እነሆ ዓቢ ብስራት ንደለይቲ ፍትሒ ደቂ ኤርትራ!

 

ኣለና

ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ (FFLE)

ምስ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲን ፍትሒን ኤርትራ (EMDJ)

ካብ ዕለት 06 ጥቅምቲ 2012 ንደሓር ብሓደ ንክንሰርሕ፣

ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከኣ ከም ሓደ ምንቅስቓስ ንክንሰምር ወሲንና ኣሎና

ግንባር ዓደቦ ከም ሕልሚ ዮሴፍ ኣብ ምድረ-ፎርዖን፣ ብታሪኻዊ ግድነት ንዳግማይ ትንሳኤ ህዝቢ ኤርትራ ዝመጽእ ዘሎ ሃገራዊ ሃሚ ኢዩ። ንሕና ደምበ ኣለና ከም ኩሉ ደላይ ሓርነት ኤርትራዊ ተቓላሳይ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት እንታይ ዘሪእና፣ እንታይ’ከ ኣፍሪና ንተዓዘብቲ ንገድፎ። ተግባራትናን ምህርቲናን እንተተረሲዑ፤ ምናልባት ተዛረብቲ ንመስል ንኸውን! ምናልባት ተጀሃርቲ ንመስል ንኸውን፣ ምናልባት’ውን ሓለምቲ ንመስል ንኸውን! ግን ከኣ እቲ ነዊሕ ቅዱስ ሕልሚ ይትግበር ከም ዘሎ ንኣምን። ‘ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፣ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ’ ከም ዝበሎ ቅዱስ ዳዊት፤ ስጉሚ-ብስጉሚ ክንሰርሕን ብዘይ ጥርጥር 100% ክንዕወትን ምዃንናን  ከኣ ከነረጋግጽ ንደሊ።

ንትልሚ ዘርኢ ክርዳድ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብዘርኢ ስርናይ ዝተለመ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ደምበ ኣለና፣ ተዘሪኡ ጥራይ ኣይክተርፍን ኢዩ። እቲ ናብ ልቢታት ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝተዘርአ ሰናይ ዘርኢ፣ ክጽህየን ክዕጸድን…ደረጃ-ብደረጃ ከኣ ናብ ህዝባዊ ዳንዳ ክእርነብ ስለዝነበሮ ኢዩ ኣድላይነት ምምስራት ግንባር ዓደቦ ግድነት ዝኾነ። ብካልእ ኣዘራርባ፣ ምምስራት ግንባር ዓደቦ ነቲ ክውደብ ዝደሊ ግን ከኣ “ኣበየናይ ውድብ…ኣበየናይ ሰልፊ ክንውደብ? ኣብ ክልተ…ኣብ ሰለስተ ውድባት በጺሕናስ ቀቢጽና’ኮ ኢና!” ዝብል ዝበዝሐ ህዝቢ ንምውዳብ ዝተበገሰ ግንባር ኢዩ። ስለዚ ብፍርዲ ሕልና፣ እዚ ተበግሶ’ዚ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ዘቀላጥፍ’ዶ ይመስል ወይስ ዘደናጒ?

ኣሸበሸብ እቲ ዝተዘርአ ዘርኢ ስርናይ ብክንክን እንዘይተጻህይዩን ናብ ህጣራ ቅሚጦ እንተዘይተኾሚሩን ደኣ ክሃጉግ’ን’ዶ ኣይኮነን? ብዝኾነ ይኹን ማይክሮስኮፕ ፖለቲከኛታት ይጠመት ብዘየገድስ፣ ንሕና እዞም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ሓባራዊ ሃልሃልታ ንስሕን ዘለና ደቂ ሃገር፣ ንቅዱስ ዕላማ ዝተበገስናሉ ስጉምቲ ወይከ ፈልከት! ስለዚ ኢዩ’ምበኣር ደምበ ተቓውሞ ንምዕባይ፤ ብዓቢኡ ከኣ ሰራውር ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምጥጣዕ፣ ነቲ ምስ ህዝቢና ዘራኽብ ዕትብቲ ንምርጓድ ኣድላይነት ግንባር ዓደቦ ናይ ግድን ዝኾነ።

ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ብኣባላት ደምበ ኣለና ብደገን ብውሽጢን፤ ከምኡ’ውን ብብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ኤርትራ ኣብ ጽኑዕ ከውሒ ዝስረት ዘሎ ሃገራዊ ግምጃ ኢዩ። ምብትታን ህዝቢ ኤርትራ፣ ብዘይ ኤርትራዊ ግንባር ዓዋሉ ናብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ደረጃ ኣብ ዝወርደሉ ዘሎ ኣሰካፊ እዋን፤ ምስረታ ግንባር ዓደቦ ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ኣዝዩ ህጹጽ ሃገራዊ ውራይ ኢዩ። ምስረታ ግንባር ዓደቦ ምስ ምርባሕ ውድባት ፈጺሙ ክረአ ዘይግበኦ ጉዳይ ኢዩ። ግንባር ዓደቦ ሕብረ-ብሄራዊ፣ ንክልቲኡ ዓበይቲ ሃይማኖታትና ዝሓቁፍ፣ ንኩላተን ብሄራትና ዘተባብዕ፤ ንኩላተን ኣውራጃታትና ድማ ዘሳትፍ ግንባር ዓደቦና ኢዩ።

ግንባር ዓደቦ፣ ንፍልልይ ጀብሃን ሻዕብያን፣ ውድበይ ውድብካን ብሃገራዊ ማሕላ ወጊድ ኢሉ፤ ንመንእሰይ ሓይሊ ሓላፍነት ኣሰኪሙ ብተግባር ዝሰርሕ ገስጋሲ ግንባር ኢዩ። ግንባር ዓደቦ ከም ሕማም ንፍዮ ንሕማማት ኣውራጃነትን ሃይማኖትን ተበይኑ ዝወጸ ግንባር ኢዩ። ‘በዓል እንኮ እግሪ ኣባጉንባሕ’ ከም ዝበሃል፤ እቶም ብሕማም ኣውራጃ ገና ዘይተበየኑ መራሕቲ፣ ኣብ ውድባቶም ብዘይካ ደቂ ሓንቲ ኣውራጃ ወይ ወረዳ ንፈውሲ ማሕላ’ውን ናይ ካልእ ኣውራጃን ብሄርን እንኮ ሰብ ዘይብሎም፤ ናይ ኣእምሮ ስንኩላን፣ ብናይ ስልጣን ፖልዮ ዝተለኹሰሱ ይዋኣት’ዮም። ህዝቢ ኤርትራ ፋርዳ ንዘይብሉ ንካልኣይን ናይ መአዳእታን ግዜ ጠላዕ ከይትላዕ፣ ኣጸቢቕካ ኣስተውዕል! ካብ ሕማማት ኣውራጃ፣ ሃይማኖታዊ ብሄራዊን ፍልልይ ኣጸቢቕካ ረሓቕ።

እዞም ኣብ ቅድድም ናይ ስልጣን ማራቶን ዝወደቑ ናይ ፖለቲካ ነጋዶ፣ ገሊኣቶም ካብ ዓሊ ዓብዱ ተሰኪሙዎ ዝመጽእ ዶላራት ብኢድ መስፍን ሓጎስ ዝተተኹበሎም ኢዮም። ከምኡ’ውን ብመጠንቀቕታ ደብዳቤ ሃገራዊ ድሕነት ህግደፍ ተሸቑሪሮም ዝነብሩ መራሕቲ ደምበ ተቓውሞን ብመግደፍ ህግደፍ ዝናበዩ ብሉቕባሻትን መዝሙሮም ንሰምዖ ኣሎና። ንደምብ ኣለናን ምምስራት ግንባር ዓደቦን ብዝምልከት ብድሕሪ መጋረጃ ተሓቢኦም ንዝነዝሕዎ ዘለዉ ፈርካሽ ፕሮፓጋንዳ ክንምልሰሉ ግን ፍቓደኛታት ይኮናን።

ሎሚ ብስምረት ክልቲኡ ምቅስቓሳት፣ ህዝቢ ኤርትራን ፈታዊኡን ክሕበን ኢዩ። እሂናይ ደኣ’ኸ ዘይሕበን! እቶም ጸላእቱን ኣንባሃቑቲ ፖለቲካዊ ሕምባሻን ከኣ ድቃሶም ድቃስ ዓባይ ጤል ከም ዝኸውን ኣይሰሓትናዮን። ጉዳይ ስምረት ወላ’ኳ ኣብ ጉባኤ ብኣባላት ግንባር ዝውሰን እንተኾነ፣ ኣፈናዊ ርክብ ንስምረት ክልቲኡ ምንቅስቓሳት ዝዓግት ጀሪፍ ግን የለን።

ጥንሲ ግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ማህጸን ደምበ ኣለና ብውሽጢን ብደገን ዝነበረ ድቂ ኢዩ። እቲ ብደምበ ኣለና ዝፍለጥ ምንቅስቓስ፣ ብውሽጢን ብደገን ክገብሮ ንዝጸንሐ ፖለቲካዊ ወፍሪ፣ ንወርሒ ጥቅምቲ 2012 ንግንባር ዓደቦ ሓርነት ኤርትራ ክወልድ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። ብምውላድ ግንባር ዓደቦን ስምረት ክልቲኡ ምንቅስቓሳትን ገብኢ ዝገብረሎም ሰባት እንተለዉ ድማ፣ ክልተ ሸውዓተ ማጨሎት ንክሕጸቡ ንመኽሮም።

መስረትቲ ኣባላት እዚ ግንባር’ዚ ንብዝሒን ዋሕዲን ኣባላቱ ብዘየገድስ፣ ብውሽጢ ኤርትራን ብደገን ከም ሕንጻጻት ስፈ /ኸይጥ/ ተተቲዕና ኣለና። ብዛዕባ ደሃይ ደምበ ኣለናን ግንባር ዓደቦን ከኣ ብሳላ እተን ዘይሕለላ ትቓለስቲ ወብ ሳይታት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራውያንን ረድዮ ወጋሕታን ኣብ ዓይኒን እዝኒን ነፍስ-ወከፍ ሰራዊትን ህዝቢን ኤርትራ ከም ዝዓለበ ነረጋግጽ ኢና። መዓስ ኢና ብሑቕ ክንላፉ፣ እቲ ዝተላፈወ’ኸ መዓስ ኢዩ ናብ ሕብስቲ ክቕየር ናይ ግዜ  ጉዳይ ጥራይ ኢዩ። እንኮ መዓልቲ ስርዓት ህግደፍ ናብ ናይ ታሪኽ ስካሪኮ ዝድርበየላ ሰዓት ትቀራረብ ኣላ። ስለዚ ባቡር ህዝቢ ኤርትራ ትኸይድ ኢያ ዘላም’በር ኣብ ሓደ መንዶኻዱኽ ደው ኣይበለትን። ኣንታ ኤርትራዊ ሰብ፣ ንእሾኽ እሾኽ ኢያ እተውጽኣ’ሞ፣ ኣራግጻኻ ኣይትቐይር!

እዚ ጽባሕ ቢጊሓት ኣብ ካስል-ጀርመን ዝምስረት ዘሎ ሕመረት ግንባር ዓደቦ፣ ብዘይ ምግናን ካብ ቃሮራን ማርሳ ተኽላይን ክሳብ ጾሮናን ስመጃናን፣ ካብ ሕርጊጎን ማርሳ ፋጡማን ድማ ክሳብ ኣንቶረን ሃዋሻይትን ማለት ነፍስ-ወከፍ ትርብዒት ኪሎ ሜተር  መሬት ኤርትራ ዝፈልጥ ግንባር ኢዩ። ንመሬት ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ከኣ፣ ንህዝባ፤ ማለት ነቶም ደቂ ዓፋርን ደቂ ትግረን፣ ንደቂ ብሌንን ደቂ ሃረንደዋን፣ ንደቂ ሳሆን ደቂ ኩናማን ደቂ ናራን ደቂ ትግርኛን እንኮላይ ነቶም መሰል ብሄራዊ ኣፍልጦኦም ዝሓቱ ዘለዉ ህዝቢ ጀበርቲ ኣጸቢቑ ይፈልጦም ኢዩ። እቲ ምንታይ ኣብ ዘመነ-ተጋድሎ ምስ’ዞም ህዝቢታት’ዚኣቶም ከም ጽሩይ ወርቂ ኣብ ሓዊ ተፈቲኑ ዝወጸ ስለዝኾነ።

ግንባር ዓደቦ ነቶም ንሃገርና ኤርትራ ከም ቁራዕ ጥጥቖ ሓራሳት ናብ እቶን ሰኽቲቶማ ዘለዉ ጠላማት፣ ካብ ኢሳይያስን ኣባላት ቤት ጽሕፈቱን፣ ካብ ሓለፍቲ ህግደፍን መኮንናት ኢሳይያስን፤ ካብ ሚኒስተራት ክሳብ ኣማሓደርቲ ዞባታት በብሓደ ዝፈልጥ ግንባር ኢዩ።

መእተዊን መውጽኢን ብሎኮታት ኤርትራ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ካብ ኮነ’ምበኣር፣ ከምቲ ‘ሳዕስዒት ንዝፈልጥ ሰቐጥ-ሰቐጥ’ ዝበሃል ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ንዝግበር ኩለንትናዊ ቃልሲ መንገዱ ንምፍላጥ ጋሻ ግንባር ኣይኮነን። ግንባር ዓደቦ ናብ ሓድሽ ተራጻሚ ምንቅስቓስ ንምእታው ኣሃዱ ኢሉ ይብገስ ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ ኢዩ። እነና’ምበኣር እቶም ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ተመሳሳሊ ኣረኣእያን ዕላማን ዝጸንሓና ምንቅስቓሳት ግንባር ዓደቦን ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲን ፍትሒን ኤርትራን ብሓደ ሰሚርና ንክንሰርሕ ተሰማሚዕና ኣሎና። ምስ ካልኦት ግንባራውያን ተቓወምቲ ሓቢርና ንምስራሕ ከኣ ሎሚን ሕጂን ጆባእ!!

ጉባኤ ግንባር ዓደቦ ቦታን ዕለትን፦

October 5-6-7 2012

Jugendherberge Kassel

Schenkendorf Str.18

34119 Kassel – Germany

For more information please contact us@

Kassel:        01639641968

Frankfurt:     017652611213 / 015211261995

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ክልቲኡ ምንቅስቓሳት (ግንባር ዓደቦን ኢ.ኤም.ዲ.ጀይን) ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ደገን ብሙሉእ ስምረት ኣብ ወተሃደራዊ፣ ውደባዊ፣ ዜናዊ፣ ጸጥታዊ፣ ፋይናንስያዊ ከም ሓደ ምንቅስቓስ ኮይንና ንክንሰርሕ ኣብ ፍጹም ምርድዳእ ከም ዝበጻሕና ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ደጊምና ከነበስር ንፈቱ።

ነዚ ስምረት’ዚ ብዝምልከት ኣብ ሓጺር መዓልታት ክልቴና ምንቅስቓሳት ብሓባር ኣብ ፓል-ቶክ ቀሪብና ንህዝቢ ከነበስር ትጽቢት ኣሎና። ኣብ ጉባኤ ግንባር ዓደቦ ድማ ልኡኽ ምደፍኤ (EMDJ) ወግዓዊ ናይ ሓድነት መልእኽቲ ከቕርብ ኢዩ። ኣብ ደምዳሚ ኣዋጅ ግንባር ዓደቦ ከኣ ብንጹራት ቃላት ሓድነት ክልቲኡ ምንቅስቓሳት ክግለጽ ምዃኑ ኣቐዲምና ነረጋግጽ።

እዚ ስምረት’ዚ ሓያል ሕብረ-ብሄራዊ ውድብ ንምህናጽ ክብገስ ኢዩ። ካብ ክልቲኡ ሃይማኖታት፣ ካብ ኩላተን ኣውራጃታት፣ ካብ መብዛሕትአን ብሄራት፣ ዓበይቲን መንእሰያትን ዜጋታት፣ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን፣ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ዘጠቓለለ ምንቅስቓስ ክኸውን ኢዩ። ‘ካብ በዓል ቤት ዝፈልጥሲ ቡዳ’ ከም ዝበሃል፤ ነዚ ኤርትራዊ ንያት’ዚ ንምብርዓን ብዙሓት ገስገስቲ መሰል ዋጦት ክለዓሉ ምዃኖም ኣይዘንጋዕናን።

ዓወት ንምስረታ ግንባር ዓደቦ!

ብርግጽ ክንዕወት ኢና

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!

ይቕጽል…

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...