አብ ሓደ እዋን ውልቀ መላኺ ኢሰያስ አፈወርቂ አብቲ ቅጭን ሕርቕን ዘምጸአልካ ናይ ኮለል ቃለ መሕትቱ፡ ንደለይቲ ሰላም ፍትሕን ደሞክራስን ኤርትራውያን ተቐማጦ ቺካጎ “ምስ ሓርገጽ ክበአሱ ዝፍትኑ” ክብል ከቃጭጮም ፈቲኑ ኔሩ። እምበአርከስ ጉዕዞይ ናብ ከተማ ቺካጎ ከቕንዕ እንከለኹ አብ አእሙሮይ ዝነበረት ቀዳማይቲ ነጥቢ ናብ ወይጦታት ህግደፍ ዝዓስከሩላ ከተማ ይኸይድ ምህላወይ እዩ። ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ከተማ ቺካጎ ብዝገብሩለይ ዕድመ እየ አብቲ “ኩልና ደቂ ዓዋተ ኢና” ብዝብል ቴማ ዝተጸንበለ በዓል ሓደ መስከረም ክሳተፍ ዝኸድኩ። እቲ በዓል ብኹሎም ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ባእታት ብሓባር ዝተዳለወ እዩ ኔሩ።

ነቶም ሙዑታት አሕዋትን ደለይቲ ለውጢ አጆኹም አብ ጎንኹም አለና ዝብል መልእኽቲ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ከብጽሕ እየ ከይደ። አብ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጻሕኩ ሓደ ካብቶም ሙዑታት መንእሰያት ቺካጎ ኤፍሬም ዉሬታ አብ መዓርፎ ነፈርቲ ተቐቢሉኒ። ድሕሪ ሰላምታ ንኤፍሬም በል ጥንቅቕ በል ሓርገጽ ህግደፍ ከይበልዓና በልክዎ። ኤፍሬም እንዳሰሓቐ አበይ ዘሎ ሓርገጽ ቀደም አብ ክሻ አሲርና ናብ ለይክ (ቀላይ) ሚሽጋን ዝደርበናዮ ክብል አስሒቑኒ።

ቀጺለ እሞ ሓቅኹም ኢኹም ንበረኸት መንግስትአብ ከተጓይይዎ በልክዎ እቲ ንበረኸት ብውርደት ዝጎልበቦ ዛንታ መታን ከዕልለኒ። ነቲ ጦንቋላይ በዓል ዛዕጎል ዲኻ ክብል ነዛ በረኸት ተጠሚቕዋ ዘሎ ሓዳሽ ቅጽል ስም ነገረኒ። እዋእ ጠንቋላይ እንተዝኸውን ደአ ንምንታይ ምስዛ ትጥሕል ዘላ ታይታኒክ መርከብ ህግደፍ ይመራሳሕ አሎ? ንምንታይ ቀልጢፉ ዘየምልጥ ኢለ ደጊመ ሓተትክዎ፡ ኤፍሬም አይሓመቐን ደይ ጽባሕ’ውን ምስቲ ዝመጽእ መንግስቲ ኩንትራቱ አሕዲሱ ክቕጽል እዩ ክብል ደጊሙ አስሓቐኒ። ሓቁ’ዩ ኤፍሬም በረኸት እኮ ምስ ሃይለስላሴ ምስ ጀብሃ ዓባይ ምስ ሻዕብያ ምስ ወያነ ሕጂ ድማ ምስ ህግደፍ ግልብጥ ግልብጥ ዝብል ማልያ ዘይብሉ ለኽባጥ እዩ በልኩ ብውሽጠይ።

ብዝተረፈ ሳዕስዕ እሞ ስራሕካ አይትረስዕ አብቲ ብደለይቲ ለውጢ ዲሞክራስያውያን ተቓለስቲ ከተማ ቺካጎ ዝተዳለወ ሓጺር አኼባ ስለዝነበረ ተሳተፍቲ እንካን ሃባን ዝዓይነቱ ተሞክሮታት ተወሃሂቦም። ሓይሊ ዕማም ንምስላጥ ከተማ ቺካጎ ኮሚተ ብምምዛዝ ስርሓ ንኽትቅጽል ተሰማሚዖም። ነቲ አኼባ ሓው ቀልአብ ብጉቡእ መሪሑ አወሃሂድዎ። እቲ አዝዩ ዘገርም አብ ካልእ ከተማታት ኤርትራ ዘይተዓዘብክዎ ደስ ዘብል ነገር አብ ከተማ ቺካጎ ተዓዚበ። እዚ ኢፒዲፒ እዚ ባይቶ ወይ ኪዳን እዚ መንእሰይ ዝበሃል ፍልልያት ቦታ የብሉን። ከመይ ንልብኻ ጸባ ዘስትይ ቅኑዕ ናይ ለውጢ ድልየት። ኩለን ከተማታት ካብ ከተማ ቺካጎ ክመሃራ፡ ዓወት ብምጽውዋር እምበር ብምንቛር ከምዘይመጽእ ክርድአ ይግባእ።

ቀጺሉ ዝነበረ መደብ ባህላዊ ምሸት ኮይኑ ድምጻውያን ዶ/ር አማኑኤል ካሕሳይ ንያት ኪዳነን ዳዊት ካሕሳይን ንተዓዘብቲ ዘነቓቕሑን ዘዘናግዑን ዘመናውን ባህላውን ዜማታት ብምቕራብ ነቲ መደብ አማዕሪጎሞ አምስዮም። ድምጻዊ ዶ/ር አማኑኤል ካሕሳይ ምስቲ ዘለዎ ጻዕቂ ስራሕ ከይተበድሀ ፍቖዶ ዓዲ እንዳገሸ ኤርትራዊ መንእሰይ አብዚ ቃልሲ ንኽዋሳእ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከይጠቐስክዎ አይሓልፍን።

አብ ከተማ ቺካጎ ሓደ መንእሰይ ከመይ አቢሉ ንአሜሪካ ከም ዝመጸ ዘደንጹ ጅግንነት የዕሊሉኒ። ብዝአተኹሉ መብጽዓ እቲ ታሪኽ ንግዚኡ ንባዕለይ ክዕቅቦ እየ። ፍቓድ እንተሂቡኒ ግና አብ መጻኢ ከቕርቦ ምዃነይ ቃል ይአቱ። ቀደሙ ዝገብር ነይነግር ተባሂሉ እኮ’ዩ። አብ መወዳእታ ንቕሎ ኮይኑ ንኸተማ ቺካጎ ተፋንየያ ናብ ዓዲ ሓርነት አብ ስደት ከተማ ኦክላንድ ጉዕዞይ አቕናዕኩ። ነቶም ከተማ ቺካጎ አትየ ስጋብ ዝምለስ ብጻይነቶም ዝለገሱለይ ናይ መትከል ብጾተይ ብሓፈሻ ንኤፍረም፡ አሮን፡ ሳሚን፡ በሽርን ካልኦትን ምስጋናይ እንዳገለጽኩ አብ ቀጻሊ መድረኽ ብሰላም የራኽበና ይብል።

ሰሎሙን ገብረእየሱስ

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ


 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...