እዚ ጽሑፍ‘ዚ ቅድሚ‘ቲ ዝሐለፈ 6ይ ክፋል ኢዩ ክጽሓፍ ዝነበሮ፣ እንተኾነ ግን ነቲ „በቲ ዘዕበየና ናይ ሐሶት ነፍሕታት ዝበዝሔ ህዘቢ ናጽንት እናበለ‘ዩ ተዓምጺጹ!“ ዘበሃል አበሃህላ አንበብቲ አምቢቦም ሚዛኖም ከምብርሉ ንማለት ተባሂሉ‘ዩ፤ ከምኡ ኸኣ አብ‘ቲ ናብ ሕ.መ.ጉ.ዝተመደረ ሐደ ሐደ ዝይልኡም ቃላትን ሐረጋትን ናይ ደራሲ አትሪፈ፣ ሐሳባት ከምዘለዎ ኾይኑ ምስቲ ሓሳባት ዝኸይድ ቃላት እናተጠቐምኩ ከምዝተረጎመኩዎ ክፈለጥ አለዎ።

አብ ዝሐለፍ 6ይ ክፋል ናይ‘ይ አርእስቲ ብይን ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ብሕቡራት መንግሥታት ዐለም ከም ዝተበየነ ካብ ታሪኽ መጻሕፍቲ ብምውካስ ገሊጸ ሐሊፈ‘የ፤ ኾይኑ ግን ከምቲ ልሙድ እቲ ናይ ሐሶት ነፍሕታት ከም ሐቒ ወሲድና ዘዕበየና ጥራሐ ዘይኮነ፣ ክሳብ ለይተሎሚ አቦታትን አቦሓጎታትን ኾይናስ ንዐታትኹም ንተካእትና‘ውን ከይተረፈ ነተሓላልፈልኩም ዘሎና ነገር ኢዩ‘ሞ እሰኪ ባዕላትኩም ሪኢኹም መምይዎ።

„ወከልቲ ሻራ ኢጣልያ፡ ኢጣሎ-ኤሪትሪዮ ወይ (ማሕበር ሐናፍጽ) ምስ ሀገራዊ አስላማዊ ማሕበር፡ እትባሃል ንእሽቶ ማሕበርን፡ ገና አብ አሜርካ ኸለው ምሰ በዓል ኢብራሂም ሱልጣን ወከልቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ተራኸቡ። ሰሚሮም ንናጽነት እንተዘይተቓሊሶም፣ መጻወቲ በዐል ኢትዮጵያ፡ ብሪጣንያን አሜርካን ከምዝኾኑ ኸኣ ተረዳድኡ። ስለዚ ኩላተን ማሕበራቶም አብ „ቀጽሪ ናጽነት ኤርትራ! ክጥርነፉን ብሐደ መሪሒነት ኪካየዳን ወሰና።

ወረ ናይ‘ዚ አብ አሜርካ ዝተገብረ ስምምዕ አብ ኤርትራ ምስ ተሰምዔ ህዝቢ ኤርትራ ብዐቢ ሐጎስን ጭብጨባን ተቐበሎ። ህዝቢ እንተሰሚሩ ድሌቱ ክረክብ ከም ዝኽእል ጥርጥር አይነበሮን። በዐል ኢበረራሂም ሱልጣን ካብ አሜርካ ምስ ተመልሱ አብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ አኼባ ናይ ኩለን እተን ማሕበራት አብ ደቀምሓረ ተገብረ። በዛዕባ ሐድነት ተዘተየ፤ “ቀጽሪ ናጽነት“ ብወግዒ ተመስረተ።

„ሐንቲ ኤርትራ!“ እትበሃል ጋዜጣ ወግዓዊት ልሳን ናይቲ ውድብ ንኽትከውን ከኣ ተወሰነ። አብቲ አኼባ ራእሲ ተሰማ አስመሮም ከምዚ ብሉ፡ „ናጻን ሐራን ዝኾነት ብሙሁራት ደቀባት እትመሓደር አድልዎን ዐመጽን ዘይብላ ኤርትራ ንምምስራት ኢና ንጽዕር ዘሎና።“ ራእሲ ተሰማ ሽዑ ዐድሚኦመ 80 ዓምት ነበረ።

ዐገብ!“ መበል 20 ዘመን!“ ብምስማይ ገብረሂወት፤“

ነቲ ናይ‘ቲ  እዋን‘ቲ መንእሰይ ንኸምዚ ኸማይ ዝባሃሎ ዝነብረን፣ መረጋገጺ ከይሓተተ ከም ዘለዎ ብመቕባለ፣ ከም መጉስዕ እናኣጕሰዔን አመንጀገን (ሐየኸን) ዝነብር ዝነበረ፤ እቲ „ንናጽነት ዝብሉ ዝነብሩ ሠልፍታት ዝበዝሑ እናሃለው፣ ብሐይሊ  አሜርካ ተጓዕጺጹ፣ እዚ ማለት ሐይለ-ሥላሴ አብ አሥመራ ቃኘው ስተሽን ክህባ ቃል ስለ ዝአተወላ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይደለዮ ብፈደረሽን “ንዐሰርተ ዐምት!“ ክቁረን ገይርዎ፤ ዝብል ነበረ።

እንተ እቲ ከታልለና ዝነበረ ጉዳይ „ዐሰርተ ዐምት!“ ዝብል ጽውጽዋይ አብቲ ዝሐለፈ ክፋል ናይቲ ፈደራላዊ ውሳኔ ከምዘየለ ዘንበበ ኹሉ ፈሊጥዎ አሎ፤ ሕጂ ኸኣ እስኪ እቲ „ናይ ናጽነት ግምባር!፡ ዝበዝሔ እዩ ዝንበረ ተባሂሉ ዝነበረ ድሕረ ባየታ፣ ብሕጽር ዝበለ ልዕል ኢለ ከብረሆ ፈቲነ ከም ዘልኹ ኹሉ ትሒተ ብምቕጻል፣ ፍረዱ ንአምበብቲ ክገድፎ ኢየ።

„እዚ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ሐሳብ ጥርዓንን አልራቢጣ፣ ምስቲ አብ ኒው ዮርክ በተን ማሕበራት ቌይሙ ዝነበረ ህዝባዊ ግምባር ኤርትራ (ህ.ግ.ኤ.) ብቐጥታ ዝተራኸበ ወይ ብኡ ዝተደረኸ  ክኸውን ይኽእል። ምኽንያቱ እቲ ግንባር በ13 ግንቦት ብስም ሰለስቲኤን አቜምቱ፣ ማለት አልራቢጣ፣ ፕሮ-ኢጣልያን ኢጣልያ-ኤርትራውያን፣ ብእብራሂም ሱልጣን፣ መሓመድ ዑመር ባዱሪን ደሮሲን ዝተፈረመ ቴለግራም ናብ ኩለን እተን ናጽነት ዝድግፋ ማሕበራት (አልራቢጣ፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን፡ ሻራ- ኢጣልያ፡ ወታደራት ኢጣልያ ነበር፤) ተላኢኹ ነይሩ ኢዩ።

„አይንፋላለ! 1941-1950፣ ሐንቲ ኤርትራ፤“

እስኪ „የኤርትራ ጉዳይ! 1941-1963 ዓ. ም.ፈ.፤ ዘውዴ ረታ!“

ብዛዕባ‘ዚ እንታይ ከምዝብል ንከታተል፤ „ዐርቢ ጥቅምቲ 7 መዓልቲ 1949 ዓ.ም. ቅድሚ ቐትሪ ሰዓት አርባዕተን አርብዓን ሐሙሽተን ደቒቓ ( ሰዓት 10ን 45ን ደቒቓን ማለት‘ዩ፤)  ብናይ ካናዳ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስትር ሌስትር ፐርሰን (LESTER B. PEARSON) ሊቀ መምበርነት፣ ዋና ኮምሽን ሥርሑ ክጅምር ከሎ፣ ናይ መጀመርያ ተዛራባይ አብ ቀረባ ብናይ መንግሥቲ ጣልያን ባጀት ሐዲሽ ዝተፈጥረ ናይ ኤርትራ ናጽነት ሐተትቲ ድርጅት (ግንባር) (BLCCO INDEPENDENTE) ዋና ፀሓፊ፣ ግራዝማች ኢበራሂም ሡልጣን ነበረ።

ናይ ኤርትራ ህዝቢ ካብ ናጽነት ካልእ መፍትሒ ከምዘይቅበል፡ ናይ ሕቡራት መንግሥታት መበል ራድዓይ ጉባኤ ንምስማዕ ብጣልያን መሪሒነት  እቲ ሐሳብ አብ ኒው-ዮርክ ተጠንሲሱ፡ አብ ሮማ ጸዲቁ ዝተመረቐ፣ እዚ ናይ ሐተትቲ ግምባር፡ አብ ኤርትራ ዘለው ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ኩሉ ዘጠቓለለ ዐቢ ድርጅት (ግምባር)  ክኸዉን ናይ ደጋስባሪ መንግሥቲ ብዙሕ ደኺሙሉ ኢዩ።

ነዚ ዐቢ ግንባር መሪሒነት ብጣልያን ዝተመልመሉ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ነዚ ፓርቲ ንምድርጃው አብ ከተማ ሮማ ዘሕለፎ ሰሙን፡ ብዛዕባ እዚ ሐድሽ እቅድ ምስ ደገፍቱ ቅድሚ ኹነት ምምኽኻርን፤ ምስ እዚ ግምባር ክኸዱ ይኽእሉ ኢዮም ምስ እተባህሉ ሰልፍታት ብዛዕባ ውዕል ምድርዳርን፣ አድላይ ኾይኑ አይተራእዮን። አብ ኤርትራ ዘለው እቶም ቀንዲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ብናጽነት ግምባር ውሽጢ ብሐድነት ንምውሃሃድ ችግር አየጋጥምን ኢዩ ዝብል እምንት የሕዲሩ። እንትኾነ ግን እቲ አብ ውሽጢ ናጽንት ግምባር ክጠቓለል ኢዩ ዝተባህለ „ናይ ራቢጣ አል ኢስላምያ፤“ ሰዓብቲ ናይ‘ቲ ሰልፊ፣ ኢብራሂም ሱልጣን ምሰ ጣልያን እንታይ ከም ዝተዘዛራረበ ምስጢሩ እንታይ ከምዝኾነ ንምርዳእ ግዜ አይወሰደሎምን። ናይ ጣልያን ሐሳብ፡ ናይ ጣልያን ምድላዋት፡ ናይ ጣልያን ገንዝብ፡ ጥቕሙ ንጣልያን ሙኻኑ ብኡ ብኡ ስለ ዝተገልጸ፣ ናይ ምዕራባዊ ቆላ ሸኽ ዐሊ ረዳይ፣ ናይ መብረቓዊ ቆላ ቃዲ መሓመድ ዑመር፣ ናይ እብራሂም ሱልጣን ግምባር አውጊዞም፣ በብቦትኦም ሐደስቲ ናይ እስላም ሊግ መሥሪቶም።“ ይብል።

እስኪ ካብ‘ቲ ንናይ ሕቡራት መንግሥታት ጉባኤ ካብ ዘስምዕዎ መደረን ካብ መደራኦም ተሐቲቶም ዝሃብዎ መልስን ከም አብነት ብሐጺሩ እስኪ ንመልከት፤ „ኤርትራን ኢትዮጵያን ዋላ ሐደ ግዜ‘ኳ ይኹን ሐቢሮም ነይሮም ዘይፈልጡን ነገሥታት ኢትዮጵያ አብ መሬት ኤርትራ ረጊጾም ዘይፈልጡን ኢዮም፣ ኩሎም አህዛብ ናይ ቋንቋ ይኹን ናይ ባህሊ፣ ብታሪኽ ኮነ ብሀይማኖት ምንም ዐይንት ርክብ ዘይብሎም ኢዮም። በጥንታዊ ናይ አባሲደስ (LES ABASIDES) ዘመን፣ ብባግዳድ ከሊፋ ምስ ዝመሓደሩ  ናይ ዐረብ ሀገራት ሐንቲ ኤርትራ ነበረት። ናይ አባሲደስ ዘመን ሐሊፉ ናይ ከሊፋ ሥልጣን ምስ ተበታተነ በብሀገሩ ናይ አሚራት ሥልጣን ተመሥረተ። ካብ ኤርትራ ግዝኣት ሐደ ክፋል በሐደ አሚር ሥልጣን ተታሒዙ ክጸንሕ ከሎ፣ እቲ ዝተረፈ ክፋል ኸኣ ብሐደ ኤርትራዊ ተወላዲ ዘኾነ ናይ እስላም መራሒ ዝኾነ ይመሓደር ነይሩ።“

„ካብ ፖረትጋል ቀጺሉ ቱርካውያን ንኤርትራ መጺኦም ሠልጣኖም ምስ ዘርግሑ፡ ሀገርና ክሳብ ገዛእቲ ጣልያን ዝሓዝዋ ዘመን (መለት ክሳብ 1885 ዓ.ም.) በግበጺ ካዲቫት ክትመሓደር ጸኒሓ።“ ይብሉ።

ሕቶ? ሐታቲ ናይ ኢትዮጵያ ልኡኽ! „ብአባሲደሳውያን ሥልጣን ዘመን ናይ ባግዳድ ከሊፋ ካብ ዘማሓድርዎም ሀገራት ሐንቲ እዛ ሕጂ ኤርትራ እትባሃል ሀገር ካብ ኮነት፣ በቲ ዘመን‘ቲ እዛ ሀገር መጸውዒ ስማ መን ይበሃል ነይሩ? ቀጺሉ ኸኣ ናይ ባግዳድ ከሊፋ ሥልጣን ምስ ተበታተነ፣ ብአሚራት ዘመን ብኸፊል ናይ ኤርተራ ግዝኣት ዝመርሕ ዝነበረ አስላማይ ኤርትራዊ መን ይበሃል?“ ዝብል ነበረ።

መልሲ ብአብራሂም ሲልጣን፤ „ንሕና ንኒው-ዮርክ ክንመጽእ ኮሎና፡ ናይ ጥንቲ ታሪኽና ዘረድእ እቲ ዐቢ መጽሓፍ ሒዝና አይመጻእናን። ንሕቡራት ሀገራት ዝተዛረብናዮ እቲ ቀንዲ ቀንዲ ታሪኽና ጥራሕ ኢዩ። ዝርዝር ነገር ንምፍላጥ እንተደኣ ተደልዩ፣ ብናይ ዐለም ታሪኽ ደሊኻ ክርከብ ይከኣል ኢዩ።“

ዝብል መልሲ ኢዩ መሊሱ።

ዝኾነ ኾይኑ ሚዛኑ ንኣምበብቲ ገዲፈ አብ ቀጻሊ በሠላም የራኽበና።

„ብዙሓት ካብቶም ህዝቢ፡ ሰብኡትን

አንስትን፡ አብ ልዕሊ የሕዋቶም አይሁድ

ብርቱዕ ጭራሕ ምራሕ ገበሩ። ገሊኦም

„ነሕናን ደቕናን ብዙሓተ ኢና፡ ሰለዚ ክንበልዕ

እሞ ብሒወት ክነብርሲ እኽሊ ይወሃበና“

ዝብሉ ነበሩ። ገሊኦም ድማ „ጠሚና እኽሊ

ክንዕድግሲ ግርሁናን አታኽልቲ ወይንናን

አባይትናን አትሒዝና አሎና“ ይብሉ ነብሩ።

መጽ፡ነህ፤ 5፤ 1-3፤

ካብ ሻም/ ሐይለ- ሥላሴ ገብሩ፡

በሔረ ጀርመን፤

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...