እንዳ ዝናን-ባህታን፡ ዓዲ እትው ምስበሉ፡ ብድኽነትን ስእነትን ዝወራዘዩ ክሳብ ዝመስሉ ካብ ኮምቢሽታቶ ለመንቲ ክሓፍሱ ከምዝጀመሩ መቸም: ዝብላዕ ደኣ ኣይኮነን’ምበር፡ ዝርሳዕ ዛዕባ ኣይመስለንን።

እወ ድኽነት ከይጠፍአ ልመና ጠፍአ ብምባል ድራር ዝና ትኸውን ዛዕባ ንምብኳዕ’ሲ፡ ልመና ክፍንፍኑ ጀሚሮም ማለት’ዩ። ይዋእ ኣብ እዋኖም ድራርን ስራሕን ስኢኑ ብሕሱም ድኽነት ዝባኑ ክቐልዕ ዝተዋረደ ዜጋ።

እንዳ ዝናን-ባህታን ሕሉፍ ሓሊፉዎም ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ በብዓይነቱ ስራሕ ዝምዕብለሉ ሜላ ንምኹስኳስ፡ ምስ ንግድን ዕዳጋን ክመሳሰሉ ክንዲ ዝፍትኑ፡ መንግስቲ ኣምቶቡሳት ናይ ከተማን ጎሓፍ ዝጸርጋ መኻይንን ዓዲጉ … ዝብል ዛዕባ ከይተረፈ፡ ከም ፍሉይ መንግስታዊ-ስጉምቲ እናጸብጸቡ’ዮም፡ ባዕሎም ንተግባሮም ከድንቑን ዕጋበቶም ክገልጹን፡ ንጽርግያ ኮምቢሽታቶ ካብ ለመንቲ ናጻ ኣውጺኦም ክሓዝኡዎ ዝፈተኑ። እነሆ’ኳ  ሽዓ ምስፈለሉ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ካተድራለ ክሳብ ሎሚ ይጽለሉ።

ብኣንጻሩ ሩባ መረብ ስግር ኢሉ ዝተሓንጸጸ ሓዲሽ መስመር ግን፡ ሀ! ሀ! ምሳኻትኩም’ሲ በቲ ንኹልና ባህ ዝብለና ዛዕባ ጥራይ እናተዋሳእና፡ በቲ ንኣኹምን ንዝናኹምን ባህ ዝብለኩም መዳይ ግን መኣድኹም ምእንቲ ክትብሕቱ ሽሻይኩም ይስረዓልኩም። ግዜና ከይተጥፍኡልና ደሓን ውዓሉ ንብለኩም ኣለና፡ ዝብል ዛዕባ’ዩ ዝብላዕ ዘረባ ኮይኑ ዝተዓቀበ።

መሰረት ናይ’ዚ መስመር’ዚ ንዕለታዊ ሂወት ዜጋታት ዘንጸባርቕ፡ ንሕና ብድኽነትና ኣይንሓፍርን ኢና ዝብል ግልጽነት’ዩ ዝነበረ። ምእንቲ ፍቕሪ ግን፡ ምናልባት ከም’ዚ ሓደ ሓደ ግዜ ትብልዎ ምስ’ቶም ጥልያናት ኣብ ዕዳጋ እንተውዒልኩም፡ ንመፈተኒ ዝኾና ሓደ-ኽልተ ናይ ጎሓፍ መኻይን ምስ’ተን ናትኩም ተማልኡልና። ካብኡ ብዝተረፈ ግን ግዲ’ብልኩምን ገግራትና ምእንቲ ክንሓርስ ጻዕዳ’ጽናሕኩም’ዩ ዝተባህለ።

ከመይ’ሲ ኣብ’ዚ ደምበና ዘሎ ድኽነት ትንፋስ ዝህብ ኣይኮነን፡ እቲ ዝዓበየ ዕማም ከኣ ነዚ ድኽነት’ዚ ሓንሳብ ንሓዋሩ ካብ ሱሩ ምቡርቋቑ’ዩ እናበለ’ዩ ዝብላዕ ዘረባ ኣብ ስግር ሩባ-መረብ ነቒሉ። ብኸም’ዚ ዝበለ ኣገባብ እምበኣር’ዩ ንሰሜንን ንደቡብን ዝጥምቱ ክልተ መንግስታት ኣብ ክልቲኡ ስግር ሩባ-መረብ ዝተተኽሉ። ሽዑ ድማ’ዩ ከይወዓለ ከይሓደረ ናይ ባድመ ሕማም ዝተሓመ።

ሎሚ ምሸት ካብ ላይብራሪ ናይ ኣቶ ሚኪኤል ዳምጠው ካብ ኦረጎን፡ ብዮርዳኖስ ተኽለ ዝተደርሰት ኣድጌታ ትበሃል መጽሓፍ በጺሕትኒ። ፈለማ’ኳ ኣርእስቲ ናይ’ታ መጽሓፍ ግር’ዩ ዝበለኒ። ካብኡ ትሕዝቶ መጽሓፍ ምእንቲ ክመሃር ቀልጢፈ’የ ገጽ ሓደ ከንብብ ዝጀመርኩ። ሽዑ ገጽ ክልተ ስለስተ ….. ዓሰርተ….. ቀጸልኩ። ከይተፈለጠኒ ድማ ኣብ’ቲ ድሙቕ ዕላልን ሰሓቕን፡ ኣሞረን ስኽራንን፡ ናፍቖትን ሓልዮትን፡ ዝሰፈኖ መኣዲ፡ ….. ደቀ’ስመራ፡ ደቂ ገዛውትና፡ ኣዕሩኽትና፡ ….. ተዋሒጠ ህልም በልኩ።

ከተማ ሎንዶን ከም’ዛ ኮምቢሽታቶ ሶቶብራሾ ተተሓሒዞም ኮዘን ዝብሉ መንእሰያት ዝሓዘት መሲላ ክትረኣየኒ ምስ ጀመረት ግን፡ ነታ መጽሓፍ በዓልቲ ቤተይ ካብ ኢደይ መንጢላ ወሲዳታ። ኣነ ድማ ሕራይ ውሰድያ ደሓን ዘይከማኽስ! ክብላ ጅምር ምሰበልኩ ወዮ ዘንበብኩዎ ትዕዝብቲ ዮርዳኖስ ትዝ በለኒ’ሞ ንዘረባይ ባዕለይ  በላዕኩዎ።

መጽሓፍ ኣድጌታ ኣብ ገጽ 23፡

“ዝብላዕ ዛንታ ዘለዋ’ያ ትመስል። … ኣብ ገጽ 21 ድማ ከምዚ ዓይነት ናይ ወድን ጓልን ምፍላጥ፡ ኣብ ባህሊ፡ መርዓ፡ ቤት መግቢ፡ እንዳሳዕስዒት፡ ኮታ ኣብ ናይ ሓጎስ ቦታ ዝምስረት’ዩ ዝመስለኒ ኔሩ። ኮይኑ ግን ኣብ እንዳ ሓዘን’ውን ትፋለጥ ኢኻ በልኩ ብልበይ። ‘ባህታ ኣብ ጓሂ’ ማለት’ዩ።”

ዝብሉ ገለጽቲ ሓሳባት ኣስፊራ’ላ። እዚኣቶም ምሰ’ንበብኩ ኣብ’ዛ ናይ ሎሚ ዛዕባይ ከልዕሎም ክሳብ ዝሃርፍ’የ ኮይነ።

ቀጺሉ ድማ “ባህታ ኣብ ጓሂ  …. ነበርቲ ከምዘይኮና እንዳዘከርካ ስለተዕልል፡ ኩሉ ናይ ልቢ’ዩ” ይብል ዝብላዕ ዘረባ ናይ ደራሲት። ስለ’ዚ ሂወት ዘለዎ መጽሓፍ ስለዝደረሰት፡ ኣገናዕ እብላ ንዮርዳኖስ። ደራሲት ቪዛ ዘየድልዮም ኣፍራስ ናይ ፈይስ ቡክ ትዊተር ያሁ …. ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካብ ኣየር ፖርት ናብ ኣየር ፖርት ዝግበር ምንቅስቓስን ምንፍፋቕን፡ ኣብ ስደት ኣብ አውሮጳን ኣመሪካን ናይ ዝርከቡ ኤርትራዉያን መንቀሳቐሲ ወረቐት ከምዘየድልዮ ኣጻዕድያ’ያ ገሊጻቶ። እወ ሓቃ’ያ ደራሲት፡

ወድሰብ በ’እምሮ እንተተመሪሑ

ልቦና እንተግፊሑ

ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ

ኩሉ ነገር ከም ዝጽበዮ ተሰጢሑ፡ ከም ዝረኣዮ በሪሁ፡ እንተወዲእዎ’ኳ ሰሪሑ።

ዝኾነ ኾይኑ ባኒ ኣብ ዝጠፍኣሉ ዕዳጋ ናይ’ዛ ዕሸል ኤርትራ፡ እንዳ ዝናን-ባህታን ጠበንጃ፡ ከም ታሴራ ንሓንካስ ንዕዉር ከይገደፉ ይዕድሉ’ለዉ ይስማዕ ኣሎ። እዚ ዛዕባ ዝብላዕ ኣይኮነን። እዞም እንዳ ዝናን-ባህታን’ሲ ዉዑይ ደም ምፍሳስ ስለዝለመዱ ብሕጂ’ውን ናብ ኲናት ከይጠብሱና፡ ይኽደነናን ጥራይ’ዩ ዘብለካ።

ብኣንጻሩ ስግር ሩባ-መረብ ዝርአ ዘሎ ናይ ስራሕ ምንቅስቓስ ግን፡ ድሕሪ’ቲ ሰፊኑ ዝቐነየ መሪር ሃገራዊ ሓዘን ብሰንኪ ዕረፍቲ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፡ ሓደስቲ መራሕቲ፡ እኳ ደኣ ኣብ ገድልን ምግዳልን ዘይወዓሉ መንእሰያት ተመሪጾም ዝብል ሓዲሽ ዝብላዕ ዘረባ’ዩ ተኣዊጁ ዘሎ።

ስለ’ዚ እዚ ኣብ ክልቲኡ ስግር ሩባ-መረብ ዝኽሰት ዘሎ ሓዲሽ ኩነታት ዘሳኒ ኣይኮነን። ኣብ ሩሑቕን ኣብ ቀረባን ኣብ ስደት ንዝርከቡ ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ከኣ፡ ብፍላይ ብዛዕባ ኩነታት ኣተዓዳድላ ጠበንጃ ኣብ ኤርትራ ከቢድ መጠንቀቕታ፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጋህደ ናይ ስልጣን ምትሕልላፍ ድማ ዓቢ ስምዕታ ዘለዎ ተጻራሪ ኩነታት’ዩ ዝንጸባረቕ ዘሎ።

ስለ’ዚ ካብ ዝሓለፈ ነዊሕ ናይ ዕንወት ኲናት እንተተነቒሉ፡ እዚ’ውን ይሓልፍ ዝብል መሪር ድምጺ መንእሰያት ኤርትራ ካብ በረኻታት ሲናይ እንተተዘኪሩ፡  ምእንቲ ለውጥን ዕርቅን፡ … ዋ! ዋ! ሎሚ ድማ ኲናት? ዘበት! ዝብል ድምጺ ምቅላሕ ከድሊ’ዩ።

ኣንቱም ሰባት ናይ ሓምሳ ዓመታት ኲናት ይኣኽለና’ባ።

ብምባል ምስ’ዞም ሓደስቲ መራሕቲ ናይ ኢትዮጵያ ዝብላዕ ዘረባ እንተዝስፈል ንጉስ ሰማይን ንጉስ ዕዳጋን  ምዓገቡ። ናብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ድማ ማ’ጨሎቶም ምነጸጉ። ደለይቲ ሰላም ድላዮም ምረኸቡ።

እወ አኮኖሚ አውሮጳን ኣመሪካን ካብ’ዚ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ፈተና ንኽወጽእ፡ ኣብ ርሑቕ ሃገራት ማለት ኣብ ቻይና ህንድን ሩስያን ዘለዉ ድኻታት ክህብትሙ ኣለዎም። ኲናት ኣየድልን’ዩ። ዶባትን ወተሃደራዊ ቃልኪዳናት’ውን ክፈርሱ’ለዎም ኣብ ዝበሃለላ ዘሎ ዓለም ዕዳጋ፡ እንዳ ዝናን-ባህታን ናበ’ቢሎም’ዮም ክንከይድ ዝድልዩና ዘለው?

እንታ’ዩ ድላዮም? ምስ’ዛ ናይ ኣፍሪቃ ቻይና፡ ናይ አውሮጳ ጀርመን ዝብል ናይ ንግድን ዕዳጋን ናይ ቅጽል ስም ኣማዕቢላ ዘላ ኢትዮጵያ፡ ደጊምከ እንታይ ክገብሩ’ዮም ዝሕልኑ ዘለዉ?

ክሳብ ሕጂ ንጁቡቲ ንከንያ ንሶማል ንሱዳን ኣሕሊፎም ሂቦሞ ዘለዉ መጻኢ ዕድልና ኣይምኣኸሎምንዶ? አረ እዚ መለክዒ ዘይርከቦ ጽልኦምን ህልኾምን ምስ ኢትዮጵያ ካበይ ዝመጽአ’ዩ? ሎሚኸ ብናይ መን መጻኢ-ዕድልን ሂወትን’ዮም ክጣልዑ ዝብገሱ ዘለዉ? (ክቕጽል’ዩ።)

ሰላምን ቅሳነትን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ። (09/18/2012)

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...