ሎሚ 18 መስከረም 2012 ንመበል 11 ዓመታት ነቶም ስለ ሓቂን ፍትሒን ዝተሓየሩን ዝተሰውኡን ሓርበኛታት እሱራት ዒራ-ዒሮ ብከቢድ ሓዘን እንዝክረሉ ዕለት ኢዩ። ሎሚ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘጥፍአ ኣጥፊኡ ኣብ ገምገም መቓብር ኣብ ዘለወሉ ግዜ፣ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ከኣ ዝተጨውየ ሃረርትና ንምምላስ ቁልፊና ሸጥ ኣቢልና ኣብ ዝዓጠቕናሉን ኣፍና ኣንባሂቑና ኣብ እንጽብየሉ ዘለና እዋንን፣ ስለቶም ንሰፈር ወኻርያ’ውን ዘይበቅዕ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራ-ዒሮ ዝተዳጎኑ ሰብ ሕድሪ፤ እንታይ ኣበርክቶ ጌርና ኢልና ነንነብስና እንሓተሉን መብጽዓና እነሐድሰሉን ዕለት ክኸውን ይግባእ።

ምስቁርቋር፣ መርገም፣ ወይ ሓዘንተኛ ጥራይ ምዃን ግን እኹል ድዩ? ዝኽሪ ደኣ ኣብ ኣድባራት ብክንደይ ጸሎተ-ፍትሓት፣ ኣብ መሳጊድ ከኣ ብዓቢ ዶዓን እንዶ ይዝከሩ የለዉን!

እዞም ሰባት ረዚን፣ ካብ ስንክሳር ቅዱሳት መጻሕፍቲን ቁርኣን ኣልከሪምን ዝኸብድ ለበዋን ቃለ-ኑዛዜን ገዲፎን ኢዮም ሓሊፎም ዘለዉ። ለበዋ ጀጋኑ እሱራት ዒራ-ዒሮ ክንትግብርን ሕነ ክንፈዲን ዝተበገስና ክንደይኮን ንኸውን? ኣብ ግዝኣተ ኢሳይያስ ብዘይካ ከም ሕጊ ሓሙራቢ፣ ዓይኒ ንዘንቆረ ዓይኒ፤ ሂወት ንዘሕለፈ ሂወት ካልእ ፍታሕ ከተናዲ ምፍታን ሃለውለው ጥራይ ኢዩ ዝኸውን።

እቲ ምንታይ ኢሳይያስ ብኣዕጽምቲ ጀጋኑ ደቂ ኤርትራ እናመወጸን ደም ደቀባት ኤርትራውያን እናጎጽጎጸን ዝመጸ ተኹላ ስለዝኾነ። ስለዚ ከምቲዋልታ ኣይትርአ፣ ክንዮ ዋልታ ንዘሎ ርአዝበሃል፤ ክንዮ ኣብ ኢንተርነት ምጽሓፍን ክንዮ ኣብ ረድዮታት ምዝራብን ሕነ እሱራትና ንምፍዳይ ኣንዊሕና ክንጥምት ኣሎና።

ሃይለ ወልደንስአ ኣብ ኤውሮጳ ነይሩ ብመንገዲ ግብጺ ገይሩ ናብ ኤርትራ ክምለስ እንከሎ ኣብ ካይሮ ንሰባት፦

“...ሰብኣይ ምውጥዋጥ የብዝሕ ኣሎ። ምውጥዋጥ ካብ ኣብዝሐ፣ ደጊም ምእሳርና ዘይተርፍ ኢዩ። ስለዚ ንሓልፍ ኣሎና ኣጆኹም ስለ ፍትሒ ሰዓቡናኢሉ ነይሩ ኢዩ።

ሓደ ተጋዳላይ ንጴጥሮስ ሰለሞን ከምዚ ኢሉዎ ነበረ፦ “... እንታይ ኢኹም ትገብሩ ዘለኹም? እዚ ሰብኣይ ብሰላማዊ ኣገባብ ንሕቶኹም ክምልስ ኣይክእልን ኢዩ። እታ ፍታሕ ምኽንባሉ ጥራይ ስለዝኾነት፣ ናይ ክልተ ደቀይን በዓልቲ-ቤተይን ሓላፍነት ጥራይ ተሰከሙለይምበር፣ ኣነ ክግስሞ እኽእልበሎ።

እቲ ብስለያን ጸጥታን ምኩር ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ጴጥሮስ ግን ነቲ ናይ ጻጸ ንሓርማዝ ዝምሳሰል ልመና፦

“...ንሕና ኣብዛ ሓዳስ ሃገርና፣ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብነት ዕልዋ መንግስቲ ክንከውን ኣይንደሊን ኢና። እዚ ጉዳይ ጉዳይ ህዝቢ ኢዩ። ስለዚ ወላውን ንሕና እንተሓለፍና፤ ህዝቢ ክስዕበና ኢዩ ስኽፍ ኣይበልካክብል መለሰሉ።

ንመስተንክር ክኸውን እቲ ተጋዳላይ፦ “ወዲ ሰሌ ከምኡ ኢልካ? በል ንታሪኽ ክኸውን’ዩ! ሕጂ ኣይንዕወተሉን ኢና እንተደኣ ኢልኩም ጽባሕ ንግሆ ካፕሬቶ ገይሩ ክበልዓኩም ኢዩ” በሎ። ከም ዋዛ ዝተዛረቦ ተጋዳላይ ትንቢተ-ነብያት ኮነ።

እቶም ኣሰርቲ ወጋሕታ ናብ መንበሪ ገዛ ማሕሙድ ሸሪፎ ምስ ከዱ፣ ሸሪፎ ፍሽኽ እንዳበለ፦

‘’... ክንጽበየኩም ተኺኽና ኢና ቀኒና። እንቋዕ ሕጂ መጻእኩም! ያላ ባጋ ንኺድበሎም።

ከምኡውን ሓደ ምኩር ተጋዳላይ ኣብ ቲራቮሎ ንጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ፦

“...ኣንታ ወደብርሃ እዚ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ዝፍታሕ ኣይመስለኒን። ግዜ ንብላሽ ተጥፍኡ ዘለኹም ኮይኑ እስመዓኒ ኣሎ። እታ እንኮ ፍታሕ ንህዝቢ ኤርትራ፣ ነዚ ሰብኣይ ምእላይ ጥራይ ኢያ። ስለዚ ብዛዕብ ምቕንጻል ኢሳይያስ ገለ ነገር ዘይንገብር?” ምስ በሎ ጀነራል ዑቕበ፦

እዚ ጉዳይ ጉዳይ ህዝቢ ስለዝኾነ፣ ማዕበል ተንሲኡ ጥራይ ፍታሕ ከምጽእ ኣለዎ’ምበር ጎነጽ መፍትሒ ኣይኮነን። ኣብዚ ሰዓት’ዚ ስጉምቲ ኣንጻሩ ክውሰድ ኣይከኣልን ኢዩክብል መለሰሉ።

ዝኣረገ ኣንበሳ ወኻሩ ይጻወታሉ ከም ዝበሃል፣ ንሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገረዝግሄር ዝኣሰሮ ድማ እቲ ከም ወላዲኡ ኮይኑ ዘዕበዮ ሙለር ዝተባህለ ኣውቲስትኡ ኢዩ ዝነበረ። ሙለር ብምኽንያት ትውልዱ ካብ ኢሳይያስ ብዝረኸቦ ተኣማንነት፣ ኣብ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ናይ ምእሳር ሓላፍነት ተዋሂቡዎ ክሳብ ሎሚ ንሰባት ዘሳቒ ዘሎ ጉሒላ ኢዩ።

እቲ ኣብ ኤውሮጳ ብስራሕ ምኽንያት ተሪፉ ዝነበረ በራኺ ገብረስላሴውን ካብ ዳስ ሓውያ ከምልጥ ሙሉእ ተኽእሎ እናሃለዎ ኣይተረፈን። ገለ ሰባት ኣብ ኤውሮጳ፦

እቶም ብጾትካ ናይ ማእሰርቲ ጽላሎት የንጸላልዎም ኣሎ። ስለዚ ንስኻ ንህዝቢ ክትጥርንፍ ኣብ ደገ እንተትጸንሕ ኣይምሓሸን?” ክብሉ ምስ ሓተትዎ፦

“...ኣይፋለይን! እኺድ ደኣ ሕደጉኒ። እታ ዘላ ኣብኣ ኣላ። ካብ ብጾተይ ዝተርፈሉ ምኽንያት ከኣ የብለይን።ኢሉ ኢዩ ዝመለሰሎም።

መስፍን ሓጎስ’ውን ብኢስይያስ ኣፈወርቂ ንዝተዋህቦ ልኡኽ፣ ልኡኽ ሓሊቦ መታን ከይበሃል፣ ናብ ዓዲ ጥልያን ኣብ ዝኣተወሉ ግዜ ማይውን ከይሰተየ ኢዩ ናብ በራኺ ተለፎን ዝደወለ፦

“...ንመሬት ብኹላ ተቖጻጺርናያ ስለዝኾንናስ ቀልጢፍካ እቶ።ብሎ። እቲ ዘሕዝን ናይ ኩላቶም ኣተኣሳስራ ከም ዋዛ ኢዩ ዝነበረ። ቤት ማእሰርቲ ኢሳይያስ ካብ ሜዳ ብስምሓለዋ ሰውራ’ ዝጀመረ፣ ዓሌት ናይ ምጽናት ሜላ ሂትለር ዝተኸተለ ምንባሩ ካብ እሱራት 1973-1976 እኹል ምህሮ ረኾቦም ክነሶም ከመይ ዝኣመሰለ ስራይ ከም ዝዓንዘዞም ንኣዳም ገረሞ ነበረ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ብምእሳር ጂ-15 ብታሕጓስ ዝኣክል ኮቦሮ ሓምሓም ዝሃርሙ ዝነበሩ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ ንብዓት ሓርገጽ ዝነብዑ ዘለዉ ጉሒላታት ገለ ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፣ ጽባሕ ንግሆ ብፋይላት ምትሕሓዝ ከም ዝመጽእ ንታሪኽ ይጭነቆ።

ሽዑ ኣብቲ ግዜ ኣልማማ ምእሳር፣ ጀርማኖ ናቲ (ኣዲኡ ወላዲቱ፣ ወይ ናይ ቀረባ ዘመድ ሞይቱዎ ስለዝነበረ) ኣብ ባረንቱ ኣብ ሓዘን ኢዩ ዝነበረ። እቶም ኣሰርቲ ትኽ ኢሎም ናብቲ እንዳ ሓዘን ከዱ። ከም ባህሊ ንደቒቕውን ጽንዓት ይሃብኩም ከይበሉ፦

ደሊናካ ስለዘለና ንዓናይ ተበገስበሉዎ። ሰባት ሰንቢዶም ንሓድሕዶም ተጠማመቱ። በዓልቲ ቤቱ / ማካ ንሓደ ካብኣቶም ንደገ ኣውጺኣ፦

እንታይ ኢዩ ነገሩ ብጾት? ናበይ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ ጀርማኖ? ኣብ ሓዘን ስለዘለናስ ዋላ ድሕሪ ሰሙን እንዶ መጺእኩም ውሰድዎኢላ ለመነቶ። ንሱ ብዘይካ፦

ንግዚኡ ኢና ንወስዶ ዘለና። ኣብ ቀረባ መዓልቲ ክምለሰኩም ኢዩ። እመንኒኢሉ ንጀርማኖ ናብ መኪና ሰቒሎም ወሰድዎ። ኩላቶም ሓርበኛታት ጋዜጠኛታትን ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቲን ከም እኒ ፓራላይዝ ስንኩል እድሪስ ኣባ-ዓር፣ ኪሮስ ዓወር፣ ኢሳይያስ ረድኢ፣ ስዩም ጸሃየ፣ ፎርዖን ..... ንብላሽ ጠፊኦም ኢዮም።

እቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ ኣማሓዳሪ ተመዚዙ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ኢሳይያስ ረድኢ፣ ኣብቲ የማነ ማንኪ ንጉዳይ -15 ኣመልኪቱ ኣብ መንደፈራ ዝገበሮ ኣኼባ ሓለፍቲ፦

እዞም ተንበርከኽቲ ኢዮም ኢልካ ክትገልጾም ዝጸናሕካ መሪሕነት ነበር፣ ቃሎም ኣስምዑና ፍርድና ክንህብ። ሕጂ ግን ብሓደ ወገን ጥራይ ንዝቐረበ ክሲ ሰሚዕና ክንፈርድ የጸግመና ኢዩበሎ። የማነ ሽዑ ምንም ኣይመለሰሉን። ኢሳይያስ ብድሕሪ ኣኼባ ብመኪንኡ ናብ ስድራ ቤቱ ኣስመራ ክኸይድ እንከሎ፣ ክልተ ብረት ዝዓጠቑ ወተሃደራት ኣብ ብሎኮ መንደፈራ ጸኒሖም ኣሰርዎ።

ንሕና እዞም ካብ መዲድን መጥሓንን ህግደፍ ዝተረፍና ሰባት እስከ ብዘይ ምቕሻሽ ነብስና ንፈትሽ! ብድሕሪ ምዕጻው ጋዜጣታት ብሕቲ፣ ብድሕሪ ጃምላዊ ምእሳር ጀጋኑ ሃገራውያን፣ ስርዓት ኢሳይይስ ንምውዳቕ ክሳብ ክንደይ ሰሪሕና? ለበዋኦም ንምትግባር ክሳብ ክንደይ ኣስቆርቊርና? ስድራ ቤቶም ካብ ዝኽትምና ንምጽንናዕ፣ ደቆም ንምንባይ እንታይ ኣበርክቶ ጌርና? ካብ ምንጋጋ ኣራዊት ንከነውጽኦም፣ ጉዳዮም ናብ ሕጋዊ መጋባእያ ንምቕራብ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ንምንጋር ከመይ ዝኣመሰለ ጻዕሪታት ኣካዪድና? ኢልና ንነብስና ክንሓትት እዋናዊ ጉዳይ ኢዩ።

ብዙሓት ነብሶም ከዐሽዉ ይረኣዩ ኢዮም። ዓመት መጸት ንዝኽሪ 18 መስከረም ሽምዓ ምውላዕ ጥራይ ኣኻሊ ድዩ? ሽምዓ ደኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገገዝኡ ኮይኑ ኣብ ማእከል ሃገሩ እውልዕ የለን?

ገዳይም መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባር፣ ምኩራት ጋዜጣኛታትን ካልኦት ብዙሓት ሃገራውያንን ከም ዋዛ ሓንሳብ ናብታ ገበነኛ ኢሳይያስ ዝኾዓታ ጉድጓድ ምስ ተደርበዩ ኣይተፈትሑን። ንዝፈትዉዎ ህዝቦምን ስድራ ቤቶምን ምስ ተፈልዩዎም ድማ ኣይተመልሱዎምን። ምኽንያቱ ኣብ ዘበን ኢሳይያስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣቱምበር ዝወጽእሲ ኣይተራእየን።

ስለዚ ‘ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ’ ከም ዝበሃል፣ ኤርትራ ሃገርና ካብ ሓደገኛ ቫይረስ ንምድሓና፣ ጸረ-ቫይረስ ሶፍት-ዌር ከነናዲ ኣሎና። ‘በዓል ኣመል ኣመሉ ኢእሓድግ፣ ዎ ደብር ዲብ ኣካኑ!’ ከም ዝበሃል ምስላ ብሄረ ትግረ፤ ንሕና ኣብ ጉዳይ ኢሳይያስ ዘለና ኣረኣእያን ኣፈታትሓን እንተዘይቀይርና፣ ንሱ ኣመሉን መንገዱን ክገድፍ ዘበት።

ነባሪ ዝኽሪ ንእሱራት ዒራ-ዒሮ!

ዕንወት ንግንባር መናፍቓን፣

ህንጻት ንግንባር ዓደ’ቦ!

ኣነና ብደገን ብውሽጢን!!

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...