ናብ ክቡራት ደቀይ፣ ስድራ ቤት መለስ ዜናዊ፣

 

ናብ ክቡራት ኣሕዋተይን ደቀይን ኢትዮጵያውያን፣

 

እዛ ንእሽቶ ናይ ሓዘን መግለጺተይ ኣብ እዋና ክትዝርጋሕ ብዘይ ምኽኣላ ይቕሬታ እሓትት። እቲ ምኽንያት ከኣ ብጉዳይ ጥዕናይ ኣብ ሆስፒታል ስለዝነበርኩ እየ። ሕጂ’ውን እግዚኣብሄር ይመስገን ንክብል እምነተይ ዝግድደኒ’ኳ እንተኾነ፤ ከም ዝስመዓኒ ዘሎ ብዙሕ ዝጸንሕ ኣይመስለንን። ግና “ፍቕሪን ነስሓን ተማልኡ፣ ሞት ኣሎ ኣብ መንጉኡ” ከም ዝበሃል፣ ኣብታ ዘላትኒ ንእሽቶ እፎይት ስለ ጅግንነትን ኣበርክቶን፣ ስለ’ቲ ጅግና ተቓሊሱ ዘቃልስ መለስ ዜናዊ ክጽሕፍ እፍትን ኣለኹ።

እቲ ‘ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵይ መለስ ዜናዊ ዓሪፉ’ ዝብል ወረ ኣብ ሃገር ጀርመን ኣብ ሆስፒታል እንከለኹ ኢዩ መጺኡኒ። ዋእ! ንክኣምን ኣጸገመኒ። ሰብ ክነሰይ ልዕሊ ኣባጅጎ ፍርዲ ንክህብ ተሃንጠኹ። ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ወዲ 57 ዓመት ንእሽቶ ምዃኑ፣ ደሓር ውን ከም ተጸሊኡዎ’ምበር ክሳብ ናብ ሞት ዘብጽሕ ሕማም ዝሓመመ ኣይመሰለኒን። ስለዚ ሞትን ሂወትን ምዕዳል ግደ ኣምላኽ ምዃኑ ዘንጊዐ፣ መለስ ንክጸንሕ ንበይነይ ኣድመጽኩ።

ወላ’ኳ ብዝንበረኒ ናይ ጥዕና ሽግር ንክሰምዕ የጸግምኒ እንተንበረ፣ ሽዑስ ካብ ዓራት ተንሲአ ነቲ ወረ ከርጥቦ እየ ዝወሰንኩ። ስለ ንምስማዕ ነቲ ወረ ሰማዕኩዎ። ካብ ካልኦት ሰባት ተወሳኺ ዜና ከይሰማዕኩ ከኣ ውሳኔ ክህብ ኣይደለኹን። ንክዛረብን ንክሰምዕን ጸገም ነይሩኒ ኢዩ፣ ግን ተለፎነይ ኣልዒለ ደጋጊመ ናብ ዝኣምኖም ሰባት ደወልኩ። ብርግጽ ጅግና ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ከም ዝዓረፈ ኣረጋገጽኩ። ሽዑ ብዘይካ ኮኾብ ሰማይ ዝወደቐ’ምበር ሰብ ወዲ ኣዳም ኢዩ ሞይቱ ኣይበልኩን። ኮኾብ ድራር፣ ኮኾብ ወጋሕታ፣ እቲ ኣዝዩ ድሙቕ ዝኾነ ኮኾብ ወዲቑ ኣብ ምድረ-ኢትዮጵያ።

ምርጫታት ኩሉ ግዜ ሓደ ኣይኮኑን። ሰባት ጥራይ ኣይኮኑን ንሰብ ዝመርጹ። እግዚኣብሔር እውን ንሰባት ይመርጾም ኢዩ። እቲ ብሰማይ ዝተመርጸ ከኣ መላሲ የብሉን። ኮነ እምበኣር እቲ ብርሃን ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብርሃን ንመላእ ከባቢናን ኣፍሪቃን፤ ብፍላይ ድማ ነታ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝጸልመተት ሃገርና ኤርትራ ቀንዴል ኮይኑ ንከብርሃ ሓያል ባህጊ ዝነበሮ ክቡር መለስ ነዊሕ ዕድመ ኣይተዓደለን። ስለዚ  ምሩጽ መለስ ዜናዊ ሓሊፉ ኣሎ። ኣዝየ ሓዘንኩ፣ ብምኽንያት ጥዕና ኣብ ሆስፒታል እየ ነይረ፣ ግና መርድእ መለስ ንዝነበረኒ ቃንዛ ኣጋዲዱለይ ከም ዝነበረ ክነግር እፈቱ።

መለስ ከም ማና ብሰማይ ዝወረደ ስዩመ እግዚኣብሄር ኢዩ’ሞ ክሳብ ባህጊ ልቡ ዝትግበር ክጸንሕ ኢዩ ዝብል እምነት ነበረኒ። ግና ፍቓድ ኣምላኽ ስለዝኾነ ዓሪፉን ተቐቢሩን። ኣብዚ ነዊሕ ዕድመይ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ክዓርፉን ቕበሩን ርእየ እየ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጓሂን ንብዓት ዓሰርተታት ሚልዮናትን ግን ኣየጋጠመኒን። መለስ ንጹር ከም ናይ ነብያት ዝወዳደር ራእይ ዝነበሮ መራሒ ኢዩ ዝነበረ። ኣብ 21 ዓመታት ናይ ክልተ ወይ ሰለስተ ድርብ ዕማም ዝዓመመ መራሒ ነበረ።

ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ትምህርቲ፣ ሕርሻን ኢንዱስትሪን፣ ንግዲ፣ ትሕተ-ቅርጺ፣ ሕጊ፣ ወ.ዘ.ተ... ጥራይ ኣይኮነን ሃኒጹ። ኣብተን ኣብ ሓላፍነት ዝነበረለን ዓመታት፣ ተካእቲ መሪሕነት እውን መልሚሉን ኣፍርዩን ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተውህቦ፣ ንዓና ንኤርትራውያንን ከምኡ ድማ ንመላእ ህዝቢ ዓለምን ንክወሃብ እጽሊ።

ንዕኡ መንግስተ-ሰማያት

ንስድራ ቤቱን ንኩላቶም መሳርሕቱን ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም እብል።

ሃብተማርያም ኣብርሃ

ለንደን-ዓዲ እንግሊዝ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...