ህዝቢ ኤርትራ ፈደረሽን ድሌቱ ከምዘይነበረ እንታይ ደኣ ብሐይሊ አብ ርእሲኡ ከም እተጻዕነ ተገይሩ ዝነገረና ዝነበረ፣ ርገጽ ኢዩ፤ እንተኾነ ግን እቲ ነዚ ክኸውን ምኽንያት ዝወሃቦ ዝነበረ፣ በቲ መንቀሊኡ ዘይፍልጥ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ሐሶት ነፍሕታት ተወናጨፊ፣ ናይ‘ቲ ሐቂ ግልባጥ ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ ከምዚ አብ ታሕቲ በሐጺሩ ተገሊጹ ዘሎ‘ዩ ዝመስል ዝነበረ፣ ህዝቢ ኤርትራ አሽነኳይዶ ፈደረሽን ኢሉ ክሐትትስ ነቲ ቃል ከም ቃለ‘ውን ሽዑ ኢዩ በዅሪ እዝኑ ሰሚዕዎ፤ ከም አብነት ካብ‘ቲ ናይ‘ቲ ዘበን‘ቲ ዐበይቲ አብቲ ፖለቲካ ተዋሳእቲ ዝነብሩ አቦታት ፈደረሽን እነታይ ማለት ከምዝኾነ ዋላ ሐደ ሰብ‘ኳ ዝፈልጥ ከምዘይነበሮም ኢዮም ንዘቕረብዎም ደቃቶም ሐቢሮም ሐሊፎም፤  ማለት ካብቶም ተዋሳእቲ ዝነበሩ አቦ፣ ታሪኽ ዝሰረሑ ሕቡብን ክቡርን ተፈታዉን ዝነበሩ ደርጊ ዝቕተሎም፣ ንሐደ ሐወይ ወረጃ ዝኾነ ሰብ፣ ምስኦም ናይ ቀረባ ርክብ ዝነበሮ፣ አጻዊቶሙኒ ኢሉ ዘዕለለኒ ከምዚ ሲዒቡ ዘሎ ኢዩ፤ „ማሐበር አንድነት አብ ሐደ ተአኪብና ውጺኢት ማለት ውሳኔ ካብ ጉባኤ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዐለም እናተጸበና ከሎና፣ ፈደርሽን አብ ትሕቲ ዘውዲ ኢትዮጵያ ብይን ተበይኑ፣ ዝብል መልእኽቲ ይመጸና፣ ንሕና ኸኣ ፈደረሽን ማልትከ እንታይ ማለት ኢዩ? ኢልና ብምግራም! ብሐደ ቓል ንሕና ሐድነት እንተዘይኮይኑ ፈደረሽን ዝበሃል አይንቕበልን ኢና!! ዝብል ተለግራም ናብቶም ወከልቲ ዝለኣኽናዮም፡ ምልሲ ለኣኽና፡ ብኡ ንብኡ አኽሊሉ ሀብተወለድ ካብ ኒው ዮርክ ንአሥመራ ደበኽ ኢሉ ብምምጻእ ፈደረሽን እንታይ ሙኻኑ አረዲኡ፡ ክነቅበሎ ዘሎና አማራጺ ዘይብሉ ሐደ መገዲ ከምዝኾነ፣ እንተዘይኮነ እቲ ናይ እንግሊዝ ትምኒት አብ መዓላ ክውዕል ከምዝኾነ አበርሃለና‘ሞ ከይፈተና ተቕቢልናዮ፤ ብምባል ኢሎም ነጊሮሙኒ ኢሉ የዕሊሉኒ።

ሕጂ ኸኣ እቲ ንዐና ዘዕበየ ናይ ሐሶት ነፍሕታት ጥራሕ ከይኣክል፣ ክሳብ ሕጂ ዝውረን ከክነዲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝአኽሉ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ኢሎም ድሕሪ እዚ „ሥርዓተ ባርነት አብ ልዕሊ ህዝብና ምስ ነገሠ!“ (ብአብዝሓ ህዝቢ ግን ብናጽነት ዝፍልጥ!) ዝተደርሱ፣ ነዚ ከምዘለዎ ከይመርመሩን ነቶም በቲ ዘምን‘ቲ ተዋሳእቲ ዝነበሩ አቦታት፣ መጻሕፍቶም ከዳልው ኸለው አብ አሥምራ ይኹን አብ አዲሰ አበባ ብሂወት ዝነበሩ ከይተወከሱ፣  ነቲ ብ180 ዲግሪ ዝተረሓሓቐ ክራኸብ ዘይክእል ዘዐበየና ጽውጽያት መረጋገጺ ዘይበሉ ተሰኒዱ ከተንብብ ከሎኻ እቶም ደቅና፤ ንዐና ከም ዘተታለላና ከየታልሎም ትሰግእ።

እሰኪ ቅድሚ አብቲ ዝተዋህበ ውሳኔ ምእታወይ ድሕሪ ባይታ ናይቲ መዓልቲ ጉባኤ የሕጽር አቢለ ካብ „የኤርትራ ጉዳይ!“ (በዘውዴ ረታ!) ንመልክት፤

ብኢትዮጵያ አቆጻጽራ ቀዳም ሐዳር 23 መዓልቲ 1943 ዓ.ም.  ታሕሳስ 2/ 1950 ዓ.ም.ፈ.  መበል ሐሙሻይ ናይ ሕቡራት መንግሠታት አጠቓላይ ጉባኤ ናይ ኤርትራ ናይ መጻኢ ዕድል በድምጺ ጸብለልትነት ዝውሰነሉ ታሪኻዊ ዕልት ነበረ።

ናይቲ ጉባኤ ሊቀ መንበር ናይ ኢራን ናይ ውጪ ጉዳይ ሚኒስትር ናሰሮላህ ኢነተንዝም ዝተባህሉ ይመርሕዎ ነበሩ፤ እዚ ኸኣ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ናይ መጨረሻ ፍታሕ ንምሃብ፣ ናይ ፖለቲካ ኮምሽን አጽኒዑ ዘቕረቦ ረቂቕ ውሳኔ ከምኡ‘ውን ብሶቪየት ሕበረት፣ ብፖላንድን፣ ኢራቕን አብ ዘቕረብዎ ሐሳባትን፣ እቲ ጉባኤ በብተራ ድመጺ ክህብሉ አለዎ እናበልኩ እሐትት፣ በማልት ሊቀ መምብር ነቲ ገዛ አፍለጡ፤ ድሕሪ ዘረብኦም  አብ ካልእ ቅድሚ መሕላፎም ክቡር አክሊሉ ሀብተ ወልድ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ወጻኢ ጉደይ ሚኒስትር ብዘመልከትዎ መሠረት ናይ መጀመርያ ተዛራባይ ንኽኾኑ ዕድል ሀብዎም፤ ንሙኻኑ እቶም ዝተፈላለዩ ሐሳባት ብዝተፈላለዩ ሀገራት ቀሪቦም ዝነበሩ እዞም ዝስዕቡ ነበሩ፤

1.ከምቲ ልሙድ ናይ ሶቪየት ሕብረትን ናይ ፖላንድን፡

2. ናይ ፓኪስታንን ናይ ጓውትማላ ናይ ናጽንት ሕቶ፡

3.ህዝቢ ኤርትራ ብፈደረሽን ምሰ ኢትዮጵያ ካብ ሙኻንን ናጽነት ካብ ምቕባል       አየናይ ከምዝሕሾ እንደገና ክሕተት ዝበል ብኢራቕ ዝቐረበ ሐሳብ፡

4. ኤርትራ አብ ትሕቲ ቐዳማዊ ሐይለ-ሥላሴ ዘውዲ፣ ናይ ውሽጢ       ምምሕዳራዊ መንግሥቲ መሥሪታ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትሐብር፣ ሕቡራት ሀገራት አሜርካን፣ ሸውዓተ ናይ ላቲን አሜርካ ሀገራት ተኻፈልቲ ዝኾንዎ፣ ብድምሩ ምስ ካልኦት ናይ ዐሰርተ ሀገራት አባላት መንግሥታት ናይ ሐባር ረቂቕ ውሳኔ፤ ኢዮም።

አብቲ ዘብገስክዎ ሐሳባት‘ምበኣር ክምለስ፣ ካብቲ ነዊሕ ዘረብኦም የሐጽር አቢለ   እንሄ የቕርብ፤ „ንውሳኔ ተዳለዩ አብ ቅድሜኹም ቀሪቡ ዘሎ መፍትሒ፣ ናይ አብዝሓ ህዝቢ ኤርትራ ድሌት ይኹን፣ ናይ ኢትዮጵያ ሕቶን ፈጺሙ ዘየርዊ ምኻኑ ቅድሚ ውሑዳት መዓልትታት ነቲ ናይ ፖለቲካ ኮምሽን ስለ ዝተዛረብኩ ሎሚ ነዚ ዝተኸብረ ጠቕላላ ጉባኤ ክሐብኣሉ አይደልን። ኾይኑ ግን፡ ሕጂ አብ  ዘለናዮ ግዜ ናይ ኤርተራ ጉዳይ ንምውሳን ካብዚ ዝቐረበ ናይ ፈደረሽን መፍትሒ ዝሐሸ የለን፣ ንኹሉ ወገን አተዓራቕን ከራዳድእን ዝኽእል፣ አማራጺ መንገዲ የዕሟቐ ስለዝተገንዘብከዎ በስም ናይ ኢትዮጵያ ንጉሠ ነገሥት መንግሥትን ህዝብን ስም ኮይነ፣ በዘይ ሐደ ቕሬታ በሙሉእ ዝቕበሎ ሙኻነይ ነዚ ዝተኸብረ ጉባኤ ብዕሊ የረጋግጽ አሎኹ።“ ብምባል ናይ መደርኦም መኽፍቲ ድሕሪ መሃቦም፣ መተኣማምኒ ናይ መኽባር ፈደራላዊ ሕግን አብ ልዕሊ ህዝባ አድለዎ ከምዘይ ግብር ክረጋግጹ ከለው፣  ኸኣ ከምዚ ዝስዕብ በሉ፤ „በቲ ናይ ፖለቲካ ኮምሽን ድሕሪ ብዙሕ ዝርርብን መጽናዕትን፣ ብአሰርተው አርባዐተ መንግሥታት ዘተዳለወ ሐሳብ ብጣዕሚ በዝበዝሔ በልጫ ዘለዎ ድምጺ አሸናፊ ኾይኑ ዝቐረበልኩም እዚ ናይ ፈደረሽን መፍትሒ ንምጽዳቕ  ቆሪጽኩም እነተደኣ ኾንኩም፣ ኢትዮጵያን ናይ ንጉሠ ነገሥታ መንግሥቲ፣  ናይ ሕቡራት መንግሥታት እንከን በዘይርከቦ ሥርዓት ዘኽበሮን ብትኽክል አብ ተግባር ከውዕልዎ ከምዝኾኑ ክገልጸልኩም ከለኹ በዘየጣራጥር ሐቀኛ ብዝኾነ ሰምዔት ኢዩ።

ስለዚ ነዚ ዝተኸብረ ጠቕላላ ጉባኤ፣ ኢትዮጵያን ናይ ንጉሠ ነገሥታ መንግሥቲን በተወሳኺ ውሕሰነት ከህቡ ዝደልዩ፣ በድሕሪ ሕጂ አብ ኤርተራ ዘለው አሰላምን ክርሰተያንን፣ በቑጸሪ ውሑዳት ዝኾኑ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ተወለድቲ፣ ናይ ሕቡራት መንግሥታት በዝኣምነሉ ናይ ደሞክራሲ ሥርዓት፣ ብሕግ ዝተረጋገጸ መሰሎምን ናጽነቶምን ብትኽክል ዝኽበረሎም ምኻኑ የረጋግጽ።

በቲ ቃልሲ ዘመን ብዝተፋላለዬ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ( ፓርትታት) ብዛዕባ ኤርትራ ናይ መጻኢ ዕድል ዝተፈላለየ አቕዋም ሒዞም፣ ሐድነትና ዝደገፉ ዝኾኑን ዝተቓወሙን፣ ዝኾነ ዐይነት ፈልልይ ከየጋጠሞም፣ አብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን አብ ኢትዮጵያ አብ ዝኾነ ናይ መንግሥቲ ሥራሕ ኮነ ናይ ብሕቲ ድርጅታት፣ መብቶም ዝፈቐደሎም ንምርካብ ዝኾነ ዐይነት ዕንቅፋት ከመዘየጋጥሞም ከረጋግጸልኩም እፈቱ።“ ብምባል መተኣማመኒ ቃል አስምዑ።

እቲ ዘገረመ ነግር ናይ ኢራቕ ልኡኽ ዝተዛረቦ ኢዩ፣ ንሱ ኸኣ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ፤ „እቲ ናይ ፈደረሽን ምምሕዳር ብትኽክል አብ ተግባር ከምዝፍጸምን፣ ብተወሳኺ አብ ኤርተራ ዘለው አስላም ከምቶም ክርስተያንን ክልኦትን ኩሉ፣ ናይ ማዕርነት መሰሎምን ናጽነቶምን ዝሕለወሎም ሙኻኑ፣ ካብ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መተኣማመኒ እኹል ኮይኑ ረኺበዮ አለኹ። ካብዚ ንላዕሊ ናይ ጉባኤ ሥራሕ ንመክትታል ንዮርክ ዝመጸ ናይ ኤርትራ አስላም ሊግ መራሒ፣  ብናይ ኢትዮጵያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትር ዝተዋህብ መግለጺ ከም ዝተሐጉሰ ገሊጹለይ። ከምኡ‘ውን አብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነብሩ አስላምን ናይ ዐረብ ተወለድቲ ኹሎም፣ ዝተሐስበ ናይ ፈደረሽነ መፍትሒ ከምዝቕበልዎ ሙኻኖም ሰሚዔ አሎኹ፤“ ብምባል ነቲ አቕሪቡዎ ዝነበረ እማመ አብ ቁጽሪ 3. ዘሎ ነጥቢ ከምዘትረፎ አፍሊጡ።

ብድሕሪ‘ዚ „ታሕሣሥ 2 መዓልቲ 1950 ዓ.ም. መበል ሐሙሻይ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ጠቕላላ ጉባኤ፣ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትሓብር ብጣዕሚ ብዝለዓለ ናይ ድምጺ ብልጫ ብዘለዎ ክጸድቕ ከሎ፣ ብዛዕባ ናይ‘ቲ ፈደረሽን ምሕደራን ሥልጣንን ብጽሒቱን፣ ካብ ዝሀቦ ዝርዝር ውሳኔ ውሽጢ መሠረታውያን ዝኾኑ ነጥብታት እዞም ዝኽተሉ ኢዮም፤“ ዝነበሩ።

1. ኤርትራ አብ ትሕቲ ንጉሠ ነገሥት ዝውዲ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ተሐዊሳ ናይ ገዛእ ርእሳ ዝኾነ ናይ ውሽጢ ምምሕዳራዊ መንግሥቲ ተቛቚም።

2. እቲ ናይ ኢትዮጵያ ፈደራላዊ መንግሥቲ ዝኾነ፣ ብመከላኸሊን ብናይ ወጻኢ ጉዳይ ፖሊሲ፣ ብውሽጢ ሀገርን ብወጻኢ ንግዲ ጉዳይ፣ ብናይ ውሽጢ ሀገርን ብናይ ወጻኢ መራኸቢ፣ ብፋይናንስን ብወደባት ባሕርን ምምሕዳራት ምሉእ ሥልጣን ይህልዎ። ከምኡ‘ውን ናይ ፈደረሽን ግዝኣተ ኽልል ድሕንነት ናይ ምሕላው ሐላፍንት ሥልጣን፣ ናይ‘ቲ ፈደራላዊ መንግሥቲ ድርሻ ስለዝኾነ፣ ነዚ ሥራሕ አገልግሎት ዘድልዮ ወጻኢ ንምሽፋን አብ መላእ ግዝኣት ኤርትራ ናይ ፈደራል ቀረጽ  (ታክስ) ይእወጅ።

3. ናይ ኤርትራ ናይ ውሽጢ ምምሕዳር ድማ፣ ነቲ ናይ

ፈደራል መንግሥቲ ንዝኾነ ንኢትዮጵያ ካበ ዝተዘርዘሩ ናይ ሐላፍንት በጽሒት ወጻኢ ዝኾኑ ጠቕላላ ጉዳያት፣ ብምሉእ ሥልጣን የካይድ። ንናይ ውሽጢ መገልገሊ ዝውዕል ቐረጽን ግብርን ናይ ምትማንን ናይ ከኽፍልን፣ ንናይ ውሽጢ ምምሕዳራት ባጀት ናይ ምውሳን ሥልጣን ይህልዎ። ንኤርትራ ናይ ውሽጢ ምምሕዳር፣ ብህዝቢ ዝተመርጹ መማኽርቲ ዝምደቡሉ ናይ ሕጊ አውጻእቲ ምኽሪ-ቤት ዝምሥረት ካብ ሙኻኑ ንላዕሊ፣ ንናይ መንግሥቲ አመራርሓ ካብ ፓርላማ ሐላፍንት ሥልጣን ዝቕበል ናይ ሕጊ አስፈጻሚ ኽፍልን ናይ ፍትሒ አካላት ይቛቛሙ።

4. እዚኣቶም መሠረታውያን ነጥብታት ተመርኵሱ ብሕቡራት መንግሥታት ዝምረጽ „ኮምሽነር“ ናይ ኤርትራ መማሓደሪ ሕገ-መንግሥቲ የዳሉ።

5. ብናይ ሕቡራት መንግሥታት ኮሚሽነር ዝዳሎ ሕገ-መንግሥቲ፣ ብናይ ህዝቢ ዝተወከሉ ቤት-ምኽሪ ተጸኒዑ ድሕሪ ምውሳኑ፣ ብንጉሠ ነገሥት ጸዲቑ ክሳብ አብ ሥራሕ ዝውዕል፣ ክሳብ መስከረም 15 መዓልቲ 1952 ዓ.ም.፣ አብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ዐባይ ብሪታንያ ወታደራዊ ምምሕዳር አብ ሥልጣን ይጸንሕ፤ እዩ ዝብል ዝነበረ።

6. እቲ ብይን‘ምበር ከምቲ ሐቂ ወሲድና ክሳብ ለይተሎሚ ከም ቁድሳት መጻሕፍቲ እናደገምናን ቀራእናን ዘዕበየና ናይ ሐሶት ነፍሕታት ከምዘይ ኮነ፣ ደጊም ሕጂ ይበርህ እንሆ።

አቦታቶም ብትእዛዝ እግዚእቢሔር ይነብሩ ነበሩ፡

እሳቶም ግና ቀልጢፎም ካብኡ ረሐቑ ፡

ከም ኣታቶምሲ አይገበሩን።

እቶም ጸላእቶም ምስ ጨቖንዎምን ምስ አሳቐይዎምን፡

ክቚዙሙ ኸለው እግዚኣቢሔር ሰሚዑ ለዋሃሎም፡

እሞ መራሕቲ አተሳኣሎም፡ ብኹሉ ዘመን እቲ መራሒ፡

እግዚኣቢሔር ምስቲ መራሒ ኾይኑ፡

ካብ ኢድ ጸላእቶም የድሕኖም ነበረ።

መጽ፡መሳ፡ 2/17-18፤

ሻም/ሐይለ-ሥላሴ ገብሩ፤ በሔረ ጀርመን፤


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...