ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ሓጺር ታሪኽ ስድራ-ቤት ኣቦይ ትኩእ ክገልጽ ፈቲነ። ኣቦይ ትኩእ ከም ኣብነት ድኣ ይጠቐሱ’ምበር፣ እቲ ታሪኽ ዛንታ ናይ ኣሽሓት ስድራቤታት ኤርትራ ምዃኑ’ውን ገሊጸ ነይረ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ድማ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ብዛዕባ መስዋእቲ ኣማረ ኣብ ወለዲ ፈጢሩዎ ዘሎ ዘይሃስስ በሰላ ኢየ ክዛረብ። ኣማረ ሓደ ካብቶም ኣብ 1973/76 ብስም መንካዕ ወይ ተረፍ መረፍ መንካዕ ዝተኣስሩ’ሞ ብእኡ ገይሮም ዝሓቐቁ መንእሰያት ሃገርና ኢዩ።

ሐደ ግዜ ሰላም ክብል ናብ ኤርትራ ናብ ሓደ ቤተ-ሰብ ተለፎን ደዊለ። ገና ሰላምታይ ከይወዳእኩ ሰብ ገዛ “ኣደይ ዘውዲ ከኣ መጺኣ ኣላ” ይብሉኒ። ብወገነይ “በሉ ሃቡኒ ንዓኣ ቅድም ሰላም ክብላ..” ምስ በልኩዎም ተለፎን የቐብሉዋ ። “ኣደይ ዘውዲ ከመይ ኣለኺ?” ምስ በልኩዋ፣ ብቐጥታ “ተክለሃይማኖትን ስምኦንን ይቕልቡና ኣለዉ” ክትብል መለሰትለይ። ከይተፈለጠኒ ምሉእ ኣካላተይ ተዘዝ በለ።

ኣብ 1994 ኣስማት ስውኣት ክንገር’ዩ ተባሂሉ ኣብ ቅርዓት ናይቲ ዓዲ ዳስ ተሰሪሑ ኩሉ ተወላዲ ናይቲ ዓዲ ተኣኪቡ ነበረ። ኣቦይ ትኩእ በቲ ሰብኡት ዝነበርዎ ሸነኽ፣ ኣደይ ዘውዲ ድማ በቲ ኣንስቲ ዝነበርኦ ቦታ ኮይኖም ኣስማት ደቆም ክሰምዑ ይጽበዩ ነብሩ። ኣየለ ብህይወቱ ኣትዩስ ኣብተን ድሕሪ ናጽነት ዝነበራ ዓመታት 1991 – 1994 (ስውኣት ዝተነግሩላ ዓመት) ብዙሕ እዋን ገዛ ተመላሊሱን ብኣካል ረኺቦምዎን ስለ ዝነበሩ፣ እቲ ዝጽበይዎ ኣስማት ናይቶም ሰለስተ ገና ደሃይ ዘይረኸቡሎም ደቆም ኢዩ ነይሩ። ኣደይ ዘውዲ ኩርምይ ኢላ ንብዓታ ጸረር እናበለ ኢያ ኣስማት ተክለሃይማኖትን ስምኦንን ክጽዋዕ ዝሰምዐት። ኣማረ ትኩእ ኣብቲ መዝገብ ኣይነበረን። ስድራ-ቤት “ኣማረ ትኩእ ኣየንበብካዮን፣ ሰጊርካዮ ከይትኸውን” ኢሎም ነቲ ኣስማት ዘንብብ ዝነበረ ተጋዳላይ ይሓትዎ። ብወገኑ “ኣነ ኣብዛ መዝገብ’ዚኣ ተጻሒፎም ዝተዋህቡኒ ኢየ ኣንቢበ፣ ኣማረ ዝብል ስም ድማ ኣብዚ መዝገብ የለን..” ክብል መለሰ። ኣማረ ጥራይ ዘይኮነ ካልኦት ደሃይ ዘይገበሩ፣ ኣብቲ መዝገብ ድማ ዘይሰፈሩ ስለዝነብሩ ግን ስድራ-ቤት ተስፋ ኣይቆረጹን። እንተኾነ ዝተረፈ ኣስማት በብቑሩብ ክስዕብ ምስ ጀመረ፣ ወለዲ ተጠራጢሮም። “ወድና ኣበይ ነጢቡ?” ዝብል ሕቶ ድማ ኣናዓበየ ከይዱ። ኣማረ ጥራይ ዘይኮነ ተመሳሳሊ ዕድል ዘጋጠሞም ካልኦት’ውን ስለዝነበሩ ሻቕሎት ወለዲ ጥርዚ በጺሑ።

ኣደይ ዘውዲ “ወደይ ኣብ ህዝባዊ ሓይሊ ኢዩ ተጋዲሉ” (ህ. ግንባር ማለታ ኢዩ)፣ ካብኣ’ውን ኣይወጸን፣ ሽሙ ብጌጋ ናብ ካልእ ኢዩ ከይዱ ዝኸውን” እናበለት፣ ናብተን ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ከተማታት ማለት ኣብ ሰገነይቲ፣ ደቀምሓረ፣ ዓዲ-ቀይሕ ወዘተ ዝነበራ ኣስማት ስውኣት ይሕዛ ኢየን ዝበለተን ኣብያተ-ጽሕፈታት ተመላለሰት። ስም ኣማረ ግን ኣብ ኩሉ ኣይነበረን። ነቶም መዛንኡን መጋድልቱን ዝነበሩ’ሞ ብህይወት ዝተመልሱ ተጋደልቲ ኣጣየቐት። ንሳቶም ድማ “ኣብ ህ. ግንባር ምንባሩ ነረጋግጽ ኢና፣ ኣብ በበይኑ ቦታታት ስለዝነበርና ግን ኩነታቱ ብልክዕ ኣየረጋገጽናን” ክብሉ ኣመኽነዩ። ዳርጋ ኩልና ተጋደልቲ፣ ኣማረ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ጭው ዝበለ በረኻታት ሳሕል፣ ብሓለፍቶም ናብ ሓለዋ ሰውራ (ቤት ማእሰርቲ) ምስ ተወስዱ፣ ንሱ ዝኣንፎም ደሃይ ዘይብሎም ተጋደልቲ ምንባሩ ንፈልጥ ኢና። ነዚኣ ግን መን የምሉቛ። ብሓቂ‘ውን እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዘቖመ ውድብ ‘ንሓዋሩ ንወለዲ ከይሓበረ ከምኡ ኢሉ ከጽቅጥ ኢዩ’ ዝብል እምነት ኣይነበረናን። ኩነታቶም ንወለዲ ክንገልጽ’ውን ሓላፍነት ኣይተዋህበናን። ናይ ወለዲ ሻቕሎት ግን ነቶም በብመዓልቱ ንሕተት ዝነበርና  ተጋደልቲ ጸቕጢ ፈጡሩልና ኢዩ። እንተኾነ ‘ወድኹም ተኣሲሩ ነይሩ፣ ከምዚ ዝበለ ጸገም ኣጋጢሙዎ ነይሩ’ ኢልካ ንእሽቶ ዘረባ እንተሞሊቓ እሞ ዝጨነቖም ወለዲ ንገለ ሓለፍቲ እንተነጊሮም (እቲ ዘረባ ኣብ ዘይድለዩ ሰባት እንተበጺሑ) ከጋጥም ዝኽእል ጸገም ቀሊል ኣይክኸውንን’ዩ። ብዓንዳ-ርእሱ’ውን መንግስቲ ብዓቢኡ ክሓብእ እናደለየ ኣንጻሩ ምኳን ብሕጊ ናይቲ ክሓብእ ዝደሊ ዘሎ ስርዓት ዘሕትት ኢዩ።

ኣደይ ዘውዲ መዋድቖ ወዳ ክትደሊ ‘መዝገብ ስውኣት ይርከቦ ኢዩ’ ናብ ዝበለቶ ኣብያተ ጽሕፈት ምምልላስ ኣየቋረጸትን። ‘ከብዲ ወላዲት’ ዝብሉኹም ከምዚ ኢዩ። ሓደ መዓልቲ ክልቲኦም ሰብ ገዛ (ኣቦይ ትኩእን ኣደይ ዘውድን) ኣብ ገዛ ከለዉ ‘ሰላም’ ክብሎም ናብ ገዝኦም ከይደ። ኣማረ ኣብ ኣርእስቲ ዕላልና ክመጽእ ግዜ ኣይወሰደን። ስሙ ክትደሊ ዝበጽሓቶ ዓድታት’ውን ነጊራትኒ። ብወገነይ ዓቕሊ ክትገብር ካብ ምዝራብ ዓዲ ኣይወዓልኩን። ሽዑ መዓልቲ ግን “ስምዒ ኣደይ ዘውዲ፣ ኣማረ ልክዕ ከም ተክለሃይማኖትን ስምኦንን ኣብ ሳሕል ተሰዊኡ ኢዩ!፣ ኣይከድዐን! ኣይጠለመን!፣” ክብላን፣ “ኣበይ? መዓስ?” ዝብላ ሕቶታት ክስዕባንን ሓደ ኮይኑ። ኣስዒበ “ኣማረ ከም ዝተሰውአ፣ ከም ዘይከድዐ ወይ ከምዘይጠለመ ኩሉ ንኣማረ ዝፈልጥ ተጋዳላይ፣ ዋላ እዞም በብመዓልቱ ትሓትዮም ዘለኺ ይፈልጡ ኢዮም። ኣበይ? መዓስ? ብኸመይ? ግን ዝኾነ ሰብ ክነግረኪ ኣይኮነን። ስለዚ ዓቕሊ ግበሪ” ክብል ኣትሪረ ተዛሪበያ። “እሞ ‘ኣይጠለመን! ኣይከድዐን! ተሰዊኡ ኢዩ!’ ካብ በልካኒ ድኣ እንታይ ኮይኑ ከም ብጮቱ ኣብቲ መዝገብ ዘይጸሓፍ? እታ መሰሉ’ኸ ዘይትሕሎ?” በለት። (እቲ ንስውኣት ዝወሃብ ዝነብረ ዓሰርተ ሽሕ ብር ኣይተዋህበናን መስዋእቱ’ውን ኣይተነግረናን ማለታ ኢዩ።)

ኣቦይ ትኩእ ትቕብል ኣቢሎም፣ “ኣንታ ወደይ ዘይትቐብጽ ደኣ ኮይና’ምበር ቀደም ነጊርናያ ኢና፣ ባዕሎም’ዮም ቀቲሎሞም ኢልናያ። ጠፊኡና’ዶ! ብሓደ ኣፊቱ!። ወድና ጥራይ መዓስ ኮይኑ፣ በዓል እገሌ ወዲ እገሌ፣ እገሌ ወዲ እገሌ፣ ከም ወድና’ዶ ጠፊኦም የለዉን!፣” ክብሉ ኣነ ዘይፈልጦም ከም ኣማረ ተቐቲሎም ዝበልዎም ኣስማት ደቂ‘ቲ ከባቢ ዘርዘሩ። ለካ ንሕና ኢና ዝሓባእና መሲሉና’ምበር እቲ ህዝብስ መን? ወድ መን? ክንደይ ካበየናይ ዓዲ ከይተረፈ ብውሽጢ ውሽጢ በጺሑዎ ኢዩ። ብሓቂ‘ውን ካብቶም ኣነ ዝፈልጦም፣ እቶም ኣቦይ ትኩእ ዝዘርዘርዎም ይበዝሑ። ንዘረባ ኣቦይ ትኩእ ብግሁድ ክቕበሎ - ሓቅኹም ክብሎም፣ ወይ ክነጽጎ - ተጋጊኹም ክብሎም ትብዓት የብለይን። ኣቦይ ትኩእ ግን ቀጺሎም “መንግስቲ ኣብ ስልጣኑ ንዝመጽዎ ክቐትል ንቡር ኢዩ። ጥልያን ‘ኣሻፈረኝ’ ንዝበሉ ኣሲሩ፣ ህዝቢ ኣኪቡ ይሓንቆም ነይሩ፣ ሬሳ ከሊኡ ግን ኣይፈልጥን። ንጉስ ሃይለስላሴ’ውን ‘ኣይግዛእን’ ንዝበሎም ይቀትሉ ነይሮም ኢዮም፣ ንሶም’ውን ሬሳ ኣይከልኡን፣ ካብ ህዝቢ’ውን ሓቢኦም ኣይፈልጡን፣ ይነግሩ ነይሮም። ኣብ ዘመነ መንግስቱ ሃይለማርያም’ውን እቶም ኣብ በረኻ ጦር-ሰራዊት ዝቐትልዎም ድኣ ኢዮም ዘይፍለጡ’ምበር መንግስቲ ባዕሉ ዝቐትሎም ሓቢኡ ኣይፈልጥን። ናይ’ዞም ደቅና ግን ገለ ኣላታ። ጠፊኡዎም ከኣ ኣይንብልን፣ ዝተማህሩን ኩሉ ዝፈልጡን እንድዮም! ደቅኩም ከምዚ ገይሮም፣ ከምዚ በዲሎም ቀቲልናዮም፣ እንተበሉና    እንታይ’ዶ ክንገብር ኢና፣ በትሪ ዝሓዝና ሓረስቶት እንዳኣልና!። ከምቲ ንሕና ንግምቶ እንትድኣ ኮይኑ ግን…” ቀጸሉ ኣቦይ ትኩእ “..ክነግሩና ዘይደለዩሉ ምኽንያት ገለ ዝፈርሕዋ ነገር ኣላቶም ኢና ንብል፣ ኣብታ ኣቀታትላ ገለ ተንኮል ከይትህልዋ’ሞ ህዝቢ ከይለዓሎም ፈሪሖም ከይኮኑ’ ኢና ንብል” በሉ። ዘረባ ኣቦይ ትኩእ ልዕሊ ዓቕመይ ኢዩ። ሕጂ’ውን ከም ዘለዎ ክቕበሎ ይኹን ክቃወሞ ትብዓት የብለይን። እታ ሓንቲ ዘላትኒ ኣማራጺት ዕላል ናይቲ ኣርእስቲ ምቕያር’ዩ። ዕድል ግን ኣይሃቡንን፣ ቀጺሎም “…ደቅና ጠፊኦም ኢዮም፣ንገብሮ ነገር ከኣ የብልናን። ‘ሱቕ በሊ! ገዛኺ ኮፍ በሊ! ተምጽእዮ ነገር የብልክን’ ኢለያ ኢየ። ደሓር ከኣ ‘ኣብ ጥፉእ ኣይትዛረብ ክፉእ’ዶ ኣይተባህለን’..” ክብሉ ዘረብኦም ድምደሙ።

እዚ ዘረባ’ዚ ንኣደይ ዘውዲ ዘዕግብ ኣይነበረን። ኣብ ዝተራኸብናሉ እዋን ጉዳይ ኣማረ ከይተላዕለ ሓሊፉ ኣይፈልጥን። ኣብ ከባቢ 1997/98 ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓደ እንዳ ቤተ-ሰብ ክበጽሕ ምስ ከድኩ፣ ኣደይ ዘውዲ ኣብኡ ረኺብያ። ሰላምታ ተለዋዊጥና ቁሩብ ኮፍ ምስ በልኩ፣ ኣደይ ዘውዲ “ሎሚ ንጉሆ ኢየ ካብ ዓዲ መጺአ፣ እገለ” (ስም ናይ ሓደ ሰብ ጠቂሳ) “ኣስማት ናይ ጥፉኣት ተጋደልቲ ዘለዋ መዝገብ ኣላ’ሞ ሒዘኪ ክኸይድ ቀልጢፍኪ ምጺ’ ኢሉኒ ኢየ መጺአ። “ንሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ደሃይ ዘይነበሮ ወደይ ኣብታ መዝገብ ጸኒሑ። ወድኺ‘ውን ኣብኣ ክጸንሕ ኢዩ” ኢሉ፣ ድግሳ ዝኸይድ ሰብ ኣጣይቑ ልኢኹለይ። ኣማረ’ውን ኣብኣ እረኽቦ እከውን ኢለ ኢየ መጺአ” ክትብል መምጺኢኣ ገሊጻትለይ። ከብደይ ሕቡጭቡጭ እናበለኒ ንኣደይ ዘውዲ ቀው ኢለ ጠሚተያ። “ኣንቲ ኣደይ ዘውዲ ስም ኣማረ ዝሓዘት መዝገብ ኣብ ኣስመራ እንተትህሉ ድኣ ንዓና’ዶ ርሒቓትና። ዋላ ንዓይ እንተዘይኣመንክኒ፣ ኣየለ’ኮ ሓዉ ኢዩ፣ ስም ኣማረ ሓዉ ዝሓዘት መዝገብ ኣብ ኣስመራ እሞ’ከኣ ኣብዚ ንስኺ ትኸድዮ ዘለኺ ቤት-ጽሕፈት እንተትህሉ ቀደም መሽቱ መውጽኣ፣ ”ኢለ ዘረባይ ከይወዳእኩ ሓደ ዓቢ ሽማግለ ሰብኣይ ብግዳም ናብቲ ዝነበርናዮ ገዛ ደበኽ በሉ። እቶም ኣብ ከባቢ 70ታት ዕድመ ዝግምገሙ ሰብኣይ፣ ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጦም ገና ኮፍ ከይበሉ “በሊ ንዕናይ እታ ቤት-ጽሕፈት ከይትዕጸወና” ኢሎም ንግዳም ኣምርሑ። ኣደይ ዘውዲ ተንሲኣ ናባይ ገጻ ግምጥል ኣበለት’ሞ “እሞ ምሳና’ዶ ክትከይድ ምኻኣልካ?” በለትኒ። ካልእ ምርጫ ኣይነበረንን “ሕራይ” ኢለ ደድሕሪኦም ሰዓብኩ።

ምምሕዳር ኣስመራ ኣብ ንኡሳን-ዞባታት ዝተመቓቐለ ኢዩ። እቲ ሽዑ ዝኸድናዮ ህንጻ ድማ ምምሕዳር ናይ ሓንቲ ንኡስ ዞባ ኢዩ። (መንነት ናይቲ ኣብኡ ዝጸንሓና ሰብ ንምዕቃብ’የ ስም ናይታ ንኡስ-ዞባ ክጠቅስ ዘይደለኹ፣ መን ይፈልጥ ኣብ ኤርትራ ከይህሉ’ሞ ኣብ ጸገም ከይወድቕ)። እቶም ሰብኣይ ፍጹም ኣይተደናገሩን፣ ትኽ ኣቢሎም’ዮም ናብታ ‘ኣስማት ጥፉኣት ተጋደልቲ እትርከበላ ክፍሊ’ ኣእቲዮሙና። ኣብ ህይወተይ ከምቲ ኣብቲ ቦታ ዝጸንሓና ተሓዝ መዝገብ (ተጋዳላይ) ዝሃድእን ዝተሓባበርን ሰብ ዝረኸብኩለን መዓልታት ውሑዳት ኢየን። ፋዱስ ኣኺሉ ሰራሕተኛታት ናይቲ ምምሕዳር ንምሳሕ እናወጹ ከለዉ ኢና ኣብቲ ቦታ በጺሕና። እቶም ሒዞሙና ዝኸዱ ሽማግለ ነቲ ተሓዝ መዝገብ ኣጸቢቆም ኢዮም ፈትዮሞ። ንሱ’ውን ናይ ምሳሕ ግዜኡ ሰዊኡ መዝገብ ገንጺሉ ስም ኣማረ ክደሊ ጀመረ። ብስምን ስም ኣቦን ምስ-ሰኣነ ብዝተወልደሉ ዓዲ፣ ብእኡ ምስ ሰኣነ ብዕለተ ልደት…እናቐያየረ ነቲ መዛግብቲ ኣምዑቱ ኢዩ ኣውጺኡዎ። ኣብቲ መጀማርያ ‘ኣማረ ትኩእ’ ዝብል ስም ክረክብ ድሌት ጥራይ ዘይኮነ ተስፋ’ውን ነይሩዎ ኢዩ። ግዜ ወሲዱ ኩሉ ገማጢሉ ምስ ሰኣነ፣ ናባና ግምጥል ኢሉ “ኣብዚ ምሳይ ዘሎ መዛግብቲ የለን፣ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ወይ ሓደ ወርሒ እንተ ተመሊስኩም ግን ዋላ ኣብ ካልእ ቦታታት ዘሎ ናይ ስውኣት መዛግብቲ ክደልዮ ኢየ” ኢሉ ኣፋነወና።

ኣነ ኣብታ ገዛ ካብ ዝእቱ ዋላ ሓንቲ ቃል ኣይተዛረብኩን። ኣደይ ዘውዲ ፍረ ኣብ ዘይርከቦ ነገር ንኻልኣይ ግዜ ኣስመራ ክትምለስ ግን ኣይደለኹዋን። ካብታ ዝነበርናያ ክፍሊ ውጽእ ምስ በልና ‘ከርክበኩም ኢየ’ ኢለ ነቲ ተሓዝ መዝገብ ክረኽቦ ናብታ ክፍሊ ተመልስኩ። ብግዳም ዘሎ ሰብ ከይሰምዓኒ ማዕጾ ናይታ ክፍሊ ስሕብ ኣቢለ “ስማዕ እንዶ፣ እዚ ወዲ ካብቶም መንካዕ/ የሚን ተባሂሎም ዝተኣስሩ’ሞ ደሃይ ዘይብሎም ኢዩ፣ እሞ ብዛዕብኦም ንወለዲ ክትነግሩ ጀሚርኩም ድኹም? ክብል ሓተትኩዎ። “እዋእ! ካብኦም ድዩ!” ኣዝዩ ሰንበደ። “እወ ካብኦም’ዩ፣ ማለት ምስኦም ከም ዝተኣስረ ኩሉ ሰብ’ዩ ዝዛረበሉ፣ ይሙት ይሃሉ ግን ኣነ ዝፈልጦ የለን፣ ከም ዝሞተ መረጋገጺ እንተንረክብ’ውን ምነገርናዮም” ኢለ ቅድሚኡ ዋላ ሓንቲ ቃል ኣውጺአ ከምዘይፈልጥ ኣምሲለ ተዛረብኩዎ። “እዋእ! ክትጠፍእ!፣ ‘ሻዕብያ ቀንጻሊት ድያ’ ኢሎም ንዓኻ ተመሊሶም ክኣስሩኻ! ብዛዕብኡ ዋላ ሓንቲ ቃል እንተዘይተዛረብካ ይሓይሽ” በለኒ። ቀጺሉ “…እዚኣቶም ‘ጉዳዮም ብቤት-ጽሕፈት ፕሬዚደንት ተታሒዙ ኣሎ’ ተባሂሉ ኢዩ ተነጊሩና፣ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደት ሒዝዎ ኣሎ። ቀስ ኢሉ መንግስቲ ባዕሉ ይነግር ይኸውን፣ ክሳብ ሽዑ ግን ዘረባ ከይተምሉቕ” ክብል ማዕዳኡ ለገስለይ።

“ብቖጸራ ተመለሱ ምባል ድኣ የድሊ’ዶ ይመስለካ?” ክብል እሓቶ። “ኖኖ! ክምለሱ የብሎምን” ኢሉ፣ ማዕጾ ከፊቱ ንግዳም ብምውጻእ ኣደይ ዘውድን እቶም ሽማግለ ሰብኣይን ናብቲ ክፍሊ ተመሊሶም ከም ዝኣትዉ ገበረ። ሕጂ’ውን ብልዙብ ቃላት “ምምላስ ኣየድልየኩምን’ዩ፣ ዝኾነ ነገር እንተሎ ንታደሰ ክነግሮ ኢየ፣ ፊዳ ኣስመራ ኣብ ዝመጻሉ ኣዋን’ውን ክንዘራረብ ኢና።” ኣደይ ዘውዲ ብዛዕባ ኣየለ (ፊዳ) ኣዘራሪባቶ ነይራ ኢያ። ኣደይ ዘውድን እቶም ሒዞሙና ዝመጹ ሰብኣይን ቀው ኢሎም ጠመቱኒ። ተፋኒና ግዳም ምስ ወጻእና ኣደይ ዘውዲ ናባይ እንዳጠመታት “ተመሊስካ ምስ ኣዘራረብካዮ ኢዩ ሓሳቡ ቀይሩ፣ ትፈልጥዎ ነገር ዶኾን ኣለኩም ኮይኑ ኢዩ?” ክትብል ርእይቶ ዝመስል ሕቶ ኣቕረበትለይ። “እወ ኣይትድከሚ፣ ብዛዕባ’ዚ ዝምልሰልኪ ሰብ የለን፣ ገዛኺ ኮፍ በሊ፣ ስም ኣማረ ጠፊኡውዎም ኣይኮነን፣ ክነግሩኺ ኣይደልዩን ኢዮም፣ ኢለ ነጊረኪ ኢየ። እዚ ወዲ’ውን ብገርሁ ኢዩ መዛግብቲ ክግንጽል ዝወዓለ። ኣማረ ከም ተክለሃይማኖትን ስምኦንን ኣብ ሳሕል ተሰዊኡ፣ ኣብኡ ተቐቢሩ ኢለኪ እንድየ” ምስ በልኩዋ፣ ነተን ብኽልተ ምዕጉርታ ጸረር ዝብላ ዝነበራ ንብዓት ጸረገተን። ቀስ እናበልና ድማ ናብታ ዝተበገስናላ ገዛ ተመለስና።

ድሕሪ 11 ዓመታት ካብዚ ካብ ዓዲ-እንግሊዝ ደዊለ ‘ሰላም’ ምስበልኩዋ “ተክለሃይማኖትን ስምኦንን ይቕልቡና ኣለዉ” ክትብል ከላ’ምበኣር፣ ክሳብ ሎሚ ደሃይ ኣማረ የብለይን ማለታ ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ ቅድሚ ናጽነት ሓዳር ወይ ውላድ ከይገደፉ ናይ ዝተሰዉኡ ተጋደልቲ፣ ወለዶም ህልዋት እንተድኣ ኮይኖም፣ ንነብሲ ወከፍ ስዉእ ወርሓዊ 500 ናቕፋ ይህብ ኢዩ። ስለዚ እቲ “ተኽለሃይማኖትን ስምኦንን ይቕልቡና ኣለዉ” ዝብል ናይ ኣደይ ዘውዲ ኣበሃህላ’ውን በቲ ብስሞም ዝወሃብና ገንዘብ ንቕለብ (ንበልዕ) ኣለና። እንተ’ቲ ሳልሳይ ወድና (ኣማረ) ግን ብስሙ ዝረኸብናዮ ገንዘብ የለን’ እውን ኢያ ትብል ዝነበረት። ሞት ቅብጸት ዝኸውን፣ ከም ዝሞተ እንተ ነጊሮሚኻ ኢዩ። ደሃይ ዘይብሉ፣ መዋድቕኡ ዘይፍለጥ እንተኾይኑ ግን ሰንፈላል ኮንካ ኢኻ ትነብር። ኣቦይ ትኩእን ኣደይ ዘውድን እምበኣር ኣብ ሰንፈላል ኢዮም ዘለዉ።

ኣቦይ ትኩእ እንተስ ኩሉ ንውሽጢ ገይሮም፣ እንተስ ልዕሊ ዓቕሞም ምዃኑ ፈሊጦም ብዛዕባ ኣማረ ወዶም ብዙሕ ኣይዛረቡን ኢዮም። ኣደይ ዘውዲ ግን  ናይቲ ካብ ማህጸና ዝወጸ፣ ብመዓርን ጠስምን ዓዂኩ ዝዓበየ ወዳ ንምፍላጥ ትጽበ ኣላ። እቲ ንህዝቢ ይሓሊ ኢየ ዝብል ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ክሳብ ሎሚ ‘ብጩቕ’ ኣይበለን። ኣደይ ዘውዲ ድማ ወይ ካብ መሬት ተንሲኡ “ኣደ ተኣሲረ ኢየ ጸኒሐ፣ ኣልኹ! ኣይሞትኩን!” ክብላ፣ ወይ ድማ “ወድኺ ሞይቱ ኢዩ” ኢሎም ብወግዒ ከርድእዋ ትጽበ ኣላ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...