ ዕለታዊ ሂወቶም ተገቲሩ ፍሕት  ምባል ምስከልኦም፡ ዘውድን ንጉስን ዘይፈተውዎ  ናዕብን ሾቦሮን ክፍጽሙ ከምዝተገደዱ፡ ትዝ ይብሎም’ሞ፡ ከምኣ ከይተጋጥሞም ፈርሑ። ሻቡ ንኾምብሽታቶ ካብ ወራር ንእስነትን ስራሕ-ኣልቦነትን ናጻ ከውጽእዋ፡ በትሮም ከወጣውጡ ደቂቕ መጽናዕቲ ኣይወሰደሎምን።

ብቕጽበት ንጽርግያታት ኮምብሽታቶ ካብ ዝምባለ ናይ ዓዋሉን ናይ ከተማ ሸፋቱን ናጻ ንምውጻእ’ዩ፡ ዝበልዎ ወፍሪ ብምእዋጅ ድማ፡ ከም’ታ ናይ ሳሕል ማፍጢ ትመስል ኣብ ሳዋ ኣጒዶም፡ ንጠለባት ናይ ንእስነትን ስራሕ -ኣልቦነትን፡ ብመብጽዓ ተኣዝዞን ድኽነትን ክምልምልዎ ኣንጊሆም ብስላዕ ምርዕራዕ ተተሓሓዝዎ።

ሓቂ ንምዝራብ፡ እንዳ ዝናን-ባህታን ነቲ ዘሕለፍዎ ናይ ንእስነት ተሞኩሮ ዝረስዕዎ ክመስሉ እንተዘይደልዮም’ሲ፡ ነብሶም ይምሓር  ንጉስ ኣብ ሾበሮ ንዝወዓሉ ተመሃሮ፡ ንግዜኡ ካብ ምቕጻዕን ምእሳርን ብዙሕ ኣይሓለፉን። ብዘይምግናን ንጉስ ኣብ እዋኖም፡ ንጎደና ኮምቢሽታቶ ካብ ለመንቲ ወይ ድማ ካብ ጠለባት ንእስነትን ስራሕ - ኣልቦነትን ናጻ ከውጽእዋ ከይሓለሙ’ዮም እዛ ዓለም ዕዳጋ ኣርኪባቶም።

ስለዝኾነ ድማ ብንጽጽር እቶም ከም ጠንቂ ምጉህሃር ናይ መስርሕ ገድልን-ምግዳልን ክሳብ ምጽብጻብ ዝበጽሑ፡ ኣብ እዋን ንጉስ ዝተመዝገቡ፡ ሃለዋት ንእስነትን ስራሕ-ኣልቦነትን ይሕሹ ኔሮም፡ ምባል ምግናን ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ንሳቶም፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ንመጻኢ ዕድሎም ዝምእምእ ዝሓሸ ኣማራጺ ሃሰስ ምባል፡ ብዘውድን ንጉስን ኣይተነፍጎምን። ኣብ’ቲ ዝተፈተነ ጻዕርታት፡ ምስላጥን ዘይምስላጥን ግን ከም ጸግዕኻን ሞያኻን’ዩ ኔሩ። ዓለም ዕዳጋ!

ዝኾነ ኾይኑ በቲ ዘጋጥም ዝነበረ ኣማራጺታት ስለዘይዓገቡ፡ ውሑዳት ናብ ስደት፡ ብዙሓት ድማ፡ ነቲ ሽዑ ሰፊኑ ዝነበረ፡ መኣዝን ሽፍትነት ኣመኣዛዝዮም፡ እንተተሰሊጡዎም’ሲ ዝሓሸ መጻኢ ዕድል ኪቕይሱ ተስፋ ብምግባር ናብ በረኻታት ኤርትራ ከምዝፈሰሱ፡ እንዳ ዝናን ባህታን ካብ ሰብ ንላዕሊ ዝፈልጡዎ ታሪኽ’ዩ።

ከመይ’ሲ ካብ ማቴንሶ ክሳብ ተድላ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ናይ ኤርትራ፡ ሽፍትነት ከም ፋሽን’ዩ ፈቐድኡ ዝፍተን ዝነበረ። ማለት’ሲ ጓንድየ ተተዓጢቕካ ኣዘንግዕ ኣቢልካ ካብ ንግድን ዕዳጋን ናይ ደቂ ሓው’ቦኻ ምዝማት፡ ኣውቶቡሳት ናይ ገያሾ ደው ኣቢልካ ሽልንን ሮመር ሰዓትን ምምንጣል፡ ከምኡ’ውን እዋን ዕራርቦ ተጸናቲኻ ሕርሻ ናይ ፈረንጂ ምርሳይ ጥራይ ዘይኮነ’ሲ፡ ጸሓይ ወርሒ ተተጎልቢብካ፡ ፈቐዶ ዓድታት ንሓረስቶት ኣብልዑና ኣስትዩና፡ ገንዘብ ኣዋጺእኩም ኣምጽኡልና፡ ብዝብሉ ሸፋቱ፡ ዓዲ-ብዓዳ’ያ ተጎቢኣ’ያ ዝነበረት።

ደሓር ግን በብቑሩርብ ብዙሓትን ውፉያትን፡ ነቲ ዝምባሌ’ቲ ናይ ህዝቢ ሕቶ ናብ ዝማልኣሉ መድረኽ ከማዕብልዎ ለይትን ቀትርን ተዋዲቖሙሉ’ዮም።

ይኹን ደኣ’ምበር ሕጂ  ኣብ መወዳእታ ኣብ መበል ገጽ 100 መጽሓፍ ናይ ናጽነት፡  ዝንጸባረቕ ዘሎ ትሕዝቶ፡ ብዝናን-ባህታን ናጽነትን-ሱቕታን ዝዘቕበበ ኮይኑ ምስተረኽበ፡ እቶም ብዙሓትን ውፉያትን ናይ ኢዶም ኣይረኸቡን ዘብል’ዩ ኮይኑ ዘሎ።

ካብ’ዚ ኩነታት’ዚ ብምንቃል ድማ፡ ነዚ ኹሉ ዕንወት፡ ካብ’ዚ ዝርአ ዘሎ ዝሓሸ መሰረታዊ-ምኽንየት እንተተረኽበሉ ሃሰስ ንምባል፡ ነታ መጽሓፍ ናይ ናጽነት ካብ መወዳእታ ገጻ ተበጊስካ፡ ንድሕሪት ገጽካ፡ ገጽ ብገጽ ገገንጺልካ ዳግማይ ንባብ ከምዘድሊ ዝዕድም ዛዕባ’ዩ ሕማም ደሓር ኮይኑ ድቃስ ዝኸልእ ዘሎ።

ዝኾነ ኾይኑ እቲ ኣዝዩ ዝገርም፡ እንዳ ዝናን ባህታን ስልጣን ምስ ጨበጡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ከጋጥሞም ንዝጀመረ ጠለባት ናይ ንንእስነትን ስራሕ ኣልቦነትን፡ ብመብጽዓ ናይ ተኣዝዞን ድኽነትን ኣመልቢሳ፡ ከም ድላዮም ክትጠብሶን ከትምልምሎን እትህቅን ናይ ሳሕል ማፍጢ ኣብ ሳዋ እንደአና ምእጓዶም ጥራይ ኣይኮነን። እታ ማፍጢ ስራሓ ኣስሊጣ ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ ዝበሃል ዕሉል-ጸይቂ ብብቕዓት ክትምልምል ምኽኣላ’ዩ፡ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ከምኡ’ውን ውሕስነት መጻኢ ዕድል ኣንፈቱ ጠፊኡዎ ዘሎ።

እወ እንዳ ዝናን ባህታን ኣብ እዋኖም ንዝተፈጥረ ኤርትራዊ ንእስነት፡

ንመሰሉ ንኸይማጎት፡ ካብ መጻሕፍትን ዩኒቨርሲትን ኣርሒቖም፡ ዋርሳይ ኣጠሚቖም ናብ ተስታይ ከምዝቐየርዎ እዛ ዓለም ዕዳጋ ምስክር’ያ።

ስለ’ዚ እዛ ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን ማፍጢ ክሳድ ንእስነት ዝጠወየት፡ ስረን ስብእነትን ዝሰለበት፡ መጻኢ ዕድል ዝበልዐት፡ ብልሕን ፍትሕን ዝቐበረት ስለዝኾነት፡ ኣይሃበና’ዩ ዘብል፡ በብቑሩብ ዝወጽእ ዘሎ ጉድ፡  ፍልስፍና መጽሓፎም መምስተቐልዐት።

እወ እንዳ ዝናን-ባህታን ንባህግን ተበላሓትነትን ናይ ንእስነት፡ ከምኡ’ውን ንሕቶ ዕንጋሎ ናይ ስራሕ-ኣልቦነት ብሸፈጥ ባንዴራን ጥረራን ኣጎልቢቦም’ዮም ክሳብ ሕጂ ምእንቲ ረብሓ ናይ ስልጣኖም ከደናግሩ ጸኒሖም።

ነብሱ ይምሓር ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ካብ በረኻ ናብ ቤተመንግስቲ ኣራት ኪሎ እትው ምስበለ፡ ንዘጋጠሞ ናይ ባንዴራ ጭቕጭቕ ንምህዳእ፡ “ባንዴራኮ ጨርቂ’ዩ” ክሳብ ምባል ከምዝበጽሐ ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ሓቁ’ዩ ክቡር ኣቶ መለስ፡ ማለት’ሲ ናጸነት ብመስርሕ ምኹስኳስ መጻኢ ዕድል ናይ ንእስነት እንተዘይተለኪዑ፡ ዓወት ንለውጢ እንተዘይበቒዑ፡ ባንዴራን ጥረራን እንታ’ዩ መልክዑ?

ዝገደደ ድማ እዞም ተሓታትነት ናይ መዝነቶም ዝዘንግዑ እንዳ ዝናን-ባህታን፡ ሕግን-ባህልን፡ ንቡርን-ነውርን ጥሒሶም ከም ድላዮም ኣብ ገበላና እና’ውግዑ፡ መንእሰያት ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ዝሓሸ ኣማራጺ ሃሰስ ንኽብሉ፡ ተመራሪሖም በታ ኡንኮ ሂውቶም ክጣልዑን ኣብ ውቅያኖሳት ክጠልቁን ይረኣዩ’ለዉ።

ዝገደደ ድማ ፈቐዶ በረኻታት ሲናይ ብብድዐ በደዊን ከምዝድሰቑ ብሓዊ ከምዝቃጸሉ፡ ብመቐስ ኣጻብዖም ከምዝቑረጹ፡ ወዶም ጓሎም ብዘይንቡር ኣገባብ ብግብረ-ስጋ ከምዝድፈሩ እናፈለጡ፡ እናረኣዩ እናሰምዑ፡ ካብ ዓዶም ጥራይ ዘይኮነ ካብ መደበር ስደተኛታት ናይ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከይተረፈ ተተመራሪሖም ናብ ሙሉእ ዓለም ክብተኑ ብተደጋጋሚ ይረኣዩ’ለዉ።

በዚ ኩነታት’ዚ ዝተገረሙ ተዓዘብቲ ደቂ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ገለ ክስቀቑ ገለ ድማ ኪስሕቁ እንኪረኣዩ፡ ….. ኣሎ ድዩ ገለ ምስጢር ተሓቢኡ ወይስ ዜግነት እዚውን’ዩ መልክዑ፡ ዘየብል ኣይኮነን።   http://www.dailymail.co.uk/news/article-2205627/Child-torturers-Sinai-desert-Horrific-footage-reveals-human-traffickers-targeting-BABIES-families-pay-ransoms.html?ito=feeds-newsxml

ዝኾነ ኾይኑ እንተስተዓዲልና፡ እንተስወሪዱና ኣብ’ዛ ንርእያ ዘለና ናይ ታሪኽ ምዕራፍ በጺሕና’ለና። እንዳ ዝናን-ባህታን ዝገድፉ’ብሎምን። ናጽነት ማለት ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ምፍላይ ማለት ስለዝኾነ፡ እቲ ጉዳይ ወዲእናዮ’ለና ብምባል ዝተጃህሩዎ ከይኣኽሎም፡ እዛ ጸላኢትና ኢትዮጵያ ተመሊሳ ከይትወረኩም ብረትኩም ካብ ትርኣስኩም ከይትፈልይዋ ተጠንቀቑ፡ ኣብ ዝብል ስምዒታዊ ሃገራዊ-ስምዒት ኣደቂሶም’ዮም፡ ንጠለባት ንእስነተን ስራሕ-ኣልቦነት ብሽፋን ሃገራዊ ኣገልግሎት ተኸስ ከብልዎ ጸኒሖም ዘለዉ።

ስለ’ዚ እቲ ዝብላዕ ዘረባ ምስ ምግሃድ ናይ ናጽነት፡ እዚ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብል ወተሃደራዊ ዛዕባ እንታይ ዓይነት ጸገም ንምፍታሕ’ዩ ተኣዊጁ? እዚ ሕጂ ይዕደላ’ሎ ዝበሃለሉ ዘሎ ጠበናጁ’ኸ እንታይ ዓይነት ጸገም ንምፍታሕ’ዩ? ዝብል ዛዕባ’ዩ ዘዛርብ ዘቀራርብ።

ምናልባት ጽቡቕ ፍቓዶም ኮይኑ ኣይተረኽበን’ምበር፡ እንዳ ዝናን-ባህታን ንጠላባት ንእስነትን መጻኢ ዕድልን ዘውሕስ ናይ ስራሕ ኣማራጺታት ዝኹስኮሰሉ ሜላ እንተዝመርጹ፡ ናይ ኤርትራ አኮኖሚ፡ ጽውጽዋይ ወይ ድማ ናይ ስታቲስቲክስ ስእሊ ጥራይ ዘንጸባርቖ ፕሮፓጋንዳ ከምዘይኮነ ኩሉ ሰብ ምተገንዘቦ፡ ቆፎና ምመላአ ብሕምባሻ ብጎጎ፡ ንፋስ ኣይምኣተዎን ነቲ ዓቢ ህድሞ።

***ብዘይምግናን ናይ ኤርትራ አኮኖሚ’ሲ ከም ኣየር እተተንፍሰሉን መዋእልካ እተውሕሰሉን ዘይነጽፍ ናየ’ባዥጎ ትዕድልቲ ከምዘለዎ። ሕጂ’ውን ንጉስ ዕዳጋ ኣብ ዙፋኖም ኮይኖም ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ።***

ብርግጽ ድማ እዚ ዛዕባ’ዚ መን’ሞ ፈሊጥዎ ካብ ምባል ንመን’ሞ ጠፊኡዎ ምባል ይቐለሉ። ከመይ’ሲ፡

ናይ ታሪኽ ተመኩሮ ከምዝምስክሮ ምስ ምግሃድ ናይ ናጽነት፡ ዝተቐልቀለ ምሕዝነት ሓዚሉዎ ተበጊሱ ዝነበረ ውሕስነት መጻኢ ዕድላት ንምዝካር እንተተደፊሩ፡

1ይ) መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንንግድን ዕዳጋን ናይ ጨው (ኣብ ኢትዮጵያ) ንናይ ኤርትራ ጨው ጥራይ’ዩ ሓዚእዎ ዝነበረ። እዚ ሃብቲ’ዚ ብናይ ባድመ ሕማም’ዩ ሓሪሩ’ምበር፡ ናይ ክንደይ መንእሰያት ናይ ስራሕ ዕድል ከውሕስ ዝኽእል ዓንዲ ሕቖ ናይ አኮኖሚ ከምዝኾነ መን’ሞ’ዩ ንመን ክሕብሮ ሕጂ።

ምናልባት ካብ ምብራዕ ኲናት ናይ ባድመ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዕዳጋ ናይ ጨው ጥራይ ተኸሲሩ ዘሎ ሃገራዊ ረብሓ ጸብጻብ እንተዝግበረሉ ድማ ብቢልዮናት ዶላር ከምዝግመት ዘጠራጥር ኣይኮነን።

2ይ) ክራይ ናይ’ቲ ኣብ ዓሰብ ዝነበረ ሪፋይነሪ፡ ንናይ ኤርትራ ናይ ነዳዲ  ጠለብ ኣኺሉ ይተርፎ ከምዝነበረ ብወረ ጥራይ ዘይኮነ ብመጻሕፍቲ ዝተመስክረ’ዩ። እዚ’ውን ብናይ ባድመ ሕማም ሓሪሩ’ምበር ናይ ክንደይ መንእሰያት መጻኢ ዕድል ከውሕስ ይኽእል ከምዝነበረ መን’ሞ’ዩ ንመን ከዘንትወሉ ሕጂ?

3ይ) ብዓቢኡ እንዳ ዝናን-ባህታን ዝተሓሰምዎ ናይ ወደባት ኣገልግሎት ድማ ካብ ጁቡቲ ሓሊፉ ንከንያን ሱዳንን ሶማልን ኣሳቲፉ፡ ፈጢሩዎ ዘሎ ናይ ስራሕ ውድድር፡ ኣብ ምስፍሕፋሕ ወደባት፡ ምህናጽ መንገዲ ባቡራትን ጽርግያታትን ንምጽብጻቡ ዘደንጹ ትምህርትን ርእሰማልን ይውሕዘሉ ከምዘሎ፡ እዚ’ውን መን’ሞ’ዩ ንመን ከልቅሰሉ ሕጂ  ዘብል’ዩ።

ብዘይቃል ዓለም ኣንዳ ዝናን-ባህታን ነዚ ኣብ ደምበና ዘሎ ናይ ንግድን ዕዳጋን ትዕድልቲ ክላገጹሉ ብምምራጾም፡ ብተግባሮም ናይ ከተማ ሸፋቱ ኢልካ ምጽዋዕ’ኳ ክውሕዶም።

ዝኾኑ ኾይኑ እንዳ ዝናን-ባህታን ንትርጉም ናጽነት ካብ ምፍልላይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንላዕሊ ከማዕብልዎ ስለዘይከኣሉ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ክትቅጽል ትኽእልዶ ትኸውን ዝብል ኣረጊት ሕቶ ሎሚ’ውን ከም ሓዲሽ ዛዕባ ናብ መድረኽ ይቕልቀል ኣሎ።

ከምኡ’ውን ነዚ፡ ነዚ ኹሉ ዕንወት ዘስዕብ ዘሎ ናይ ከታማ ሽፍትነት፡ እንታ’ዩ መበቆሉ ሃሰስ ንምባል፡ እታ ተዛዚማ’ያ ዝተባህለላ መጽሓፍ ናይ ናጽነት፡ ካብ ገጽ ሚእቲ ማለት’ሲ ካብ ናይ መወዳእታ ገጻ ብምብጋስ ንድሕሪት ናብ ገጽ 99, 98, 97 ….. 1, እናተገንጸለ ዝካየድ ዘሎ ናይ ታሪኽ ንባብ፡ ዘዝገደደ’ዩ ዘቐልቅል ዘሎ።

ስለ’ዚ  እንተሰሊጡስ ሓዲሽ መንገዲ ቀይስ ዋርሳይ ዝብል’ዩ እቲ ዝብላዕ ዛዕባ። ምኽንያቱ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ጠለባት ናይ ንጉስ ዕዳጋ ከማልእ ዝእግሞ፡  መጽሓፍ እንዳ ዝናን-ባህታን ሸምዲዱ ዝጽንቅቕ፡ ናቱ ዘየርቅቕ ንእስነት ጥራይ’ዩ ኣብ ኢድ በደዊን ወዲቑ ከም ጨው ዝሓቅቕ።

እንዳ ዝናን-ባህታን’ሲ  ዝብላዕ ዘረባ የብሎምን። ተወዲእዎም’ዩ። ይዋኣት’ዮም። ጸላኢ ኣብ ዘይብላ ዓለም ፖለቲካ ክሕንጽጹ ከምዘይክእሉ ኣብ ግብሪ ተራእዮም’ዮም። ብኣንጻሩ እዛ ዓለም ዕዳጋ ድማ ከም ዓለባ ሳሬት ተፈቲሉ ጥንግንግ ዝበለ ዝምድናታት ጥራይ’ዩ ዝዕወተላ ዘሎ። ስለ’ዚ ከም ዓለምና ምስ ዓለምናን ጎረባብትናን ኣብ ዕዳጋ ንምውዓል እንታይ ይሓይሽ’ዩ ዝብላዕ ዘረባ።

ስለ’ዚ ሃየ በል ዋርሳይ ምናልባት እንተተመሰለሎም፡ ጡረታ ከምዝግብኦም ሑሹኽ ኢልካ ባህ ምባሎም፡ ካብኡ በትሪ መንግስቲ ምቕባሎም ወይ ድማ ምምንጣሎም። ልዕሊ ኹሉ ግን ካብ’ታ ንሳቶም ሸታሕ ዝበሉላ ናይ ባንዴራን ጥረራን ለማጽ ከውሒ  ምጥናቃቕ። ከምይ’ሲ እዛ ናይ ጥረራን ባንዴራን ኲናት’ሲ ንጉስ ዕዳጋ’ውን ኣይፈትውዋን’ዮም። ተራእያ ድማ’ያ። ኣርባዕተ ነጥቢ’ኳ ዘይብላ። እቲ ናይ ሎሚ ዛዕባ ንሎሚ እቲ ናይ ጽባሕ ድማ ነርክበሉ ጽባሕ ምባል’ዩ።

ብሓጺሩ ኤርትራ፡ ዝናን-ባህታን ዝብል ዕቡድ ፍልስፍና’ምበር ካልእ ጸላኢ’ብላን። ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ብባንዴራን ጥረራን ዘይኮነ፡ ብትውልዲ ብታሪኽ ብባህሊ ብሃይማኖት ብጀኦግራፊ ዝግለጽ ብልጫ’ለዎ። ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ እዚ ብልጫ’ዚ ብዕግርግር ናይ ዕዳጋ ውድድር ዝነቓነቕ ኳና፡ ወይ ድማ ብብድዐ እንዳ ዝናን-ባህታን ዝቡርቆቕ ሞሞና ኣይኮነን። ርስቲ’ዩ። ንርስቲ ይዋጋኣላ ኣንስቲ (ምስላ) እኳ ዝብሉ ክቡራት ወለዲ። እሞ ክሳብ መኣስ’ዮም ደኣ እንዳ ዝናን-ባህታን ናቶም በሊዖም ሑጻ ዝንስንሱሉ ነዚ ናይ ደቆም መኣዲ።

ይኣኽሎም’ባ። ኣብ’ቲ ዝንየትሉ ናይ ሓሙሳ ዓመት ኣገባብ ቃልሲ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ሓቚኖም ዘየጽዓይዎ ሕቋን፡ ሎሚ ዓይኒ ምስጸልመተ፡ እንግድዓ ምስጎበጠ፡ ብርኪ ምሰ’ምፈጥፈጠ፡ መልሓሶም እንተለኽበጠ፡ ጠበንጃ ፈቐዶ ዓድን ዓውድን እንተተቐመጠ፡ ሕቋኖም ኣይጽዕን’ዩ። እዚኣቶም ሓቖንቲ ማይ እዮም።

ሕጂ’ውን ምናልባት ሽፍታ ከምኣመሉ፡  ነገር ምጽሕታሩ ክቕጽል እንተወሲኑ ግን፡ ኣእዳዉ ሓጺሩ እዝግዮ ምባሉ፡ ኣይክተርፎን’ዩ ውዒሉ ሓዲሩ፡ ዋርሳይ ናብ’ቲ መጋርያ ሸፋቱ እንተዘይዘሊሉ። ናይ ብሓቂ ሽፍታ ክንሳሕ እንተወሲኑ ግን ህዝቢ መሃርን መሓርን እንዳኣሉ ምባሎም’ዮም ተሰቚሩዎም ታሪኽ እንተዘከሩ። ከመይ’ሲ ቀዳሞት ሸፋቱ ከምዝተማሕሩ፡ ታሪኽ’ዩ ምስክሩ። ዝጠራጠር እንተ’ሎ እነሆ ተደብቲሩ።

ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ

ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ  (1951 – 1955) ብኣለም ሰገድ ተስፋይ። ኣብ ገጽ 51

“UK Report, p9-10, par 29-32. ዳርጋ ብምሉኦም እቶም ዝዓበዩ መራሕቲ ሽፍታ፡ ማለት ከኣ ኣስረስሀይ እምባየ፡ ሓጎስ ተምነዎ ወልደገብርኤል ሞሳዝጊ፡ ተኸስተ ሃይለ፡ ደበሳይ ድራርን ካልኦትን፡ ንኢትዮጵያ ኢዶም ሃቡ። ኣብኡ ከኣ ሽመትን መዓርግን ተቐበሉ። ገሊኦም ከም ኣስረሰሀይ፡ ሓጎስ፡ ገብረ ተስፋጽዮን ዝመሰሉ፡ ድሕሪ ፈደረሽን ኤርትራ ኣትዮም፡ ከም ኣመሓደርትን ዳያኑን ክምደቡ እንከለዉ፡ በዓል ደበሳይ ድራር፡ ተኸስተ ሃይለ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ተረፉ። ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ምስ ሰዓብቱ’ውን ኣብ ውሽጢ 1951 ኢዱ ሂቡ። እዚ ብኸመይ ከምዝተፈጸመን እንታይ ከም ዝሰዓበን ሰፊሕ ሓተታ ስለ ዘድልዮ፡ ምስ’ቲ ስዒቡ ዝመጽእ ሰውራዊ ተሞኩሮኡን ታሪኹን ተተሓሒዙ ንኽግለጽ ንጊዜኡ ክውንዘፍ’ዩ።” ዝብል ታሪኽ ተጠቒሱ’ሎ።

ቅዲ ኣመራርሓ ኢሳይስ ድማ ኣብ’ታ መዋርዶ ዘይተቐረበላ ጸድፊ ተሰቒሉ፡ ዓዲ ምስኣተወ እንዳኣሉ፡ ንኽልተ ሸውዕተ ማጨሎት ዝወስዶ ቀሽን ሽማግለን ስኢኑ፡ ዓድን ዓውድን ካብ በረኻ ምፍላይ ኣጊሙዎ ኣብ ማእከል ኮምብሽታቶ ሽፍትነት ናይ ሽባኻ ተተሓሒዙዎ ዘሎ።

ብመለክዒ ሽፍትነት ናይ ሽባኻ እንተተመዚኑ ድማ፡ እቲ ናይ ቀደም ናይ በረኻ ሽፍትነት ዝንጸባረቐሉ ዝነበረ ምዝማት ጥሪትን ንብረትን ዳርጋ ሕያውነት ተቖጺሩስ፡ ዕዳጋ ልብን ኩላሊትን’ዩ፡ “እዚ’ውን ይሓልፍ” እናተባህለሉ  ካብ ሲናይ ክሳብ ማይ ተመናይ ኣማኢት ኣሽሓት ዶላራት ዝብተነሉ ዘሎ።

ስለ’ዚ ይኣክል ኮለል ብሸፈጥ ባንዴራን ጥረራን፡ ብውሑዱ ብውሑዱ! ከም ደቂ ጂቡቲ ደቂ ከንያ፡ ደቂ ሱዳን ደቂ ሶማል ናይ ንጉስ ዕዳጋ ቋንቋ ምልማድ፡ እንተተኻኢሉ ድማ ርስትኻ ምውናን’ዩ ዝብላዕ ዛዕባ።

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ (09/26/2012)

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...